bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday, 15 April 2016

ራእይ ዮሓንስ ናይ መወዳእታ ዓለም- 8ይ ክፋል

18 ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ቲያጥሮን ውን ከምዚ ኢልካ ጽሓፍ።
ናይ ቲያጥሮን መልኣኽ (ጳጳስ) ዝተባህለ ናይ ፖሊካርተስ ወደ መዝሙር ዝነበረ ቅዱስሄሬኔዎስምዃኑ ሊቃውንት ይነግሩና። ናይ ቤተ ክርስያንና (ናይ ኢትዮጵያ) ሊቃውንት ግንሉክዮስይብልዎ።
እቲ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ዝኾና ኣዒንቲ ዘለውኦ፡ ኣእጋሩ ዘንጸባርቕ ኣስራዚ ዝመስል ወዲ ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ።
እዚ ምግላጽ እዚ ምስቲ ናይ ቲያጥሮናውያን ሥራሕ ዝተዛመደ እዩ። እታ ከተማ ብብዝሒ ሓጻውንን ኣስራዝ ዝሥርሓላ ብምዃና ምስ ሥርሖም ብዝዛመድ መንገዲከም ሃልሃልታ ሓዊ ዝኾና ኣዒንቲ ዘለውኦ፡ ኣእጋሩ ዘንጸባርቕ ኣስራዚ ዝመስልኮይኑ ተገሊጽሎም።

እዚ ኣገላልጻ እዚ ነቢይ ዳንኤል  ምስ ንወልደ እግዚአብሔር ዝረኣየሉ ኣገላልጻ ተመሳሳሊ እዩ።ኣዒንቱ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኣእጋሩን ቀላጽሙን ከም ርሱን ኣስራዚ” (ዳን 106) ይብሎ። ነቢይ ዳንኤል ነቲ ዝረኣዮ ወልደ እግዚአብሔርወዲ ሰብኢሉ እዩ ጸዊዕዎ። ኣብዚ ድማ ብተመሳሳሊ ኣገላልጻ ኮይኑ ግንወዲ እግዚአብሔርብምባል ተጸውዐ። እዚ ድማ ክርስቶስ ወዲ ሰብን ወዲ እግዚአብሔር ምዃኑን ክልቲኦም ብዛዕባ እቲ ሓደ ወዲ እግዚአብሔር ዝተነግሩ ምዃኖምን የርኢ።
ናይታ ከተማ ናይ ነሓሲ ኢዱስትሪ ሓላዊ ኣምላክ ዝነበረኣፖሎዝተባህለ ጣዖትኣዒንቱ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኣእጋሩ ከም ዝረሰነ ኣስራዚ ኮይኑ እዩ ዝሰኣል ኔሩ። ኣብ ናይ ቲያጥሮን ሳናቲም፡ እዚ ዓይነት ሥእሊ ተሓቲሙ ኔሩ።
.ዮሐንስ ኣፈወርቅጳጳስ ንቑሕ ክኸውን ኣለዎ። ሽሕ ኣዒንቲ ክህልውዎ ውን ይግባእ። ንምርኣይ ቅልጡፍን ዓይነ ሕልናኡ ዘይጸልመተን ክኸውን ኣለዎ። ኣዝዩ ንቑሕን ከም ዝረሰነ ኣስራዚ ብመንፈስ ዝቃጸልን ክኸውን ኣለዎ። ነቒሑ ዝሕሉን ተጊሁ ዝንከባኸብን ክኸውን ኣለዎ።
 
 19 ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ትዕግሥትኻን  ካብቲ ቀዳማይስ እቲ ዳሕረዋይ ግብርኻ ከም ዝበዝሕ ፈሊጠ ኣለኹ።
ከምቶም ዝቐደሙ መጀመርያ እምነቶም ፍቕሮምን ጽቡቕ ተግባሮምን ነገሮም። ብፍላይ ድማ እዚ ዳሕረዋይ ሥርሖም ካብ ቀዳማይ ሥርሖም ንላዕሊ እናበዝሐ፡ እምነቶምን ፍቕሮምን ምግባሮምን እናዓበየ ከም ዝኸደ ነገሮም። መንፈሳዊ ሰብ ዕብየት እኳ እንተ ኣርኣየ ምንም ዓይነት ድኻም ኣይረኣዮን እዩ ማለት ግን ኣይኮነን። ድኻሙ እና ኣለየን እናመሓየሸን ነቲ ጽቡቕ ነገር እናወሰከን ግና ይኸይድ።
 
20 ግናኸ ነታ ነቢዪ እየ እናበለት ነቶም ኣገልገልተይ ክምንዝሩን ንጣኦት ዝተሠውአ ክበልዑን እትምህሮምን  እተስሕቶምን ዘላ ኤልዛኤል እትበሃል ሰበይቲ ስቕ ኢልካ ብምርኣይካ  ፈሪደልካ ኣለኹ
ኤልዛቤል መን እያ?
ኣብ ብሉይ ኪዳን ሰበይቲ ኣክኣብ ማለት ጓል ኤትበአል ሲዶናዊ እያ።(1 ነገ 1631) ንሰብኣያ ኣክኣብ ናይ በዓል ጣኦት ንኸምልኽን ክፉእ ሥራሕ ንኽሠርሕ ትደፋፍኦ ዝነበረትን ንሳ እያ። ኣብ እስራኤል ኣምልኾ ባዕድ ከም ዝስፋሕፋሕ ዝገበረትን ንኤልያስ ዘሳደደቶን ኤልዛቤል እያ። ኣብ ቤተ መንግሥታ 400 ናይ በዓል 450 ድማ ናይ ኣሸራህ ዝተበአህሉ ጣኦታት ነብያት ትምግቦም ነበረት።(1 ነገ 1819)
ኣብ ራእይ ዮሐንስ ዝተጠቕሰት ናይ ቲያጥሮን ኤልዛቤል ብዝምልከት ሊቃውንት ዝተፈላለየ ሓተታ ኣቕሪቦም ኣለዉ።
  1. ናይ መጀመርያ ሓተታኤልዛቤል ዝተባህለት ናይቲ ጳጳስ ሰበይቲ እያ ዝብል ናይ ሶርያን ግሪኽን ጥንታውያን መጻሕፍቲ መሠረት ዝገበረ ትርጉም እዩ። ኣብዞም መዛግብቲ እዚኣቶምሰበይትኻ ኤልዛቤልይብል። እዛ ሰበይቲ ናይዚ ጳጳስ ናይታ ቀዳመይቲ ኤልዛቤል መንገዲ ተኸቲላ ኣምልኾ ጣኦትን ዝሙትን እናስፋሕፍሐት እንተኾነ ግን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነጊሳ ትነብር ነበረት።
  2. ካልኦት ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቲያጥሮን ትነብር ዝነበረት ክርስቲያን መሲላ ነቲ ጳጳስ ዘታለለትን ዝሙት ዝተሓወሶ ኣምልኾ ጣኦት ሽግር የብሉን ኢሎም ከም ዝቕበሉ ዝገበረትን ሓያል ሰበይቲ እያ ይብሉ።
  3. ኣብታ ከተማ እትነብር ሃብታም ሰበይቲ ኮይና ሃብታ ብምጥቃም ምእመናን ዘጋገየት ሰበይቲ እያ ዝበሉ ውን ኣለዉ።
  4.  ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ድማ ብርግጽ ሓንቲ ሰበይቲ ዘይኮነት ቫለንቲያስ ዝተባህለ መናፍቕ ተኸቲለን ዝኸዳ ናይ ጴርስቅላ ማክሲማያላን ካንቲላን እየን ይብለን።
  5. ተግባራቶም ከምታ ቀዳመይቲ ኤልዛቤል ዝኾኑ ሓደ ጕጅለ መናፍቓን እዮም። ከምቲ ኤልዛቤል ናይ ኣክኣብ ንጉሣዊ ተግባር ዘበላሸወቶ፡ እዚኣቶም ድማ ናይ ስሕተት ትምህርቲ ብምስፍሕፋሕ ናይቲ ጳጳስ ኣገልግሎት ዘሰናኸሉ እዮም።
ከምኡ ውን ኤልዛቤል ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ኣምልኾ ጣኦት ንምፍጻም ንካልኦት ሰባት ትደፋፍእ ከም ዝነበረት፡ እዚአቶም ድማ ክርስቲያን ተመሲሎም ናብ ቤተ ክርስቲያን ብምእታው ኣብ ውሽጦም ዘሎ ኣምልኾ ባዕድ ንምፍጻም ይጽዕሩ ነበሩ።
ኤልዛቤል ነብያት ትጸልእን ተሳድድን ከም ዝነበረት እዚአቶም ድማ ሓቀኛታት ካህናት መምሃራንን ዘሳድዱ እዮም።
ኤልዛቤል ኣምልኾተ ጣኦትን ዝሙትን ተስፋሕ ፍሕ ከም ዝነበረት እዚኣቶም ድማ ነቶም እምነቶም ብዝግባእ ዘይተማህሩ ምእመናን ናብ ባዕድ ኣምልኾን ዝሙትን ከም ዝጋለጹ ጌሮም እዮም።
 
21 ምእንቲ ክትንሳሕ ኢለ ጊዜ ሂበያ ኔረ፡ ንሳ ግና ካብቲ ምንዝርናኣ ክትምለስ ኣይደለየትን። 22 ስለ አአብ ዓራት ሕማም ክድርብያ እየ። ነቶም ምሳኣ ዝምንዝሩ ከኣ ካብቲ ተግባራታ እንተዘይተነስሑ ናብ ብርቱዕ ጸበባ ከእትዎም እየ። 23 ንደቃ ውን ክቐዝፎም እየ።
እግዚአብሔር ትዕግሥተኛ እዩ። ንሰብ ናይ ንስሓ ዕድል ከይሃበ ኣይቀጽዕን እዩ። ነዛ ክፍእቲ ኤልዛቤል ውን ኣቐዲሙ ናይ ንስሓ ዕድል ተዋሂብዋ ኔሩ ክትጥቀመሉ ግን ኣይከኣለትን። ስለ ድማ ነቲ ዝመጾም ቊጥዓ ነገሮም።
ቅዱስ ጳውሎስ ኣቐዲሙወይ ከኣ ሃብቲ ሕያውነቱን ዓቕሉን ትዕግሥቱን ትንዕቕ ኣለኻ፡ ሕያውነት ኣምላክ ናብ ንስሓ ክመርሓካ ከም ዝኽእል ኣይትፈልጥን ኢኻ። ግናኸ ብትርኻን በቲ ምንሳሕ ዝኣበየ ልብኻን፡ በታ ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ ዝወርደላ መዓልቲ ቊጥዓ ንርእስኻ መቕዘፍቲ ትእክብ ኣለኻብምባል ከም ዝመሃረ።(ሮሜ 24-8)
ኤልዛቤል ካብ ጌጋኣ ክትምለስ ብዘይምኽኣላ ናይ የሁ ሰራዊት ኣጽዲፎም ቀቲሎማ እዮም። ሬሳኣ ውን ኣይተረኽበን 2 ነገ 930-37 ሰብዓ ደቃን ደቂ ኣክኣብን ድማ ብሰይፊ ተቐቲሎም እዮም። 2ነገ 101-11 በዚ መልክዕ ንሳን ደቃን ክትቅጻዕ እያ ተባህለ።ብዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያናት ከኣ ኣነ ልብን ኮላሊትን ዝምርምር ምዃነይ ክፈልጣ እየን።
ብባህሊ ናይ እስራኤላውያን ልቢ ናይ ፍልጠት ሕልና ድማ ናይ እምነትን ማሕደር እዮም ይበሃል። በዚ ምኽንያት ድመማ እግዚአብሔር ልብን ኮላሊትን ዝምርምር እዩ ማለት፡ እግዚአብሔር ናይ ሰብ ሓሳቡን ፍልጠቱንይፈልጥ ማለት እዩ።
ንነፍሲ ወከፍኩም ውን ከከም ግብርኹም ክፈርደኩም እየ። 24 ንዓኻትኩም ነቶም ኣብ ቲያጥሮን ዘለኹም ካልኦት ግና  ኵልኻትኩም ነቶም ነዚ ትምህርቲ ዘይትኽተሉ ነቲ ንሳቶም ዓሚቚ ምሥጢር ሰይጣን ዝብልዎ ዘይተመሃርኩም ካልእ ጾር ኣየኽብደልኩምን እየ እብለኩም ኣለኹ። ዝተረፍኩምኣብ ናይ ኤልዛቤል ኃጢአት ከይተዛረቡ ዝተረፉ እዮም። ነዚ ከጽንዖ ከሎ ድማ ነቶም ነዚ ትምህርቲ ዘይትኽተሉ  ኢልዎም እዩ።ዓሚቚ ምሥጢር ሰይጣንግኖስቲካውያን ናይ ቅዱሳት መጻሕፍትን ናይ መንፈስ ቅዱስን ምሥጢር ንፈልጥን ንራቐቕን ኢና ይብሉ ስለ ዝነበሩ፡ ተንኮሎምን ጌጋ ትምህርቶምን ንዘይተመሃርኩም ማለቱ እዩ።
ግኖስቲካውያን ክፉእን ጽቡቕን ኵሉ ክንርእዮ ይግበኣና፡ ንሰይጣን ብዝግባእ ክንፈልጦ እንኽእል  ክፉእ ነገር ብምሥራሕ እዩ ይብሉ ነበሩ። ሓደ ሓደ መተርጉማን ናይ ኤልዛቤል ተኸተልቲ፡ ናይ እግዚአብሔር ምሥጢር ንፈልጥ ኢና ይብሉ ስለ ዝነበሩ፡ ንሳቶም ንሰይጣን ድኣ እምበር ንእግዚአብሔር ኣይፈልጥዎን እዮም ማለት እዩ ይብሉ።
25 ግዳ ክሳዕ ዝመጽእ ነቲ ዘለኩም ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ።  26-27 ነቲ ዝስዕር ነቲ ክሳዕ መወዳእታ ትእዘዘይ ዝሕሉን፡ ከምቲ ኣነ ካብ ኣቦይ ዝተቐበልኩዎ፡ አብ ለዕሊ እቶም ኣህዛብ ሥልጣን ክሀቦ፡ ንሱ ብበትሪ ሃጺን ክጓስዮም እዩ። ከም ኣቕሓ መሬት ከኣ ክሰባብሮም እዩ። 28 ኮኮበ ጽባሕ  ውን ክህቦ እየ። 29
ኤልዛቤል ብንግድን ብሃብተን ሓያል እያ። ናይ ገሊኦም ልቢ ኪትረክብ ውን ክኢላ እያ። በዚ ምኽንያት ድማ ንዓኣ ምዝራብን ምቅዋምን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምንዋጽ ከመጽእ ይኽእል እዩ። ሥልጣን ናይ ጳጳስ ውን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ ዝብል ሓሳብ ንኸይህልዎም ኢሉ እዩ ነዚ ዝነገሮም። ንስኻትኩም ስለ ምንታይ እዩ ናይ ምድሪ ሥልጣን ዘጨንቐኩም? ኣነ ሰማያዊ ሥልጣን ኪህበኩም እየ። ንቤተ ክርስቲያን ገንዘብ ዝህቡ ሃብታማት ተሪፎምና (ከሲርና) ኣይትበሉ፡ ኣነ ንኵሎም ኣሕዛብ ትገዝእሉ ሥልጣን ኪህበኩም እየ ማለቱ እዩ።ኣቐዲሙ ብኣፍ ነቢይ ዳዊትኣህዛብ ንርስትኻ፣ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ንጥሪትካ ኽህበካስ፣ ለምነኒብምባል ዝተዛረቦ የዘኻኽር።(መዝ 27)
 
ኮኾብ ወጋሕታ 
ቪክቶርያነስኮኾብ ወጋሕታ ለይቲ ሓሊፉ ብርሃን ምምጽኡ ዘበስር እዩ። እዚ ድማ እቲ ቀዳማይ ትንሣኤ እዩይብል። ኣብዚ ቀዳማይ ትንሣኤ ዕድል ዘለዎ ኣብቲ ካልኣይ  ክትንሥእ ስለ ዝኾነ።
ብካልእ መንገዲ  ኮኾብ ጽባሕኢሱስ ክርስቶስ እዩ ራእ 2216” ዘካርያስ ውንካብ ላዕሊ ዝመጸ ብርሃንኢልዎ ኣሎ(ሉቃ 178) ቅዱስ ጴጥሮስ ውን  ኮኾብ ጽባሕ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝወጽእይብል (1ጴጥ 219)  ስለዚ ኮኾብ ጽባሕ ክህቦ እየ መለት ምሳይ ንዘለዓለም ክነብር ክህቦ እየ ኣብ ብርሃን ምንባር ክህቦ እየ ማለቱ እዩ።ዳንኤል ውን ነዚ ከረድእ ከሎእቶም ጠቢባን ከም ናይ ሰማይ ብርሃን ክበርሁ እዮም። እቶም ንብዙሓት  ናብ ጽድቂ ዝመርሑ ከኣ ከም ከዋኽብቲ ንዘለዓለም ዓለም ክበርሁ እዮምይብል ዳን 123 ቅዱስ ጳውሎስ ውን ናይ ቅዱስ ክብሪ ፍልልይ ኪነግር ከሎብኽብሪ ኮኾብ ካብ ኮኾብ ይበልጽ እዩይብል (1 ቆሮ 1540-44)

No comments:

Post a Comment