bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Saturday, 16 April 2016

መልሲ ንልቡሳነ ሥጋ ኣጋንንት 1ይ ክፋል

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን!
መእተዊ..................

እዚ ትምህርቲ እዚ ዘወትር ረቡዕ በዚ ገጽ እዚ ዚመሓላለፍ ሰሙናዊ ትምህርቲ እዩ። እዚ ጽሑፍ እዚ ነቲ ኣብ ኣፍራሱ ተጻዒኑ ቤተ ክርስቲያን ንምዕናው ዚመጸ ዲያብሎስ ንምቅዋምን፡ ነቶም ፈረሰኛታት ሰይጣን ኮይኖም ተልእኾኡ ዘቀላጥፉ ዘለዉ ሰባት ንምእራምን ተማሂሮም ድማ ናብ መንገዲ ሕይወት ከም ዚምለሱ ንምግባርን፡ ነቶም ሓቀኛታት ኣመንቲ ደቂ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ድማ ካብ’ዚ ናይ ሓሰውቲ ነብያት ትምህርቲ ጥፍኣት ከም ዚጥንቀቑን ንምግባር ዚተዳለወ ጽሑፍ እዩ።
 
ኣርእአስቲ ናይዚ ጽሑፍ "መልሲ ነቲ ብሥጋ ዚለበሱ ኣጋንንቲ ዚተነዝሐ ረሳሕ ትምህርቲ" እዩ ዚብል። ነዚ ጽሑፍ እዚ ንኽጽሕፍ ከም ምኽንያት ዚኾነኒ እቲ "ምስክርነት ወልድኣብ ኤልያስ" ብዚብል ስም ኣብ (youtube)ዚተዘርግሐ ሰይጣናዊ ትምህርቲ እዩ። መንነት ናይ’ዚ ሰብ እዚ ባዕሉ ገሊጽዎ ስለ ዘሎ ካብቲ ንሱ ብዛዕባኡ ዚተዛረቦ ቃል ወሲደ ኣብ ታሕቲ ኣንቢረዮ ኣለኹ።

እዚ ሰብ እዚ ከም ኵልና ብኣርአያ ሥላሴ ዚተፈጠረ ሰብ እኳ እንተኾነ፡ ንዝተፈጥረሉ ዕላማ ረሲዑ ንፈጣሪኡ ድማ ዘንጊዑስ ጸግዒ ናይ ዲያብሎስ ብምሓዝ ንቤተ ክርስቲያን ንምዕናው ብምሉእ ሓይሉ ስለ ዝተንሰአ ድማ እየ ሥጋ ዚለበሰ ሰይጣን ብምባል ኪጽውዖ ዘገደደኒ። ብርግጽ ኣጋንንቲ ረቂቕ መንፈሳዊ ኣካል እምበር፡ ሥጋ የብሎምን። ኣብ ሥጋ ዚለበሱ ሰባት ሓዲሮም ንሕይወት ናይቶም ሰባት ተቖጻጺሮም ግና ብመንገዶም ኣቢሎም ደስ ዚበሎም ሥራሕ ይሰርሑ። እዞም ምሉእ ብምሉእ ብሰይጣን ዚተወረሱ ሰባት ድማ ልቡሳነ ሥጋ ኣጋንንቲ ይበሃሉ።
ቅዱስ ጳውሎስ ሐዋርያ "ቅልስና ምስ ሕልቅነትን ምስ ሥልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር ምስ ደምን ሥጋን ኣይኮነን እሞ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኪትክእሉ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ" (ኤፌ 611-13) ዚበለና ድማ ነዚ እዩ። ስለ’ዚ ከምዚ ቅዱስ ጳውሎስ ዚበለና ምስቶም ሥጋን ደምን ዘለዎም መናፍቓን ዘይኮነ ምስቲ ኣብ ውሽጦም ኮይኑ ንነፍሶምን ንቤተ ክርስቲያንን ዘዕኑ ዘሎ ዲያብሎስ እዩ። ማኅደር ብሓዳሪ ሓዳሪ ድማ ብማሕደር ይጽዋዕ እዩ። ንኣብነት ቅዱስ ዳዊት "ኢትዮጵያ ቀልጢፋ ኢዳ ናብ እግዚአብሔር ክትዝርግሕ እያ" ይብል(መዝ 6831) ኢትዮጵያ እቲ መሬት ኢድ ስለ ዘይብሉ ኢዱ ኪዝርግሕ ኣይክእልን እዩ። ኢትዮጵያውያን እቶም ህዝቢ ግና ንጸሎት ኣእዳዎም ይዝርግሑ። ስለ’ዚ ኣብዚ ኣብነት ከም ዚረኣናዮ "ኢትዮጵያ" ማሕደር ኪኸውን ከሎ "ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ሓዳሪ" ይበሃል። ስለ’ዚ ሓዳሪ ብማሕደር ተጸዊዑ ኣሎ ማለት እዩ።
ካልኣይ ድማ ማሕደር ብሓዳሪ ዚጽወዓሉ ኣብነት ኪንርኢ ኢና። ንሱ ድማ ወልድኣብ ኤልያስ እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ካብ ስቕለቱ ንምትዕንቓፍ "ጐይታይ ይባልህካ እባ" ዚበሎ ጴጥሮስ "ሰይጣን"..ኪድ ረሓቕ" እናበለ ኪግስጾ ከሎ ነንብብ ኢና። ሰይጣን ማለት ኣሰናኻሊ ማለት እዩ። ንቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ሰይጣን ኣብኡ ሓዲሩ ንስቕለት ጐይታ ስለ ዚተቓወመን ከሰናኽል ስለ ዚፈተነን ቅዱስ ጴጥሮስ "ሰይጣን" ተባሂሉ። ጴጥሮስ ሓሳብ ሰብ ጥራይ ስለ ዚሓሰበ ሰይጣን ተባሂሉ፡ ወልድኣብ ኤልያስ ድማ ንፉዕ ናይ ሰይጣን ፈረሰኛን ምሉእ ብምሉእ ሰይጣን ዚተቖጻጸሮ ሰብ ስለ ዚኾነ ሥጋ ዚለበሰ ሰይጣን ዚብል መጸውዒ መካድንትኡ እዩ።
እዚ ሰብ እዚ ብእግዚአብሔር ተላኢኸ እግዚአብሔር ገሊጽለይ እናበለ ንቤተ ክርስቲያን ዘዕኑ ንምስምዑ እኳ ጭንቂ ዚኾነ ሓሶታትን ክሕደታትን ዚሓዘ ናይ ልዕሊ13 ሰዓት ኣቢሉ ዚወሰደ 18 ክፋላት ዘለዎ ረሳሕ ትምህርቲ ኣብ (you tube) ዘርጊሕዎ ኣሎ።
ቅዱስ ጴጥሮስ ሐዋርያ "ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያት ምስ ዚሓተተኩም ዘበለ ምላሽ ንምሃብ ድሉዋት ኵኑ" ይብለና(1 ጴጥ 315) ስለ’ዚ ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተዘይተባህለ ንሓደ ሓደ ናይ ሓሶት ትምህርቱን ክሕደታቱን ነቲ ሓሶት ሓሶት ብምባል ነቲ ክሕደቱ ድማ ትኽክለኛ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ብምሃብ፡ ንዕኡ ናብ መንገዲ ሕይወት እናዓደምና ካብ ክሕደቱ ድማ እናተሓለና ኪንከይድ ረድኤት እግዚአብሔር ተስፋ ብምግባር ኪንጅምር ኢና። ብሓፈሻ ብቕልል ዚበለ መንገዲ መታን ኪርደኣና፡ ኣብ 7 ምዕራፍ ከፊለ ኣቕሪበዮ ኣለኹ።
1 ወልድኣብ ኤልያስ መን እዩ?
2 ሓጺር ታሪኽ ቀዳሞት ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን

3 ሓሶት ናይ ወልድኣብ ኤልያስ

4 ጸርፊ ናይ ወልድኣብ ኤልያስ

5 ክሕደት ናይ ወልድኣብ ኤልያስ

6 ጠዋይ ትርጉም ናይ ወልድኣብ ኤልያስ

7 መደምደምታ


መተሓሳሰቢ ............
ምንም እኳ ኵሉ ሰብ ነቲ ናቱ ስብከት ኪሰምዖ ዘየድሊ እንተኾነ፡ ነቲ ከይሰማዕኩ ኣየረጋግጽን እየ ዚብል ሰብ መታን ኪጠቅም ንነፍሲ ወከፍ መልሲ ዚሃብኩሉ ቃላቱ ካብ ቃላቱ ሰሚዕና ምርግጋጽ መታን ኪንክእል ኣበየናይ ክፋል ከም ዚርከብ እናጠቐስኩ ስለ ዚኸይድ፡ ብቐሊሉ ኣብቲ ተጻሒፉ ዘሎ ክፋል ኬድና ብምስማዕ ከነረጋግጽ ንኽእል ኢና። ኣብ (you tube) ኣቲና (weldeab elyas) ዚብል እንተ ጽሒፍና እቲ ኣጸያፊ ዚኾነ ናይ ክሕደት ቃላትን ጸርፍታትን ኪንሰምዖ ንኽእል ኢና።
እዚ መናፍቕ እዚ ኣብ ስብከቱ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቀደም ትኽክል እምነት ከም ዚነበራ ጸኒሑ ግና ብናይ ግብጺ መራሕቲ እምነታ ከም ዚተባላሸወ ጌሩ ከእምን አዩ ዚፍትን። ነዚ ናይ ሓሶት ስብከቱ ንምሕምሻሽ መታን ኪጥዕመና ድማ ካብ 1 ሚእቲ ክፍለ ዘመን ማለት ካብ ዘመነ ሐዋርያት ጀሚሮም ክሳብ 6 ሚእቲ ክፍለ ዘመን ዚነበሩ ናይ’ዛ ጥንታዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት ዚመሃርዎ ትምህርትን ሕጂ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ዚመሃር ዘሎ እዚ መናፍቕ ግና ጌጋ እናበለ ዚጽውዖ ዘሎ ትምህርትን መታን ከነነጻጽሮ ናይቶም ቀዳሞት ሐዋርያነ ኣበውን ሊቃውንትን ትምህርቲ ኣብ’ዚ ምስክር ጌረ ኪጠቕሶ እየ። እዚ ሕጂ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ዘሎ ትምህርቲ ሃይማኖትን እቶም ቀዳሞት ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት ዚምህርዎ ዚነበሩ ትምህርትን ዋላ ሓንቲ ፍልልይ ከም ዘይብሉን፡ እኳ ድኣ ከይተበረዘ ብንጽሕና ዓቂባቶ ዘላ እዛ ናይ ተዋሕዶ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን በይና ምዃና ከነረጋግጸሉ ኢና። ነዚ መታን ኪሕግዘና ድማ ናይ ገለ ካብቶም ሊቃውንት ቀዳሞት ናይ ቤተ ክርስቲያን ከም ካልኣይይ ምዕራፍ ናይዚ ጽሑፍ ጌረ ኣቕሪበዮ ኣለኹ።
 
ትሕዝቶ

ምዕራፍ 1 ሓደ ወልድአብ ኤልያስ መን እዩ?
ምዕራፍ 2 ሓጺር ታሪኽ ናይ ቀዳሞት ሊቃውንት ኣበው

ምዕራፍ 3 ዚተነዝሐ ሓሶታትን መልስታቱን
ምዕራፍ 4 ኣብ ልዕሊ ቅዱሳንን ንሓቀኛታት መምሃርን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ዚወረደ ጸርፊ

ምዕራፍ 5 ናይ ክሕደት ትምህርቲን መልስታቱን

5.1 ብዛዕባ ቅድስት ሥላሴ

5.2 ብዛዕባ ክርስቶስ

5.3 ብዛዕባ ወላዲተ አምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም

5.4 ብዛዕባ ቅዱሳን

5.5 ብዛዕባ ኣማላድነት

5.6 ብዛዕባ ቅዱሳት መጻሕፍት

5.8 ብዛዕባ በዓላት

5.9 ብዛዕባ ምስልን ስእልን

5.10 ብዛዕባ ስግደት

5.11 ብዛዕባ ሥርዓተ ጾም

5.12 ብዛዕባ ቅዱስ ቊርባን

5.13 ብዛዕባ ቃል ኪዳን ቅዱሳን

5.14 ብዛዕባ ካህናትን ናብ ካህናት ምንሳሕን

5.15 ብዛዕባ ገዳማውያንን ባሕታውያንን

5.16 ብዛዕባ ታቦት

5.17 ብዛዕባ ጸበልን ማየ ጸሎትን
ምዕራፍ 6 ጠዋይ ትርጉምን መኣረምታኡን

6.1 ኣቦ ኣይትበሉ

6.2 ኣደ
 
ምዕራፍ 7 መደምደምታ
ምዕራፍ 1 ሓደ ወልድአብ ኤልያስ መን እዩ?
ኣብ 1 ክፋል 1 መጽሓፍ 1 ገጽ መንነቱ ኪገልጽ ከሎ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ይጅምር "እዚ ምስክርነት እዚ ብሓደ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎ ወልድኣብ ኤልያስ ሰብኣይ
ዚተጻሕፈ መጽሓፍ እዩ። ኣቶ ወልድኣብ ካብ ኣይሁዳዊ ኣቡኦምን ኤርትራዊት ኣዲኦምን ኣብ ኣፍሪቃ ግብጺ ተወሊዶም ዓበዩ። ድሕሪ እዚ ናብ ሃገረ ፍልስጤም ብምኻድ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመነ ዕድሚኡ ኣብኡ ኣሕለፎ። ብመጀመርያ ብሃይማኖታዊ ኣኽራርነት ብዘይፍላጥ ንኣጋንንቲ መላእኽቲ ኣምላኽ እናመሰልዎ የገልግሎም ነበረ። ቀጺሉ ውን ብዛዕባ መናፍስቲ ንጹር ፍልጠት ብምርካብ ብዙሕ ነገራት ተማህረ። ብመንፈስ ኣብ ኣየራት ብምብራር ድማ ናብ ሃገራት ህንድን ቻይናን እናዞረ ብዙሕ ነገራት ረኣየን ተማህረን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሀገር ፍልስጤምን ኤርትራን፡ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ከምኡ ውን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ደንካልያ ዚበሃል መሬት ኤርትራን ጽዑቕ ናይ መናፍስቲ ፍልጠትን ሥልጠናታትን ወሰደ። ብመንፈስ ኣብ የራት ብምብራርን ኣብ ምድሪ ከም ሰብ ብምዃንን ድማ ናይ ተልእኾ ዕላማታቱ ይፍጽም ነበረ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከሎ ድማ ካብ እዋናት ሓደ ጊዜ ብልቡ ናብ ኣምላኽ ኪምለስን ካብ ጥፍኣት ከምልጥን ወሰነ። ሰይጣን ድማ ኪቐትሎ ደልዩ ነበረ። እግዚአብሔር ግና ረድኦ። በቲ ካብ እግዚአብሔር ዚረኸቦ ምሕረትን ረድኤትን ናብ ኣምላኽ ድሕሪ ምጽግዑ ድማ ኣብ ሃገረ እስራኤል ከይዱ ክርስቲያናዊ ሕይወቱ ቀጸለ።
 

....................... ይቕጽል

No comments:

Post a Comment