bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Saturday, 16 April 2016

መልሲ ንልቡሳነ ሥጋ ኣጋንንት 7ይ ክፋል

ሓሶት 5 ኣብ መበል 14 ክፋል መበል 15 ደቒቕ) ናይ ስብከቱ ድማ ከምዚ ይብል "ንገሊኣቶም ድማ ኃጢአትኩም ኪሕደገልኩምሲ ሰልዲ ክፈሉና ይብልዎም"

እዚ ሜላ እዚ ምእመናን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ንካህናት ኣቦታቶምን ንቤተ ክርስቲያኖምን ከም ዚጸልኡ ንምግባር ዚዓለመ ብርቱዕ ውዲት ናይ ሰይጣን ድኣ እምበር ቤተ ክርስቲያን ነዚ ትምህርቲ እዚ ኣይትምህሮን እያ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግን ኣምላኽ ልኢኽኒ እናበልካ እንቅዓ እንቀዓ ሓሶት ምፍናው ከመይ ዚበለ ድፍረት እዩ? እቲ ዕላማ ርዱእ እዩ ንካህናት ቤተ ክርስቲያን ኣጸሊምካ ንሥርዓታት ቤተ ክርሰቲያን ኣጸሊምካ ምእመናን ምስ ካህናቶምን ምስ ሥርዓቶምን ዚነበሮም ናይ ፍቕሪ ገመድ ኣላሕሊሕካ ፈጺሞም ምስ ኣምላኾም ከም ዚባተኹ ንምግባር እዩ። ስለ’ዚ እዚ ነቶም ደቂ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን መነቓቕሒ ቃል ስለ ዚኾነ ኵልና ኪንዕዘቦን ኪንነቕሓሉን ይግበኣና።

ካብኡ ሓሊፉ ግና ነዚ ሰብ እዚ ከመይ ዚበለ ናይ ሓሶት ለቖታ ምዃኑ ልብኻ ከፊትካ ምዕዛቡ ንባዕሉ ኣገዳስነቱ ዓቢ እዩ። እቶም ነዚ ክንድዚ ዚምፍርጥዑ ፈጣጥ ሓሶት እናሰምዑ ዚኽተልዎ ሰባት ነዚ ንኸይሰተውዕሉ ዓዚምዎም ዘሎ መንፈስ ናይ መን መንፈስ ምዃኑ ተረዲእና ብልቢ ኪንሓዝነሎም ይግባእ።

እስኪ ባዕላትኩም ፍረድዎ ገንዘብ ክፈሉና ኃጢኣትኩም ኪሕደገልኩም ዚብሉ ካህናት ኣብ ተዋሕዶ ርኢኹም ዶ ትፈልጡ ኢኹም? ካበይ ከ ቦንቂርዎ ከምዚ ዚበለ ዘረባ። ወይ ምናልባት ተዋሕዶን ካቶሊክን ተሓዋዊሰንኦ ከይህልዋ። ምኽንያቱ እዚ ብገንዘብ ኃጢአት ምሕዳግ ዚብል ትምህርቲ ብመሠረቱ ናይ ካቶሊክ ትምህርቲ እዩ። ካቶሊክ ውን ብቐጥታ ንሓ ካህን ገንዘብ ብምሃብ ዘይኮነ ናይ መሥተስረዪ ኃጢኣት ካርድ (indulgence) ብምሻጥ ኃጢአት ይድምስ ዚብል ኢመጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርት እያ ምሂራ (መድሎተ ጽድቅ ገጽ 60)

መምህር መሪጌታ ክነፈ ርግብ ማርቆ ካብ ኣማርኛ ዚተርጎምዋ "ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን" ኣብ እትብል መጽሓፎም ድማ ብዛዕባ’ዚ ብኸምዚ ዚስዕብ ኣስፍሕ ኣቢሎም ኣቕሪቦሞ ኣለዉ።

ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ልዮን ዓሥራይ 15፡13-1521 ዚተባህለ ፖፕ ኣብ ከተማ ሮማ ንዚርከብ ነቲ ዓቢይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኸሐድሶ፡ ንሥራሕ ዚኸውን ገንዘብ ስለ ዚደለየ፡ ኣብ ጀርመን ናይ ሜንዘ ሊቀ ጳጳስ ኣልበርት ቅድም ዚሉ ኣብ ልዕሊ ዓሠርተ ኣህጉረ ስብከት ኪሽየም ከሎ ነቲ ዚሸሞ ናይ ሮማ ፖፕ ብቀረጽን ብገጸ በረኸትን (ብህያብ) መልክዕ ኣውጉስገር ካብ ዚነበረ ፉጋር ካብ ዚበሃል ናይ ገነዝብ ትካል ብሓረጣ ተለቂሑ ሂቡ ነበረ።

ስለ’ዚ ነቲ ተለቂሑ ናብቲ ፖፕ ዚለኣኾ ናይ ገንዘብ ዕዳ ኪኸፍሎ ስለ ዚደለየ ዮሐንስ ቴትዝል ዚተባህለ ናይ ዶሚኒካን ገዳም ፈላሲ ኢንደልጀንስ ንዚተባህለ ናይ ኃጢኣት መደምሰሲ ጽሑፍ ብምሻጥ፡ ነቲ ዚተጠቕሰ ዕዳ ዚኽፈል ገንዘብ ካብ ምእመናን ንኺእክብ ተኣዘዘ። ነዚ ናይ ገንዘብ ምእካብ ተግባር ዚተካህነ (ኤክስፐርት ዚኾነ) ቴትዝል ብ1517 ዓ.ም ኣብ ከባቢ ጉተንበርግ ነዚ ነገር እዚ ካብቲ ፖፕ ዚተላእከ ናይ ኃጢአት መደምሰሲ ጽሑፍ ብምግዛእ ነቲ ዋጋ ኣብ ውሽጢ ሙዳየ ምጽዋት ከተእትዉ ከለኹም፡ ዚሞተ ዘመድኩም ወይ ፈታዊኹም ዚተኾነነት ነፍሲ ካብ ፓርጋቶሪ (መካነ ንስሓ) ሽዑ ንሽዑ ነጻ ኮይና ናብ መንግሥተ ሰማያት ኪትኣቱ እያ። ናትኩም ነፍሲ ውን ኪትመሓር እያ እናበለ ብምስባኽ ናይ የወሃት ምእመናን ገንዘብ ኪእክብን፡ እቶም ምእመናን ድማ በቲ ዚገዝእዎ ጽሑፍ ምኽንያት ናይ ዚሞቱ ኣዝማድና ነፍሳት ኪድሕና እየን። ነፍስና ውን ድሕነት ኪትረክብ እያ። ካብ ሕጂ ንደሓር ኑዛዜ ኣየድልየናን እዩ፡ ኪብለ ከለዉ ማርቲን ሉተር ነዚ ሰሚዑን ተመልኪቱን ካብ ዚተሰምዖ ዓቢይ ሓዘን…….እዚ ኃጢአት መደምሰሲ ብምባል ዚሽየጥ ዘሎ ንምእመናን ብምትላል ንመአከቢ ገንዘብ ዘገልግል እምበር ንማንም ዓይነት ማለት ብሕይወት ንዘለዉ ይኹን ንዚሞቱ ሰባት ኃጢአቶም ዘስተሥሪ ኣይኮነን። ኃጢአት ኪደምስስ ዚኽእል ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ብእግዚኣብሔር ኣሚንካ ንስሓ ብምእታው ጥራይ ምዃኑ ወዘተ ዚገልጹ 95 መረዳእታታትን ናይ ክርክር ዓረፍተ ነገራትን ዚሓዘ ጽሑፍ ኣዳልዩ ብቋንቋ ላቲን ጽሒፉ ምእመን ንኸንብብዎ ኑርምበርግ ኣብ ዚነበረ ኣፍ ደገ ቤተ ክርስቲያን ጠቅዖ(ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ገጽ 315-316)

ስለ’ዚ እዚ ታሪኽ ናይ ካልኦት እናምጻእካ ንቤተ ክርስቲያን ምጽላም ኣየጠቕመካን እዩ እሞ ብዙሕ ኣይትልፍዓሉ። እምበር ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንካህን ገንዘብ ብምኽፋል ኃጢአት ይሕደግ እዩ ዚብል ትምህርቲ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን እዩ። ከምኡ ኪገብሩ ዚፍትኑ ካህናት እንተ ድኣ ኣለዉ ድማ እዚኣቶም ብሓቂ ከምቲ ክርዳድ ይሁዳ ኣብ መንጎ ሐዋርያት ድኣ እምበር ሓቀኛታት ካህናት ኣይኮኑን። ከምዚኦም ዓይነት ካህናት ንይሁዳ ድኣ እምበር ንቤተ ክርስቲያን ኣይውክልዋን እዮም።

ነዚ ኪብል ከለኹ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብስም ክርስትና ዝሽቅጡ ክርስቲያን ብስም ካህናት ዚሽቅጡ ካህናት ከም ዘለዉ ከነጽሮ ስለ ዚደለኹ እየ። ኣብ’ዚ ቀረባ ጊዜ ናይ ኣበ ነፍሲ ገንዘብ ክፈሉ ዚብሉ ካህናት ኪንርኢ በቒዕና ኣለና። እዚኣቶም ግን ንቤተ ክርስቲያን ኣይውክልዋን እዮም። ሓደ ክርስቲያን መምርሒኡ ዚኾነ ዶግማን ቀኖናን ናይ ቤተ ክርስቲያን ፈሊጡ ብኡኡ ኪምራሕ ይግብኦ። ካብ’ዚ ወጻኢ ግን ካህን እከለ ስለ ዚሳዕስዐ ሳዕስዒት ይፍቀድ እዩ ኣይበሃልን። ካህን እከለ ገንዘብ ኪዋጽኣሉ ስለ ዚሓተተ ቤተ ክርስቲያን ንካህናት ገንዘብ ሂብካ ኃጢአት ይሕደገልካ ኢላ ትኣምን እያ ኣይበሃልን። ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ይሁዳ ተሓዚ ገንዘብ ስለ ዚነበረ ካብቲ ምጽዋት ይሰርቕ ነበረ ስለ ዚበለና ጥራይ ኣብታ ክርስቶስ ዚነበራ ማሕበር ስርቂ ይፍቀድ ኔሩ ዶ ኪንብል ንኽእል ኢና። ወይ’ስ ጐይታና ምስቲ ሰራቒ ይሁዳ ብምንባሩስ (ንስሙ ክብሪ ይኹኖ) ስርቂ የፍቅድ ኔሩ ዶ ይበሃል እዩ?

ፍጹም ከምዚ ኣይበሃልን እዩ። እንተኾነ ግን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ "ኣብ’ቲ ዓቢይ ቤዩት ካብ ዕንጨይትን መሬትን ዚኾኑ ኣቑሑ ድማ እምበር ኣቑሑ ወርቅን ብሩርን ጥራይ ኣይኮኑን ዚርከብ። ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡ ድማ ንውርደት ይኸውን" ዚበሎ፡ ኣብ’ዛ ዓባይ ቤት ዚተባህለት ቤተ ክርስቲያን ናይ ዕንጨትን መሬትን ሥርሓት ዚኾኑ ናይ ውርደት ንብረት ከም ዘለዉ ኪንዝንግዕ የብልናን።(2ይ ጢሞ 2፡20) ብዛዕባ ይሁዳ "እዚ ዚበለ ሰራቒ ስለ ዚነበረ እዩ እምበር ንድኻታት ሓልዩ ኣይኮነን" ተባሂሉ ከም ዚተጻሕፈ (ዮሐ 12፡6) ኣብ ውሽጢ እዛ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ውን ተሰግሲጎም ዚኣተዉ ሰረቕቲ ውልቀ ሰባት ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም። ኣብ’ዚ ከነስተውዕለሉ ዚግበኣና ግን ቤተ ክርስቲያን እንታይ ትምህር እንታይ ትኣምን ድኣ እምበር ውልቂ ሰባት እንታይ ይገብሩ ምንም ዘገድሰና ኣይኮነን። ስለ’ዚ ካብ ዚ ብምቕጻል ነቲ ነውራም ሓሶትካ ብሓጺሩ ንምቅላዕ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ክፍሊት ዚምልከት ዚሠርዓቶ ሥርዓታ ኣንቢብባ ኪትፍወሰሉ ይጋብዘካ። ቤተ ክርስቲያን ካብ እትምርሓሎም ናይ ሥርዓት መጻሕፍቲ ብቓዳምነት ካብ ዚጥቀሱ ሓደ ቃለ ኣዋዲ ዚተበሃለ መጽሓፍ እዩ። ቃለ ኣዋዲ እንታይ ይብል?

ቃለ አዋዲ አንቀጽ 106 መሰልን ግዴታን ምእመን

1/መሰል

ሀ. ኣብ ውሽጢ ክልል ሰበኻ ነባሪ ዚኾነን ኣብቲ ሰበኻ ጉባኤ ብኣባልነት ተፈሊጡ ዚመዝገበን ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ኣማሊኡ ወረቐት መንነት ዚተዋህቦን ምአመን ካብ ቤተ ክርስቲያን ንምእመናን ዚግባእ ኣገልግሎት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ።

ለ. በዚ ሕጊ እዚ ካብ ዚተገልጸ ክፈሊት ሓሊፉ ምእመናን ንካህናት ካልእ ገንዘብ ኪኸፍሉ ኣይግደዱን። ካህናት ውን ኪሃቱ ኣይግብኦምን። ኣብ ካልእ ሰበኻ ኪኸፍል ውን ኣይግደድን።

ሐ. ሓደ ምእመን ኣብቲ ዚነብረሉ ክልል ሰበኻ ቤተ ክርስቲያን ግቡእ ክፍሊት እንተድኣ ከፊሉ፡ ብተወሳኺ ኣብ ካልእ ሰበኻ ኪኸፍል ኣይግደድን እዩ።

መ. ሓደ ጋሻ ኣብ ካልእ ሰበኻ እንተድኣ ሞይቱ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ተኸታሊ ምዃኑ ብመሰኻኽር እንተተረጋጊጹ፡ ናይ ዕለት ጸሎት ፍትሓት ይግበረሉ።

እዚ ትምህርቲ እዚ ነቶም ብዘይ ፍላጥ ንካህናት ተገዲድና ገንዘብ ንኸፍል ኣለና ዚብሉ ሰባት ውን ዚጠቅም ትምህርቲ እዩ። በዚ ኣብ ላዕሊ ዚረኣናዮ ሥርዓት መሠረት ምእመናን ንካህን ገንዘብ ኪኸፍሉ ዚግደዱሉ ኣብነት የብሎምን። ብፍታዎም እንተኾይኑ ግና ንካህናት ኣቦታት ከም ደስ ዚበሎም ኪሕግዙ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ብፍታዎም ዚገብርዎ ከም ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ጌሮም ከይቆጽርዎ ግን ኪጥንቀቑ ኣለዎም።

ስለ’ዚ ቤተ ክርስቲን ኃጢአት ንዚገበሩ ደቃ ንስሓ ከም ዚኣትዉ ብምግባር ዝግብኦም ቀኖና ሂባ ምስ ኣምላኾም ከም ዚተዓረቑ ትገብር። ብዛዕባ’ዚ ስፍሕ ብዚበለ ኣብቲ ካህናትን ኣብ ካህን ምንሳሕን ቀኖናን ዚብል ኣርእስቲ ብሰፊሑ ኪንርእዮ ኢና።

ቤተ ክርስቲያን ግን ኣብ ከውሒ ዚተሠረተት እያ እሞ ብናይ ሓሶት ንፋስ ኣይትነቓነቕን፡ እቲ ከቢብዋ ዘሎ ሓጹር ሃልሃልታ ሃዊ ናይ እግዚአብሔር ስለ ዚኾነ ብናይ ሰይጣን ንፋስ ዚጠፍእ ኣይኮነን። (ማቴ 7፡25) ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ (ራእ 21፡17) ዓብይ ነዊሕ ሓጹር ነበራ ዚበሎ "ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓጹራን ቅጽራን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ" ኣቐዲሙ ኣብ ነቢይ ዘካርያስ ሓዲሩ "እግዚአብሔር ውን ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ሓዊ ኪኾነላ፡ ምስ ኵሉ ክብረይ ኣብ ማእከላ ኪነብር እየ"(ዘካ 2፡5) ከም ዚበለ። እዚ ኵሉ ዚኸውን ዘሎ ግን እግዚአብሔር እቶም ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎም ደቂ ሰባት ነዚ ቃል እዚ ከስተውዕልዎ እሞ እዞም ነዚ ዚዘርኡ ሰባት ልቡሳነ ሥጋ ኣጋንንቲ ምዃኖም ብንጹር ከጋልጽ ስለ ዚደለየ እዩ። ስለ’ዚ እዚ ሓሶት እዚ ነዞም ሰባት እዚኣቶም በዓል ምዃኖም ኣለሊና ካብኣቶም ንኽንርሕቕ ዚሕግዘና ንዓና ኣዝዩ ጠቓሚ ሓሶት እዩ።

............ ይቕጽል



No comments:

Post a Comment