bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday, 15 April 2016

ራእይ ዮሐንስ ናይ መወዳእታ ዓለምን - 7 ይ ክፋል

ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሰርምኔስ ውን ከምዚ ኢልካ ጸሓፍ።

ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦፖሊካርፐስ ይበሃል። ናይ ትርጓሜ  ሊቃውንትሄሬኔዎስ ካልኣይኢሎም ይሰምይዎ። ኣብ ራእይ ምዕራፍ 210 ብዝተገልጸ መሠረት ብሓዊ ተቓጺሉ 136 . ሰማዕትነት ተቐቢሉ ዓረፈ።
እቲ ቀዳማይን ዳህራይን ሞይቱ ዝነበረን ሕያው ዝኮነን ከምዚ ይብል አአሎ።
 እዛ ቤተ ክርስቲያን እዚ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ብዚወርድ ዚነበረ መከራን ብድኽነትን ትሳቐ ዚነበረት ቤተ ክርስቲያን እያ። በዚ ምኽንያት ኣነ ናይ መጀመርያን ናይ መወዳእታን እየ ኵሉ ዝኸውን ካብ ናተይ ፍልጠትን ፍቓደን ወጻኢ ኣይከውንን እዩ።ኵሉ ዚኸውን ዘሎ ድማ ንጽቡቕ እዩ። ዓለም ከድሕን ኣብ ዚመጻኹሉ ኣባይ እኳ ብዙሕ መከራ ካብ ኣውረዱ፡ ኣባኻትኩም ከምዚ ምግባሮም ድኣ የደንቕ ድዩ?” ንኽብል ኢሉ ነዚ ዝነገሮም። ልዕሊ ኵሉ ድማ ኣነ ቦኽሪ ምውታን ኮይነ ተንሢአ ስለ ዘለኹ ኣይትፍርሑ። ዋላ እንተ ሞትኩም ከምቲ ኣነ ዚተንሣእኩሞ ክትንሥኡ ኢኹም ንባል ሞይቱ ዝነበረን ሕያው ዝኾነን እናበለ ተገልጸሎም።

ጸበባኻን ድኽነትካን አፈልጥ እየ።
ናይ ሰርሜንስ ቤተ ክርስቲያን ካብ ኣይሁድን ኣህዛብን ከቢድ መከራ ይወርዳ ኔሩ። ክርስቲያን ኣብ ጊዜ መከራ ካብ ዘጋጥምዎም ፈተነታት ሓደ ድማ እግዚአብሔር ረሲዕና ዝብል ተስፋ ምቚራጽ እዩ። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ጸበባኻን ድኽነትካን እፈልጥ እየ በሎ። ካብ ብተወሳኺ ብዙሓት ናይ ሰርሜንስ ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ብምሥውኦምን ሃብቶም ድማ ብኣይሁድን ብኣህዛብን ብምውራሱን ድኽነት የሳቕዮም ነበረ።
ግናኸ ሃብታም ኢካ ካብቶም ኣይሁድ ኢና ዝብሉ፡ ግናከ መአሕበር ሰይጣን እምበር ኣይሁድ ዘይኮኑ ጸርፊ ከም ዝተቐበልካ  ውን እፈልጥ እየ።
ሰርሚነሳውያን ብምድራዊ ሃብቲ እኳ ድኻታት እንተ ነበሩ ብጸጋ እግዚአብሔር ግና ሃብታማት ነበሩ። ናይ ሎዶቅያ ቤተ ክርስቲያን ድማ ብኣንጻሩ ብምነፈስ ድኻታት ብሥጋ ግና ሰብ ጸጋ ነበሩ።  እዚ ጳጳስ ብእምነት ዝበልጸጉ ምእመናን ስለ ዝነበርዎ በዓል ጸጋ ኢኻ ተባሂሉ። ናይ ጳጳሳት ሃብቲ  ምድራዊ ዘይኮነ ናይ ደቁ እምነት እዩ። ድኽነቱ ድማ ናይ ደቁ ካብ እምነትን ሃይማኖትን ምርሓቕ እዩ።
ብካልእ መንገዲ ድማ መብዛሕትኦም ናይ ሰርሜንስ ቤተ ክርስቲያን ብምኽንአት ፍልሰት ናይ ኣይሁድ 65-70 ዓም ካብ ይሁዳን ገሊላን ናብታ ከተማ ዚኣተዉ እዮም ዚብሉ ሊቃውንተ ኣለዉ። 2 ክፍለ ዘመን ተጻሒፉ ኣብ ዳሕራይ ዘመን ዚተረኽበ ሓደ ጽሑፍዚቐደሙ ናይ ይሁዳ ሰባትይብሎም። ሃብቶም ገዲፎም ብድኽነት ስለ ዝወጹ እዩ ድኻታት ዚበሎም።
ማሕበር ሰይጣን ዝተባህሉ ኣይሁድ ዘይኮኑ ብስም ኣይሁድ ዚሽቅጡ እዮም። እዞም ካብ ገሊላ ዝመጹ ኣይሁድ ምንም እኳ ኣይሁድ ኢና እንተበሉ፡ ካብ ኣህዛብ ዝኸፍእ ተግባር ስለ ዝነበሮም  ብተግባሮም ማሕበር ሰይጣን ተባሂሎም
ሎሚ ዲያቆት ኢና ካህናት ኢና ደቂ ተዋሕዶ ኢና እናበሉ ዚህውኹ ዘለዉ ሰባት ልክዕ ከምዞም ኣብ ላዕሊ ዚረኣናዮም ብስም  እቶም ሓቀኛታት ዲያቆናት ብስም ሓቀኛ ካህናት ብስም እቶም ሓቀኛታ ደቂ ተዋሕዶ ዚሽቅጡ ማኀበር ሰይጣን ምዃኖም ከነስተውዕል ይግበኣና።
10 ነቲ ዝመጸካ መከራ ኣይትፍርሃዮ። እነሆ ምእንቲ ክትፈተኑ ዲያብሎሰ ንገሌኹመ ናብ ቤት ማአሰርቲ ከድርብኩመ እዩ።
ካብቶም ክፉኣት ኣይሁድ መከራ ስለ ዝመጾም ኣይትፍርሁ እናበለ የበራትዖም። ኣብ ኣይሁድ እናሓደረ  መከራ ዘብዝሓሎም ሰይጣን እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱብምባል ዚመሃሩ ነዚ እዩ። (ኤፌ 610-12 )
ዓሠርተ መዓልቲ ውን ጸበባ ክረኽበኩም እዩ።
ቊጽሪ 10 ንዘየቋርጽ ነዊሕ ጊዜ ዘመልክት እዩ። ነዚ ድማ እዩ ኢዮብእነሆ 10 ሳዕ ጸረፍኩምኒ እትገፍዑኒስ ካን ኣይትሓፍሩን ኢኹምዚበሎ ውን ነዚ እዩ ዘመልክት። ሓደ ሓደ ሊቃውንት  እቲ ብሮማውያን ንቤተ ክርስቲያን ዝበጽሓ ንነዊሕ ዘመን ዝቕጽል  መከራ ዘመልክት እዩ ክብሉ እንከለዉ ካልኦት ድማ 10  ፍጻሜ ዘይብሉ ነዊሕ ዘመን ዘመልክት ስለዝኾነ ንቤተ ክርስቲያን  ክሳብ መወዳእታ ዓለም ዝረኽባ መከራ ዘመልክት እዩ። ብምባል ይትርጉምዎ።
ንስካኻ ግነ ክሰዕ ሞት እመን ኩን ኣነ ውን አኽሊል ሕይወት ክህበካ እየ።
ባዕሉ እቲ ጳጳስ ከይተረፈ ናይ ሰርሜንስ ክርስቲያን ንሰማእትነት ተዳልዮም እዮም። ዋጋ ናይ ሰማእት ድማ ሰማያዊ ኣኽሊል እዩ።ኣብ ዘመን ናይ ግሪኻውያንን ሮማውያንን ምድራዊ ናይ ኦሎምፒክ ጕያ ተቐዳዲሙ ዝተዓወተ ኵሉ ኣኽሊል ይደፍእ ኔሩ። ሕጂ ድማ  ናይ ሃይማኖት ጕያ ወዲኦም ብሰማእትነት ንዝሓልፉ ኵላቶም ጐይታ ዘዳለወሎም ሰማያዊ ኣኽሊል ኣሎ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ነብሱ ኣቐዲሙ ኪነግረና እንከሎ ከምዚ ይብል፡ኣነስ ካብ ሕጂ እስዋእ አሎኹ፡ እታ መዓልቲ ምስንባተይውን በጺሓ እያ እሞ፡ ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ ነታ እምነት ሐልየ። ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዅላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን” (2 ጢሞ 46-8)
እዚ ዘለዎ መንፈስ ቅዱስ ነተን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ እቲ ዝስዕረ በቲ ካልኣይ ሞት ኣይክጕዳእን እዩ። (ሉቃ 1524 ራእ 206)ሰብ ክልተ ዓይነት ሞት ኣለዎ፡ እቲ ናይ መጀመርያ ኃጢአት ምሥራሕ እዩ። ኣብ ወንጌል ሉቃስ ታሪኹ ዚተጻሕፈ ጥፉእ ወዲ፡ ካብ ቤት ኣቡኡ ወጺኡ ናብ ዓለም ኣተወ። ድሒሩ ድማ ንስሓ ኣትዩ ናብ ኣቡኡ ተመልሰ። ሽዑ ኣቡኡእዚ ወደይ ሞይቱ ኔሩ ተንሲኡ ጠፊኡ ነተሩ ድማ ተረኺቡ እዩዚበሎ ሞት እዚ ናይ ኃጢኣት ሞት እዩ። (ሉቃ 1524) እቲ ካልኣይ ሞት ዚበሃል ድማ በዚ ቀዳማይ ሞት ማለት ብምኽንያት ኃጢኣት ዚመጽእ ዘለዓለማዊ ሞት እዩ።ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስን እዩ። ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ፡ ምስኡ ውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም እምበር፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉንዚተባህለ ድማ ነዚ እዩ።(ራእ 206) ቀዳማይ ትንሣኤ ዚተባህለ ብንስሓ ካብ ሞተ ኃጢአት ምትንሣእ ኪኸውን ከሎ፡ ካልኣይ ሞት ዚተባህለ ድማ ኣብ ገሃንም ዘእቱ ዘለዓለማዊ ሞት እዩ።
ስለ ማንም ሰብ ካብቲ ካልኣይ ሞት (ናይ ዘለዓለማዊ ቅጽዓት ገሃንም) ከምልጥ እንተኾይኑ፡ ኣብ ጊዜ ፈተና፡ ንቤተ ክርስቲያን ኣገልገልቲ መሲሎም ብምምጻእ ኣብ ዚፍትኑላ ጊዜ፡ ናብዝን ናብትን ከይበለ ኣብ እምነቱ ጸኒዑ ደው ምስ ዚብል ጥራይ ምዃኑ ኣረጋገጸልና። እቲ ፈተነ ክሳዕ ሞት ውን ኪኸውን ስለ ዝኽአልክሳዕ ሞት እሙንኵን ዚብል ትእዛዝ ተዋህቦ ናብ መልኣኽ ጴርጋሞን ውን ከምዚ ኢልካ ጸሓፍ።ኢትዮጵያውያን ሊቃውንት ስሙጋይዮስ ወይ ጠብዶን ይብልዎከም በዓል ኣውሳብዮስ ዝኣመሰሉ ካልኦት ሊቃውንት ግን ዝሙት ዝተሓወሶ ኣምላኾ ጣኦት ብምቅዋሙ ምኽንያት ሰማዕትነት ዝተቐበላ (ኬርዮስ) ዝተባህለ ኣቦ እዩ ይብሉ።
እቲ ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሴፍ ዝሓዘ ከምዚ ይብል ኣሎ።ናይ ጴርጋሞን ቤተ ክርስቲያን ቀንዲ ሽግሮም ኣብ ውሽጦም ተመሳሲሎም ዝኣተዉ መናፍቓን ብምንባሮም እዩ። ስለ ድማ ኣማኒ ካብ መናፍቕ፡ ክፉኣት ካብ ቅኑዓት፡ ተዃሉ ካብ ኣባጊዕ ክፈሊ ዝኽእል ምዃኑ ነገሮም።
ሰብ ኣብ ልቢ ሰብ እንታይ ከም ዘሎ ኪፈልጥ ኣይክእልን እዩ። ስለ ድማ ምሳና ዘቐድሱ ምእመናን፡ ምሳና ዝዝምሩ መዘምራን፡ ምሳና ዝቕድሱ ዲያቆናት፡ ካህናት፡ ጳጳሳት ብውሽጦም ኣርዮሳዊ ክርዳድ (ማናፍቕነት) ሒዞም ከም ዘለዉ ኣይንፈልጥን። እግዚአብሔር ግን ንኵሉ ሕቡእ ዝፈልጥ ስለ ዝኾነ፡ ከምቲ ሰይፍ ንሓደ ነገር ቆሪጹ ኣብ ክልተ ዝኸፍሎ፡ ክርስቶስ ድማ ንመናፍቕ ካብ ኣማኒ ክፈሊ ዝኽእል ምዃኑ ኣረጋገጸልና።
ጐይታ ንሕና ሥጋውያን ኢና እሞ ነቲ ብሥጋ ዝርአ ጥራይ ድማ ንፈልጥ። ንስኻ ግን መንፈስ ኢኻ ብመንፈሳዊ ዓይኒ እናረኣኻ ነቲ ክርዳድ ካብ ስርናይ ነቲ ሽላ ካብ ርግቢት ነቲ ተዅላ ድማ ካብ በጊዕ ፈሊኻ ኣውጽኣልና።

 13 ኣበይ ከም እትነብር እፈልጥ እየ። ኣብቲ ናይ ሰይጣን ዙፋን ዘለዎ ኢኻ ትነብር።
ናይ ሰይጣን ዙፋንጴርጋሞን ነገሥታት ናይ ምምላኽ ሥርዓት ንመጀመርያ ዘተግበረትን ንናይ ሮም ቄሳር ድማ ናይ መጀመርያ ጣኦት ዝሠርሐትን ከተማ እዩ። ኣብታ ከተማ ብዕብየቱ ዝፍለጥ ናይ ዜውስ ቤተ ጣኦት ነበረ። ነዚ ድማ እዩ ናይ ሰይጣን ዙፋን ዝበሎ። ኣብኡ ድማ ኣብ ሮም ዝተሾመ ገዛኢ ናይ ሞት ፍርዲ ዝፈርደሉ መንበር ነበሮ። ነቲ ገዛኢ ነዚ ሥልጣን እዚ ዝህቦ ናይ ሮም ሕጊናይ ሰይፍ ሕጊይበሃል። ጐይታናክልተ ዝኣፉ ሴፍ ሒዙ ዝተገለጸድማ፡ እቶም ክርስቲያን ነቲ ናይናይ ሰይፍ ሕጊንከይፈርሑ ከበራትዖም ስለ ዝደለየ እዩ።ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት ኣጽኒዕካ ሒዝካዮ ኣለኻ። ኣብቲ ሰይጣን ዝነብረሉ ንኣንቲጳስ ነቲ እሙን ምስክረይ። ኣብ ማእከልኩም ብዝቐተልዎ መዓልታት እኳ፡ ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት ኣይከሓድካን።
 ኣንቲጳስ ዝተባህለ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ፡ ንክርስቶስ ብምስባኹን ኣምልኾተ ጣኦት ብምቅዋሙን 92 . ኣብ ዝፈልሐ ነሓሲ ሓዊሶም ብምቅጻል ሰማእትነቱ ዝተቐበለ ኣብዛ ከተማ እዚኣ እዩ። ቅድሚ ምሟቱ ኣብ ቅድሚ ናይ ሮም ገዛኢ ቀሪቡ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ መስኪሩ ነበረ። ክርስቶስ ከሓድ እሞ ብሞት ክትነብር ኢኻ ምስ ተባህለ ኣብ እምነቱ ጸኒዑ ሞት መረጸ።
14 እንተኾነ ብቑሩብ ነገር ፈሪደልካ ኣለኹ።ምህሮ በልዓም ዝሓዙ ገለ ሰባት ኣለዉኻ።
በልዓም ናይ ኣሕዛብ ነቢይ እዩ። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ወጺኦም ናብ ከንኣን ኪጐዓዙ ከለዉ፡ ገለ ካብ ዝገጠምዎም ኣሕዛብ ሞኣባውያን ይርከብዎም። ናይ ሞኣብ ንጉሥ ባላቅ ንእስራኤላውያን ስለዝፈርሖም፡ ንኽረግመሉ ኢሉ በልዓም ንዝተባህለ ናይ ኣሕዛብ ነቢይ ጸውዖ። በዓል ዝረግሞ ይርገመሉ፡ ዝምርቖ ድማ ይምረቐሉ ተባሂሉ ይእመን ነበረ። በልዓም ድማ ምስ ባላቅ ብገንዘብ ተወዓኢሉ ንእስራኤላውያን ኪረግም ከደ።
ኣብ መንገዲ ግን ኣቐዲሙ ንኣድጉ፡ ቀጺሉ ድማ ንባዕሉ ንበልዓም ተገሊጹ መልኣኽ እግዚአብሔር ገሠጾ። ንእስራኤላውያን ድማ ኪምርቖም ድኣ እምበር ከይረግሞም ድማ ኣጠንቀቖ። በልዓም ድማ ንእስራኤላውያን መሪቑ ትንቢት ውን ተነብዩ ተመልሰ። ብትውፊት ከም ዝንገር ናይ ሞኣብ ንጉሥ ባላቅ እዚ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ሓረቐ። ንበልዓም ስለምንታይ ከምዚ ጌርካ ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ በልዓም ድማ ናይ እግዚአብሔር መልኣኽ (ቅዱስ ሚካኤል) ነዚ ኪገብር ከም ዝገደዶ ገለጸሉ።

ብድሕሪ ባላቅ ካልእ ንእስራኤላውያን ኪስዕረሉ ዝኽእል ምኽሪ እንተለዎ ንበልዓም ሓተቶ። በልዓም ድማ በቲ ኣቐዲሙ ዝተወዓዓሎ ካብ ባላቅ ኪረኽቦ ዝግባእ ዝነበረ ከም ዝተረፎ ሓሲቡ ተጣዒሱ ነበረሞ፡ ነዚ ንምርካብ ካልእ ምኽሪ ንባላቅ መኸሮ።ጽቡቓት ደቂ ኣንስትዮ ቀርብ፡ ንጣዖት መሥዋዕቲ ሠውእ። እስራኤላውያን ናብ ሞኣብ ኪኣትዉ ከለዉ እዘን ደቂ ኣንስትዮ ተጸባቢቐን ተኾዃሒለን ኣብ ይጽንሓኦም። እስራኤላውያን መፍቀርቲ ኣንስቲ ስለ ዝኾኑ፡ ነተን ኣዋልድ ምሳና ደቅሳ ምስ በልወን፡ኣቐዲምኩም ካብ መሥዋዕቲ ጣዖት ብልዑልና ፍቓድኩም ኪንፍጽመልኩም ኢናይበልዎም ሽዑ እግዚአብሔር ባዕሉ ከጥፍኦም እዩብምባል መኸሮ።
ባላቅ ድማ በልዓም ከም ዝበሎ ገበረ። እስራኤላውያን መሥዋዕተ ጣዖት በሊዖም ምስ እስራኤላውያን ኣመንዚሮም፡ 24.000 ሰባት በዚ ምኽንያት ተቐዝፉ።(ዘኁ 2224) ነዚ ታሪኽ እዚ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ይሁዳ ቅዱስ ዮሐንስን ተማቒሎም ጽሒፎሞ ኣለዉ። ከም ናይ እስራኤላውያን ትውፊት በልዓም ምስ ሜዶናውያን ነገሥታት ብእስራኤላውያን ተቐቲሉ እዩ።(ዘኁ 318 ኢያ 1321-22) “በልዓም እቲ ንደቂ እስራኤል መፈንጠራ ክገብረሎም ኢሉ ንጣኦት ዝተሠውአ ክበልዑን ክዝምዉን ምእንቲ ክገብር ንባላቅ ዝመኸሮ እዩ።
ናይ በልዓም ትምህርቲዝተባህለዝሙትን መሥዋዕተ ጣዖትን ኣተሓሒዝካ ናይ ምፍጻም ተግባር እዩ።(ዘኁ2224 2ጴጥ 213 ይሁ 11)

15 ከምኡ ውን ንምህሮ ኒቆላውያን ዝስዕቡ ገለ ሰባት ኣለዉኻ።ናይ በልዓምን ኒቆላውያንን ትምህርቲ ኣብ ዝሙትን ኣምልኾ ጣዖትን ዘተኮረ ተመሳሳሊ እዩ። ናይ ኒቆላውያን ትምህርቲ ካብ ዝተስፋሕፍሓሎም ቦታታት ሓንቲ ጴርጋሞን ነበረት። ብፍላይ ድማ ናይ ንጉሥ መምለኺ ቦታ ኣብ ከተማ ምንባሩ፡ ናይ ነገሥታት ሰፊሕ ድጋፍ ዝረኸቡ መምለኽቲ ጣዖት፡ ንክርስቲያናት ከም ልቦም ንኸጋፍዕዎምን ከሳቕይዎምን ሓጊዝዎም እዩ።
ናይ ጴርጋሞን ቤተ ክርስቲያን ሓለቓ (ጳጳስ) በቶም ምስኡ ዘለዉ ውሑዳት ድኹማት ሰባት ተወቒሱ።
.ኣውጉስጢንንሕና ጳጳሳት ብምኽንያት በደል ናይቶም ድኹማት እንኮላይ ድኣ እምበር ብበደልና ጥራይ ኣይኮንናን ንውቀስይብል።

16 ስለ ተነሳሕ እንተዘይኮነ ቀልጢፈ መጺአ በቲ ካብ ኣፈይ ዝወጽእ ሰይፊ ኽወግኦም እየ።
 ንበልዓም ካብቲ ዝኸዶ ዝነበረ ናይ ኃጢኣት ተግባር እንተዘይተመሊሱ ከጥፍኦ ምዃኑ መልኣኽ እግዚአብሔር ኣጠንቂቕዎ ነበረ።(ዘኁ2223-31) ሕጂ ውን ከም ናይ በልዓም ዓይነት ትምህርቲ ዝሓዙ ግኖስቲካውያን ካብ ኣፉ ብዝወጽእ ሴፍ ከም ዝጠፍኡ ተነግሮም።
 ብምኽንያት ጥፍኣት ናይተን ውሑዳት ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ጳጳስ ንስሓ እቶ ተባህለ። ብናቱ ድኻምን ሸለልትነት ጠፊኦም እንተኾይኖም ንሱ ስለ ዝሕተት ንስሓ እቶ ተባህለ።

17 እዚ ዘለዎ መንፈስ ቅዱስ ነተን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዝሥዕር ሥውር መና ክህቦ እየ። መጽሓፈ ብርሃን ውን ክህቦ እየ። ብዘይካ እቲ ዝተቐበሎስ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ሓድሽ ስም ዝተጻሕፎ (ጻዕዳ እመኒ ድማ ክህቦ እየ) (ወውስተ ውእቱ መጽሐፍ ጽሑፍ ስም ሐዲስ ዘአልቦ ዘየአምሮ ዘእንበለ ዘነሥኦ ነዚ ኵሉ መሰናኽል ሓሊፎ ኪሳብ መወዳእታ ዚጸንዐ ሕቡእ መና ኪህቦ እየ ተባሂሉ ኣሎ ቪክቶሪያነስዝተሰወረ መና ዝተባህለሕያውነት እዩክብል ይትርጉሞ። መጽሓፍ ብርሃን ዝተበሃለናይ እግዚአብሔር ውልድነት እዩሓድሽ ስም ዝተባህለ ድማክርስቲያን ዝብል ስም እዩ
ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቃውንት  መና)  እስራኤል ኣምልኾተ ጣኦት ገዲፎም ንእግዚአብሔር ምስ ተኸተሉ መና ከም ዝወረደሎም (ሥጋኡን ደሙን ክህበካ እየ)መጽሓፍ ብርሃንእስራኤል ኣምልኾተ ጣኦት ገዲፎም ሕጊ እግዚአብሔር ብምሓዞም ኦሪት ከም ዝተዋህቡ (ሕገ ወንጌል ክህበካ እየ) ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ሓድሽ ስምኣብ ኦሪት ኤልሻዳይ ኣዶናይ ጸባኦት ዝብል ስም ተጻሒፉ ከም ዘሎ፡ ኣብ ወንጌል ድማ ብዘይካ እቲ ሥጋና ብምውህሃድ ዝረኸቦ ጐይታና ካልእ ክረኽቦ ዘይክእል ስመ ሥጋዌ ተጻሒፉ ኣሎ። ኣማኑኤል ኢየሱስ ምባል እዩ። ብምባል ተርጕሞሞ ኣለዉ።

No comments:

Post a Comment