ሓሶት 3.3 ቅዱስ ቊርባን ድሕሪ ምቕባሎም ብኣጋጣሚ ኰይኑ ከም ገለ ኢሉ ሰብ መጺኡ እንተ ሰዓሞም ወይ ብማይ እንተ ተሓጺቦም ከም ዚረኸሱ ጌርካ ይቑጸር። እቶም ሰባት ምስ ተቐበሉ ንፋስ ናብ ኣፎም ኣትዩ ከየርክሶም ግዲ ዚፈርሑ ኮይኖም፡ ጨርቂ ኣብ ኢዶም ጌሮም ንኣፎም ወቲፎሞ ንገዛኦም ዚኸዱ ምዃኖም እዩ።
እዚ ንስኻ ከም መቃላሊ ጌርካ ንጸርፊ ዚተጠቐምካሉ ጽቡቕ ጌርካ እንተተስተውዕሎ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘቕረብካዮ ብሓሶት ዚተሰለመ ረሳሕ ትምህርትኻ ምመለሰልካ ኔሩ። ምኽንያቱ እዞም ኣብዚ ጠቒስካዮም ዘለኻ ድሕሪ ቅዱስ ቊርባን ኪንገብሮም ካብ ዘለና ጥንቃቐታት ልብኻ ከፊትካ እንተ መርሚርካዮም፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅዱስ ቊርባን ዘለዋ ዓቢ ክብሪ ዚገልጹ እዮም። ከምቲ ንስኻ ዚበልካዮ ሰብ ዋላ ምስ ኃጢኣቱ ቅዱስ ቊርባን ኪቕበል ሲ ይትረፍ ምስ ተቐበለ እኳ ከመይ ዚበለ ጥንቃቐታት ከም ዚገብር ተመልከት። በታ ቅዱስ ቊርባን ዚተቐበልናላ ዕለት ማይ ኣይንሕጸብን ከይንረክስ ኢልና ግን ኣይኮንናን ማይ ከ ካብ መዓስ እዩ መርከሲ ዚተቖጸረ? ንፋስ ኣትዩ ከየርክሰና ውን ኣፍና ኣይንሽፈንን። እረ ከምዚ ዚበለ ትምህርቲ ካበይ ረኺብካዮ እንተዝብለካስ እንታይ ምመለስካ? እስኪ ሓንቲ መጽሓፍ ወይ ስብከት ናይ ቤተ ክርስቲያንና ጠቒስካ ከይንረክስ ኢልና ከም ዘይንሰዓዓም ወይ ማይ ከም ዘይንሕጸብ ወይ ድማ ኣፍና ከም እንሽፍን ኣረድኣኒ? "ዐመፃ ወጽአት እመዛግብቲሃ" ዓመፃ (ሓሶት) ካብ ማኅደራ (ካብ ዲያብሎስ) ወጸት ከም ዝብል ሄኖክ 11፡3)
ኣብዚሕካ ምምጋብ ኣብ ዕለታዊ ናብራና ውን ንፍትወት ሥጋ ዝዕድም ስለ ዚኾነ ኪንጥንቀቐሉ ይግበኣና እዩ። ብዝያዳ ድማ ነቲ ሰማያዊ መግቢ ምግበ ሥጋን ምግበ ነፍስን ዚኾነ ቅዱስ ቊርባን ምስ ተቐበልና፡ መጢንና ኪንምገብ ይግበኣና።
ካብ ጅቡኻ ኣውጺእካ ድኣ ትሕሱ ኣለኻ እምበር ቤተ ክርስቲያን ሲ ከም’ዚ ኣይትምህርን እያ። ቤተ ክርስቲያን ሓደ ሰብ ቅዱስ ቊርባን ምስ ተቐበለ ንክብሪ እቲ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዚገብሮም ጥንቃቐታት ኣለዉ። እንተኾነ ግን ምስ ርኽሰት ዘተሓሕዝ ዋላ ሓንቲ ነገር የብሎምን። ካብ’ዚ ቀጺለ ድሕሪ ቅዱስ ቊርባን ኪንገብሮም ዚግበኣና ጥንቃቐታት ኪጽሕፈልካ እየ።
ቅዱስ ቊርባን ምስ ተቐበልና ክንገብሮም ዘይግበኣና
1.ብመጠኑ ምምጋብ ኣድካሚ ስራሕ ዘይምስራሕ ርሑቕ መንገዲ ዘይምዃድ።
ሥጋኡን ደሙን ዕረፍቲ ሥጋን ነፍስን ዝህብ ከም ዝኾነ ንምግላጽን፡ ኣነ ከዕርፈኩም እየ ናባይ ንዑ ዚበለና ንምዝካርን ንምትግባርን ዚሕግዘና ሥርዓት ስለ ዝኾነ፡ ምስ ተቐበልና ከነዕርፍ ድኣ ኣለና እምበር ኣድካሚ ሥራሕ ኪንሠርሕ ኮነ ኣድካሚ ዚኾነ ነዊሕ መገዲ ኪንጎዓዝ ኣይግበኣናን። (ማቴ 11፡29-30)
2. ዘይ ምክርኻር ብዙሕ ዘይምዝራብ ግቡእ ናብ ዘይ ኮኑ ቦታታት ቤት ፍርዲ ባራትን ዘይምኻድ
ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ "ናይ ዕሽነት ክርክርን…ባእስን ግና ዘይጠቅምን ከንቱን እዩ እሞ ኣግልሰሉ" (ቲቶ 3፡9) ከም ዚበለና ክርስቲያን ኵሉ ጊዜ ካብ’ዚ ኃጢአት እዚ ኪንርሕቕ ከም ዚግብኣና ርዱእ እኳ እንተኾነ። ብዝያዳ ድማ እዚ ናይ ፍቕሪን ትሕትናን ምልክት ዚኾነ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ምስ ተቐበልና፡ ካብ ክርክርን ባእስን ኪንርሕቕ ይግብኣና እዩ።
3. ጽፍሪ ጸጕሪ ዘይምስዳድ ክዳንካ ዘይምውጻእ ማይ ዘይምሕጻብ።
ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ምስ ተቐበልና ክንደሚ ኣይግብኣናን እዩ። ስለ’ዚ ጽፍርና ኪንሰድድ ኮነ ጸጕርና ኪንሰድድ ኢልና በላሕቲ ነገራት ኪንሕዝ ኣይግበኣናን።
ከምኡ ውን ክዳንና ኣውጺእና ዕራቖትና ኪንከውን ኣይግበኣናን። እዚ ምሥጢር እዚ ዓቢ ምሥጢር እዩ። እቲ ተቐቢልናዮ ዘለና ሥጋን ደምን ናይ ዕሩቅ ብእሲ ሥጋ ከም ዘይኮነ ንምምስካር ዚሕግዘና መሥጢር እዩ። ከም ዚፍለጥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንክርስቶስ ብስብከትና ጥራይ ዘይኮነ ብኣከዳድናናን ብሥርዓትናን ከይተረፈ ኢና ንሰብኮ። ስለ’ዚ ከም’ቲ መናፍቓን ንክርቶስ ክብሪ ይኹኖ (ዕሩቅ ብእሲ እዩ ማለት መለኮት ዘይብሉ ተራ ሰብ እዩ) ዚብልዎ ዘይኮነ ንሱ መለኮት ዚተወሃሃዶ ኣምላኽ ድኣ እምበር ዕሩቅ ብእሲ ኣይኮነን ንምባል ምስ ተቐበልና ዕራቖትና ኣይንኸውንን። ምኽንያቱ ቅዱሳን ነዚ ኣመልኪቶም ካብ መለኮት ዝተፈለየ ዕሩቅ ብእስ እዩ። 2 ኣካል 2 ባህሪ እዩ ንዝብሉ ካብ ምእመናን ፈልዩ ናብ ገሃንም ክድርብዮም እዩ" ብምባል ጽሒፎምልና እዮም። (ሃይማኖተ ኣበቀውዘዮውሃንስ ኣፈወርቅ ምዕራፍ 62 ገጽ 219)
ቅዱስ ጳውሎስ "ኣብኡ ብዘሎ ምልኣት መለኮት ሓዲርዎ ነበረ" ከም ዚበሎ (ቆለ 2፡9) ክርስቶስ መለኮት ዚተወሃሃዶ ኣምላኽ ድኣ እምበር ዕሩቅ ብእሲ ኣይኮነን። ቅዱስ ኣባ ሕርያቆስ ውን "በአማን ቊርባን ውእቱ ዘኢይክሉ ይጥዓሙ እምኔሁ ግሙናነ መንፈስ "ልቦናኦም ሰብነቶም ብኃጢኣት ዝረስሑ ክቕበልዎ ዘይግበኦም መለኮት ዝተዋሃዶ ቊርባን እዩ,,,ወበአማን እሳት ውእቱ ዘኢይክሉ ለኪፎቶ እሳታውያን እለ ነደ እሳት እሙንቱ ኪሩቤል ወሱራፍኤል" ካብ እሳት ዝተፈጥሩ ኪሩቤልን ሱራፍኤልን ክኅዝዎ ዘይከኣሎም መለኮት ዝተዋሃዶ ቊርባን እዩ" ብምባል ምሂርና እዩ።(ቅዳሴ ማርያም)
ስለ’ዚ ነዚን ካልእን ዚኣመሰለ መንፈሳዊ ትርጉም ዘለዎ ሰማያዊ ሥርዓት ድኣ እምበር ከምቲ ንስኻ ጠንቊልካ ዘምጻእካዮ ሓሶት ከይንረክስ ኢልና ዚገበርናዮ ኣይኮነን።
ማይ ዘይንሕጸብ ውን ከይንረክስ ኢልና ኣይኮንናን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ማይ ግዳማዊ ርስሓት እዩ ዘጽሪ፡ እቲ ተቐቢልናዮ ዘሎና ቊርባን ግና ካብኡ ዚበለጸ ንኃጢአት ኣቃጺሉ ውሽጥና ዘንጽህ ምዃኑ ውን ንምስክር ኣለና። ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ዮሓንስ ከም’ዚ ይብል "ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ ካብ ኵሉ ኃጢአትና የንጽሃና እዩ" (1ይ ዮሐ 1፡7)
4. ትቕብል ምሰበልና ማየ ጸበል (ማየ ቊርባን) ክንሰትይ ኣለና (ፍት.ነገሥት ኣንቀጽ 13 ሥርዓተ ቅዳሴ ቊጽሪ 166)
5. ድኅሪ ምቚራብና ምስጋድ ኣይግባእን እዩ። እዚ ድማ ቅዱስ ቊርባን ብምሕረት ኣምላኽ ብነጻ ዚተዋህበና ህያብ ድኣ እምበር ብጻዕርና ብድኻምና ንዕኡ ንምቕባል ዚበቓዕና ከም ዘይኮንና ንምምስካር እዩ"።
6. ሰብ ሓዳር እንተኴና ድሕሪ ምቕባልና ንክልተ መዓልቲ ዚኣክል ሥጋዊ ርክብ ኣይንፍጽምን። ሓደ ሓደ ሰባት ነዚ ውን ከይንረክስ ኢልና እንገብሮ ዚመስሎም ኣሎ። ሓዳር ኣብ ብሉይ ይኹን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ቅዱስ እዩ። እግዚአብሔር ንኣዳምን ሔዋንን ባሪኹ ካብ ዚህቦም ጀሚሩ መውስቦ ቅዱስ እዩ። ስለ’ዚ ንክብሪ ቅዱስ ቊርባን ተባሂሉ ዚተሠርዓ ሥርዓት ምስ ርኽሰት ምትሕሓዝ ግቡእ ኣይኮነን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ቅዱስ ቊርባን ንምቕባል እኳ 3 መዓልቲ ካብ ሰበይቲ ርሒቖም ዚጸንሑ ምዃኖም ምስ ኣረጋገጸ ኪህቦም ከሎ ኢና ነንብብ። ስለ’ዚ እዚ ናይ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ኣዝዩ ካብኡ ከም ዚበልጽ ኣዝዩ ድማ ክብሪ ይግብኦ እዩ። "ዘፀ 19፡15 1ሳሙ 21፡1-6 ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ካህናት ክንፈ ገብርኤል ኣልታየ ገጽ 103 "ሀ"
7. ምስ ተቐበልና ኣፍና ኪንሽፍኖ ይግበኣና። እዚ ድማ ታህዋስያን ከም ሃመማ ዚኣመሰሉ ብኣፍንጫና ኮነ ብኣፍና ከይኣትዉና እንገብሮ ጥንቃቐ ድኣ እምበር ምስ ንፋስን ምስ ርኽሰትን ዘተሓሕዝ ዋላ ሓንቲ ነገር የብሉን። ንዓና ዘርክሰና ከም’ዚ ናትካ ሓሶትን ጽርፈትን መናፍቕነትን ጥራይ እዩ። መድኃኔ ዓለም ካብኡ ይሰውረና። (ብፁዕ ኣቡነ ጎርጎርዮስ ካልኣይ ሰባቱ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ገጽ 52) ተመልከት።
ወልድኣብ ኤልያስ ብዛዕባ መንነትካ ኪትዛረብ ከለኻ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ኔርካ "መቸም ኣነ ኣገልጋሊ ሰይጣን ከም ዝነበርኩን ናይ መንግሥቲ ሰይጣን ሥርዓት ድማ ካብ ንእሽተይ ክሳብ ዓቢ ብደቂቕ ከምዝፈልጦን ኣቐዲመ ገሊጸልኩም እየ"
ኣገልጋሊ ሰይጣን ምዃን ድኣ ኣበይ ከ ገዲፍካዮ መዋጽኦ ድኣ ይፍጠረልካ እምበር ሕጂ ውን ገና ኣብኡ ኢኻ ዘለኻ።
ሓሶት 3.4 2ይ ኣብ ዘመነ እርጋንካ ምንጻሕ
ጣኦታውያን ኣመንቲ ሥርዓት ተዋህዶን ካልኦትን ምስ ኣረጉ ቅዱስ ቊርባን ወሲድና ኪንነጽሕ ኢና ስለ ዝሓስቡ፡ ቅድሚ ቅዱስ ቊርባን ምውሳዶም ዘሎ ጊዜ ልክዕ ሃይማኖት ከመዘይብሎም ዝደለይዎ ኃጢኣት ንኽገብሩ ቀይዲ ከም ዘይብሎም ፍቱሓት ኮይኖም ይጸንሑ ማለት እዩ። ኃጢአት ምግባር ጸጊቦም ምስ ብስጋ አረጉ በዚ ከምዚ ድማ ኣንፈቶም ናብ ሞት ኣቢልካ ምጉዓዝ ምስ ኮነ ካልእ ኣማራጺ ውን ስለ ዘይብሎም ገለ መንግሥተ ሰማያት እንተኣተና ኢሎም ቅዱስ ቊርባን ይወስዱ። እቲ ቅዱስ ቊርባን ምቕባል ድማ ንጐይታ ምቕባል ጌሮም እዮም ዚወስድዎ። ሰባት ግና ቅድም ንክርስቶስ ኢየሱስ ከም ናይ ግሊ መድኃኒ ጌሮም ኪቕበልዎን ብመንፈሱ ድማ ዳግም ኪውለዱን ኢዩ ዝግባእ። ይብል ኣቶ ወልድኣብ ኤልያስ
ብዛዕባ’ዚ ኣብ ሓሶት 3.1 ብዚግባእ ተመሊስልካ ኣሎ። እዛ "እቲ ቅዱስ ቊርባን ምቕባል ድማ ንጐይታ ምቕባል ጌሮም እዮም ዚወስድዎ" ዚበልካያ ቃል ግን ሓዳስ ሓሶት እያ። ምኽንያቱ ንቅዱስ ቊርባን ምቕባል ንጎይታ ምቕባል ጌርና ኣይንቖጽሮን ኢና ትቖጽርዎ ኢኹም ትብል እንተኴንካ ድማ ምንጪ ሃበና ኣበየናይ መጽሓፍና ከምኡ ዚብል ኣንቢብካ? እስኪ ሕስብ ኣብሎ ጐይታ ምቕባል ማለትካ ብጐይታ ምእማን ማለትካ ከም ዚኾነ ርዱእ እዩ። ስለ’ዚ ብንጹር ኣዘራርባ "ኦርቶዶክሳውያን ቅዱስ ቊርባን ምቕባል ከም ንክርስቶስ ምእማን እዮም ዚቖጽርዎ" ኢኻ ትብል ዘለኻ።
በዚ ኣበሃህላኻ ንክርስቶስ ከይኣመንናዮስ ሥጋን ደሙን ንቕበል ኣለና ማለት ዶ ኣይኮነን? ንክርስቶስ እንተዘይፈሊጥናዮን እንተዘይኣሚንናዮን ድኣ ናይ መን ሥጋን ደምን ኢልና ንወስድ ኣለና? እዚስ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ኪዛረቦ ዚኽእል ኣይኮነን።
4.1.1 ንጎይታ ምቕባልን ሥጋኡን ደሙን ምቕባልን ዘሎ ፍልልይ
ንጎይታ ምቕባል ማለት ብቋንቋ መናፍቓን ብጐይታ ምእማን ማለት እዩ። ብቛንቋ ማንፍቓን ማለተይ እዚ "ጐይታ ተቐበል" ዚብል ቃል ሐዋርያት ተጠቂሞምሉ ዘይፈልጡ ቃል ብመናፍቓን ዚተፈልሰፈ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘየለ ቃል ምዃኑ ከነጽሮ ስለ ዚደለኹ እየ። ሐዋርያት ብክርስቶስ እመኑ ድኣ ይብሉ ነበሩ እምበር ንክርስቶስ ተቐበልዎ ዚብል ቃል ኣይወጾምን።
ንኢየሱስ ክርስቶስ ፈጣሬ ኵሉ ዓለም ኵሉ ዚኽእል ሓያል ኣምላኽ ምዃኑ ምእማን። ንድሕነት ደቂ ሰባት ኢሉ ብገዛእ ፍቓዱ ሥጋ ለቢሱ ናብ’ዚ ዓለም ብምምጻእ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ንጸላኢና ዲያብሎስ ስዒሩ ዓወትን ድሕነትን ከም ዚሃበና ምእማን እዩ። ስለ’ዚ ዚኾነ ሰብ መጀመርያ ነዚ ይኣምን ቀጺሉ ድማ ይጥመቕ ብኡ ንብኡ ድማ ቅብኣ ቅዱስ ሜሮን ተቐቢኡ ሥጋኡን ደሙን ይቕበል።
ሥጋኡን ደሙን ምቕባል ናይቲ መድኃኒት ዚኾነ ክርስቶስ ኣምላኽነት ድሕሪ ምእማንካ ዚስዕብ እዩ። ስለ’ዚ ሓደ ሰብ ቅድሚ ቅዱስ ቊርባን ምቕባሉ ድኣ ብጐይታ ኪኣምን ኣለዎ እምበር ብጎይታ ከይኣመነስ ሥጋኡን ደሙን ውን ኪቕበል ኣይግብኦን እዩ። ስለ’ዚ ንሕና ኦርቶዶክሳውያን ትምህርትና እዚ እዩ። መጀመርያ ብመድኃኔ ዓለም ንኣምን ብድሕሪኡ ንመደምሰሲ ኃጢኣት ዚኸውን ሥጋኡን ደሙን ንቕበል።
ኣብ ናይ ቅዱስ ቊርባን ትምህርትና
ናይ መን ሥጋ ትበልዕ
መለኮት ዚተወሃሃዶ ነፍሲ ዚተፈልየቶ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ኣብኡ ህሉዋን ዚኾኑ ናይ እግዚአብሔር ወልድ ሥጋ ይበልዕ፡ ኢልና ምምላስና ድማ ነቲ እንቕበሎ ሥጋ ኣቐዲምና ናይ መን ምዃኑ ፈሊጥና ብኡኡ ኣሚንና ከም እንወስዶ ዘረጋግጽ እዩ።
ብዛዕባ እቲ "ሰባት ግና ቅድም ንክርስቶስ ኢየሱስ ከም ናይ ግሊ መድኃኒ ጌሮም ኪቕበልዎን ብመንፈሱ ድማ ዳግም ኪውለዱን ኢዩ ዝግባእ" ዚበልካዮ ድማ እዚ ናይ ግሊ መድኃኒ ዚብል ቃል፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣይኮነን። ብግሊ ዚብል ኣተሓሳስባ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን በዓል ማርቲን ሉተር ኣቦ ሓጎኻ ዘተኣታተውዎ ግጉይ ኣተሓሳስባን ኣዘራርባን እዩ። ንስኻትኩም ድማ ነዚ ግጉይ ትምህርቲ ተቐቢልኩም ብግሊ እናበልኩም ንሰብ ካብ ወለዱ ካብ ቤተ ሰቡ ካብ ሕብረተ ሰቡ ብዓቢኡ ድማ ካብ ኣምላኹ ገሊልኩም ግልግለ ኣጽሪኹሞ ኣለኹም።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣብ ሓንቲ ቦታ እኳ ትኹን ኢየሱስ ናይ ግሊ መድሓኒ እዩ ዚብል ቃል የለን። ንሱ ናይ ዓለም መድኃኒት እምበር ናይ ግሊ ኣይኮነን። ናይ ግሊ መድሓኒ ጌርካ ተቐበሎ ማለት እኮ ናይ ዓለም መድሓኒ ኣይኮነን ማለት እዩ። ስለ’ዚ ንሰብ ክርስቶስ ናይ ዓለም መድሓኒ ምዃኑ ኣሚንካ ተጠመቕ ድኣ ኪበሃል ይግባእ እምበር ኢየሱስ ናይ ግሊ መድሓኒ ጌርካ ተቐበሎ ዚበሃል ኢመጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ እዩ።
ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ወንጌሉ ከምዚ ይብል ንጽብሒቱ ዮሓንስ ንኢየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረኣየ እሞ፥ እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ።(ዮሃንስ 1:29) ስለ’ዚ ዮሐንስ ኃጢኣት ዓለም ዘርሕቕ በለ እምበር ናይ ግሊ ኃጢኣት ዘርሕቕ ኣይበለን።
ደጊሙ ውን ዮሐንስ ኣብ (ዮሃንስ 3:17) ከምዚ ይብል "ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን" ዓለም ብኡኡ ኪትድሕን ደኣ በለ እምበር ናይ ግሊ መድሓኒት ኣይኮነን።
ሕጂ ውን ዮሐንስ ኣብ (ዮሃንስ 4:42) ከምዚ ይብል "ነታ ሰበይቲውን፥ ደጊምሲ ባዕላትና ደኣ ንሱ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናን እምበር፡ ኣይብዘረባኽን ኢና እንኣምን ዘሎና፡ ይብልዋ ነበሩ" እሞ ኸ ዮሐንስ ብዛእባ ክርስቶስ ደጋጊሙ መደኃኔ ዓለም ኢሎ እናጸሓፈስ ንስኻ ከመይ ኢልካ ኢኻ ኣንጻር ዮሐንስ ተዓጢቕካ ዘለኻ? ነቲ ዮሐንስ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናን ዚበሎስ ንስኻ ናይ ግሊ መድሓኒ እናበልካ ሰብ ከተጥፍእ!
በል መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ጌርካ እሞ ኣንብቦ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ዓለም ሕይወት ዮሐ 6፡32-33 ናይ ዓለም መድሓኒ ዮሐ 4፡42 ዮሐ 1፡29 ናይ ዓለም ብርሃን ዮሐ 8፡12 ወ.ዘ.ተ" እናተባህለ ድኣ ተጸዊዑ እምበር ናይ ግሊ መድሓኒ ዚብል ኣብ ዋላ ሓደ ቦታ ስለ ዘየለ እዚ "ናይ መድሓኒ ጌርካ ተቐበሎ" ዚብል ካልእ ወንጌል እዩ።
ብዛዕባ ካልእ ወንጌል ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ኣቐዲሙ ። "..እዚውን ገለ ዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ኪልውጥዎ ዚደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን። ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን"(ገላ 1፡7-8) እናበለ ስለ ዘጠንቀቐና ነዚ ጥምህርትኻ ተፈሊጥኪ ኢኺ ባምቡላ ኢኺ እናበልናዮ ኢና ንሓልፍ።
.......... ይቕጽል
No comments:
Post a Comment