መእተዊ
እግዚአብሔር ብመንገዲ ዮሐንስን በተን ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣቢሉ ነታ ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ቤተክርስቲያን ዚገለጾ ምሥጢር ኪንርኢ ኢና። ነፍሲ ወከፍ ክልል ቤተ ክርስቲያን ነናቱ ድኹምን ብርቱዕን ጎኒ ኔርዎም። ነቲ ኣብ ብርትዐ ዘሎ ብከምኡ ንኪቕጽል፡ ዚደኸመ ድማ ካብ ድኻሙ ንኽትንስእን ንኪነጽህን መልእኽቲ ተላእከሎም። ነፍሲ ወከፍ መልእኽቲ ነዚም ዚስዕቡ ተመሳሰልቲ ነገራት ኔርወን
1 በቲ ናይ’ታ ቤተ ክርስቲያን መልኣኽ (ጳጳስ) ይጅምር። ምኽንያቱ ሓደ ጳጳስ ንዚመርሐን መጓሰ ሓላፍነት ስለ ዘለዎ። ናይ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ብርትዐን ድኻምን ብናይ ጳጳሳ ድኽመት ወይ ብርትዐ እዩ ዚፍለጥ።
2. ነዚ መልእኽቲ ዚለኣኸሎም ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ስለ’ዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መልእኽቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ክብርን ዕብየትን ተገሊጹ ኣሎ። ነታ ቤተ ክርስቲያን ኣድላዩ ብዝኾነ መንገዲ ርእሱ ኪገልጽ ከሎ ንርእዮ።
3. እቲ መልእኽቲ “እፈልጥ እየ” እናበለ እዩ ዚገልጽ። ምኽንያቱ ካብ እግዚአብሔር ዚስወር (እግዚአብሔር ዘይፈልጦ) ነገር ስለ ዘየለ። ሰባት ናትና ሕመቕን ክፋእን ኪፈልጡ ዚደልዩ ንዓና ንምንዓቕን ንምውራድን ንምውቃስ ኪኾኑ ይኽእሉ። እግዚአብሔር ግና ውሽጥና ይፈልጥ እዩ። ስለ ዚፈልጥ ድማ ዘድልየና ነገር ይገብረልና።
4. እዝኒ ዘለዎ መንፈስ ቅዱስ ንኣብያተ ክርስቲያናት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ” እናበለ ንኪሰምዑ ይጋብዞም።
5. ነታ ኣብ ልዕሊ ማዕበል ናይ’ዚ ዓለም ብዓወት እትጐዓዝ ቤተ ክርስቲያን ዚወሃብ ሽልማት ድማ ይገልጽ።

ቅዱሰ ጢሞቴዎስ ኣብኡ ን33 ዓመት ከም ዘገልገለ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ታሪኽ የረድእ። ብ97 ዓ.ም ማለት ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ ምስ ተኣሰረ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ናይቲ ኣርጤምስ ዚበሃል ጣኦት ንምኽባር ኢሎም ዚተኣከቡ ኤፈሶናውያን፡ ነቲ ብዛዕባ ናይ ኣምልኾ ጣኦት ከንቱነት ኪምህሮም ዚመጸ ጢሞቴዎስ ቀጥቀጥዎ። ኣብ መንጎ ሞትን ሕይወትን ገዲፎሞ ድማ ከዱ። ብድሕርዚ ብደቀመዛምርቱ ተላዒሉ ካብታ ከተማ ውጽእ ናብ ዚበለ ሰፈር እኳ እንተተወስደ፡ ንሠላሳ መዓልቲ ዚኣክል ድሕሪ ምሕማም ኣዕረፈ። ደቀ መዛሙርቱ
ድማ ፒዮን ኣብ ዚተባህለ እምባ ቀበርዎ።
ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቃውንት ግን ስሙ ዮሐንስ ወይ ደማትሬ ይብልዎ።
“እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ 7 ከዋኽብቲ ዝሓዘ ኣብተን 7 ቀወምቲ ቀንዴል ወርቂ ውን ዝነብር ከምዚ ይብል ኣሎ”
ናይ ኤፌሶን ቤተ ክርስቲያን ቀንዲ ሽግራ “ዝቐደመ ፍቅሪ ምዝሕታል እዩ” ስለዚ ድማ 7 ከዋኽብቲ ኣብ የማናይ ኢዱ ሒዙ ኣብ ማእከል እቶም 7 ናይ ወርቂ ቀንዴል ኮይኑ ተራእዮም። እዚ ድማ ናይቶም 7 ከዋኽብቲን 7 ናይ ወርቂ ቀንዴልን ናይ ብርሃኖም ምንጪ ንሱ (ኢየሱስ ክርስቶስ) ከም ዝኾነ ንምርዳእ እዩ። ብኢዱ ምሓዙን ኣብ ማእከሎም ምህላዉን ድማ ናይ ፍቕሩ መግለጺ እዩ። ኣነ ከምዚ ጌረ ብኢደይ ሒዘ ኣብ ማእከልኩም እንከለኹስ ንምንታይ እዩ ፍቕርኹም ዝዛሕተለ ክብል ብኸምዚ መንገዲ ተገልጸሎም።

እግዚአብሔር መጀመርያ ንናይ ኤፌሶን ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ብርቱዕ ጎኒ ኣልዒሉ ኣመስጊንዎም። እግዚአብሔር ብዛዕባ ጽቡቕን ክፉእን ሥራሕና ይፈልጥ እዩ ነጋሪ ውን ኣየድልዮን እዩ። ምንም እኳ እንተበደልናዮን ክፉእ እንተገበርናዮን ንዝቐደመ ግብርና ኣይርስዖን እዩ። ንዕኡ ኢልና ዝተቐበልናዮ መከራስ ይትረፍ ብስሙ ዝሃብናዮ ብኬሪ ዝሑል ማይ ውን ኣይርስዖን እዩ። እንተኾነ ግን ብዘይ ነውርን ነቐፋን ኣብ ቅድሚኡ ንምቛም ምእንቲ ክንክእል፡ ጌጋና እንዳ ኣረምና ድኻምና እንዳ ኣማሓየሽና ጉድለትና እንዳ መላእና እርግናና እንዳ ሓደስና ንኽንከይድ ይግሥጸና።
እግዚአብሔር ኣብ ናይ ኃጢኣት ጣኼላ ተሸሚምና ንዕኡ ፍጹም ረሲዕናዮ ኔርና ኣብ መወዳእታ ግን ብምሕረቱ ዋላ ውን ኣብታ ናይ መወዳእታ ናይ ሕይወትና ሰዓት ትኹን ተመሊስና ንስሓ ኪንኣቱ ከለና፡ ነቲ ናይ ቀደም ኃጢኣትና ብምልኡ ይርስዖ እዩ። ማለት ኣበይ ኔርካ ኪሳብ ሕጂ እናበለ ኣይጸባጸበናን እዩ። ንፊያታዊ ዘየማን ሽፍታ ኢኻ ዚነበርካ ከይበለ ኣብ መስቀል ተንጠልጢሉ ንስሓ ምስ ኣተወ እዩ ተቐቢልዎ። ነቲ ጥፉእ ወዲ ውን ብጽሒትካ ወሲድካ ዓንዲርካሉ ምስ ጸበበካ ኢኻ መጺኻኒ ከይበለ ኢዱ ዘርጊሑ ብጉያ ኪቕበሎ እንከሎ ኢና ነንብብ።
ብኣንጻሩ ድማ
ኣብ ጽቡቕ ናይ መንፈሳዊ ሕይወት ኣብ ጾምን ጸሎትን ስግደትን ምጽዋትን ቅዳሴን ማህሌትን መዝሙርን ተጸሚድና ኔርና ናብ ዓለም ምስ እንምለስ፡ ነቲ ዚሓለፈ ጽቡቕ ግብርና ኣይርስዖን እዩ። ብዝያዳ እኳ ድኣ ወደይ ጓለይ እንታይ ድኣ ወሪድኩም እዚ ኵሉ ምስ ኣቦታትኩም ዕጣን ኣብ ሺሽትት ቤተይ ሥሉስ ቅዱስ እናበልኩም ክቡር ስመይ ትጽውዑ ኔርኩምሲ ሥጋኹምን ነፍስኹምን ናብ ዚጎድእ ናይ ሽጋራ ትኪ ተመሊስኩም፡ ደቀይ ካብ ማህሌትን መዝሙርን’ሲ ደርፈን ጓይላን መሪጽኩም? ኣይፋልኩምን ደቀይ ተመለሱ እናበለ ነቲ ዚቐደመ ፍቕርና እናዘከረ ንኪንምለስ ይጽዕር።
4 ግናኻ ነታ ቀዳመይቲ ፍቕርኻ ስለ ዝገደፍካያ ፈሪደልካ ኣለኹ።
“ካብ ሓሰውቲ መምሃራን ዝተላዕለ ክኸውን ይኽእል እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣቐዲሙ ሓሰውቲ መምሃራን ኣብ’ታ ቤተ ክርስቲያን
ኣትዮም ልቢ ናይ ምእመን ክጠውይዎ ምዃኖም ነጊርዎም ኔሩ (20፡29) እዚ መልእኽቲ እዚ ከየስተኻኸሎም ኣይተረፈን። ምኽንያቱ ኣብ 2ይ ክ.ዘ ዝነበረ ኣግናጤዎስ ምጥዊ ለአንበሳ ኤፌሶናውያን ንመናፍቓን መኪቶም ኣብ ሃይማኖቶም ምጽንዖም ኣብ መልእኽቱ ኣመስጊንዎ ም እዩ።
መናፍቓን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘብጽሕዎ
ሽግራት ሓደ ኣብ መንጎ ምእመናን ዘሎ ፍቕሪ ከም ዝዝሕትል ምግባር እዩ። ብሓደ ወገን ምእመናን ብሓሳብ ተኸፋፊሎም ፍቕሮም ከም ዚጠፍእ፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ ምእመናን ለዘብተኛታት ኮይኖም ንእግዚአብሔር ዚነበሮም ውዑይ ፍቕሪ ከም ዚዝሕትል ይገብሩ።
ሕጂ ውን ዓይንና ከፊትና ኣብ ከባቢና ምስ እንዕዘብ ንሱ እዩ ዚድገም ዘሎ፡ ካህናት ተመሲሎም ኣብ ማእከል እተን መጓሰ ይጸንሑ እሞ፡ ብዓድን ብኣውራጃን ዚኸፋፍል ቄናን ትምህርቲ ብምምጻእ ነተን መጓሰ ይፈላልይወን። እዚ ነገር እዚ እናበዝሐ ብዚመጸ መጠን ድማ ምእመን ኣብ ውሽጦም ዚነበረ ፍቕሪ እናጎደለን እናጠፍአን ይመጽእ። ዚነበሮም ትግሃት ቀኒሱ እንታይ ከም ዚገብሩ ኪሳብ ዚሽገሩ ይኾኑ። ዝኾነ ኮይኑ ግን ካብ ትንቢት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዚወጽእ ዋላ ሓደ ነገር ስለ ዘየለ እዚ ነገር እዚ ኪፍጸም ኪንርእዮ ግድን እዩ። ናይ ክርስቲያን ኣማራጺ ግን ኣብ ዚኾነ ይኹን ህሞት “ዚቐደመ ፍቕርኻ ዘይምግዳፍ ጥራይ” እዩ።
ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንት ዝቐደመ ፍቕርኻ ዝብል “ዝቐደመ ሥራሕካ ተግባርካ ማለት እዩ ዝቐደመ ተግባሩ ድማ ምጽዋት እዩ ኔሩ” ብምባል ይትርጉምዎ።
5 እምበኣርሲ ካበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር ተነሳሕ ነቲ ቀዳማይ ግብርኻ ውን ግበሮ። እንተዘይተነሳሕካ ግና መጺአ ነቲ ቀዋሚ ቀንዴልካ ካብቲ ስፍራኡ ከልግሶ እየ።
“ምውዳቕ ካብ
ላዕሊ ንታሕቲ እዩ። ላዕሊ ዝተመሰለ ድማ ልዕሊ ኵሉ ዝኾነ ፍቕሪ እዩ። ቪክቶሪያኖስ እቲ እምባን ዓቢ መዓርግን ፍቕሪ እዩ ይብል። (1ይ ቆሮ 13፡13)ትኽክለኛ ንስሓ ዝበሃል ዝሓለፈ ኃጢኣትካ ምስትስራይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ናይ ቀደም ስፍራኻ ሰናይ ግብርኻ ምምላስ እዩ። ልክዕ ከም ናይ ጥፉእ ወዲ ማለት እዩ። (ሉቃ 15)
ኣባ ኤሮኒመስ “ ኵላትና ኪንወድቕ ንኽእል ኢና። ንወድቕ ኢና ማለት ግን ሓደ መዓልቲ ኣይንትንሥእን ኢና ማለት ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ብጌጋ ከም ዚዛረብዎ ናይ መንፈስ ቅዱስ ውልድነትና ከም ዘይምለስ ኮይኑ ይጠፍእ ማለት ኣይኮነን። ውድቀት ንስሓን ምግባርን እምበር ካልኣይ ጥምቀት ኣየድልዮን እዩ። ብዘይ ንስሓ እንተነበርና ቀንዴልና ይጠፍእ። ስለ’ዚ ድማ እግዚአብሔር
ይቕስቅሰና የቀላጥፈና ብሓይሊ ውን ይቐጽዓና። ምኽንያቱ ንሱ ዝበርሀ ናይ ደቁ መብራህቲ ክጠፍእ ምርኣይ ስለ ዘይደሊ” ይብል።
6 ግናኸ ነቲ ኣነ ዝጸልኦ ግብሪ ናይ ኒቆላውያን ንስኻ ውን ስለ ትጸልኦ ዘመስግን ረኺበልካ ኣለኹ
“ሓቀኛ ክርስቲያን እግዚአብሔር ዝጸልኦ ይጸልእ እግዚአብሔር ዝፈትዎ ድማ ይፈቱ። መናፍቕነት ምጽላእ ንሓደ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦ ዘመስግኖን ክገብሮ ዝግበኦን ተግባር እዩ። ነዚ ድማ ኢና ኣብ ጊዜ ቅዳሴ “ንሕናስ ናይ መናፍቓን ክሕደቶም ንጽየፍ ካብ ምእመናን ምፍላዮምን ሕጊ ምልዋጦምን ብኣና ዝተጸልኡ እዮም” ዚብል ናይ ሐዋርያት ቃል ንደግም። (አመክንዮ ሐዋርያት
ኣግናጤዎስ“ናይቲ ዲያቆን ኔሩ ዝወደቐ ኒቆላስ ተኸተልቲ እዮም” ይብሎም ግ.ሐ 6፡5)እዞመ መናፍቓን እዚአቶም ናይ ሥጋ ፍቓድ ብዘይ ልክዕ ዝፍጽሙ፡ ዝሙትን ንጣኦት ዝተሥአ ምብላዕ ዘተባብዑን ዝነበሩ እዮም። ቀሌሜንጦስ ዘእስክንድርያን ኣውጎስጢኖስን ነዚ ዝመስል ታሪኽ ክትርኹ እንከለዉ።
ጠርጡሎስን ኣባ ሄሮኒመስን ድማ “ኒቆላስ ድሕሪ ሹመቱ ንሰበይቱ ገዲፍዋ እኳ እንተነበረ፡ ጽብቕቲ ስለ ዝነበረት ግና ኣብ ሓሳቡ ምጽናዕ ኣይተኻእሎን። ተመሊሱ ድማ ናብኣ መጸ። ሓደ ሓደ ነዚ ምኽንያት ጌሮም ክወቕስዎ ምስ ጀመሩ “ማንም ሰብ ደስ ዝበለቶ ክወስድ ይኽእል እዩ” ዝብል ትምህርቲ ከም ዝመሃረ ይነግሩና።
7 እዚ ዘለዎ መንፈስ ቅዱስ ነተን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ።
ጠርጡለስ “መንፈስ ቅዱስ ንኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ተነስሓ እዩ ዝብል’ ክብል ተርጒምዎ ኣሎ።ነቲ ዝስዕር ነታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ሕይወት ክበልዕ መሰል ክህቦ እየ።
ሥጋኡን ደሙን እዩ “እዛ ኦም ሕይወት ዘለዓለማዊ ሕይወት እተርኢ እያ።
No comments:
Post a Comment