bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Saturday, 16 April 2016

መልሲ ንልቡሳነ ሥጋ ኣጋንንት 5ይ ክፋል

ሓሶት 3.2 ኣብ መበል 12 ክፋል 2ይ ገጽ ናይ ስብከቱ ከምዚ ይብል "እቲ ሰብ ውሽጡ ከም ዝኾነ ይኹን ብዘየገድስ ቅዱስ ቊርባን ምስ ወሰደ ሽዑ ንሽዑ ከም ዚቕደስ ይኣምኑ"
 
እዚ ድማ ካልኣይ ሓሶትካ እዩ እረ ካበይ ኢኻ ረኺብካዮ ከምዚ ዚበለ ትምህርቲ? ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅዱስ ቊርባን ዘለዋ ክብሪ መጻሕፍታን ስብከታታን ዚምስክርዎ ሓቂ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ሰብ ኣብ ውሽጡ ዚኾነ ይኹን ኃጢአት እንተ ሃለዎ ከይተናስሐ ቅዱስ ቊርባን ወሲዱ ይቕደስ እዩ ኣይትብልን እያ። ነቶም ተናሲሖም ጸርዮም ዚቐረቡ ግና ሥጋኡን ደሙን ከም ዚቕድሶምን በረኸት ኣምላኽ ከም ዚሓድሮምን ትኣምን። ሕጂ ውን እዚ ፈጣጥ ሓሶትካ መታን ኪግለጽ ቤተ ክርስቲያን ከመይ ዚበለ ዓይነት ሰብ ኪቖርብ ከም ዘለዎ ዚሠርዓቶ ሥርዓት ካብዚ ቀጺለ ከስዕበልካ እየ።

3.2.1 ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትምህርቲ ቅዱስ ቊርባን ክቕበል ዘይክእል’ከ መን እዩ?
ቅዱስ ቊርባን ዘይኣመነን ዘይተጠመቐን ወይ ድማ ኣሚኑ ተጠሚቑ ዘይተነስሐ ሰብ ክቕበል ኣይ ክእልን እዩ 1ይ (ቆሮ 11፡26-29) ኣብ ሥርዓተ ቅዳሴ ምስ እንምልከት ውን ዘይተጠመቑ ሓደስቲ ኣመንቲ ክሳብ ወንጌል ዝንበብ ይጸንሑ እሞ ብድኅሪ እዚ ግን "ፃኡ ንኡሰ ክርስቲያን" ማለት ዘይተጠመቕኩም ሓደስቲ ኣመንቲ ውጽኡ ዝብል ኣዋጅ ብዲያቆን ይንገር እዩ። እዚ ኣዋጅ እዚ ምስ ተኣወጀ እቶም ንቅዱስ ቊርባን ዘይበቕዑ ንኡሰ ክርስቲያን ካብ ቤተ ክርስቲያን ኪወጹ ኣለዎም። ቀጺሉ ድማ ነንኅድኅድና ጽልኢ ከም ዘይብልና ንምግላጽን ንምርግጋጽን "ምእንቲ ፍጽምቲ ዝኾነት ሰላምን ፍቕርን ጸልዩ ነሓድሕድኩም ድማ ሰላም ተበሃሃሉ" ይብል። ብድኅሪ እዚ ሕዝቢ "ኦ ክርስቶስ ኣምላኽና ነንሕድሕድና ብቕድስና ሰላምታ ክንወሃሃብ ድልዋት ግበረና" እንዳበሉ ቀሳውስት ምስ ቀሳውስት ዲያቆናት ምስ ዲያቆናት ሰብኡት ምስ ሰብኡት ኣንስቲ ድማ ምስ ኣንስቲ ሰላም ይበሃሃሉ። (ሥርዓተ ቅዳሴ ግዕዝ ገጽ 151) እዚ ድማ ናይ ቂም ይቕሬታ ሕቶ ምልክት እዩ። ኣነ ምስ ኵላትኩም ሰላም እየ፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዚበደልኩዎ እንተሎ ድማ ይቕረ በሉለይ እናበልና ብመንፈሳዊ ሰላምታ ሰላም ንበሃሃል።
3.2.2 ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ ቅዱስ ቊርባን ቅድሚ ምቕባልና ዲያቆን ዝነግረና ኣዋጃት ውን ከምዚ ዝስዕብ እዩ
 
"ምስ ብጻዩ ዝተጻልአ እንተሎ ይኅደገሉ" ማቴ 18፡15-17
 
"ብልቡ ጥርጥር ዝሓሰበ እንተሎ ይእመን’ ያዕ 1፡6-7
 
"ናይ ሕልና ነውሪ እንተለዎ ኣይቕረብ"
 
"ኣብ ኃጢኣት ዝወደቐ እንተሎ ዘይርሳዕ እዩ’ሞ ኣይረስዓዮ"
 
"ድዉይ ሕልና እንተሎ ኣይቕረብ"፡እብ3፡13
 
"ዝተመራስሐ ንጹሕ ዘይኮነ እንተሎ ይወገድ ይተኣለ"
 
"ካብ ትእዛዝ ዝተፈልየ እንተሎ ይከልከል"
 
"ንነብያት ዘቃልል እንተሎ ካብ መዓተ ወልድ ዋሕድ ርእሱ የርሕቕ ነፍሱ ውን የድኀን"ማቴ 23፤34
 
"መስቀል ኣይግፋዕ ኣይንዓቕ ካብ መዓት እግዚአብሔር ይህደም ምስ ወዱን ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝሕልዉ ቅዱሳት መላእኽትን ዝርእየና ብርሃን ኣብ ስለ ዘሎ"
 
"ነፍስኹም ተመልከቱ ሰብነትኩም ኣንጽሁ በደል ብጾትኩም ኣይትዘክሩ ሓደ እኳ፡ምስ ብጻዩ ብቂም ከይህሉ ኣስተውዕሉ እግዚአብሔር ይርኢ እዩ ልቦናኹም ኣልዕሉ ናብ መድኃኒተ ሕይወት ንቕረብ ንዓና ዝተዋህበና ጸጋ ከኣ ብጥበብ እግዚአብሔር ንቀበል" ይብል። (ሥርዓተ ቅዳሴ ብትግርኛ ገጽ 187-193)
ብሓፈሻ ብናይ ቤተ ክርስቲያንና ሥርዓት መሠረት ሰብ ቅድሚ ቅዱስ ቊርባን ነዞም ዚስዕቡ ነገራት ከማልእ ኣለዎ።
3.2.3 ተወሳኺ ቅዱስ ቊርባን ቅድሚ ምቕባልና ኪንገብሮ ዚግበኣና
  1. ብዝግባእ ንስሓ ክንኣቱን ዝተዋህበና ናይ ንስሓ ጊዜና ድማ ብዝግባእ ክንፍጽምን ይግበኣና። ምሳ 28፤13 እብ 10፡9 1ይ ቆሮ 11፡27 ፍት.ነገስት ዓንቀጽ 13 ቊ516
  2. ካብ 15-18 ሰዓታት ካብ እኽልን ማይን ክንክልከል ይግበኣና። (ትርጓሜ ወንጌል ማቴዎስ 26፡26) እዚ ድማ ካብታ ጎይታና ዝተታኅዘላ ሓሙስ ሰዓት 9፡00 ናይ ምሸት ክሳብ እታ ምእንታና ቅድስቲ ነፍሱ በጃ ዝሃበላ ዓርቢ ሰዓት 3፡00 ዝነበራ 18 ሰዓታት ንምዝካርን ከምቲ ሙሴ ምስ መሪር ሓምሊ ብልዕዎ ዝበሎም ብጥሜት መልሓስና ምረት ክሳብ ዝስምዓና ክንጸዉም ስለ ዘለናን እዩ። ፍት.ነገሥት ዓንቀጽ 13
  3. ካብ ኪዳን ጀሚርና ናይ ቅዳሴ ጸሎት ክንካፈል ይግበኣና
  4. ንሠለስተ መዓልቲ ዝኣክል ካብ ግብረ ሥጋ ክንክልከል ይግበኣና 1ይ ሳሙ 21፡3-6 ዘዳ 19፡10 ዘዳ 15፤22 ዘዳ 11፡14
  5. ዘቐየምናዮም ወይ ዝተቐየምናዮም ሰባት እንተለዉ ኣቐዲምና ይቕረ ክንብል ይግበኣና።

ብተወሳኺ ውን ተነሲሑ ዝተዋህቦ ናይ ንስሓ ጊዜ ወዲኡ ክቖርብ ኣብ ዝዳለወሉ ጊዜ ዝኾነ ዓይነት መድመይቲ ናይ ኣፍ ኣፍንጫን ምርሳንን ካልእ ክፍሊ ኣካላትናን ምስ ዘጋጥሞ ክቖርብ ኣይግባእን። ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣብ ጊዜ ወርኃዊ ጽግያት ክንቆርብ ኣይግባእን። ከቢድ ሰዓልን ጽምኢ ዘምጽእ ሕማምን እንተ ሃልይዎ ክቖርብ ኣይግባእን።
እሞ ኸ ድኣ እዚ ኣዋጅ እዚ ሰንበት ሰንበት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዚእወጅ ኣዋጅ እንከሎስ ከመይ ኢልካ ኢኻ ዓይንና ከተንቁረና ደሊኻ ኣቶ ወልድኣብ? ኣበይ ድኣ ኣሎ እቲ "ተዋሕዶ ብውሽጡ ዚኾነ ይኹን ኃጢአት ይሃልዎ ቊርባን ተቐቢሉ ኪነጽህ ይኽእል እዩ ኢሎም ይኣምኑ ዚበልካዮ"? ወይ’ስ ካልእ ተዋሕዶ ኣለዉኻ እዮም? ዋላስ እቲ ህዝቢ እምነቱ ኣይፈልጥን እዩ ዚኸውን እሞ በዚ ሓሶት እዚ ኪንዕፍኖ ንኽእል ኢና ዚብል ደፋር ሓሳብ እዩ?
...........ይቕጽል
 
 

No comments:

Post a Comment