ንዕኡ ነቲ ዘፍቅረና ዘሎ ካብ ኃጢኣትና ውን ብደሙ ዝሓጸበና፡ “ክርስቶስ ንዓና ዘለዎ ብዋጋ ዘይትመን ፍቕሪ ብሞቱ እዩ ገሊጽዎ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ሐዋርያት ፍቕሩ ምስ ሞቱ ኣተሓሒዞም ሰቢኾም እዮም (ግሐ 20፡28 ሮሜ 3፡21-26 ሮሜ 8፡37 ገላ 2፡20)
ንእግዚአብሔር ኣቡኡ መንግሥትን ካህናትን ክንኮኖ ዝገበረና፡ “ካብ ኣዳም ክሳብ ሙሴ ሞት ሰልጢንዎም ነበረ (ሮሜ 5፡14) ጐይታና ግን
ነዚ ኣብ ሰባት ነጊሡ ዝነበረ ኃጢኣትን ሞትን ስዒሩ ኣብ ልዕሊኡ ኣንገሠና) ካህናት ዝገበረና “ብጥምቀት ካብኡ ተወሊድና ካብ መሥዋዕቱ ክም እንቕበል ገበረና” ክህነት ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣብ 2 ይኽፈል (ብምምራጽን ብምምባር ኢድን ዝወሃብ ክህነትን ብጥምቀት ዝርከብ ክህነትን”
ቅዱስ ጳውሎስ “ኣብተን መጓሰ ዝተሸሙን መጓሰን” እናበለ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ 2 ክፊልዎም ኣሎ (ግ.ሐ 20፡28)
ኣባ ሄሮኒመስ ነዚ ዓይነት ክህነት ናይ ምእመን ኣገልግሎት ብምባል ይጽውዖ። (1ይ ጴጥ 2፡9)ክብርን ሥልጣንን ንዘለዓለም ንዕኡ ይኹን ኣሜን። 6. እነሆ ብደመና ይመጽእ ኣሎ።
“እስራኤላውያን ክመርሖም እንከሎ ብደመና፡ ንሙሴ መታን ክቕበልዎ ውን ብከቢድ ደመና (ዘፀ 19፡9) ንሙሴ ሕጊ ክህቦ እንከሎ ውን ብብርሃን ደመና (ዘፀ 24፡16) ናይ ሰለሞን ቤተ መቕደስ ክባርኸሉ ውን ብደመና እዩ ተገሊጹ። (1ነገ 8፡10) ዳዊት ውን ደመናን ጸልማትን ይኸብዎ ጽድቅን ፍርድን መሠረት ዙፋኑ እዩ። ክብል ተዛሪቡ ኣሎ። ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ (ማቴ 3፡16-20) ኣብ ደብረ ታቦር (ማቴ 17፡5) ዕርገቱ (ግሐ.1፡9) ዳግም ምጽኣቱ (ማቴ 24፡30) ብደመና ክመጽእ እዩ ማለት ብኽብሪ ክመጽእ እዩ ማለት እዩ።
ብካልእ መንገዲ ደመና ዝተባህለ ሥጋ ማርያም እዩ (ኢሳ19፡1) “እንተ ኤልያስ ደመና” ከም ዚብላ ኵለን ኣዒንቲ ክርእይኦ እየን “እገዚአብሔርሰ ገሐደ ይመጽእ” ከም ዚበለ ዳዊት (መዝ 50፡2 ማቴ 24፡30)”
እቶም ዝወግእዎ ከኣ ክርእይዎ እዮም “ንፍረዲ ስለ ዚመጽእ ጻድቃን ጥራይ ዘይኮኑ ኵሎም ዋላ እቶም ኃጥኣን ክርእይዎ እዮም፡ ዝወግእዎ ዝተባህሉ ዓርቢ ስቕለት ተረኺቦም ጐኑ ዝወግእዎ ጥራይ ማለት ዘይኮነ ምስኦም ሓቢሮም ዘይኣመንዎን ዘይተቐበልዎን ማለቱ እዩ”
ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪ ድማ ክበኽዩ እዮም እወ ኣሜን። “ለካ ናይቶም ብኣኻ ኣሚንና ክንድሕን ዝሰበኹና እሞ ዘሳደድናዮም ዝቐተልናዮምን ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ ኔርካ” እናበሉ ኣሕዛብ ከልቅሱ እዮም።
8. ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ ይብል “ናይ መጀመርያን ናይ መወዳእታን ናይ ግሪኽ ፊደላት እዮም፡ እግዚአብሔር መጀመርያን መፈጸምታን ዘይብሉ ንሱ ባዕሉ ናይ መጀመርያን መወዳእታን ምዃኑ ንምግላጽ ዝተጻሕፉ ቃላት እዮም።
እቲ ዝነበረን “ቅድሚ ዓለም ዝነበረ” ዘሎን“ንዓለም ፈጢሩ ዝምግብ ዘሎ” ዝመጽእ “ዓለም ከሕልፍ ዝመጽእ” እዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ንኣቦ ዝተዋህበ ኵሉ ንወልድ ምንጋሩ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚአብሔር ምዃኑ ዘረጋግጸልና ቃል እዩ።
ኵሉ ዝኽእል እግዚአብሔር ኣምላኽ። “ንኣብርሃም ውን ኤልሻዳይ ኢሉ ተገሊጽሉ እዩ ዘፍ 17፡1..
ቅ.ኣትናቴዎስ ‘ንወልድ
ናይ ኣቡኡ ኣምላኽነት ናቱ እዩ ንሳቶም ኣይፈላለዩን እዮም። ኣምላኽ ሓደ ጥራይ እዩ ንሱ ንሱ እዩ። ኣብን ወልድን ሓደ እዮም ኣምላኽ ሓደ ጥራይ ስለ ዝኾነ እቲ ኵሉ ንኣብ ዝተነገረ ንወልድ ውን ተነግረ። ወልድ እግዚአብሔር ተባሂሉ እዩ፡ ቃል ዘሎን ዝመጽእን ኵሉ ዝኽእል ተባሂሉ እዩ፡ ኣብ 1ቆሮ 8፡6 ሓደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣለና” ከም ዝብል ንሱ ጐይታ ውን ታባሂሉ እዩ፤ ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን ኢዩ ከም ዝበለ ዮሐ 8፡12 ብርሃን ተባሂሉ እዩ። ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ኃጢአት ክሓድግ ሥልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ክትፈልጡ” ከም ዝበለ ማር 2፡10 ንሱ ኃጢኣት ዘወግድ እዩ። ብተወሳኺ ውን ወልድ እቲ ንኣቦ ዘለዎ ኵሉ ናተይ እዩ” ብምባል ነጊርና እዩ” ይብል።
9. ኣነ ዮሐንስ ሓውኹም ኣብቲ ኣብ ኢየሱስ ዘለና ጸበባን መንግሥትን ትዕግሥትን መማቕልትኹምን ምእንቲ ቃል ኣምላኽን ምእንቲ ምስክር ኢየሱስን ኣብታ ፍጥሞ እትበሃል ደሴት ነበርኩ። “ ዮሐንስ ንክርስቶስ ከየገልግል ተኣስረ ንሱ ግን ምስ ሰማያውያን ኣገልገለ፡ ብኣካል ክምህር እንተዘይከኣለ ብመልእኽቲ ግን መሃረ፤ ምድራዊ እንተ ኸልእዎ ሰማያዊ ጸጋ ረኸበ፡ ብቦታ ወሰንዎ ብቦታ ንዘይውሰን ጐይታ ግን ረኣየ “ነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ከም መደቡ ውን ዝተጸውዑ ግና ኵሉ ንሠናይ ከም ዝድግፎም ንፈልጥ ኢና ሮሜ 8፡28” ዘእንበለ መከራ ኢይትረከብ ጸጋ” ከም ዝተባህለ።
ቅዱስ እስጢፋኖስ ውን እናተቐጥቀጠ እዩ ንእግዚአብሔር ርእይዎ ግ.ሐ 7፡56 ኣቦና ኢዮብ
ውን ኣብ ጊዜ መከራ እዩ ምስ እግዚአብሔር ተዘራሪቡ
10-11 ብመዓልቲ ጐይታ(ግሪኽ) “ብመዓልቲ ጐይታዝብል ቃል ክጥቀም እንከሎ ብቅጵጥን ግእዝን እሑድ እዩ ዝብል” ብኣዘራርባ እኳ ዝተፈላለዩ እንተመሰሉ ኣብ ምሥጢር ግና ሓደ እዮም ዲድ ድስቅልያ 14፡1 ቅዱስ ኣግናጤዎስ ውን መዓልቲ ጐይታ ማለት ክርስቲያን ትንሣኤ ናይ ጐይታ እንዳ ሓሰቡ ንቕዳሴ ዝእከቡላ ዝነበሩ መዓልቲ ሰንበት ምዃና ገሊጹ ኣሎ”
ብመንፈስ ኮንኩ “መንፈስ ቅዱስ ቀሰቀሰኒ አተሳስኣኒ ማለቱ እዩ እምበር መንፈስ ቅዱስ ተፈልይዎ ኔሩ ሽዑ ሓዲርዎ ማለት ኣይኮነን። መንፈስ ሓደ እዩ ጸጋ ግና በበይኑ እዩ ከም ዝብል። ካብ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋታት ሓደ ድማ ምሥጢር ምግላጽ እዩ። ስለዚ ምሥጢር ክገልጸለይ ጀመረ ማለቱ እየ።
ብድሕረይ ከኣ ነዚ እተርእዮ ዘለኻ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፍካ ናብተን ኣብ ኤስያ ዘለዋ 7 ኣብያተ ክርስቲያናት
“ ቊጽሪ ሸውዓተ ኣቐዲምና ከም ዝረኣናዮ ምሉእ ቊጽሪ እዩ። ቪክቶርያኖስ
“ቊጽሪ ሸውዓተ ነዛ ዓለምለኻዊት ቤተ ክርስቲያን ዘመልክት ቊጽሪ እዩ ክብል ገሊጽዎ ኣሎ። “በታ መዓልቲ እቲኣ ሸውዓተ ኣንስቲ እንጌራና
ንበልዕ ክዳንና ውን ንኽደን ሓንትስ ሰብኣይ ዘይብለን ተባሂልና ከይንሓፍር ብስምካ ክንጽዋዕ ፍቐደልና እናበላ ንሓደ ሰብኣይ ክሕዝኦ እየን” ኢሳ
4፡1 ንዝብል ቃል ሸውዓተ ኣንስቲ ዝተባህላ
እዘን ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት
እየን፡ ሓደ ሰብኣይ ዝተባህለ ድማ ክርስቶስ እዩ። ክብል ተርጕምዎ ኣሎ።
ናይ ቤተ ክርስቲያንና መተርጕማን ውን “ቊጽሪ ሸውዓተ ፍጹም ቊጽሪ እዩ ከም ዝብል ሃይማኖተ ኣበው ፍጹማን ምእመናን ንጐይታ ብሃይማኖት ይሕዝዎ ውልድነትን ሥጋኻን ደምካን ተቐቢልና ክነብር ኢና። ባሮት ናይ ዲያብሎስ ካብ ዝብል ስም ክርስቲያን
ብዝብል ስም ክንጽዋዕ ድኣ ፍቐደልና እምበር ሥጋኻን ደምካን
ክንቅበል ኢና” ክብልዎ እዮም። ብምባል ተርጕሞሞ ኣለዉ።
ንናብ ኤፌሶንን ሰርምኔስን ጴርጋሞን ቲያጥሮን ሰርዴስ ፊለደልፊያን ሎዶቅያን ስደዶ ዝብል ከም ናይ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩ“መለኸት ናይ
ኣዋጅ መንገሪ እዩ ስለዚ ንህዝቢ ዝእወጅ ነገር ሰማዕኩ ማለቱ እዩ። ነገሥታት ቅድሚ ምምጽኦም መለኸት ይንፋሕ ኔሩ፡ ሕጂ ውን ቅድሚ ዳግማይ ምጽኣት ናይ’ቲ ሰማያዊ ንጉሥ ዝኸውን ነገር ገለጸለይ ማለቱ እዩ።
ክርስቶስ ክዓርግ እንከሎ ብመለኸት እዩ ዓሪጉ መዝ 47፡5 ክመጽእ ከሎ ውን “ጐይታ ብብርቱዕ ቃል ትእዛዝን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ክወርድ እዩ 1ተሰ 4፡16)
12.12. ነቲ ዝዛረበኒ ዘሎ ድምጺ ክርኢ ከኣ ግልጽ በልኩ። ግልጽ ምስ በልኩ ውን 7 ቀወምቲ ቀንዴል ወርቂ ረኣኹ።
“ ሸውዓተ ቀወምቲ ቀንዴል እግዚአብሔር ብምልኣተ ጸጋ ምሳና ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ሙሴ ኣብ ዘፀ 25፡37 ሸውዓተ መብራህቲ ዘለዎ ቀዋሚ ቀንዴል ክሰርሕ ተኣዚዙ ኔሩ፡ ነቢይ ዘካርያስ ውን እነሆ ኣብ ርእሱ ዘይትን ሸውዓተ መብራህቲ ዘለዎ ቀዋሚ ቀንዴልን እርኢ ኣለኹ ዘካ 4፡2) ይብል። እቲ ቀንዴል ኣብ መበገሲኡ ሓደ ኮይኑ እቲ ዘይቲ ካብ ሓደ ምንጪ ይመጽእ እሞ ሸውዓተ ኮይኑ ድማ የብርህ። እዚ ድማ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ዝተፈላለየ ጸጋ ከም ዝዕድል የርኢ። ሸውዓተምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ብጸጋ እኳ እንተ ተፈላለዩ ምንጮም ግና ሓደ መንፈስ ቅዱስ እዩ።
13 እቶም ሸውዓተ
ቀወምቲ ቀንዴል ከኣ “ሸውዓተ ቤተ
ክርስቲያናት እዮም። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ እኳ እንተ ሃለዉ ናይ ቦታ ፍልልይ ካብ ሓድነቶም
ኣይመቕሎምን። ኣብ ማቴ 25 ዘለዋ 5 ለባማት ደናግል ነቲ መርዓዊ
ክመጽእ እንከሎ ዓጂበንኦ ከም ዝኣተዋ፡
ሕጂ ውን ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት ከቢበን ዓጀበኦ።
ክሳዕ እግሩ እተኸድነ
“እዚ ዓይነት ኣለባብሳ ኣብ ብሉይ ኪዳን ንካህናት ዝተኣዘዘ ኣለባብሳ እዩ ኔሩ። (ዘፀ 28፡ 29፡5 ዘሌ 16፡4) እዚ ድማ ዘለዓለማዊ ሊቀ ካህናት ኮይኑ ከም ዝነብር ንምምልካት እዩ። ንስኻ ከም ናይ መልከጸዴቕ ክህነት ናይ ዘለዓለም ካህን ኢኻ” ከም ዚብሎ (መዝ 110፡4 ዕብ 7፡1-3)
ብቕናት ወርቂ ውን ክሳብ ኣፍ ልቡ እተዓትቀ “ቅናት ካብ መዓንጣኻ ንላዕሊ ዘሎ ሓቚፉ ከም ዝሕዝ ። እዚ ድማ ቅዱሳን ኣብ ሕቚፊ እግዚአብሔር ከም ዝነብሩ ዘመልክት እዩ። ክልተ ደረታቱ ንብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን የመልክቱ።
ብካልእ ትርጉም ድማ “ቅናት ወርቂ መንፈሳዊ ነገር መታን ክርድኡን ከስተውዕሉን ኢሉ ነቶም ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝተዋህበ ብሩህ ልቦና እዩ” ብምባል ቪክቶሪያኖስ
ይትርጉሙ።
ወዲ ሰብ
ዝመስል ርኤኹ።
ነቢይ ዳንኤል ውን “ለይቲ ብራእይ ክጥምት እንከለኹ እነሆ ወዲ ሰብ ዝመስል ብደመና ሰማይ ይመጽእ ነበረ” (ዳን 7፡13) ቅዱስ እስጢፋኖስ ውን “እነሆ ሰማያት ተኸፊሩ ወዲ ሰብ ኣብ ማን ኣምላአኽ ደው ኢሉ እርኢ ኣለኹ” (7፡56) ይብል ክርስቶስ ውን ብዛዕባ ነብሱ “ወዲ ሰብ” እናበለ ተዛሪቡ ኣሎ ማቴ 24፡30
ቪክቶርያኖስ ነዚ ክትርጉም እንከሎ “ክርስቶስ ድሕሪ ስቕለቱ ሞቱን ትንሣኤኡን ናትና ሥጋ ተዋሃሂዱ ኣብ መንበረ ክብሩ ከም ዘሎ ንምርዳእ እዩ” ይብል
v ርእሱን ጸጕሩን ጻዕዳ ከም ጸምሪ ጻዕዳ ውን ከም ኣሳሒታ እዩ። “ነቢይ ዳንኤል ውን ክጥምጥምት ከለኹ ድማ ዙፋናት ኣብ ሓደ ሥፍራ ተሠርዓ እቲ ካብ ዘለዓለም ዝነብር ከኣ ኣብ ሓንቲአን ተቐመጠ፡ ክዳኑ ጻዕዳ ከም በረድ ጸጕሪ ርእሱ ከኣ ጽሩይ ከም ጸምሪ ነበረ ዳን 7፡9”
ቅ.ውግስጢኖስ “ጸጕሪ
ናይ ደቂ እግዘአብሔር ምሳሌ እዩ። “ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ሓንቲ ጸጕሪ ኣይትወድቕን እያ ከም ዝተባህለ። ደቂ እግዚአብሔር ብዙሓት እዮም ግን ኣብ ሓደ እግዚአብሔር እዮም ዘለዉ። ጻዕዳ ምዃኖም ንጽህናኦም የመልክት” ክብል ይገል. ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቃውንት “ጸጕሪ ርእሱ ጻዕዳ እዩ ማለት ጽርየተ ባሕርዩ ንምንጋር እዩ። ጸጕሩ (ጻዕዳ ከም በረድ ዝብል ድማ ብሉየ መዋእልነቱ” ንምግላጽ እዩ ብምባል ይትርጉምዎ።
ኣዒንቱ ውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን። “ኣዒንቲ እግዚአብሔር ንደቁ ከም ዘይገድፍን ንደቁ ከም ዝምልከቶምን ከም ዝሕብሕቦምን ንምግላጽ እዩ።
ሃልሃልታ ሓዊ “ ንፍርዲ እግዚአብሔር ዘመልክት እዩ። ነቢይ ኤርምያስ “ንስኻ ብምኽርኻ ዓቢ ብግብርኻ እተደንቕ ኢኻ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሮምን ከከም ጠባዮምን ምእንቲ ክትህቦም ከኣ ሰባት ዝገብርዎ ኵሉ ትርኢ” ክብል ክልቲኡ ኣጠቓሊሉ ገሊጽዎ ኣሎ።(ኤር 32፡19) ዳዊት ውን ብዛዕባ ፍርዱ ኣመልኪቱ “ኣምላኽና ክመጽእ እዩ ኣብ ቅድሚኡ ዝባላዕ ሓዊ ኣሎ” ይብል 50፡2 ነ.ዳንኤል
ውን “ዙፋኑ ሃልሃልታ ሓዊ መንኮራኵሩ ድማ ጕሁር ሓዊ ነበረ” ይብል(7፡9)
ቪክቶሪያኖስ “እግዚአብሔር ንጻድቃን ዘብርህ ንኃጥኣን ድማ ዘቃጽል ሓዊ እዩ” ብምባል ተርጕምዎ ኣሎ።
ኣብ ቅዳሴ ማርያም ውን “እሳት ማኅየዊ ለርቱዓነ ልብ ለእለ ይገብሩ ፈቃዶ፡ እሳት በላዒ ለዐማጽያን ለእለ ይክህዱ ስሞ” ይብል
v ኣእጋሩ ኣብ ሓጋዶ ከም ዝረሰነ ዘንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ይመስላ።
“ኣእጋሩ ናይ
እግዚአብሔር ምሕረትን ርህራሄን ምሳሌ እዮም። ንህዝቡ ብምሕረቱን ርህራሄኡን ስለ ዝምግብ፡ ኣእጋሩ ናይ ብሉይን ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ምሳሌ እዮም። ኣብ ክልቲኦም ኪዳናት ኣብ ማእከል ህዝቡ ተረኺቡ እዩ። ኣእጋሩ ዝተባህሉ ሐዋርያት እዮም “ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ ከም ዝበሎም” ከም ዝረሰነ ዘንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ይመስላ “ሕግታቱ ንጹሓን ምዃኖም፡ ከምኡ ውን ሐዋርያት ተፈቲኖም ዝነጽሁ ምዃኖም የረድእ።
ድምጹ ውን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያት እዩ። ሕዝቅኤል ውን “ድምጹ ድማ ከም ህማም ብርቱዕ ማያት ነበረ” ክብል ገሊጽዎ ኣሎ። ድምጺ እግዚአብሔር ፈጺሙ ዘየቋርጽ ምዃኑ የርኢ። ድምጺ ናይቶም ማያት ለይትን መኣልትን ከምዘየቋርጽ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዝገብሮ ናይ ድሕነት
ጻውዒት ድማ ኣቋርጽን እዩ።
16 ኣብ የማናይ ኢዱ 7 ከዋኽብቲ ኣለውዎ። “የማናይ ኢዱ ናይ ክብርን ሥልጣንን ምሳሌ እዩ። 7 ከዋኽብቲ ናይ ቅዱሳን ምሳሌ እዮም። ነቢይ ዳንኤል “እቶም ንብዙሓት ናብ መንገዲ ጽድቂ ዝመርሑ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ካብ ዘለዓለም ናብ ዘለዓለም ክበርሁ እዮም’ ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።(ዳን12፡3) መላእኽቲ ውን ብኮኾብ ይምሰሉ እዮም ኢዮ (38፡6) ደቂ እግዚአብሔር ብናይ ሰማይ ከወኽብቲ ይምሰሉ እዮም። ኣብ ዘመን ናኢ ሓሳዊ መሲሕ ብዙሓት ደቂ እግዚአብሔር ከም ዝጋገዩን ከም ዝወድቁን ዳንኤል ክንበ እንከሎ “ካብ ከዋኽብቲ ንሓያሎ ናብ ምድሪ ኣውዲቑ ድማ ረገጾም” ይብል (ዳን8፡10)
ሸውዓተ ከዋኽብቲ ናይቶም ሸውዓተ ጳጳሳት ምሳሌ እዮም። ከምቲ ከዋኽብቲ ኣብ ዙርያ ፀሓይ ዝዞሩ፡ ጳጳሳት ውን ኣብ ዙርያ እቲ ዝሸሞም ክርስቶስ ክዞሩ ይግባእ። ካብ መንገዱ ዝወጸ ኮኾብ ተጋጭዩ ከም ዝጠፍእ። መንገዶም ዝለቐቑ ጳጳሳት ውን ምስ ዓለም ተጋጭዮም ካብ ክብሮም ይዋረዱ።
ካብ ኣፉ ውን ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ። “እዚ ሴፍ እዚ ንመሃርን ንተማሃርን ንኣንባብን ሰማዕን ዝግስጽን ዘስተኻኽልን ቃለ እግዚአብሔር እዩ” ቅዱስ ጳውሎስ “ናይ መንፈስ ሴፍ ሓዙ” ይብል ኤፌ 6፡17 ኣብ ዕብ 4፡12 ድማ “ቃል ኣምላኽ ሕያውን መስለጥን እዩ። ነፍስን መንፈስን መገጣጠምን ኣንጕዕን ክሳብ ዝፈላሊ ዝቖርጽ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ እዩ” ይብል።
ብካልእ መንገዲ ድማ “ንፍርዲ እግዚአብሔር የመልክት” ምእዛዝ እንተ ኣቢኹምን እንተ ዓሊኹምን ግና ብሰይፊ ክትቅተሉ ኢኹም”(ኢሳ1፡20) ደጊሙ ውን “እግዚአብሔር ንሰይፉ ኣብ ሰማይ ኣዳለዎ” ኢሳ 34፡5።
ትርኢቱ ውን ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ፀሐይ እዩ። “ንእግዚአብሔር ብፀሐይ መሲልካ ምዝራብ ብነብያትብ ሐዋርያትን ዝተለመደ እዩ። እግዚአብሔር ብክበቡ ኣብ ብሙቐቱ መንፈስ ቅዱስ ብብርሃኑ ወልድ ይምሰል።
ቅዱስ ጳውሎስ “ዘይቅረብ ብርሃን”
ይብሎ 1ይ ጢሞ 6፡16 “ናይ ጽድቂ ፀሐይ” ሚል 4፡2 “ገጹ ከም ፀሐይ ኣብርሀ” ማቴ 17፡2
17-18 ምስ ርኤኽዎ ድማ ከም ምዉት ኮይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቕኩ።
“ሐዋርያት
ውን ኣብ ደብረ ታቦር ብግንባሮም ተደፊኦም
ሰገዱ ማቴ 17፡6” “ሕዝቅል ውን እግዚአብሔር ምስ ተገልጸሉ ተደፊኡ ሰጊዱ ነበረ ሕዝ 1፡28” ዳንኤል ውን
ከምኡ ዳን 10፡9 እዚ ድማ
መዋቲ ሰብ መለኮታዊ እግዚአብሔር ክርኢ ስለ ዘይክእል እዩ። (ዘፀ 19፡21 33፡18” ያዕቆብ ውን
ምስ እግዚአብሔር ክቃለስ ምስ ሓደረ ይሕንክስ ነበረ ዘፍ 32፡31 እዩ ዝበለ ዳንኤል ውን ሕማመይ ደጊስኒ ሓይሊ ኣይተረፈንን እዚ
ድማ እቲ ራእይ ካብ ኣእምሮ ወዲ ሰብ ንላዕሊ ምዃኑ ንምምልካትን ካብ ቅዱሳኑ ትዕቢት ንምርሓቕን እዩ።
v ናይ ርቱዐ ሃይማኖት ትንታኔ ? ? ?
ንሱ የማናይ ኢዱ ኣንበረለይ ከምዚ እናበለ ኣይትፍራህ ። “እግዚአብሔር ነቶም ትሑታት ኵሉ ጊዜ ሓይልን ብርትዐን ይህቦም” “ሕዝቀኤል መንፈስ
እግዚአብሔር መልኣኒ ብእግረይ
ድማ ደው ኣበለኒ” ሕዝ 21፡3 ዳንኤል ውን “እነሆ ከኣ ኢድ ሓዘትኒ ብኣእጋረይን ብግናዕ ኢደይን ኣቖመትኒ” ይብል ዳን 10፡10።
ስለዚ ኣይትፍራህ ዝብል ቃል ኣብ ብሉይን ሓዲስን እግዚአብሔርን ቅዱሳን መላእኽትን ንሰባት ዘጸናንዕሉ ቃል እዩ። መሳ 6፡23 ዳን 10፡29 ሉቃ 1፡30 ማቴ 14፡27 ማቴ 17፡7
ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ሕያውን እየ “ኣቐዲሙ ንነቢይ ኢሳ “ኣነ እቲ ካብ ቅድም ዝነበርኩ ክሳዕ መወዳእታ
ውን ዘለኹ እግዚአብሔር እየ” 41፡4 ደጊሙ ውን “ቀዳማይን ዳሕራይን ኣነ እየ፡ ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ የለን” (44፡6 48፡12)
“እዚ ድማ እቲ ኣብ ብሉይ ናይ ነብያት ኣምላኽ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንምግላጽ እዩ”
ሞይተ ውን ነበርኩ እነሆ ከኣ ንዘለዓለም ህያው እየ። እዚ ሞይቱ ዝተንሥአ እግዚአብሔር ምዃኑ ኣረጋገጸሉ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣቐዲሙ
“ነታ እግዚአብሔር ብደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስቲያን….” ብምባል ምሂሩ እዩ።(ግ.ሐ 20፡28) “እቲ ዝሞተ እግዚአብሔር ምዃኑ ከም ዘረጋገጸ፡ ክርስቶስ ድማ ንቤተ ክርስቲያን ዝሞተላ ባዕሉ እግዚአብሔር ምዃኑ ምስ ትንቢተ ኢሳይአስ ብምንጽጻር ነገሮ። ምንም እኳ ብሥጋ እንተ ሞተ ብመለኮቱ ግና
ሞት ክሕዞ ዘይክእል ምዃኑ ንምርዳእ
“ንዘለዓለም ሕያው እየ” በሎ። ቅዱስ ጴጥሮስ ውን “ሞተ በሥጋ ወሃይወ በመንፈስ” ኢልዎ ኣሎ። 1ይ ጴጥ 3፡18
ሊቃውንት ብመንፈስ ሕያው ኮነ ንዝብል ብነፍስ ናይ ሕያውነት ሥራሕ ሰርሐ ማለት ብኣካለ ነፍስ ሲኦል ወሪዱ ነፍሳት ኣውጽአ” ብምባል ተርጕሞሞ ኣለዉ።
መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ ኣለኒ።
“ንሞትን ሲኦልን ዘሕልፈሉ ሥልጣን ኣለኒ” ማለቱ እዩ። ዓርቢ ናብ ሲኦል ወሪዱ ነፍሳት ማሪኹ ወጸ”
19 እምበኣረከስ ነቲ ዝረኤኻዮን ነዚ ዘሎን ነቲ ብድሕሪ እዚ ዝኸውንን ጸሓፎ።20 ምሥጢር ናይቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝረኤኻዮም 7 ከዋኽብትን ናይ ተን 7 ቀወምቲ ቀንዴል ወርቅን፡ እቶም 7 ከዋኽብቲ እቲኣቶም እቶም መላእኽቲ ናይተን 7 ማሕበራት እዮም። እተን 7 ቀንዴል ውን 7 ማሕበራት እየን።
No comments:
Post a Comment