bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday, 15 April 2016

ራእይ ዮሐንስ ናይ መወዳእታ ዓለምን - 5ይ ክፋል

ንዕኡ ነቲ ዘፍቅረና ዘሎ ካብ ኃጢኣትና ውን ብደሙ ዝሓጸበና፡ክርስቶስ ንዓና ዘለዎ ብዋጋ ዘይትመን ፍቕሪ ብሞቱ እዩ ገሊጽዎ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ሐዋርያት ፍቕሩ ምስ ሞቱ ኣተሓሒዞም ሰቢኾም እዮም (ግሐ 2028 ሮሜ 321-26 ሮሜ 837 ገላ 220)
ንእግዚአብሔር ኣቡኡ መንግሥትን ካህናትን ክንኮኖ ዝገበረና፡ካብ ኣዳም ክሳብ ሙሴ  ሞት ሰልጢንዎም ነበረ (ሮሜ 514)  ጐይታና ግን ነዚ ኣብ ሰባት ነጊሡ ዝነበረ ኃጢኣትን ሞትን ስዒሩ ኣብ ልዕሊኡ ኣንገሠና) ካህናት ዝገበረናብጥምቀት ካብኡ ተወሊድና ካብ መሥዋዕቱ ክም እንቕበል ገበረናክህነት ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣብ 2 ይኽፈል (ብምምራጽን ብምምባር ኢድን ዝወሃብ ክህነትን ብጥምቀት ዝርከብ ክህነትን
ቅዱስ ጳውሎስኣብተን መጓሰ ዝተሸሙን መጓሰንእናበለ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ 2 ክፊልዎም ኣሎ (. 2028)
ኣባ ሄሮኒመስ ነዚ ዓይነት ክህነት ናይ ምእመን ኣገልግሎት ብምባል ይጽውዖ። (1 ጴጥ 29)ክብርን ሥልጣንን ንዘለዓለም ንዕኡ ይኹን ኣሜን። 6. እነሆ ብደመና ይመጽእ ኣሎ

እስራኤላውያን ክመርሖም እንከሎ ብደመና፡ ንሙሴ መታን ክቕበልዎ ውን ብከቢድ ደመና (ዘፀ 199) ንሙሴ ሕጊ ክህቦ እንከሎ ውን ብብርሃን ደመና (ዘፀ 2416) ናይ ሰለሞን ቤተ መቕደስ ክባርኸሉ ውን ብደመና እዩ ተገሊጹ። (1ነገ 810) ዳዊት ውን ደመናን ጸልማትን ይኸብዎ ጽድቅን ፍርድን መሠረት ዙፋኑ እዩ። ክብል ተዛሪቡ ኣሎ። ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ (ማቴ 316-20) ኣብ ደብረ ታቦር (ማቴ 175) ዕርገቱ (ግሐ.19) ዳግም ምጽኣቱ (ማቴ 2430) ብደመና ክመጽእ እዩ ማለት ብኽብሪ ክመጽእ እዩ ማለት እዩ።
ብካልእ መንገዲ ደመና ዝተባህለ ሥጋ ማርያም እዩ (ኢሳ191) “እንተ ኤልያስ ደመናከም ዚብላ ኵለን ኣዒንቲ ክርእይኦ እየንእገዚአብሔርሰ ገሐደ ይመጽእከም ዚበለ ዳዊት (መዝ 502 ማቴ 2430)”
እቶም ዝወግእዎ ከኣ ክርእይዎ እዮምንፍረዲ ስለ ዚመጽእ ጻድቃን ጥራይ ዘይኮኑ ኵሎም ዋላ እቶም ኃጥኣን ክርእይዎ እዮም፡ ዝወግእዎ ዝተባህሉ ዓርቢ ስቕለት ተረኺቦም ጐኑ ዝወግእዎ ጥራይ ማለት ዘይኮነ ምስኦም ሓቢሮም ዘይኣመንዎን ዘይተቐበልዎን ማለቱ እዩ
ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪ ድማ ክበኽዩ እዮም እወ ኣሜን።ለካ ናይቶም ብኣኻ ኣሚንና ክንድሕን ዝሰበኹና እሞ  ዘሳደድናዮም ዝቐተልናዮምን ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ ኔርካእናበሉ ኣሕዛብ ከልቅሱ እዮም።
8. ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ ይብልናይ መጀመርያን ናይ መወዳእታን ናይ ግሪኽ ፊደላት እዮም፡ እግዚአብሔር መጀመርያን መፈጸምታን ዘይብሉ ንሱ ባዕሉ ናይ መጀመርያን መወዳእታን ምዃኑ ንምግላጽ ዝተጻሕፉ ቃላት እዮም።
እቲ   ዝነበረንቅድሚ ዓለም ዝነበረዘሎንንዓለም ፈጢሩ ዝምግብ ዘሎዝመጽእዓለም ከሕልፍ ዝመጽእእዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ንኣቦ ዝተዋህበ ኵሉ ንወልድ ምንጋሩ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚአብሔር ምዃኑ ዘረጋግጸልና ቃል እዩ።
ኵሉ ዝኽእል እግዚአብሔር ኣምላኽ።ንኣብርሃም ውን ኤልሻዳይ ኢሉ ተገሊጽሉ እዩ ዘፍ 171..
.ኣትናቴዎስንወልድ ናይ ኣቡኡ ኣምላኽነት ናቱ እዩ ንሳቶም ኣይፈላለዩን እዮም። ኣምላኽ ሓደ ጥራይ እዩ ንሱ ንሱ እዩ። ኣብን ወልድን ሓደ እዮም ኣምላኽ ሓደ ጥራይ ስለ ዝኾነ እቲ ኵሉ ንኣብ ዝተነገረ ንወልድ ውን ተነግረ። ወልድ እግዚአብሔር ተባሂሉ እዩ፡ ቃል ዘሎን ዝመጽእን ኵሉ ዝኽእል ተባሂሉ እዩ፡ ኣብ 1ቆሮ 86 ሓደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣለናከም ዝብል ንሱ ጐይታ ውን ታባሂሉ እዩ፤ ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን ኢዩ ከም ዝበለ ዮሐ 812 ብርሃን ተባሂሉ እዩ። ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ኃጢአት ክሓድግ ሥልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ክትፈልጡከም ዝበለ ማር 210 ንሱ ኃጢኣት ዘወግድ እዩ። ብተወሳኺ ውን ወልድ እቲ ንኣቦ ዘለዎ ኵሉ ናተይ እዩብምባል ነጊርና እዩይብል።
9. ኣነ ዮሐንስ ሓውኹም ኣብቲ ኣብ ኢየሱስ ዘለና ጸበባን መንግሥትን ትዕግሥትን መማቕልትኹምን ምእንቲ ቃል ኣምላኽን ምእንቲ ምስክር ኢየሱስን ኣብታ ፍጥሞ እትበሃል ደሴት ነበርኩ።ዮሐንስ ንክርስቶስ ከየገልግል ተኣስረ ንሱ ግን ምስ ሰማያውያን ኣገልገለ፡ ብኣካል ክምህር እንተዘይከኣለ ብመልእኽቲ ግን መሃረ፤ ምድራዊ እንተ ኸልእዎ ሰማያዊ ጸጋ ረኸበ፡ ብቦታ ወሰንዎ ብቦታ ንዘይውሰን ጐይታ ግን ረኣየነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ከም መደቡ ውን ዝተጸውዑ ግና ኵሉ ንሠናይ ከም ዝድግፎም ንፈልጥ ኢና ሮሜ 828” ዘእንበለ መከራ ኢይትረከብ ጸጋከም ዝተባህለ።
 
ቅዱስ እስጢፋኖስ ውን እናተቐጥቀጠ እዩ ንእግዚአብሔር ርእይዎ . 756  ኣቦና ኢዮብ ውን ኣብ ጊዜ መከራ እዩ ምስ እግዚአብሔር ተዘራሪቡ
10-11 ብመዓልቲ ጐይታ(ግሪኽ) “ብመዓልቲ ጐይታዝብል ቃል ክጥቀም እንከሎ ብቅጵጥን ግእዝን እሑድ እዩ ዝብልብኣዘራርባ እኳ ዝተፈላለዩ እንተመሰሉ ኣብ ምሥጢር ግና ሓደ እዮም ዲድ ድስቅልያ 141 ቅዱስ ኣግናጤዎስ ውን መዓልቲ ጐይታ ማለት ክርስቲያን ትንሣኤ ናይ ጐይታ እንዳ ሓሰቡ ንቕዳሴ ዝእከቡላ ዝነበሩ መዓልቲ ሰንበት ምዃና ገሊጹ ኣሎ
ብመንፈስ ኮንኩመንፈስ ቅዱስ ቀሰቀሰኒ አተሳስኣኒ ማለቱ እዩ እምበር መንፈስ ቅዱስ ተፈልይዎ ኔሩ ሽዑ ሓዲርዎ ማለት ኣይኮነን። መንፈስ ሓደ እዩ ጸጋ ግና በበይኑ እዩ ከም ዝብል። ካብ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋታት ሓደ ድማ ምሥጢር ምግላጽ እዩ። ስለዚ ምሥጢር ክገልጸለይ ጀመረ ማለቱ እየ።
ብድሕረይ ከኣ ነዚ እተርእዮ ዘለኻ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፍካ ናብተን ኣብ ኤስያ ዘለዋ 7 ኣብያተ ክርስቲያናት     ቊጽሪ ሸውዓተ ኣቐዲምና ከም ዝረኣናዮ ምሉእ ቊጽሪ እዩ። ቪክቶርያኖስ  ቊጽሪ ሸውዓተ ነዛ ዓለምለኻዊት ቤተ ክርስቲያን ዘመልክት ቊጽሪ እዩ ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።በታ መዓልቲ እቲኣ ሸውዓተ  ኣንስቲ እንጌራና ንበልዕ ክዳንና ውን ንኽደን ሓንትስ ሰብኣይ ዘይብለን ተባሂልና ከይንሓፍር ብስምካ ክንጽዋዕ ፍቐደልና እናበላ ንሓደ ሰብኣይ ክሕዝኦ  እየንኢሳ 41 ንዝብል ቃል ሸውዓተ  ኣንስቲ ዝተባህላ እዘን ሸውዓተ  ኣብያተ ክርስቲያናት እየን፡ ሓደ ሰብኣይ ዝተባህለ ድማ ክርስቶስ እዩ። ክብል ተርጕምዎ ኣሎ።
ናይ ቤተ ክርስቲያንና መተርጕማን ውንቊጽሪ ሸውዓተ ፍጹም ቊጽሪ እዩ ከም ዝብል ሃይማኖተ ኣበው ፍጹማን ምእመናን ንጐይታ ብሃይማኖት ይሕዝዎ ውልድነትን ሥጋኻን ደምካን ተቐቢልና ክነብር ኢና። ባሮት ናይ ዲያብሎስ ካብ ዝብል ስም ክርስቲያን  ብዝብል ስም  ክንጽዋዕ  ድኣ ፍቐደልና እምበር  ሥጋኻን ደምካን ክንቅበል ኢናክብልዎ እዮም። ብምባል ተርጕሞሞ ኣለዉ።
ንናብ  ኤፌሶንን ሰርምኔስን ጴርጋሞን ቲያጥሮን ሰርዴስ ፊለደልፊያን ሎዶቅያን ስደዶ ዝብል ከም ናይ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩመለኸት ናይ ኣዋጅ መንገሪ እዩ ስለዚ ንህዝቢ ዝእወጅ ነገር ሰማዕኩ ማለቱ እዩ። ነገሥታት ቅድሚ ምምጽኦም መለኸት ይንፋሕ ኔሩ፡ ሕጂ ውን ቅድሚ ዳግማይ ምጽኣት ናይ ሰማያዊ ንጉሥ ዝኸውን ነገር ገለጸለይ ማለቱ እዩ።
ክርስቶስ ክዓርግ እንከሎ ብመለኸት እዩ ዓሪጉ መዝ 475 ክመጽእ ከሎ ውን  ጐይታ ብብርቱዕ ቃል ትእዛዝን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ክወርድ እዩ 1ተሰ 416)
12.12. ነቲ ዝዛረበኒ ዘሎ ድምጺ ክርኢ ከኣ ግልጽ በልኩ። ግልጽ ምስ በልኩ ውን 7 ቀወምቲ ቀንዴል ወርቂ ረኣኹ።
ሸውዓተ  ቀወምቲ ቀንዴል እግዚአብሔር ብምልኣተ ጸጋ ምሳና ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ሙሴ ኣብ ዘፀ 2537 ሸውዓተ መብራህቲ ዘለዎ ቀዋሚ ቀንዴል ክሰርሕ ተኣዚዙ ኔሩ፡ ነቢይ ዘካርያስ ውን እነሆ ኣብ ርእሱ ዘይትን ሸውዓተ መብራህቲ ዘለዎ ቀዋሚ ቀንዴልን እርኢ ኣለኹ ዘካ 42) ይብል። እቲ ቀንዴል ኣብ መበገሲኡ ሓደ ኮይኑ እቲ ዘይቲ ካብ ሓደ ምንጪ ይመጽእ እሞ ሸውዓተ ኮይኑ ድማ የብርህ። እዚ ድማ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ዝተፈላለየ ጸጋ ከም ዝዕድል የርኢ። ሸውዓተምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ብጸጋ እኳ እንተ ተፈላለዩ ምንጮም ግና ሓደ መንፈስ ቅዱስ እዩ።
 13 እቶም ሸውዓተ ቀወምቲ ቀንዴል ከኣ  ሸውዓተ ቤተ ክርስቲያናት እዮም። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ እኳ እንተ ሃለዉ ናይ ቦታ ፍልልይ  ካብ ሓድነቶም ኣይመቕሎምን። ኣብ ማቴ 25 ዘለዋ 5 ለባማት ደናግል  ነቲ መርዓዊ ክመጽእ እንከሎ ዓጂበንኦ  ከም ዝኣተዋ፡ ሕጂ ውን ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት  ከቢበን ዓጀበኦ።
ክሳዕ እግሩ እተኸድነ  እዚ ዓይነት ኣለባብሳ ኣብ ብሉይ ኪዳን ንካህናት ዝተኣዘዘ ኣለባብሳ እዩ ኔሩ። (ዘፀ 28 295 ዘሌ 164) እዚ ድማ ዘለዓለማዊ ሊቀ ካህናት ኮይኑ ከም ዝነብር ንምምልካት እዩ። ንስኻ ከም ናይ መልከጸዴቕ ክህነት ናይ ዘለዓለም ካህን ኢኻከም ዚብሎ (መዝ 1104 ዕብ 71-3)
ብቕናት ወርቂ ውን ክሳብ ኣፍ ልቡ እተዓትቀቅናት ካብ መዓንጣኻ ንላዕሊ ዘሎ  ሓቚፉ ከም ዝሕዝ እዚ ድማ ቅዱሳን ኣብ ሕቚፊ እግዚአብሔር ከም ዝነብሩ ዘመልክት እዩ። ክልተ ደረታቱ ንብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን የመልክቱ።
ብካልእ ትርጉም ድማቅናት ወርቂ መንፈሳዊ ነገር መታን ክርድኡን ከስተውዕሉን ኢሉ ነቶም ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝተዋህበ ብሩህ ልቦና እዩብምባል ቪክቶሪያኖስ  ይትርጉሙ።
ወዲ ሰብ ዝመስል ርኤኹ።
ነቢይ ዳንኤል ውን  ለይቲ ብራእይ ክጥምት እንከለኹ እነሆ ወዲ ሰብ ዝመስል ብደመና ሰማይ ይመጽእ ነበረ” (ዳን 713) ቅዱስ እስጢፋኖስ ውንእነሆ ሰማያት ተኸፊሩ ወዲ ሰብ ኣብ ማን ኣምላአኽ ደው ኢሉ እርኢ ኣለኹ” (756) ይብል ክርስቶስ ውን ብዛዕባ ነብሱወዲ ሰብእናበለ ተዛሪቡ ኣሎ ማቴ 2430
ቪክቶርያኖስ ነዚ ክትርጉም እንከሎክርስቶስ ድሕሪ ስቕለቱ ሞቱን ትንሣኤኡን ናትና ሥጋ ተዋሃሂዱ ኣብ መንበረ ክብሩ ከም ዘሎ ንምርዳእ እዩይብል
 
v  ርእሱን ጸጕሩን ጻዕዳ ከም ጸምሪ ጻዕዳ ውን ከም ኣሳሒታ እዩ።ነቢይ ዳንኤል ውን ክጥምጥምት ከለኹ ድማ ዙፋናት ኣብ ሓደ ሥፍራ ተሠርዓ እቲ ካብ ዘለዓለም ዝነብር ከኣ ኣብ ሓንቲአን ተቐመጠ፡ ክዳኑ ጻዕዳ ከም በረድ ጸጕሪ ርእሱ ከኣ ጽሩይ ከም ጸምሪ ነበረ ዳን 79”
.ውግስጢኖስጸጕሪ ናይ ደቂ እግዘአብሔር ምሳሌ እዩ።ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ሓንቲ ጸጕሪ ኣይትወድቕን እያ ከም ዝተባህለ። ደቂ እግዚአብሔር ብዙሓት እዮም ግን ኣብ ሓደ እግዚአብሔር እዮም ዘለዉ። ጻዕዳ ምዃኖም ንጽህናኦም የመልክትክብል ይገል. ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቃውንትጸጕሪ ርእሱ ጻዕዳ እዩ ማለት ጽርየተ ባሕርዩ ንምንጋር እዩ። ጸጕሩ (ጻዕዳ ከም በረድ ዝብል ድማ ብሉየ መዋእልነቱንምግላጽ እዩ ብምባል ይትርጉምዎ።
ኣዒንቱ ውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን።ኣዒንቲ እግዚአብሔር ንደቁ ከም ዘይገድፍን ንደቁ ከም ዝምልከቶምን ከም ዝሕብሕቦምን ንምግላጽ እዩ። 
ሃልሃልታ ሓዊንፍርዲ እግዚአብሔር ዘመልክት እዩ። ነቢይ ኤርምያስንስኻ ብምኽርኻ ዓቢ ብግብርኻ እተደንቕ ኢኻ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሮምን ከከም ጠባዮምን ምእንቲ ክትህቦም ከኣ ሰባት ዝገብርዎ ኵሉ ትርኢክብል ክልቲኡ ኣጠቓሊሉ ገሊጽዎ ኣሎ።(ኤር 3219)  ዳዊት ውን ብዛዕባ ፍርዱ ኣመልኪቱኣምላኽና ክመጽእ እዩ ኣብ ቅድሚኡ ዝባላዕ ሓዊ ኣሎይብል 502  .ዳንኤል ውንዙፋኑ ሃልሃልታ ሓዊ መንኮራኵሩ ድማ ጕሁር ሓዊ ነበረይብል(79)
ቪክቶሪያኖስእግዚአብሔር ንጻድቃን ዘብርህ ንኃጥኣን ድማ ዘቃጽል ሓዊ እዩብምባል ተርጕምዎ ኣሎ።
ኣብ ቅዳሴ ማርያም ውንእሳት ማኅየዊ ለርቱዓነ ልብ ለእለ ይገብሩ ፈቃዶ፡ እሳት በላዒ ለዐማጽያን ለእለ ይክህዱ ስሞይብል
v  ኣእጋሩ ኣብ ሓጋዶ ከም ዝረሰነ ዘንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ይመስላ።
 ኣእጋሩ ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን ርህራሄን ምሳሌ እዮም። ንህዝቡ ብምሕረቱን ርህራሄኡን ስለ ዝምግብ፡ ኣእጋሩ ናይ ብሉይን ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ምሳሌ እዮም። ኣብ ክልቲኦም ኪዳናት ኣብ ማእከል ህዝቡ ተረኺቡ እዩ። ኣእጋሩ ዝተባህሉ ሐዋርያት እዮምናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ ከም ዝበሎምከም ዝረሰነ ዘንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ይመስላሕግታቱ ንጹሓን ምዃኖም፡ ከምኡ ውን ሐዋርያት ተፈቲኖም ዝነጽሁ ምዃኖም የረድእ።
ድምጹ ውን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያት እዩ።  ሕዝቅኤል ውንድምጹ ድማ ከም ህማም ብርቱዕ ማያት ነበረክብል ገሊጽዎ ኣሎ። ድምጺ እግዚአብሔር ፈጺሙ ዘየቋርጽ ምዃኑ የርኢ። ድምጺ ናይቶም ማያት ለይትን መኣልትን ከምዘየቋርጽ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዝገብሮ  ናይ ድሕነት ጻውዒት ድማ ኣቋርጽን እዩ።
16 ኣብ የማናይ ኢዱ 7 ከዋኽብቲ ኣለውዎ።የማናይ ኢዱ ናይ ክብርን ሥልጣንን ምሳሌ እዩ። 7 ከዋኽብቲ ናይ ቅዱሳን ምሳሌ እዮም።  ነቢይ ዳንኤልእቶም ንብዙሓት ናብ መንገዲ ጽድቂ ዝመርሑ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ካብ ዘለዓለም ናብ ዘለዓለም ክበርሁ እዮምክብል ገሊጽዎ ኣሎ።(ዳን123) መላእኽቲ ውን ብኮኾብ ይምሰሉ እዮም ኢዮ (386) ደቂ እግዚአብሔር ብናይ ሰማይ ከወኽብቲ ይምሰሉ እዮም። ኣብ ዘመን ናኢ ሓሳዊ መሲሕ ብዙሓት ደቂ እግዚአብሔር ከም ዝጋገዩን ከም ዝወድቁን ዳንኤል ክንበ እንከሎካብ ከዋኽብቲ ንሓያሎ ናብ ምድሪ ኣውዲቑ ድማ ረገጾምይብል (ዳን810)
ሸውዓተ ከዋኽብቲ ናይቶም  ሸውዓተ ጳጳሳት ምሳሌ እዮም። ከምቲ ከዋኽብቲ ኣብ ዙርያ ፀሓይ ዝዞሩ፡ ጳጳሳት ውን ኣብ ዙርያ እቲ ዝሸሞም ክርስቶስ ክዞሩ ይግባእ። ካብ መንገዱ ዝወጸ ኮኾብ ተጋጭዩ ከም ዝጠፍእ። መንገዶም ዝለቐቑ ጳጳሳት ውን ምስ ዓለም ተጋጭዮም ካብ ክብሮም ይዋረዱ።
ካብ ኣፉ ውን ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ።እዚ ሴፍ እዚ ንመሃርን ንተማሃርን ንኣንባብን ሰማዕን ዝግስጽን ዘስተኻኽልን ቃለ እግዚአብሔር እዩቅዱስ ጳውሎስናይ መንፈስ ሴፍ ሓዙይብል ኤፌ 617 ኣብ ዕብ 412 ድማቃል ኣምላኽ ሕያውን መስለጥን እዩ። ነፍስን መንፈስን መገጣጠምን ኣንጕዕን ክሳብ ዝፈላሊ ዝቖርጽ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ እዩይብል
ብካልእ መንገዲ ድማንፍርዲ እግዚአብሔር የመልክትምእዛዝ እንተ ኣቢኹምን እንተ ዓሊኹምን ግና ብሰይፊ ክትቅተሉ ኢኹም”(ኢሳ120) ደጊሙ ውንእግዚአብሔር ንሰይፉ ኣብ ሰማይ ኣዳለዎኢሳ 345
ትርኢቱ ውን ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ፀሐይ እዩ።ንእግዚአብሔር ብፀሐይ መሲልካ ምዝራብ  ብነብያትብ ሐዋርያትን ዝተለመደ እዩ። እግዚአብሔር ብክበቡ ኣብ ብሙቐቱ መንፈስ ቅዱስ ብብርሃኑ ወልድ ይምሰል።
ቅዱስ ጳውሎስዘይቅረብ ብርሃን  ይብሎ 1 ጢሞ 616 “ናይ ጽድቂ ፀሐይሚል 42 “ገጹ ከም ፀሐይ ኣብርሀ  ማቴ 172
17-18 ምስ ርኤኽዎ ድማ ከም ምዉት ኮይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቕኩ።  ሐዋርያት ውን ኣብ ደብረ ታቦር  ብግንባሮም ተደፊኦም ሰገዱ ማቴ 176” “ሕዝቅል ውን እግዚአብሔር ምስ ተገልጸሉ ተደፊኡ ሰጊዱ ነበረ ሕዝ 128”  ዳንኤል ውን ከምኡ  ዳን 109  እዚ ድማ መዋቲ ሰብ መለኮታዊ እግዚአብሔር ክርኢ ስለ ዘይክእል እዩ። (ዘፀ 1921 3318”  ያዕቆብ ውን ምስ እግዚአብሔር ክቃለስ ምስ ሓደረ ይሕንክስ ነበረ ዘፍ 3231 እዩ ዝበለ ዳንኤል ውን ሕማመይ  ደጊስኒ ሓይሊ  ኣይተረፈንን እዚ ድማ እቲ ራእይ ካብ ኣእምሮ ወዲ ሰብ ንላዕሊ ምዃኑ ንምምልካትን ካብ ቅዱሳኑ ትዕቢት ንምርሓቕን እዩ።
v  ናይ ርቱዐ ሃይማኖት ትንታኔ ? ? ?
ንሱ የማናይ ኢዱ ኣንበረለይ ከምዚ እናበለ ኣይትፍራህ   እግዚአብሔር ነቶም ትሑታት ኵሉ ጊዜ ሓይልን ብርትዐን ይህቦም  ሕዝቀኤል መንፈስ እግዚአብሔር  መልኣኒ ብእግረይ ድማ ደው ኣበለኒሕዝ 213 ዳንኤል ውንእነሆ ከኣ ኢድ ሓዘትኒ ብኣእጋረይን ብግናዕ ኢደይን ኣቖመትኒይብል ዳን 1010
ስለዚ ኣይትፍራህ ዝብል ቃል ኣብ ብሉይን ሓዲስን እግዚአብሔርን ቅዱሳን መላእኽትን ንሰባት ዘጸናንዕሉ ቃል እዩ። መሳ 623 ዳን 1029 ሉቃ 130 ማቴ 1427 ማቴ 177
ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ሕያውን እየ  ኣቐዲሙ ንነቢይ ኢሳኣነ እቲ ካብ ቅድም ዝነበርኩ  ክሳዕ መወዳእታ ውን ዘለኹ እግዚአብሔር እየ” 414 ደጊሙ ውንቀዳማይን ዳሕራይን ኣነ እየ፡ ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ የለን” (446 4812)
እዚ ድማ እቲ ኣብ ብሉይ ናይ ነብያት ኣምላኽ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንምግላጽ እዩ
ሞይተ ውን ነበርኩ እነሆ ከኣ ንዘለዓለም ህያው እየ። እዚ ሞይቱ ዝተንሥአ እግዚአብሔር ምዃኑ ኣረጋገጸሉ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣቐዲሙ  ነታ እግዚአብሔር ብደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስቲያን….” ብምባል ምሂሩ እዩ።(. 2028) “እቲ ዝሞተ እግዚአብሔር ምዃኑ ከም ዘረጋገጸ፡ ክርስቶስ ድማ ንቤተ ክርስቲያን ዝሞተላ ባዕሉ እግዚአብሔር ምዃኑ ምስ ትንቢተ ኢሳይአስ ብምንጽጻር ነገሮ። ምንም እኳ ብሥጋ እንተ ሞተ  ብመለኮቱ ግና ሞት ክሕዞ ዘይክእል  ምዃኑ ንምርዳእንዘለዓለም ሕያው እየበሎ። ቅዱስ ጴጥሮስ ውንሞተ በሥጋ ወሃይወ በመንፈስኢልዎ ኣሎ። 1 ጴጥ 318
ሊቃውንት ብመንፈስ ሕያው ኮነ ንዝብል ብነፍስ ናይ ሕያውነት ሥራሕ ሰርሐ ማለት ብኣካለ ነፍስ ሲኦል ወሪዱ ነፍሳት ኣውጽአብምባል ተርጕሞሞ ኣለዉ።
መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ ኣለኒ።  ንሞትን ሲኦልን ዘሕልፈሉ ሥልጣን ኣለኒማለቱ እዩ። ዓርቢ ናብ ሲኦል ወሪዱ ነፍሳት ማሪኹ ወጸ
19 እምበኣረከስ ነቲ ዝረኤኻዮን ነዚ ዘሎን ነቲ ብድሕሪ እዚ ዝኸውንን ጸሓፎ።20 ምሥጢር ናይቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝረኤኻዮም 7 ከዋኽብትን ናይ ተን 7 ቀወምቲ ቀንዴል ወርቅን፡ እቶም 7 ከዋኽብቲ እቲኣቶም እቶም መላእኽቲ ናይተን 7 ማሕበራት እዮም። እተን 7 ቀንዴል ውን 7 ማሕበራት እየን።

No comments:

Post a Comment