bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Saturday, 16 April 2016

መልሲ ንልቡሳነ ሥጋ ኣጋንንት 4ይ ክፋል

3.1.3 ሰኣን ፍልጠት ሥጋኡን ደሙን ዘይንቕበል ሰባት
‘ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ተማረኹ’ ከም ዝብለና እቲ ቅዱስ ቃል፡ ብዙሓት መገዲ ድሕነትና ወይ ድማ መገዲ ሕይወትና ዘይንፈልጥ ሰባት ኣለና። በቲ ሕያውን መስለጥን ዝኾነ ቃል እግዚኣብሔር መሠረት፡ ሰብ ሥጋን ደምን ናይ ጐይታ ከይተቐበለ ክድሕን ወይ መንግሥተ ሰማያት ክኣቱ ኣይክእልን እዩ። ጐይታ`ውን ኣብ ቅዱስ ወንጌል ከምዚ ክብል ምሂርና ኣሎ "ሥጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙ ውን እንተ ዘይሰቴኹም’ሲ ሕይወት ከም ዘይብልኩም ብሕቂ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ" (ዮሐ 65)

ሓደ ሓደ ሰባት ግን እምነትና ብዝግባእ ሰኣን ምፍላጥ ኦርቶዶክስ ምዃን ጥራይ ሕይወት ዝህብ ወይ መንግሥተ ሰማያት ዘእቱ ዝመስለና ሰባት ኣለና። በዚ ምኽንያት ድማ ሥጋን ደምን ናይ ጐይታና ምውሳድን ዘይምውሳድን ትርጉም የብሉን ብምባል ስኣን ፍልጠት ሕይወትና ብሰይጣን ዝተማረኸት ሰባት ኣለና። ገሌና ድማ ሥጋኡን ደሙን ምስ ዓበኻ ምስ ኣረግካ እዩ ዝውሰድ ዝብል መበገሲኡን ምንጩን ዘይፍለጥ ሓቅን ፍልጠትን ዝጎደሎ ዘረባ ተጎርቢትና ዝጠፋእና ሰባት ኣለና። ምናልባት ድማ እዞም ምስ ዓበኻ እዩ ክውሰድ ዘለዎ ኢልና ንሓስብ ሰባት፡ ንምንታይ ምስ ዓበኻ ይውሰድ ተባሂልና ምስ ተሓተትና፡ ንምልሶ መልሲ ‘ኣብ ግዜ ንእስነትካ ብዙሕ ኃጢኣት ስለ ትገብር ሥጋኡን ደሙን እናወሰድካ ኃጢኣት ምግባር ድማ ስለ ዘይፍቀድ ምስ ዓበኻ ክውሰድ ኣለዎ’ ዝብል መልሲ ኢና ንምልስ። እዚ ግን ፍልጠት ዝጎደሎ ኣዘራርባ እዩ። ከምቲ ጐይታና ንኣይሁድ ክምህሮም ከሎ፡ "ካብ ሰማይ ዝወረድኩ እንጌራ ኣነ እየ" እንጌራ ሕይወት ኣነ እየ’ ክብሎም ከሎ እዚስ እቲ ኣቡኡን ኣዲኡን ንሕና እንፈልጦ ወዲ ዮሴፍ’ዶ ኣይኮነን? ከመይ ጌሩ ሥጋይ ብልዑ ይብለና እናበሉ ኣጉረምረሙ ዝብለና። (ዮሓ 6፡41-56-)።


ኣብዚ ቃል ከም ንዕዘቦ ናይ ሕይወት እንጌራ ኣነ እየ ክብሎም ከሎ፡ ንትምህርቱ ብመንፈሳዊ እዝኒ ከይሰምዕዎ ልቦም ስለ ዘትረሩ ብዘይፍልጠት ከምዚ እናበሉ ኣጉረምረሙ "እዚስ ሥጋኡ ክንበልዕ ከመይ ጌሩ ክህበና ይከኣሎ እናበሉ ነንሕድሕዶም ተኻትዑ" (ዮሓ 6፡52) ነዚ እዩ ድማ ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ነቲ ናይ ክብሪ ጐይታ ኣምላኽ ምዃኑ እንተ ዝፈልጥዎስ ኣይምሰቐልዎን’ ብምባል ዝደምደሞ። በዚ ድማ ኣብ መስቀል ሰቒሎሞ፡ ነቲ ሕይወት ዝህብ ጐይታ ሥጋኡ ቆሪሶም ደሙ ኣፍሲሶም ኣብ ዕንጨት ተንጠልጢሉ ብምግዳፍ ሕይወት ከይረኸቡ ናብ ገዝኦም ተመሊሶም። ንሕና ድማ ካብኦም ብዘይፍለ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሥጋኡ ተቖሪሱ ክቡር ደሙ ወሪዱ እናርኣናዮ ካብኡ ከይተኻፈልና ሕቖና ሂብናዮ ሕይወት ከይረኸብና ንገዛና ንምለስ (ዘመናዉያን ኣይሁድ) ንበሃል ድማ ንሕና ኢና። ብግብርና ስለ ዝመሰልናዮም።

ናብታ ከም ምኽንያት ትቐርብ ሕቶ ክምለስ፡ ‘መንእሰይ ሥጋኡን ደሙን ምስ ወሰደ ኃጢኣት ስለ ዝገብር ምስ ዓበየ ክወስድ ኣለዎ’ ትብል ፍልጠት ዝጎደላ ናይ ጥፍኣት ጥቕሲ። ብመጀመርያ ነዛ ከም ምኽኒት እትቐርብ ጥቕሲ፡ ዝኾነ ይኹን መጽሓፍ ቅዱሳዊ መበገሲ የብላን፡ ማለት ሰብ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ኃጢኣት ይገብር፡ ምስ ኣረገ ግን ኃጢኣት ኣይገብርን ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ የለን። ሰብ ኵሉ ግዜ ሥጋ ስለ ዝለበሰ ካብ ኃጢኣት ዝረሓቐ ፍጹም ኮይኑ ክነብር ኣይክእልን እዩ። መንእሰይ ኃጢኣት ይገብር ኣረጊት`ውን ኃጢኣት ይገብር እዩ። ካልኣይ ቀጺልና እንርእዮ ነጥቢ ድማ፡ ሕራይ ሥጋኡን ደሙን ምስ ወሰደ ኃጢኣት እንተ ገበረ ናብ ሲኦል ከይከይድ ተባሂሉ እዩ ኣብ ንእስነቱ ሥጋኡን ደሙን ክወስድ የብሉን ትብለና ዘላ እዛ ናይ ፍልስና ጥቕሲ፡ ነገር ግን ኣብዚ ከነስተውዕሎ ዘለና ዓቢ ነገር እዚ መንእሰይ እዚ፡ በዛ ጥቕሲ መሠረት ክልተ ቅጽዓታት ኣለዎ። ቀዳማይ ‘ሥጋይ ዘይበልዐ ደመይ ዘይሰተየ ናይ ዘለዓለም ሕይወት የብሉን’ ዝብል ቃል ኣሎ(ዮሐ 6፡53)። ስለዚ ካልእ ተወሳኺ ኃጢኣት ይስራሕ ኣይስራሕ ሥጋን ደምን ናይ ጐይታ ብዘይ ምውሳዱ ጥራይ ናይ ገሃነም ፍርዲ ከም ዘለዎ ክፈልጥ ይግባእ። እቲ ካልኣይ ነጥቢ ድማ፡ መንእሰይ ካብ ኃጢኣት ኣይርሕቐን እዩ ትብል ኣብታ ከም ምኽንያት ዝቐረበት ጥቕሲ ዘላ ቃል መሠረት ብምግባር፡ እዚ መንእሰይ እዚ ካብ ኃጢኣት ዘይርሓቐ እንተ ኮይኑ ድማ ሥጋኡን ደሙን ከይተቐበለ ብዝገበሮ ኃጢኣት`ውን ዝገደደ ፍርዲ ከም ዘለዎ ክንግንዘብ ንኽእል። ብሕጽር ዝበለ ሰብ ሥጋኡን ደሙን ዘይወስድ እንተኾይኑ ኣበ ነፍሲ ውን የብሉን ማለት እዩ። ኣበ ነፍሲ ዘይብሉ እንተ ኾይኑ ድማ ንስሓ ኣይኣቱን እዩ ማለት እዩ። ንስሓ ዘይኣቱ እንተ ኾይኑ ድማ መንግሥተ ሰማይት ኣይኣቱን እዩ።

ምኽንያቱ እቲ ቅዱስ ቃሉ ከምዚ ስለ ዝብለና "ኣይፋልኩምን እንተዘይተነሳሕኩም’ሲ ኵላትኩም ድማ ከምኡ ክትጠፍኡ ኢኹም’ (ሉቃ 13፡3)"እንተዘይኮይኑስ ክመጸካ እንተዘይተነሳሕካ`ውን፡ ነቲ ቀዳማይ ቀንዴልካ ካብቲ ስፍራኡ ከዝብሎ እየ’ (ራእ 2፡5) ‘ስለዚ ተነሳሕ እንተ ዘይኮነስ ቀልጢፈ ክመጸካ በቲ ካብ ኣፈይ ዝወጽእ ሰይፊ ክወግኦም እየ’ (ራእ 2፡16)። ስለዚ ንስሓ ኣቲና ናብ ቤት መርዓ ክዳን መርዓ ‘ሥጋኡን ደሙን’ ተኸዲንና፡ ናብ ቤት መርዓ ንኺድ (ማቴ 22፡11) ነቲ መርዓዊ ‘ክርስቶስ’ ድማ ድልዋት ኴንና ድኣ ንጽናሕ እምበር ከምተን ሓሙሽተ ዓያሹ ደናግል ገና እዩ ምስ ኣረግና ከነርክበሉ ኢና እናበልና ማዕጾ ከይዕጸወና ንጠንቀቐ (ማቴ 25፡1-10)።

ኣብ መወዳእታ እምበኣር ነዛ ከም ምኽንያት እትቐርብ ናይ ምትላል ጥቕሲ መደምደምታ ንምግባር ‘ዝኾነ ሰብ ዋላ`ውን ቅዱስ ቊርባን ምስ ወሰደ ኃጢኣት እንተገበረ ብንስሓ ዘይድምሰስ ኃጢኣት ከምዘየለ ክፈልጥ ይግባእ’ ሰብ ቅዱስ ቊርባን ቅድሚ ምቕባሉ ይኹን ድሕሪ ምቕባሉ ኵሉ ግዜ ኃጢኣት ክሰርሕ ይኽእል እዩ። ንስሓ ኣብ ዝኣተወሉ ግዜ ግን ካብ ኵሉ ኃጢኣቱ ንጹሕ ይኸውን። ቅዱስ ቊርባን ወሲድና፡ ዋላ ንሓሱ፡ ዋላ ንቕተል ዋላ ንዘሙ፡ መጺእና ንስሓ እንተ ኣቲና ዘይድምሰስ ኃጢኣት የለን። እዚ ክብል ከለኹ ግን ብንስሓ ኃጢኣተይ ክሕደገለይ እዩ ኢልና ኃጢኣት ንስራሕ ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ቅዱስ መጽሓፍ "ሕድገት ኃጢኣት ክረክብ እየ ኢልካ ብምትእምማን ኃጢኣት ኣብ ርእሲ ኃጢኣት ኣይትወስኽ" (ሲራ 5፡5) ስለዝብለና። ቅዱስ ኣውግስጢኖስ ውን "ኣብ ኃጢኣት ወዲቕካ እንተ ኾንካ፡ ገደብ ዘይብሉ ምሕረት እግዚኣብሔር ተስፋ ግበር። ኃጢኣት ንምስራሕ ፈተና እንተመጸካ ድማ እግዚኣብሔር ፈራዲ ምዃኑ ፈሊጥካ ፍራሕ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር መሓሪ እዩ ኢልካ ንዕኡ ምብዳል፡ ባዕልኻ ንምሕረት ዘይተገባእካ ሰብ ኮይንካ ምርካብ እዩ" ይብለና።ነገር ግን ‘ሕልሚ ፈሪሀን ከይደቀሳ ይሓድራ’ ከይኮነና ኃጢኣት ከይገብር ብዝብል ፍርሕን ምስምስን መሊስና ኣብ ኃጢኣትና ደሪቕና እንተተረፍና ካብዚ ዝዓቢ ኃጢኣት የለን። እምበር ኵሉ ቅዱስ ቊርባን ዝቕበል ሰብ ፈጺሙ ኃጢኣት ኣይገብርን ኣይዝሙን እዩ ማለት ድዩ? ንኣብነት ካህን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝቕድሰላ ግዜ ክቖርብ ሥርዓት ቤተክርስቲያን ይእዝዞ። ፍት.ነገሥት ኣን 13 ቊ 518

ሰንበት ሰንበት ዝቕድስ እንተኾይኑ ሰንበት ሰንበት ክቖርብ ይግብኦ ማለት እዩ። ስለዚ ኵሎም ካህናት ፈጺሞም ኃጢኣት ስለ ዘይገብሩ ድዮም ዝቖርቡ? መልስና እወ ከም ዘይኮነ ርግጸኛ እየ። ምኽንያቱ ሥጋ ዝለበሱ ሰባት ስለ ዝኾኑ ብምግባር እንተዘይ ኣበሱ ብምዝራብ ይእብሱ፡ ብምዝራብ ኃጢኣት እንተዘይገበሩ ድማ ብምሕሳብ ኃጢኣት ኣየቋርጹን። ነገር ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸሎቶም ኵሉ ግዜ ናብቲ ዝኣምንዎን ዘገልግልዎን ናይ ምሕረት ጐይታ ብምቕራብ ብንስሓ እናተሓጸቡ ሥጋኡን ደሙን ብምውሳድ ንኃጢኣት ክቃለስዎ ይነብሩ።

ነዚ ዓቢ ኣብነት ዝኾነና ናይ ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ። ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ብሓሙስ ምሸት፡ ሥጋን ደምን ናይ ጐይታና ካብ ጐይታ ተቐቢሉ ከብቅዕ፡ (ማቴ 26፡26-30) ኣብ ግዜ ፈተና ግን ማለት ኣብታ ጐይታ ዝተታሕዘላ ኣጨናቒት ምሸት፡ እቲ ‘ኵሎም ውን እንተሃደሙ ኣነ ክሳብ መወዳእታ ምሳኻ ኣለኹ’ (ማር 14፡29) ዝበለ ጴጥሮስ ዘይከም ቃሉ ክኽሕድ ተራእዩ። እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ፊሊጶስ ናይ ቂሳርያ "ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ’ (ማቴ 16፡16) ብምባል ዝመስከረ ጴጥሮስ ኣብዛ ናይ ፈተና ለይቲ ግና ነዚ ሰብ እዚ ፈጺመ ኣይፈልጦን እየ’ ብምባል ኣምላኽ ንዝብሎ ዝነበረ ጐይታ ክሒዱ ‘ሰብ’ እናበለ ክጽውዖ ተሰሚዑ (ሉቃ 22፡57-59)። እሞ’ኸ ድኣ ካብዚ ዝዓቢ ኃጢኣት እንታይ ኣሎ? ጴጥሮስ ሥጋኡን ደሙን ምስ ተኻፈለ ብኡ ንብኡ ኣምላኹ ክሒዱ ነዚ ሰብ እዚ ኣይፈልጦን እየ ክብል ከሎ ኢና ነንብብ ዘለና፡ በደሉ ፈሊጡ ሽዑ ንሽዑ ብንስሓን ብንብዓትን ምስ ተመልሰ ግን ጐይታ ካብ ምውታን ተፈልዩ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ምስ ተንስአ፡ ናይ ኵሎም ሐዋርያት ሓለቓ ጌሩ ክሸሞ እንከሎ ንርኢ (ዮሓ 21፡15-17)።

ስለዚ እቲ ቀንዲ ክንገብሮ ዝግበኣና ሥጋኡን ደሙን ምስ ወሰድና ኮነ ቅድሚ ምውሳድና ብዝገበርናዮ ኃጢኣት ምንሳሕን ምጥዓስን ጥራይ እዩ ዘድልየና። ጴጥሮስ ንጐይታ ምስ ከሓደ "ናብ ደገ ወጺኡ መሪር ብኽያት በኸየ" ከም ዝብለና፡ ኵሉ ግዜ ቅዱስ ቁርባን ክንሓስብ ከለና ቀዳማይ ክንገብሮ ዝግበኣና፡ ንስሓ ኣቲና ነጺሕና ክንወስዶ ጥራይ እዩ ዝግበኣና። "ስለዚ ከይተገብኦ ነዛ እንጌራ እዚኣ ዝበልዕ ነዛ ጽዋዕ እዚኣ ውን ዝሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ሥጋን ደምን እዩ ዝዕግብ። ግናኸ ሰብ ቅድም ርእሱ ይመርምር ካብዛ እንጌራ እዚኣ ይብላዕ ካብዛ ጽዋዕ እዚኣ ውን ይስተ’ (1ይ ቆሮ 11፡27-28)። ሰብ ብድፍረት ማለት ኣብ ልቡ ቂምን በደልን ክፍኣትን ካልእ ንዕኡ ዝመስል ኃጢኣትን ሒዙ እንተ ተቐበለ ግን ከምዚ ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ ኣብ ክንዲ በረኸት ጥፍኣት ኣብ ክንዲ ሕይወት ድማ መርገም ክዓጽድ እዩ።

....................... ይቕጽል





 
 

No comments:

Post a Comment