ምዕራፍ 3 ዚተነዝሑ ሓሶታትን መልስታቶምን
ሓሶት ናይ መናፍቓን መግለጺ መንነቶም እዩ። እቲ ናይ መጀመርያ ሓሳዊ ኣቡኦም ዲያብሎስ ናይ መጀመርያ መናፍቕ ንሱ እዩ። ስለ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ንምዕናው ኪትንስኡ ከለዉ ካብ ዚጥቀምሉ ሚሳይላትን ኬሚካላትን እቲ ዚዓበየ ቦምብ (ሓሶት ዚተባህለ AtomicBomb እዩ) ቤተ ክርስቲያን ዘይትምህሮ ትምህርቲ ትምህሮ እያ እናበልካ ብድፍረት ምሕሳው ዕለታዊ ተግባራቶም እዩ። ካብዚ ቀጺልና እምበኣር ነዚ መንነቶም እዚ ብጭብጢ ሓደ ብሓደ ክንዕዘቦ ኢና።
ሓሶት3.1 ብዛዕባ ሥርዓተ ምንጻህ ትምህርቲ
ኣብ መበል 12 ክፋል 2ይ ገጽ ናይ ስብከቱ ከምዚ ይብል"ናይ ተዋሕዶ ምንጻህ" ኢሉ ይጅምር እሞ፡ ናይ ተዋሕዶ ናይ ምንጻሕ ትምህርቲ ከመይ ምዃኑ ኪገልጽ ከሎ ድማ ከምዚ ይብል
1ይ " ኣብ ዚደለኻዮን ዚመረጽካዮን ጊዜ ቅዱስ ቊርባን ተቐቢልካ ምንጻሕ፡ እቲ ቅዱስ ቊርባን ዚወስድ ድማ ብዕድመ ድፍእ ዘበለን በዓል ሓዳርን ኪኸውን ኣለዎ ይብሉ" ብምባል ነግሒ ናይ ሓሶቱ ይፍልሞ።
እዚ ትምህርቲ እዚ ትምህርቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ኣይኮነን።ቤተ ክርስቲያን እቲ ቅዱስ ቊርባን ዚወስድ ብዕድመ ድፍእ ዘበለን በዓል ሓዳርን ኪኸውን ኣለዎ ዚብል ትምህርቲ ምሂራ ኣይትፈልጥን እያ። ቅዱስ ቊርባን ዕድመ ኣይፈልን እዩ። ክርስቶስ ሥጋኡን ደሙን ንመጀመርያ ጊዜ ዚዓደሎም ውን መንእሰያት እዮም ኔሮም ዚበዝሑ ድማ ዚተመርዓዉ ኣይነበሩን። ክርስቶስ ሥጋኡ ዚቖረሰ ደሙ ውን ዘፍሰሰ ንሰብ ሓዳርን ንኣረገውትን ጥራይ ኣይነበረን። ንህጻናት ንመንእሰያት ንሰብ ሓዳር ንኣረገውቲ ንመነኮሳት ንባሕታውያን ንኩልና ስለ ዚፈሰሰ ንኵልና ድማ የድልየና። ስለ’ዚ እዚ ትምህርቲ እዚ ናይ ተዋህዶ ትምህርቲ ኢልካ ዘቕረብካዮ ካብ ኣቦኻ ካብ ዲያብሎስ ዚሸመትካዮ ሓሶት እዩ። ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ብዛዕባ’ዚ ከመይ ምዃኑ ነዚ ዚቕጽል ትምህርቲ ልብኻ ከፊትካ ተኻታተሎ እሞ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሶትካ ኣነጻጽሮ።
3.1.1 ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ እምነት ቅዱስ ቊርባን ክቕበል ዝኽእል መን እዩ?
ቅዱስ ቊርባን ክቕበሉ ዝኽእሉ መን እዮም ንዝብል ሕቶ "ብ40ን ብ80ን ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ካብ ማህጸን ዮረዳኖስ ተጠሚቑ ሰመ ክርስትና ዝተዋህቦ ኩሉ" ብዝብል መልሲ እዩ መጽሐፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ እያ ቤተ ክርስቲያን ትምልሰልና። ሰብ መንግሥተ ሰማያት ንኽኣቱ ናይ ግድን ዳግማይ ክውለድ ከም ዘለዎ (ዮሐ 3፡3) ከምኡ ድማ ካብ ምሥጢረ ቊርባን ምስታፍ መንፈሳዊ ግዴታኡ እዩ።(ዮሐ 6፡54) ስለዚ ከምቲ ንገለ ገሌና ዝመስለና ንህጻናትን ንኣረገውትን ንካህናትን ጥራይ ዘይኮነ ኩሎም ምእመናን ክሳተፍዎ ዘለዎም ምሥጢር እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ እዩ ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ መጀመርያ ዲያቆን "ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ካብ ምእመናን ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝኣተወ ሰብ እንተሎ፡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ እንተ ዘይሰምዐ፡ ጸሎተ ቅዳሴ ክሳዕ ዝፍጸም ከኣ እንተ ዘይተዓገሰ፡ ካብ ቅዱስ ቊርባን ውን እንተ ዘይተቐበለ፡ ሕገ እግዚኣብሔር ኣፍሪሱ እዩ እሞ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉሠ ሥጋን መንፈስን ዝኾነ ሰማያዊ ንጉሥ ምቛም ምቅላሉ ሐዋርያት ከኣ ብሲኖዶሶም ከምዚ ኢሎም ስለ ዝመሃሩና ካብ ቤተ ክርስቲያን ይፈለ" እናበለ ብዓውታ ዝእውጅ። (ሥርዓተ ቅዳሴ ብግዕዘን ብትግርኛን ገጽ 14-15)
3.1.2 ቅዱስ ቊርባን ዕድመን ጾታን ኣይፈልን እዩ
ነቶም ምንም ዓይነት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ከይሓዙ ብድፍረት፡ ቅዱስ ቊርባን ምስ ዓበኻ እዩ ዝውሰድ ዝብሉ ሰባት ቃል እግዚኣብሔር ግን ብኸምዚ ዝስዕብ ይምልሰሎም።
"ጥበብ ቤታ ሃነጸት ሸውዓተ ኣዕኑድ ጸረበት፡ ስቡሕታ ሓረደት፡ ወይና ዘለለት መኣዳ`ውን ኣሰናደወት፡ ኣግራዳ ለኣኸት ኣብቲ ኣዝዩ በሪኽ ስፍራ ኮይና ትጽውዕ ኣላ፡ ዘይለበመ እንተሎ ናብዚ ይምጻእ ነቶም ኣእምሮ ዘይብሎም ከምዚ ትብሎም ኣላ። ንዑ እንጌራይ ብልዑ ንዘለዓለም ወይነይ ስተዩ’ (ምሳ 9፡1-5)። ነዚ ናይ ሰሎሞን ብጥበብ ዝተጻሕፈ ትምህርቲ ቅዱስ ቄርሎስ ብኸምዚ ዝስዕብ ተርጒምልና ኣሎ። ጥበብ ዝተባህለ ‘ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ’ ቤታ ሃነጸት ማለት ካብ ሰማይ ወሪዱ ዝሓድረሉ ‘ንጹሕ ሥጋ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ’ ስቡሓታ ሓረደት ወይና ዘለለት ማለት ጐይታ ነቲ ብዕለተ ዓርቢ ምእንቲ ኃጢኣትና ዝቑረስ ቅዱስ ሥጋኡን ዝፈስስ ክቡር ደሙን፡ ኣቐዲሙ ብዕለተ ሓሙስ ምሸት ንሐዋርያት "እንጌራ ኣልዓለ ባሪኹ ቆሪሱ ነቶም ደቂ መዛሙርቱ ሃቦም፡ እዚ ሥጋይ እዩ ውሰዱ ብልዑ በሎም ። ጽዋዕ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሃቦም። እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ኃጢኣት ዝፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ ካብዚ ክልኹም ስተዩ" በሎም (ማቴ 26፡26-27)።
ኣግራዳ ለኣኸት ዝበሎ ድማ ‘ጐይታ ዝለኣኾም ሐዋርያት’ እዮም። ኣብ በሪኽ ስፍራ ኮይና ትጽውዕ ኣላ ንዑ እንጌራይ ብልዑ ንዘለዓለም ወይነይ ስተዩ እናበለ ብኣፍ ሐዋርያትን ካህናትን መምህራንን ከም ዝንገረና ዝገበረ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተመልከትናዮ ትምህርቲ መሠረት፡ ሥጋን ደምን ናይ ጐይታ ንዝተወሰነ ዕድመን ጾታን ማለት ንህጻናትን ንኣረገውትን ንሰበይትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከምቲ ጐይታ ዝበሎ ‘ምእንቲ ኵሉ ዓለም ዝፈስስ ደመይ’ ከም ዝበለ ኣብ ዓለም ንዘለው ህጻናት መንእሰያት ኣረገውቲ ሰብኣይን ሰበይትን ብምሉኦም ካብታ ናብ እምነት ክርስትና ብጥምቀት ዝኣተናላ ዕለት ጀሚርና ክሳብ ዕለተ ሞትና ከነቋርጽ ከም ዘይግበኣና ክንፈልጥ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ሓለፍነት ምዃኑ ቤተ ክርስቲያን ተተሓሳስብ።
ነቢይ እግዚኣብሔር ኢሳይያስ ውን "እስመ ዛቲ ምክር ለኵሉ ሕዝብ ይእቲ" ኢልዋ ኣሎ። ትርጉም "እዚኣ ምኽሪ (ሥጋኡን ደሙን) ንኵሉ ሰብ እያ" ማለቱ እዩ (ኢሳ 25፡10)። ነቶም ሥጋን ደምን ናይ ጐይታ ንህጻናትን ንኣረገውትን ጥራይ እዩ ዝግባእ ብምባል ንነብሶም ዘተዓሻሽዉ ሰባት ዝሓቶም ሓንቲ ሕቶ ውን ኣላትኒ። እታ ሕቶይ ድማ እዚኣ እያ "ጐይታ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ንህጻናት ወይ ንኣረገዉቲ ጥራይ ድዩ ዋላስ እንኮላይ ንመንእሰያት"? መቸም ንህጻናትን ንዓበይትን ጥራይ ከም ዘይትብሉኒ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ንሱ ባዕሉ "ምእንቲ ኵሉ ዓለም ዝፈስስ ደመይ" እናበለ ደጋጊሙ ምሂርና እዩ።
ሐዋርያት ውን ነዚ ብግልጺ ምሂሮምሉ እዮም። ነዚ ድማ እዩ ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቕ ብዛዕባ ክርስቶስ ከምዚ ብምባል ዝመስከረ "እነሆ ኃጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ናይ እግዚኣብሔር ገንሽል" (ዮሐ 1፡29)። ወንጌላዊ ዮሐንስ ድማ ኣብ መልእኽቱ "ንሱ ድማ ብናይ ኃጢኣትና መተዓረቒ ኢዩ። ብናይ ኃጢኣት ኵሉ ዓለም ድማ እዩ እምበር፡ ብናይ ኃጢኣትና ጥራይ ኣይኮነን" (1ይ ዮሐ 2፡2) ብምባል ንኵልና ዕድመን ጾታን ከይፈለየ ዝዕደል ድኣ እምበር ናይ ህጻናትን ናይ ኣረገውቲን ጥራይ ከም ዘይኮነ የረድኣና። ኵላትና ዓበይትና ንኣሽቱና ኣንስትና ኣሰብኡትናን ነዚ ናይ ሕይወት መድኃኒት ብሕብረት ክንካፈሎ ይግበኣና።
ቅዱስ ጳውሎስ ውን ደጊሙ "ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ ብእምነት ብኢየሱስ ክርስቶስ ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም። ኵላትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ሓደ ኢኹም። በዚ ኣይሁዳዊ ጽርኣዊ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስታይ የልቦን" ገላ 3፡27-28 ብምባል እዚ ሥጋን ደምን ናይ ጐይታና ጾታን ዕድመን ዓሌትን ከም ዘይፈሊ የረድኣና። አዚ ምስ ዓበኹ የርክበሉ እየ ምስ ዓበኻ ተርክበሉ ኢኻ ምስ ዓበኺ ተርክብሉ ኢኺ ዝብል ግን ናይ ሰይጣን ነብያት ዝሰብክዎ ናይ ጥፍኣት ስብከት ስለ ዝኾነ ፍጻሜኡ ሞተ ሥጋን ሞተ ነፍስን እዩ ዘኸትል።
አቕዲሙ ውን እግዚኣብሔር "ንሳቶም ሓሶት እዮም ዝንበይልኩም ዘለዉ ኣነ ኸኣ ኣይለኣኽኩዎምን" (ኤር 29፡9) እንዳበለ ብኣፍ ነብያቱ ከም ዝመዓደና፡ነዞም ምስ ኣረግካ ምስ ዓበኺ ተርክብሉ ኢኺ ዝብሉ ናይ ሰይጣን መልእኽተኛታት ሰሚዕና ንሕይወትና ኣብ ኣጉል ከነጥፍኣ ኣይግበኣናን። እስኪ ሕጂ ውን ነዞም ከምዚ እናበሉ ሕይወት ሰባት ተበላሽዩ መጻወቲ ናይ ዲያብሎስ ከም ዝኸዉን ዝገብሩ ሰባት ሓንቲ ሕቶ ክሓቶም እየ። "እታ ትኣርጉላ ወይ ትሞቱላ መዓልቲ መዓስ ምዃና ትፈልጥዋ ዲኹም? ክሳብ ትዓብዩ ወይ ክሳብ ትኣርጉ ክትጸንሑ ምዃንኩምን ውዕል ዝኣተወልኩም ወይ ዝፈረመሎም ኣካል’ከ ኣለኩም ድዩ" ? መቸም ንኣርገሉን ንሞተሉን መዓልቲ ክንፈልጥ ኣይኮነን’ሲ ድሕሪ ሓንቲ ካልኢት እንታይ ከም እንኸዉን ኣይንፈልጥን ኢና ከም እትብሉኒ ፍሉጥ እዩ። ብተወሳኺ ውን ክሳብ እንኣርግ ወይ ክሳብ እንዓቢ ከይሞትና ከም እንጸንሕ ዘግብር ናይ ነፍሲ መድሕን ከም ዘይብልና`ድማ ፍሉጥ እዩ። ብዙሓት ሃብታማት ሚልዮነራት ንዝተፈላለየ ክፍሊ ኣካላቶም ማለት ንጸጕሮም ኣፍንጫኦም ከንፈሮም ኢዶም እግሮም መድሕን ክኣትዉሉ እኳ እንተኸኣሉ፡ ብገንዘቦም ወይ ብጥበቦም ናይ ነፍሲ መድሕን ክኣትዉ ግን ዓቐሚ የብሎምን። ንሳ ንዋንኣ ንእግዚኣብሔር ብምእማንን ትእዛዙ ብምሕላውን ሥጋኡን ደሙን ብምቕባልን ብጸጋኡ ጥራይ ኢና መድሕን ክንኣትወላ እንኽእል።
ስለዚ መዓልቲ ሞትና ዘይንፈልጣ ካብ ኮንና ድኣ መን ምስ ኣቋጸረና ኢና ምስ ኣረግና ክንቆርብ ኢና እናበልና ነብስና ነታልላ። "እስኪ ሕጂ`ኸ ንስኻትኩም ሎሚ ወይስ ጽባሕ ናብታ ከተማ እቲኣ ንኺድ’ሞ ኣብኣ ዓመት ንግበር፡ ክንነግድ ክንረብሕ ኢና ትብሉ፡ ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዝኸዉን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ሕይወትኩም ድኣ እንታይ እያ? ንቑሩብ ግዜ ተራእዩስ ደሓር ዝበንን ትኪ ኢኹም። ጐይታ እንተፈቐዶ ንሕና ውን እንተ ድኣ ኣለና እዚ ወይስ እቲ ክንገብር ኢና፡ ኣብ ክንዲ ምባል’ሲ፡ ሕጂ ግን ብምጅሃርኩም ትምክሑ ኣለኹም ከምዚ ዝበለ ኵሉ ትምክሕቲ ክፉእ እዩ" (ያዕ 4፡13-16) ብምባል ጽባሕ እንታይ ከም ዘጋጥመና ዘይንፈልጥ ሰባት ምዃንና የረድኣና።
ሐዋርያ ቅዱስ ዮሐንስ ውን "ደጊም ከመይ ጌርካ ከም ዝተቐበልካን ከም ዝሰማዕካን ዘክር ሓልዎ ተነሳሕ ውን፡ እንተ ዘይነቓሕካ ግና ከም ሰራቒ ክመጸካ እየ። በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመጸካ ውን ኣይትፈልጥን ኢኻ" (ራእ 3፡3) ደጊሙ ድማ "መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ኮይና ክትመጽእ እያ" (2ይ ጴጥ 3፡10) ይብለና። እሞ’ኸ ድኣ ሰራቒ ናብ ገዛና ምዓስ ከም ዝመጽእ ንፈልጥ ዲና ? ከምኡ እንተኾይኑ እሞ እዚ ሰራቒ ዘይኮነ ዕዱም ተቐይሩ ኣሎ ማለት እዩ። ምኽንያቱ ሓደ ዝዓደምካዮ ሰብ ጥራይ እዩ መዓስን ሰዓት ክንደይን ከም ዝመጽእ ዝፍለጥ። መዓልቲ ሞትና ድማ ልክዕ ከም ሰራቒ መዓስ ከም ንመውት ኣይንፈልጣን ኢና።ብምቕጻል ውን እቲ ገና ወዲ ዓሠርተ ክልተ ዓመት እንከሎ እግዚኣብሔር ዝጸውዖ፡ ካብ ንእስነትካ ንእግዚኣብሔር ምግልጋልን ምስዓብን ሠናይ ምዃኑ ዘስተማቐረ ፡ጥበበኛ ሰሎሞን ንእግዚኣብሔር ምስ ዓበናን ምስ ኣረግናን ዘይኮነ ብዝያዳ ኣብ ግዜ ንዝስነትና ክንስዕቦ ከም ዘለና ብኸምዚ ዝስዕብ ይምህረና "ክፉእ መዓልታት ከይመጸ፡ ባህ ኣይበለንን እትብለሉ ዓመታት ከይቀረበ ከሎ ብመዓልታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ" (መክ 12፡1)። ብንእስነታ ቤት ኣምላኽን ሕጊ ኣምላኽ ምፍጻምን ዘይለመደት ነፍሲ ግን ምስ ኣረገት ነዚ ክትፍጽሞ ፈጺሙ ኣይኮነላን እዩ። ምኽንያቱ "ንቖልዓ እታ ክኸደላ ዝግበኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ካብኣ ኣየላግስን እዩ’ (ምሳ 22፡6)። ስለዚ ብንእስነቱ ቤት ጣኦት ዝለመደ ምስ ኣረገ ውን ካብኣ ኣየላግስን እዩ። ብንእስነቱ ባራትን ለይታዊ ትልሂትን ዝለመደ ምስ ኣረገ ውን ካብአን ኣይእለን እዩ አረ ገሊኦምሲ ምስ ሞትኩ ኣብዛ ባር እዚኣ ብጥርሙስ ቅበሩኒ ዝብሉ ውን ኣይሰኣኑን።
ብንእስነቱ ናይ መስተን ሽጋራን መገዲ ዘርኣናዮ ሰብ ውን ምስ ኣረገ ካብኣ ኣየላግስን እዩ። ብንእስነቱ ሥጋኡን ደሙን ዝለመደ ድማ ምስ ኣረገ ካብኣ አየላግስን እዩ። ናይዚ ኣብነት ብቐሊሉ ኣብ ሕይወት ቤተክርስቲያን ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ወዲ ዕስራ ዓመት ምስ ዓበኻ እዩ ዝቚረብ ይብል፡ ወዲ 40 ዓመት ምስ ዓበኻ እዩ ዝቚረብ ይብል ወዲ 60 ዓመት ምስ ዓበኻ እዩ ዝቚረብ ይብል ወዲ 80 ዓመት ምስ ኮነ ውን ክቖርብ ኣይረአን ብሓቂ ዘሕዝን ፍጻሜ እዩ።
ኣበይ ድኣ ኣሎ እቲ ምስ ዓበኻ ተርክበሉ ኢኻ እናበለ ዝሰብከናን ዘተባብዓናን ዝነበረ ሰይጣን? እንታይ ኮይኑ ድኣ ምስ ዓበና ከም ንቖርብ ዘይገበረና? እወ እቲ መልሲ ፍሉጥ እዩ ዕላማ ናይ ሰይጣን ሥጋ ሰብ ብሓሜት በሊዕና፡ ደሞ ንጹሓት ብቐትለት ኣፍሲስና ፍጻሜ ደቂ ሰባት ናይ ዘለዓለም ስቓይ ክኸዉን ድኣ እምበር፡ ሥጋን ደምን ናይ ጐይታ ወሲድና ናይ ዘልዓለም ሕይወት ክንወርስ ኣይደልን እዩ። ስለዚ ሕዝበ ክርስቲያን ንንቃሕ ንበራበር "ካብቲ ደቂስኩምሉ ዘለኹም እትበራበርሉ ዘመን ሕጂ እዩ" (ሮሜ 13፡11)። ምስ ዓበና ኣይኮነን፡ ሕሙማን ጥዑያት ሒዝና ናብ ሕክምና ምኻድ ጥራይ ዘይኮነ መጀመርያ ሕሙም ክሕከም ይግበኦ። እቲ ጥዑይ ድማ ኵሉ ግዜ ሕክምና እናመጸ መርመራ ከቋርጽ ኣይግበኦን። ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊት ሕክምና ቤተ መድኃኒት እያ። ወለዲ ህጻናት ኣቚሪብና ምምላስና ድማ ወለዲ ብዙሕ ኃጢኣት ዘለና ሕክምና ዘድልየና ሕሙማት ንሕና ከለና፡ ብኣንጻሩ ነቶም ኃጢኣት ዘይብሎም ዘይሓመሙ ጥዑያት ህጻናት ጥራይ መድኃኒት ዝኾነ ሥጋኡን ደሙን ከም ዝወስዱ ንገብር ተገላብጦሽ እዩ ኮይኑና ዘሎ። ጐይታ ግን "ንሓኪም ሕሙማት እምበር ጥዑያት ኣየድልይዎን እዮም" እዩ ዝበለ።
ስለዚ ህጻናት ክቖርቡ ኢልና ምምጻእና ጽቡቕን ዝምስገንን ፡ብሓቂ ክተባባዕ ዘለዎ ክርስትያናዊ ሕይወት እዩ። ነገር ግን ንሕና ውን ኣቐዲምና ኣርኣያ ክንኮኖም ይግበኣና። "ደም ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ወዱ ውን ካብ ኵሉ ኃጢኣት ከንጽሓና ኢዩ" (1ይ ዮሐ 1፡7)። እታ መዓልቲ ምድሓን ውን ሕጂ እያ ክሳብ እንኣርግ ኣይትጽበየናን እያ እሞ ዓቢና ንእሽቶና ሰብኣይናን ሰበይትናን ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን እናወሰድና ኃይሊ ኣጋንንቲ እናኣርሓቕና ኣብ ምድሪ ሰለማዊ ናብራ ኣብ ሰማይ ድማ ናይ ዘለዓለም ሕይወት እንወርሰሉ ጸጋ ብነጻ ውሰዱ እናበለት ጥበብ ሕጂ ውን ኣብ በሪኽ ቦታ ኮይና ትጽዉዕ ኣላ።
(ምንጪ ምፍታሕ ይጸልእ ኣለኹ 1ይ ክፋል)
....................... ይቕጽል
No comments:
Post a Comment