bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Thursday, 14 April 2016

ራእይ ዮሐንስ ናይ መወዳእታ ዓለምን 3ይ ክፋል

ሸውዓተ ፍርድታት
ናይ ባቢሎን ውድቀትን ኣብ ልዕሊኣ ዝተዋህበ ፍርድን (ራእ 1718)
  • ኣብቲ ኣራዊት ዝተዋህበ ፍርዲ (1920)
  • ንሓሳዊ መሲሕ ዝተዋህበ ፍርዲ (1920)
  • ኣብ ክፉኣት ነገሥታት ዝተዋህበ (ፍርዲ 1921)
  • ናይ ጎግ ማጎግ ጥፍኣት (207-9)
  • ናይ ዲያብሎስ ውድቀት (2010)
  • ናይ ክፉኣት ናይ ውድቀት ፍጻሜ (2015)

ሸውዓተ ሓደሽቲ ነገራት
  • ሓድሽ ሰማይ (ራእ 211)
  • ሓድሽ ምድሪ (ራእ 212)
  • ሓዳስ ከተማ (ራእ 212)
  • ሓደሽቲ መንግሥታት (2124)
  • ሓድሽ ብርለ ዘንጸባርቕ ማይ ሕይወት(ራእ 221)
  • ሓድሽ ኣደባባይ (ራእ 221)
  • ሓድሽ ኦም ሕይወት (222)
ጐይታና ኣብ (ራእ 225) “ኵሉ ሓድሽ ክገብሮእዩኢሉ ኣሎ እዚ ማለት ኣብ መንግሥተ ሰማያት እንወርሶ ጸጋ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተነገሩ ንላዕሊ ዘይተራእየን ዘይተሰምዐን ሓድሽን ፍሉይን ምዃኑ ንምግላጽ እዩ።
ሸውዓተ ብጹኣን
እዚ መጽሓፍ ርኽሰት ዘይብሉ  ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ዘርኢ፡ ብዝተኸፈተ ኣፍ ደገ ዝተመሰለ ተስፋ ዘሕድረልና ብምዃኑ፡ ተስፋ ዘሕድሩ 7 ብጹኣን የርእየና።

*   ዘንብቦን ነዚ ናይ ትንቢት ቃል ዝሰምዑን ብጹኣን እዮም (ራእ 13) ካብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብዓስቢ ናይ ሰማዕቲ ዝጅምር እንኮ መጽሓፍ እዚ መጽሓፍ እዚ እዩ።
*   ኣብ ውሽጡ ዝተጻሕፈ ዝሕልዉ ብጹኣን እዮም (ራእ 13) ሎሚ ተጊሆም ቃሉ ዝሓለዉ ጽባሕ ነቲ ኣካላዊ ቃል ፊት ንፊት ክርእይዎ እዮም እሞቃሉ ዚሕልዉብጹኣን እዮም ይብል።
*  ዕራቖቶ ንኸይከይድ ሕፍረቱ ከይርኢ ነቒሑ ዝሕሉ ብጹእ እዩ (ራእ 1615) ልብሲ ናይ ክብሪ ምልክት እዩ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ናይ ውልድነት ክብሪ ከይጠፍእ ተጊሁ ብጽድቂ ዝሕልዎ ብጹእ እዩ ማለቱ እዩ።

   ናብ መርዓ እቲ ገንሸል ድራር ዝተጸውዐ ብጹእ እዩ (ራእ199) ጻውዒትና ኣብ መንግሥተ ሰማያት ንምምባር ጥራይ ዘይኮነ ምስኡ ሓደ ንኽንከውን ውን እዩ። ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ድራር ዕረፍቲ ኢሎም ብምትርጓምእቲ ገንሸል ንዝተወሃሃዳ ናብታ ናይ ምእመናን ዕረፍቲ በቒዑ ዝተረኸበማለት እዩ ይብሉ።

*   ኣብቲ ቀዳማይ ትንሣኤ ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስን እዩ (ራእ 206) እዚ ትንሣኤ እዚ ቅድሚ ትንሣኤ ሥጋ ዘሎ ትንሣኤ ልቦና እዩ።

*        ነዚ ቃል ናይዚ መጽሓፍ ዝሕሉ ብጹዕ እዩ(ራእ 227)

*  ናብታ ኦም ሕይወት ንምብጻሕን ብኣፍ ደጌኣ ናብታ ከተማ ንምእታው ልብሶም ዝሓጸቡ ብጹኣን እዮም (ራእ 2214)

14.ራእይ ዮሐንስ ሓድሽ ዘፀአት
ዘፀኣት ካብ ባርነት ነጻ ዝወጽእሉ ናይ መጀመርያ መቕደስ ደብተራ ኦሪት ዝተሰርሓሉ ስለ ዝኾነ ኣብ ኣይሁዳውያን ዓቢ ክብሪ ኣለዎ። ዘጸአት ኣብ 2 መሠረታውያን መልእኽታት ዝተመሥረተ እዩ ንሳቶም ድማ እሥራኤል ነጻ ዝወጽእሉ ደም ናይቲ ገንሸል (ዘፀ 12) ከምኡ ድማ እግዚአብሔር ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ዝሓደረሉ (ዘፀ 2540) እዚ ድማ ክልቲኡ ብክርስቶስ ተፈጺሙ እዩ። ብኣማናዊ በጊዕ ፋሲካ ካብ ሲኦል ወጺና (1 ቆሮ 57) እንደገና ድማ እግዚአብሔር ሓዲሩና  ቤተ መቕደሱ ኴንና ንነብር (1 316 ኤፌ 218-22)

Ø  ኦሪት ዘፀአትን ራእይ ዮሐንስን ዘመሳስልዎም ነገራት

Ø  ነቶም ህዝቢ ከውጽኦም ኢሉ እግዚአብሔር ንሙሴ ክግለጸሉ እንከሎዘሎን ዝነብርን እየብምባል እዩ ተዛሪብዎ (ዘፀ 314) ንዮሐንስ ድማ ንህዝቢ ካብ ምድራዊ እስራት ነጻ ዘውጽኣሉ መንገዲ ኣብ ዘርኣዮ ራኢዘሎን ዝነበረን ዝመጽእን ኵሉ ዝገዝእ ኣልፋን ሜጋንብምባል እዩ ተገሊጽሉ (ራእ 14)

Ø  ኣብ ዘጸኣት ነቲ ህዝቢ ካብ ናይ ፈርኦን ባርነት ነጻ ንምውጻእ 9 መቕሰፍቲታት ዓሥራይ ሞተ ቦኽሪ መበል 11 ስጥመተ ባሕሪ ንረክብ፡ (ዘጸ 7-11) ኣብ ራእይ ዮሐንስ ድማ ኣብቶም ንክርስቲያን ዝጸልኡን ዘሳድዱን ዝተኣዘዙ መቕሰፍትታት ኣለዉ።

Ø  ናይ መጀመርያ ናይ እግዚአብሔር ህዝቢ ኣብ ዘጸኣት ኢና እንረኽቦም(ዘፀ 198) “ንስኻትኩም ድማ መንግሥቲ ካህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኮኑኒ ኢኹምይብል። ኣብ ራእይ ዮሐ ድማንእግዚአብሔር ኣቡኡ መንግሥትን ካህናትን ክንኮኖ ዝገበረና ክብርን ሥልጣንን ንዘለዓለም ይኹኖ”( ራእ 16) ዝብል ኣሎ።

Ø  ኣብ ዘፀአት ሙሴ ካብ እግዚአብሔር ሕጊ ክቕበል እንከሎ ብብሩህ ደመናን ነጎድጓድን ይዘራቦ ነበረ ህዝቢ ድማ ይርዕድን ይፈርሕን ነበረ(ዘፀ 1916-18) ደብረ ሲና ብትክን ግመን ተሸፊኑ ይንቅጥቀጡ ነበሩ። ኣብ ራእይ ዮሐንስ ድማ እግዚአብሔር ንህዝቡ ዘዳለዎ ናይ መጨረሽታ ተስፋ  ክገልጽ እንከሎ ብግመን ብትክን ብደመናን ብመብረቕን ምዃኑ ገሊጽዎ ኣሎ። (ራእ ዮሐ 45 85 1618)

Ø  በዓለ ፋሲካ ኣብ ዘፀአት እዩ ተጀሚሩ። እቶም ህዝቢ ሥጋኡ በሊዖም ደሙ ነጺጎም ካብቲ መከራ ነጻ ወጹ። ኣብ ራእይ ዮሐንስ ድማ እዚ ዝተሓረደ በጊዕ ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ ንርእዮ (ራእ 5:6)

Ø  ኣብ ዘጸአት ካብ ባርነት ነጻ ዝወጹ እስራኤላውያን ናይ ሙሴ መዝሙር ዘሚሮም (ዘፀ 1520) ኣብ ራእይ ዮሐንስ ድማ ክርስቲያን ምስቲ ነጻ ዘውጽኦም ክርስቶስ ኰይኖም ይዝምሩ (ራእ 153-4)

Ø  ኣብ ዘፀአት መና ካብ ሰማይ ኣውሪዱ መጊብዎም (ዘፀ 1614) ማይ ድማ ካብ ከውሒ ኣፈልፊልሎም እዩ (ዘፀ 176 ኣብ ራእይ ዮሐንስ ድማ ነቶም ዕዉታት ክርስቲያን ሰማያዊ መና ክህቦም ምዃኑ ቃል ኣቲሎም ኣሎ (ራእ 217) ናብቲ ዒላታት ማይ ሕይወት ክመርሓኩም እየ ድማ ይብል( ራእ 717)

15.ራእይ ዮሐንስን ናይ ማሕበር ኣምልኾን
ኣብዛ ምድራዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዳሴን ዝማሬን ኵሉ መንፈሳዊ ተጋድሎን ብሕብረት እዩ ዝፍጸም። ራእይ ዮሐንስ ድማ እዛ ምድራዊት ቤተ ክርስቲያን ናይታ ሰማያዊት ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ ምዃና ዝምስክር መጽሓፍ እዩ። ነዚ ድማ እዮም ኣቦታት ሊቃውንትዘተሠርዐ በሰማይ ተሠርዐ በምድርብምባል ዚገልጽዎ።

Ø  ኣብ ራእይ ዮሐንስ (113) 7 መቕረዛት ዝብል ንረክብ፡ ኣብ ቤተ ክረስቲያን ውን መቕረዝ ኣሎ።

Ø  ኣብ ምዕራፍ 2 3 እንረኽቦ ኢየሱስ ክርስቶስ ንግለ ሰባት ዘይኮነስ ንማሕበራተ ቤተ ክርስቲያን ክዛረብ ኢና እንረኽቦ። ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክረስቲያን ሊቀ ጳጳስ(መልኣኽ) ብዝብለ ስም ዝተወከለ እዩ። ሎሚ ውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን እዚ ተግባር እዚ ኢና ንርኢ።

Ø  ንናይ ኤፌሶን ቤተ ክርስቲያንነቲ ዝስዕር ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ሕይወት ክበልዕ ክህቦ እየ”(ራእ 27) ተባሂሉ ኣሎ። ንሕና ክርስቲያን ነዚ ዘወትር ንበልዕ። እዚ ድማ ሥጋኡን ደሙን እዩ።

Ø  ንናይ ሰርመኔስ ቤተ ክስርቲያን ኣብ ዝተላእከ ድማነቲ ዝስዕር ናይ ሕይወት ኣኽሊል ክህቦ እየይብሎ (ራእ 211) ኣብ ናይ ጥንቲ ክርስቲያን ሓደሽቲ ተጠመቕቲ ንኃጢኣት ስዒሮም ናይ ዝመጹ ምሳሌ ኣኽሊል ይደፍኡ ነበሩ። ሎሚ ውን ንጽህናኦም ሓልዮም  ዝምርዓዉ ደናግል ኣኽሊል ይደፍኡ እዮም።

Ø  ንናይ ጴርጋሞን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተላእከሉ ድማነቲ ዝሰዓረ ካብ ዝተሠወረ መና ክህቦ እየ” (ራእ 217) ዝተሠወረ መና ኵሉ ጊዜ እንምገቦ ሥጋኡን ደሙን እዩ።

Ø  ንናይ ቲያጥሮን ቤተ ክርስቲያንእቲ ዝሰዓረ ምስ ክርስቶስ ክገዝእ ሥልጣን ተዋሂብዎኣሎ ( ራእ 222-26) እዚ ድማ ብጥምቀት ምስ ክርስቶስ ሕብረት እንምሥርተሉ ምሥጢር እዩ።

Ø  ንናይ ሰርዴስ ቤተ ክርስቲያንነቲ ዝሰዓረ ጻዕዳ ልብሲ ክህቦ እየ”(ራእ 35) እዚ ጻዕዳ ልብሲ ናይ ዓወት ምልክት ብምዃኑ ሎሚ ውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንለብሶ።

Ø  ራእይ ምዕራፍ 4 ክጅምር እንከሎ ጐይታና ኣብ ዙፋን ኪሩቤል ተቐሚጡ፡ ሱራፌል ኣብ ዙርያኡ ከቢቦም ክዝምርሉ ንርኢ። እዚ ድማ ሎሚ ንሕና ኣብ ልዕሊ መንበሩ ነቲ ዝተሓርደ በጊዕ (ሥጋኡን ደሙን)  ኣቐሚጥና ከም እንቕድስን ከም እነመስግኖን ማለት እዩ።

Ø  ኣብ ራእይ ዮሐንስ ዕጣንን ጽንህሃን ናይ ዕጣን መሥዋእትን ንርኢ (ራእ 85) ኣብ / ውን ከምኡ

Ø  ኣብ ራእይ ዮሐንስ መቕደስ ምስ ተኸፈተ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ናይ እግዚአብሔር ታቦት ተራእየ (ራእ 1119) ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውን ኣብ ውሽጢ መቕደስ ታቦት ኣሎ።

No comments:

Post a Comment