11.ንመን ተጻሒፉ
ነቶም ኣብ ትሕቲ ሃገረ ስብከት ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ዝርከቡ ናይ ንእሽተይ ኤስያ 7 ኣብያተ ክርስቲያናት ከም ዝኾነ ኣብ ራእ 1፡11 ይነግር። ብሓፈሻ ግን 3 ክፍልታት ዝሓዘ ዝዩ።
11.1.ምዕ 1 መእተዊ ኮይኑ ነቲ ራእይ መን ከም ዝገለጾ? ንመን ከም ዝተገልጸሉ? እቲ መልእኽቲ ንመን ክሰደሎም ከም ዘለዎ? እቲ ራእይ ኣበይ ቦታ ከም ዝረኣዮን ይነግር።
11.2 ምዕ 2-3 ኣብ ንእሽተይ ኤስያ ንዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ንነፍስ ወከፈን ዝተላእከ መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ
12. ዝተፈላለዩ ናይ ኣተረጓጕማ መንገድታት
12.1 ብምሳሌታትን ምልክታትን ዝተመልአ መጽሓፍ እዩ። ልዕሊ 300 ዝኣኽሉ ምሳሌታት ኣለውዎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ በቲ ሓደ ወገን ሰማያዊ ነገር ብምድራውያን ቋንቋታት ንምግላጽ ዘሸግር ስለ ዝኾነ እዩ። ነዚ ብቐሊሉ ንምርዳእ መታን ክጥዕም ብስእላውን ምሳልያውን ጌርካ ምርዳእ ተመራጺ እዩ። ብኻልእ መንገዲ ድማ እቲ ራእይ ዓምዩቕ ምሥጢር ዝሓዘ ብምዃኑ ዓምዩቕን ሰፊሕን ትርጉም ብዘለዎም
ምሳሌታትን
ምልክታትን ዝተመልአ እዩ።
12.2 ናይ 2 ዓለማት መጽሓፍ “ፍጥሞ ኣብ እትበሃል ደሴት” ክብል እንከሎ ክርስቲያን ኣብዛ ዓለም ዘለውዎ ናይ ምድላው ናብራ ዝገልጽ እዩ። “ብመንፈስ ነበርኩ” ክብል እንከሎ ድማ ዋላ እኳ ኣብዛ ዓለም እንተ ነበሩ ብፍቓደ ሥጋ ዘይኮኑስ ብፍቓደ ነፍሲ ስለ ዝነብሩ እዩ። (ገላ 5፡19) ከም’ቲ ኖህ ኣብ
መንጐ እቶም ብኃጢኣት ዚረኸሱ ሕዝቢ ብንጽህና ዚነበረ፡ ከምኡ ውን ሎጥ ኣብ ማእከል ሰዶማውያን (ዘፍ 19)
ካልእ ካብዚ እንመሃሮ ክርስቲያን ዋላ እኳ ኣብ ከቢድ ስቓይን መከራን ጥሜትን ስደትን ንኹን (ዝተኣሰርናላ ፍጥሞ ገዲፍና ሓዳስ ሰማያዊት ኢዮርሳሌም ከነማዕዱ ይግበኣና)
12.3 ዙፋን ዙፋን ዝብል ቃል ኣብዚ መጽሓፍ ን40 ጊዜ ዝኣክል ተደጋጊሙ ኣሎ። እዚ ድማ ክርስቲያን ዝወርዶም መከራ ኵሉ ተዓጊሶም ምስ ወድኡ ዝረኽብዎ ክብሪ ዘመልክት እዩ።ኣባና ዝወርድ ፈተና ክብርን ስልጣንን ዝናን ዕብየትን ዝኸልእ እኳ እንተኾነ እግዚአብሔር ግና ካብዚ ዝበለጸ ሰማያዊ ክብሪ ከም ዘዳለወልና ንምግላጽ ብተደጋጋሚ ጊዜ ዙፋን ዝብል ቃል ንረክብ።
12.4 ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ፡ እዚ መጽሓፍ እግዚአብሔር ንደቂ ሰብ ዘለዎ ፍቕሪ ዘርኢ መጽሓፍ እዩ። ኣብ 3ይ ምዕራፍ “ማንም
ክዓጽዎ ዘይክእል ክፉት ኣፍ ደገ ሂበካ ኣለኹ” 3፡8 ክብል ብዝኣተዎ ቃል ኪዳን ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ ብቂምን ጽልእን በቐልን ዝዕጾ ከም ዘይኮነ የብርህ።
12.5 ናይ ቃል ኪዳኑ ፍጻሜ፡ ኣብ ብሉይ ይኹን ኣብ ሓዲስ እግዚአብሔር ንደቂ ሰብ ዝኣተዎም ኪዳናት ከም ዝፍጸሙ ዘርኢ መጽሓፍ እዩ። ኣብ ትንቢታትን ኣብ ወንጌልን ክፍጸሙ እዮም ዝተባህሉ ኣብዚ መጽሓፍ ከም ዝተፈጸሙ ኮይኖም ተጻሒፎም ኣለዉ። እዚ ድማ እግዚአብሔር ዝኣተወልና ቃል ንኸውርሰና ዝተኣመነ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።
13.ትርጉም ናይ ቊጽሪ 7
ቊ 7 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ፍጹም ቊጽሪ እዩ።ናይ ሓደ ነገር ፍጹምነት ንምርኣይ መጽሓፍ ቊ 7 ይጥቀም (መዝ 119፡164 ሩት 4፡15) 7-1=6 ድማ ጎደሎ ቊጽሪ እዩ። 666 ማለት ጎደሎ ጎደሎ ጎደሎ ማለት እዩ። ብምትሃት ብዙሕ ተኣምራት እኳ እንተገበረ
ፍጹም ጸጋ ዘየርክብን ዘየውህብን ጎዶሎ እዩ።
- ሸውዓተ ቤተ ክርስቲያናት (ራእ 1፦4 11) እዚኦም ብ 7 መቕረዛት ተመሲሎም እዮም። (ራእ 1፡12-20) እዚ ድማ እቲ መልእኽቲ ንቤተ ክርስቲያን ፍጹም ክብሪ ንምሃብ ዝተላእካ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ዘይጠፍእ ብርሃን ኮይኑ ኣብ ውሽጣ ከም ዘብርህን ነቲ ናይ ጸልማት ዘመን ዝበሃል ናይ መከራ ጊዜ ውን ከም ዘሳግራን ዝገልጽ እዩ።
- ሸውዓተ መናፍስቲ፡ ሓደ ሓደ ሊቃውንቲ 7 ሊቃነ መላእክት እዮም ክብሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ፍጹም ዝኾነ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ ዘመልክት እዩ ብምባል ተርጒሞሞ ኣለዉ። ናይ በተ ክርስቲያንና መተርጉማን ድማ 7 ሃብታተ መንፈስ ቅዱስ የመልክት ክብሉ ይትርጉምዎ።
- ሸውዓተ መልእኽታት፡ ነፍሲ ወከፍ መልእኽቲ ናይ ሓንቲ ቤ/ክ ድኹምን ብርቱዕን ጎኒ ናይተን 7 ኣብያተ ቤተርስቲያናት ዝሓዘ መልእኽቲ እዩ። እዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ምንም እኳ ፍጹም ዝኾነ ጸጋ ዝርከበላ እንተኾነት ኣብ ውሽጣ ግና ብርቱዓትን ድኹማትን ቅዱሳንን ኃጥኣንን ከም ዝርከብዋ የመልክት።
- ሸውዓተ ናይ ሓዊ መብራህታት (ራእ 4፡5) 7 ኣብያተ ክርስቲያናት 7 መቕረዛት ካብ ኮኑ ዝነዱሉ እሳት ምድራዊ ዋዒ ናይ ባዕሎም ኣይኮነን። ሰማያውን ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕን እዩ። (ሉቃ 12፡49) 7 ሓውታት(እሳት) ናይ 7 ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ እዮም።
- ሸውዓተ ማኅተማት (ራእ 5፡16 1-8፡1) ነቲ ዝተሓትመ ናይ ትንቢት ቃልን ዝተዓጽወ ምሥጢርን ናይ እግዚአብሔር ፍጹም ብርሃን ክገልጾ ስለ ዝግባእ፡ ነሀምያ “ዘስተምህሮም ድማ ጽቡቕ መንፈስካ ሃብካዮም” (ነሀ 9፡20) ብምባል ከም ዝተዛረቦ ብዘይ ናይ መንፈስ ቅዱስ ገላጽነት ምሥጢር ናይ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ምፍላጥን ብቕኑዕ ጎደና ምጉዐዝን ኣይከኣልን።
- ሸውዓተ ኣቕርንቲ (ራእ 5፡6) ኣብ ልዕሊ ዙፋን ዝረኣዮ በጊዕ 7 ኣቕርንቲ ነበርዎ። ቀርኒ ናይ ሓይሊ (1ይ ነገ 22፡11 መዝ132፡17 ሉቃ 1፡69 ናይ ክብሪ (1ሳሙ 2፡1) ናይ ሥልጣን (1ሳሙ 2፡10) ምሳሌ እዩ። ድኹም መሲሉ ዝተራእየ ዝተሓርደ በጊዕ ሓያል ቀርኒ ኣለዎ። በለቢሰ ሥጋ ድኹም መሲሉ ዝተራእየ ኣማናዊ በጊዕ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዲያብሎስ ዝሰዓረሉ ሓይሊ ከም ዘለዎ ዘመልክት እዩ። 7 ኣቕርንቲ ምዃኖም ድማ ሥልጣኑ (ናይ ክርስቶስ ሥልጣን) ፍጹም ሥልጣን ከም ዝኾነ ዘመልክት እዩ።
- ሸውዓተ ኣዒንቲ (5፡6) ኢየሱስ ክርስቶስ ማእምረ ኵሉ ማእምረ ኀቡኣት ምዃኑ ዘመልት እዩ። ካብኡ ምንም ዚስወር የለን ንሱ ንኹሉ ይርኢ።
- ሸውዓተ መለኸታት (8፡1 11፡9) ንደቂ እግዚአብሔር መከራን ስደትን ንዘምጽእሎም ዝተዋህባ መጠንቀቕታ ዘመልክት እዩ። ኣብ ኵሉ ዘመን ንዝተንስኡ ኵሎም ዓይነት ናይ ቤተ ክርስቲያን ጸላእቲ ዝተዋህበ ዘየዳግም መጠንቀቕታ እዩ።
- ሸውዓተ ነጎድጓዳት (ራእ 10፡3-4) እዚኦም ቅድሚ ምድማጾም ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ካብ ሰማይ ይወርድ። ከም ኣንበሳ ድማ ይግዕር ኣብ ኢዱ ንእሽተይ መጽሓፍ ሒዙ ሓደ እግሩ ኣብ መሬት ሓደ እግሩ ድማ ኣብ ባሕሪ ጌሩ ቆመ። ሊቃውንት ቤተ ክርስቲያን እዚ መልኣኽ ዝተመሰለ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ብምባል ይሰማምዑ። ኣብ ምድርን ባሕርን ምቛሙ ድማ ኣምላኽ ናይ ምድርን ባሕርን ንሱ ምዃኑ ንምግላጽ እዩ። ነጎድጓዳት ድማ ሰማያውያን መላእኽትን ቅዱሳንን ኣብ ዝኾኑ ኮይኖም ንዝሕልዎም ንቃለ እግዚአብሔር ዝሃብዎ መልሲ እዩ።
- ሸውዓተ ሽሕ ሰማእታት (ራእ 11፡13) ኤልያስን ሄኖክን ዝህብዎ ምስክርነት ኣሚኖም ብሓሳዊ መሲሕ ዝስውኡ ሰማእታት እዮም።
- ሸውዓተ ኣራእስ (ራእ 12፡3) ቤተ ክርስቲያን ንምጥፋእ ምእመናን ንምሕራድ ዝተላዕለ ኣራዊት ቤተ ክርስቲያን ንምጥፋእ ኵሉ ዓቕሙ ከም ዝጥቀም፡ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ኣሰቃቒ መከራ ከም ዘብጽሓሎምን ዘመልክት እዩ።
- ሸውዓተ ዘውድታት 12፡3) ማለት በብዘመኑ ዝትንስኡ ነገሥታት ሰበሥልጣናትን መራሕትን ናቱ መሳርሒ ስለ ዝገብሮም እዩ። ንሱ ቤተ ክርስቲያን ንምጥፋእ 2 መንገድታት ይጥቀም (ሥልጣንን ዓመጽን)
- ሸውዓተ መቕሰፍትታትን ጽዋእን (ራእ 15፡1 16፡21) እግዚአብሔር ንኣጽራረ ቤተ ክርስቲይን መጠንቀቕታ ብምሃብ ብመለኸት ጥራይ ደው ኣይበለን። ካብ ክፍኣቶም ስለ ዘይምለሱ ናብ መቕሰፍቲ ይሰጋገር።
- ሸውዓተ ኣኽራናት (ራእ 17፡9) እታ ኣመንዝራ ዝተቐመጠትሎም ኣኽራናት 7 እዮም። እዚ ድማ ብዙሓት ናይ ዓለም መራሕትን ሓያላት ሃገራትን ዝኽተልዎ ናይ ሓሳዊ መሲሕ መንግሥቲ እዩ።
- ሸውዓተ ነገሥታት (ራእ 17፡10) ነፍሶም ንኽፉእ ኣሕሊፎም ዝሃቡ ናይ ምድሪ ነገሥታት እዮም።
- ሸውዓተ (ሰብአውያን) ሰውኛዎች (ራእ 12፡3) ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያንን እቲ ኣራዊትን ኣብ ዝግበር ውግእ ብኣምሳል ሰብ ዝግለጹ 7 ነራት እዮም።
ንሳቶም ድማ:-
ፀሐይዝተጎናጸፈት ሰበይቲ (ራእ 12፡1) እዛ ሰበይቲ እዚኣ ቤተ ክርስቲያን እያ። ናይ ቤተ ክርስቲያን ክብራ ፀሐየ ጽድቅ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ኣብ እግራ ዘላ ወርሒ ካብ ክርስቶስ ብዝረኸብዎ ጸጋን ክብርን ንቤተ ክርስቲያን ዘብርሁ ቅዱሳን እዮም። ኣኽሊል ዝኾኑላ ድማ 12 ሐዋርያት እዮም። ክትወልድ ትጸዓር ነበረት ማለቱ ድማ ምእመናን ብጥምቀት ዳግማይ ንኽውለዱ ምስ ዓለም ዝገብርዎ ተጋድሎ እዩ። ሕጻን ዝተባህሉ ድማ ብእምነት ህጻናት ዝኾኑ ሓደሽቲ ኣመንቲ እዮም።
ብካልእ መንገዲ ፀሓይ ዚተጎናጸፈት ሰበይቲ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ።ቀይሕ ድራጎን (ራእ 12፡3 4፡9) ዲያብሎስ እዩ ቀይሕ ዝበሎ ቀታሊ ነፍሲ ምዃኑ እዩ ዮሐ 8፡44። ኣቕርንቱን ዘውድታቱን ድማ ኣብ ዓለመ ሥጋ ዘለዎ ጊዝያዊ ሥልጣን ዘመልክት እዩ።
- ወዲ ተባዕታይ (ራእ 12፡5) ክርስቶስ መዝ 2፡9 ማቴ 3፡16 እብ 1፡5-14)
- ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል (ራእ 12፡7) ዲያብሎስ ምስ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ዝገብሮ ውግእ መላእኽቲ ተሳተፍቲ እዮም እብ 1፡14። ዲያብሎስ ኣብ ሰማይ ቦታ የብሉን ኣብ ሰማያዊ ሓሳብ ዘለዎም ሰባት ቦታ ኣይርከቦን።
- ካብ ዘርኣ ዝተረፉ (ራእ 12፡17) ተረፍ ዝተባሃሉ ዲያብሎስ ብዘመን ሓሳዊ መሲሕ ምስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝገብሮ ውግእ ብዙሓት ተታሊሎም ክጠፍኡ እንከለዉ ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ዝተርፉ ቅዱሳን እዮም።
- ካብ ባሕሪ ዝወጸ ኣራዊት (ራእ 13፡1-10) ቀዳሞት ሊቃውንት እዚ ናይ ሮም መንግሥቲ እዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ናይ ሮም መንግሥቲ ተመቓቒሉ እምበር ኣይጠፍአን ኣሜርካን ኤውሮጳን ኩላቶም ብናይ ሮም ሥልጣን ዝምርሑ ናይ ሮም ነገሥታት እዮም ይብሉ። ካብ ባሕሪ ወጸ ማለቱ ካብ ዘይተረጋግአ ፖለቲካዊ መሠረት ዝትንሥእ ብምዃኑ እዩ።
ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቃውንት እቲ ኣራዊት ሓሳዊ መሲሕ እዩ፡ ካብ ባሕሪ ወጸ ማለቱ ድማ ካብ ዘይተደላደለ መንግሥቲ ወጸ ማለቱ እዩ ኪብሉ ይትርጉምዎ።
13.16.7 ካብ ምድሪ ዝወጸ ኣራዊት (ራእ13፡11) ሓሳዊ ኤልያስ እዩ ናይቲ ሓሳዊ መሲሕ መንግሥቲ ምስ ተደላደለ ስለ ዝመጽእ ካብ ምድሪ ወጸ በለ። ነቲ ሓሳዊ መሲሕ ድማ ናይ ምትሃት ተኣምራት እናገበረ
ትምህርቱ ከጽንዓሉ እዩ።
No comments:
Post a Comment