bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Saturday, 16 April 2016

መልሲ ንልቡሳነ ሥጋ ኣጋንንት 2ይ ክፋል


ሊቅ ማለት ቃል ብቓሉ ሓለቓ ዓቢ ጐይታ መምህር ሹም ማለት እዩ
  •  ሊቃውንት ቤተ ክርስቲያን ዚበሃሉ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ድርሳናት ሥርዓት እምነት መድብላት ዚጸሓፉ
  •  ተዘዋዊሮም ሐዋርያዊ ትምህርቲ ዚመሃሩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስት ርጉም ዘብርሁ፡
  •  ብሥልጣነ ክህነቶም ቀዲሶም ንምእመናን ዘቚርቡ
  •  ጉባኤ ሠሪዖም ንመናፍቓን ዝረትዑ እዮም ናይ ኵሎም ሊቃውንት መንነቶምን ታሪኾምን ንምዝርዛር እኳ ዓቕሚ እንተዘይብልና፡ ናይ ሓሙሽተ ሊቃውንት ሓጺር ታሪኽ ሕይወቶም ግን ኪንዝርዝር ኪንፍትን ኢና።

2.1 ቅዱስ ጎርጎርዮስ ገባሬ መንክራት ኣብ ንእሸተይ ኤስያ ብፍላይ ፖንቲዮስ ናይ እትበሃል ሃገር ርእሲ ከተማ ኣብ ዝነበረቶ ኣብ ኒኦቂሳርያ 205 ዓም ተወልደ። መጀመርያ 20 ዓመታት ዝኣክል ፍልስፍና ካብኡ ቀጺሉ ድማ ብቴኦሎጂ (ነገረ መለኮት) ቤት ትምህርቲ ዘድልዮ ፍልጠት ድሕሪ ምምሃሩ 240 . ናይ ኒኦቂሳርያ ሃገር ስብከተ ኤጲስቆጶስ ኮይኑ ተሾመ። ንኣገልግሎት ስብከተ ወንጌል ኣብ ዝዘዋወረሉ ጊዜ፡ ብስም ክርስቶስ ዝተፈላለዩ ሕሙማን ብምፍዋስ ኣደነቕቲ ተኣምራት ይገብር ስለ ዝነበረ፡ (ገባሬ ተኣምር) እናተባህለ ይጽዋዕ ነበረ።ብቛንቋ ግሪኽ ታውማቱርጉስ ይብልዎ። ገባሬ ተኣምር ማለት ኢዩ።
265 . ኣብ ኣንጾክያ ንጳውሎስ ሳምሳጢ ካብ ዘወገዙ ኤጲስቆጶሳት ሓደ ንሱ ኢዩ ኔሩ። ቅዱስ ጎርጎርዮስ ገባሬ ተኣምራት ኣብ ዝተሾመሉ ሃገረ ስብከት (ኢፖርኽያ) ቅዱስ ወንጌል እንሰበኸን ዝተፈላለየ ኣደነቕቲ ተኣምራት እናገበረ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናይ ክርስቶስ ተኸተልቲ ከም ዝኾኑ ገበረ። ገባሬ ተአምራት ቅዱስ ጎርጎርዮስ ሐዋርያዊ ተልእኾኡ ፈጺሙ ብገድልን ብሰማዕትነትን 270 ዓም.ዓሪፉ።
 
2.2 ቅዱስ ኣትናቴዎስ (ኣትናትዮስ) ኣብ ከባቢ 295-298 ዓም ካብ ዘይአመንቲ ስድራ ቤት ኣብ እስክንድርያ ተወልደ። ፖፕ እለስክንድሮስ ከኣ ንኣትናቴዎስ ኩሉ ናይ ቤተክርስቲያን ትምህርቲታት መሃሮ። ኣብ ህይወት ቅዱስ ኣትናቴዎስ ውን መንፈስ ቅዱስ ይዓዪ ስለዝነበረ፣ ብጸጋ እንዳዓበየ መጽአ። ብድሕሪዚ .እለስክንድሮስ ንኣትናቴዎስ ዲቁና ቀቢኡ፣ ናቱ ጸሓፊን ወደ መዝሙርን ገበሮ። ኣብዚ ግዜ እዚዩ .ኣትናቴዎስ ነተን ክልተ ዓበይቲ መጻሕፍቲ፣ ኣንጻር ዘይኣመንቲ Against Heathen ስግዉ ቃል The Incarnation of the Word ዝብላ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈን። ነዚአን ዓበይቲ መጻሕፍቲ ክደርሰን እንከሎ ገና ወዲ 19 ዓመት ነበረ።
ኣብ ትሕቲ እግሪ ቅዱስ እለስክንድሮስን ናይ ቤተክርስቲያን መማህራንን ተማሂሩ ምስተኾስኰሰ፣ ብፍቓዱ ናብራ ብሕትዉና ስለዝመረጸ፣ ኣብ ገዳም ቅዱስ እንጦንስ ርእሰ መነኮሳት ከይዱ ባሕታዊ ኮነ። ኣብኡ ከኣ ናይ ርእሰ መነኮሳት ቅዱስ ኣባ እንጦንስ ወደ መዝሙር ብምዃን፡ ካብዚ ዓቢ መምህር ብዙሕ ህይወት ተማህረ። ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት ቅዱስ እንጦንስ Vita Anthony እተዘንቱ መጽሓፍ ውን ንሱ ባዕሉ .ኣትናቴዎስ እዩ ጽሒፍዎ። ድሕሪ ዕረፍቲ እለስከንድሮስ ኣብ ዕለት 5 ግንቦት 328 .. ከኣ ናይ እስክንድርያ ፓትሪያርክ ክኸውን ተመርጸ።
ፖፕ እለስክንድሮስ ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብድሕሪኡ ንኣትናቴዎስ ክሾምዎ ተላቢዎም ነበረ። ኣትናቴዎስ ኣብቲ ግዜ ናይ ርእሰ መነኮሳት ኣባ እንጦንስ ኣሰር ብምስዓብ ኣብ ገዳም ብብሕትውና ይነብር ነበረ። ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ንኣርዮስ ክሟጎቶ እንከሎ ብዘርኣዮ መንፋዕቲ፣ .ኣትናቴዎስ ኣብ ምእመናንን መራሕቲ ቤተክርስቲያንን ሽሙ ገኒኑ ነበረ። ኣርዮስ፣ "ወልድ ንኣብ ይመስል እምበር ምስ ኣብ ማዕረ ኣይኮነን" ምስ በለ፣ .ኣትናቴዎስ ግና ብሓቂ "ወልድ ምስ ኣብ ማዕረ ከምዝኾነ" ብመጽሓፍ ቅዱስን ትውፊት ሐዋርያትን ጌሩ ኣረዲኡ ሞጊቱ ሰዓሮ።
.ኣትናቴዎስ ናይ .እለስክንድሮስ ዕረፍቲ ምስ ሰምዐ፣ ገዛእ ርእሱ ብቁዕ ጌሩ ኣይቆጽራን ስለዝነበረ፣ ምእንቲ ከይሾምዎ ኣብ በረኻታት ሃዲሙ ተሓብአ። ምእመናንን መራሕቲ ሃይማኖትን ግና ኣብ ኩሉ ቦታ ደልዮም ረኸብዎ’ሞ፣ ኣብ 328 .. ፖፕ ጌሮም ቀቢኦም ሾምዎ።
ናይ ታሪኽ ጸሓፋይ ሶቅራጦስ ብዛዕባ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ከምዚ ብምባል መስኪሩሉ "ኣትናቴዎስ ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ብዘርኣዮ ውሕሉል ናይ ምርዳእ ክእለቱን፣ ነገራት ናይ ምርዳእ ዓቕሙን ኣብ ህይወቱ ብዙሕ መከራ ከምዝቐበል ጌርዎ እዩ። "
ፖፕ ኮይኑ ጉስነቱ ምስ ጀመረ፣ ናብ ሃገርና ኤርትራ መጺኡ ወንጌል ንዝስበኸ ንኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ጳጳስ ኮይኑ ክጓስየና ቀቢኡልና። ካብቲ ግዜቲ ጅሚሩ እምበኣር ሃገርና ኤርትራ ምስ መንበረ እስክንድርያ ርክብ ጸኒሕዋ። ዳርጋ ኩሉ ክርስቲያናዊ ስርዓትና፣ ትምህርቲናን ምስ ግብጻዉያን ተመሳሳሊ እዩ።
"እንተ ጸረፉኹምን እንተ ስጎጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፋእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን ብጹኣን ኢኹም" ማቴ 511 ቅዱስ ኣትናቴዎስ 5 ግዜ ካብ መንበሩ ተሰዲዱ እዩ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ድሕሪ ብዙሕ ገድሊ ንቤተ ክርስቲያን ብዙሓት መጻሕፍቲ ጽሒፉ ገዲፍላ ብዕለት 7 ግንቦት ኣብ 373 .. ብጐይታ ዓረፈ። ካብቶም 14 ቅዳሴያት ናይ ቤተ ክርስቲያንና ቅዳሴ ኣትናቴዎስ ዚብል ውን ናቱ እዩ።

 
2.3 ቅዱስ ባስልዮስ ዘቂሳርያ 329 ካብ ክርስቲያን ቤተ ሰብ ኣብ ቂሳርያ ተወልደ። ቀዳማይ ወገን ትምህርቱ ኣብ ዓዱ ምስ ወድአ ንዚለዓለ ትምህርቲ ናይ ኣቴንስ ግሪኽ ከደ። ናብ ዓዱ ምስ ተመልሰ ድማ ምስ ናይ ሶርያ ግብጺ መሰፖታምያን ኪላለ ዓበይቲ ገዳማት እናዞረ በጽሐ። ንመማህርቱ ዓርኩን ዚነበረ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናንዙ ሒዙ ናብ ገዳማዊ ጽሞናን ኣስተንትኖን ኣተወ። ናይ ቅድስናኡ ኣዝዩ እናዓበየ ምስ ከደ ግና ኣቡነ ዲያኖስ 370 . ካብ ገዳሙ ኣውጺኦም ኣብ ቂሳርያ ጳጳስ ጌሮም ሸምዎ።
እቲ ጊዜ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከቢድ ፈተነ ናይ መናፍቓን ወዲቓትሉ ዚነበረት ጊዜ ነበረ። በቲ ሓደ ወገን መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽነት ዚነጽጉ መናፍቓን፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ ናይ ኣርዮስ ደጋፊ ዚነበረ ንጉሥ ንቤተ ክርስቲያን የናውጽዋ ነበሩ። ቅዱስ ባስልዮስ ግና ብጸሎቱን ብጽድቁን ብትምህርቱን ነቲ ማዕበል ኣብ ምህዳእ ተጸሚዱ ነበረ። ንቤተ ክርስቲያን ካብ ዘበርከቶም መጻሕፍቲ ካብቶም 14 ቅዳሴያት ቅዳሴ ባስልዮስ ዚበሃል ቅዳሴ ድማ ናቱ እዩ። ቅዱስ ባስልዮስ 379 ኣዕረፈ።

 
2.4 ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ካብቶም ዓበይትን ዝዓበየ ክብሪ ዝሓዙን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት ሓደ ኢዩ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ኣብ ኣንጾክያ ዝተባህለት ናይ ሶርያ ከተማ 344. ተወልደ። 381 ዓም ብኢድ መሊትዮስ ዝተባህለ ሊቀ ኤጲስቆጶስ ብኣንብሮተ እድ ዲቁና ተሾመ፡ 386 . ድማ ብናይ ኣንጾክያ ሊቀ ኤጲስ ቆጰስ ፍላቪያን ቅስና ተቐበለ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ብትርጓሜ መጻሕፍትን ብነገረ መለኮትን ኣዝዩ ዝለዓለ ፍልጠት ዘለዎ ኣቦ ነበረ። ብወገን ስብከተ ወንጌል ድማ ፍሉይ ጣዕሚ ቃልን ዓሚዩቕ ምሥጢርን ዝተዓደለ ስለ ዝነበረ ብጣዕሚ ስብከቱ ዝተመሰጡ ምእመናን "ኣፈወርቅ" (ክሪሶቶሞስ) ብምባል ሰመይዎ።
ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ብስግደትን ጸሎትን ዓቢ ናይ ገድሊ ኣቦ ስለ ዝነበረ፡ ብሕዝበ ክርስቲያንን ብቤተ መንግሥትን ምርጫ ንሱ ከይፈቐደ ብግዲ 398 . ናይ ቊስጥንጥንያ ፓትርያርክ ኮይኑ ተሾመ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሓቀኛ ኖላዊ (ሕያዋይ ጓሳ) ስለ ዝነበረ "ፍርዲ ጎደለ ድኻ ተበደለ" እናበለ ብምምሃሩ ምስ ንግሥቲ ኤብዶክስያን ተኸተላታን ክሰማማዕ ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት ምስ ንጉሠ ነገሥት ኤርካድያ ውን ተጻልአ። ስለ’ዚ ዝተወሰኑ ናይ ቤተ መንግሥቲ ሓሳብ ዝድግፉ ኤጲስቆጶሳት፡ ናይታ ንግሥቲ መሳርሒ ኮይኖም 29 ናይ ሓሶት ነጥብታት ከሰስዎ። 404 . ድማ ኣውጊዞም ንስደት ኣቃልዕዎ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ካብ መንበረ ፓትርያርክ ብሓይሊ ናይ ወተሃደራት ተገዲዱ "ካቭካዝ" ናብ ዝተባህለ ቦታ ተወስደ። ካቭካዝ ኣብታ ካልኣይቲ ግዝኣት ናይ ኣርሜንያ ኣብ ጥቓ ጸሊም ባሕሪ እትርከብ ኣውራጃ ኢያ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ኣብ ስደት (ግዞት) እንከሎ ካብ ጽንዓተ ተጋድሎኡ ዝተላዕለ 407 . ዓረፈ። ብድሕሪ’ዚ 438 . ብትእዛዝ ቅዱስ ፕሮክልዮስ ርእሰ ኤጲስ ቆጰስ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ዓጽሚ ናብ ቁስጥንጥንያ ከም ዝምለስን ኣብ ናይ ቅድስት ሶፍያ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝዓርፍን ተገብረ።
ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ዓቢ ተርጓሚ ናይ ቅዱሳት መጻሕፍትን ዝተመስገነ ሰባኺ ወንጌልን ነበረ። ብተወሳኺ ውን ኣዝዩ ዝተፈለጠ ደራሲ ስለ ዝነበረ ብዝተፈላለዩ መንፈሳዊ ኣርእስትታት ጽሒፉ ኢዩ። ካብቶም ዝጸሓፎም ብዙሓት ድርሳናት ብዛዕባ ክብርን ቅድስናን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝነግር ድርሳን ዓቢ ቦታ ሒዙ ይርከብ። ካብቶም 14 ናይ ቤተ ክርስቲያንና ቅዳሴያት ሓደ ቅዳሴ ዘዮሐንስ ኣፈወርቅ ብምባል ዚፍለጥ ውን ናቱ እዩ።
 
2.5 ቅዱስ ጐርጐርዮስ ዘኑሲስ ብንእሽተዩ እንከሎ ናይ ፍልስፍና ተመሃራይን መምህርን ነበረ። ድሒሩ ግን እግዚአብሔር ናብ ገዳማዊ ሕይወት ናብ ቤተ ክርስቲያን ዚጸውዖ ኣቦ ነበረ። ኣዝዮም ዘደንቑ ክርስቲያናውያን ድርሳናት ዚጸሓፈ፡ ኦርቶዶክሳውነት ኣብ ልዕሊ ኣርዮሳውያንን ካልኦት መናፍቓንን ዓወት ንኽጎናጸፍ ዓቢ ናይ ምምሃርን ምጥባቕን ተግባራት ዚገበረ ኣቦ እዩ።
ካብዚ ዚተላዕለ ድማ ኣመስጣሪ ጸሓፊ (Mystic writer) ናይ ኣቦታት ኣቦ (Father of Fathers) ኪሳብ ምባል በጺሑ እዩ። ብፍላይ ድማ ነቲ ዩኖምየስ ዚተባህለ ኣርዮሳዊ መናፍቕ መልሲ ንምሃብ ዚጸሓፎም መጻሕፍቲ (Contra eunomius) አዝዮም ዓሞቕቲ ዚኾኑ ናይ ክርስትና ናይ ጥብቅና (Apologetic) መጻሕፍቲ እዮም።

....................... ይቕጽል
 

No comments:

Post a Comment