10ይ ሓሶት ብዛዕባ ፍትሓት 
ውጹእ ሓሶት እዩ። እታ መልሓስካ ኣበየናይ ዓሚዩቕን ሰፊሕን ውቅያኖስ ናይ ሓሶት ጠሚዕካያ ከም ዚመጻእካ ስለ ዚፈልጥ በዚ ሓሶትካ ኣይድነቕን እየ። እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እምነት ፈጺሙ የለን። ብመጀመርያ ቤተ ክርስቲያንና ንዝሞተ ሰብ መኀራ እግዚኦ ለነፍሰ ገብርከ እገሌ" ኦ ጐይታ ንነፍሲ ባርያኻ እገሌ መሓራን ይቕረ በለላን እናበለት ናብ እግዚአብሔር ድኣ ትጽሊ እምበር፡ ብፍትሓት ካብ ሲኦል ብርግጽ ከነውጽኦ ኢና ዝብል ትምህርቲ የብላን። ናይ ደቂ ሰባት ሥራሕ ምሕረት ምልማን ጥራይ እዩ።
ናይ ኦርተዶክስ ተዋሕዶ ትምህርቲ ብዛዕባ ፍትሓትን ተስካርን ፍትሓት ዝግበረሉ ምኽንያት
1ይ እግዚአብሔር ርህሩህን መሓርን ስለ ዝኾነ 
ካብዚ ድኻም ናይዛ ዓለም ንዘዕረፉ ወገናትና ጸሎት እንገብረሉ ሓደ ምኽንያት እግዚአብሔር ብምሕረቱ ንኺበጽሖምን፡ ካብ ሰብ ጌጋ ወይ ስሕተት ስለ ዘይጠፍእ ድማ ይቕረ ኢሉ ብብሩህ ገጽ መታን ኪቕበሎምን ናቱ ምሕረት ንምጽባይ እዩ። ብመጀመርያ እዞም ዘዕረፉ ወገናትና ናይ ቤተ ክርስቲያን ህያዋን ኣባላት ከም ምዃኖም፡ ነዞም ብሓደ መንፈስ ሓደ ኣካል ዚኾንና ወገናት ምጽላይ ግቡእ እዩ። እቲ ዘይግባእ’ሲ ነዚ ጸሎት እዚ ምቅዋም እዩ። ተሃድሶ (መናፍቓን) ብክሕደቶም ባዕላቶም ካብ ቤተ ክርስቲያን ተቖሪጾም ዚተደርበዩ ካብ ምዃኖም ዚተላዕለ፡ ናይ ነፍሶም ምፍላይ ከይኣክል፡ ንናይ ክርስቶስ ኣካላት ዘዳኽሙ ብምዃኖም ዘሕዝን እዩ። ናይ አግዚአብሔር ምሕረት ነቲ ምሳና ዘየለ ወገንና ምጽላይ ካብቲ ምእንቲ ርእስና እንጽልዮ ጸሎት ብዘይንእስ እኳ ድኣ ብዚበለጸ ዚምስገን ድኣ እምበር ዋላ ሓንቲ ዘንቅፍ ነገር የብሉን።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንገዛእ ርእሶም ጽቡቕ ነገር ካብ ዚለመኑ ንላዕሊ ዚተመስገኑ እቶም ምእንቲ ወገናቶም ኪብሉ ካብ እግዚአብሔር ምሕረት ዚለመኑ ሰባት እዮም። ሙሴ ብጣዕሚ ዚተመስገነ እግዚአብሔር "ሕጂ ኵራይ ኣብኦም ኪነድድ እሞ ኪውድኦም ሕደገኒ፡ ንዓኻ ድማ ዓቢ ህዝቢ ኪገብረካ እየ በሎ" ሙሴ ግና "….ኃጢኣቶም ይቕረ በለሎም እንተዘይኮይኑ ግና ካብ መጽሓፍ ሕይወት ሕኸኸኒ" ብምባል ካብ ክብርን ድሕነትን ናይ ነብሱ ንላዕሊ ክብርን ድሕነት ህዝቡ ኣብሊጹ ብምርኣይ እዩ ዚነበረ። (ዘፀ 32፡1-32) እሞ ኸ ድኣ "ነዞም ህዚ ይቐረ በለሎም እንተዘይኮይኑ ግና ካብ መጽሓፍ ሕይወት ሕኸኸኒ" ክሳብ ምባል በጺሑ ምእንቲ ካልኦት ምሕረት ካብ ለመነ፡ ከም ናቱ እኳ እንተዘይከኣልና ብዓቕምና "መሓሮም" ኢልና ምጽላይና እንታይ እዩ ጌጋና?
ቅዱስ ጳውሎስ ውን ብዛዕባ ወገናቱ እስራኤላውያን ብክርስቶስ ብዘይምእማኖምን ካብ ድሕነት ወጻኢ ብምዃኖምን ብዙሕ ይሓዝንን ይጭነቕን ነበረ። "ኣነ ብዙሕ ሓዘንን ዘየቋርጽ ስቓይን ኣብ ልበይ ከም ዘለኒ ሕልናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክር ኣሎ። ብክርስቶስ ሓቂ እብል ኣለኹ ኣይሕሱን እየ። ኣነ ብርእሰይ ምእንቲ እቶም ብሥጋ ኣሕዋተይን ኣዝማደይን ውጉዝ ኮይነ ካብ ክርስቶስ ክፍለ ምደለኹ" ኢሉ እቲ ሐዋርያ ከም ዚገለጾ (ሮሜ 9፡1-3) ማዕረ ክንድዚ ዚኣክል ንነብሶም ስለ ድሕነት ካልኦት "ኣነ ውጉዝ" ይኹን ክሳብ ምባል በጺሖም ካብ ጸለዩን ካብ ተጨነቑን ብዛዕባ ካልኦት ምሕሳብን ምጽላይንሲ እንታይ ኮይኑ እዩ ዘይግበኣና?
ኣብዚ ዚተቐስናዮ ኣቦና ሙሴን ቅዱስ ጳውሎስን ዚጸለይዎ ነቶም ኣብዚ ዓለም ብሕይወተ ሥጋ ዚነበሩ ሰባት እዩ፡ መዘራረቢና ዘሎ ግና ከብዚ ዓለም ብሞት ብዛዕባ ዚተወሰዱ እዩ ዚብል ሓሳብ ይለዓል ይኸውን። ሕጂ ውን ብመጀመርያ ደረጃ ካብዚ ዓለም ብሞት ዚተወሰዱ ሰባት ኵሉ ጊዜ ናይዛ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ሕያዋን ወሉድ ናይ ክርስቶስ ኣካላት እዮም እምበር፡ ካብዚ ኣካልነቶም ዚቖርጾምን ዚፈልዮምን ማንም ነገር ከም ዘየለ ደጊምና ኪንዝክር ይግበኣና። ካብዚ ብተወሳኺ ውን ብሕይወተ ሥጋ ዘየለዉ (ምዉታን) ካብ ምሕረትን ርህራሄን ኣምላኽ ወጻኢ ኣይኮኑን። ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ "ንሱ ንህያዋንን ንምውታንን ምሕረቱ ዘይገደፈ እግዚአብሔር " እዩ ዚብል።(ሩት 2፡20)
እቲ በዅሪ ወዱ ናይ ኣቦና ያዕቆብ ዚነበረ ሮቤል ናብ ዓራት ኣቡኡ ደይቡ ከም ዚነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። እቲ ቃል ከምዚ ይብል "ኰነ ድማ፡ እስራኤል ኣብኡ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሮቤል ከይዱ ምስ ቢልሃ፡ ሰበይቲ ወሰን ኣቦኡ ደቀሰ። እስራኤል ድማ ሰምዔ"(ዘፍ 35፡22 ኣቡኡ ያዕቆብ ኣብ መወዳእታ ናይ ሕይወቱ ንደቁ ብዝምልከት ናይ ነፍሲ ወከፍ ግብሮምን ንመጻኢ ዚረኽቦምን ኪዛረብ ከሎ ከምዚ ዚስዕብ ዚበለ ድማ በዚ ምኽንያት እዩ "ሮቤል ንስኻ በኹረይ ኢኻ፡ ሓይለይን ቀዳማይ ጽንዓተይን፡ ብኽብረት ብሉጽ፡ ብስልጣን ከኣ ብሉጽ። ከም ፍሉሕ ማይ ገንፈልካ። ናብ መደቀስ ኣቦኻ ደየብካ፡ ሽዑ ኣርኪስካዮ ኢኻ እሞ፡ ብልጫ ኣይትረክብን። ናብ ዓራተይ ደየበ"(ዘፍ 49፡3-4 
ካብዚ ዚላዕለ ድማ ሮቤል ምስሞት ብውሕድ ድሕሪ 100 ዓመት እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኪወጹ ከለዉ ናይ ኣበው ዓጽሚ ሒዞሞ ስለ ዚወጹ፡ ብሰንኪ ኃጢአቱ ካብ ናይ ካልኦት ኣቦታት ዓጽሚ ተፈልዩ ናይ ሮቤል ዓጽሚ ጸሊሙ ነበረ። ነዚ ድማ እዩ ሮቤል ምስ ሞተ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ሙሰ ከምዚ ዚስዕብ እናበለ ዚጸለየ። "ይሕየወኒ ሮቤል ቁልዔዪ ኢይሙተኒ" ትርጉም "ሮቤል ይንበር፣ ኣይሙት" (ዘዳ 33፡6) 
ንዝሞቱ ሰባት ጸሎት ምግባር ዘይግባእ ኔሩ እንተዚኸውን፡ ሮቤል ምስ ሞተ ድሕሪ ኣማኢት ዓመታት ሙሴ "ሮቤል ይንበር ኣይሙት" ብምባል ዝጸለየሉስ ስለ ምንታይ እዩ? እስራኤላውያን ካብ ናይ ግብጺ ባርነት ዚወጹን ናብ ከንአን ጕዕዞ ዚጀመሩን፡ ብድሕሪ ሞት ናይቶም ናብ ግብጺ ዚወረዱ ኣቦታቶም ብውሕዱ ናይ 100 ዓመት እዩ። እሞ ኸ ድኣ ድሕሪ ሞቱ ልዕሊ 100 ዓመት ንዚገበረ ንሮቤል ሊቀ ነብያት ሙሴ ብሕይወት ይንበረለይ ኣይሙተኒ ኢሉ ካብ ጸሌሉን፡ እዚ ጸሎት እዚ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ እናሃለወን ድኣ ንሕና ካብ ዚሞቱ ብዙሕ ዓመታት ንዘይገበሩ ክርስቲያን ወገናትና ጸሎት እንተገበርናስ ኣበይ እዩ እቲ ጌጋ? 
ነቲ ናብ ናይ ኣቡኡ ኣራት ደይቡ ዚነበረ ንሮቤል ሊቀ ነብያት ሙሴ ካብ ጸለየሉስ፡ ብዓበይቲ ይኹን ብነኣሽቱ ኃጢአታት ተሰናኺሎም ንዚሞቱ ወገናትና ከምኡ እንተዘይኮይኑ ድማ ካብ ሰብ ስሕተት ኣይሰኣንን እዩ እሞ፡ ንሱ ብዝፈለጦ ይቕረ ንኪብለሎም ንዚኣረፉ ወገናትና ናብ እግዚአብሔር ጸሎት ምግባርና ንመጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ብዝኣምንዎ ሰባት ብማንም መዐቀኒ ጌጋ የብሉን። ነዚ ድማ እዩ ‘ሞት ብኣቤል ፍትሓት ድማ ብሮቤል ተጀመረ" ዚበሃል። ጸሎት ፍትሓት ንመጀመርያ ጊዜ ዚጀመሮ ሙሴ ስለ ዚኾነ። ስለ ዚኾነ ድማ ንዚሞቱ ወገናትና ይትረፍዶ ኣብ ዚሞትሉ ዕለት ብ7ይ መዓልቲ ኣብ መበል 40 መዓልትን ኣብ ዓመትን ሲ ካብዚ ንላዕሊ ኵሉ ጊዜ እንተንዝክሮም ውን ግቡእ ድኣ እምበር ዘይግባእ ኣይኮነን። 
ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ኣብ ሃይማኖተ ኣበው ምዕራፍ 59 ብዛዕባ እቲ ሙሴ ንሮቤል ዚገበረሉ ጸሎት ብዚምልከት ከም’ዚ ይብል። 
20, ካብ ሌዌ ነገድ ዝተወልደ ካህን ከምዝኾነ፡ ብናይ ካህናት ቃል ድማ ሓጢኣት ከም ዝስረይ ፈሊጡ 12 ነገድ ክባርኽ ኣብ ዝፈተወሉ ግዜ "ሮቤል ይንበር ኣይሙት" ኢሉ እንሆ ሙሴ ነገሩ ኣርድአ። ዘዳ 33፡6 ዘሌ 4፡35
21, ድሕሪ ምሟቱ ድሕሪ 203 ዓመት ከመይ ጌሩ "ይድሓነለይ ኣይሙት በለ" ትንሳኤ ንኹሉ ከምዝግበር ሓጥኣን ካልኣይ ሞት ኣብ ናይ ፍርዲ መዓልቲ ጎይታ ገጹ ከም ዝኽውለሎም ፈሊጡ፡ ድሒራ ካብ ትመጽእ ፍዳ ከድሕኖ ደልዩ፡ ትንሳኤ ንምርዳእ "ሮቤል ይደልዮ’የ ይድሓነለይ ኣይሙተኒ በለ"
23, ናይ ሙሴ ፍቓድ ንሮቤል ካብ ፍዳ ምድሓን ትንሳኤ ንምርዳእን እንተዘይከውን ሮቤል ይድሓነለይ ኣይሙት ኣይምበለን ኔሩ።
ከምኡ ውን ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ኣብ ሐዋርያዊ ተግባር እንከሎ ጽቡቕ ንዘገልገሎን ድሓር ግን ብሞት ንዝተወሰደ ሄኔሲፎሩ ንዚበሃል ክርስቲያን ከምዚ ኪብል ጸልይሉ እዩ "ኦኔሲፎሮስ ናብ ሮሜ መጺኡ፡ ኣዝዩ ደለየንን ረኸበንን፡ ብዙሕ ሳዕ ኣፈሽሒዉለይ፡ በቲ መቝሔይውን ኣይሐፈረን እሞ፡ እግዚኣብሄር ንቤቱ ምሕረት ይሃብ። በታ መዓልቲ እቲኣ ምሕረት ካብ ጐይታ ኺረክብ፡ እግዚኣብሄር ይሃቦ። ኣብ ኤፌሶን ክንደይ ከም ዘገልገለኒውን፡ ካባይ ዚበልጽ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ (2ይ ጢሞ 1፡16-17) 
ቅዱስ ጳውሎስ ሄኔሲፎሩ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ እንከሎ ከምኡ ውን ኣብ ኤፌሶን ከም ዘገልገሎ ይገልጽ እሞ። በታ መዓልቲ እቲኣ ምሕረት ካብ ጐይታ ኺረክብ ኪብል ለመነ። ሄኔሲፎሩ ዘይሞተ እንተዚኸውን ኔሩ ካብ ቤተሰቡ ፈልዩ ንዕኡ ንበይኑ ፈልዩ በታ መዓልቲ እቲኣ ምሕረት ካብ ጐይታ ኺረክብ፡ ኢሉ ንምንታይ ጸለየሉ? በታ መዓልቲ እቲኣ ምሕረት ካብ ጐይታ ኺረክብ" ዚበሎ ዕለት ከ ኣየናይ ዕለት እዩ? እንተድኣ ኢልና ኣብ ዳግም ምጽኣት ኣብ ጊዜ ፍርዲ እግዚአብሔር ምሕረት ንኺህቦ ብህይወተ ሥጋ ንዘየለ ሄኔሲፎሩ ቅዱስ ጳውሎስ ጸለየሉ።
መናፍቓን (ተሃድሶ) ጸሎተ ፍትሓት ኪነቕፉ ከለዉ "ኣብ ዚሞተሉ ዕለት ጸሎተ ፍትሓት እንተተደግመሉ፡ ካብ ዚሞተሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ተዝካር ድግስ ብስሙ ተጌሩ ንበላዕተኛ አእንተዋሂብሉ እቲ መዋቲ ይመሓር እዩ ተባሂሉ ተስፋ ምግባሩ" ይብሉ(ፍኖተ ብርሃን መጋቢት 2002 ገጽ 18) 
ጸሎት ዚግበር ናብቲ ወሃቢ ምሕረት ናብ እግዚአብሔር ስለ ዚኾነ እቲ ጸሎት ዚቕበል እግዚአብሔር፡ ነቲ ዘጽለ ጸሎት ከመይ ጌሩ ከም ዚቕበሎ ዚፈልጥ ንሱ ጥራይ እዩ። ንሕና ንልምን ድኣ እምበር ውሳኔ እንህብ ኣይኮንናን። ኣብ ጸሎት ፍትሓት ውን ከምዚ እዩ እምበር ከምዚ እንተተጸልይሉ ኪመሓር እዩ ገነት ኪኣቱ እዩ" ዚብል መረጋገጺ ዚህብ ኣካል የለን። ስለ ዚኾነ ድማ "ኣብ ዚሞተሉ ዕለት ጸሎተ ፍትሓት እንተተደግመሉ፡ ካብ ዚሞተሉ ጊዜ ጀሚሩ ናይ ተዝካር ድግስ ብስሙ ተደጊሱ ንበላዕተኛ እንተተዋህበሉ እቲ መዋቲ ይመሓር እዩ ምባሉ" ዚብል ኣዘራርባኹም መሠረት ዘይብሉ ሓሶት እዩ። 
ኮይኑ ግን ጸሎት ዚግበሮ እግዚአብሔር መሓርን ሕያዋይን ምዃኑ ብምእማን ስለ ዚኾነ ጸሎትና ተቐቢሉ ኪምሕሮ እዩ ኢልና ግን ተስፋ ንገብር። ተስፋ ድማ ከብቶም ሠለስተ መሠረታውያን ናይ ክርስቲያን ነገራት (እምነት ተስፋን ፍቕርን) ሓደ ድኣ እምበር ኪንቀፍ ዚኽእል ነገር ኣይኮነን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ "ዎ እግዚኣብሄር፣ ከምቲ ብኣኻ ተስፋ ዝገበርናዮ፣ ጸጋኻ ኣብ ልዕሌና ይኹን"(መዝ 33፡22 122፡1-2) ከምኡ ውን "ተስፋና ኣየሕፍርን" ተባሂሉ ተጻሒፉ ኣሎ።(ሮሜ 5፡5)
ኮይኑ ግን ጸሎት ዚግበሮ እግዚአብሔር መሓርን ሕያዋይን ምዃኑ ብምእማን ስለ ዚኾነ ጸሎትና ተቐቢሉ ኪምሕሮ እዩ ኢልና ግን ተስፋ ንገብር። ተስፋ ድማ ከብቶም ሠለስተ መሠረታውያን ናይ ክርስቲያን ነገራት (እምነት ተስፋን ፍቕርን) ሓደ ድኣ እምበር ኪንቀፍ ዚኽእል ነገር ኣይኮነን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ "ዎ እግዚኣብሄር፣ ከምቲ ብኣኻ ተስፋ ዝገበርናዮ፣ ጸጋኻ ኣብ ልዕሌና ይኹን"(መዝ 33፡22 122፡1-2) ከምኡ ውን "ተስፋና ኣየሕፍርን" ተባሂሉ ተጻሒፉ ኣሎ።(ሮሜ 5፡5)

No comments:
Post a Comment