2ይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህሪኣን መንነታን ዚገልጸላ ስለ ዝኾነ
ኢየሱስ ክርስቶስ ንሥጋዊ ሞትን ምፍራስ ምብስባስን ኣጥፊኡ፡ ናይ ምድሓን መንገዲ ብተግባር እናፈጸመ ኣርእይና እዩ። ነዚ ምድሓኑ ዝኣምኑን ዝድሕኑን ወገናት ድማ ናብ ሓድነቱ ኣኪብዎም እዩ። ንሱ ርእሲ ኮይኑ ንዓኣቶም (ንምእመናን) ኣካላቱ ጌርዎም እዩ። ነዚ ናቱ መድኃኒትነት ዝኣመኑን ዝኣምኑን ናይ ኣማንያን ሓድነት፡ ቤተ ክርስቲያን ትበሃል። ብመንገዲ ክርስቶስ፡ እቲ ወዲ ሰብ ብሰንኪ ኃጢአቱ ዘምጽኦ ምብትታን ምፍልላይን ጠፊኡ ሓድነት ተረኺቡ እዩ። ምኽንያቱ ብኡኡ ዝኣምኑ ኵላቶም ሓደ ኣካል ኮይኖም ስለ ዝወሃሃዱ። ምስ ክርስቶስ ካብ ምውህሃዶም ሓደ ኣካል ካብ ምዃኖም ዝተላዕለ፡ ነንሕድሕዶም ፍጹም ብዝኾነ ፍቕሪ ሓደ ኮይኖም ይወሃሃዱ። በዚ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ተዋሕዶ ድማ ኣኃዛዊ ፍልልያትን ዶባትን ኵሎም ይጠፍኡ። ምስ ሥጋዊ ልደት ተተሓሒዞም ዝፍጠሩ፡ ናይ ጊዜ፡ ናይ ቦታ፡ ናይ ዘርኢ(ዓሌት) ናይ ቋንቋ ወ.ዘ.ተ ፍልልያት ኵላቶም በቲ ካብ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ መንፈሳዊ ልደት ይጠፍኡ’ሞ ሓደ ኣካልን ሓደ ወገንን ይኾኑ። ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ "ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያን፡ ባሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና፡ ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና" ብምባል ከም ዝገለጾ ፍልልይ ጠፊኡ ሓድነት ይሰፍን፡
ሓደ ሰብ ክርስቲያን ኪኸውን ከሎ ናይ ክርስቶስ ኣካል ኮይኑ ይሥራሕ። ናይ’ዛ ናይ ክርስቶስ ኣካል ዝኾነት ናይ ሓንቲ ጕባኤ ሓደ ናይ ሰብነት ክፍሊ ይኸውን። ምስ ካልኦት ክርስቲያናት ዝህልዎ ርክብ ድማ፡ ልክዕ ከም’ቲ ሓደ ናይ ሰብነት ክፍሊ ምስ ካልእ ናይ ሰብነት ክፍሊ ዘለዎ ዓይነት ርክብ ይኸውን። ምስ ክርስቶስ ዘለዎ ዝምድና ድማ፡ ከምቲ ሓደ ናይ ሰብነት ክፍሊ ምስ ርእሲ ዘለዎ ርክብ ይኸውን። ብሓፈሻ ሓደ ምእመን ብእምነትን ብምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ክርስቶስ ኣካል ኮይኑ ኪሥራሕ ከሎ። ናብ’ታ ቅዱስ ጳውሎስ ከም’ዚ ዝስዕብ እናበለ ዝገለጻ ቤተ ክርስቲያን ይኣቱ "ንስኻትኩም ግና ናብ ከረን ጽዮንን ናብታ ከተማ ህያው ኣምላኽ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ናብቶም ኣእላፋት መላእኽትን ኢኹም ዝበጻሕኩም፡ ናብ ጉባኤ ዅሉ፡ ናብ ማሕበር እቶም ኣብ ሰማያት ተጻሒፎም ዘለዉ በዅራት፡ ናብ ኣምላኽ ፈራድ ኵሉ፡ ናብ መናፍስቲ እቶም ፍጹማን ጻድቃንን፡ ናብ ኢየሱስ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳንን ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ዝሔሸ ዚዛረብ ምንጻግ ደምን በጺሕኩም አሎኹም"(ዕብ 12፡23-24)
እዞም ናይ’ዛ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ኣካላት ዝኾኑ ኣእላፋት መላእኽቲ፡ ናይ በዅራት ማሕበር፡ ናይ ጻድቃን መናፍስቲ ኵላቶም ኣብ ሓደ ዘመነን ቦታን ዝነበሩ ኣይኮኑን። ካብ ሰባት መላእኽቲ ይቕድሙ፡ ካብ ደቂ ሰባት ንባዕሎም ድማ ኣቐዲሞም ኣበው፡ ሽዑ ነቢያት፡ ካብኡ ቀጺሎም ሐዋርያት፡ ሰማዕታት ጻድቃን እናበሉ ዝመጹ እዮም። እዚ ኣካይዳ እዚ ድማ ኪሳብ መወዳእታ ዓለም ዝቕጽል እዩ። ኮይኑ ግን እዚ ኵሉ ናይ ጊዜን ቦታን ፍልልይ፡ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ለውጢ ኣየምጽእን እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዘመናትን ቦታን ዝነበሩን ሎሚ ውን ዘለዉን ንመጻኢ ውን በብዘመኑ ኪሳብ ምጽኣት ዚትንሥኡ ኵላቶም ናይ ሓደ ክርስቶስ ኣካላት ናይ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ኣካላት እዮም።
ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ ኣብ ትሕቲ መሠውኢ ዝረኣዮም፡ ምእንቲ ቃል እግዚአብሔርን፡ ምእንቲ እቲ ዝሓለውዎ ምስክርነት ዝተሓረዱ ነፍሳት "ነቲ ሓምሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ነፍሳት እቶም ስለ ቃል ኣምላኽን ስለቲ ዝነበሮም ምስክርን እተሐርዱ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ርኤኹ።ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ ዎ ቅዱስን ሓቀኛን ጐይታ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኻ ኽሳእ መኣዝ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም፧ እናበሉ ጠርዑ።ንነፍሲ ወከፎም ድማ ጻዕዳ ኽዳን ተዋህቦም፡ እቶም ከማታቶም ኪቕተሉ ዘለዎም ብጾቶም ባሮትን ኣሕዋቶምን ክሳዕ ዚምልኡ ኸኣ፡ ገና ቕሩብ ዘመን ኪዐርፉ ተባህለሎም" ዝብል ቃል ዝሰምዐ ነዚ እዩ።(ራእይ ዮሐ 6፡9-11) ምኽንያቱ ደቂ እግዚአብሔር ዝኾኑ ጻድቃንን ሰማዕታትን፡ ኣብ’ዚ ዓለም ዝነበሩሉን ብናይ ጊዜ መሥርሕ ዝግለጹሉን ዘመን ዝተፈላለየ እኳ እንተኾነ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምልኣት ዝኸውን ግን፡ ብዘመን ቀዲሞም ዝተላዕሉ ይኹኑ ድሒሮም ዝለዓሉ ተጋድሎኦም ፈጺሞም ኪእከቡ ከለዉ ስለ ዝኾነ እዩ። እቶም ዝቐደሙ ሰማዕታት ፍርዲ ቀልጢፉ ኪኸውን እኳ እንተሓተቱ፡ እቲ ናይ’ቲ ኣካል ዋና ዝኾነ ባዕሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ግን፡ ኪሳብ ዕለተ ምጽኣት ዝመጹ ሰማዕታት ባእሉ ስለ ዝፈልጦም፡ ንሳቶም ኪሳብ ዝመጹ ነቶም ዝቐደሙ ምስ መጸናንዒ ኪዕገሡ ከም ዘለዎም ነገሮም።
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘመነ ሥጋዌኡ "ቅዱስ ኣቦይ፡ ነዞም ዝሀብካኒ፡ ከማና ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ብስምካ ሐልዎም"(ዮሐ 17፡11) እዚ ሓድነት እዚ ፍጹም ዝኾነ ሓድነት ከም ዝኾነ ኪነግረና ከሎ ድማ "ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፦ ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፦ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም" ብምባል ተዛረበ።(ዮሐ 17፡22)
እዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ዝግለጽን ብተግባር ንሳተፈሉን፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዝግበር ናይ ሓባር ናይ ጸሎትን ሥርዓተ ኣምልኾን እዩ። እዚ ጸሎት እዚ ድማ ቅዳሴ፡ መስተበቁዕ፡ ሊጦን፡ ማኅሌትን ጸሎተ ፍትሓትን ዝኣመሰለ እዩ። ጸሎተ ቅዳሴ ናይ ኵሎም ጸሎታት ኣኽሊልን ማኀተምን እዩ። ኣብ’ቲ ጸሎትን ኣብ ኣምልኾን ቅዱሳን መላእኽቲ፡ ኣበው ቀደምት ነብያት፡ ሐዋርያት፡ ሰማዕታት፡ ሊቃውንት፡ ጻድቃን ኵሎም እዮም ዝሳተፉ። ናይ ጊዜን ናይ ቦታን ፍልልያት ኵሎም ይጠፍኡ። ኣብ’ኡ ዝኸውንን ዝፈስስን ጸጋ እግዚአብሔር ጊዜ ዘየለ ኪሳብ ዘምስሎ እዩ ዝበጽሕ። ጸሎተ ቅዳሴ "ጸሎተ ቊርባን" ሥጋኡን ደሙን (Communion) ዝበሃለሉ ሓደ ምኽንያት ድማ እዚ እዩ፡ ምስ እግዚአብሔርን ነንሕድሕድናን ሓደ ስለ ዝገብረና።
ናይ’ቲ ኣካል ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ኣብ’ቲ ኣካል ይነግሥ። እግዚአብሔር ናይ ሕያዋን ኣምላኽ እምበር ናይ ምዉታን ኣምላኽ ስለ ዘይኮነ፡ ኣብ’ቶም ኣብ ብሉይ ኪዳን ዚነበሩን ኣብ ሓድሽ ዝነበሩን ሎሚ ኣብ ዘለዉን ናይ ቅዱሳን ኣካላቱ ይነግሥ። ኪሳብ ዕለተ ምጽኣት ዝትንሥኡን ክርስቶስ እናኣመኑ፡ ናይ’ዛ ቤተ ክርስቲያን ኣካላት ዝኾኑ እናተወሰኹን ኣካል ኮይኖም እናተሠርሑን ናይ ቤተ ክርስቲያን ጕዕዞ ይቕጽል። "ኣብኡ ብዘሎ እቲ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዓቢ እዩ። ንስኻትኩምውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኰኑ ሐቢርኩም ትህነጹ አሎኹም" ከም ዝበለ (ኤፌ 2፡21-21)
እዚ መሥርሕን ጉዕዞን "እግዚአብሔር ኵሉ ኣብ ኵሉ" ምስ ኮነ ኪፍጸም እዩ።(1ይ ቆሮ 15፡28) ሽዑ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምልኣትን ክብርን ከምኡ ውን ናይ ኵላዊነታ ትርጉም ብጋህዲ ኪግለጽ እዩ። ሽዑ "ኣምላኽ ንጉሥ ኵላ ምድሪ እዩ እሞ፣ መዝሙር ምስጋና ዘምሩሉ። ኣምላኽ ኣብ ኣህዛብ ነጊሡ፣ ኣምላኽ ኣብታ ቕድስቲ ዝፋኑ ይቕመጥ" ደጊሙ ውን "እግዚኣብሄር ነጊሡ፣ ምድሪ ትተሐጐስ፣ እቶም ብዙሓት ደሴታት ባህ ይበሎም" ከም ዝብል።(መዝ 47፤7-8 ..97፡1)
በቲ ፍሉይ ዝኾነ ጸሎተ ቅዳሴ ሰማያውያን ኃይላት፡ ቅዱሳን መላእኽቲ ናብ እግዚአብሔር ዝኾዱ ብኣካለ ነፍሲ ዘለዉ ቀዳሞት ኣቦታትን ኣዴታትን፡ ከምኡ ውን ስውራን ቅዱሳን ኵላቶም ሓቢሮምና ኪሳተፉ እዮም። እዚ ድማ ነቶም እግዚአብሔር ዝዓደሎም ሓደ ሓደ ቅዱሳን ይግለጸሎም ከም ዝነበረ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ንረኽቦ፡ ሕጂ ውን ዝግለጸሎም ይህልዉ እዮም። ክርስቶስ ምስ ቅዱሳን መላእኽቲ ኰይኑ፡ ናብ መሠውኢ ኪኣቱ ከሎ ዝግለጸሎምን ዝርእይዎን ቅዱሳን ኣለዉ። ከምኡ ውን ስውራን ቅዱሳን ናብ ውሽጢ ኪኣትዉ ከለዉን ካብ’ቲ ምሥጢር (ሥጋኡን ደሙን) ተሳቲፎም ኪኸዱ ከለዉ ዝርእዩ ውን ኔሮም እዮም። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መእተዊ ናይ መቕደስ ኣብ ላዕልን ኣብ ማዕጾን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ምስ ቅዱሳን መላእኽቲን ኮይኑ ዚሠኣል ድማ በዚ ምኽንያት እዩ። ናይ ሥጋ ሞት (ናይ ነፍስን ናይ ሥጋን ምፍልላይ) ነቶም ብምኽንያት ሃይማኖት ብክርስቶስ ሓደ ኣካል ዝኾኑ ምእመናን ሓድነቶም ከጥፍኦ ኣይክእልን እዩ። ብሥጋ ካብ’ዚ ዓለም ምፍላዮም፡ ካብ ናይ ክርስቶስ ኣካልነቶም፡ ካብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነቶም ኪፈልዮም ኣይክእልን እዩ። መድኃኒና ብዘይዕጸፍ ቃሉ "ትንሣኤን ሕይወትን ኣነ እየ፡ እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተሞተ እኳ ብሕይወት ኪነብር እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ብሕይወት ዘሎ’ሞ ብኣይ ዝኣምን ከኣ ንዘለዓለም ኣይኪመውትን እዩ" ኢልና እዩ። (ዮሐ 11፡25-26)
ድሕሪ ሞት ሕይወት ከም ዘሎ ንዝኣምን ሰብ፡ ሓደ ክርስቲያን ኣብ’ዚ ዓለም ከሎ ዝጽልዮ ጸሎት ናብ እግዚአብሔር ይበጽሕ፡ ኮይኑ ግን እቲ ሰብ ምስ ዓረፈን ናብ እግዚአብሔር ምስ ከደን ምስ እግዚአብሔር ምስ ኮነን ጸሎቱ ናብ እግዚአብሔር ኣይበጽሕን እዩ (ፊል 1፡20) ምባል ቅኑዕ ድዩ? ኣብ’ዚ ዓለም’ዚ እንከሎ ካልእ ሰብ ዝጽልየሉ ጸሎት ይበጽሓሉን ይጠቕሞን እዩ ኢሉ ዝኣምን ሰብ፡ ምስ ሞተ ግን እዚ ኣይኮነሉን እዩ ዘብሎ እንታይ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎ? ኣብ ናይ ጥንቲ ዘመን ኣብ ዝነበሩ ናይ ክርስቲያናት መቓብር፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝነበሩሉ ቦታታት፡ ኣብ መቓብሮም ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ከይተረፈ፡ እቶም ክርስቲያናት ንዝሞቱ ወገናቶም ይጽልይሎም ከም ዝነበሩ፡ ከምኡ ውን ጸልዩልና ይብልዎም ከም ዝነበሩ የርእዩና።
ንዝሞቱ ወገናትና ኪንጽሊ ከለና "አዕርፍ እግዚኦ ነፍሰ ገብርከ እገሌ ውስተ ሕፅነ አብርሃም ይስሐቅ ወያዕቆብ" ማለት "ኦ ጐይታ ነፍሲ ባርያኻ እገሌ ኣብ ሑቕፊ ኣብርሃምን ይስሐቅን ያዕቆብን ኣንብረልና" ኢልና ንጽልዮ ድማ በዚ ምኽንያት እዩ። ባዕሉ ጐይታና እቲ ድኻን ብሕማም ዝሳቐ ዚነበረን ኣልኣዛር ምስ ሞተ ኣብ ሑቕፊ ኣበርሃም ከም ዚነበረ ነጊርና እዩ።(ሉቃ 16፡22) እዚ ኪሳብ ዕለተ ምጽኣት ከም ዝቕጽል "ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ብዙሓት ኪመጹ እዮም፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃም ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም" ብምባል ነጊርና እዩ።(ማቴ 8፡10-11)
ምስ’ዚ ኣተሓሒዝና ንዝሞቱ ወገናትና ኪንጽሊ ከለና፡ ነቶም ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣካላት ዝኾኑ፡ ንጽሕተ ንጹሓን ዝኾነት ወላዲተ ኣምላክ ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ሰማያውያን መላእኽቲ፡ ኵሎም ቅዱሳን ኣስማቶም ንፈልጦን ንጽውዕ፡ ንካልኦት ድማ ብልብና ንሓስቦም (ንዝክሮም)። "እለ ጸዋእነ ስሞሙ ወእለ ኢጸዋእነ አስማቲሆሙ፡ ኣስማቶም ዝጸዋዕናዮምን ዘይጸዋዕናዮምን" እናበልና ንዝክሮም። "ብጐይታ ዝሞቱ ሙታን ብጹዓን እዮም። እወ ካብ ድኻፎም ንኽዓርፉ፡ ሥርሖም (ግብሮም) ኪኽተሎም እዩ ኢልካ ጽሓፍ በለኒ" ከም ዝተባህለ፡ እቶም ዝኣመኑ ወገናትና ካብ’ቲ ዝኣመንዎን ዝነበሩሉን ካብ ናይ ክርስቶስ ኣካልነት ዝፈልዮም ዋላ ሓንቲ ነገር የለን። እኳ ድኣ ሓድነቶም ንኽጸንዕ፡ ናብኡ ከዱ እምበር። ስለ ዝኾነ ድማ ንዝዓረፉ ወገናትና ዝግበር ጸሎት፡ ቤተ ክርስቲያን ጊዜን ቦታን ዘይግድባ፡ ኵላዊት ምዃና ዝገልጽ እዩ፡ ናይ ባህሪኣን ናይ እምነታን ኣካል ውን እዩ።
ስለ ዝኾነ ድማ ንዝዓረፉ ወገናትና ንጽልየሉ ምኽንያት፡ ካብ እግዚአብሔር ምሕረት ንኽረኽቡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ነብሱ ኣካል ኪርስዕ ዝኽእል ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ከም ዘየለ፡ ናይ ባዕልና ኣካል ምዝካር ተፎጥሮኣዊ ስለ ዝኾነ ውን እዩ። በዚ ድማ ነቶም ዘዕረፉ ወገናትና ዘለና ፍቕሪ ይግለጽ። ፍቕሪ ናይ ኵሉ ሓድነት ፍጹም ደረጃን መግለጽን እዩ። ከምኡ ውን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ መንፈስ ሓድነት ንምሕላው ኪንገብሮ ዝግብኣና ጌርና ማለት እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ "ናይ መንፈስ ሓድነት ንምሕላው ትግሁ" ከም ዝበለና።(ኤፌ 4፡3) ነዚ ዘይምግባር ወይ ኪትትግብሮ ዘይምድላይ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን መንነት ካብ ዘይምርዳእ ዝምጩ ጌጋ እዩ።
.......... ይቕጽል
No comments:
Post a Comment