bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 27 November 2019

ዜና 4 መጻሕፍቲ


ሰላም ስድራ ክርስቶስ “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” ዝብል ቃል መሪሕ ብምግባር፡ ብረድኤት እግዚአብሔር እዘን ዝስዕባ ኣርባዕተ መጽሓፍቲ ተኃቲመን ቀሪበናልኩም ከም ዘለዋ ኬበሥረኩም እፈቱ /2ይ ጢሞቴዎስ 3: 16-17/። መጽሓፍቲ ከተከፋፍሉ ምስ ትደልዩ ድማ በዚ ዝስዕብ ቴለፎን ደዊልኩም ርኸቡና፦
ዲያቆን ሄኖክ ገብረ ኪዳን 0004915210974237
ሚልዮን መብራህቶም 004915218986222

ትሕዝቶ መጽሓፍ በእንተ ምሥጢረ ሥላሴ

ምዕራፍ 1 ምሥጢረ ሥላሴ 13
1.1 አዕማደ ምሥጢር 13
1/ አዕማድ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ 13
2/ ምሥጢር ማለት ከ እንታይ ማለት እዩ፧ 13
3/ አዕማደ ምሥጢር ዚበሃሉ ክንደይ እዮም፧ መነ መን ከ ይበሃሉ፧ 13
4/ ንምንታይ አዕማድ (ኣዕኑድ) ተባሂሎም፧ 14
5 ንምንታይ ኃሙሽተ ኾይኖም 15
6 አዕማደ ምሥጢር ንምንታይ ምሥጢር ተባሂሎም፧ 16
1.2 ሥላሴ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ 19
1.3 ሥላሴ ዝብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎዶ፧ 20
1.4 ስለ ምንታይ ቅድስት ሥላሴ ብኣንቀጽ ጓል ዝጽውዑ፧ 21
1.5 ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ ሥላሴ ይነግረናዶ፧ 24
1.6 ሥላሴ ኣብ ቤት ኣብርሃም ኣትዮም ድዮም፧ 29
1.6.1 ሥላሴዶ መግቢ ይበልዑ እዮም፧ 35
1.6.2 ድንግል ማርያም ምስ ድንኳን ኣብርሃም 36
1.7 ሓድነትን ሠለስትነትን ሥላሴ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከ ተገሊጹዶ፧ 37
1.8 ሓድነት ሥላሴ ከመይ እዩ 39
1.9 ስለምንታይ ደኣ አጋእዝተ ዓለም ሥላሴ ንብል፧ 44
1.10 ኣብ ሠለስትነት ዘሎ ሓድነት ደኣ ከመይ እዩ፧ 44
1.11 ኅቡራን እንበለ ተሌልዮ እንታይ ማለት እዩ፧ 47
1.12 (אחד Echad) ኢኻድ ዝብል ቃል ዕብራይስጥ ብኸመይ ንተርጒሞ፧ 48
1.12 ሥላሴ ብምንታይ ሠለስተ ይኾኑ፧ 54
1.13 ናይ ሠለስትነት ስሞም እንታይ እዩ፧ 55
1.13.1 ናይ ኣካል ስማት 55
1.15 ናይ ግብሪ ስሞም እንታይ እዩ፧ 60
1.16 ናይ ኩነት ስማቶም እንታይ እዩ፧ 61
1.17 ስም ሓድነቶም እንታይ እዩ፧ 64
1.18 ሥላሴ እንታይ ግብሮም፧ 66
1.13.1 ፊልዩክ እንታይ ማለት እዩ፧ 69
1.14 ናይ ሥላሴ ኣካል ክንደይን ከመይን እዩ፧ 80
1.15 ምሥጢረ ሥላሴ ከረድኡ ዚኽእሉ ምሳሌታት ጥቐስ፧ 87
1.15.1 ምሳሌ (ወዲሰብ) ልቢ ቃልን እስትንፋስን ሰብ 87
1.15.2 ምሳሌ ፀሓይ ክበባ ሙቐታ ብርሃና 90
1.15.3 ምሳሌ እሳት ነበልባሉ ብርሃኑ ሙቐቱ 90
አብትረ ያዕቆብ 91
1.16 ባሕርይ ሥላሴ ከመይ እዩ፧ 93
1.16.1 ሥላሴ ፈጣርያነ ዓለም እዮም 94
1.16.2 ሥላሴ ኵሉ ይፈልጡ 95
ብዘይካ ሥላሴ ኵሉ ናይ ምፍላጥ ባሕርይ ዘለዎ ዝኾነ ይኹን ኣካል የልቦን። 95
1.16.3 ሥላሴ ኵሉ ይኽእሉ 96
1.16.4 ሥላሴ ኣብ ኵሉ ይርከቡ 97
1.16.5 ሥላሴ ወሃብቲ ሕይወት እዮም 98
1.16.6 ሥላሴ ዘለዓለማውያን እዮም 98
1.17 ሥዕሊ ቅድሥት ሥላሴ ምግባር ቅኑዕ ድዩ፧ ትኅዝቶ ወይ ዕላማ ናይቲ ሥዕሊኸ ከመይ እዩ፧ 100
1.18 ኣብ ምሥጢረ ሥላሴ ካብ ዝተንሥኡ መናፍቓን ስመ፤ ናይ ቤተ ክርስቲያን መልሲ ድማ ኣረድእ፧ 110
1.18.1/ ሰባልዮስ 110
1.18.2 ጳውሎስ ሳምሳጢ 112
1.18.3 ኣርዮስ 113
1.18.4 መቅደንዮስ 119
1.18.5 ኣቡሊናርዮስ 123
1.18.6 ተዓቃቢ ዮሓንስ 124
1.18.7/ ናይ እስላም ነቢይ መሓመድ 127
1.18.8/ ናይ ይሆቫ መሰኻኽር ኢና ብሃልቲ 137
ምዕራፍ 2 142
ትምህርቲ ሊቃውንት ኣብ ምሥጢረ ሥላሴ 142
2.1 ምሥጢረ ሥላሴ ቅድሚ ጉባኤ ኒቅያ ዝነበሩ ኣቦታት ምሂሮምዎዶ፧ 143
2.2 ምሥጢረ ሥላሴ ኣብ መጽሓፈ ቀለሜንጦስ 147
2.3 ምሥጢረ ሥላሴ ኣብ ቅዳሴ ማርያም 149
ምዕራፍ ሠለስተ 156
ብዓላት ቅድስት ሥላሴ 156
3.1 ፯ (7) ጥሪ ብዓል ቅድስት ሥላሴ 156
3.2 ፯/7 ሓምለ ቅድስት ሥላሴ ናብ ቤት ኣብርሃም ዝኣተዉሉ ዕለት 161
ምዕራፍ 4 168
ካብ ሥላሴ እንታይ ንምሃር፧ 168
4.1 ፍቕሪ 168
4.2 ሓድነት 178
4.3 ትሕትና 183

2/ ትሕዝቶ መጽሓፍ በእንተ ምሥጢረ ሥጋዌ

ምዕራፍ 1 ምሥጢረ ሥጋዌ 10
1.1 ምሥጢረ ሥጋዌ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ 10
1.2 ኣምላኽ ስለ ምንታይ ሰብ ኮነ፧ 11
1.2.1 ንኣርኣያነት 14
1.2.2 ግብሪ ዲያብሎስ ንኸፍርስ 15
1.2.3 ጣዖት ኣጥፊኡ ሓቀኛ ኣምላኽነቱ ብምግላጽ ንሰባት ናብ እምነት ንምስሓብ 18
1.3 ኣምላኽ ሰብ ኮይኑ ከም ዝመጽእ ንኣዳም ነጊሩዎዶ ነይሩ፧ 20
1.4 ሰብ ኮይኑ ከም ዝመጽእ ዝተነግረ ትንቢት ኣሎ ዶ፧ 23
1.5 ኣምላኽ ሰብ ኮይኑ ከም ዝመጽእ ብኻልእ ምሳሌ ኸ ኣረዲኡዶ ነይሩ፧ 28
1.5.1 ካህን መልከጸዴቅ 29
ካህን መልከጼዴቅ ብምንታይ እዩ ንክርስቶስ ዚመስሎ፧ 30
1.5.2 ይስሐቅ 34
1.5.3 ሊቀ ነብያት ቅዱስ ሙሴ 36
1.5.4 “ዲኖ ደበሎ” /ዘፍ 3:21/ 39
1.5.5 እተሓርደ ገንሸል ፈሲካ /ዘፀ 12/ 40
1.5.6 ዚተሰቕለ ተመን ነሓሲ ዘኁ 21፡9 ዮሐ 3፡16 44
1.5.7 ዕንጨይቲ ኤልሳዕ 49
ምዕራፍ 2 ብሥራትን ልደትን 52
2.1ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ከመይ ነበረ፧ 52
2.1.1 ብሳድሳይ ወርኂ እንታይ ማለት እዩ፧ 52
2.1.2 ስለ ምንታይ ቅዱስ ገብርኤል ንድንግል ማርያም ንኸበሥራ ካብ ኵሎም መላእኽቲ ተመሪጹ፧ 53
2.1.3 ስለ ምንታይ ከ ካብ ኵለን ኣንስቲ ንድንግል ማርያም መረጸ፧ 54
2.1.3.1 ንሳ ንበይና ጥራይ ካብ ኵሉ ኃጢኣት ዝነጽሐት ስለ ዝነበረት 57
2.1.3.2 ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስዶ ጠኒሳቶ፧ 81
2.1.3.3 ልደት ብኅቱም ድንግልና ወሊዳቶ 85
ትርጉም ናይ’ዚ “ኃው፡ ኣኅዋት” ዝብል ቃል 94
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ማርያም ብዝብል ስም ዝተጠቕሳ ሸሞንተ ኣንስቲ 95
ማርያም ኣደ ያዕቆብን ዮሳን ስምኦንን ይሁዳን መን እያ፧ 96
2.1.3.4 ንድንግል ማርያም ናይ ሓራስነት ግብሪ ረኺቡዋዶ፧ 105
2.2 ድንግል ንሠለስተ ኣካላት ሥላሴ ድያ ወሊዳ፧ 107
2.3 ልደት ጐይታና ብቅዱስ ዮሓንስስ አፈወርቅ 108
ኣብ 8ይ መዓልቲ ናብ ቤተ ግዝረት ከም ዝኣተወ 110
ኣብ 40 መዓልቱ ናብ ቤት መቕደስ ከም ዝኣተወ 111
ስደት ናብ ግብጺ 114
ምዕራፍ 3 ንመናፍቓን ዚተዋህበ መልሲ 119
3.1 ኣብ ምሥጢረ ሥጋዌ ዚተላዕሉ መናፍቓን ኣለዉ ዶ፧ 119
ኣርዮስ 119
3.1.1 ‘’እግዚአብሔር ካብ ፍጥረት ኵሉ ኣቐዲሙ ፈጠረኒ፡ ዓለም ምድሪ ኵሉ ከይተፈጥረ ኣቐዲመ ተወለድኩ’’ ምሳ 8፡22። ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ 123
3.1.2 ኣቦይ ካባይ ይዓቢ ማለት ከ እንታይ ማለት እዩ፧/ዮሓ 14፡28/ 128
3.1.3 “ኣምላኽ ነዚ ኢየሱስ እዚ ኣተንሢኡዎ” ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ /ግብ.ሓዋ 2:32/ 130
3.1.4 ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ ሕያዋይ የልቦን /ሉቃ 18፡19/ 132
1/ ክርስቶስ ሕያዋይ ድዩ ኣይኮነን፧ 132
3.1.5 ኵሉ ዘይፈልጥ ኣምላኽ 138
3.1.6 ካብ ርእሱ ዋላ ሓንቲ ዘይገብር ኣምላኽ 143
3.1.7 ንምንታይ እዩ ኣምላኸይ ኣምላኸይ ዝበለ፧ 145
3.1.8 ርእሲ ክርስቶስ ኣምላኽ እንታይ ማለት እዩ፧ 150
3.1.9 እዛ ጽዋዕ ካባይ ትኅለፍ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ 152
3.1.10 ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እንታይ ማለት እዩ፧ 160
3.1.11 ትርጒም ቃል ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ 1ይ ቆሮ 15፡25-28/ እንታይ ኮን ይኸውን፧ 162
3.1.12 ኣብ ክንዲ ሰላም ሰይፊ ዘምጽእ ኣምላኽ 168
3.1.13 ሓዊ ክድርቢ ዝመጸ ኣምላኽ 174
3.1.14 ማሕረድቲ ዝእዝዝ ኣምላኽ 176
ኣምላኽነት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ 183
ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ እዩ 183
ናይ ኣማልኽቲ ኣምላኽ 186
ኢየሱስ ጐይታ እዩ 188
ኢየሱስ ጐይታ ጐይቶት እዩ 188
ኢየሱስ ቀዳማይን ዳኅራይን እዩ 189
ጥምቀት ብስም ኢየሱስ 190
ኢየሱስ በይኑ ተኣምራት ዝገብር ኣምላኽ እዩ 190
ኢየሱስ ኵሉ ፍጥረት ዝሰግደሉ ኣምላኽ እዩ 191
ኢየሱስ ንኹሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ 193
ኢየሱስ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ 194
ኢየሱስ ኃጢኣት ይቕረ ዝብል ኣምላኽ 195
ኢየሱስ ሕጊ ዚሠርዕ ኣምላኽ እዩ 197
3.2 ናይ ኣቡሊናርዮስ ክሕደት እንታይ ነይሩ፧ መልሲ ቤተ ክርስቲያን ከ፧ 198
3.2.1 ትርጒም ነፍሲ ዝብል ቃል ከመይ እዩ 199
3.3 ክሕደት ንስጥሮስ እንታይ እዩ፧ መልሲ ቤተ ክርስቲያን ከ፧ 201
3.3.1 ባሕርይ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ 205
3.3.2 ኣካል ማለት ከ እንታይ ማለት እዩ፧ 205
3.3.3 ኣብ ክርስቶስ ክንደይ ኣካል ክንደይ ባሕርይ ኣሎ ንብል፧ 206
ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ (ማቴ 12፡8) 208
ንወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ኃጢአት ኪኃድግ ሥልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኪትፈልጡ (ማቴ 9፡6) 208
“ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳኅራይን እቲ ሕያውን እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ሞይተውን ነበርኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንዘለዓለም ዓለም ሕያው እየ” /ራእ 1፡18/ 210
ድኅሪ ሕጂ ግና ወዲ ሰብ ኣብ የማን ኃይሊ ተቐሚጡ ብደመና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኪትርእዩ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ(ማቴ 26፡63-65 ግ.ሓ 7፡57) 211
3.3.4 ድንግል ማርያም ወላዲት ኣምላኽ ድያ፧ 214
ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላክ 215
3.4 ነገረ ተዋሕዶ ከመይ እዩ? 217
3.4.3 ተዋሕዶ እንበለ ቱሳሔ (ብዘይ ምትሕውዋስ) 220
3.4.5.3 ውህደት ነፍስን ሥጋን 222
ምዕራፍ 4 ሕማማተ ክርስቶስ 224
4.1 ሕማማተ ክርስቶስ እንታይ ማለት እዩ፧ 224
4.2 ዕለተ ዓርቢ ብቅዱስ ኣትናቴዎስ 230
4.3 ሕማማተ መስቀል ክንደይ እዮም ጥቐሶም፧ 232
4.4 ኃሙሽተ ቅንዋት ዝብሃሉ መነ መን እዮም፧ 234
4.5 ክርስቶስ ዚገበሮም ተኣምራት ከ፧ 243
4.6 ናይ ክርስቶስ ሞት እንታይ ይመስል፧ 244
4.6.1 ብፍታዉን ብፍቓዱን ዝሞቶ ሞት እዩ 245
4.6.2 ክርስቶስ ብተዋሕዶ ዝሞቶ ሞት 246
4.7 ትንሣኤ ክርስቶስ 253
4.7.1 ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን፦ 254
4.7.2 ንክርስቶስ ኣምላኽ ኣተንሢኡዎ እንታይ ማለት እዩ፧ 256
4.7.3 ድኅሪ ትንሥኤ እንጌራ ዝበልዐ ኣምላኽ! 257
4.7.4 በዂሪ ምዉታት ድዩ 258
4.8 ዕርገተ ክርስቶስ 260
ዕርገት ክርስቶስ ምስ ዕርገት ቅዱሳን 262
4.9 ኣማላድነት ማለት እንታይ ማለት እዩ 264
4.9.1 መማለዲ ማለት እንታይ ማለት እዩ 267
4.9.2 ክርስቶስ ኣማሊዱ ዶ፧ 268
4.9.3 ክርስቶስ የማልድ ድዩ፧ 274
ክርስቶስ ኣማላዲ እንተ ኾይኑ፦ 275
4.9.3.1 ትርጉም ምእንታና ዚልምን /ሮሜ 8፡34/ 277
4.93.2 ትርጉም /ኪማልድ ዝነብር ዕብ 7፡25/ 280
4.9.3.3 ትርጉም ጠበቓ /1ይ ዮሓ 2፡1/ 285
4.9.3.4 ትርጉም “መንጎኛ (ማእከላይ)” /1ይ ጢሞ 2፡5/ 288
4.9.3.5 ትርጉም “መገዲ” ዮሓ 14፡6 293
4.10 ዳግማይ ምጽኣቱ ከመይ እዩ፧ 295

ትሕዝቶ ናይተን ዝተረፋ 2 መጽሓፍቲ ጽባሕ ከስዕበልኩም እየ
ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ እዓዪ ኣሎ ኣነውን እዓዪ ኣለኹ /ዮሓ 5፡17/

No comments:

Post a Comment