bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Tuesday 9 May 2017

ትርጕም ናይ ጥንተ ኣብሶ 1ይ ክፋል

1.  ጥንተ መርገም ንምርዳእ ጥንተ ነፍሲ (ናይ ነፍሲ ባሕርይ) ምፍላጥ!
ሰብ ማለት “ተሰብአ” (ብ ጠቢቑ ይነበብ) ሾብዓተ ኮነ ካብ ዝብል ናይ ግሲ ዝወፀ ስም እዩ። ምሥጢራዊ ትርጉሙ “ሾብዓተ ባህርያት ዝኃዘ” ማለት እዩ ብምባል ሊቃውንት ይትርጉምዎ።(ኣክሲማሮስ ዘዓርብ ገጽ 151) ሾብዓተ ባህርያት ዝተባህሉ ድማ፥ ናይ ሥጋ ኣርባዕተ ባህርያት ማለት፥ማይ መሬት ንፋስ ሓዊ ከምኡ ድማ ናይ ነፍሲ ሠለስተ ባህርያት ማለት፥ ነባቢት (ትዛረብ) ሕያዊት (ዘለዓለማዊት) ለባዊት (ትሓስብ) እዮም። ሰብ ካብ ካልእኦት ግዑዛንን ደመ ነፍሳውያን ፍጥረታት ዝፍለ ድማ በዞም ናይ ነፍሲ ባህርያት እዩ። ብዘይካ ሰብ ቋንቋ ዘለዎ፡ ብዕምቆት ዝሓስብ ሕያው ፍጥረት ኣብ ልዕሊ መሬት የልቦን። ናይ ኃጢኣትን ጽድቅን ምኽንያታት ድማ ካብ ምሕሳብን ካብ ምዝራብን፡ ዝሓስብካዮ ካብ ምትግባር ወይ ዘይምትግባር እዮም ዝምንጭዉ። ንሰብ እዚ ዅሉ እዚ ዝኾነሉ ብሥጋዊ ባህርይ ዘይኮነ ብረቂቕ ነፍሲ እዩ። ሥጋ ግና ናይ ነፍሲ መሣርሒ ኮይኑ ምግልጋል ጥራይ እዩ። ሥጋ ሓሳብ ዘመንጩ ዘይኮነስ ፈጻሚ ሓሳብ እዩ።

 እዚ ካብ ኮነ ናይ ነፍሲ ኣፈጣጥራ ከመይ እዩ? ነፍስን ሥጋን ተዋሓሒዶም “ንሰብ” ሰብ ዘብልዎ ኸ መኣስ እዩ? ዝብሉ ሕቶታት ምርኣይ ግድን ይኸውን። ናይ ወሊድ መቆጻጸሪ መንገድታትን ጥንሲ ምቁራጽን ብሃይማኖታዊ መገዲ ንምውሳን ውን ናይ ነፍሲ ኣፈጣጥራ ምፍላጥ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ብዛዕባ ብዘይ ሥጋዊ ርክብ ዘርኢ ምፍሳስ ዝምልከት ዝለዓሉ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ ውን ናይ ነፍሲ ኣፈጣጥራ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ይኹን እምበር ናተይ ኣተኩሮ “ኣብ ጥንተ ኣብሶ” ጥራይ ዘተኮረ ስለ ዝኾነ፡ ዕላማይ ናይ ነፍሲ ኣፈጣጥራ ውን ምስዚ ኣርእስቲ ብዝተኣሳሰር ጥራይ  ንምርኣይ እዩ።

1.1 ኣባ መልከጼዴቅ፥ “ከም ሥጋና ነፍስና ውን ካብ ናይ ኣቦን ኣደን ዘርኢ እያ ትርከብ”

1.1.1   ኣባ መልከጼዴቅ፥ካብ ዝጸሓፍዎም መጻሕፍቲ ሓደ ብ1994 ዓ/ም ኣሜሪካ ድኅሪ ምኻዶም ዝጸሓፍዎ “የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን እምነትና ትምህርት” ዝብል መጽሓፍ ይጥቀስ። ኣብ’ዚ መጽሓፍ’ዚ ካብ ገጽ 131-141 ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ወዲ ሰብ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዓባ ኣፈጣጥራ ነፍሲ ስፍሕ ዝበለን ዝዓሞቐን ትንታነ የቕርቡ። ከም ናቶም ኣበሃህላ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ናይ ነፍሲ 3 ዓይነት ኣመለኻኽታ የርእዩ።

1ይ. “ነፍሲ ኣቐዲማ ዝነበረት እያ፡ መዝገበ ነፍሳት (ናይ ነፍሳት ግምጃ ቤት፥ware house of souls)  ኣሎ፡ ኣብኡ ትነብር። ሓደ ሰብ ኪውለድ ከሎ ግና ሓንቲ ነፍሲ ትወሃቦ” ዝብል እዩ ።

2ይ. “ነፍሲ በብጊዜኡ ትፍጠር፥ ሓደ ሰብ ኪውለድ ከሎ ሓዳስ ነፍሲ ትፍጠረሉ” ዝብል እዩ።

3ይ. ንሳቶም ኦርቶዶክሳዊ ኢሎም ንኽንክተሎ ዝመኽሩና ድማ “ነፍሲ ሓደ ጊዜ ዝተፈጥረት ኣብ ሥጋ ድማ ዝኃደረት እያ። ነፍሲ ሓደ ጊዜ እያ ተፈጢራ ብድኅሪኡ ግና ትራባሕ ትባዛኅ ደኣ እምበር፡ ኣቐዲማ ተፈጢራ ዝጸንሐት ድኃር ኣብ ሥጋ ትኃድር ኣይኮነትን። ምስ ሥጋ ከም ሥጋ ትራባሕ።ከም ሥጋና ነፍስና ውን ካብ ዘርኢ ናይ ኣቦን ኣደን ትርከብ” ዝብል እዩ።(ኣባ መልከጼዴቅ ገጽ 135)

1.1.2   ናይ ነፍሲ ናይ ዕቤትን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ምምኅልላፍን ኩነታት ብኣብነት ከብርሁ ከለዉ ድማ “ገረብ ፍሬኡ ወሲዶም ምስ ዝተኽልዎ ልክዕ ከምቲ ናይ መጀመርታ ገረብ መሲሉ ከም ዝርከብ፡ ነፍስን ሥጋን ድማ ብሓደ ጊዜ ካብ ኣቦን ካብ ኣደን ብዝኸደ ዘርኢ ኃቢሮም ይኸዱ። ብድኅርዚ ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብ (ንኣዳም) መሲሉ ሥጋ ቅርጹ ኂዙ ኣካል ፈልዩ ሰብ ኮይኑ ምስ ተረኽበ፡ ነፍሱ ውን ኃቢራ ትዓቢ ማለት፥ ፍልጠቱ ይኽዕብት ኣእምሮኡ ይሰፍሕ። በዚ ድማ እዩ “ጥንታዊ በደል ካብ ኣቦኡን ኣዲኡን ብዘርኢ ይወርስ” ዝበሃል ። ናይ ኃጢኣት (ቁራኝነት) ምስ ነፍሱ ኃቢሩ ስለ ዝወርድ” ይብሉና።(ዝኒ ከማሁ ገጽ 135)

ኣባ መልከጼዴቅ፥”ነፍሲ ኣቐዲማ ኣብ መዝገበ ነፍሳት ነበረት” ዝብል ኣመለኻኽታ ኵሉ ፍጡር ኣብ ትሕቲ ጽላሎት ዘመን ጊዜ ተሰፊሩ ተቖጺርሉን ስለ ዝተፈጥረ፡ “ኣቐዲሙ ተፈጥረ” ዝበሃል ፍጥረት የልቦን ብምባል ይምጉቱ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዚጥነሰሉ (ዚውለደሉ) ጊዜ ሓድሽ ነፍሲ ይፍጠረሉ” ዝብል ኣመለኻኽታ ድማ “እግዚአብሔር ኵሉ ጊዜ ዝፈጥርን ፍጥረት ኣብ 6 መዓልቲ ተቓሊሉ ከም ዘይተወድአን ዘምስል እዩ” ብምባል ይነቕፍዎ።፥ “ወፈጸመ እግዚአብሔር ግብሮ ዘገብረ” ትብል ኣብ ዘፍጥረት 2፡2 ዘላ ጥቕሲ ድማ ይጠቕሱ።

1.1.3   ምስ ናይ ኣባ መልከጼዴቅ ኣበሃህላ ዝሰማምዑ ናይ መጻሕቲ ትርጓሜ ድማ ንመልከት። ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ምዕራፍ 2:7 “ወነፍሐ በገጹ መንፈሰ ሕይወት፡ ወኮነ ዕጓለ እመ ሕያው በመንፈሰ ሕይወት” ኣብ ኣፍንጭኡ ድማ ትንፋስ ሕይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ሕያው ነፍሲ ኮነ” ብዝብል ኣዳም ሕይወት (ነፍሲ) ዝረኸበሉ መገዲ ብሊቃውንት ግልጺ ኮይኑ ተተርጕሙ እዩ። ነዚ ቃል እዚ ኣንድምታ ኣስፍሕ ኣቢሉ ብሓተታ ከብርሆ ኸሎ “ነፍሐ ገጹ (ኡፍ ኢሉ ነፍሲ ብንፍሓት/ብኡፍታ ኣኅደረሉ) ማለት ከም’ዚ ሓደ ሰብ ቅድም ቆፎ ሠሪሑ ድኃር እኽሊ ዘቐምጥሉ፡ መጀመርታ ሥጋ ፈጢሩ ድኃር ነፍሲ ኣምጺኡ ኣኅደረሉ ማለት ኣይኮነን። ሥጋ ካብ 4 ባህርያት ነፍሲ ድማ እምሃበ ኣልቦ (ካብ ዘይምምባር/ out of nothing) ኣምጺኡ ኪፈጥር ከወሓሕድ ከሎ ብሓደ ጊዜ እዩ። ናይ ነፍስን ሥጋን ተዋሕዶ በተዐቅቦ (ነናይ ባዕሎም ተፈጥሮኣዊ ባህርይ ከይገደፉ፡ እቲ ሓደ በቲ ሓደ ከይተዋሕጠ ብምሕሓድ) ስለ ዝኾነ፡ ነፍሐ በገጹ (ነፍሲ ብንፍሓት ኣኅደረሉ) በለ እምበር” ይብል። (የመጻሕተ ብሉያት ክልኤቱ ኣንድምታ 1፡22)። እዚ ትርጓሜ ብግሉጽ ከም ዘቐመጦ ሥጋ ካብ 4 ባህርያት ነፍሲ ድማ ካብ 3 ባህርያት መጺኣ ዝተወሓሓዱሉ ቅጽበት ብሓደ ጊዜ እዩ። ብኣዘራርባ ናይ ሥጋን ነፍስን ተፈጥሮ ምቅድዳም ዘለዎ ምምሳሉ፡ ምንጮም (ዝመጽሉ መገዲ) ንምዝራብ ኣብ ዝተገብረ ዝተኸሰተ ደኣ እምበር ናይ ኣዳም ሥጋን ነፍስን ተፈጥሮን ውሕደትን ብሓደ ጊዜ እዩ።(ዝኒ ከማሁ ገጽ 122)

1.1.4   ብዛዕባ ናይ ሔዋን ተፈጥሮ ኪንገር ከሎ ውን ካብ ጐድኒ ኣዳም ተፋጢራ ካብ ምባል ኃሊፉ፡ ንኣኣ ተባሂላ ሓዳሰ ነፍሲ ከም ዝተፈጥረት ወይ ካብ መዝገበ ነፍሳት መጺኣ ኣብቲ ካብ ኣዳም ዝተወሰደ ሥጋ ናይ ዋን ምኅዳራ ኣብ ዘፍ 2፡22 ዘይተጻሕፈልና “ነፍሲ ውን ከም ሥጋ ካብ ዝተረኽበትሉ ኣካል እናተኸፍለት ስለ ትኸይድ፡ ናይ ሔዋን ነፍሲ ድማ ምስቲ ካብ ኣዳም ዝተኸፍለ ሥጋ ኃቢራ ከም ዝተኸፍለት ርዱእ ስለ ዝኾነ እዩ” ብምባል ናይ ኣባ መልከጼዴቅ መከራኸሪ ኣጥቢቕካ ምኃዝ ይከኣል እዩ። ብዘይካ ኣዳም እግዚአብሔር ኡፍ ኢሉ ነፍሲ ኣብ ሥጋኡ ዘወሓሓደሉ ካልእ ሰብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘየለ፡ ኵለን ነፍሳት ካብ ኣዳም እየን ተኸፊለን እንተበልና ሓቅና ኣለና። ነፍሲ ካብ ሥጋ ከይፈለየን ከየቀዳደመን “ብዝኁ ተባዝኁ” እዩ ዝበለ።

 ኣክሲማሮስ ብዛዕባ ናይ ኣዳም ሥጋን ነፍስን ኣፈጣጥራ ኪዛረብ ከሎ “ኣዳም ኣብ ኣካለ ሥጋኡን ኣካለ ነፍሱን ምቅድዳም ኣለዎ ድዩ? እንተበልና የብሉን። ብኣካለ ሥጋኡን ኣካለ ነፍሱን ምቅድዳም እንተዝህልዎ፡ ንግበር ሥጋ (ሥጋ ንፍጠር) ወንግበር ነፍስ (ነፍሲ ውን ንፍጠር) ምበሉ ነይሮም” ብምባል ናይ ነፍስን ሥጋን ኣፈጣጥራ ብሓንሳብ ኣብ ተመሳሳሊ ቅጽበት ዝተፈጸመ ከም ዝኾነ ይነግረና።(ኣክሲማሮስ ገጽ 150)

ሔዋንውን ከምኡ ካብ ናይ ኣዳም ሥጋን ዓጽምን ነፍስን ተኻፊላ ከም ዝተፈጥረት ይገልጽ።(ዝኒ ከማሁ ገጽ 181)

ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ኣብ ናይ ጌና ስብከት ምንባብ ቁጽሪ 24 “ንኵሉ ሓድሽ ጥንሲ  ሓዳስ ነፍሲ ትፍጥረሉ” ዝብል ናይ ካቶሊካውያን ኣበሃህላ ኪነቅፍ ከሎ “ብድጋሜ ኣብ ናይ ኣዳም ኣካል ከም ዝኾነ ኣብ ውሽጢ ናይ ሕፃናት ኣካል ካብ እስትንፋስ እግዚአብሔር ኡፍታ ናይ ሕይወት እስትንፋስ ከም ዝግበር ዝዛረቡ ኣለዉ። ንሕና ግና ናይ ሥጋን ነፍስን ምውፃእ ካብ ሕቖ ሰብኣይ ዘርኢ ወፂኡ ኣብ ናይ ሰበይቲ ማኅፀን ይጥነስ፡ ካብኣ ድማ ብትእዛዝ እግዚአብሔር ብዝኾነ  ናይ ወድን ናይ ጓልን ፍቓድ ናይ ጠባይ ምትሕውዋስ ይኸውን። ውዲ ይኹን ወይስ ጓል ድማ ይሰኣል/ናይ ሕዋሳት/ናይ ኣካላት ሰብነት የውፅእንብል ዘፍ 2፡7” ይብል።

1.1.5   ኣባ ጊዮርጊስ ናይ ፋሲካ ናይ ረቡዕ ምንባብ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኪበሃላ ይከኣል፡ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ነፍሲ ንምትራኽ እዩ ኣውዒልዎ። እቲ ምንባብ “ንሕጻን ካብ እቦኡን ካብ ኣዲኡን ባሕርይ ዝወሃቦ ናይ ሕይወት እስትንፋስ ዝኽሕዱ፡ ድኅሪ ሥጋዊ ርክብ ኣብ 40 መዓልቲ እግዚአብሔር ኣብ ገጽ እቲ ኅፃን ናይ ሕይወት እስትንፋስ ኡፍ ይብለሉ፡ ብኢድ እግዚአብሔር ድማ ይፍጠር ንዝብሉ ሰባት ተግሳጽ ኪንዛረብ” ብምባል ይጅምር (መጽሓፈ ምሥጢር ገጽ 237)

ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ነፍሲ መግለጺኡ ኪቕጽል ከሎ ድማ “ናይ ወዲ ባህርይ (ዘርኢ) ካብኣ (ካብ ናይ ሰበይቲ) ናይ መዋለዲ ዘርኢ ተሓዋዊሱ፡ ኣብ ማኅፀን ናይታ ሰበይቲ ብዝጥነስ ናይ ዘርኢ ንጣብ ይፈስስ። ብፍቓድ እግዚአብሔር ድማ ኅፃን ይኸውን። ከም ናይ ሔዋን ብምሥራሕ ኣይኮነን። ከም ኣዳም ብናይ ሕይወት እስትንፋስ ኡፍ ብምባልውን ኣይኮነን።”(ዝኒ ከማሁ ገጽ 239)

ኣባ ጊዮርጊስ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ሰብ 3 መንገድታት ከም ዘለዉ እዩ ዝነግረና።
ኣዳም ብንፍሓት
ሔዋን ብዘይ ኣደ ብምሥራሕ ኪትከውን ከላ ነፍሳን ዓጽማን ካብ ኣዳም ተኸፊሉ ተዋሂብዋ።
ናይ ቃኤል ሥጋን ነፍስን ድማ ብተኸፍሎ እዩ። ከም ናይ ኣዳም ምፍጣር ከም ናይ ሔዋን ድማ ምሥራሕ የብሉን። ብናይ ኣባ ጊዮርጊስ ቃል “ ናይ ሕይወት እስትንፋስ ምቕባል ኣብ ኣዴና ሔዋን እዩ ተቛሪጹ። ምኽንያቱ ናይ ኣዳም ሓንቲ ጊዜ ናይ ሕይወት እስትንፋስ ምቕባል ንዅሉ ስለ ዝኣኸለ። ንኽትውለድ ኣደ ስለ ዘይብላ ግና ብኢዱ ተሠርሐት። ኣብ ቃኤል ግና ብኢድ ምሥራሕን፡ ናይ ሕይወት እስትንፋስ ካብ እግዚአብሔር ምቕባልን ኣቋሪጹ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ኣቡኡን ኣዲኡን ናይ ሕይወት እስትንፋስ ስለ ዝኣኸሎ” ይብለና ኢትዮጰያዊ ናይ ነገረ መለኮት ሊቅ (ዝኒ ከማሁ)። ኣባ ጊዮርጊስ ነዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ዘይተቐበሉ ሰባት ይዝልፎም እዩ፡ እንተኾነ ግና ኣብ ልዕሊ ስላሴ ክፉእ ነገር ስለ ዘይተዛረቡ ኣይረግሞምን እየ” ይብል (ዝኒ ከማሁ ገጽ 244)።

1.1.6   ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ትውፊት ናይ ትርጓሜ መጻሕፍን ኣዋልድ መጻሕትን ምስ ነንብብ ድማ፡ ናይ ጐይታና ካብ እመቤትና ሰብ ከም ዝኾነ ዝግለጸሉ ቃል “ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሰደ” ዝብል እዩ። ንመረጋገጺ ካብ ሃይማኖተ ኣበው ቁሩብ ንባባት ኪንጥቅስ ኢና።

ቅዱስ ኣትናቴዎስ “ካብ እመቤትና ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም>>>> ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ሰብ ከም ዝኾነ ንኣምን” ይብል።(ሃይማኖተ ኣበው ዘአትናቴዎስ ገጽ 76፡79-85)

ቅዱስ ባስልዮስ ዘቂሳርያ ብተመሳሳሊ ብዛዕባ ናይ ጐይታና ሰብ ምዃን ክነግር ከሎ “ካብኣ ሥጋን ነፍስን ወሲዱ ሰብ ከም ዝኾነ ንኣምን” ብምባል ኣብ ውሽጢ ማህጸን ኣካል ናይቲ ጥንሲ ብኣጻብዕቲ መንፈስ ቅዱስ ክቕረጽ (ኪሥራሕ) ከሎ ብተመሳሳሊ  ቅጽበት ነፍሲ ውን ኃቢራ ከም ዝተቐረጸት (ከም ዝተሠርሐት) የረድእ።(ሃይማኖተ ኣበው ገጽ 421)

ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ውን “>>>ካብ ድንግል ትዛረብን ፍልጠት ዘለዋን (ትሓስብ) ነፍሲ ዘላቶ ሥጋ ወሰደ” ይብል።(መጽሓፈ ቅዳሴ ዘዮሐንስ ኣፈወርቅ ገጽ 240)

ኣብ ትርጉም ናይ ውዳሴ ማርያም “ተሰብአ ተሰገወ ኮነ ሰብአ፡ ኣማኑኤል ኀደረ ላዕሌነ” ዝብሉ ቃላት ኣብ ዝትርጉምሉ ኣጋጣሚታት፡ ጐይታና ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ጥራይ ዘይኮነ ነፍሲ ውን ከም ዝወሰደ ተተርጉሙ ኣሎ።(ውዳሴ ማርያም ንባቡና ትርጓሜው ገጽ 19፡ 70፡72፡76፡100፡105)
ኣብ ትርጓሜ ወንጌል ውን ተመሳሳሊ እዩ። ንኣብነት ትርጓሜ ወንጌል ዮሐንስ 1፡14 “ወውእቱ ቃል ሥጋ ኮነ ወኀደረ ላዕሌነ” ናይ ዝብል  ንባብ ኣንድምታ ኪንርኢ ንኽእል ኢና።(ወንጌል ቅዱስ ንባቡና ትርጓሜው ገጽ 452)

ከምኡ ውን ኣብ ኣንድምታ ግብረ ሐዋርያት ምዕራፍ 17፡25 “ወውእቱ ይሁብ ለኵሉ ሰብእ ነፍስ ወሕይወተ ኵሎ ገብረ ኁቡረ” ዝብል ቃል “ንዅሉ ሰብ ደመ ነፍስን ነባቢት ነፍስን ዝፈጠረ ሥጋን ነፍስን ኣወሓሒዱ ዝፈጠረ” ብምባል ናይ ነፍስን ሥጋን ኣፈጣጥራ ምቅድዳም ዘይብሉ ብተዋሕዶ (ነፍስን ሥጋን ብሓንሳብ) ዝተፈጸመ ናይ ጐይታ ሥራሕ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ኵሉ መጻሕፍቲ ጐይታና ሰብ ኪኸውን ከሎ፡ ነፍስን ሥጋን ካብ ናይ እመቤትና ሰብነት ከም ዝወሰደ ብግልጺ ተቐሚጡ ኣሎ። “ሓድሽ ነፍሲ እምሃበ ኣልቦ ኣምጺኡ ንእኡ ፈጢሩ ወይ ካብ መዝገበ ነፍሳት ብጽሒቱ ዝኾነት ነፍሲ ወሲዱ” ዝብል ኣብ ዋላ ሓደ የልቦን። ነዚ ሓሳብ እዚ ብምጽናዕ መልአከ ብርሃን ኣድማሱ ጀንበሬ ናይ ጐይታ ሥጋን ነፍስን ካብ እመቤትና ምውሳዱ ምስ ናይ ነፍሲ ኣፈጣጥራ ጌሮም ጽቡቕ ጌሮም ኣቕሪቦምዎ ኣለዉ።(መድሎተ ኣሚን ገጽ 226-229)

1.1.7   ብኣጠቓላሊ ናይ ኣባ መልከጼዴቅ መርገጺ “ነፍሲ ምስ ሥጋ ኣዳም ኪፍጠር ከሎ ብናይ እግዚአብሔር ኡፍታ (ብንፍሓት) ተፈጥረት። ብድኅርዚ ሰብ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ብሥጋዊ ርክብ እናበዝኀን እናተባዝሐን ኪኸይድ ከሎ፡ ነፍሲ ድማ ከምኡ ካብ ናይ ኣቦ ዘርኢን ካብ ናይ ኣደ ደምን እናተኸፍለት ሥጋ (ጥንሲ) ኪፍጠር ከሎ ሓቢራ ካብ ኣብራኽ ወላዲ እናተኸፍለት ምስ ሥጋ ብተዋህዶ ኮይና እንተኾነ ግና ናይ ነፍሲ ባህርይኣ ከይገደፈት፡ ብናይ ሥጋ ባሕርይ ከይተዋሕጠት (በተዓቅቦ) ትራባሕ” ዝብል እዩ እንተበልና ሓሳባቶም ምጥቕላል ከም ዝከኣል ይመስለኒ። ምስ ናይ ኣባ መልከጼዴቅ ዝቀራረብ ናይ (ፈረንጂ) ትምህርቲ ካብ ዌብሳይት ክርእይ ዝደሊ “ብዛዕባ ተዋህዶ ሥጋን ነፍስን” (Ensoulment) ዝብል ቃል ንጎግል ብምሃብ እዞም ዝስዕቡ ኪመጹልና ይኽእሉ፥

1ይ። (pre-existentialism) ማለት “ነፍሲ ሥጋ ከይተፈጥረ ኣብ መዝገበ ነፍሳት ነበረት”
2ይ። (Tradusianism) ማለት “ነፍሲ ምስ ሥጋ ካብ ኣቦን ኣደን ተኸፊላ ናብ ውሉድ ትሓልፍ”
3ይ። (Creationism) ማለት ድማ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሥጋኡ ኪፍጠር ከሎ ሓዳስ ነፍሲ ትፍጠረሉ” ዝብል ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ተመልኪትካ ምስ ናትና ሊቃውንት ኣመለኻኽታ ምንጽጻር ይከኣል እዩ።

No comments:

Post a Comment