bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Tuesday 11 April 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ መበል 32 ክፋል

 ርግመተ በለስ ብቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ

/1/ ዓይኑ ናብታ ኣብ ጥቓ ዚተፈላለየ ምንጪ ማይ ዘለዎ ቦታ ዘላ ኦም ምስ ተዓዘበ፡ ብዛዕባኣ ደስ እናበለ ሰብ ናብኣ ይኸይድ። ነቶም መጻሕፍቲ ብምንባብ ዘስተውዕሉ ድማ ብኸምዚ እምስሎም ኣለኹ። ንሳቶምውን ብልቦናኦምን ብሓሳባቶምን ነዚ ስለ ዘስተውዕልዎ፡ ከማና ብሥጋ ንዘለዉ ይሰምዑ። ንቦም ዝኸበሩ መጻሕፍቲ ንምንባብ ይህንጠ።

/2/ ኣኅዋተይ ከምዚ ኺትኮኑ ይግብኣኩም። ሕጂ ውን ብጐይታና ኢሱስ ክርስቶስ ኣብታ ናይ ቢታንያ ዕፀ በለስ ዚተገብረ ድንቂ ተኣምር ስምዑ። ዋላ እኳ ብሥጋ ኣብኡ እንተ ዘይነበርኩ፡ ነቲ ሥራሕ እቲ ብልበይን ብመንፈሰይን እፈልጦ እየ። ናይ ጐይታና ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ፍቓድ፡ ኣብታ ዕፀ በለስ ዝገበሮ ነገር የንብብ።

/3/ እታ ዕፀ በለስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብኣ ቅድሚ ምምጽኡ፡ ለምሊማን ቈጽሊ ኣውፂኣን ነበረት። ጐይታና “ኣባኺ ፍረ ኣይረኸብ” ምስ በላ ብቕጽበት ደረቐት፡ ካብ ሡራ ድማ ተነቕለት። ቅዱስ ወንጌል ድማ ከምዚ በለ፦ “ንግሆ ናብ ከተማ ኺምለስ ከሎ ድማ፡ ጠመየ። ኣብ ጥቓ መገዲ ሓንቲ ኦም በለስ ርእዩ ናብኣ ኸደ። ቈጽሊ ጥራይ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ኣይረኸበላን እሞ፡ ደጊም ኣባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይፍረ፡ በላ። እታ ኦም በለስ ብኡብኡ ነቐጸት /ማቴ 21፡18-19። ነዚ ክሓስብ ከለኹ ፍርሃት ይኅዘኒ፡ ነዚ ቓል እዝን ነዚ ዘደንቕ ተግባራትን ንኽምርምር ክሓሰብ ከለኹ፡ ልበይ ይኽፈል። ናብዚ ድንቂ ዝኾነ ሥራሕ ምስ ተዓዘብኩ ፍሉይ ዝኾነ ሓሳብ ይረክብ። ዚተሠወረ ጽሑፍ ተጻሒፉዎ፡ ብዙኅ ዝዋጋኦም ዝኸበሩ ዕንቊታት ናብ ዝኃዘ ናይ ወርቂ ሳንዱቕ ከም ዝምልከትን፡ ካብ ብርሃን ናይቶም ኣብ ውሽጡ ዘለዉ ዕንቊታት ዚተላዕለ፡ ናብ ዘንጸባርቕ ወርቃዊ ሳንዱቕ ክርኢ ከም ዝደሊ ሰብ ይኸውን። ዳግማይውን ከምቲ ርእዩ ጽቡቕነቱ ንኽፈልጥን ነቲ ኣብ ውሽጡ ዚተጻሕፈ ምሥጢር ንኽርዳእን ከም ዝህወኽ ሰብ ይኸውን። ኣኅዋተይ! ኣብዚ ዕለት እዚ፡ እዚ ኽቡር ወንጌል ዝበሎን ንዅሉ ሰብ ዘረድኦ ዘሎን ብዓይነይ ምስ ረኣኹ ኣነውን ከምዚ እየ። ብልበይውን ናብኡ ተመልከትኩ። ነፍሰይ ነቲ ክቡር ወንጌል፦ “ንግሆ ናብ ከተማ ኺምለስ ከሎ ድማ፡ ጠመየ” ዝበሎ ዜናን ድንቂ ሥራሕን ንምፍላጥ ደለየት።

ኣቤት! እዝስ ክንደይ ይረቅቕ! ክንደይከ የደንቕ! እዚ ሓድሽ ነገር እዩ። እቲ ንዓለም ዝምግብን፡ ብኃሙሽተ እንጀራ ንኃሙሽተ ሽሕ ሰባት ዝመገበንዶ ጠመየ፧ እቲ ንማይ ወይኒ ኪኸውን ዝኣዘዘዶ ጠመየ፧ እቲ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዚተጓዕዘ ኣእጋሩ ድማ ዘይጠልቀየዶ ጠመየ፧ እሞ ኢሳይያስ ደኣ ከመይ ኢሉ እዩ “እግዚአብሔር ንዘለዓለም ኣይጠምን እዩ፡ ኣይደክምን ድማ እዩ ዝበለ፧ ክርስቶስ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝምስክርዎ እዩ። ወንጌላዊ ዮሓንስ “እቲ ቓል ብቕድሙ ነበረ፡ ቃል ኣብ እግዚአብሔር ነበረ፡ ቃል እግዚአብሔር ነበረ” ኢሉ ከም ዝተዛረበ (ክርስቶስ እግዚአብሔር እዩ)። እሞ እቲ ብመለኮቱ ንኃሙሽተ ሽሕ ሕዝቢ ዘጽገበ ኣምላኽ፡ ከመይ ኢሉ ብኣርኣያ ሰብ ጠመየ፧ ንእኡ ኵሉ ግሉጽን ብመለኮቱ ኣብ ኵሉ ቦታ ዝመልአን ክነሱ ደኣ ከመይ ኢሉ ናብታ ዕፀ በለስ ብፍቓዱ መጸ፧ ከምቲ ዘይፈልጥ ሰብ ናብታ ፍረ ዘይብላ በለስ ዝመጸ፡ ኣምላኽ ብምዃኑ ድማ ብቓሉ ረጊሙ ኣድረቓ። “ክሳዕ ዘለዓለም ኣባኺ ፍረ ኣይረኸብ” በላ። ትእዛዝ ምስ ነገር ወፀ። ብቕጽበት ድማ እታ በለስ ደረቐት። እቲ ቓል ናይ ሰብ ቃል እዩ፡ እቲ ሥራሕ ግና ናይ ኣምላኽ ሥራሕ እዩ።

/4/ ኦ! ኣኅዋተይ፡ እንተ ኾነ ግና ብዙኃት ካብ ተርጐምትን ተመራመርትን ብዛዕባ እዛ በለስ እዚኣ ተዛረቡ። ኣነውን ካባኻትኩም ዋላ ሓንቲ ዝኃብኦ ነገር የልቦን። ንስኻትኩም ምስማዕ ከም ዝከኣለኩም ኣነ ድማ ምዝራብ ከም ዝከኣለኒ መጠን ኪነግረኩም እየ። እዚ ቃል እዚ ካብቲ ክቡር ወንጌል ዚተዛረቦ ስለ ዘይንእስ ናይዚ ቓል በዓል ቤት ዝኾነ እግዚአብሔር ካብ ዝተሠወረ ምሥጢር ዝገለጸለይ መጠን ኪዛረብ እየ። እታ ዕፀ በለስ ትድረቕ ምስ በለዶ ኣይደረቐትን እያ፧ ብቕጽበት ፍረ ተውፅእ ክብላኸ ኣይምኸኣለንዶ፧ እንተ ኾነ ግና እታ በለስ እንታይ በዲላ፧ ምኽንያቱ እቲ ጊዜ ናይ ፍረ ጊዜ ኣይነበረን። ወርኃ ክረምት ከም ዝነበረ ወንጌላዊ ማርቆስ መስኪሩልና ኣሎ። እንተ ኾነ ግና እዚ ነገር እዚ ዓቢይ ከም ዝኾነ ስለ ዝረኣና ንጐይታና ክርስቶስ ብሓደ ወገን ኬኽብርዎ እንከለዉ፡ ብሓደ ወገን ድማ ይነቕፍዎ። ደረቐት ብዝብል ቃል የኽብርዎ፡ ንኣኣ ስለ ዝተቘጥዓ ድማ ይነቕፍዎ። እንተ ኾነ ግና ኣኅዋተይ ኣዝዩ ዓቢይ ምሥጢር እዩ፡ እዚ ሥራሕ እዚውን ካብ ልቢ ልዕል ልዕል ዝብል ሰማያዊ ሥራሕ እዩ።

5/ ብዙኃት ካብ ተርጐምቲ ናይ ኣይሁድ ጉባኤ ከም ዝኾነት ተዛረቡ። “ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ሃይማኖት ፍረ ኺረክብ ናብኣቶም ምስ መጸ ከም ዝለምለመት ቈጽሊ ብዘይካ መጻሕተ ኦሪትን ነቢያትን ኣይረኸበን” ይብሉ። ንናይ ኣይሁድ ጉባኤ ንዘለዓለም ፍረ ኣይረኸብኪ በላ፡ ብቕጽበት ድማ ደረቐት ይብሉ። ኣኅዋተይ! ካብዚ ትርጓሚ እዚ ዚተላዕለ ኣነ ፈራህኩ፡ ካብኣ ቊሩብ እንተ ተመራመርኩ ዝኽልክለኒ የብለይን እሞ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ጐይታ ንናይ ኣይሁድ ጉባኤ ዝረገመ፧ ንሱ መርቑ ደኣ እምበር ኣይትርገሙ ዝበለና ከመይ ኢሉ ንናይ ኣይሁድ ጉባኤ ረጊሙ የጥፍእ፧ ንሱ ወዲ ሰብ ክርስቶስ “ንዝጠፍአ ክደሊ ደኣ እምበር ንምጥፋእ ኣይመጻኹን” ኢሉ ከም ዘይተዛረበ፡ ከመይ ጌርና ንናይ ኣይሁድ ጉባኤ ረጊሙ ኺንብል ንኽእል፧ አንዱም አንዱ ከምዚኣ ኣተረጓጉማ ዋላ እኳ ነገር እንተብዝኀ፡ ናይ ኣይሁድ ጉባኤ ካብ ሡራ ተነቒላ ደሪቓ ከመይ ኢላ ጠፊኣ እንተበለኩም፦ “ጽቡቕ ፍረ ዘለዎ ጨንፈር ሓዋርያ ጳውሎስ ካብ ጉባኤ ኣይሁድ ወፀልና” ንብሎ። ብዙኃት ንፈልጦም ከ ካብ ጉባኤ ኣይሁድ ዚተመለሱዶ ኣይኮኑን፧ ካባታቶም ኣይሁድ ብእምኒ ዝቐጥቀጥዎ ናይ ሰማዕታት መጀመርታ /ቀዳሜ ሰማዕት/ እስጢፋኖስዶ ኣይተረኽበን እዩ፧ ኣውይንን ሲኮርን ዚተባህሉ ኣርድእትን ካልኦት ብዙኃት ስማቶም ኣባና ፍሉጣት ዝኾኑ፡ ምሳና ኾይኖም ካብ ኣይሁድ መከራ ዚተቐበሉ ዚተጸልኡንዶ ኣይኮኑን፧ እንተ ኾነ ግና ክሳዕ ሎሚ እግዚአብሔር ካብ ወገን ኣይሁድ ምጽዋዕ ኣየቋረጸን። ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ ከምዚ ብምባል መስኪሩ ኣሎ፦ “እግዚአብሔርዶ ንወገናቱ ደርብይዎም እዩ፧ ኣይደርበዮምን። ኣነ ካብ ነገደ ቢንያም ዝኾንኩ ዘርኢ ኣብርሃምዶ ኣይኮንኩን እየ፧ ስለዚ እግዚአብሔር ነቶም ኣቐዲሙ ዚመረጾም ደቁ ኣይደርበዮምን። እንተ ኾነ ግና ኵሉ ምስ ተፈጸመ ኣሕዛብ ኣመኑ ኢሉ ተስፋኡ ሃቦም። ከምኡ ድማ ኵሎም እስራኤላውያን ኪድኅኑ እዮም”። ብናታቶም በደል ንኣና ይቕረ ክሳዕ ዝብለና፡ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣይሁድ ምእንታና ዚተደርበዩ ኣይኮኑን። ባዕሉ ጳውሎስ ከምዚ ኽብል መስኪሩ ኣሎ። “ኣቦታቶም ስለ ምምራጾም ኣኅዋትና እዮም። ምኽንያቱ ናይ እግዚአብሔር ጸጋ ንኣኣቶም ምጽዋዕ ኣይገደፈን።

6/ ኦ! ኣኅዋተይ፡ ሕጂውን ብዛዕባ ኣዳም ዚነግረኩም ቃል ኪፍጽመልኩም ደልየ ኣሎኹ። ኣዳም ኣብ ገነት ዕርቃኑ ምስ ኮነ በየናይ ቈጽሊ ገይሩ እዩ ዕርቃኑ ዚተሸፈነ፧ እዛ ቘጽሊ እዚኣ ከመይ ኢላ ከም ዚደረቐትዶ ርኢኻ፧ ኣዳም ዚተኸደና ዕርቃኑ ዚሸፈነላዶ ኣይኮነትን፧ ጐይታ ኢየሱስ ናብታ ዚለምለመት ቈጽሊ በለስ መጺኡ ዕርቃኑ ዝሸፈነላ ቈጽሊ ብቓሉ ኣንቀጻ። ንኣዳም ድኻ ኾይኑ ስለ ዝረኸቦ ንጹሕ ዝኾነ ናይ ብርሃን ክዳን ከደኖ። እዚ ብርሃን እዚ ድማ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ዚተሠርሐ እዩ። ነታ ቘጽሊ በለስ ኣንቂጹ ናይ ነፍሱ ድኅነት ሃቦ። ኣብቲ ተድላን ሓጐስን ዘለዎ ገነት፡ ፍጹም ዝኾነ ናይ ተድላን ናይ ሓጐስን ክዳን ተኸዲኑ፡ ከም መላእኽቲ ሕያው ኮይኑ እናነበረ እንከሎ ተመን ዘስሓቶ ኣዳም ከመይ ኢሉ ከም ዝደኃነ እዝክር።

7/ ኦ! ፍቱወይ፡ ኣቐዲምና ናብ ዚተዛረብናዮ ነገር ንመለስ፡ እቲ ኽቡር ወንጌል “ንግሆ ናብ ከተማ ኺምለስ ከሎ ድማ፡ ጠመየ” በለ። እቲ ለይቲ ኃሊፉ ምስ ነግሀ ጐይታ ኢየሱስ መጸ። ንዓለም ከተንሥኣ ድማ ፈተወ። ነቢይ “ከም ንግሆ ተዳልዩ ኪንረኽቦ ኢና” ከም ዝበለ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ንግሆ መጸ። ዓለም ጸልመተ። ሞት ድኅሪ ምልባሱ ንግሆ ምስ ኮነ ብፍቓዱ ናይ እግዚአብሔር ናይ ጐይተትነቱ ብርሃን ኣጽንዖም፡ ብኡ ብኡ ድማ ጸንዑ። ጸልማት ኣብ ዝኃደረሉ ኣብ ናይ ወዲ ሰብ ልቦና ብርሃን በርሀ። ናብቶም ሰይጣን ዝፈተኖምን ዝፈለዮምን ነፍሳት ናይ ሰባት ተጊሁ ናይ መለኮት ሙቐት  ምስ መጸ ነቢይ ዳዊት “ነቲ ቚሪ መን ይቃወሞ” ከም ዝበለ ካብ ሰይጣን ዝርከብ ናይ ኃጢአት ቊሪ ንናይ ሰባት ነፍሲ ፈልዩ ነበረ። ስለዚ እቲ ነቢይ “ውሽጣዊ ልቦናይ ኵላሊተይ ፈትን” በለ። ንሳቶም ብኽድዓቶም ስለ ዝጠፍኡ ኵሎም ነቢያት ተኣኪቦም “ኦ! ጐይታ ምርኮና ምለስ” እናበሉ ጸለዩ።

 ካብ ኣዜብ ድማ ከምቲ ምስ ሙቐት ዚነፍስ ንፋስ፡ ከምቲ ደረድ ዝኾነ ማይ ናብ ናይ ቀደም ፍጥረቱ ዚምለስ፡ ከምኡ ድማ ሰይጣን ብዘምጽኦ በደል ኵላትና ሙታን ኴንና እንከለና፡ ከም ናይ ኣዜብ ንፋስ ክርስቶስ ናባና መጺኡ ናብታ ዘይትመውት ቀዳመይቲ ፍጥረትና መለሰና።
 እዚ ኣቐዲምና ዘልዓላናዮ እዚ ሙቐት እዚ ብዛዕባ ኣዜብ ኪኸውን እንከሎ፡ ናይ ክርስቶስ መርዓት ድማ ቤተ ክርስቲያን እያ። ሰሎሞንውን ኣብታ ካብ ኵሉ ምስጋና ዝበለጸት ምስጋና ዝተባህለት መጽሓፉ፦ “ሰሜናዊ ንፋስ ተንሥእ፡ ደቡባዊ ንፋስውን ንዓ፡ ንናይ ኣታኽልቲ ቦታይ ንፋስ ሽቶይ ይፍሰስ ትብል ኣላ” በለ።

No comments:

Post a Comment