bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 12 April 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ መበል 33 ክፋል


8/ ንግሆ ጐይታ ኢየሱስ መጸ። እዚ ቕዱስ ወንጌል ንሱ ከም ዝመጸ ኺዛረብ እንከሎ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ። ምኽንያቱ ናይቲ ካብ ገነት ዚተሰደደ ኣዳም ነገሩ እዚ ስለ ዝኾነ። ጐይታ ኢየሱስ ናብታ ኣዳም ዝወደቐላ ቦታ፡ ናብታ ሃገር እቲኣ መጸ። ኦ! ፍቑር ኃወይ፡ ሃገር ክብል ክትሰምዖ እንከለኻ፡ እታ ናይ ሰማያውያን መኅደሪት ዝኾነተ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ደኣ እምበር፡ምድራዊት ሃገር ከም ዝኾነት ጌርካ ኣይትሕሰብ። ሓዋርያ ጳውሎስ “ሃገርና ኣብ ሰማይ እዩ” ከም ዝበለ።

9/ “ንግሆ ናብ ከተማ ኺምለስ ከሎ ድማ፡ ጠመየ”። ስለ ድኅነት ናይ ሰብ ደኣ እምበር፡ ሰብ ዝበልዖ መግቢ ኣይኮነን ዝጠመየ።ንሱ ባዕሉ ኣብ ቅዱስ ወንጌል፦“ብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ” ከም ዝበለ /ዮሓ 4፡34/። ምኽንያቱ እቲ ዝኣመኖ ንዘለዓለም ኣይመውትን እዩ።

10/ “ንግሆ ናብ ከተማ ኺምለስ ከሎ ድማ፡ ጠመየ” ኣብ ጥቓ መገዲ ሓንቲ ኦም በለስ ርእዩ ናብኣ ኸደ። ናብኣ ምኻዱ ጽቡቕ እዩ። ኃሊፍዋ ኸይዱ እንተ ዝኸውን ናይቲ ዘይመውት ከይሲ ናይ ዲያብሎስ መኅደሪ ምኾነት ነይራ። እንተ ኾነ ግና ናብታ ኦም በለስ ከይዱ ፈጺሙ ኣጥፍኣ።

11/ ኣብዛ ኦም በለስ ንናትናኤል ረኣዮ እሞ፡ ጐይታና፦ “ፍሊጶስ ከይጸውዓካ እንከሎ ኣብ ትሕቲ በለስ እንከለኻ ረኣኹኻ በሎ።” ነዛ ዕፀ በለስ እዚኣ ነቢይ እንባቆም፦ “ናብ ካልኦት ኣሕዛብ ኣይወፅእን እየ፡ በለስውን ኣይክትፈርን እያ እሞ..” ኢሉ ዘኪርዋ ኣሎ። ንዘኬዎስ ኣብዛ ዕፀ በለስ እዚኣ ደይቡ ረኣዮ። ስለዚ ድማ “ቐልጢፍካ ውረድ” በሎ። ቅዱስ ወንጌል ጽቡቕ ኢሉ ኣሎ። በለስ ንምርኣያ ጽብቕቲ እያ። እንተ ኾነ ግና ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዚደየበ ንዘኬዎስ ኵሉ እያ ተርእዮ። ንሳ ነታ ናይ ክፍኣትን ናይ ኃጢአትን መዋፈሪ ዝኾነት ገፋሕ መገዲ (ፍቓደ ሥጋ) ምልክት እያ። ጐይታና ናብዛ ሰፋሕ መገዲ መጺኡ ኣጥፍኣ።

12/ ቈጽሊ በለስ ሰፋሕን ደስ እተብልን እያ። እታ ናብ ጥፍኣት ትወስድ መገዲ ኃጢአትውን ሰፋሕ ኣፍ ደገ እያ። ፍረ በለስ ኪትበልዓ እንከለኻ ጥዕምትን ምቅርትን እያ፡ ኃጢአትውን ኪትሠርሓ እንከለኻ ደስ ይብለካ፡ ምስ ሠራሕካያ ግና ከምታ በለስ መከራ እያ ተምጽእ። ኪትፍጽማ እንከለኻ ምቅርቲ ምስ ፈጸምካያ ግና መራር ስለ ዝኾነት ንኣኣ ካብ ምሥራሕ ህደም። ናይ ሰሎሞን ናይ ጥበብ መጽሓፍውን፦ “ከናፍር ኣመንዝራ ሰበይትስ መዓር ወለላ የንጠብጥብ፡ ኣፋ ኸኣ ካብ ዘይቲ ትልስልስ።መወዳእታኣ ግና ከም ዕረ መሪር፡ ክልተ ኣፍ ከም ዘለዎ ሴፍ ከኣ በሊሕ እዩ” በለ /ምሳ 5፡3-4/። ነቲ መዓር እቲ ኪትጥዕሞ ኸለኻ ንኣፍካን ንጐሮሮኻን ጥዑም እዩ፡ ብድኅሪኡ ግና ኣዝዩ ዝጓዳእ መሪር ኮይኑ ኢኻ ትረኽቦ። ኣመንዝራ ሰበይቲውን ዘረባኣ ልስሉስ እዩ። ካብ መዓርን ሽኮርን ዚጥዕም ዘረባ ትዛረብ። ካብኣ ግና መሪር ዝኾነ ሞት ብቕጽበት ይረኽበካ። ከምኡውን አርዌ ምድር (ተመን) ኣዘራርባኡ ጥዑም እዩ። ብተንኮል ግና መሪር ኮነ። ብልዒ ጥዑም እዩ፡ ምውዳቕ ግና መሪር እዩ። ስለዚ ካብዛ ምቁር ቃል ተዛሪባ ብመሪር መርዚ ግና ትቐትለካ ኣመንዝራ ሰበይቲ ህደም። ከምቲ ኤልያስ ካብታ ኣመንዝራ ኤልዛቤል ዝሃደመ፡ ንስኻ ድማ ካብ ሕማም ህደም ሕማም ዝተባህለ ድማ ኃጢአት እዩ።

13/ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ እቶም ሕይወት ዚጠመዩ ሰባት ካብ ሰማይ መጸ። ናይዛ ዓለም መገዲ ኣዝዩ ሰፊሕ ኮይኑ፡ ንሰብ መሲሉ ረኸቦ። ናብኣ መጺኡ ኣቚጽልታ ሰፊሑን ለምሊማን ናይ ኃጢአት መገዲ ኾይናን ረኸባ። ናይ ሞት ፍረ ግና ገና ኣይፈረየትን ነበረት፡ ምኽንያቱ ወርኃቱ ናይ ፍረ ወርኃት ስለ ዘይነበረ። ሽዑ ናይ ፍረ ወርኃት ስለ ዘይነበረ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዚተነገረ ፍረ ኣይነበራን። ስለዚ ከመይ ኢላ ደኣ እያ እዛ ዕፀ እዚኣ ናይ ሞት ፍረ ኺትፈሪ ትኽእል፧

14/ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ሰባት ንምልዓልን ንምቕዳስን ናብዚ ዓለም መጸ፡ ስለዚ ድማ ፍረ ዘይብላ ኮነት። ሓዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ “ካብ ኣዳም ክሳዕ ሙሴ ሞት ሠልጠኖም” ከም ዝበለ፡ ሞት ሠልጢንዎም እዩ /ሮሜ 5፡12/። ሙሴ ማለት ሕጊ እዩ። ብዛዕባዚ ድማ ቅዱስ ወንጌል ከምዚ እናበለ መስከረ፦ “ሙሴን ነቢያትን ኣለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑ” /ሉቃ16፡29/። ስለዚ “ኣባኺ ንዘለዓለም ፍረ ኣይረኸብ” እናበለ ጐይታና ክርስቶስ ናብኣ መጸ። እዛ ኦም እዚኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምምጻኡ ናይ ሞት ፍረ ኣፍርያ ነበረት። ጐይታና ድማ መጸ፡ ንሱ ዘተንሥኣና እዩ። ነታ ኦም ድማ ንዘለዓለም ፍረ ኣይረኸብኪ በላ። እታ ኦም ድማ ብኡብኡ ነቐጸት። መጽሓፍ “ኣታ ሞት፣ ፌራኻ ኣበይ ኣሎ∶ ኣታ ሲኦል፣ ጥፍኣትካ ኣበይ ኣሎ” ዝበሎ ድማ ተፈጸመ /ሆሴ 13፡14/።

15/ ወንጌላዊ እታ ኦም ዚለምለመትሉ ጊዜ ክርምቲ እዩ በለ። ኤልያስውን “ክረምቲ ከም ዝኾነ ዝነገሮም ሰይጣን ዘምጽኦ ኃጢአት ኣብ ውሽጣ ስለ ዝበቖለ እዩ” በለ። ቅድሚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምምጽኡ፡ ሰብ ብምቕታል ብብልዒ ብመስተ  ብምቾትን ሕንቃቐን ርኹስ ኃጢአት ብምሥራሕን ንጣዖታት ብምግዛእን ርኹሳት መናፍስቲ ንሰባት ኣድኪሞምዎም ነበሩ። ብድኅርዚ ጐይታናን መድኃኒናን ሰላምናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ መጺኡ፡ ነቶም ናይ ሠናይ ተግባር ጸላእቲ ዝኾኑን ብብልዕን ብመስተን ብሕንቃቐን ብምፍታው ናብ ናይ ጥፍኣት ባሕሪ ዘጥሕሉን ርኹሳት መናፍስቲ ኣጥፍአ። መጸኡ ድማ ንእኩያት ፍትወታትን ርኹሳን ኃጣውእን ኣጥፍአ።ንህውከት (ንዘይ ምርግጋእ) ጸጥ ኣበለ። ነታ ዕፀ በለስ ኣንቂጹ፡ ነቲ ብብሩህ ሕይወት ብሃይማኖት ዚበቖለ ዕፀ መስቀል ተኸለልና።

 16/ እዚ ዝኸበረን ዚተዘርግሐን መስቀል፡ ሡሩ ኣብ ምድሪ ጫፉ ድማ ኣብ ሰማይ፡ ቈጽሉ ዘይረግፍ፡ ዕምበባኡ ንጥፍኣት ፍሪኡ ድማ ንሞት ዘይኮነ እዩ። ነቢይ ዳዊት ብዛዕባኡ ኺዛረብ እንከሎ፡ “ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም” ዝበሎ እዩ /መዝ 1፡2/። እዚ ኦም እዚ ጥበብ ብዛዕባኡ ኺትዛረብ እንከላ፦ “ንዝኣምንዋ ኵላቶም ኦም ሕይወት እያ” በለት /ምሳ 3፡18/። ነቢይ ኤርሚያስውን ብዛዕባ እዛ ኦም እዚኣ ኸምዚ እናበለ ተዛረበ፦ “ስማ ኸይዝከር ነታ ኦም ምስ ፍሬኣ ነጥፍኣያ፡ ካብ ሃገር ሕያዋን ድማ ንመንቊሳ፡ ኢሎም ተወዓዓሉ” /ኤር 11፡119/።

17/ እቲ ብኅብስቲ ዝወሃበና ናይ ክርስቶስ ሥጋ ዕፀ ሕይወት ይበሃል። ጐይታ ነቲ ኅብስቲ ኣልዒሉ፡ “እዚ ምእንታኹም ንመደምሰሲ ኃጢአት ኣብ መስቀል ዝፍተት ሥጋይ እዩ” ከም ዝበለ /ማቴ 26፡26/። ነቶም ኣብ ንፋስ ዝውንጨፉ ኃያላን ኣጋንንቲ ኸጥፍእ፡ ናይ መንግሥተ ሰማያት መገዲ ንኸዳልወልናን ነቶም ዝኣምንዎ ነዚ ኦም እዚ ናብ ሰማያት ንምውፃእ መሳልል ገበሮ።

18/ ኦ! ኣኅዋተይ፡ ነዚ ዕፁብን ዘደንቕን ሥራሕ ኪትሰምዑ እንከለኹም፡ እቲ ሓቀኛ ጕንደ ወይኒ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊኡ ዚተዘርጋሓሉ እዚ መስቀል እዚ ከም ዝኾነ ፍለጡ። ንሱ ንሰይጣን ሞትን ጥፍኣትን ንኣና ነቶም ንኣምኖ ግና ኦም ሕይወትን በደልና ዝድምሰሰሉ ናይ ዕረፍቲ ልብሲ ዚተጓናጸፍናሉን እዩ። ነዚ ምሥጢር እዚ ዝነግር ድማ እዚ ጥበበኛ ሰሎሞን እዩ። መኃልየ መኃልይ ኣብ ዚተባህለ መጽሓፉ “ኣብ ትሕቲ ጽላሎቱ ኪኃድር ፈተኹ” በለ። ምቁር ፍረ ድማ ኣብ ዘመንና ንመገብ፡ ነዛ ሕይወት እዚኣ ፈተዋ። ነቢይ ዳዊትውን “ክፉእ ካባይ ንኽርሕቕ ብኽንፊ ረድኤትካ ሠውረኒ” በለ።

19/ ኣቤት! እዚ ድንቂ ዓቢይ ሥራሕ እዩ። እዚ ምሥጢር እዚ ሓድሽ እዩ። ካብዚ ኦም እዚ ናይ ሕይወት ምንጪ ይፈስስ። እዚ መስቀል እዚ ጐይታና ጐድኑ ተወጊኡ ካብኡ ማይን ደምን ምስ ወፀ፡ ዝስተ ኾነ። ደም መስቀል ዝለበሶ ልብሲ እዩ። ካብ ጐድኑ ዝፈሰሰ ማይ ድማ ንምእመናን ዘይጠፍእ ፍረ ንኸፍሪ ኣብ ሥጋኡ ዚተራእየ እዩ። ስለዚ ንመስቀል ምስጋድ ይግባእ እዩ። ኣቤት! እዚ ዝተመስገነን ዚኸበረን ኦም፡ ነገሥታትን መኳንንትን መሳፍንትን ኵላቶም ዘኽብርዎ እዩ። ኣቤት! እዚ ኦም እዚ ንዅሉ ፍጥረት ወዲ ሰብ ዘጽንዕ ዚተመስገነ ክቡር መስቀል እዩ። ብኡኡ ብምምዕታብ ኣጋንንቲ ዝሃድሙሉ እዩ። እቲ ዚተረግመ ዲያብሎስ ዝስምብደሉ እዩ። መላእኽቲ የኽብርዎ፡ ሰማዕታት የመስግንዎ፡ ሓዋርያት ብዛዕባ ኽብሩ ይነግሩ፡ ቤተ ክርስቲያን ድማ ሽልማታን መልክዓን ትገብሮ፡ ንሱ ኸኣ እቲ ናይ ክብሪ በዓል ቤት ክርስቶስ ዚተሰቕለሉ እዩ። ንእኡ ከኃሊነት፡ ዕብየት፡ ጽንዓት ፍቕርን ሓድነትን ንጐይታና ምስ ናይ ባህርይ ኣቡኡ ምስ አብ ምስ ናይ ባህርይ ሕይወቱ መንፈስ ቅዱስን ለምን ዘወትርን ክሳዕ እታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ንዘለዓለም ብሓቂ ምስጋና ይኹኖ፡ ኣሜን!!!

No comments:

Post a Comment