bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Tuesday 4 April 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ መበል 26 ክፋል


/16/ ከመይ ብኡኡ ዝኣምን ዘበለ ኵሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክረክብ እምበር፡ ምእንቲ ከይጠፍእሲ፡ እግዚአብሔር አብ ንሓደ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ንዓለም ማለት ንሰብ ክሳዕ ክንድዚ ኣፍቂርዎ እዩ።

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፦ ምኽንያቱ፦ ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” /3፡16/ ስለ ዝብል፡ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኪህበና ዝኽእል ንሱ ዘለዓለማዊ ስለ ዝኾነ እዩ። ትንሣኤ ሕይወት ዝህበና ንሱ ትንሣኤ ሕይወት ስለ ዝኾነ እዩ። ንሕና ዋላ እኳ ጭቃን ሓመድን እንተ ኾንና ብኸምኡ (ብዘይ ምኽንያት) ኣፍቀረና። ንኣና ንምልኣኽ ነቲ ሓደ (ናይ ባህርይ) ወዱ ደኣ እምበር፡ ሓደ ካብ ባሮቱ ወይ ካብ መላእኽቲ ኣይለኣኸልናን። ዋላ እኳ ሕያውነቱ ንምቕባል ዘይግብኣና እንተኾንና ብኸምኡ ደሙ ኣፍሰሰልና።

/17/ ምኽንያቱ እግዚአብሔር ንዓለም ካብቲ ዚተፈርዶ ኬድኅኖ ደኣ እምበር፡ ንዓለም ኪፈርድ ኢሉ ንወዱ ናብ ዓለም ኣይለኣኾን። 

ኣብነት፦ ዘእንበለ ከመ ይሕየው ዓለም በእንቲአሁ ይብል። ምኽንያቱ እግዚአብሔር አብ ዓለም ብኡኡ ምእንቲ ኪትድኅን ደኣ እምበር ንዓለም ኪፈርድ ኢሉ ንወዱ ናብዚ ዓለም ኣይለኣኾን።

 ብኻልእ ኣገላልጻ ብሥጋዊ ኢድ ንዘይብሉ ኢድ፡ እግሪ ንዘይብሉ እግሪ፡ ዓይኒ ንዘይብሉ ዓይኒ፡ ኣበ መንፈሳዊ ድማ ተኃድገ ለኪ ኃጢአትኪ፡ ኃጢአትኪ ተኃዲጉልኪ፡ ተኃድገ ለከ ኃጢአትከ፡ ኃጢአትካ ተኃዲጉልካ ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ኣሎኻ እናበለ ኼድኅኖን ካሕሳ ኺኸፍለሉን ደኣ እምበር ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቐዲሙ ዝፈረዶ ፍርዲ ኺፈርዶ ኢሉ ኣይመጸን። 


/18/ እቲ ብእኡ ዚኣምን ኣይፍረዶን። እቲ ብእኡ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ እዩ። 

 ዘይኣመነ ኵሉ ዋላ እኳ ትንሣኤ እንተ ሃለዎ ትንሣኤ ለዘሐሳር እዩ። ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ ኽብል ከሎ ድማ ኣቐዲሙ ንኸምኡ ተወሲኑ እዩ ማለት ዘይኮነስ፡ ኣቐዲሙ ብዘይ ምእማኑ ትንሣኤኡ ንፍርዲ እዩ ማለት እዩ።  

/19/ ቀዳማይ፦ እቲ ፍርዲ ኸኣ እዚ እዩ እሞ፥ ብርሃን ክርስቶስ ናብዚ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሩ ክፉእ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ብርሃን ጸልማት ፈተወ። 

ካልኣይ፦ ብርሃን ክርስቶስ ናብዚ ዓለም መጸ፡ ደቂ ሰብ ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ሕጊ ወንጌል ሕጊ ኦሪት፡ ካብ ፍልጠት ድንቁርና ፈተዉ።

 ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፦ “እዚ ማለት” ይብል ክርስቶስ ኣነ ንዓለም ኪፈርድ መጺአ እንተ ዝኸውን፡ ሰባት ንዘይ ምእማኖም ምኽንያት ምረኸቡ ነይሮም። እንተ ኾነ ግና ኣመጻጽኣይ ንወዲ ሰብ ብምሉኡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ንኸውፅእ እየ ዝመጻኹ፡ ናብ ብርሃን ናባይ ንኽመጹ ማለተይ እቶም ብኣይ ክኣምኑ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ኸኣ ኺፍረዶም እዩ፡ ስለ ዚተፈረዶም ከኣ ምኽንያት የብሎምን። 


 /20/ ቀዳማይ፦ ምኽንያቱ እቲ ክፉእ ዚገብር ዘበለ ኵሉ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይግለጽ ብርሃን ይጸልእ እምበር ናብ ብርሃን ኣይመጽእን እዩ። ከመይ ግብሩ ክፉእ እዩ።

 ኢዮብ “ዘማዊ ጽልግልግ ክሳዕ ዝብል ይጽበ፡ ገለ ሰብ ከይርእየኒ እናበለ ገጹ ይጕልበብ” ዝበሎ ጐይታና ከምዚ ለዊጡ ተናገሮ /ኢዮ 24፡15-17/። 

 ካልኣይ፦ ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ ፈሪሳውያን ኣይሁድ ናብ ብርሃን ኣይመጹን፡ ማለት ንክርስቶስ ኣይኣመንዎን፡ ከመይ ግብሮም ክፉእ እዩ።

 ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዪ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ /20-21።

 ስለዚ ኣኅዋተይ! ጸልማት ከይጋርደና ናብ ብርሃን ንምምጻእ ንፍጠን፡ ምእንቲ ኺንድኅንሲ ንንቃሕ፡ ጊዜ እንከለና ንተንሥእ፡ መዓልቲ እንከለና ብርሃን እናብርሃልና ንንቃሕ፡ መዓልቲ ዚተባህለ ኸኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ናብኡ እንተመጺና ኃጢአትና ኪኅደገልና እዩ። ዋላ ሓንቲ ጽድቂ ከይሃለወና ኣብ ጥራሕ ኢድና ርእስና ልዕል ልዕል ነብል እንተ ዄንና፡ ኵሉ ትርፉ ኣብ ጸልማት ምትራፍ ስለ ዝኾነ፡ ናብቲ ብርሃን ክርስቶስ ንውፃእ። ሰብ ናይ ፍቓድ እግዚአብሔር ፍጥረት እዩ። ኃጢአት ድማ ውፅኢት ናይ ፍቓድና እዩ። ስለዚ ንሕና ዝገበርናዮ ኃዲግና ናብቲ እግዚአብሔር ዚገበረልና ናይ ፍቕሪ ሥራሕ ንውፃእ። ናትና ሥራሕ ጐደሎ ከም ዘለዎ ምስ ፈሊጥና፡ ናብቲ ጐደሎ ዘይብሉ ናይ እግዚአብሔር ሥራሕ ንቐልጥፍ። ንስሓ ናይ ጽቡቕ ነገር መጀመርታ እያ፡ ሰብ ኣብ ውሽጢ ጸልማት ከም ዘሎ ምስ ዝፈልጥ (ኣብ ኃጢአት ማለት እዩ) ይቕሬታ (ምሕረት) ከም ዘድልዮ ኸኣ ኺፈልጥ እዩ። 

 ጐይታና ኣቐዲሙ ናይ ኣይሁድ ፋሲካ ምስ ኮነ ናብ ኢሩሳሌም ከደ። ዝኸደሉ ምኽንያት ድማ ነቲ በዓል ዝመጹ ኣይሁድ ተኣምራቱ ርእዮምን ትምህረቱ ሰሚዖምን ንኽኣምኑ ኢሉ እዩ። ሕጂ ድማ ናብቶም ካብ ዮሓንስ ኪጥመቑ ኢሎም ዚተኣከቡ ሰባት ናብ ፈለገ ኦርዳኖስ ይኸይድ። ኣካይዳኡ ድማ ነቶም ኣብኡ ዚነበሩ ሰባት ብዛዕባ ወንጌለ መንግሥት ኺሰብከሎም ይግባእ ስለ ዝነበረ እዩ። ስለዚ ኸኣ ወንጌላዊ ዮሓንስ፦ “ድኅርዚ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኸደ፡ ኣብኡ ኸኣ ምሳታቶም ይመላለስን የጥምቕን ነበረ” /22/ ይብለና።

 ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፦ “የጠምቕ ነበረ” ኺበሃል ከሎ ኣብ ደቀ መዛሙርቱ ኃዲሩ የጠምቕ ነበረ ማለት እዩ፡ እምበር ንሱ ባዕሉስ ኣየጠመቐን /ዮሓ 4፤2/። ስለ ምንታይከ ዘየጠመቐ፧ እንተበልና መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ከም ዚነገረና ጐይታና ብሓውን ብመንፈስ ቅዱስን ስለ ዘጥምቕ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ድማ ጌና ኣይወረደን ነይሩ /ዮሓ 7፡39/። “ደቀ መዛሙርቱኸ ንምንታይ ኣጠመቑ፧” እንተበልና ድማ እቲ ሕዝቢ ኣብ ክንዲ ናብ ዮሓንስ ናብ ሓዋርያት ኪመጽእ ስለ ዝግባእ እዩ። “ንምንታይከ ዮሓንስ ምጥማቕ ዘየቋረጸ፧” እንተ በልና ድማ ናይ ዮሓንስ ደቀ መዛሙርት “መምህርና ዮሓንስ ምጥማቕ ካብ ዘቋረጾ፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስ ደቀ መዛሙርቲ ዘጥምቑ ዘለዉ ንሕና ድማ ኼነጥምቕ ኢና” ኢሎም ሽግር ምፈጠሩ ነይሮም” ይብለና። 




No comments:

Post a Comment