bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Monday 3 April 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ መበል 25 ክፋል

/9/ ኒቆዲሞስ ከኣ፥ እዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይከኣል፧ ኢሉ ሓተቶ። 


ቅዱስ ቴዎዶር፦ “ኦ! ኒቆዲሞስ መምህር ኮይነ ከም ዝተለኣኽኩ ብዝገበርኩዎም ተኣምራት ካብ ኣረጋገጽካ ሐጂ ውን ሓደ ነገር ይተርፈካ ኣሎ፡ ንሱ ድማ ሰብ መዋቲ ኾይኑ ዳግማይ ብዘይብስብስ ባህርይ ከይተንሥአ ናይ እግዚአብሔር መንግሥቲ ክወርስ ኣይክእልን እዩ /1ቆሮ 15፡50/ ስለዚ ምሳይ ክትትንሥእ እንተ ደሊኻ ኣነ ዝሞቶ ሞት ክትመውት ኣነ ዝትንሥኦ ትንሣኤ ክትትንሥእን የድልየካ። እዚ ድማ ብመገዲ ጥምቀት ኢኻ እትፍጽሞ ብድጋሜ ናብ ናይ ሥላሴ ማኅፀን ክትኣቱ የድልየካ፡ እንተኾነ ግና እግዚአብሔር መንፈስ ስለ ዝኾነ ነዚ እትፍጽሞ ብመገዲ እታ ብማይ እትወሃብ ጥምቀት እዩ። እዚ ናብ ማኅፀነ ሥላሴ እትኣትወሉ ማይ ከምቲ ቀደም እትጽውዖ ማይ ኣይምሰልካ። ናብዚ ውሽጢ ማኅፀን ክትኣቱ እንከለኻ ስመ ሥላሴ እምበር ስም ናይቲ ማይ ዘይጽወዓሉ ምኽንያት ድማ እዚ እዩ። ከምቲ ሓደ ሕፃን ኣብ ማኅፀን ኣዲኡ ዝፍጠሮ ንስኻ ድማ ኣብዚ ናይ ሥላሴ ማኅፀን ዳግማይ እንተ ዘይተፈጢርካ ኣብዚ ናተይ ሞትን ትንሣኤን ኣይክትኃብርን ኢኻ” ይብል /ሮሜ 6፡5/።

/10/ ጐይታ ኢየሱስ ድማ ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ፡ ነዚ ነገር እዚዶ ኣይትፈልጥን፧ ንስኻ መምህር እስራኤልሲ እዚ ነገር እዚ ኣይትፈልጥን፧ በሎ።

 ቅዱስ ዮሐ ኣፈወርቅ፦ “ኒቆዲሞስ መሊሱ እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን፧”ብምባል ብዝበኣሰ ይደናገር “ጐይታ መሊሱ ንስኻ ናይ እስራኤል መምህር እንከለኻ ነዚ ኣይትፈልጥን፧” ይብሎ። ካብ ማእከልኩም ዳግማይ ልደትን ኒቆዲሞስ ናይ ኣይሁድ መምህር ምዃኑን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ዝብል ክህሉ ይኽእል እዩ። ንሕና ድማ ከምዚ ኢልና ንምልሰሉ “ሔዋን ካብ ናይ ኣዳም ናይ ጐድኒ ዓጽሚ ከመይ ኢላ ተፈጢራ፧ ኤልሳዕ ከመይ ገይሩ ንዝጠሓለ ሓፂን ከም ዘንሳፍፍ እቲ ዕንጨት ግና ዘይ ባህርይኡ ከም ዝጥሕል ገበሮ፧ ንእማንከ ከመይ ገይሩ እዩ ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ተሓጺቡ ዝነጽሐ፧            

 ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ፦ ብርግጽ ኒቆዲሞስ ናይ ኦሪት መምህር ኮይኑ ናይታ  ቘጽሊ ምሥጢር፡ ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ኮይኑ ምሸት ግና ብማይ ተሓጺቡ ንጹሕ ይኸውን ዝብል ናይ ኦሪት ሥርዓት፡ ያዕቆብ በዅሪ ዘይኮነ ከመይ ገይሩ ብዅርና ከም ዝተቐበለ ማርያም ኃብቲ ሙሴ ከመይ ኢላ ከም ዝነጽሐት ዝብሉ ኵላቶም ናይ ኣይሁድ መምህር ክነሱ ክፈልጦ ይግብኦ ነይሩ” ይብለና።

ኣብዚ ናይ ካህን ዘካርያስ ታሪኽውን የዘኻኽረካ። ምኽንያቱ ንሱ ናይ ኦሪት ካህን ኮይኑ ብሉይ ኪዳን ብዝግባእ እናመሃረ ንሕዝቢ ይመርሕ ነይሩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ሳራ ኣብ እርጋና ከመይ ኢላ ከም ዝወለደት የንብብን ይምህርን ነይሩ። ርብቃን ሃና እመ ሳሙኤልን ካልኦት ኣንስቲ እስራኤልን ድኅሪ ነዊኅ ናይ መኻንነት ዘመን ብኃይሊ ኣምላኽ ኪወልዳ ምኽኣለን የንብብን ይምህርን ነይሩ። ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ መጺኡ “ዘካርያስ፡ ጸሎትካ ተሰሚዑልካ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራሕ። ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፡ ..”/ሉቃ 1፡13/ ምስ በሎ ፡ ንሱ ግና “ ኣነ ኣሪገ እየ፡ ሰበይተይ ከኣ ዕለታ ኃሊፉ እዩ እሞ፡ ነዚ ብምንታይ ክፈልጦ እየ፡ በሎ” /ሉቃ 1፡18/። በዚ ድማ እቲ መልኣኽ “እንሆ ኸኣ፡ ነቲ ብጊዜኡ ዚፍጸም ዘረባይ ስለ ዘይኣመንካ፡ ክሳዕ እታ እዚ ነገርዚ ዚዀነላ መዓልቲ ዓባስ ክትከውን ምዝራብውን ክትስእን ኢኻ” ብምባል ዓባስ ከም ዝገበሮ ንርኢ /ሉቃ 1፡20/።

ኒቆዲሞስ ድማ ብተመሳሳሊ ኣብ ኦሪት ዘለዉ ኣዝዮም ኣደነቕቲ ዝኾኑ ብኣእምሮ ናይ ደቂ ሰባት ኪብጽሑ ዘይክእሉ ተኣምራት እናፈለጠን ብዛዕባኦም እናመሃረን ብዛዕባ ዳግማይ ልደት ግና ደጋጊሙ ኪደናገር ስለ ዝረኣዮ፡ ጐይታና ጐይታ ኢየሱስ ድማ ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ፡ ነዚ ነገር እዚዶ ኣይትፈልጥን፧ ክብል ሓተቶ።

/11/ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝርኤናዮውን ንምስርክር ኣሎና።

መግለጺ፦ እንፈልጦን ዝራኣናዮን ማለቱ ንገዛእ ርእሱ ምስ ዮሓንስ ቈጺሩ እዩ።

ቅዱስ ቄርሎስ ዘእስክንድርያ፦ ‘ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝርኤናዮውን ንምስርክር ኣሎና’ “ብምባል ክርስቶስ ዝዛረቦ ነገር ብሕሊና ደቂ ሰባት ስለ ዘይብጻሕ ብእምነት ንኽቕበል ይነግሮ ብርግጽ ድማ ክርስቶስ ብባህርይ  ኣምላኽነቱ ምስ ናይ ባህርይ ኣቡኡ ምስ ናይ ባህርይ ሕይወቱ ምስ መንፈስ ቅዱስ ዝዛረቦ ብትኽክል ይፈልጦ እዩ። ኒቆዲሞስ ግና ይትረፍዶ ሰማያዊ ልደት ብዛዕባ ምድራዊ ንፋስ እኳ ካበይ መጺኡ ናበይ ከም ዝኸይድ ኣይፈልጥን እዩ። ኒቆዲሞስ ጥራይ ዘይኮነ ንሕናውን ኣይንፈልጥን ኢና።

 ነዚ ምስክርነትና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም ዘለኹም። 

/12/ ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ፧ 

መግለጺ፦ እዚ ኣብ ምድሪ ዝፍጸም መንፈሳዊ ልደት ምኽንያት ኣለዎ፡ ማይ ቀሪብካ ብጸሎትን ብጥምቀትን ብንፍሓትን እዩ ዝፍጸም፡ ሰማያዊ ልደት ተባሂሉ ዘሎ ግና ምኽንያት ዘይብሉ ፍሉይ ልደተ ሙታን (ትንሣኤ ምውታን) እዩ።

/13/ ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን። 

መግለጺ፦ ካብ ሰማይ ዝወረደ ኣካላዊ ቃል እዩ። ካብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ ምባሉ ድማ ባህርየ ሰብ ለቢሱን ተዋሓሒዱን ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ስለ ዝኾነ እዩ /ዮሓ 6፡62/። “ናይ ሥጋ ባህርይ ንቓል ናይ ቃል ባህርይ ንሥጋ ኮነ” ይብል ቅዱስ ቄርሎስ ክፍሊ 9።

/14/ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ንተመን ዝሰቐሎ፡ ወልደ እጓለ እመሕያው ክርስቶስ ድማ ከምኡ ኪስቀል ይግባእ እዩ።

መግለጺ፦ ክርስቶስ ዝተሰቕለ ስለምንታይ እዩ፧ እንተ በልና ዝተነግረ ትንቢትን ምሳሌን ምእንቲ ኺፍጸም እዩ። ትንቢት “ስቅልተ ትሬእያ ለሕይወትከ” ዝበሎ እዩ /ዘዳ 28፡66/

ታሪኽ፦ እስራኤላውያን ሓደ ጊዜ ብምኽንያት መግቢ ኣብ ልዕሊ ሙሴ ኣጕረምረሙ። እግዚአብሔር ከኣ ዝነዱ ኣትማን ሰደደሎም እሞ፡ ካብ እስራኤል ብዙኅ ሕዝቢ ሞተ። ሽዑ እቶም ሕዝቢ ናብ ሙሴ መጺኦም ኣብ ልዕሊ እግዚአብሔርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ኃጢአት ገበርና፡ ነዞም ኣትማን ኬርሕቐልና ንእግዚአብሔር ለምነልና በልዎ። ሙሴ ድማ ምእንቲ ሕዝቢ ለመነ። እግዚአብሔር ከኣ ካብ ኣስራዚ ተመን ሠሪሑ ኣብ ባላ ኪሰቕለሎም፡ ብተመን ዚተነኸሰ ድማ ነቲ ተመን ኣስራዚ ጠሚቱ ከም ዝሓዊ ነገሮ እሞ ሙሴ ከምኡ ገበረ። ብተመን ዚተነኽሰ ዘበለ ድማ ናብቲ ተመን ኣስራዚ ምስ ጠመተ ይሓዊ ነበረ /ዘኁ 21፡5-9/። እዚ ምሳሌ እዩ። ንእስራኤላውያን ነኺሱ ዝጐድኦም ተመን፡ ናይ ዲያብሎስ ምሳሌ እዩ። ተመን ብመርዙ ከም ዝጐድእ ዲያብሎስ ከኣ ብግብሩ ይጐድእ እዩ /ራእ 12፡9/።

 ካብ ኣስራዚ ዝተሠርሐ ተመን ናይ ክርስቶስ ምሳሌ እዩ። ተመን ኣስራዚ ብምሳሌ ተመን ከም ዝተሰቕለ፡ ክርስቶስ ከኣ ምስ በደለኛታት ተቘጺሩ ተሰቕለ /ኢሳ 53፡12/። ካብ ኣስራዚ ዝተሠርሐ ተመን መርዚ ዘይብሉ ጽሩይ ከም ዝኾነ፡ ክርስቶስ ከኣ ጽሩየ ባህርይ እዩ። ተመን ኣስራዚ ኣብ ባላ ከም ዝተሰቕለ እሞ ብተመን ዝተነኽሱ እስራኤላውያን ንእኡ ርእዮም ከም ዝሓወዩ፡ ክርስቶስ ድማ ብኡኡ ንዝኣምን ዘበለ ብስቕለቱን ብሞቱን ኬድኅን ከም ዝተሰቕለ ዚገልጽ ምሳሌ እዩ።

/15/ ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ክርስቶስ ኪስቀል ይግብኦ እዩ። 

 ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኑሲስ፦ ናይዚ ናይ ዳግማይ ልደትና ምንጪ ወይውን ናይ ምውራዱ ምሥጢር መስቀል እዩ። እዞም ክልተ ምሥጢራት ማለት ናይ ጥምቀቱን ናይ ስቕለቱን ምሥጢራት ክርስቶስ ነቶም እንጸልኦ እኳ ድንቂ ዝኾነ ፍቕሩ ዘርኣየሎም ምሥጢራት እዮም። እስራኤል ዘሥጋ ኃጢአት ምስ ገበሩ ብመርዛማት ኣትማን ተደኒፎም በቲ ሙሴ ዝሰቐሎ ናይ ነሓሲ ተመን ከም ዚደኃኑ፡ ሕጂውን በቲ መርዛም ተመን (በቲ ኃጢአትን ፍዳን ዘለዎ ብዲያብሎስ) ዚተነደፉ ዅላቶም በቲ ናይ ነሓሲ ተመን (ብስቕለት ናይቲ ኃጢአትን ፍዳን ዘይብሉ ጽሩየ ባህርይ ዝኾነ ጐይታ) ከም እንድኅን ዚተነግረ እዩ። ከነስተውዕሎ ዝግብኣና ነገር ግና ብዙኅ ጊዜ ተመን ናይ ክፉእ ነገር ምሳሌ እኳ እንተ ኾነ፡ ጐይታና (ክብሪ ንእኡ ይኹን) ብናይ ነሓሲ ተመን ዚተመሰለሉ ምኽንያት ክፉእ ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ፡ ብፍቓዶ ብምሳሌ ኃጢአተኛ ሥጋ…. ንኃጢአት ብሥጋ ንምኹናን” ስለ ዝመጸ እዩ /ሮሜ.8፡3/።
ሰብከት ብድምፂ



No comments:

Post a Comment