bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 5 October 2016

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን 6ይ ክፋል

...ብፍላይ ድማ  መጀመርታ ነቶም ብድንግልና ንምምባር ዚወሰኑ ካህናት ምስተን ንገዛኦም ዚሕልዋን ዚሕግዛኦምን ደናግል ሓቢርካ ናይ ምምባር ልማድ ስለ ዚነበሮም፡ እዚ ልማድ እዚ ግቡእ ከም ዘይኮነን ዘንቅፍ ብምዃኑ ኪገድፍዎ ከም ዘለዎም ኣትሪሩ ተዛረቦም። እዚ ድማ ንገለ ፍቕሪ እግዚአብሔር ዘይብሎምን ብናይ ርእሶም ትምኒት ዚምርሑን ካህናት ኣቐጥዐ።

ከምኡውን ካህናት ካብ ፍቕሪ ገንዘብ ርሒቖም ንናይ ክርስቶስ መጓሰ ብትግሃት ንኽሕልዉን፡ ሕይወቶም ሥርዓት ብዘለዎ መልክዕ ብምምራሕ ነቲ መጓሰ ጽቡቕ ኣርኣያ መታን ክኾኑን፡ ካብ ኣተሓሳስባ ጀሚሩ ሕይወቶም ንምልዋጥ ብዙኅ ደኸመ። ብድኅሪዚ ኣብ ልዕሊ እቶም ብተግባሮም ንቤተ ክርስቲያን ዘንቅፉ ዚነበሩ ካልኦት ካህናት ናይ መስተኻኸሊ ስጉምቲ ወሰደ። ንኽልተ ዲያቆናት (ነቲ ሓደ ሰብ ብምቕታሉ ነቲ ሓደ ድማ ብምኽንያት ዝሙት) ካብ መዓርገ ክህነት ኣውረዶም። ነቶም ካብ ኵሉ ኣከባቢ ተጋቢዞም ዚመጹ ሰባኽያን ድማ “ብነጻ ዚተቐበልኩምዎ፡ ብነጻ ሃቡ” ተባሂሉ እዩ’ሞ ወንጌል ስለ ዚመሃርኩም ነናብ ዚመጻኹምሉ (ቀወምቲ ዄንኩም ኵሉ ጊዜ ናብ ተገልግልሉ ቤተ ክርስቲያን) ኪትምለሱ ኸለኹም፡ ገንዘብን ምድራዊ ጥቕምን ኣይትቀበሉ ይብሎም ነበረ። ቀጺሉ ድማ ኣብቲ ብለይቲ ዚግበር ጸሎት (ሊጦን) ንኽሳተፉ ነቶም ካህናትን ንሕዝበ ክርስቲያንን ኣተሓሳሰበ። እዚ ድማ ነቶም ምሉእ ለይቲ ምድቃስ ዚለመዱ ካህናት ኣቐጥዐ።

ንመነኮሳት ብዝምልከት ድማ ኣብቲ ሽዑ ጊዜ ኣብ ቁስጥንጥንያ ብዙኃት መነኮሳት ነበሩ። ነቶም ካብ ገዳሞም እናወጹ ናብ ኵሉ ቦታን ሥፍራታትን እናዞሩ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ተርመስመስ ዝብሉ ዝነበሩ መነኮሳት ኣብ ገዳማቶም ተወሲኖም ከም ዝነብሩ ገበረ። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ንመነኮሳት ልዑል ፍቕርን ኣኽብሮትን ነበሮ። ዋላ ሓደ ዘይፍትሓዊ ነገር ከይፍጸመሎምን በደል ከይወርዶምን ዝከኣሎ ዘበለ ኵሉ ይገብር ነበረ፡ ከምኡውን ዘድልዮም ነገራት ካብ ምግባር ድሕር ኣይብልን ነበረ። እንተ ኾነ ግና ንናይ ምንኩስና ሕይወት ከጽርፉ እዮም ብምባል ነቶም ካብ ከተማ ናብ ከተማ ዝዘሩ ኣይፈቱን ነበረ። ናብ ከተማ ቁስጥንጥንያ ብምምጻእ ናብተን ሕያዎትን ንቤተ ክርስቲያን ብዙኅ ገንዘብ ዝህባ ዚነበራን ሰብኡተን ዝሞቱወን ኣንስቲ ብምኻድ ብክርስቲያናዊ  ሕያውነት ዝሽቅጡ መነኮሳተውን ነበረ። ካብ ካህናት ቀጺሉ ኣተኩሮኡ ናብተን መጓሰ ገበረ። ከምቲ ኣብ ኣንጾኪያ እንከሎ ዚገብሮ ዚነበረ ሕጂውን ምምሃሩ ቀጸለ። ናይቶም ሰብ ጸጋ ቅጥዒ ዘይብሉ መነባብሮን  ሕንቃቐን ከምኡውን ናይ ሥነ ምግባር ጉድለታት፡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝርአ ዚነበረ ብልሹው ኣከዳድና ደጋጊሙ ብትሪ መሃረ። ብፍላይ ድማ ኣብ መንእሰያት እኳ ክትርእዮ ዘጽልእ ዓይነት ኣከዳድና፡ ኣብተን ሰብኡተን ዚሞቱወን ኣንስቲ ይርአ ስለ ዝነበረ፡ ነዘን ካብ ዕድሜአን እኳ ዘይመሃራ ናይ ተግባራተን ሕፀፅ (ጉድለት) ብምርኣይ ንኽእረማ መሃረ። ካብዘን ኣንስቲ እዚኣተን ኣብ ውሽጢ ቤተ መንግሥትን ኣብ ቀረባን ዘለዋ ነበራ። ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ላዕላይ መደብ ኣባላት፡ ብቕድሚኡ ከምዚ ዝበለ ኃያል ትምህርትን፡ ብዛዕባ ጥንቃቐ ናይ ክርስቲያናዊ ሕይወት ትርር ዝበለን ጥቡቕ ዝኾነ ናይ ሥነ ምግባር ተግሣፅን ቋንቋን ሰሚዖም ዚፈልጡ ኣይመስሉን ነበሩ። ተግሣፁ ንዓኣቶም ንምትንካይ ዚተኣለመ ከም ዝኾነ ጌሮም ይሓስቡዎ ነበሩ። ብፍላይ እቲ ተግሣፅ ግቡእን ቅኑዕ ብዝኾነ መገድን ኣብ ዝኾነሉ ሕርቃኖም እናወሰኸ ከደ። ሕዝቢ ግና በቶም ዝምህሮም ዚነበረ ትምህርታት ኣዝዮም ሕጉሳት ነበሩ።

 ድኻታትን ሽጉራትን ኣይረስዐን። ኣብ ናይ ሊቀ ጵጵሳናኡ ናይ መጀመርታ ዓመት ካብቲ ናይ መንበረ ጵጵስናኡ ወጻኢታት ብምቑጣብ ሓደ ሕክምና ኣሥርሐ። ዚነበሮ ናይ ሕክምና ድሌት ብጣዕሚ ልዑል ስለ ዚነበረ ካልኦት ሆስፒታላትውን ኣሥርሐ። ኣብኡ ድማ ንኽልተ ሕያዎት ካህናት ሓለፍቲ ገበሮም። ከምኡውን ሓካይምን፡ መግቢ ዘዳልዋን ካብ ሰብኡተን ዚሞተን ኣንስትን ደናግልን ንሕሙማት ከም ዝንከባኸባን ዘድልዮም ኵሉ ንኽገብራሎምን፡ ከምኡውን ናብታ ኸተማ ዝመጹ ኣጋይሽ እንተ ሓሚሞም ሕክምናዊ ረድኤት ከም ዝረኽቡ ገበረ ....ይቕጽል

No comments:

Post a Comment