bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Saturday 1 October 2016

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ሕይወቱን ትምህርቱን 5ይ ክፋል


ኮይኑ ግና እቲ ኣሳዳዲ ንጉሥ ጁሊያን ብሃንደበት ስለ ዝተቐዘፈ፡ ጆቪኒያን (363-364) ነገሠ። ንጉሥ ጆቪኒያን ንጳጳስ መላጥዮስ ኣብ ኣንጾኪያ ተራኸቦ። ብዓቢይ ክብሪውን ኣኽበሮ። ብኡንብኡ ድማ ብናይ ንጉሥ ትእዛዝ ናይ እስክንድርያ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣትናቴዎስ (328-373) ናብ ኣንጾኪያ መጺኡ ምስኡ ሕብረትን ሓድነትን ክህልዎ ዝደሊ ምዃኑን ንመላጥዮስ ገለጸሉ። እንተኾነ ግና ንመላጥዮስ መኸርቲ ሕማቕ ስለ ዝመኸሩዎ፡ ንቅዱስ ኣትናቴዎስ መልሲ ከይሃቦ ደንጎየ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ድማ ገና ንጵጵስናኡ ኣፍልጦ እንተ ዘይሂቡዎ፡ ምስ ጳውሊኖስ ሕብረት ዘለዎ ምዃኑ ተዛረበ። 

ከምዚ ኮይኑ ከሎውን ቅዱስ ኣትናቴዎስ ንመላጥዮስ ዚነበሮ ጽቡቕ ኣረዳድኣ ኣይተለወጠን ነበረ። ኮይኑ ግና ከምቲ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ መላጥዮስ ኣብ ሃይማኖቱን ኣብ ኦርቶዶክሳውነቱን ዚነበሮ ጽቡቕ ኣረዳድኣ፡ ኣብቲ ብድኅሪኡ ኣብ ክንድኡ ኣብ መንበሩ ዚተተክአ ፓትርያርክ ጴጥሮስ 2ይ (373-378) ኣይነበረን። እኳ ደኣ ፓትርያርክ ጴጥሮስ ብግልጺ “መላጥዮስ መናፍቕ እዩ” ክብል ጀመረ። መላጥዮስ ኣብቶም ብኦርቶዶክሳውነቱ ክቕበሉዎን ኣፍልጦ ክህቡዎን ዝግብኦም ዝነበሩ ኣብ እስክንድርያ፡ ኣብ ሮምን ንነዊሕ ጊዜ ኣብ ምልክት ሕቶ ክወድቕን ኣፍልጦ ክነፍግዎን ጸንሑ። ብመሪሕነት መላጥዮስ ናይ 26 ጳጳሳት ኣብ ኣንጾኪያ ጉባኤ ምግባሩ ጽቡቕ ውጽኢት ዘምጽአ እኳ እንተ መሰለ፡ ናይ ጳውሊኖስ እዩ ዝተባህለ በራሪ ጽሑፍ፡ ምስፍሕፋሕ (ምዝርጋሕ) ኣብ ልዕሊ መላጥዮስ ጥርጣረ ኣለዓዓለ። በዚ ድማ ሓደሽትን ትጽቢት ዘይተገብረሎምን ሽግራት ተቐላቐሉ።

ሞት ናይ ንጉሥ ጆቪኒያን ኣርዮሳውነት ኃይሊ ከም ዝረክብ ብምግባር ሓድሽ ስደት ብንጉሥ ቫሌንስ (364-378) ደጊሙ ተጀመረ። ኣብ ልዕሊ እዚውን ኣብ መንጎ እስክድርያን ኣንጾኪያን ዚነበረ  ፍኹስ ዚበለ እኳ እንተነበረ ነዊሕ ዝወሰደ ውድድር ኣብቲ ጉዳይ ርእሱ ዝኸኣለ ተራ ነበሮ። ኣብ ምብራቕ ዘለዉ ዚተፈላለዩ ጳጳሳት ናይ መላጥዮስ መሪሕነት ብምቕባል ደገፎም ሃቡዎ። ብ370 ዓ.ም ሓደ ሚእትን ሓሙሳን ጳጳሳት ብዛዕባዚ ተኣከቡ። ብ370 ዓ.ም ቅዱስ ባስልዮስ ኣብ ናይ ቂሣርያ መንበር ተሾመ። ናይ መላጥዮስ ኃያል ደጋፊ ድማ ነበረ። ፍሉይ ብዝኾነ ተውህቦ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሰላምን ሓድነትን ንምምጻእ ኣሸጋሪ ዚገበሮ ናይቲ ኩነታት ምትሕልላኽ ብምርዳእ፡ ኣብ መንጎ ቅዱስ ኣትናቴዎስን መላጥዮስን ሽምግልና ጀመረ። ኮይኑ ግና መላጥዮስ ሕጂ ውን በቲ ንጉሥ ናብ ኣርማንያ ስለ ዚተሰደደ ነቲ ኩነታት ኣጸጋሚ ገበሮ። ናይ ቅዱስ ባስልዮስ ልኡኽ ካብ ቂሣርያ ናብ ኣርማንያ፡ ካብ ኣርማንያ ናብ እስክንድርያ ካብኡ ድማ ናብ ሮማ ክኸይድ ነበሮ። ኣብ ልዕሊቲ ናይቲ ኩነታት ኣጸጋሚነት፡ እቲ ዚነበረ ናይ መራኸቢ ምድንጓይውን ተወሳኪ መሰናኽል ነበረ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ብናይ ቅዱስ ባስልዮስ ናይ ሽምግልና ጻዕሪ ጽቡቕ ውጽኢት ክርከብ ይኽእል እዩ ኢሉ ተስፋ ጌሩ ነበረ። ምኽንያቱ ብ363 ናብ ኣንጾኪያ ኸይዱ እንከሎ ዘጋጠሞ ነገር እኳ እንተነበረ፡ እቲ ቅኑዕን ኣርሒቑ ዝሓስብን ዕላማኡን ኅልናኡን ኵሉ ንናይ ክርስቶስ ሃይማኖት ንምሕላውን ንሓድነት ቤተ ክርስቲያንን ደኣ እምበር፡ ናይ ውልቂ ክብርን ካልእ ድሌታትን ንዕኡ ጉዳዩ ኣይነበረን። ኮይኑ ግና ንሱ ዓቢይ ዝኾነ ተጋድሎ ፈጺሙ፡ ብ373 ዓ.ም  ስለ ዝዓረፈ እቲ ተጀሚሩ ዚነበረ ጻዕሪ ተቛረጸ። እዚ ከይኣክል ድማ  እቲ ብቅዱስ ባስልዮስ ዚተጀመረ ናይ ዕርቂ ጉዳይ ቀንዲ ኣንቀሳቓስን ልኡኽን ዚነበረ ሰብ ምስ ናይ ብዓል ጳውሊኖስ ጉጅለ ተሓወሰ። ናይ ሮማ ፓትርያርክ ዚነበረ ዳማስቆስን ካልኦትን ነቲ ኣብ ናይ ኣንጾኪያ ምዕራባዊ ክፋል ዘሎ  ዚተሓላለኸ ኩነታት ክርድኡ ካብ ዘይምኽኣሎም ዚተላዕለ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ሽግር ክፈትሕዎ ዝፍትኑ መመሊሶም እናሓላለኽዎ ከዱ። ናይ ሮማ ሊቀ ጳጳስ ንናይ ጳውሊኖስ ጵጵስና ኣፍልጦ ብምሃብ ናቱ ናይታ ምብራቓዊት ቤተ ክርስቲያን ምስሌነ (ኣባል ምምሕዳራዊ ሽማግለ) ከም ዝገበሮ ገለጸ።

እቶም ኩነታት ኣጸገምቲ እናኾኑዎ እኳ እንተ ኸዱ ቅዱስ ባስልዮስ ግና መፍትሒ ካብ ምንዳይ ኣየቋረጸን። ሮማን እስክንድርያን ድማ ነቶም ኣብ ናይ ኣንጾኪያ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ከባቢኣን ዚነበሩ ዚተሓላለኹ ውልቃውያንን ሃገራውያንን ጉዳያትን ድሌታትን ኣይተረድኡዎን፡ ከምኡውን ኦርቶዶክሳውያን ዝወርዶም ዚነበረ ስደትን ዝቕበሉዎ ዚነበሩ መከራን ኣይተረድኡሎምን። ነዚ ኩነታትዚ ንምፍታሕን ንምቅርራብን ቅኑዓት ሸምገልቲ የድልዩ ነበሩ። ኮይኑ ግና እዚ ብዘይምርካቡ እቲ ሽግር ቀጸለ። ኣብ 378 ዓ.ም እቲ ቅዱስ ባስልዮስ ዚደኽመሉ ዚነበረ ናይ ምቅርራብን ናይ ዕርቅን መሥርሕ ደሓን እዩ ዝበሃል ውጽኢት ረኸበ። መላጥዮስ ውን ካብቲ ዚተሰደደሉ ደጊሙ ብ378 ዓ.ም (እቲ ዘሳደዶ ንጉሥ ቫሌንስ ምስ ሞተ) ተመልሰ። እንተ ኾነ ግና ነቲ ብስደትን ብኸርተትን ብዝተፈላለዩ መከራታትን ዝደኸመን ብዕድመ ንዝሸምገለን ኣቦ፡ ነቲ ኣብ ኦርቶዶክሳውያን ዚነበረ ፍልልይ ንምጥፋእ ከቢድ ሥራሕ ነበረ። 

ብ379 ዓ.ም ናይ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ ኣርዮሳውያን ከም ዝተዓወተ ንምእዋጅ፡ 150 ጳጳሳት ዚተረኽብዎ ጉባኤ ብናይ መላጥዮስ ጻውዒት ተኻየደ። እዚ ድማ ናይ እምነት መግለጽን ናይ ኦርቶዶክሳውነት ዓወት ብ381 ዓ.ም ኣብ ቁስጥንጥንያ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ናይ ቤተ ክርስቲያን ውሳኔ ኮነ።

ናይቲ ምምቕቓል መፈጸምታ ቀረባ ነበረ። ነታ ናይ ኣንጾኪያ ኣብ ክልተ ዝኸፈሉዋ ክልቲኦም ኦርቶዶክሳውያን ስለ ዝነበሩ፡ እቲ መፍትሒ ድማ ካብ ክልቲኦም ሓዲኦም ቀዲሙ ምስ ሞተ እቲ ብድኅሪኡ ዚተርፍ ንኽልቲኦም ጠርኒፉ ሓድነት ምፍጣር እዩ ኔሩ። መላጥዮስ እዚ ጽቡቕ መፍትሒ ከም ዝኸውን ኣቐዲሙ ተረዲኡ ስለ ዝነበረ፡እዚ ሓሳብ እዚ ንጳውሊኖስ ኣቕረበሉ። ኮይኑ ግና እዚ ናይ ሕውነታውን ናይ ሰላምን ሓሳብ፡ በቲ ዋላ ሓንቲ ናይ ስምምዕ ይኹን ነቲ ኩነታት ናይ ምፍታሕ ድሌት ብዘይነበሮ ብጳውሊኖስ ውዱቕ ኮነ። መላጥዮስ ድማ ብ381 ዓ.ም ናይ ቁስጥንጥንያ ጉባኤ ብሊቀ መንበርነት ክመርሕ ምስ ጀመረ ብሃንደበት ዓረፈ። ዕረፍቱ ድማ ነቲ ተሓሲቡ ዚነበረ ናይ ሓድነት ተስፋ ኣብ ጠልጠል ኣትረፈ። ኣስከሬኑ ድማ ካብ ቁስጥንጥንያ ናብ ኣንጾኪያ መጺኡ ብዓቢይ ክብርን ሥነ ሥርዓትን ኮይኑ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ናይ ኣንጾኪያ ሊቀ ጳጳስ ዚነበረ ኣብ ጎኒ ናይ ሰማዕት ቅዱስ ባቢላስ ተቐብረ። ንሱውን ዕረፍቱ ከም ዝተቓረበ ዝተረድአ ብዝመስል መልክዕ ቅድሚ ውሑዳት ዓመታት ሓድነት ናይ ምምጻእ ኣገዳስነት ኣትሪሩ ይዛረብን የተሓሳስብን ነበረ።

ኮይኑ ግና ኣብ ናይ መላጥዮስ መንበር ፍላቭያን ተተክአ። እስክንድርያን ሮማን ድማ ከምቲ ኣቐዲመን ዝገበራኦ ምስ ናይ ጳውሊኖስ ወገን ብምዃን ንፍላቭያን ኣፍልጦ ኣይሃባኦን። ፍልልዩ ድማ በዚ ቀጸለ። ብፍላይ እቲ ኵሉ ዘመን ሕይወቱ ምስ ኣርዮሳውያን ብምቅላስ ንናይ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት ጠበቓ ዚነበረ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዚነበሮ ቅኑዕን ጽቡቕን ኣተሓሳስባ፡ ንውልቁ ዝጸልኡዎ እኳ እንተ ኾኑ ኦርቶዶክሳውያን ክሳዕ ዝኾኑ ምስ ኵሎም ሰላምን ሓድነትን ንምፍጣር ዝከኣሎ ኵሉ ንምግባር ድሕር ዘይብል ዝነበረ ኣቦ ምስ ዓረፈን ናቱ ሰዓብቲ (ግብጻውያን) ናቱ ሓሳብን መገድን ብዘይምኽታሎም ብወገን እስክንድርያ ምስ ኣንጾኪያ ንዝነበረ ሽግር ቀንዲ ምኽንያት ነበረ።

ኣብዚ ጊዜ እዚ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ኣብ ኣንጾኪያ ይምህር ነበረ። ኣብ ኣንጾኪያ ብናይ ኤዎስጣቴዎስ ናይ ቀደም ክብሩ ጥራይ ከምኡ ውን ካብ ሮም ብዝነበሮም ደገፍ እናተነፍሑ ቁጽሮም እኳ ውሑዳት እንተ ነበሩ ሽግር ይፈጥሩ ንዝነበሩ ኤዎስጣቴዎሳውያን ተግባሮም ቅኑዕ ከም ዘይኮነ የረድኦም ነበረ። ናይ ጳውሊኖስ ናይ ጵጵስና ሽመትውን ሕጋውን ዋጋ ዘለዎን እዩ ኢሉ ኣይቅበሎን ነበረ። እታ ንብዙኅ ዘመን ሓድነትን ሰላምን ስኢና ዚነበረት ናይ ኣንጾኪያ ቤተ ክርስቲያን ሰለም ከም ትረክብ ዚገበረ ድማ ንሱ እዩ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ነቲ ብድኅሪ መላጥዮስ ዚተተክአ ፍላቭያን ምስ ሮማን እስክንድርያን ብ398 ዓ.ም ኣተዓረቖ። እቲ ኣብ ክንዲ ፍላቭያን ዚተተክአ ኣሌክሳንደር ድማ ንኤውስጣቴዎሳውያን ናብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን መለሶም። ኣብ ናይ ኣንጾኪያ ቤተ ክርስቲያን ድማ ድኅሪ ናይ ብዙኅ ጊዜ ፍልልይን ሽግርን ፍቕርን ሓድነትን ኮነ።

5. ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ናይ ቁስጥንጥንያ ፓትርያርክ /398-404/
ነገራት በቲ ዝተለምደ ኩነታት እንተ ዝኸዱ ኔሮም፡ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ንናይ ኣንጾኪያ ጳጳስ ናይ ፍላቭያን ተተካኢ ምኾነ ኔሩ። እንተ ኾነ ግና ብ397 ዓ.ም ናይ ቁስጥንጥንያ ፓትርያርክ ዚነበረ ኔክታርዮስ ዓረፈ። ኣብ’ዚ ጊዜ ሕጂ ክፉት (ነጻ) ኣብ ዝኾነ ኣብ ናይ ሮማ ምብራቓዊ ግዝኣት ቀንዲ ኸተማ ዝኾነት ኣብ ናይ ቁስጥንጥንያ መንበር ንምሻም ብጋህዲ ኮነ ብሕቡእ ሓፈሻዊ ዝኾነ ሕሹኽሹኽ ነበረ። ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ነቶም ኣብቲ መንበር ንምትካእ ዝናፍቑ ዚነበሩ ጳጳሳት ዘሰንብድ ነገር ተሰምዐ። ንጉሥ ኣርቃዴዎስ ብምኽሪ ናይ ሚኒስተር ዩትረጵየስ ንቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ካብ ከተማ ኣንጾኪያ ሕዝቢ ከይሰምዐን ከይፈለጠን ብቕልጡፍ ናብ ቁስጥንጥንያ ንኽሰዶ ዝእዝዝ መልእኽቲ ንናይ ኣንጾኪያ ገዛኢ ከም ዝለኣኸ ተሰምዐ። ናይ ኣንጾኪያ ምእመናን ንኣቦና ኣይንሰዶን ኢና ኢሎም ረበሻ ከየልዕሉን ካብኡ ኾነ ካብ ካልኦት ንዝመጽእ ተቓውሞ ንምፍሻል፡ ብጥበብ ካብታ ኸተማ ከም ዝወጽእ ምስ ተገብረ፡ ካብ ቤተ መንግሥቲ ብዝተላእኸ ዓጃቢ ኃይሊ ብቕልጡፍ ናብ ኣንጾኪያ ተወስደ።

እቲ ናይ ኣንጾኪያ ገዛኢ ዚነበረ ሰብ፡ እታ መልእኽቲ ምስ በጽሓቶ፡ ንቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ካብታ ኸተማ ወጻኢ ናብ ትርከብ ቤተ ክርስቲያን ምስኡ ክኸይድ ሓተቶ። ናብ ሠረገላኡ ምስ ደየበሉ ድማ ብቕጽበት ናብቶም ናብ ቁስጥንጥንያ ንኽወስድዎ ተዳልዮም ዝጽበዩ ዘለዉ መኳንንቲ ናብ ዝነበሩዎ ንቁስጥንጥንያ ናብ ዝወስድ ጎደና ሒዝዎ ኸደ። ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ቅድሳት መዛግብትን ዝጎልሐ ድሙቕ ስምን ክብርን ከውህብዎ ናብ ዘለዎም ናይ ፈተናታትን ናይ ተጋድሎታትን መድረኽ ብኸምዚ ዓይነት ሃንደበታዊ ኩነታት ተወስደ።

ናበይን ስለምንታይ ይወስዱዎ ከም ዘለዉ ዚፈለጠ ቁስጥንጥንያ ምስ በጽሐ እዩ። ከምዚ ብዝበለ ኩነታት ብዘይ ፍቓድን ብዘይ ድሌትን፡ ፍቓደኛ ምዃኑ እኳ ከይተሓተተ ብሃንደበት ናይ ቁስጥንጥንያ ሊቀ ጳጳስ ከም ዝኸውን ተገብረ። 26 የካቲት 398 ዓ.ም ብዙኃት ጳጳሳት ኣብ ዘለዉዎ ብዓቢይ ሥነ ሥርዓት ብኢድ እቲ መበል 23 ናይ እስክንድርያ ፓትርያርክ ዚነበረ ቴዎፍሎስ ኣብ ናይ ቁስጥንጥንያ መንበር ተሾመ። ቴዎፍሎስውን ብዘይ ፍታዉ ብትእዛዝ ናይ ንጉሥ ኣርቃዴዎስ ንቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ኪሸይም ተገደደ። ቴዎፍሎስ ኣብ ናይ ቁስጥንጥንያ መንበር ንምሻም ናይ ባዕሉ ሕጹይ ኣዳልዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ነዚ ኺገብር ከም ዘይክእል ብምርድኡ ናይ ንጉሥ ትእዛዝ ፈጸመ። ኣብ ልዕሊዚውን ንቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ኣይሸሞን እየ ንምባልን ንምብቃልን ሽዑ ከም ዘይጥዕሞ ፈሊጡ፡ ጽቡቕ ዕድልን ኣጋጣምን ክሳዕ ዚረክብ ጽልኡ ኣብ ልቡ ዓቖሮ።

እዚ ለውጢ እዚ ማዕረ እቲ ሃንደበታዊ ምምባሩ ከቢድውን ነበረ። ምቾትን ተድላን ናይ መዓልቲ መዓልቲ ሕይወት ኣብ ዝኾኑሉ፡ ኃጢአትን ግፍዕን ከም ቀለልቲ ኣብ ዝረኣዩሉ፡ ኣብ ልዕሊ ደም ናይ ደቂ ሰባት እናሰጎምካ ናብ ሥልጣን ምድያብን ንሥልጣን ምሕላውን ናይ ጅግንነት መግለጽን ዕንደራን ኮይኖም ኣብ ዝረኣዩሉ ኣብ ጎኒ እዚ ቤተ መንግሥቲዚ ምሻም ቀሊል ነገር ኣይነበረን።

ሓድሽ ዝተሾመ ሊቀ ጳጳስ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ፡ ብመጀመርታ ዚገበሮ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዚተገለጸ፡ ነቲ ንብዙኅ ጊዜ ቀጺሉ ዚነበረ ናይ ኣንጾኪያ ቤተ ክርስቲያን ሽግር ምፍታሕ ነበረ። በዚ ድማ ኣብ መንጎ ናይ ኣንጾኪያ ጳጳስ ፍላቭያንን ኣብ ሮማን እስክንድርያን ዕርቅን ሓድነትን ከም ዝፍጠር ገበረ። በዚ ድማ ናይ ምብራቕን ናይ ምዕራብን ናይ ክርስትና ዓለም ናይ ቀደም ሓድነቱ ተመልሰ። ከተማ ቁስጥንጥንያ ብቆስጠንጢኖስ ዓቢይ ብ330 ዓ.ም ዚተመሥረተት ኮይና፡ ንናይ ሮማ ግዝኣት ምብራቓዊት ርእሲ ከተማ ኮነት። ከምኡውን ካብ ምብራቓውያን ናይ ቤተ ክርስቲያን መናብርት ቀዳማይ ደረጃ ተዋህባ (ካብ ናይ እስክንድርያ መንበር ቀዳመይቲ ኮነት)። ብ381 ዚተኻየደ ካልኣይ ዓለምለኻዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጉባኤ፡ ናይ ኒቅያ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊ ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ ኣርዮሳዊ ኑፋቔ (መናፍቕነት) ከም ዚተዓወተ ኣብ ርእሲ ምእዋጁ፡ ንናይ ቁስጥንጥንያ (ናይታ ሓዳስ ሮማ) ሊቀ ጳጳስ ብኽብርን ብማዕርግን ካብታ ጥንታዊት ሮማ ቀጺሉ ናይ ካልኣይ ደረጃ ሃበ።

ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ነዚ ከቢድ ናይ ጉስነት ሓላፍነትን ናይ ክርስቶስ ሓደራን ከም ዝተሸከመ፡ ምስቲ ብሥነ ምግባር ትሒቱ ዚነበረ ሕብረተ ሰብን ዚተበላሸወ ናይ ሕይወት ልምዲ ምስ ዚነበሮም ናይቲ ዘመን ሰብ ጸጋን ሰበ ሥልጣንን ጽድቅን ሓቅን ኣብ ልዕሊ ኃጢአት ንምንጋሥን ዚጽበዮ ግቡእ  ሥራሕ ንምሥራሕን ብመንፈሳዊ ቆራጽነት ተላዕለ። ቤተ ክርስቲያን ሓቀኛን ቆራጽን ኣቦ ኣብ ዘድልያ ጊዜ እግዚአብሔር ንሕዝቡ ዘዳለዎ ኣቦ ነበረ።

ናይ ለውጥን ናይ ምስትኽኻልን ኣድላይነት ኣዝዩ ንጹር ነበረ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ናይ ምጽራይን ናይ ምስትኽኻልን ተግባሩ ብላዕሊ ጀመረ።ሓቀኛን ርቱዕን ዚኾነ ትምህርቱን ገዳማዊ ሕይወቱን ኣብ ናይ ቁስጥንጥንያ መንበርውን ቀጸለ። ነቶም ኣብ መንበረ ጵጵስና ዚነበሩ ኣዝዮም ክቡራትን ዘጌጹ ናይ ውሽጢ ኣቑሑን  ንዋትን ብምሻጥ፡ እቲ ገንዘብ ንሕክምናን ንድኻታትን ከም ዝውዕል ገበረ። ንቤተ ክርስቲያን ፋይዳ (ጥቕሚ) ዘይነበሮም ወጻኢታት ኵሎም ኣትረፎም። ነቲ ትሕርምታዊ ናይ ገዳም ሕይወቱ ኣብ መንበረ ጵጵስናውን ብምቕጻል፡ ነቶም ቅድሚኡ ኣብ ውሽጢ መንበረ ጵጵስና ዚግበሩ ዚነበሩ ድግሳትን ግብጃታትን ኣትረፈ። ንድራርን ካልእ ዚተፈላለዩ ግብጃታትን ኪጽዋዕ ከሎ ድማ ኣይቅበሎምን ነበረ። ኣብ ቀጽሪ ናይ መንበረ ጵጵስና ብዙኅ ምእካብን ዓጀብቲ ምብዛኅ ኣትረፈ። ካልኦት ነገራት ውን ኣዝዮም ኣድለይቲ ናብ ዝኾኑ ጥራይ ኣጉደለ። ናይ መንበረ ጵጵስና ኣታውን ገንዘብን መብዛሕትኡ ንድኻታትን ንኣገልግሎት ሕክምናታትን ከም ዝውዕል ገበረ። ካብቲ ኣቐዲሙ ኣብ ገዳም ኪነብር ከሎ ዚነበሮ ሕይወት ብዙኅ ዘይተፈልየ ሕይወት ድማ  ቀጸለ።

ንህናት ብዝምልከት ድማ ሥነ ምግባሮም ዚተበላሸወን ሥርዓት ዘይብሎምን ካህናት ከም ዝኽስተኻኸሉን ሥርዓት ከም ዝሕዙን ገበረ። ንሱ ፓትርያርክ ኣብ ዝኾነሉ ዘመን ሕይወት ናይቶም ሕዝብን ገዛእትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይታ ኸተማ ካህናትውን ሕይወቶም ብምቾትን ብምሕንቃቕ ዚተበላሸወ ስለ ዚነበረ ንጹር  ዝኾነ ነቐፌታ ይስምዖም ነበረ።.....ይቕጽል 

No comments:

Post a Comment