bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Tuesday 9 August 2016

ናይ ተሃድሶ ታሪኽ 3ይ ክፋል


ናይ ኣርመን ቤተ ክርስቲያን

ኣቐዲመ ኢለኩም ኔረ ናይ ተሃድሶ ዋና ዕላማኦም ወልድ ዋሕድ ኢለን ዚኣምና ኣብያተ ክርስቲያናት ምጥፋእ ኢዩ። ናይ ኣርመን ቤተ ክርስቲያን ኣብ መከራ ኢያ ኔራ። ኣብ’ቲ ሽዑ ጊዜ ኮሚኒዝም ዚበሃል ሓድሽ ፍልስፍና ኣብ ሶቬት ሕብረት ምስባኽ ዚጀመረሉ ጊዜ ኢዩ ኔሩ። ተሃድሶ ኵሉ ጊዜ ንዕዳላት ይጥቀምሉ ኢዮም። ሓድሽ ነገር እንተመጺኡ ንዑኡ ተጠቒምና ንሕዝቢ ኪንዕወተሉ ንኽእል ኢና ኢሎም ኢዮም ዚሓስቡ።…….ልክዕ ኣብ ህንድን ሶርያን ከም ዚገበርዎ ድማ ናይ ኣርመን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሠለስተ መቐልዋ። ሓደ ኣብ ውሽጢ ኣርመን ዚርከብ ኤቺሚዝም ዚበሃል ኣብ መንበረ ፕትርክና ዘሎ፡ ካልኣይ ኪልቅያ ዚርከብ ኣብ ቱርኪ ዘሎ፡ ሣልሳይ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ዚርከብ ኢዩ። ኣባና ውን ተሃድሶ ሓደ ሰሊጥዎም ዝብሎ ነገር እዚ ኢዩ። ብ1983 ዓ/ም መንግሥቲ ምስ ተለወጠ ነቲ ዕድል ዚተጠቐሙ መሲልዎም ዚተወሰኑ ጳጳሳት ነዛ ሃገር ገዲፎም ኮብለሉ። ኣሜሪካ ድማ ኣተዉ። ብ1986 ዓ/ም ኣብ ኣሜሪካ ሜሪላንድ ኣብ ዚበሃል ግዝኣት ተኣኪቦም ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስቲያን ሲነዶስ ኣዲስ ኣበባ ዘይኮነስ ኣብ’ዚ ኣብ ኣሜሪካ እዩ ዘሎ። እቲ ሲኖዶስ ድማ ንሕና ኢና። ንናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስቲያን ንሕና ኣብ’ዚ ኴንና ኢና ንመርሓ፡ ብምባል ሕዝቢ ከታልሉ ፈተኑ። ብሪሞት ኮንትሮል ጌሮም ድዮም ከመሓድርዋ ዋላ ብምንታዮም ኣይፍለጥን። ሽዑ እንታይ ጌሮም? ሥርዓት ከመሓይሹ ጀመሩ፡ ሓደ ኣብ ኣሜሪካ ተኣኪቦም ዚወሰንዎ ውሳኔ እንታይ ኔሩ እንተ በልና ድማ “ቅዳሴ ነዊሑ ስለ ዘሎ ንሕዝቢ ይኸብዶ ኣሎ” ኪብሉ ጀመሩ።

ሰባኺ ንሕና ከቢዱና ኢልና ዲና ምእመናን
ምእመናን ኣይበልናን
ሰባኺ ቅዳሴ ነዊሑ ከቢድና ኢልኩም ትፈልጡ ዲኹም?
ምእመናን ኣይንፈልጥን ኢና

ሰባኺ አረ ሕዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ካህናት ዝበኣስ እኮ ቅዳሴ እንተሓጺርዎ እዩ። እንታይ ዓይነት ካህናት እዮም ናይ ሎሚ ነዚ ቅዳሴ  ህውኽ ህውኽ ኣቢሎም ኣሕጺሮሞ እዩ ዚብል እምበር ኣንዊሖምልና ኢሉ ኣይፈልጥን እዩ። ኣቐዲሞም እኳ እዞም ኣቦ ኪነግሩና ጸኒሖም እዮም። ሕዝብና 24 ሰዓት ዝቐውም ሕዝቢ እዩ። ኣብ’ዚ ቦታ እዚ ሰዓት 10 ቃለ እግዚአብሔር ኪወሃብ እዩ ምስ ተበሃልኩም ካብ ሰዓት 7 ጀሚርኩም ዚተኣከብኩም ምእመናን እኮ ኢኹም። ተሃድሶ ግን ኣብ ኣሜሪካ ኮይኖም ነዚ ሕዝቢ ቅዳሴ ስለ ዚነውሖ ቅዳሴ 15 ደቒቕ ኪኸውን ኣለዎ ኢሎም ወሰኑ። ቀጺሎም ድማ ‘ከበሮን ጸናጽልን መቖምያን ይትረፍ እሞ ጊታርን ፒያኖን ኪኣቱ ኣለዎ’ ኢሎም ወሰኑ። ‘14 ቅዳሴ በዚሑ ኣሎ ስለ’ዚ 3 ቅዳሴ ይኣክለና እዩ። ቅዳሴ እግዚእ፡ ቅዳሴ ሐዋርያት፡ ቅዳሴ ዲዮስቆሮስ ይኣኽለና እዩ” ኢሎም ወሰኑ። 

ንሕና ካብ መዓስ ኢና ቅዳሴ በዚሕና ዚበልና። ‘ቅዳሴ ማርያም ምቕዳስ እሞ ኸኣ  ብሓንቲ መዓልቲ 4 ቅዳሴ ከም ዝቐደስካ እዩ” ኪብሉ ጀመሩ። ንሕና ግን ነዊሕና ኣይበልናን። ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስቲያን እኮ ቅዳሴ ማርያም ተተርጕሙ ተቐዲሱ ውን ኣይኣከለናን። ካብ’ዚ ቀጺሎም ድማ ‘ንሕና ሓደሽቲ ጳጳሳት ኣብ ኣሜሪካ ኪንሸይም ኢና’ ብምባል ኣብ ኣሜሪካ ኮይኖም ጳጳሳት ሾሙ። ነዚ ዚሠርሑ ተሃድሶ እዮም። ንምንታይ እዮም ግን ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስቲያን ኣብ አሜሪካ ከይዶም ኪንጽልዋ ዚደለዩ? ኢልና ምስ ንሓትት፡ ነዞም ኣብ’ዚ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ኣቦታት ሥርዓት ነመሓይሽ ዶግማ ነመሓይሽ ቅዳሴ ነመሓይሽ ማኀሌት ነመሓይሽ መጻሕፍቲ ነመሓይሽ ምስ በልዎም ፍጹም ኣይከውንን እዩ፡ እንተደሊኹም ንስኻትኩም ተመሓየሹ እምበር ቤተ ክርስቲያን ኣይትመሓየሽን እያ። ምልዋጥ እንተ ደሊኹም ንስኻትኩም ብመንፈስቅዱስ ብንስሓ ብሥጋኡን ደሙን ተለወጡ እምበር ቤተ ክርስቲያን ኣይትልወጥን እያ” በልዎም። ስለ’ዚ ብቐደሙ ውን ናብቲ ለውጢ ለውጢ ዚሽትት ኣሜሪካ ኬድና ከም ዚደለናዮ ኪንከውን ንኽእል ኢና ብምባል ከዱ። ናትና ተሃድሶ ነዚኣ ሜላ እዚኣ ዚተመሃርዋ ካብ ናይ ኣርመን ተሃድሶ እዮም። ናይ ኣርመን ቤተ ክርስቲያን ውን ከምኡ ኣብ 3 እያ ተመቒላ። ነዚ ምምቕቓል እዚ ተጠቒሞም ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዚርከቡ ሰባት ካልእ ዚተነጸለት ቤተ ክርስቲያን ሠርሑ። ብቅዱስ ሲኖዶስ ዘይትእዘዝ ቤተ ክርስቲያን። ካብ ዚገርመኩም ኣብ ኣሜሪካ ገለልተኛ ዚበሃሉ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣለዉ። እዞም ኣብያተ ክርስቲያናት ጳጳስ ዘይባርኾም ንቅዱስ ሲኖዶስ ዘይእዘዙ፡ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ናይ ቅዱስ ጳትርያርክ ስም ዘይጽውዑ፡ ናይ ሃገረ ስብከት ሊቀ ጳጳስ ስም ኣብ ቅዳሴ ዘይጽውዑ፤ ብቦርድ እዮም ዚምርሑ።

ሰባኺ “ኣብ ሃገርና ብቦርድ ዚምርሑ ኣብያተ ክርስቲያናት ሰሚዕኩም ትፈልጡ?”
ምእመናን ኣይንፈልጥን ኢና

ሰባኺ ኣብዚኣቶም ግን እቲ ካህን ናይታ ቤተ ክርስቲያን ኣመሓዳሪ ኣይከውንን። ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣመሃዳሪ ዚኸውን ምእመን እዩ። ምእመን ብምእመኑ ውን ከማኹም ኣብ’ዚ ኮፍ ኢሉ ቃለ እግዚአብሔር ዚተመሃረ ምእመን ከይመስለኩም። ዋላ ሓንቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ነገር ዘይፈልጥ ምእመን እዩ። ሓደ ኣብ ሚናፖሊስ ዘለዉ ኣቦ እንታይ ከም ዝበሉኒ ከዕልለኩም፡ “ሓደ ሓደ ጊዜ እዞም ምእመናን ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ዋላ ሓንቲ ዚፈልጥዎ ነገር ስለ ዘየለ፡ ቅዳሴ ዚነውሐ ይመስሎም እሞ ኣብ መንጎ ቅዳሴ ኣብ ፊት ናይ መቕደስ ይመጹ እሞ ብኢዶም ምልክት እናገበሩ ‘ኣሕጽርዎ’ ይብሉና።..ከም’ዚ ኢሎም ዚሓስቡ ሰባት እዮም ዚመርሕዎም።
ሓደ መዓልቲ ቦስተን ኣብ ዚበሃል ከተማ ደቂ ኣንስትዮ መዘምራን ናይ መዘምራን ልብሲ ለቢሰን መዝሙር የቕርባ እሞ፡ ናይ’ታ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቦርድ ሊቀ መንበር ድማ ምእመን እዩ፡ ዋላ ሓንቲ ዘይፈልጥ ምእመን እዩ፡ ነጸላ ውን ኣይገብሩን እዮም። ቫድላ ጌሮም እዮም ዚመጹ። እተን ደቂ ኣንስትዮ ዘሚረን ምስ ወድኣ ብድድ ኢሉ “ ከምዛ ሎሚ መዓልቲ ዚዘመራልና ጽባሕ ድማ ከም ዝቕድሳ ኪንገብር ኢና” በለ ይበሃል። ንዕኡ ምዕባለ መሲልዎ እዩ። እዚ ዓይነት ሓሳብ ዚሓስቡ ሰባት እዮም ዚመርሕዎም። 

እዚ ድማ ናይ ተሃድሶ ውጽኢት እዩ። ልክዕ ከም’ዚ ዓይነት መንፈስ ሎሚ ኣብ ዱባይ ኣሎ። ኣብ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ለፊዖም ለፊዖም ነዚ ሕዝቢ ንምፍንጫል እንተተኻኢልዎም ድማ ካብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓውደ ምሕረት ኣውጺኦም ኣብ ኣዳራሽ ወሲዶም ኣብ ኣዳራሽ ከም ዝዘልል ምግባር እዩ ዕላምኦም። ቤተ ክርስቲያን እንተ መጺኡ ምዱየ ምጽዋት ከቐምጥ እዩ፡ ንኸይምጽውት፡ ቤተ ክርስቲያን እንተ መጺኡ መንደቕ ኪሳለም እዩ’ሞ ንኸይሳለም፡ ቤተ ክርስቲያን እንተ መጺኡ ካህናት ኪረክብ እዩ’ሞ ንኸይረክብ፡ ቤተ ክርስቲያን እንተመጺኡ ተንበርኪኹ መሬት ኪስዕም እዩ’ሞ ከም ዘይስዕም ንምግባር ናይ ኣዳራሽ ጉባኤ ኪንጅምር ኢና ኢሎም ተንሢኦም፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ክርስቲያን ስለ ዝሕሉ ዚኸልከሎም ሰባት ንዱባይ ከይዶም ዚተፈንጨለት ቤተ ክርስቲያን ሠርሑ። ኵሉ ጊዜ ዱባይ ጉባኤ እናበሉ ዚኸዱ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስቲያን ኣይኮነን ኣይምሰልኩም። ኣብኡ ገለልተኛ ዚኾነ ጳጳስ ዘይባረኾ ናይ ቅዱስ ጳትርያርክ ስም ኣብ ቅዳሴ ዘይጽወዓሉ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስቲያን ዘይትፈልጦ ዚተፈንጨለ ቤተ ክርስቲያን ኣሎ። 

እዚ ናይ ተሃድሶ ተንኮል እዩ። ንቤተ ክርስቲያን ምፍርራስ ምፍልላይ ልክዕ ኣብ ኣርመን ከም ዚገበርዎ ማለት እዩ። ግን እግዚአብሔር “ኣፍደጌታት ሲኦል ኣይሕይልዋን እዮም” ስለ ዚበለ፡ ቅድሚ 5 ዓመት ናይ ኣርመን ምእመናን ተንሢኦም ቤተ ክርስቲያንና ከም’ዚ እናኾነት ንምንታይ ትም ንብል? ኣቦታትና እናተፈላለዩ ከመይ ጌርና ትም ንብል? ከነተዓርቖም ኣለና” ብምባል፡ ካብ ናይ ኣርመን ፕረዚደንት ጀሚሮም ክሳብ እቲ ኣብ ዚተሓቶ ዘሎ ሕዝቢ ተንቀሳቒሶም፡ ነቶም ኣብ 3 ተኸፋፊሎም ዚነበሩ ኣቦታት ኣብ ሓደ ቦታ ኣራኺቦም ኣተዓሪቖም ካባና (ካብ ኢትዮጵያ) ቤተ ክርስቲያን ውን ኣቦታት ተወኪሎም ብምኻድ፡ እታ ክሳብ ቅድሚ 5 ዓመት ተፈላልያ ዚነበረት ናይ ኣርመን ቤተ ክርስቲያን ሓደ ኮነት። ምእመናን ብዕልልታን ጣቒዕትን ዕልልልልልልልልልልለል እናበሉ ንእግዚአብሔር ኣመስገኑ።


ሕጂ ድማ ኣብ ኣርመን ተተኺሉ ዚነበረ ናይ ዲያብሎስ ተንኮል ተሳዕረ። ብድሕሪ’ዚ ናበይ ከይዱ ናብ ግብጺ ድማ ኣተወ….. ይቕጽል።

No comments:

Post a Comment