bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 5 August 2016

ናይ ተሃድሶ ታሪኽ ካልኣይ ክፋል

ደጌታት ሲኦል ኣይሕይልዋን ኢዮም ማቴ 16፡18 



ናይ ህንዲ ቤተ ክርስቶያን

 ናይ ህንዲ ቤተ ክርስቲያን ሠለስተ ዓይነት ፈተና ነበራ። ቀዳማይ ናይ ህንዲ ሕዝቢ መብዛሕትኡ ጣዖት ዘምልኽ ስለ ዚነበረ፡ መምለኽቲ ጣዖት መከራ የምጽእሎም ነበሩ። ብካልኣይ ደረጃ ህንዲ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንግሊዝ ስለ ዚነበረት እንግሊዛውያን ፕሮቴስታንት ነቶም ናይ ህንዲ ክርስቲያን መከራ የብዝሕሎም ነበሩ። ነቶም ኣብ ላምን ኣብ ሓርማዝን ዚኣምኑ መምለኽቲ ጣዖት ገዲፎም ነቶም ክርስቲያን ኢዮም ዘሳቕይዎም ኔሮም። ብሓደ ኣጋጣሚ ኣጼ ዮሐንስ ዚተዛረብዎ ትዝክሩ ዶ? ፕሮቴስታንት ብዙሓት ሃገራት እናተሳገሩ ናብ ኢትዮጵያ መጹ እሞ ናብ አጼ ዮሐንስ በጽሑ።

ኣጼ ዮሐንስ እንታይ ደሊኹም ኢኹም መጺኹም?
ፕሮቴስታንት መጽሓፍ ቅዱስ ኪንምህር
ኣጼ ዮሐንስ ንመን ኢኹም ኪትምህርዎ?
ፕሮቴስታንት ንሕዝቢ ኢትዮጵያ

ኣጼ ዮሐንስ እዋእ! መጽሓፍ ቅዱስ ዘይፈልጥ ናይ ሊብያ ህዝቢ ናይ ጫድ ህዝቢ ናይ ሱዳን ህዝቢ ገዲፍኩም’ሲ ናብ’ዚ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ህዝቢ እንታይ ዘምጽእ ኣለኩም። ናይ ብሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ኪትምህሩ እንተደሊኹም ድኣ ንምንታይ ስዑዲ ዓረብ ዘይትኸዱ? በልዎም ይበሃል።

ናይ ብሓቂ ወሓለ ዘረባ ኢዩ። ናይ ብሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህሩ እንተ ደልዮም ንምንታይ ናብ’ኡ ዘይከዱ? እዞም ናይ ህንዲ እንግሊዛውያን ፕሮቴስታንት ድማ ነቶም ጣዖት ዘምልኹ ሕዝቢ ህንዲ ገዲፎም፡ ነቶም ብእግዚአብሔር ዚኣምኑ ናይ ህንዲ ክርስቲያን “ንጐይታ ኣይፈለጥኩምዎን” ኪብልዎም ጀመሩ። ኣቐዲመ ከም ዚበልኩኹም መብዛሕትኦም እቶም ሕዝቢ ኣብ ድኽነትን መከራን እዮም ኔሮም። ስለ’ዚ ተሃድሶ ናይ መጀመርያ ተግባሮም ዚገበርዎ መሠልጠኒ ከፈቱ። ኣብ’ቲ መሠልጠኒታቶም ድማ ዚተፈላለዩ መንእሰያትን ካህናትን እናወሰዱ ከሰልጥንዎም ጀመሩ። ነዚኦም ዚገበርዎም ውን ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ሶርያ ዚገበርዎ ኢዩ። “ጐይታ ኣይፈለጥኩሞን፡ ወንጌል ኣይተሰበኸልኩምን እዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ ንክርስቶስ ኣይትፈልጦን ኢያ። ቅዳሴኹም ኪእረም ኣለዎ። ገድሊን ስንክሳርን ኪእረም ኣለዎ” እናበሉ ኪምህሩ ጀመሩ። ውሑዳት ካብቶም ተመሃሮ ድማ እዚ ናይ ምንፍቕና ትምህርቲ ሓቂ መሲሉ ተራእዮም። ተንሢኦም ድማ ቅዳሴ ኪንእርሞ ኣለና ኪብሉ ጀመሩ። ኣብ ህንዲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ’ቲ ሽዑ ዘመን ቅዳሴ ናይ ሓደ ሰዓትንኣርበዓን ሓሙሽተን ደቒቕን ኣቢሉ ኢዩ ዚወስድ ኔሩ። ንሳቶም ግን ቅዳሴ ከነመሓይሾ ኣለና ብምባል ናብ 15 ደቒቕ ኣውረድዎ። ነቲ ብዛዕባ ድንግል ማርያም ብዛዕባ መስቀል ብዛዕባ ቅዱሳን ኣቦታት ዚዛረብ ብምሉኡ ኣውጺኦም እዚ ኢዩ ትኽክለኛ ቅዳሴ ኪብሉ ጀመሩ። ቀጺሎም “በዓል ምኽባር ኣየድልን ኢዩ፡ መንበርን መሠወዕን ኣድልየናን ኢዩ፡ ክህነት ብድምጺ ብልጫ እምበር ብናይ ጳጳሳት ሽመት ኪኸውን የብሉን” ኪብሉ ጀመሩ። ብምቕጻል ድማ ናይ ህንዲ ቤተ ክርስቲያን እዚ ናይ ኣቦታተይ ናይ በዓል ሐዋርያ ቶማስ ትብሎ መዝሙር ገዲፋ ሓድሽ መዝሙር ኪትዝምር ኣለዋብምባል ናይ ፒያኖን ጊታርን መዝሙር ሒዞም መጹ። ልክዕ ከም’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዚተገበረ ኢዩ ኣብኣቶም ውን ተጌሩ። “ምንኩስና ገዳማዊ ሥርዓት ኪተርፍ ኣለዎ በሉ”። እቶም ሽዑ ዚነበሩ ኣቦታት ግን እዚ ብፍጹም ኣይከውንን እዩ ኢሎም ኣበዩ። ተሃድሶ ኣብ ህንዲ ኣዝዩ ዘሕዝን ሥራሕ ኢዮም ሠሪሖም። ዚገበርዎ እንታይ ኢዩ? ንናይ ህንዲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቤት ፍርዲ ከሰስዋ። እቲ ጭቕጭቕ ናይ ቤት ፍርዲ ክሳዕ 15 ዓመት ኣቢሉ ወሲዱ ኢዩ። እቲ ቤት ፍርዲ ድማ ናይ ኣረማውያን ቤት ፍርዲ እዩ። እቶም ዚፈርዱ መምለኽቲ ጣዖት ስለ ዚኾኑ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ዚፈልጥዎ ነገር የብሎምን። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ቤት ፍርዲ “ክልቴኹም ብሃይማኖት እንተዘይተረዳዲእኩም ናይ ህንዲ ቤተ ክርስቲያን ንክልቴኹም ተማቐልዋ” ብምባል ፈረደ። ነተን ኣብያተ ክርስቲያናት ቆጺሩ ንክልቲኦም መቐሎም፡ ገዳማት ውን ቆጺሩ ንክልቲኦም ኣካፈሎም፡ ኣብ ባንክ ዘሎ ገንዘብ ውን ንክልቲኦም ኣካፈሎም፡ ናይ ህንዲ ቤተ ክርስቲያን ዚነበርዋ መሠልጠኒታት ኣብያተ ትምህርታት ኮሌጃትን ንክልቲኦም ኣካፈሎም። እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክልተ ተኸፍለት። ተሃድሶ ኣባና ውን ከም’ዚ ኢዮም ኪገብሩ ደልዮም ኔሮም። ነዚ ሕዝቢ ንካህናት ንጳጳሳት ንመነኮሳት ኣብ ክልተ መቒሎም፡ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ህንዲ ዚገበርዎ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ክልተ ንምኽፋል ኢዩ ኔሩ ዕላምኦም።

ናይ ህንዲ ቤተ ክርስቲያን ካብ መከራ ዘድሓንኣ ናይ ህንዲ ኣዴታት ኢየን። እቲ ቀንዲ ካቴድራላት መሠልጠኒታት ገዳማትን ተሃድሶ ስለ ዚወሰድዎ፡ ካህናት ደምዎዝ ኣይረኸቡን። ስለ’ዚ ንካህናት ዚኽፈል ደምዎዝ ተሳእነ። ናይ መባእ ናይ ኣልባሳት ናይ ትምህርቲ ገንዘብ ጠፍአ። ነዚ ዚረኣያ ናይ ህንዲ ኣዴታት ተኣከባ እሞ ከም’ዚ በላ “ንሕና ብሕይወት ከለና ናይ እግዚአብሔር ቤተ ክርስቲያን እናጠፍአት፡ መናፍቓን ኣብ ውሽጥና ኣትዮም ንቤተ ክርስቲያንና ኣብ ክልተ መቒሎም እናወሰድዋ ከመይ ጌርና ስቕ ንብል? እግዚአብሔር ምሳና ዶ ኣይይኮነን ዘሎ? ናይ ቶማስ ኣምላኽ ምሳና የለን ድዩ? ናይ ብሓቂ ምሳና ምህላዉን ዘይምህላዉን ሕጂ ኪንርእዮ ኣለና” ተበሃሃላ። ብድሕሪ’ዚ እንታይ ወሲነን? “ነፍሲ ወከፍ ህንዳዊት ኣደ ሩዝ ኪትጥጥቕ ከላ ሓንቲ ዕማኾ ሩዝ ንቤተ ክርስቲያን ኢላ ትፍለ” መቸም ኣብ ሃገርና እንጀራ ከይተበልዕ ከም ዘይ ውዕል፡ ኣብ ህንዲ ድማ ሩዝ ከይተበልዐ ኣይወዓልን እዩ። ስለ’ዚ ሰሙን ምሉእ ከምኡ ጌረን የዋህልላ እሞ ሰንበት ንቤተ ክርስቲያን ኪኸዳ ከለዋ ሒዘንኦ ይኸዳ፡ ኣብኡ ድማ ይእከብ። “ንሱ ተሸይጡ ገዳማትና ኣብያተ ትምህርታትና ኣብያተ ክርስቲያንና መሊስና ኪንሠርሐን ኢና፡ ንካህናትና ደምዎዝ ኪንከፍል ኢና” ኢለን ተሰማምዓ። ብሓቂ ድማ ሰሙን ሰሙን ነቲ ሩዝ እናኣከባ ንዕኡ እናሸጣ፡ ነታ ጠፊኣ ዚነበረት ናይ ህንዲ ቤተ ክርስቲያን ገዳማታ ኣብያተ ክርስቲያናታ አሐዲሰን፡ ሕክምና ከፊተን ቤት ትምህርቲ ከፊተን፡ መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያን ኣሕቲመን ንካህናት ደምዎዝ ከፊለን ደቀን ኣምሂረን “እዚ ወደይ ተመሃር ዲያቆን ኪትከውን ኣለካ፡ ካህን ኪትከውን ኣለካ፡ ናይ ኣቦታትካ አምነት ከተጽንዕ ኣለካ” እናበላ ነታ ኪትጠፍእ ቀሪባ ዚነበረት ናይ ህንዲ ቤተ ክርስቲያን ናይ ህንዲ ኣዴታት መሊሰን ናብ ቀደማ መለስኣ።

ሰባኺ “ናይ ኢትዮጵያ ኣዴታት ካብ’ዚአን ንሓምቕ ዲና?
ሕዝቢ ብሓደ ድምጺ “ኣይንሓምቕን ኢና”
ሰባኺ ንሕና ካብ ሓንቲ ዕማኾ ሩዝ ዝበልጽ የብልናን?
ሕዝቢ ኣለና
ሰባኺ እሞ ሎሚ ማንም ሰብ ብስም ረድኤት ኣምሲሉ ኪጻወተልና ይግብኦ ድዩ?
ሕዝቢ ኣይግባእን።


ሎሚ እታ ዚተፈንጨለት ናይ ህንዲ ቤተ ክርስቲያን ማር ቶማስ ቸርች ተባሂላ ንበይና ተፈንጪላ ኣላ። …. ኣባና ውን ተሃድሶ ኪገብርዎ ደልዮም ዚነበሩ ነዚ ኢዩ። እግዚአብሔር ግን ናይ ኣቦታትና ጸሎት ሰሚዑ ክሳዕ ሎሚ ኣይሰለጦምን። ተሃድሶ ኣብ ህንዲ ምስላጥ ምስ ኣበዮም ድማ ናብ ኣርመን ከዱ። …… ይቕጽል  

No comments:

Post a Comment