bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Thursday 18 August 2016

ነሐሴ 12 ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን!!!


ወዲ ሰብ ኣብ ገነት ከም ቅዱሳን መላእክት ኣምላኹ እናመስገነ ይነብር ነበረ።  ነገር ግን “ካብታ ክፉእን ጽቡቕን እተፍልጥ ዕፀ በለስ ከይትበልዕ” ተባሂሉ ዝተዋህቦ ትእዛዝ ብምጥሓሱ ምኽንያት ካብ ኣምላኹ ተፈልየ {ዘፍ 3፡6}። እቲ እግዚኣብሔር ብኣርኣያኡን ብኣምሳሉን ዝፈጠሮ ሰብ ክብሩ ኣጥፍአ፡ ጸጋኡ ተገፈ፡ ኣምላኹ ኣሕዘነ። ቅዱሳን መላእኽቲ ውን፡ ብናይ እግዚኣብሔር መልክዕን ኣምሳልን ዝተፈጥረ ሰብ ካብ ክብሩ ተዋሪዱ ምስ ረኣዩ ተከዙ።

ወዲ ሰብ ብዝጠፍኦ ንኽተርፍ ዘይፈተወ እግዚኣብሔር ወልድ ሰብ ንምድኃን ርእሱ ኣትሒቱ፡ ካብ እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ድማ ነፍስ ወሲዱ ተወልደ። ቅዱሳን መላእኽቲ ውን ካብ ላዕሊ ካብ ኣርያም ካብ ኣቡኡ ከይተፈልየ እግዚኣብሔር ወልድ ሰብ ንምድኃን ክብል በግዕዘ ሕፃናት ተወሊዱ፡ ኣብ ሕቐፎ ኣዲኡ ኮይኑ እንስሳታት ብእስትንፋሶም ከሟምቚዎ ብምርኣዮም ተደነቑ። ሰብ ንምድኃን ክብል ርእሱ ትሕት ኣቢሉ፡ መልክዕ ባርያ ከም ዝወሰደ ኣስተብሂሎም ድማ “ስብሐት ለእግዚኣብሔር በሰማያት፡ ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ” {ሉቃ 2፡14} ኢሎም ኣመስገኑ።

ጐይታና ድማ ኣብ መስቀል ናይ ምድኃን ሥርሑ ምስ ፈጸመ፡ ተጎሳቝሉ ዝነበረ ባሕርይ ወዲ ሰብ ናብ ዝቐደመ ክብሩ መለሶ። ስለዚ ከም ቅዱሳን መላእኽቲ ኣምላኹ ንምምስጋን ዕድል ረኸበ። {ዮሐ 4፡23} እንተኾ ግን ምሳታቶም ብምዃን ምሉእ ብምሉእ ብምስጋና ዝሳተፎም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ ምውታን ኣብ ዝትንሥእሉ ግዜ ኣብ ሰማያት ከም መላእክተ እግዚኣብሔር ኮይኖም እዮም ዝነብሩ” ማቴ 22፡30 ከም ዝበሎ ኣብ ትንሣኤ ዘጉባኤ እዩ። ክሳብ ሽዑ ግን ኣብ ምድሪ ከለና ክንገብሮ ዝግበኣና፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብቓል ዝመሃረና፡ ብምሥራሕ ብተግባር ዘርኣየናን  እናፈጸምና፡ ከም ቅዱሳን መላእኽቲ ብመንፈስን ብሓቅን ብምዃን ኣምልኾትና ንምፍጻም ናታቶም ተራዳእነት ኣዝዩ የድልየና እዩ።

 ስለዚ ድማ  እዩ ቅዱስ ጳውሎስ “ መላእኽትስ ነቶም ምድኃን ክወርሱ ዘለውም ደቂ ሰባት ክሕግዙ ዝለኣኹ ኣብ ኣገልግሎት ዘለዉ መናፍስቲ እዮም” ዝበሎም። “ምድኃን ክወርሱ” ተባሂልና ዘለና ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ንሳቶም ብሓቂ ንኽቕደሱ ምእንታኦም ርእሰይ እቕድስ ኣለኹ፡ምእንቲ እቶም ብቓሎም ብኣይ ዝኣምኑ ድማ እምበር፡ ምእንቲ እዚኦም ጥራይ ኣይኮንኩን ዝልምነካ ዘለኹ” ከም ዝበሎ ብክርስቶስ ኣሚንና  ንዝተጠመቕና ክርስቲያን እዩ።

ኣደ ደቃ ከም እትንከባኸብን አተገልግልን ከምኡ ድማ ቅዱሳን መላእኽቲ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ንኽንወርስ ይራድኡና። ሉቃ 13፡6-9። ብዘይ ናታቶም ድጋፍን ረድኤትን ግን፡ ብቅድስና ሕይወት ዓቢና ናይ መንግሥቱ ተኻፈልቲ ክንከውን ኣይንኽእልን። ከምዚ ብዃኑ ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ናይ ውሉድነት ጸጋ ከም ዝተዋሃብና ብተወሳኺ ውን ቅዱሳን መላእኽቲ ተራዳእትና ኮይኖም ንኽሕልዉና ተዋሂቦምና እዮም። ማቴ 18፡10

ቅዱስ ጳውሎስ” ንስኻትኩም’ሲ ናብቲ እምባ ጽዮን፡ ናብታ ከተማ ሕያው ኣምላኽ ዝኾነት ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ናብቶም ብሓጐስ ዝተጋብኡ ኣእላፋት ዝኾኑ ቅዱሳን መላእኽትን…….. በጺሕኩም ኣለኹም”  ዕብ 12፤22።  ከም ዝበለና ብናይ ክርስቶስ ናይ ምድኃን ሥራሕ፡ ምስ ቅዱሳን መላእክት ሓደ ቤተ ሰብ ክንከውን ክኢልና ኢና። ስለዚ ጉዕዞና ፈጺምና ገድልና ወዲእና ንኽብሪ ንኽንበቅዕ ይረድኡና እዮም።

እዚ ብምዃኑ ውን ናትና ሕይወት ብኃጢኣት ወዲቑ ብምርኣዮም ከሕዘኖም እንከሎ፡ ብንስሓ ናብ ኣቦና ክንምለስ ከለና ድማ ኣዝዩ ደስ የብሎም። ሉቃ 15፡7። ንሕና ናታቶም ቤተ ስበ ኴንና ኢና፡ በዚ ድማ ቤተሰባዊ ግዴታኦም ንፍጻም ክብሉ ውን ነቲ ድኹም ብርቱዕ ከም ዝረድኦ፡ ቅዱሳን መላእኽቲ ንዓና ንምርዳእ ይተግሁ። እንተኾነ ግን ናታቶም ረዲኤት ንዓና ዝፍጸመልና፡ ተራዳእነቶምን ምኽሮምን ምስ እንቕበል ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ ንሳቶም ውን ከም ኣምላኾም ኣብ ናትና ነጻ ፍቓድ ጣልቃ ኣይኣትውን እዮም።

እዚ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ሰበይቲ ሎጥ ምንም እኳ ብኢድ መልኣኽ ተታሒዛ ክትወጽእ በቒዓ እንተ ነበረት፡ ናይ’ቲ መልኣኽ ቃል ብዘይ ምስማዓን ክትድሕን ብዘይ ምድላያን ናይ ጨው ሓወልቲ ኮይና ተሪፋ እያ። ዘፍ 19፡26። ብርግጽ ቅዱስ ጳውሎስ “እቲ ብመላእኽቲ ዝተነግረ ቃል ክትእዘዞ ዝግባእ ሓቂ ካብ ኮነ” ብምባል ከምዝገለጸልና፡ እግዚኣብሔር ዝለኣኾ መልኣኽ ዘይምእዛዝ ዓቢ ቅጽዓት ምምጻኡ ዘይተርፍ እዩ። ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ናይ መላእኽቲ ተራዳእነት ፈሊጦም ንኽጥቀሙን፡ ናይ መንግሥቱ ወረስቲ ንምዃን ንኽበቐዑን ኢላ፡ ንቅዱሳን መላእኽቲ ናይ ዝኽሪ መዓልቲ ብምሃብ ብኣኣቶም እንረኽቦ ረድኤታት ከም ዝዝከሩ ትገብር።

በዚ መሠረት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ መበል ዓሠርተ ክልተ መዓልቲ ናይ ወርሒ ነሐሴ፡ ቅዱስ ሚካኤል ነታ ሕያወይቲን ንጽሕትን ቅድስቲ ኣደ ንሰሱና፡ ካብ ኢድ ሓሰውቲ መምሃራን ካብ ኢድ ረበናት ዘድሓነላ ዕለት ትዝክር። እቶም ሓሰውቲ ረበናት ኣይሁድ ንሰሱና ዝሙት ከይፈጸመት ብሓሶት ከሲሶም ብእምኒ ተቐቲላ ከም ትፍረድ ምስ ገበርዋ፤ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ ግን ካብዚ’ናይ ሞት ፍርዲ ኣድሓና።

 ከም ዝፍለጥ ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ልዕሊ ኵሎም ነገደ መላእኽቲ ሓለቓ ኮይኑ ዚተሾመ መልኣኽ እዩ። ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሽመት ግን ኣብ ነገደ መላእኽቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቶም ናይ እግዚኣብሔር ዝኾኑ ህዝቢ እንኮላይ እዩ። እዚ ከም ዝኾነ ንኽንርዳእ ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ናይ እግዚኣብሔር ሕዝቢ ዝተባህሉ እስራኤል ዘሥጋ ይረድኦምን ይሕልዎምን ከም ዝነበረ ተጻሒፍልና ኣሎ። ንኣብነት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ እግዚኣብሔር መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ንኢያሱ ኣብ ናይ ኢያሪኮ ምድረ በዳ ከም ዝተገለጸሉ “ኢያሱ ኣብ ኢያሪኮ ከሎ ዝተመልሐ ሰይፍ ዝሓዘ ሰብኣይ፡ ኣብ መንጽሩ ደው ኢሉ ረኣየ። ኢያሱ ከኣ ናብኡ ከይዱ “ ንስኻ ናትና ዲኻ ወይስ ናይ ጸላእትና” በሎ። ንሱ ድማ ኣይፋለይ ኣነስ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሔር ኮይነ ድኣ ሕጂ መጺአ ኣለኹ በሎ” ኢያ 5፡13-14 ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ።

እግዚኣብሔር ኣምላኽ እስራኤላውያን ካብ ናይ ግብጺ ባርነት ነጻ ከውጽኦም እንከሎ፡ ዝመርሖም ዝነበረ መላልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ነበረ። ሹመቱ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ሕዝቢ ውን ስለ ዝኾነ፡ ስሊኦም ንዲያብሎስ ይዋግኦን ብጸሎት ውን ይሕግዞም ነበረ። ኃጢኣት ሠሪሖም ምስ ዝረኽቦም ግን፡ ንእግዚኣብሔር ብምቕናእ ኃጢኣተኛታት ስለ ዝቐጽዕ፡ እግዚኣብሔር ንሕዝቡ “ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቑ፡ ድምፁ ከኣ ስምዑ፡ እምቢ ኣይትበልዎ፡ ስመይ ኣብኡ እዩ እሞ ንኃጢኣትኩም ኣይኃድገልኩምን እዩ” ዘፀ 23፡20 ብምባል ኣጠንቂቕዎም እዩ። እዚ ድማ ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ውን ከም ዝተሽመ የረድኣና። እንተ ኾነ ግን ኣብ ላዕሊ ብዝጠቐስናዮም ጥቕስታት ሕዝበ እስራኤል ዝመርሖም ዝነበረ ቅዱስ ሚካኤል ምዃኑ ኣየረጋግጽን እዩ ዝብል እንተሎ “መልኣኽ” ዝተባህለ ቅዱስ ሚካኤል ከም ዝኾነ ቅዱስ ገብርኤል ናብ ነቢይ ዳኒኤል ኣብ ዝተላእከሉ ግዜ ገሊጽልና ኣሎ። ቅዱስ ገብርኤል ስለ ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ምሻሙ ክምስክር እንከሎ “መጀመርታ ግና እቲ ኣብ መጽሓፍ ሓቂ ዝተጻሕፈ እነግረካ ኣለኹ፡ ነዚኣቶም ንምቅዋም ብጀካ ሚካኤል እቲ  መስፍን እስራኤል ሓደ እኳ ዝሕግዘኒ የብለይን “ ዳን 10፡21 ኢልና ኣሎ። በዚ ድማ ንኢያሱ ዝተገልጸሉን ንእስራኤል ዝመርሖምን ቅዱስ ሚካኤል ምዃኑ ንርዳእ።

ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሓለቓነት ኣብ ሓድሽ ኪዳን ውን ከም ዝቕጽል እዚ ነቢ ብትንቢቱ “በቲ ዘመን እቲ ሚካኤል እቲ ምእንቲ  ሕዝብኻ ዝከላኸል ዓቢ መስፍን ክትንሥእ እዩ” ዳን 12፡1 ይብለና። ስለዚ ቅዱስ ሚካኤል ካብ ናይ ሰይጣን መጻወድያታት ንኽሕልወናን ብጸሎቱ  ኣብ ቅደሚ እግዚኣሔር ክቖመልናን ኣባና ውን ዝተሾመ እዩ። ምኽንያቱ ንሕና ውን ናይ እግዚኣብሔር ሕዝብን ናይ መንግሥቱ ወረስትን ኢና።

እግዚኣብሔር ነቢይ ሙሴ ናይ ሕዝቡ መራሒ ጌሩ ምሻሙ፡ ኣዝዩ ትሑትን ስለ ሕዝቡ ነፍሱ ክሳዕ ሞት የሕሊፉ ክሳዕ ዝህብ ስለ ዝፈትዎምን ነበረ። ዘኁ 12፡3 ዘፀ 32፡32። ኣብ ልዕሊ ሕዝቡ ዝተሾመ ክገዝኦምን ኣብ ልዕሊኦም ክሥልጥንን ዘይኮነ፡ ብትምህርቱን ብጸሎቱን ንኽብጀዎም እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ውን ቅዱስ እስጢፋኖስ ስለ ሙሴ ክምስክር ከሎ፡ “እግዚኣብሔር ሹምን በጃን ጌሩ ለኣኾ” ኢልዎ ኣሎ። ግሐ 7፡35 ቅዱስ ሚካኤል ውን ከምኡ እዩ።ቅዱስ ሚካኤል ውን ኣዝዩ ትሑትን ንሠራዊቱ ዝሕለቕን መልኣኽ ብምዃኑ ኣብ መላእኽትን ናይ እግዚኣብሔር ሕዝብን ተሾመ። ኣብ ልዕሊ መላእኽትን ናይ እግዚኣብሔር ሕዝብን ምሻሙ፡ ልክዕ ከም ሙሴ ኣብ ልዕሊኦም ክሥልጥን ወይ ክገዝኦም ዘይኮነ፡ ንመላእኽቲ ክመርሖም ንዓና ድማ ካብ ናይ ሰይጣን ተጻብኦታት ክሕልወናን ብጸሎቱ ክረድኣናን እዩ። ይሁ 1፡12
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ቅዱሳን መላእኽቲ ንዓና ከም ዝሕልዉናን ከም ዝራድኡናን ከምኡ ውን ስሌና ኣብ ቅድሚኡ ከም ዝቖሙ ክምህረና እንከሎ “ መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኵሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ ኣለዉ እሞ ካብዞም ንኣሽቱ ንሓደ እኳ ከይተንዕቁ ተጠንቀቑ” ማቴ 18፡10 ኢሉና ኣሎ። ንዓና ንኽሕልዉ ዝተዋህቡና ቅዱሳን መላእክት ስሌና ከምዚ ጌሮም ዝሕለቑን ንምድሓንና ዝተግሁን ካብ ኮነ፡ ብቕድስናኡ ዝዓበየ ሓለቓ ናይ መላእኽቲ ኮይኑ ዝተሾመ ቅዱስ ሚካኤል ድኣ ማዕረ ክንደይ ብዝበለጸ ስሌና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዘይቀውም ? ሉቃ 13፡6-9 ከመይሲ ድኣ ብዝተዋህቦ ሥልጣንን ኃይልን ኣይራድኣናን ? መዝ 34፡7 “ ስለ ደቂ ሕዝብኻ ዝቐውም “ ምባሉ ንዓና ብጸሎቱን ብተራዳእነቱን ናይ ጽድቂ ሕይወትና ብዝግባእ ንኽንፍጽም ከም ዝራድኣና ዘረድእ ኃይለ ቃል እዩ።

“ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ጸሎቱን በረኸቱን ንዘለዓለም ኣባና ጸኒዑ ይንበር ኣሜን “

No comments:

Post a Comment