bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 20 July 2016

መልሲ ንልቡሳነ ስጋ ኣጋንንት መበል 25 ክፋል

ኣብኡ ኣብ መበል 6ይ ክፋል ስብከትካ ደጊምካ ነዚ ዚስዕብ ኢልካ ኔርካ ድሕሪ ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ንዮሴፍ በዓልቲ ቤቱ እያ ኔራ፡ካብ ዮሴፍ  ድማ 4 ኣወዳትን ካልኦት ስመን ዘይንፈልጠን ኣዋልድን ወለዱ። ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ከም በዅሪ ወዳ ነበረደጊምካ ኣብ መበል 13 ክፋል ድማ “እንተኾነ ግን ንኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይ ግብሪ ሥጋ ብድንግልናኣ እንኮላ እኳ እንተጠነሰቶ ክርስቶስ የሱስ ክውለድ ከሎ ግና ከምቲ ናብኣ ኪኣቱ ከሎ ብመንፈስ ዚነበረ ኪወጽእ ከሎ ግና ብሥጋ እዩ ኔሩ እምበር ከምቲ ዚነበሮ መንፈስ ኮይኑ ኣይኮነን ተወሊዱ። ኣብ ማህጸና ሥጋ ወዲ ሰብ ለቢሱ ከም ኣወላልዳ ኵሉ ሰብ እዩ ተዋሊዱ። ስለ’ዚ ድንግልና ማርያም ብናይ ሰብ ግብረ ሥጋ እኳ እንተዘይኮነስ ብምውላድ ክርስቶስ የሱስ ፈሪሱ እዩ። ምኽንያቱ ክርስቶስ የሱስ ብኣወላልድኡ ንዓና ኪመስል እንተድኣ ኮይኑ፡ ማርያም ውን ንዕኡ ኪትወልድ ከላ ድንግል ምዃና ተሪፉ ሰበይቲ ኪትከውን ግድን እዩ።


እዘን ኣብ ክልቲኡ ክፋላት ደጋጊምካ ኣስሚርካለን ዘለኻ ቃላት ኩለን ተደሚረን “ቅድስት ድንግል ማርያም” ድሕሪ ንጐይታ ምውላዳ ድንግል ኣይኮነትን ዝብል መልእኽቲ ዘለወን እየን። ግን ሕቶ ኪሓተካ? ቅድስት ድንግል ማርያም  ንዮሴፍ በዓልቲ ቤቱ ኔራ ዝብል ትምህርቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣበይ ቦታ ይርከብ? ወይ ቅድስት ድንግል ማርያም ድሕሪ ንጐይታና ምውላዳ ድንግል ኣይኮነትን ዝብል ከ ኣበይ ይርከብ? ንስኻ ብመጽሓ ቅዱስ እየ ዝኣምን ኢኻ ትብል፡ ስለ ምንታይ ድኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘየለ ክሕደት እናምጻእካ ንኣምላኽን ንወላዲቱን ብምጽራፍ ኣብ ርእስኻ ጉሁር ፍሓም ትእክብ? እስከ ነቲ ዓሚቱ ጋሪድካ ዘሎ ጸልማት ዝቕንጥጥ ናይ ነብያትን ሐዋርያትን ቃል ከቐብለካ’ስ በጃኻ ጽን ኢልካ ስምዓኒ። ብዝኾነ ነዚ ሕቶ እዚ ኣብ መበል 23 ክፋል ብሰፊሑ መሊሰዮ ስለ ዘለኹ ኣብ’ዚ ምድጋሙ ኣገዳሲ ኣይኮነን። ብዛዕባ እተን ድሕሪ ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ንዮሴፍ በዓልቲ ቤቱ እያ ኔራ፡ካብ ዮሴፍ  ድማ 4 ኣወዳትን ካልኦት ስመን ዘይንፈልጠን ኣዋልድን ወለዱ። ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ከም በዅሪ ወዳ ነበረ” ዝብላ ሓረጋት ግን ሕጂ ውን ነዚ ብዘይርድኢት ዝህውትት ዘሎ ኣካይዳኻ እንተ ሓገዘካ መጸሓፍ ቅዱሳዊ ዝኾነ ትኽክለኛ ትርጉም ክህበካ ደስ ስለ ዝብለኒ ናብኡ ክሓልፍ።
እዚ ትምህርቲ እዚ ፈላሚኡ ሄሊቪድስ ዚተባህለ ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን ዚነበረ ላቲናዊ መናፍቕ ምዃኑ ይንገር። ንሱ መበገሲ ዚገበሮም ቃላት ናይ መጸሓፍ ቅዱስ ድማ (ኣብ ማቴ 1፡25 ማቴ 13፡56 ግ.ሐ 1፡14 ገላ 1፡19) ዘለዋ ቃላት እየን። ኣብ’ዘን ቃላት እዚኣተን (ኮኽሪ፡ ክሳዕ፡ ኣይፈለጣን፡ኣሕዋቱ፡ ኣሕዋት ጐይታ” ዝብላ ቃላት ኣለዋ። ግን ኣሕዋት ዝብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ትርጉም ንመን እዩ ዝወሃብ? ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ላቲናዊ መናፍቕ ኣብ ዘመኑ ዚነበሩ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጊዜኡ ዘየዳግም መልሲ ሂቦምዎ እዮም። ሓደ ካብኣቶም ድማ ኣባ ጄሮም እዩ። ጄሮም ነዚ ኣሕዋት ቦኽሪ ክሳዕ ዝብል ቃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝግባእ ብምትንታን ከም’ዚ እናበለ መለሰሉ።
1. በዅሪ ወዳ ክሳዕ እትወልድ ኣይፈለጣአን ማቴ 1፡25
1.1 ነዚ ቃል እዚ መሠረት ብምብግባር ክርስቶስ ቦኽሪ ካብ ተባህለ፡ ብድሕሪኡ ዝተወለዱ ኣሕዋት ክህልውዎ ናይ ግድን እዩ ይብሉ።እስራኤል ንበዅሪ ውላዶም ናብ እግዚአብሔር ከቕርቡ ተኣዚዞም እዮም። በዅሪ ንምባል ከኣ ግድን ዳሕረዋይ ውላድ ዘድልዮ እንተ ዝኸውን ኔሩ ኣብ ሥርዓት እስራኤላውያን ኣብ ቤት መቕደስ ንበዅሪ ውላድ ዝግበር ኩሉ ካልኣይ ቆልዓ ክሳብ ዝውለድ ምተደናጎየ ኔሩ። ከምዚ ግን ኣይኮነን ክውለድ እንከሎ ከም ሥርዓቱ ይፍጸም ኔሩ። ዘጸ 13፡12 በዚ ድማ ኵሉ ቀዳማይ ዝተወለደ ውሉድ ድኣ ቦኽሪ ይበሃል እምበር፡ ሓደ ውሉድ ቦኽሪ ንኽበሃል ናይ ግድን ካልኣይ ውላድ ምጽባይ ዘየድልዮ ምዃኑ ኣረድኣና።
1.2   ኣብ እብ 1፡6 “ወልድ ንኣቦ በዅሪ ወዱ እዩ” ምባሉ’ኸ ቦኽሪ ናይ ግድን ተኸታሊ ዘለዎ ጥራይ እዩ ቦኽሪ ዝብሃል ካብ በልናስ፡ ንእግዚአብሔር ኣቦ ካልኣይ ውላድ ስለ ዘለዎ ድዩ ክርስቶስ ቦኽሪ ውላዱ ዝተባህለ? መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሓደ ወዱ በጃ ክሳዕ ምሃብ ንዓለም ክሳብ ክንድዚ ኣፍቀራ ዶ ኣይኮነን ዝብል? (ዮሐ 3፡15-17)
1.3   በዅሪ ግብጻውያን ምቕታሉ….ዘፀ 12፡29 ነቶም ሓደ ውላድ ጥራይ ዝነበሮም ግብጻውያን ካልኣይ ቆልዓ ክሳብ ዝወልዱ ክጽበዮም ማለት ድዩ? ስለ’ዚ ቦኽሪ ዝብል ኵሉ ናይ መጀመርያ ውሉድ ብድሐሪኡ ይወለዶ ኣይወለዶ ቦኽሪ ከም ዝበሃል መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘረድኣና፡ ክርስቶስ ቦኽሪ ወዳ ብምባሉ ብድሕሪኡ ተወሊዶምሉ ክኾኑ ኣለዎም ናብ ዝብል ጌጋ መደምደምታ ክንበጽሕ ኣይግባእን።

2. ክሳዕ
ክሳ ዝብል ቃል ብክልተ እዩ ዝትርጎም። ፍጻሜ ዘለዎ ክሳዕን ፍጻሜ ዘይብሉን። ኣብ’ዚ ናይ ድንግል ማርያም ክሳዕ ዝብል ንሥጋዊ ርክብ ክኸውን ከሎ ክሳዕ ፍጻሜ ዘይብሉ ክሳዕ እዩ ተባሂሉ ይትርጎም።
2.1   ቦኽሪ ወዳ ክሳዕ ትወልድ ኣይፈለጣን ብድሐሪኡ ግና ፈሊጥዋ ማለት ብሥጋ ተራኺብዋ እዩ ዝብል ጌጋ ትርጉም ድማ ንርኣዮ። መጽሓፍ ቅዱስ ”ኳኽ ማይ ምድሪ ክሳዕ ዝነጽፍ ንየው ነጀው ይመላለስ ነበረ” ይብል፡ ብድሕሪኡ ኳኽ ንየው ነጀው ምምልላስ ገዲፍዎ ማለት ድዩ? ማይ ኣይሂ ክሳዕ ዝነጽፍ ጥራይ እዩ ንየው ነጀው ኢሉ ዶ ንበል? እዚ ሕጂ ብልዕሌና ንየው ነጀው ዝብል ዘሎ ኳኽ ከ ድኣ እንታይ ክንብሎ ኢና? ዘፍ 8፡7
2.2   ሜልኮል ጓል ሳኦል ድማ ክሳ እትሞተላ መዓልቲ ውላድ ኣይነበራን 2ይ ሳሙ 6፡23ክሳ እትሞተላ መዓልቲ ውላድ ኣይነበራን ብድሐሪኡ ኸ ኣብ መቓብር ዶ ወሊዳ ትኸውን ድኣ? ነዚ ኢና ድማ እዚ ክሳዕ እዚ ፍጻሜ ዘይብሉ ክሳዕ እዩ ዝበልና። ክሳዕ መወዳእታ ውላድ ኣይነበራን ማለት እዩ።
2.3   እነሆ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ምሳዅም እየ” ማቴ 28፡20 እዚ ቃል እዚ ድማ ጐይታና ንሐዋርያቱ ዝተዛረቦም ቃል እዩ። እሞ ኸ ድኣ ነዚ ክሳዕ ዝብል ቃል ሒዝና ዶ ክርስቶስ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ጥራይ እዩ ምስኦም ዝኸውን ንበል። ብድሐሪኡ ኸ ናበይ ድኣ ኪገድፎም እዩ? ምስ መን እዮም ከ ኪኾኑ። ቅዱስ ጳውሎስ ምስኡ “ሓሳረ መከራ እንተ ተቐበልና ምስኡ ውን ክንነብር ኢና” “ንሕና ምስ ከርስቶስ እንተ ሞትና ምስኡ ድማ ብሕይወት ከም ንነብር ንኣምን ኣለና” ዝበሎ ቃል ድኣ ሓሶት ድዩ?(ሮሜ 6፡8-9፡ 8፡17) ደጊሙ ውን “…ምስኡ ሕያዋን ኴንና ክንነብር ኢና….(2ይ ቆሮ 13፡4) ኣብ ስማያት ምስ ክርስቶስ ኢየሱስ ምስኡ ኣቐመጠና…ኤፌ 2፡6-7 “….ምስኡ እንተሞትና ምስኡ ከኣ ብሕይወት ክንብር ኢና…ምስኡ ክንነግሥ ኢና..(2ይ ጢሞ 2፡11-12)…. ዝብሉ ቃላት ከ ናበይ ንብሎም? ብዛዕባ ድሕሪ መወዳእታ ዘሎ ሕይወት ናይ ቅዱሳን ክነግረና ከሎ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ “..ገጹ ክርእዩ እዮም… ክሳዕ ዘለዓለም ክነግሡ እዮም..” ብምባል ምስ ክርስቶስ ንዘለዓለም ከም ዝነብሩ እዩ ዝገልጽ።(ራእ ዮሐ 22፡1-5_
2.4   “ጸላእትኻ መርገጺ እግርኻ ክሳዕ ትገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ በሎ” (መዝ 2፡6-9) ናይ ክርስቶስ ጸላእቱ ዝተባህሉ “ሞትን ሰይጥንን” እዮም ነዚኦም ንሰይጣን ኣብ መስቀል ቀቲሉ ብሥጋኡ ሞት ብምጥዓም ድማ ብገዛእ ሥልጣኑ ካብ ምውታን ብምትንሣእ ንሓይሊ ሞት ኣጥፊኡ ንክልቲኦም ስዒርዎም እዩ።(1ይ ቆሮ 15፡20-28) እሞ ኸ ብድሕሪ እዚ ኣብ የማን ኣቦ ኣይተቐመጠን ድዩ? ንጸላእቱ መርገጺ እግሩ ክሳዕ ዝገብሮም ማለት ክሳዕ ትንሣኤ ጥራይ ድዩ ኣብ የማን ኣቦ ተቐሚጡ? ብድሕሪኡ ኸ ኣበይ ድኣ ተቐመጠ? መጽሓፍ ቅዱስ “ምንጻህ ሓጢኣትና ምስ ገበረ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐመጠ” ብምባል ክርስቶስ ካብ የማን ኣቦ ዝተፈለየሉ ዕለት ከም ዘየለ እዩ ዝነግረና።(እብ 1፡4) ደጊሙ ውን “ናብ ሰማይ ዓረገ ኣብ የማን ኣምላኽ ውን ተቐመጠ” ይብል (ማር 16፡19) “ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ ….ኪመጽእ ክትርእይዎ ኢኹም..” ማቴ 26፡64 ብምባል ንሱ ሕጂ  ውን ኣብ የማን ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣረጋገጸልና። ስለ’ዚ ክሳዕ ዝብል ትርጉም መወዳእታ ዘይብሉ ክሳዕ እዩ።
ንድንግል ማርያም ድማ ቦኽሪ ወዳ ክሳዕ ትወልድ ኣይፈለጣን ክብል ከሎ፡ ንሥጋዊ ርክብ እንተኾይኑ ክሳብ መወዳእታ ኣይፈለጣን ተባሂሉ ይትርጎም። ኣይፈለጣን ዝብል ትርጉም ግን ንባዕሉ ክልተ ትርጉም ዘለዎ እምበር ንሥጋዊ ርክብ ጥራይ ዘመልክት ኣይኮነን። በቲ ቀዳማይ ማለት ብሥጋዊ ርክብ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጌርና ምስ መለስናዮ፡ ናብቲ ዝቕጽል ማለት “ቦኽሪ ወዳ ክሳዕ ትወልድ ኣይፈለጣን” ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ድማ ቀጺልና ንርኣዮ።
3. ኣይፈለጣን
3.1 ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ “እግዝእትነ ማርያም ንጐይታ ጠኒሳ ከላ ሕብሪ ገጻ ሓደ ጊዜ ከም ቀይሕ ዕምበባ ሓደ ጊዜ ከም ጻዕዳ ዕምበባ ይለዋወጥ ስለ ዝነበረ ዮሴፍ መልክዓ ፈልዩ  ኣይፈለጣን” ይብል (ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ስንክሳር 12 ግንቦት ትርጓሜ ወንጌለ ማቴዎስ ገጽ 23)
3.2   3.2 ቅዱስ ኤራቅሊስ ድማ ነዞም ዝስዕቡ 5 ነገራት ክሳብ ዝርኢ ንሳ እታ ብድንግልና ንኣምላኽ ክትወልድ ምዃና ብነብያት ዝተነግረላ ድንግል ከም ዝኾነት አይፈለጣን” ብምባል ተርጕምዎ ኣሎ።(ሃይማኖተ ኣበው ዘኤራቅሊስ 49፡39)
3.2.1ኣመጻጽኣን ገጸ በረኸትን ሰብኣ ሰገል (ማቴ 2፤9-11)
3.2.2ምርኣይ ናይቲ ኮዀብ (ሉቃ 2፡8-10)
3.2.3 ናይ ጐይተትነቱ መግለጺ ዝኾነ ብርሃን ምብራህ  
3.2.4 ዝማሬ መላእኽቲ
3.2.5 ፍርሒ ጓሶት
ቅዱስ ኤራቅሊስ ኣብ ሃይማኖተ ኣበው ምዕራፍ 48 ነዚ ዘርዚሩ ከብርሆ ከሎ ከም’ዚ ይብል፡

v ስለ እቲ እሙንን ምስጉንን ዝኾነ ዮሴፍ ንዛረቦ ንፍለጥ፡ ንሱ ኣብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝፍጸም ኣይፈለጠን። 48፡29
v ኣገልጋሊ ዝኾነሉ ምስጢር እንታይ ምዃኑ ኣይፈለጠን፡ ነታ ናብኡ ተሓጽያ ዘላ ድንግል፡ ካብኣ እቲ ነብያት ብዛዕብኡ ዝተዛረብሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይ ዘርኢ ከም ዝውለድ ኣይፈለጠን። ኢሳ 7፡14 ኤራ 48፡30
v ካብ ንጹህ ዘርኢ ዝተፈጥረት ድንግል፡ ናይ እግዚኣብሔር መሕደሪ ከም ትኸውን ኣይፈለጠን። ዘልኣለም ምልዋጥ ዘይብሉ ዳግማይ ኣዳም ክርስቶስ፡ ድንግላዊት ገነት ካብ ዝኾነት እመቤትና ከም ዝርከብ ኣይፈለጠን።  ዘፍ 9፡27 መኃ 4፡12 ኤራ 48፡31
v እቲ ንኵሎም ፍጡራን ዝፈጠረ ክርስቶስ፡ ካብኣ ብዘይ ዘርኢ ከም ዝውለድ ኣይፈለጠን። ኣብ ምድርና ተራእየ ተባሂሉ ብነብያት ከም ዝተነግረሉ፡ ደጊሙ ውን ምድሪ ፍሬኣ ክትህብ እያ ተባሂሉ ከም ዝተዘርበ። ኢሳ 32፡1-2 ዮሐ 1፡4 ቆላ 1፡15-18 መኃ 2፡12 መዝ 85፡12 ኤራ 48፡32
v  ናይ ድንግል ከብዳ ሰፍሐ፡ ብዘይ ዘርኢ ዝጸነሰት ናይ ድንግል ከብዳ ምስፍሑ ዝረኣየ ናይ ዮሴፍ ልቢ ሓዘነ። ናይ ንጽሕት እመቤትና ምስጢራ ፈጺሙ መርመረ፡ ንሱ ብዘይፈለጦ ምሥጢር ጠኒሳ ምስ ረኸባ ኣብ ናይ ምድያብን ምውራድን ጽኑዕ ሓሳብ ጽኑዕ ሓሳብ ተታሕዘ። ኤራ 48፡33
v ጠኒሳ ረኸባ ብዘርኢ ዝጠነሰት መሰሎ። ካብኣ ዝውለድ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ’ዩ እሞ፡ ንስኻ ከም ዝጠርጠርካዮ ኣይኮነን ዮሴፍ ኣይትፍራሕ ኢሉ ካብ እግዚኣብሔር ዝተላእከ መልኣኽ ክሳብ ዝነግሮ። ኤራ 48፡34
v  ዮሴፍ ነዚ ምስ ሰምዐ ንድንግል ሰገደ። ንጽሕናኣ ድማ ኣመነ። ነቢይ ኢሳይያስ ድንግል ክትጠንስ እያ ወዲ ውን ክትወልድ እያ ስሙ ድማ ኣማኑኤል ኢላ ክትጽውዖ እያ። ትርጉሙ ድማ ኣምላኽ ምሳና እዩ ማለት እዩ ኢሉ ዝተነግረላ ንሳ ምዃና ፈለጠ። ማቴ 1፡18 ሉቃ 1፡26-39 ኢሳ 7፡14 ኤራ 48፡35

No comments:

Post a Comment