bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 13 July 2016

መልሲ ንልቡሳነ ስጋ ኣጋንንት መበል 24 ክፋል


3ይ በእንተ ክርስቶስ

ኣብ 6ይ ክፋል ስብከትካ ድማ "ዋላ እኳ እቲ ቃል ሥጋ ዚኾነሉ ጀማሪ ዕለት እንተሃለዎ…. 2 ደቒቕ ብመልክዕ ኣወላልዳ ሰብ ጥንሲ ኮይኑ ተራእየ፡ ድሕሪ እዚ ድማ ከም ኣወላልዳ ኵሉ ሰብ ካብ ማርያም ህፃን ኮይኑ ካብ ማኅጸና ወጸ" ብምባል ካልእ ክሕደት ወሲኽካ ኣለኻ።

ክብርን ምስጋናን ንስሙ ይኹን ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣወላልድኡ ተኣምራዊ ብዝኾነ ኣምላኻዊ ግብሪ ድኣ እምበር፡ ከም’ዚ ንስኻ ትብሎ ዘለኻ ከም ተራ ሰብ ዝተወልደ ኣይኮነን። ንኣዳም ካብ 4 ባሕርያተ ስጋን ሰለስተ ባሕርያተ ነፍስን ጌሩ ፈጢርዎ። ብድሕሪኡ ድኣ ኣየናይ ሰብ እዩ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ዝተወልደ? ብድንግልና ጸኒሳ ብድንግልና ዝወለደት ሰበይቲ’ኸ ኣበይ ተራእያን ተሰሚዓን ትፈልጥ? ነዚ ሕቶ እዚ መልሲ ካብ ዘይሃለውካ፡ ነቲ “ብመልክዕ ኣወላልዳ ሰብ ጥንሲ ኮይኑ ተራእየ፡ ድሕሪ እዚ ድማ ከም ኣወላልዳ ኵሉ ሰብ ካብ ማርያም ህፃን ኮይኑ ካብ ማኅጸና ወጸ” ዝብል ማይ ብሖቕ ፈሪሳውያንን ሰዱቓውያንን ዝመንጨወ ግጉይ ትምህርትኻ ገዲፍካ ናብ ልብኻ ኪትምለስ ይምሕጸነካ። ነዚ ክሕግዘካ ድማ እቲ ርቱዕ ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱሳዊን ኦርቶዶክሳዊን ትምህርቲ ብዛዕባ ኣወላልዳ ጎይታና ከስዕበልካ እየ።

·        ብመጀመርያ ግን ነዛ ቀላል ትመስል ግን ከኣ ኣብ ውሽጣ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ክሕደት ዘለዋ “ከም ኣወላልዳ ኵሉ ሰብ ካብ ማርያም ህፃን ኮይኑ ካብ ማኅጸና ወጸ” ትብል ቃል ሓቢርና ንመርምራ።

1.ኩሉ ሰብ ብስጋዊ ርክብ ማለት ካብ ሰብኣይ ዘርኢ ካብ ሰበይቲ ድማ ደም ብምውህሃድ እዩ ዝጥነስ
2. ኩሉ ሰብ ኪጥነስ ከሎ ናይ’ታ ኣደ ድንግልና ይጠፍእ እዩ።
3. ኩሉ ሰብ ኪውለድ ከሎ፡ ኣዲኡ ብጻዕርን ብቕልውላውን እያ ትወልዶ።

ስለ’ዚ ነዛ ቃል ልቢ ኢልና ምስ ንምርምራ ብውሑዱ ሰለስተ ዓበይቲ ክሕደታት ሒዛ ኣላ። ንሳተን ድማ
1. ድንግል ማርያም ንክርስቶስ ብስጋዊ ርክብ (ብዘርኢ ሰብኣይ) እያ ወሊዳቶ
2. ብድንግልና ጠኒሳ ብድንግልና ኣይወለደቶን
3. እቲ ኣብ ጊዜ ወሊድ ዘጋጥም ጻዕርን ቅልውላውን ኔርዋ ዝብሉ ክሕደታት ዝሓዘ እዩ። እስከ መጽሓፍ ቅዱስ ከ ነዚ ኣመልኪቱ እንታይ ይብለና።

1ይ። ክርስቶስ ከም ኣወላልዳ ኩሉ ሰብ በዘርኢ ሰብኣይ ዘይኮነስ ድንግልማርያም ንጎይታ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ከም ዝወለደቶ


         ከምቲ ንስኻ ዝመስለካ ክርስቶስ ከም ኩሉ ተራ ሰብ ከም ኣወላልዳ ሰብ ኣይተወልደን። ነዚ ድማ ወንጌላዊ ማቴዎስ ““ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢዩ ኣዲኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሓጽያ እንከላ ከይተራኸቡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት” ብምባል ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዝጠነሰት እዩ ዝምስክር። (ማቴ 1፡18)

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል መጺኡ ኪትወልዲ ኢኺ ክብላ ከሎ ውን “ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ እዚ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ ከመይ ኢሉ ይኸውን በለቶ” ብምባል ንሳ ምስ ሰብኣይ ንምርኻብ ዋላ ሓንቲ ሓሳብ ዘይብላ ድንግል ብሕልናኣን ድንግል ብስጋኣን ምዃና ምስ ነገረቶ፡ እቲ መልኣኽ ኣስዕብ ኣቢሉ “መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑል ውን ከጽልለልኪ እዩ ስለ’ዚ ከኣ እቲ ዝውለድ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ” ብምባል እቲ ጥንሲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝፍጸም ተኣምራታዊ ስራሕ እግዚአብሔር እምበር “ከም ኩሉ ሰብ” ብዘርኢ ሰብኣይ ከም ዘይኮነ ገለጸላ። ነዚ መታን ከረድኣ ኢሉ ድማ ናይ ቅድስት ኤልሳቤጥ ኣብ እርጋና ናይ ምጥናሳ ምስክር እናምጽአ ከረድኣ ፈተነ። እዚ ብሓሳባት ደቂ ሰባት ዘይብጻሕ ንሱ እቲ መልኣኽ ውን ንባዕሉ ብምልኣት ኪርድኦ ዘይክእል ድንቂ ስራሕ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ፡ ናይ እግዚአብሔር ከሃሊነት ኣሚንካ ምቕባል ጥራይ ከም ዘድሊ ንከረድኣ ድማ “ንእግዚአብሔር ዶ ዚሰኣኖ ነገር ኣሎ እዩ?” ኢሉ መለሰላ። ብድሕርዚ እታ ትሕትና ቅድስና ተኣዛዝነትን መለለይኣ ዝኾነ ቅድስት ድንግል ማርያም “እኔኹ ኣነ ባርያ እግዚአብሔር ከም’ቲ ዘረባኻ ይኹነለይ” በለት። ካብታ ቋሕ ሰም እቲኣ ጀሚሩ ድማ መለኮት ምስ ትስብእት ብሓደ ኣካልን ሓደ ባሕርይን ተወሃሃደ (ሉቃ 1፡26-56 ዮሐ 1፡1-14)

ቀዳሞት ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንት ነዚ ድንቂ ስራሕ እግዚእብሔር ብምስትንታን ኪገልጽዎ ከለዉ ከም’ዚ ይብሉ፥

ቅዱስ ኤራቅሊስ  ““ታኣምራት እንታይ እዩ እንተበልካ፡ ኣነ ዉን ከምዚ ክብለካ እየ ብዘይ ዘርኢ ምጥናስ እንታይ እዩ! መሕረሲት ከይሃለወት፡ ጻዕረ ወሊድ ከይተሰመዓ፡ ማህተመ ድንግልናኣ ከይተለወጠ ምውላድ’ከ እንታይ እዩ! ድንግል ኣደ ኮነት ማህተመ ድንግልናኣ ከይተለወጠ ውን ነበረት” ሃ.ኣበዉ ዘኤራቅሊስ 49፡48

ቅዱስ ጎርጎርዮስ ኦ ናይቶም ንዓኺ ዘኽብሩ ሰባት ነፍሲ ብደስታ እትመልኢ ምልእተ ጸጋ ምልእት ክብሪ ደስ ይበልኪ፡ ሓረስታይ ዘይሓረሳ ናይ ሕይወት ፍሬ ዝተረኽበላ ንጽሕቲ ሕርሻ ንስኺ ኢኺ’ሞ ደስ ይበልኪ፡ ቃለ እግዚአብሔር ካብ ቅዱስ ማሕጸንኪ ሥጋ ወሲዱ ዳግማዊ ኣዳም ኮነ፡ ንዕኡ ንምጽናስ ውን መንፈስ ቅዱስ ኣጽንዓኪ፡ ናይ ልዑል ሓይሊ ውን ከለለኪ (ጋረደኪ) ብምባል ቅዱስ ጎርጎርዮስ ኣመስጊንዋ (ድርሳነ ጎርጎርዮስ ክፍሊ 2)

ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ድማ ብዘይ ዘርኢ ንኣምላኽ ዝወለደት ድንግል፡ ናይ ማህጸና ስራሕ ክንደይ የደንቕ፡ ንዮሴፍ ዝተራእዮ መልኣኽ፡ ካብኣ ብመንፈስ ቅዱስ ዝኸውን ናይ እግዚኣብሔር ቃል እዩ ኢሉ መስኪርሉ መስኪርሉ" (ውዳ.ማር ዘሐሙስ) ደጊሙ ውን ዘርኢ ዘይተዘርኣ ግራት ንስኺ ኢኺ ናይ ሕይወት ፍሬ ካባኺ ወጽአ (ውዳ ማር ዘሰሉስ)

ኣብ’ዚ ናይ ቅዱስ ኤፍሬም ቃል ምስ ነስተውዕል፡ ድንግል ማርያም ነታ ናይ መጀመርያ ምድሪ እያ ትመስል። ናይ መጀመርያ ምድሪ ሓረስታይ ከይሓረሰላ፡ ዘርኢ ከይተዘርኣ እግዚእበሔር ብቃሉ ጥራይ ኣዝርእቲ ይብቆሉ ምስ በለ ሰለስተ ዓይነት ማለት ኣዝርእትን ኣትክልትን ኣግራብን ኣውጽአት። እዛ ካልእይቲ ምድሪ ድንግል ማርያም ድማ ከምኣ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ብቃል ናይ ቅዱስ ገብርኤል ጥራይ ንኣካላዊ ቃል ጠኒሳ ብስጋ ወለደቶ።

(ቅዱስ ኣምብሮስ) "ናብ ናይ ማንም ሰብ ኣካል ከይበጽሐት ካብ ዝጸነሰት ካብኣ ንላዕሊ እንታይ ንጽሕና ኣሎ?" ኪብል ገሊጽዎ ኣሎ። (ቅዱስ ኣምብሮስ 330-397)

ኣባ ጂሮም "ካብ ጉንዲ እሴይ ከኣ ሓደ ጠጥዒ ክጭብጭብ ኢዩ፡ ሓደ ጨንፈር ውን ካብ ሱሩ ፍረ ኽፈሪ ኢዩ። እታ በትሪ ኣደ ጎይታ ንጽሕት ፈጺማ ዘይረኸሰት ብዘይ ጾታዊ ርክብ ንበይና ከም እግዚኣብሔር ኣቦ ፍረ ዝፈረየት (ንሱ ብዘይ ኣደ ከም ዝወለድ ንሳ ድማ ብዘይ ኣቦ ከም ዝወለደቶ),,,,ኣብ ቅድሚ ዝተባረኸት ማርያም  ኣዝዩ ዓቢ ዝኾን ንጽሕናኣ ኣደ ጎይታ ንኽትከውን ገበራ,,,,,፣ ንጽሕናኣ ኣዝዩ ዓቢ ነበረ ብምኻኑ ድማ ኣደ ጎይታ ንምኻን ተሓጽየት ካልኦት ብርግጽ ካብታ ኣደ ጎይታ ዝኾነት ድንግል ማርያም ብቕድስናኦም ማዕር ኽንደይ ኣዝዮም ይንእሱ ይኾኑ? (ቅዱስ ጂሮም 347-420)

ኣባ ሕርያቆስ “ፅንስ እንበለ ሩካቤ ከመ ንህብ ዘእምቃል ንባብ “ ንህቢ ድምጺ ሹሙ ሰሚዓ ብእኡ ከምትጠንስ ብዘይ ዘርኢ ንጐይታ ምፅናሳ ኣንክሮ ይግባእ” መተርጉማን ነዚ ከብርህዎ ከለዉ “ንህቢ ካብ ሽሙ ድምጺ ሰሚዑ ስፈ ሓሰኻ ሰፍዩ ይሓድር እዩ’ሞ “ከመ ንህብ” በለ “ወተአነዝር እግዝእቶን ለአንህብት” ከም ዝብል (ትርጉም ውዳሴ ማርያም ቅዳሴ ማርያም ገጽ 309)

ኣባ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ድማ “ብዘይ ዘርኢ ብዘይ ሩካቤ ንኢየሱስ ክርስቶስ ጠነስኪዮ” (ኣር.ዘሰኑይ ገጽ48፤15)፠፠፨

ናይ ድንግልናኺ ሓይሊ ዝጸርፍ ብዘይ ዘርኢ ብዘይ ሩካቤ ጸኒስኪ ብዘይ ዘርኢ ብዘይ ሩካቤ ከም ዝወለድኪ ዘይ ኣምን ርጉም ይኹን” ብምባል ድንግል ማርያም ብዘርኢ ወሊዳ ወይ ክርስቶስ ብዘርኢ ሰብኣይ ተወሊዱ ምባል መርገም ከም ዘምጽእ ይምህሩና። (ኣር.ዘሠሉ ገጽ 121፡8)



2ይ። ክርስቶስ ከም ማንም ሰብ ዘይኮነስ ብኣምላኻዊ ጥበብ ብድንግልና ተጸኒሱ ብድንግልና እዩ ተወሊዱ 

ቅዱስ መጽሓፍ ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድመ ጸኒስ ጊዜ ጸኒሰ ድሕረ ጸኒስ ቅድመ ወሊድ ጊዜ ወሊደ ድሕረ ወሊድ ድንግል ከም ዝኾነት እዩ ዝነግረና።

vነቢይ ኢሳይያስ  “ድንግል ክትጠንስ እያ ወዲ ዉን ክትወልድ እያ ስሙ ድማ ኣማኑኤል ኢላ ክትጽዉዖ እያ”( ኢሰ 7፡14) ኣብ’ዚ ብግልጺ ከም ንዕዘቦ ኢሳይያስ “ድንግል ኪትጸንስ እያ” ድኣ እዩ ዝበለ እምበር ሰበይቲ ኪትጠንስ እያ ኣይበለን። ስለ’ዚ ድንግል ብድንግልና ጠኒሳ ከም ትወልድ እዚ ናይ ነብያት ቃል እዩ።

v ንጉስ ሰለሞን  “ኣቲ ሓብተይ መርዓተይ ዝተሽጎረ ገነት ዕጽዊ ዔላ ሕቱም ማይ ዓይኒ ኢኺ” (መሃ 4፡12)

እዛ ሰለሞን ሓፍተይ ዝበላ እዛ ካብ ወገን ናቱ ዝኾነት ድንግል ማርያም እያ። ከም’ቲ መርዓት ዝያዳ ኣብ ጊዜ ምርዓኣ ትኸብር ድንግል ማርያም ድማ ክብርቲ ምዃና ንምግላጽ “መርዓተይ” ይብላ። ቀጺሉ ዘሎ ቃል ምስ ንምልከት ኣዝዩ ዘገርም ቃል እዩ። ምኽንያቱ ሕቱም ማይ ዓይኒ ዝበሃል የለን።  ማይ ዓይኒ ማለት ጃርጃር ዝብል ፈልፋሊ ማይ ማለት እዩ። ፈልፋሊ እንተኾይኑ ድኣ ከመይ ኢሉ ሕቱም ይኸውን? ሕቱም እንተኾይኑ ኸ ከመይ ኢሉ ፈልፋሊ ማይ ዓይኒ ይኸውን? እዚ ምስጢር ዝሓዘለ ቃል እዚ ንክርስቶስን ድንግል ማርያምን ዝተነግረ ቃል እዩ። እቲ ማይ ክርስቶስ ኪኸውን ከሎ እታ ማይ ዝፍልፍለላ ዕጽውቲ ዒላ ድማ ድንግለል ማርያም እያ።

እታ ዒላ ብዕጽውታ ማይ ከም ዘፈልፈለት፡ ድንግል ማርያም ድማ ነቲ ማይ ሕይወት ኣነ እየ ዝበለና ጎይታ ብዕጽውታ (ብድንግልና) ወሊዳቶ እያ። ከምቲ እታ ዒላ ሕትምትን ፈልፋሊትን ዝኾነት ድንግል ማርያም ድማ ኣዳን ድንግልን ኮይና እያ። ሓንቲ ሰበይቲ ኣደ እንትኾይና ድንግል ኣይትብሃልን፡ ድንግል እንተኾይና ድማ ኣደ ኪትከውን ኣይትኽእልን እያ። ድንግል ማርያም ግን ነዚ ክልቲኡ ኣማሊኣ ዝተረኽበት እንኮ ኣደ እያ። ገራህተ ኣብርሃም እናበልና ንጽውዓ ድማ በዚ ምኽንያት እዩ።

vነቢይ  ሕዝቄል “ብድሕሪ እዚ ናብ መገዲ እታ ናብ ምብራቕ እተርኢ መዉጽኢት ደገ መቕደስ ወሰደኒ ዕጽዉቲ ከኣ እያ። እግዚኣብሄር ድማ በለኒ እዛ ደገ እዚኣ ዕጽዉቲ ትኹን ኣይትከፈት ሰብ ዉን ኣይእተዋ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣትይላ እዩ እሞ ስለዚ ብዕጽዉታ ትንበር”(ህዝ 44፡1-3)

እዛ መቕደስ እዚኣ ድንግል ማርያም እንተዘይኮይና መን ኪትከውን ትኽእል? እስኪ ሰብ ዘይእትወላ ቤተ መቕደስ ኣበይ ተራእያ ትፈልጥ? ሰብ ዘይኣትዋ ኸ ንምንታይ ኪትከውን ተሰሪሓ? ስለ’ዚ እዚ ቃል እዚ ብምስጢራዊ ትርጉሙ ንድንግል ማርያም ዝወሃብ እምበር ብዛዕባ ህንጻ ቤት መቕደስ ዝተዘርበ ኣይኮነን።

 ናብ ምብራቕ ገጻ እተርኢ ማለቱ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ከም ትወጽእ ካብ’ዛ ምብራቓዊት ኣፍ ደገ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ጸሓየ ጽድቂ ኢየሱስ ክርስቶስ ተወሊዱ እዩ(ሚል 4፡2 ራእ 12፡1-3)። ብዕጽውታ ኣትዩ ብዕጽውታ ወጺኡ ማለት ድማ ብድንግልና ተጸኒሱ ብድንግልና ከም ዝተወለደ ዘረጋግጽ ቃል እዩ። ብድሕሪ ንዕኡ ምውላዳ ውን ዘለዓለማዊት ድንግል ከረጋግጽ ድማ ንዘለዓለም ኣይትከፈት ሰብ ውን ኣይእተዋ ብምባል፡ ኣብቲ መለኮት ዝተቐመጦ ዙፋን፡ ዕሩቅ ብእሲ ኪቕመጥ ከም ዘይክእል ኣስመረሉ።


 ዘለዓለማዊ ድንግልና ብቀዳሞት ሊቃውንት

ቅዱስ ኤፍሬም "ነቢይ ህዝቅኤል ብወገን ምብራቕ ብዘደንቕ ዓቢይ መፍትሕ ዝተዓጽወት ኣፍ ደገ ረኣኹ እናበለ ብዛዕባኣ መስከረ ብዘይካ እቲ ናይ ሓያላን ጐይታ ናብኣ ዝኣተወን ናብ ውሽጣ ኣትዩ ዝወጽአ የልቦን ውዳ.ማር.ዘረ 7

እታ ኣፍ ደገ ሰማይ ዝተባህለት ድንግል ንመድኃኒና ዝወለደትልና ኢያ። ንዕኡ ድሕሪ ምውላዳ ውን ከም ቀደማ ብድንግልና ነበረት ውዳ.ማር.ዘረ 8

ካብ 330-389 . ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘአንዚናዙ “ነቲ ማንም ባህሪኡ ክፈልጦ ዘይክእል ወለደቶ፡ ማህተመ ድንግልናኣ ውን ኣይተለወጠን” (ሃ.ኣበዎ ዘጎርጎርዮስ ዘእንዚናንዙ 60፡14-15)

ቅዱስ ፕራክልዮስ ወይ ኤራቅሊስ 426 .  “ታኣምራት እንታይ እዩ እንተበልካ፡ ኣነ ዉን ከምዚ ክብለካ እየ ብዘይ ዘርኢ ምጥናስ እንታይ እዩ! መሕረሲት ከይሃለወት፡ ጻዕረ ወሊድ ከይተሰመዓ፡ ማህተመ ድንግልናኣ ከይተለወጠ ምውላድ’ከ እንታይ እዩ! ድንግል ኣደ ኮነት ማህተመ ድንግልናኣ ከይተለወጠ ውን ነበረት” ሃ.ኣበዉ ዘኤራቅሊስ 49፡48

ቅዱስ ቴዎዶጦስ “እግዚኣብሔር ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ተራእየ፡ ድንግል ውን ከም ቀደማ ብድንግልናኣ  ጸኒዓ ነበረት፡ ኣደ ድማ ተባህለት” ሃ.ኣበዉ ዘቴዎዶጦስ 53፡3

3ይ። ክርስቶስ ከም ማንም ሰብ ካብ ተራ ሰበይቲ ዘይኮነስ ብፍሉይ መገዲ ብዘይ ጻዕሪ ዝተወልደ ኣምላኽ እዩ። 


ነቢይ እግዚአብሔር ኢሳይያስ “ቅልውላው ከይሓዛ ወለደት ከይተጻዕረት ከኣ ወዲ ወለደት” ብምባል መስኪሩላ ኣሎ። ቀዳሞት ናይ ቤተ ክርስቲያን  ሊቃውንት ድማ ነዚ ኣመልኪቶም ከም’ዚ ይብሉና፥

ቅዱስ ኤራቅሊስ  “ታኣምራት እንታይ እዩ እንተበልካ፡ ኣነ ዉን ከምዚ ክብለካ እየ ብዘይ ዘርኢ ምጥናስ እንታይ እዩ! መሕረሲት ከይሃለወት፡ ጻዕረ ወሊድ ከይተሰመዓ፡ ማህተመ ድንግልናኣ ከይተለወጠ ምውላድ’ከ እንታይ እዩ! ” ሃ.ኣበዉ ዘኤራቅሊስ 49፡48

ቅዱስ ኣትናቴዎስ “ድንግል ሰብኣይ ከይፈለጠት፡ ክወሃዳ ብዝፈጠሮ ስጋ ዝጠነሰቶ ወለደት ብዘይ ሓጢኣት ብዘይ ዘርኢ ወለደቶ ናይ ሓራስነት ግብሪ ኣይረኸባን ብዘይ ድኻምን  ምትካትን  የዕበየቶ ብዘይ ድኻም ኣጥበወቶ ንስጋ ብዝግባእ ሕጊ እንታይ ከብልዖ እንታይ ከልብሶ ከይበለት የዕበየቶ” ሃ.ኣበዉ ዘኣትናቴዎስ ምዕ 28፡19

ቅዱስ ቴዎዶጦስ "ኣባኺ ናይ መከራ ጽንስን ወይ ሕማመ ወሊድ ኣይእውጅን" ቅዱስ ቴዎዶጦስ (303ዓም)

ጎርጎርዮስ ዘእንዚናንዙ "ናይ ድንግል ማርያም ንጎይታ ምጥናሳን ምዉላዳን ምስ ናይ ካልኦት ኣንስቲ ኣይተመሳስልዎ። ብዛዕባ ድንግል ማርያም ከምዚ ክንነግር ኣይግባእን እዩ። ናይ እግዚኣብሄር ቃል ብዘይ ዘርኢ ጠኒሳ ከይተጻዕረት ወለደቶ። እቲ ኣብ ግዜ ወሊድ ዘጋጥም ጻዕርን ሕማምን ፈጺሙ ኣይረኸባን። ናይ ኣምላኽ ስራሕ ስለ ዝኾነ ምጥናሳ ኣዝዩ ዘደንቕ እዩ። ናይ ምዉላዳ ምስጢር ሓይሊ ዉን ኣይምርመርን እዩ። ነቲ ማንም ባህሪኡ ክፈልጦ ዘይክእል ወለደቶ፡ ማህተመ ድንግልናኣ ዉን ኣይተለወጠን" ሃ.ኣበዎ ዘጎርጎርዮስ ዘእንዚናንዙ 60፡14-15

ቅዱስ ኤፍሬም "እምኅባ አብ ወጽአ ቃል ዘእንበለ ድካም ወእምድንግል ተወልደ ዘእንበለ ሕማም" ትርጉም “ካብ ኣቦ ብዘይ ድኻም መጽአ፡ ካብ ድንግል ብዘይ ሕማም ተወልደ” ውዳ.ማር ዘሐሙስ

ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ሕጂ ውን ከምዚ እናበልና ንቅድስት ድንግል ነመስግና ነድንቃ ኦ ኵሉ ጊዜ ንጽሕት፡ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ኣደፍ ጉድፍ ዘይብልኪ ኣብ ጊዜ ፅንሲ ይኹን ኣብ ጊዜ ወሊድ (ምሕራስኪ) ዝረሳሕክሉን ዝረኸስክሉን ሰዓት የለን። ኣርጋኖን. ዘረ 213፡9


እቲ ኣብዛ ምድሪ ብዙሕ ናይ ስሕተት ትምህርቲ ዝዘርአ  ኣብ 1483-1546 ዝነበረ ናይ ፕሮቴስታንት መሥራቲ ማርቲን ሉተር ውን እንተ ኾነ ነዚ ሓቂ እዚ ኣይቀበሮን፡ ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ከም'ዚ ዚስዕብ እናበለ እዩ ዚመስከረ፥ "ማርያም ናይ ብሓቂ ኣዲኡ ኢያ ንሱ ውን ናይ ብሓቂ ወዳ ኢዩ፡ ስለ’ዚ ሰብነታ ንባህሪኡ ዝሰማማዕ ናይ ኣደነት ተራኡ ተዋጺኡ ኢዩ። እንተ ኾነ ግን ክትወልዶ እንከላ ብዘይ ኃጢኣት ስለ ዝኾነ ክትወልዶ እንከላ ውን ብዘይ ጻዕሪ ብዘይ ሕማም ብዘይ ምፍታሕ ማህጸን ኢዩ። እግዚአብሔር “ብጻዕርን ቅልውላውን” ክትወልዲ ኢኺ ኢሉ ዝተዛረቦ መርገም ንዓኣ ኣይተንከፋን (ዘፍ 3፡17) ብምባል ብግልጺ ምሂሩን ጽሒፉን ኔሩ (Sermon on the Day of the Conception of Mary, Mother of God, 1527)፡፡ 

No comments:

Post a Comment