bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 1 June 2016

መልሲ ንልቡሳነ ሥጋ ኣጋንንት መበል 18 ክፋል


መበል 11 ሓሶት

ተዋሕዶ ምስ ቅዲ ብሉየጥ ኪዳን ዚተዳቐለ ሥርዓተ ኣምልኾ ይኽተሉ
አግዚአብሔር ነቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ሥርዓተ ኣምልኾ ብምሕረት ሓድሽ ኪዳን ከም ዚዕጾ ጌርዎ እንከሎ ተዋሕዶ ግን ብዘደንቕ ጥፍኣት እምበር ካብ ሥርዓተ ብሉይ ኪዳን ይርሕቁ እግዚአብሔርሲ ኣይኮነንዶ ሎሚ ኣብ ሥርዓተ ሓድሽ ኪዳን ናይቶም ብሕጊ ብሉይ ኪዳን ተኣዚዞም ሥርዓተ ኣምላኾ ዚገብሩ ዚነበሩ ሰባት እኳ ንዕሽነቶም ብዘገርም መግናሕቲ ኣቃልዖ።(ኤር 7፡8-11) እሞ ኸ ድኣ እግዚአብሔርሲ ነታ ብስሙ ዚተሰምየት ቤተ መቕደስ እኳ ካብ ደርበያ ንኣገልገልታ ድማ ኣምሪሩ ካብ ገሰጾም ነቲ ብስሙ ዘይጽዋዕ ቤት መቕደስ በዓላት ድኣ እንታይ ኪብሎ እዩ። እምበኣር ተዋሕዶ ብዚተፈላለዩ ኣስማት መሠውእን ቤት መቕደስን ይሰርሑ፡ ካህናቶም ድማ ብሥርዓተ ብላዕ ስተ ንኸብዶም የገልግሉ። ኣረቅን ወይንን ቢራን እናሰተዩ ድማ ይሰኽሩ። ኣብ ዝሞቱ ሰባት ድማ ናይ ሥርዓተ ብላዕ ስተ ጨንደላሕላሕ ብመልክዕ ዓሱርን ተስካርን እናተባህለ ይበልዑ። ንበዓላት ይዓጥኑ,

ኣብ’ዚ ጽሑፍ እዚ ብዙሕ ንሓድሕዱ ዝተሓላለኸ ብዙሕ ሓሳባት ተጠርኒፉ ዩ ዘሎ። ሓደ ብሓደ ፈላልየ ኪርእዮ ድማ ኪፍትን እየ።

ብመጀመርያ በቲ “አግዚአብሔር ነቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ሥርዓተ ኣምልኾ ብምሕረት ሓድሽ ኪዳን ከም ዚዕጾ ጌርዎ እንከሎ ተዋሕዶ ግን ብዘደንቕ ጥፍኣት እምበር ካብ ሥርዓተ ብሉይ ኪዳን ይርሕቁ እግዚአብሔርሲ ኣይኮነንዶ ሎሚ ኣብ ሥርዓተ ሓድሽ ኪዳን ናይቶም ብሕጊ ብሉይ ኪዳን ተኣዚዞም ሥርዓተ ኣምላኾ ዚገብሩ ዚነበሩ ሰባት እኳ ንዕሽነቶም ብዘገርም መግናሕቲ ኣቃልዖ።(ኤር 7፡8-11)” ዚብል ቃል ሓሶት ኪጅምር። መጀመርያ እቲ ቃላትካ ነንሕድሕዱ ዝበኣስ ቃል እዩ። ምኽንያቱ “ናይ ብሉይ ኪዳን ሥርዓተ ኣምልኾ ብምሕረት ሓድሽ ኪዳን ከም ዚዕጾ ጌርዎ እንከሎ” ኪትበል ጸኒሕካ ተመሊስካ ድማ ተዋሕዶ ግን ብዘደንቕ ጥፍኣት እምበር ካብ ሥርዓተ ብሉይ ኪዳን ይርሕቁ” ዚብል ቃል ነንሕድሕዱ ኣይሰማማዕን እዩ። ናይ ብሉይ ኪዳን ሥርዓተ ኣምልኾ ዓጽይዎ እንዳበልካ ተመሊስካ ድማ ካብ ሥርዓተ ብሉይ ኪዳን ይርሕቁ” ምባልካ ካብ ዝተዓጸወ ነገር ምህዳሞም መድነቕካዮም እምበር ኣይምነቐፍካዮምን።


ብካልእ መንገዲ ናይ ብሉይ ኪዳን ሥርዓተ ኣምልኾ ብምሕረት ሓድሽ ኪዳን ተዓጽዩ ዚብል ትምህርትኻ፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ተመዚኑ ዚሓለፈ ኣይኮንን። ምኽንያቱ ንስኻ በቲ ኣባኻ ተወሃሂዱ ዘሎ ኣቦ ሓሶት ዝኾነ ርኹስ መንፈስ ተመሪሕካ ከም’ዚ እናበልካ ብሓሶት ሰብ ንምድንጋር ኪትደክም ከለኻ፥ እቲ ምንጪ ሓቂ ንሱ ባዕሉ ውን ሓቂ ዝኾነ ክርስቶስ ግን “ሕጊ ኮኑ ወይስ ነብያት ኪፍጽሞም እምበር ኪስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም” እዩ ዝብል።(ማቴ 5:17) ስለ’ዚ ከምቲ ንስኻ ትሓስቦ ስርዓት ብሉይ ኪዳን ብምልኡ ኣይተረፈን፡ ብምልኡ ድማ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣይንጥቀመሉን ኢና። ናይ ቤተ ክርስቲያን ሐዋርያዊ ቅኑዕ ትምህርቲ ብዛዕባ’ዚ ከም’ዚ እናበለ እዩ ዝምህረና።


..”ሕግ ቀዳማዊ ሶበ መጽአ ሕግ ዳኃራዊ ኢጸንዐ ሕግ ቀዳማዊ በኵለንታሁ ወኢበጠለ ኵለንታሁ አላ ኀበ ፬ቱ ክፍል ተከፍለፍት.ነገ.ኣን 451567
ትርጉምእቲ ዳሕረዋይ ሕጊ (ሕጊ ወንጌል) ምስ መጸ እቲ ቀዳማይ ሕጊ (ኦሪት) ከም ዘነበሮ ኮይኑ ብምሉኡ ኣይጸንዐን፡ ብምልኡ ድማ ኣይተሰዓረን፡ ኣብ ኣርባዕተ ክፍሊ ድኣ ተኸፍለማለት እዩ። እቶም ኣርባዕተ ክፍልታት ኪዝርዝሮም ከሎ ድማ

1 ከፍሊ ኣብ ዘለዎ ዚጸንዐ ንኣብነት ዓሠርተ ትእዛዛትን ካልእ ዘይተሳዕረ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሉኡ ( ማቴ517) ፍት.ነገ. ኣን 451867

2 ክፍሊ ዚተሳዕረ ፍት.ነገ. ኣን 451867
ንኣብነት
መሥዋዕተ ኦሪት ዕብ 427 923 103-4  ዮሐ 129
ክህነት ብዘርኢ 1 ጴጥ 25
ባርያ ምግዛእ ዘዳ  ገላ 327
ሬሳ ምትንካይ  ዘሁ 1911

3 ክፍልሊፍጹም ዚኾነ ንኣብነት ጸላኢኻ ጽላእ ዚነበረ ጸላእትኻ ውን ኣፍቅር ዚብል ተወሲኽዎ ፍጹም ኮነ ማቴ 543-45  ፍት.ነገ ኣን 45 ከምኡ ውን ብጊዜ ሰንበት ፈጺምካ ሥራሕ ዘይሥረሓላ ዚነበረ ሕጂ ግን ሠናይ ዚኾነ መንፈሳዊ ሥራሕ ብምሥራሕ ናብ ፍጽምና ምምጻእ።ፍት.ነገ.ኣን 451568

4 ክፍሊ ዚተመሓየሸ ማለት ሥጋዊ ዚነበረ መንፈሳዊ ዚኾነ ንኣብነት ንሥጋ ብማይን ብደምን ካብ ምንጻህ ብንሥሓ ንነፍሲ ምንጻህ ኮነ ፍት.ነገ.ኣን 451568 ዚዘመወ ይቀተል ዘሌ 2011-21 ዚነበረ ንስሓ ይእቶ ኮይኑ ኣቡኡ ወይ ኣዲኡ ዚጸረፈ ሞት ይሙት ዘሌ 209 ንስሓ ይእቶ ዝብሉ ተ። 

ናብ’ቲ ዝቕጽል ናይ ሓሶት ትምህርትኻ ውን ንመለስ “እሞ ኸ ድኣ እግዚአብሔርሲ ነታ ብስሙ ዚተሰምየት ቤተ መቕደስ እኳ ካብ ደርበያ ንኣገልገልታ ድማ ኣምሪሩ ካብ ገሰጾም ነቲ ብስሙ ዘይጽዋዕ ቤት መቕደስ በዓላት ድኣ እንታይ ኪብሎ እዩ”

ብመጀመርያ ናይ ብሉይ ኪዳን ቤተ መቕደስ ኪትግበር ዝኣዘዘ ባዕሉ እግዚእብሔር እዩ። “ኣብ ማእከሎም ምእንቲ ኽነብር ድማ መቕደስ ይግበሩለይ።“ (ዘጸ 25፡8) ደጊሙ ውን ነታ ሰሞን ዝሰርሓ ቤተ መቐደስ እግዚአብሔር "እግዚኣብሔር ድማ በሎ፡ እቲ ኣብ ቅድመይ እተማህለልካዮ ጸሎትካን ምህልላኻን ሰሚዔዮ ኣሎኹ፡ ነዛ ዝሰራሕካያ ቤት፡ ስመይ ክሳዕ ዘለአለም ኣብአ ኸንብር ቀዲሰያ አሎኹ። ዓይነይን ልበይን ከኣ ንሓዋሩ ኣብኣ ኺነብራ እየን” (1ይ ነገ 9፡1-3) ብምባል ንዘለዓለም ኣብ’ኣ ኪነብር እየ ድኣ በለ እምበር “ደርብይዋ እዩ” ዝብል ከም’ዚ ናትካ ዝምቡዕ ትምህርቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የለን።

ብዛዕባ እቲ ነቲ ብስሙ ዘይጽዋዕ ቤት መቕደስ በዓላት ድኣ እንታይ ኪብሎ እዩ” ዚበልካዮ ግን እቶም ብስሙ ዘይጽዋዕ መቕደስ በዓላት ዘለዎም ጣኦታውያን ዝምልስዎ ሕቶ እዩ። ምኽንያቱ ተዋሕዶ ቤተ መቕደስ ናይ ክርስቶስ እምበር ቤተ መቕደስ ናይ በዓላት የብልናን። ኣገልግሎትና ድማ ከምቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ብደም ዝራብዓት ዘይኮነ ብደም ናይ ክርስቶስ እዩ ዝፍጸም። ኣባ ሕርያቆስ ነዚ ኣመልኪቱ ኪምህረና እንከሎ ““በአማን ቊርባን ውእቱ ዘኢይክሉ ይጥዓሙ እምኔሁ ግሙናነ መንፈስ፡ ልቦናኦም ሰብነቶም ብኃጢኣት ዝረስሑ ክቕበልዎ ዘይግበኦም መለኮት ዝተዋሃዶ ቊርባን እዩ” አኮ ከመ መሥዋዕቶሙ ለቀደምት አበው ዘበደመ በግዕ ሐርጌ ወላሕም፡ ከምቲ ቀዳሞት ኣቦታት ብደም በጊዕን ደም ዝራብዕን ዝሥውእዎ ዝነበሩ ኣይኮነን” አላ እሳት ውእቱ “እንታይ ድኣ መለኮት ዝተወሃሃዶ ቊርባን እዩ” እሳት በላዒ ለዓማጽያን ለእለ ይክሕዱ ስሞ “ስመ ኣምላኽነቱ ንዝኽሕዱ ዘቃጽል እሳት እዩ” 1ይ ቆሮ 11፡26-29 2ይ ነገ 1፡11 ወበአማን እሳት ውእቱ ዘኢይክሉ ለኪፎቶ እሳታውያን እለ ነደ እሳት እሙንቱ ኪሩቤል ወሱራፍኤል” ካብ እሳት ዝተፈጥሩ ኪሩቤልን ሱራፍኤልን ክኅዝዎ ዘይከኣሎም መለኮት ዝተዋሃዶ ቊርባን እዩ”


ስለ’ዚ ቤተ መቕደስ ተዋሕዶ ካብ ቤተ መቕደስ ኦሪትን፡ ካብ ቤተ መቕደስ በዓላት ማለት ጣኦታትን ዝተፈልየ ሓቀኛ ኣገልግሎት ዝፍጸመላ እንኮ ንጽህቲን ቅድስትን ቤት እያ።


ሕጂ ውን ነቲ እምበኣር ተዋሕዶ ብዚተፈላለዩ ኣስማት መሠውእን ቤት መቕደስን ይሰርሑ፡ ካህናቶም ድማ ብሥርዓተ ብላዕ ስተ ንኸብዶም የገልግሉ። ኣረቅን ወይንን ቢራን እናሰተዩ ድማ ይሰኽሩ። ኣብ ዝሞቱ ሰባት ድማ ናይ ሥርዓተ ብላዕ ስተ ጨንደላሕላሕ ብመልክዕ ዓሱርን ተስካርን እናተባህለ ይበልዑ። ንበዓላት ይዓጥኑ” ዚብል ሓሶትካ ኪእርመካ እየ።

ብሓጺሩ ንምግላጽ ቤተ መቕደስ ናይ ተዋሕዶ ኩሉ ናይ ክርስቶስ ቤተ መቕደስ እዩ። ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ብስም ቅዱሳን መላእኽቲ ብስም ነብያት ሐዋርያት ሰማዕታት ጻድቃንን ኪስየም ድማ ባዕሉ እግዚአብሔር ዝኣዘዞ ትእዛዝ እዩ። ኣብ ነቢይ ኢሳይያስ ሓዲሩ ከም’ዚ ይብለና። “ ስለዚ እግዚኣብ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቶም ሰናብተይ ዚሕልው፡ ንኣይ ዜሐጒስ ዚሐርዩ፡ ኪዳነይ ድማ ዜጽንዑ ስሉባት፡ ንኣታቶም ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ፡ ካብ ኣውዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ስም ክህቦም እየ” (ኢሳ 56:4-5)


 ኣብ ቤተይ ማለቱ እንታይ ማለት እዩ። ናይ እግዚአብሔር ቤተ መቕደሱ እዩ። ነዚ ድማ እቲ ጎይታና “ቤተይ ቤት ጸሎት ኪትስመ እያ” ዝበሎ ቃል ምስክርና እዩ።(ማቴ 21፡13) ኣብ’ዛ ቤት እዚኣ እዩ እምበኣር ነቶም ቅዱሳኑ ካብ ኣዋልድን ካብ ኣወዳትን ዝበልጽ ዘይጠፍእ ዘለዓለማዊ ስም ዚሃቦም። ሓደ ሰብ ውላድ እንተ ወሊዱ እቲ ውላዱ ወዲ እከለ እናተባህላ ስም ናይ ኣቦኡ የጸውዖ እዩ። እንተ ኾነ ግን እዚ ንሓጺር ዓመታት እዩ። ወለዶ እናተተክአ ኪኸይድ ከሎ እቲ ስም ናይቲ ወላዲ ድማ እናጠፍአ እዩ ዝኸይድ። ናይ’ቶም ንዓለም ንዒቖም ንክርስቶስ ስለ ዝመረጹ ስሞም ዘጸውዕ ውላድ ዝዘይብሎም ቅዱሳን ግን ስሞም ኣብ ቤተ እግዚአብሔር ንዘለዓለም እዩ ዝጽዋዕ።


ንኣብነት እታ ናይ መጀመርያ ናይ ሓድሸ ኪዳን ቤተ ክርስቲያን ተባሂላ ትፍለጥ ብፍቓድ እግዚአብሔር ብኢድ ሐዋርያት ዝተሃንጸት ኣብ ፊሊጵስዮስ ዚነበረት ብ 53 ዓ’ም ዝተሃንጸት ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተሃንጸት ቤተ ክርስቲያን እያ። ካብ’ኡ ጀሚሩ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያምን ብስም ካልኦት ቅዱሳንን ቤተ መቐደስ ይህነጽ እዩ። እቶም ቅዱሳን ሕጂ ብኣካለ ስጋ የለዉን፡ ስሞም ግን ልዕሊ 2000 ዓመታት ተሳጊሩ ኣባና በጺሑ ኣሎ። ገና ከም’ቲ “ዘይጠፍእ ዘለዓለማዊ ስም ኪህበኩም እየ” ዚበሎም ድማ ንዘለዓለም ኪቕጽል እዩ።

ብካልእ መንገዲ ንሕና ክርስቲያን ድማ ናይ እግዚአብሔር ቤት ኢና። ብስም ቅዱሳኑ ኪንስመ ድማ ፍቓድን ትእዛዝን እግዚአብሔር እዩ። ወልደ ማርያም (ወዲ ማርያም) ወለተ ማርያም (ጓል ማርያም) ዝብሉ ኣስማት ናይ ወላዲተ ኣምላኽ ስም ኣባና ከም ዝጽዋዕ ዝገብሩ ኣስማት እዮም። ወልደ ሙሴ (ወዲ ነቢይ ሙሴ) ወልደ ኢሳይያስ (ወዲ ነቢይ ኢሳይያስ) ወለተ ሚካኤል (ጓል ቅዱስ ሚካኤል) ወ’ዘ’ተ ክብሪ ናይ ቅዱሳን ዚገልጹ ኣስማት ንዘለዓለም እናተጸዋዕናሎም ንነብር ኣለና።


ስለ’ዚ ብስም ቅዱሳን ቤተ መቕደስ ምስራሕ ኣምላኻዊ ትእዛዝ ምኽባር ኪኸውን ከሎ፡ ብኣንጻሩ ነዚ ምቅዋም ድማ ንትእዛዝ እግዚአሔር ምንዓቕን ምቅዋምን እዩ። ኣብ’ዚ ከነስተውዕሎ ዝግብኣና ግን ዋላ እኳ ብስሞም ቤተ መቕደስ ይተሃነጽ እምበር ቤተ መቕደሱ ሕጂ ውን ናይ ክርስቶስ እዩ። ኣብ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ መቕደስ ይኹን ኣብ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ መቕደስ ብሓፈሻ ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ናይ ሓደ ናይ ክርስቶስ ስጋን ደምን ጥራይ እዩ መስዋዕትና። ካልእ እንስውኦ መስዋእቲ የለን።

ንሕና ደቂ ሰባት ናይ ክርስቶስ ቤተ መቕደስ ኢና። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኣመልኪቱ “ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧”(1ይ ቆሮ 3፡16) ይብል። ቤተ መቕደስ ናይ ክርስቶስ ኢና ነናትና መጸውዒ ስም ግን ኣለና። ልክዕ ከምኡ ድማ ኣብያተ መቕደሳትና ኩለን ናይ ሓደ እግዚአብሔር እኳ እንተኾና ብዝተፈላለየ ኣስማት ናይ ቅዱሳን ኪስየማ ግን እግዚአብሔር ዝኣዘዞ እዩ።

No comments:

Post a Comment