bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 3 June 2016

ራእይ ዮሓንስ ናይ መወዳእታ ዓለም መበል 15 ክፋል


15 እቲ ተመን ድማ፡ ውሒዝ ምእንቲ ኺወስዳስ፡ ነታ ሰበይቲ ደድሕሪኣ ኸም ውሒዝ ዝዀነ ማይ ካብ ኣፉ ኣውጽኤ።


እዚ ተመን እዚ ኣብ ቁ 7-9 ከም ዝረኣናዮ ዲያብሎስ እዩ። ዲያብሎስ ኣብ ሰባት ሓዲሩ እዩ ዝዋግኣካ። ሕጂ ድማ ኣብ ሄሮድስ ሓዲሩ ነቲ ህጻን ኪቐትሎ ደለየ። መልኣኽ እግዚአብሔር ንዮሴፍ “ነቲ ህጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ገብጺ ኪድ” ብዝበሉ መሰረት፡ ጎይታና ናይ ኣዳም ካሕሳ ኪኽሕስ ናብ ግብጺ ተሰደ፡ ነታ ማሕደር ኣጋንንቲን ጣኦታትን ዝነበረት ምድሪ ግብጺ ንኽቕድስ ናብ ግብጺ ተሰደ፡ ትንቢተ ነብያት ንምፍጻም ናብ ግብጺ ተሰደ፡ ስደት ሰማዕታት ንምብራኽ ናብ ግብጺ ተሰደ፡ ካብ ክፉእ ኪንሃድም ድኣ እምበር ንኽፉእ ብክፉእ ኪንቃወሞ ከም ዘይብልና ብተግባር ንኽምህረና ናብ ግብጺ ተሰደ።(ማቴ 2:12-14)

ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ወዳ መድሃኔ ዓለም ዮሴፍ ኣረጋዊን ሰሎሜን ስደት ተተሓሓዝዎ። ሄሮድስ እዚ ምስ ፈለጠ ፈረሰኛታት ወተሃደራት ልኢኹ ኪቐትልዎም ኣዘዘ። ውሕጅ ዝተባህሉ እዞም ከም ውሕጅ ተላዒሎም ህጻንን ኣዲኡን ንምጥፋእ ዝተላዕሉ ወተሃደራት ሄሮድስ እዮም።


16    ምድሪ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ረድኣታ፡ እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ፡ ነቲ እቲ ገበል ካብ ኣፉ ዘውጽኦ ውሒዝ ወሐጠቶ። 

 ወተሃደራት ሄሮድስ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቑር ወዳ ኣብ ዝነበረትሉ ቦታ ምስ በጽሑ ኣብኡ ሓንቲ ዓባይ ኦም ሳግላ ነበረት’ሞ ሕብእና በልዋ። ሰቦምን መጭዓንኦምን ተኸፊታ ሰወረቶም። እቶም ሰራዊት ድማ ደሃይ ኣድጊ ኣብ ውሽጢ እታ ኦም ሰሚዖም ላዕልን ታሕትን ኢሎም ስኢነሞም ተመልሱ። ነዚ ሒዙ እዩ እምበኣር “ምድሪ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ረድኣታ፡ እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ፡ ነቲ እቲ ገበል ካብ ኣፉ ዘውጽኦ ውሒዝ ወሐጠቶ” ዝበለ።(ትርጉም ውዳሴ ማርያም ቅዳሴ ማርያምን ገጽ 378)

 ብካልእ መንገዲ ድማ እቲ ተመን ድማ፡ ውሒዝ ምእንቲ ኺወስዳስ፡ ነታ ሰበይቲ ደድሕሪኣ ኸም ውሒዝ ዝዀነ ማይ ካብ ኣፉ ኣውጽኤ። ዚብል ቃል ውሒዝ ካብ ኩሉ ርስሓት እናኣኻኸበ ከም ዝኸይድ፡ እቲ ገበል (ሰይጣን) ድማ ፍቕሪ ናይ ድንግል ማርያም ካብ ልቢ እቶም ዘፍቅርዋን ብጸሎታ ዝእመኑን ደቃ ተወሲዱ መታን ኪጠፍእ፡ “ንሳ እኮ ከማና ሰብ እያ፡ ንሳ እኮ ድንግል ኣይኮነትን፡ ዮሴፍ እኮ ሰብኣያ እዩ፡ ሓጢኣት ድማ ኔርዋ እዩ፡ ንሳ ኪትልምነልና ኣይትኽእልን እያዝብሉን ካልኦትን ከም ውሒዝ ረስሓት ዝኾኑ ናይ ሓሶት ትምህርታት ፈነወ ማለቱ እዩ።

 ምድሪ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ረድኣታ፡ እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ፡ ነቲ እቲ ገበል ካብ ኣፉ ዘውጽኦ ውሒዝ ወሐጠቶ። ብምባል ድማ ምድሪ ዝተመሰሉ ምድራውያን ሊቃውንት፡ ነቲ እቲ ገበል (ሰይጣን ኣብ መናፍቓን ሓዲሩ) ዝፍንዎ ረሳሕ ትምህርቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ብዝተማህረዎ ጽሩይ ትምህርቲ ጌሮም ጸጥ ከም ዝብል ገበርዎ። ኣብ 381 ሄሊቪድስ ዝተባህለ መናፍቕ “ድንግል ማርያም ካልኦት ውላድ ኔሮማ” ዝብል ረሳሕ ትምህርቲ ኪፍኑ ምስ ጀመረ፡ ምድራውያን ሊቃውንት ከም በዓል ኣባ ሄረኒሞስ (ቅዱስ ጂሮም) ድማ ቅዱሳት መጻሕቲ ብምጥቃስ ነቲ ረሳሕ ተመህሩ ዘለዓለማዊ ድንግልና ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም መስከሩ።

17 እቲ ገበል ከኣ ነታ ሰበይቲ ተቘጥዓ እሞ ምስቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር ኢየሱስ ሒዞም ዘለዉን ዝተረፉ ዘርኣ ኺዋጋእ ከደ። 18 ኣብ ሑጻ ባሕሪውን ደው በለ።

 እቲ ገበል (ዲያብሎስ) ንድንግል ማርያም ኣሳዲድዋ ኣይሰለጦን፡ ኣብ መናፍቓን ሓዲሩ ተጻሪፉ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ብዝሃብዎ መልሲ ድማ ሓፈረ፡ ሓፈረ ጥራይ ዘይኮነ ድማ ተቖጥዐ እሞ ነቶም ዝተረፉ ደቃ ኪዋጋእ ከደ፡ ዚተረፉ ደቃ ብኣደነታ ንኣምን ብጸሎታ ንኣምን ብቃል ኪዳና ንኣምን ደቃ ንሕና እቶም ኣብ’ታ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት እምነት ዘለና ክርስቲያን ኢና። ምስክር ናይ’ቲ መድሓኒና ዝኾነ ክርስቶስ ኣምላኽና ዝሓዝና ንሕና ኦርቶዶክሳውያን ኢና። ንዓና ንምውጋእ ኣብ ሑጻ ባሕሪ ማለት ኣብ ናይ ተጠራጠርቲ ኣብ ናይ መናፍቓን ልቢ ሓደረ፡ ኣብኦም ኮይኑ ድማ ንዘለዓለም ኪዋግኣና ኪነብር እዩ። (ኦ ኩሉ እትኽእል ጎይታ፡ ከምቲ ኣብ መስቅል ንጸላኢና ርእሱ ዝቐጥቀጥካዮ፡ ንዓና ንደቅኻ ድማ ኣብ ትሕቲ እግርና ኣርግጸልና)

 ቪክቶርያነስ “ማይ ዝተባህለ ንቤተ ክርስቲያን ንምጥፋእ ምስ ሳዊ መሲሕ ዝስለፈ ሰራዊት እዩ” ይብል።

 ምድሪ ነታ ሰበይቲ ረድኣታ “ንዝብል ብዙሓት ሊቃውን ሓደ ሓደ ነገሥታት ንገዛእ ጥቕሞም ክብሉ ምስቲ ሓሳዊ መሲሕ ስለ ዝጻልኡን ስለ ዝዋግኡን፡ ክርስቲያን መስደዲ ከም ዘይስእኑን ሓሳዊ መሲሕ ንቤተ ክርስቲያን ብምሉእ ሓይሉ ከም ዘይዋግኣን ክገብሩ እዮም።

ዘየቋርጽ ውግእ

 እቲ ገበል ብኹሉ ዓይነት መንገዲ ንቤተ ክርስቲያን ንምውጋእ ኪቕጽል እዩ። ንበዓል መን ከም ዝዋግኦም ድማ እዚ በዓል ራእይ ቅዱስ ዮሐንስ ገሊጽልና ኣሎ።”ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን ዝተረፉ ዘርኣ ” ነዚኣቶም ንምውጋእ ኣብ ሑጻ ባሕሪ እዩ ቆይሙ ዘሎ።

ሑጻ ባሕሪ “ናይ ሥጋውያን ሰባት ምሳሌ እዩ፡ እዚኣቶም ድማ ኣሕዛብ /እሥራኤል ዘሥጋን/ ፍልጠት እምበር እምነትን ምግባርን ዘይብሎም ክርስቲያን እዮም”

ንኣብርሃም “ዘርእኻ ከም ሑጻ ባሕርን ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከብዝሖ እየ” ክብሎ ከሎ ካባኻ እሥራኤል ዘሥጋን እሥራኤል ዘነፍሥን ክውለዱ እዮም፡ ካብኻ ሕዝብ (ይስሐቅን) ኣሕዛብ (እስማዒልን) ክውለዱ እዮም፡ ካባኻ ከም ናይ ሰማይ ከዋክብቲ ብጽድቂ ዝደመቑን (ዳን 12:፡3 ከም ሑጻ ባሕሪ እኳ ቊጽሮም እንተበዝሐ ሓሳቦም ምድራዊ ኣምላኾም ከብዶም ዝኾኑ ናይ ስም ጥራይ ክርስቲያንን ክወጽኡ እዮም ማለቱ እዩ። (ፊል 3፡18-20)


 ንቤተ ክርስቲያን ዘሳድዱ እዞም 3 ሓይልታት እዚኣቶም እዮም “እስማዒላውያን ገንዘብን ሓይልን ብምጥቃም፡ ኣይሁድ ጥበብን ዲፕሎማስን ብምጥቃም፡ ሃይማኖት ኣልባ ክርስቲያን ድማ ለዘብተኛነትን ናይ ጥርጥር ትምህርትን ክጥቀሙ እዮም። ሠለስቲአም ነንሕድሕዶም  አይሰማምዑን ቤተ ክርስቲያን ንምጥፋእ ግን ክሰማምዑ እዮም።

No comments:

Post a Comment