bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Sunday 28 January 2018

ኣይሁድን ሰብአ ነነዌን

ጽባሕ 21 ጥሪ 2010 ዓመተ ምሕረት ጾመ ነነዌ አዩ ርሑስ ምጅማር ጾም:: ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ "ሰብ ባዕሉ ርእሱ እንተዘይጐዲኡ ዋላ ሓደ ንእኡ ኺጐድእ ከም ዘይከኣል" ብዝብል  ኣርእስቲ ክምህር ከሎ ካብ ዝጠቐሶም 2 ኣብነታት ኣይሁድን ሰብአ ነነዌን ብዝምልከት ነዚ ዝስዕብ ይመስል

........ነዚ ሓሳብ እዚ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ክወፁ ኸለዉ ዚነበሩዎ ኵነታት ብምልዓል ዝያዳ ንጹር ክገብረልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም? ኣቤት! ንእስራኤላውያን ዚተገብረ ምንክብኻብ ክንደይ ይበዝኅ ነይሩ?! ነፍሲ ወከፍ ዝርአ ፍጥረት ንኣኣቶም ንምግልጋል ዚተዳለወዶ ኣይነበረን እዩ? ሓድሽን ጋሻን ዝኾነ ናይ ሕይወት ኣካይዳዶ  ኣባታቶም ኣይኮነን እዩ? ምኽንያቱ ዘድልዮም ነገር ብዘይ ገንዘብ ብዘይ ዋጋ ስለ ዝረኸቡ ናብ ዕዳጋ ምኻድ ኣየድለዮምን። እምኒ ምስባር ወይ ሕርሻ ምሕራስ ወይ መሬት ምልስላስ ወይ ዘርኢ ምዝራእ ኣየድለዮምን። ዝናምን ንፋስን ወይ ናይ ወቕቲ ምፍርራቕ  ወይ ናይ ፀሓይ ብርሃን፡ ወይ ናይ ወርኂ ምውፃእ ወይ ኵነታት ኣየር ዝተስተኻኸለ ምዃን ወይ ካልእ ነዚ ዝኣመሰለ ነገር ኣየድለዮምን። ዓውዲ ምድላው ወይ መኼዳ እኽሊ  ወይ ነቲ እኽልን ሓሰርን ንምፍልላይ መስአ ምስንዳእ፡ ወይ መጥሓን ምትካል ወይ እቶን ምድላው ኣየድለዮምን። ዕንጨት ምእራይን ሓዊ ምንኻስን ወይ ምስንካት ወይ ባዴላ ምድላው ወይ ማዕጺድ ምስሓል ወይ ካልእ ዋላ ሓንቲ ነገር ኣየድለዮምን። ንኽዳውንቶም ኣላማይ ወይ ንቤቶም ሓናፂ ወይ ንጫማኦም ሰፋዪ ኣየድለዮምን። ንምንታይ? እንተ ተባህለ ናይ እግዚአብሔር ቃል ኵሉ ነገራቶም ስለ ዝነበረ እዩ። ብኢድ ሰብ ወይ ብድኻም ሰብ ዘይተዳለወ መኣዲ ስለ ዝነበሮም። ምኽንያቱ እቲ መና ሓድሽን ውዑይን ዋላ ሓንቲ ዘይክፈሎ፡ ወይ ንእኡ ንምርካብ ውረድ ደይብ ዘየድልዮ ስለ ዝነበረ። ክዳውንቶም፡ ጫማኦም፡ እዋእ! መኣስ እዚ ጥራይ፡ ናይ ኣካላቶም ድልዳለ እኳ ሕማም ረሲዕዎ እዩ ነይሩ። ክዳውንቶም ብምንዋኅ ጊዜ ኣይተቐደደን። እዚ ዅሉ ነዊኅ ጕዕዞ ኽጓዓዙ ኣእጋሮም ኣይሓበጠን። ኣብ ማእከሎም ሓኪም ኣይነበረን፡ መድኃኒትውን ኣይነበረን፡ ብፍጹም! ሕማም ኣይነበሮምን! “ሽዑ ደቂ እስራኤል ወርቅን ብሩርን ኂዞም ካብታ ሃገር ከም ዚወፁ ገበረ፡ ኵላቶም ከኣ ጥዑያትን ኃያላትን ነበሩ /መዝ 105፡37/” ከም ዝብል። እኳ ደኣ ከምቲ ካብዛ ዓለም እዚኣ ዝኸደን ናብቲ ላዕለዋይ ዓለም ዚተሰጋገረን ሰብ፡ ዋላ እኳ ዝበልዑን ዚሰትዩን ሰባት እንተ ኾኑ ፀሓይ ኣየቃጸሎምን፡ ፀሓይ ምእንቲ ከየቃጽሎም ደመና ኣብ ልዕሊኦም ሰፊኑ ከም ተንቀሳቓሲ ጽላል ኮይኑ መላእ ሰብነቶም የጽለሎም ነበረ። 

 ብለይቲውን እንተ ኾነ ንግርማ ጸልማት ዘርሕቕ ፋና ኣድለዮምን፡ ከምዚ እዩ ነይሩ ተባሂሉ ክንገረሉ ዘይክእልን ክልተ ጥቕሚ ዝህብን - እዚ ማለት እቲ ቐዳማይ ንኸብርሃሎም ብኻልኣይ ደረጃ ድማ መገዲ ንኽመርሖም - ዝተዋህቦም ዓምደ እሳት ነበሮም። እቲ እሳት እቲ ብርሃናዊ ጥራይ ኣይኮነን ዚነበረ፡ ካብቲ መገዲ መሪሑ ዝወስድ ሰብ ንላዕሊ ነዚ ኵሉ ሕዝቢ ኣብቲ ጭው ዝበለ በረኻ ትኽ ኣቢሉ ንኽመርሖምውን ጠቐመ። እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ መሬት ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ደረቕ መሬት ዝኸይድ ሰብ ብማእከል ባሕሪውን ከምኡ ተጓዓዙ። ናብኡ ናብቲ ዜፍርህ ባሕሪ ኣትዮም ክስጉሙ ኸለዉ ድማ ካብ ሕጊ ተፈጥሮ ንላዕሊ ነበሩ። ምኽንያቱ ኣእጋሮም ናብ ባሕሪ ምእታው ክጅምሩ ኸለዉ እቲ መገዶም ዋላ ሓንቲ ማይ ከም ዘይነበሮ ኮይኑ ጭቃ ዘይብሉ ከም ከውሒ ዝምትራሩ ኮይኑ ነበረ። ጸላእቶም ናብኡ ምስ ኣተዉ ግና እቲ ባሕሪ ናብ ናይ ቀደም ተፈጥሮኡ ተመልሰ። እቲ ባሕሪ ንእስራኤላውያን ከም ሠረገላ ኮነሎም፡ 

ንጸላእቶም ግና መቓብር ኮኖም። እስራኤላውያን ብዘይ ዋላ ሓደ ሽግር ተሳገሩ፡ ጸላእቶም ግና እቲ ማዕበል ኣብ ልዕሊኦም ተነዋወፀ። እቲ ኣቐዲሙ ስርግርግ እናበለ ናብዝን ናብትን ዚነዋወጽ ዚነበረ ባሕሪ - በቲ ሓደ ሸነኽ ንኣኣቶም ንኽሕልዎም፡ ብኻልእ ሸነክ ድማ ንጸላእቶም ምእንቲ ከጥፍኣሎም - ከም ዝሓስብ ሰብ ኮይኑ ሥርዓት ኃዘ። ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ነዞም ተጻረርቲ ዝኾኑ ነገራት ይፍጽሞም ነበረ። ብዛዕባቲ ማይ ዚፈልፈለሎም ከውሒኸ እንታይ ክንብል ንኽእል? ሥጋ ደስ ኢሉና ምስ በሉ ካብ ምብዛኀን ዚተላዕለ ነታ ምድሪ ብዛዕባ ዝኸደናኣ ብርኒጎታትከ እንታይ ክንዛረብ ንኽእል? ብዛዕባ እቶም ኣብ ግብጺ ዚተገብሩ ተኣምራትከ? ብዛዕባ እቶም ኣብ በረኸታት ዚተፈጸሙ ድንቅታትከ? ናይ ዋላ ሓደ ደም ከይፈሰሰ ብዛዕባ ዚተጎናጸፉዎ ዓወትከ? ንጸላእቶም በዓል ከም ዘኽብሩ ደኣ እምበር ኲናት ከም ዘካይዱ ኾይኖም ኣይሰዓሩዎምን። ብዘይ ዋላ ሓንቲ ናይ ውግእ መሣርሒ ንጸላእቶም ሰዓሩዎም። ካብ ግብጺ ድኅሪ ምውፅኦም ብመዝሙርን ብዕልልታን ጥራይ እዮም ስዒሮምዎም። ስለዚ ዝገብሩዎ ዚነበሩ ሃይማኖታዊ በዓል እምበር ኲናት ኣይነበረን። 

 እዚ ዅሉ ዚተፈጸመሎም ግና ድሌታቶም ንምፍጻም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብኢድ ሙሴ ንዝተቐበሉዎ እግዚአብሔር  ስለ ምፍላጥ ከምኡውን ኣምላኾም ምሳታቶም ከም ዘሎ ዘረድኡ ትእዛዛተ እግዚአብሔርውን ንኽሕልዉን እዩ ተፈጺሙሎም። ንኣኣቶም ደረቕ መሬት ብምዃን ብድኅሪኦም ድማ ጥንተ ተፈጥሮኡ ብምኃዝ ባሕሪ ነዚ ዓው ኢሉ መስኪሩ እዩ። ፈለግ ኒል ናብ ደም ኪቕየር ከሎውን ነዚ ዓው ኢሉ መስኪሩ እዩ፡ ዕንቁሮዖብ፡ ዕስለ ኣንበጣ፡ ጽንጽያ ኸልብን ኵሎም እዚኣቶም ዓው ኢሎም ተዛሪቦም እዮም። ኣብ በረኻ ዚተፈጸሙ ድንቅታት፡ መና፡ ዓምደ እሳት፡ ደመና፡ ከምኡውን ካልኦት ፍጻሜታት ብምሉኦም - ከም መጽሓፍ እኳ ደኣ ተፋሒቑ ክጠፍእ ብዘይክእልን መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ርእሶም እናቓጨለ (እናደወለ) ከዘኻኽሮም ብዝኽእልን መልክዑ - እዩ ኣገልጊሉዎም። እንተ ኾነ ግና ድኅርዚ ኵሉ ዓቢይን ኣደናቕን መግቦት ብድኅሪ እዞም ክንገሩ ዘይክእሉ ጥቕምታት፡ ድኅሪ እዞም ዓበይቲ ተኣምራትን ክግለጽ ዘይክእል ናይ እግዚአብሔር ምንክብኻብን ተደጋጋሚ ትምህርትን ብድኅርዚ ኵሉ ብቓልን ብተግባርን ዝቐረበሎም ትምህርትን ተግሣፅን፡ ኣዝዮም ኣደነቕቲ ዝኾኑ ዓወታት ድኅሪ ምጉንጻፎም፡ ኣዝዩ ብዙኅ መግቢ ድኅሪ ምርካቦም ኣዝዩ ብዙኅ ማይ ምስ ፈልፈለሎም፡ ኣብ ቅድሚ ኵሉ ዘርኢ ወዲ ሰብ ኣዝዩ ዘደንቕ ክብሪ ድኅሪ ምርካቦም ምስጋና ዘይብሎምን ዘይረብሑን ኮይኖም ንምራኽ ኣምለኹ፡ ንርእሲ ብዕራይ ኣመስገኑ። ነዚ ዝገበሩውን እኮ እቲ እግዚአብሔር ኣብ ግብጺ ዚገበረሎም ገና ካብ ርእሶም ከይጠፍአ እዩ፡ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ሽዑ ሽዑ ዝረኽቡዎን ዝርእይዎን ክብሪ እናሃለዎም እዩ።

(14) ሰብአ ነነዌ ግና ዋላ እኳ ኣሕዛብ እንተነበሩ፡ ዋላ እኳ “እስራኤላውያን ዚረኸቡዎ ዓይነት ሓገዝ - ብውሑድ ይኹን ብብዝኂ፡ ብቓል ይኹን ብተኣምራት ወይ ብተግባር - ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ዘይረኸቡ እንተ ኾኑ፡ ሓደ ካብ ሓደጋ መርከብ ዚተረፈ ሰብ ምስ ረኣዩ፡ ቅድሚኡ ዘይፈልጥዎ ሰብ ምስ ተዓዘቡ፡ ንመጀመርታ ጊዜ መጺኡ ናብ ከተማኦም ብምእታው “ነነዌ ኣብ ውሽጢ ሠለስተ መዓልቲ ክትግልበጥ እያ” ምስ በሎም፡ በዞም ቃላት እዚኣቶም ጥራይ ነቲ ናይ ቀደም ክፍኣቶም ገዲፎም ብመገዲ ንስሓ ናብ ምግበረ ትሩፋት ተጓየዩ ተለወጡን ተሓደሱን ድማ /ዮና 3፡4/። እግዚአብሔር ካብቲ ከውርደሎም ኢሉ ዚተዛረቦም ክፉእ ነገር ከም ዚጠዓስ ገበሩዎ። ኣብታ ኸተማ ክወርድ ተሓሲቡ ዚነበረ ኃያል መቕዘፍቲ ከም ዚተርፍ ገበሩዎ። ነቲ ተሓሲቡ ዚነበረ ሰማያዊ ቚጥዓ ኣትረፉዎ፡ ካብ ኵሉ ክፉእ ነገር ድማ ደኃኑ። እቲ ቓል ከምዚ ይብል “ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ ግብሮም ማለት ካብ ክፉእ መገዶም ከም ዝተመልሱ ረኣየ፡ ስለዚ ሓሳቡ ለወጠ፡ ከምቲ ተዛሪቡዎም ዚነበረ ኸኣ ኣይቀጽዖምን /ዮና 3፤10/።

 ከመይ ኢሉ ተመልሰ? ንገሩኒ! ዋላ እኳ ክፍኣቶምን ዓቢይ በደሎምን ከምዚ እዩ ኢልካ ኺግለጽ ዘይክእል እንተ ኾነ፡ እቲ ነቢይ “እከዮም ኣብ ቅድመይ ደይቡ እዩ እሞ” ኢሉ ከም ዚተዛረበ ሞራላዊ ተግባሮም ኣዝዩ ሕሙምን ንኽትሕክሞ ዘሸግርን /ዮና1፡2/፡ ክፍኣቶም ክሳዕ ክንድዚ ዝኣክል ዓብዩ ክሳዕ መንበረ ጸባዖት በጺሑ እኳ እንተ ነበረ - ኣብ ውሽጢ ሠለስተ መዓልቲ ኣዝዩ ሓጺር ኣብ ዝኾነ ጊዜ፡ በቲ ካብ ሓደጋ መርከብ ድኂኑ ከይዱ ዚነገሮም ሓደ ሰብ ብኣዝዮም ውሑዳት ቃላት - ካብ ዓቢይ ክሳዕ ንእሽተይ ርእሶም ስለ ዘዋረዱ፡ ማቕ ስለ ዝለበሱ፡ ንናይ እግዚአብሔር ቊጥዓ ኣዝሓሉዎ፡ “ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ ግብሮም ማለት ካብ ክፉእ መገዶም ከም ዝተመልሱ ረኣየ፡ ስለዚ ሓሳቡ ለወጠ፡ ከምቲ ተዛሪቡዎም ዚነበረ ኸኣ ኣይቀጽዖምን”  ዝብል ደስ ዘብል ቃል ድማ ሰምዑ። ስለዚ ርእሱ ዚገዝእን ንቑሕ ዝኾነን ሰብ ብሰባት ጕድኣት ክወርዶስ ይትረፍ፡ ንሰማያዊ ቊጥዓ እኳ ከመይ ገይሩ ከዝኅል ከም ዝኽእልዶ ትርእዩ ኣለኹም? ነዚ ብኣንጻሩ ገዛእ ርእሱ ባዕሉ ዚጐድእ ሰብ ግና፡ ዋላ ብዙኅ ረድኤትን ሓገዝን እንተ ተገብረሉ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ ከም ዘይረክብከ ኣስተውዒልኩምዶ? እወ! ኣይሁዳውያን በዞም ዓበይቲ ተኣምራት ዋላ ሓንቲ ኣይተጠቐሙን። ሰብአ ነነዌ ድማ ነቶም ተኣምራት እቲኣቶም ብዘይ ምርኣዮም ኣይተጐድኡን። እኳ ደኣ ብውሽጦም ስለ ዚተለወጡ፡ በታ ዝረኸቡዋ ንእሽተይ ዕድል ስለ ዚተቐየሩ - ዋላ ደኣ ኣሕዛብን ካብ እስራኤል ወፃእን ዚነበሩ ናይ እግዚአብሔረ ምግላጽ ዘይፈልጡ ካብ ፍልስጤም ኣዝዮም ርሒቖም ዚነብሩ ዚነበሩ ሰባት ይኹኑ እምበር ዋላ ሓንቲ ኣይተጐድኡን።

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ናብ ኦሎምፒያስ ዝለኣኾ መአኽታትን ካልኦትን ካብ ትብል መጽሓፈይ ካብ ገጽ 71 - 76 ዝተቖንጨል

No comments:

Post a Comment