bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 9 September 2016

ወላዲተ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም ጥንተ ኣብሶ ኣለዋ ዚበሉ ዘቕረብዎም 10 ነጥብታትን ብሊቃውንት ዚተዋህበ መልስን 3ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

6ይ ተቓውሞ፥-  “ድንግል ማርያም ምንም ኃጢኣት እንተ ዘይብላ ምስ እግዚአብሔር ሓደ ንገብራ ኣለና ዝብል?

 ምንም ኃጢአት ዘይብሉ ምስ ኣምላኽ ማዕረ ይኸውን እዩ ማለት መላእኽቲ ንጹሓን ኣይነበሩን ኃጢኣት ዘለዎም ጌሩ እዩ ፈጢርዎም ናብ ዝብል ጌጋ ትምህርቲ ዝመርሕ ኣዕናዊ ሓሳብ እዩ። ወይ ድማ ናይ ቅዱሳን መላእኽቲ ንጽሕና ንቕበል እንተ ኾንና ንሳቶም ንጹሓን ስለ ዝኾኑ ምስ ኣምላኽ ማዕረ እዮም ዲና ክንብል? ንሳቶም ኣብ ቅድሚኡ ብፍርሃትን ብራዕድን ዝንቅጥሉን ዝሰግድሉን ብዕለተ ሰንበት ዝተፈጥሩ ፍጥረታት ምዃኖም ንኣምን ግን ከኣ ኃጢኣት ዘይፈልጡ ንጹሃን እዮም። ኣዳምን ሔዋንን ውን ንልዕሊ 7 ዓመት ኣብ ገነት ክነብሩ እንከለዉ ኃጢኣተኛታት ኔሮም ክንብል ክንግደድ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ግን እግዚአብሔር ድማ ዝፈጠሮ ፍጥረት ኵሉ ረኣየ እነሆ ብዙሕ ጽቡቕ ኮነ እዩ ዝብለና። ዘፍ 1፡31 እግዚአብሔር ብባሕርይኡ ቅዱስ ስለ ዝኾነ ኃጢኣተኛ ወይ ዘይንጹህ ፍጥረት ኪፈጥር ውን ባሕርይኡ ዝፈቕዶ ስለ ዘይኮነ (ንቅዱሳን መላአእኽትን ንኣዳምን ሔዋንን ኃጢኣት ዘይብሎም ንጹሐን ጌሩ ፈጢርዎም ከም ዝነበረ ንኣምን ኢና። እሞ እዚኦም ከ ኃጢኣት ስለ ዘይነበሮም’ሲ ምስ እግዚአብሔር ሓደ ኢዮም ክንብል ዲና?) ዋላስ ተቓውሞና ኣብ ኣደ ኣምላኽ ጥራይ ዘተኮረ እዩ? መድኃኒትካ ካብ ዘጽልእ ሕማም የድሕነና ጥራይ እዩ ዘብል። እምበር ንሳስ ንጽሕተ ንጹሓን ካብ ፈጣሪ ንታሕቲ ካብ ኵሎም ፍጡራን ድማ ንላዕሊ ዝኾነት ቅድስቲ ኣደ ምዃና ምእማን ምቊር እዩ።

7ይ ተቓውሞ፥- “ኵሎም በዲሎም ክብሪ እግዚአብሔር ጎዲልዎም”  ሮሜ 3፡23? (ኵሎም ኃጢኣት ሰሪሖም ማለቱ ኣይሁዳውያን ይኹኑ ግሪኻውያን ማለቱ ኢዩ እምበር ኵሉ ሰብ ማለቱ ኣይኮነን ሮሜ 3፡9። ብሓጺሩ ኣብዚ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ዝወረስናዮ ኃጢኣት ዘይኮነ ብዛዕባ ዝሰራሕናዮ ኃጢኣት ይዛረብ ምህላዉ በቲ “ኵሎም ኃጢኣት ሰሪሖም” ዝብል ቃሉ ዝተፈልጠ ኢዩ) ይትረፍዶ ምልእተ ጸጋ ዝተባህለት ድንግል ማርያም ብንጽሐ ጠባይዕ ዝተወልዱ ሕጻናት እኳ ብሓደ ብክልተ ዓመት ዕድሚኦም መዓስ ኢዮም ኃጢኣት ሰሪሖም? ሓደ ሰብ ኃጢኣት ሰርሐ ክበሃል እንከሎ ኃጢኣት ምዃኑ ፈሊጡ ብነጻ ፍቓዱ ምስ ዝሰርሖ ኢዩ። ስለ’ዚ ከም ኣዘራርባኦም ኵሎም ኃጢኣት ጌሮም እንተ ኢሎም ግና ክብሪ ንዕኡ ይኹን ነቲ ብዘይካ ኃጢኣት ብኹሉ ንዓና ዝመሰለ ጐይታ ውን ኃጢኣት ኣለዎ ክብሉ ክግደዱ ኢዮም። ስለ’ዚ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኵሎም ክብል እንከሎ “መብዛሕትኦም ዝበዝሑ ማለቱ ኢዩ እምበር ብጠቕላላ ኵሉ ፍጡር ማለቱ ኣይኮነን። እዚ ኵሉ ዝብል ቃል ብቛብቋ ግሪኽ ንብዙሕ ቊጽሪ ዘመልክት እምበር ምሉእ ብምሉእ ዝውክል ከም ዘይ ኮነ ዓለምለኻውያን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሊቃውንቲ የረድኡ። “pas” “The greek word pas in verses in schripture simply means ‘agreat number’ ‘most of’ ‘a lot of’

ነዚ ንምርዳእ ቀጺሎም ዘለዉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት ንመልከት፥-

1. እነሆ ኵሉ ዓለም ደድሕሪኡ ይስዕብ ኣሎ /ዮሐ 12፡19/። እስኪ ኣብዚ ቃል ነስተውዕሎ ኵሉ ዓለም ማለት ኣብ ዓለም ዘሎ ፍጥረት ወዲ ሰብ ደድሕሪኡ ኣብ እስራኤል ደድሕሪ ጐይታ ይስዕብ ኔሩ ማለት ድዩ? ስለ’ዚ እቲ ኵሉ ኵሎም ዝብል ቃል ንብዙሓት ዝውክል እምበር ሓደ ከይትረፈ ንኹሉ ዘጠቓልል ማለት ኣይኮነን። እዘን ዝስዕባ ጥቕስታት ውን ከምኡ ጌርና ነስተማቕረን

2. ሽዑ ኢዮርሳሌምን ኵላ ይሁዳን ብዘላ ሃገር ዙርያ ዮርዳኖስ ናብኡ መጸት ማቴ 3፡5
3. ኮነ ድማ በታ ቕነ እቲኣ ኵላ ዓለም ንኽጽሓፍ ብኣውጉስጦስ ቄሳር ትእዛዝ ወጽአ ሉቃ 2፡1
4. ኵሉ እስራኤል ክድሕን ኢዩ ሮሜ 11፡26። ብሓቂ ግን ኵሉ እስራኤል ክድሕን ድዩ?
5. ፍልጠት ዘበለ ኵሉ ከም ዘመልኣኩምን ንሓድሕድኩም ውን ከም እትመዓዓዱን ኣነ ባዕለይ ተረዲአዮ ኣለኹ ሮሜ 15፡14። ስለ’ዚ ኵሉ ፍልጠት ተመሊኦም ማልት ምስቲ ናይ ፍልጠት ምንጪን በዓል ቤትን ዝኾነ እግዚአብሔር ሓደ ኮይኖም ማለት ድዩ ስለዚ ኵሉ ዝብል ቃል ምሉእ ብምሉእ ዘመልከት ከም ዘይኮነ ክንግንዘብ ይግበኣና።

8ይ ተቓውሞ፥- “ኃጢኣት የብልናን እንተበልና ግና ንርእስና ንጥብር ኣለና 1ይ ዮሐ 1፡8?
 እዚ ድማ ነቲ ባዕልና ንሰርሖ ኃጢኣት እምበር ንኣዳማዊ ኃጢኣት ዘመልክት ከም ዘይኮነ ዮሐንስ ባዕሉ ኣብ ቊ 9-10 ኃጢኣትና እንተ ተናዘዝና….. ብምባል ኣብርሂዎ ኣሎ። ኣዳማዊ ኃጢኣት ድማ ብኑዛዜ ዝድምሰስ ኣይኮነን።

9ይ ተቓውሞ፥- “መዓልታት ምንጽሆም ምስ ኣኸለ ከም ሕጊ ሙሴ…..ሉቃ 2፡21-24? 
ኣብዚ ውን “መዓልታት ምንጽሆም” ስለ ዝብል ንኽልቲኦም እንኮላይ ንጐይታ ዝልክም ምዃኑ መጀመርታ ኪርድእዎ ይግባእ። ኣዝዩ ሓደገኛ ትምህርቲ እዩ ኵሉ ንድንግል ማርያም ዝትንክፍ ንጐይታ ውን ይትንክፎ እዩ። ኵሉ ስራሕ ሰይጣን ድማ ቀስ ብቐስ እዩ። ሎሚ ንጽሕና ናይ ድንግል ማርያም አንተ ኣጥፊእናዮ ጽባሕ ክርስቶስ ውን ናታ ሥጋ ስለ ዝተወሃሃደ ኃጢኣት ኔርዎ እዩ ዝብል ትምህርቲ ከም ዝመጽእ ዘጠራጥር ኣይኮነን እንዳተመሃረ ውን እዩ ዘሎ። እወ ናብ ቤተ መቕደስ ከይዶም ነዚ ዝገበሩሉ ምኽንያት ግና ነዚ ዘይገብር ከም ኃጢኣት ስለ ዝቚጸረሉ ንሱ ሕጊ ክፍጽም ኢሉ ብምምጻኡን ኢዩ እምበር ምስ ጥንተ ኣብሶ ምንም ዘራኽብ ነገር የብሉን። ኣነ ንሕግን ነብያት ክፍጽሞም ድኣ እምበር ክስዕሮም ኢለ ኣይ መጻኹን (ማቴ 5፡20) ዝበለ ጐይታ ሕጊ ንምፍጻም ኣብ 40 መዓልቱ ናብ ቤት መቕደስ ከደ እምበር ንሱ ኮነ ኣዲኡ ምንም ርኽሰት ዘይብሎም ንጹሃን እዮም።

 ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ኣብ መጽሓፈ ምሥጢር ነዚ ክገልጽ አእንከሎ “ኦ ድንግል እዛ ዕለት እዚኣስ ከመይ ከመይ ኢላ ኢያ መዓልቲ ምንጻሕ ዝኾነት? ንስኽስ መዓስ ረኺስኪ ኢኺ እዛ ናይ ምንጻሕ ዕለት እተድልየኪ? ብዘይ ሩካቤ ጠኒስክዮ ርስሓት ዘይብልኪ ውን ወሊድክዮ፡ ስለምንታይ ነቲ ፍረ ስብሐት ጐይታ ብመዓልቲ ምንጻሕ ናብ ቤተ መቕደስ ወሰድክዮ? ካብ ቤተ መቕደስ ንላዕሊ እኮ ንስኺ ትኸብሪ፡ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ታቦትን ካብ ናይ ሰማይ ጽላትን ድማ ወድኺ ዝኸበረ ኢዩ) ክብል   ብምስትንታን ገሊጽዎ ኣሎ።

10ይ ተቓውሞ፥- “ብብሥራት ናይ ቅዱስ ገብርኤል ኢያ ነጺሃ?

ሓደ ሓደ መናፍቓን ነዚ ቅዱስ ገብርኤል ንድንግል ማርያም “ጸጋ ዝተመላእኪ” ኢሉ ዝመስከሮ ንጽሕና ናይ ድንግል ማርያም ንምቕያር “ብጣዕሚ ዝተፈተወት ሰበይቲ ብዝብል” ጥቕሲ ቀይሮም ክጽሕፍዎ ንርእዮም ኣለና። እዚ ድማ ድንግል ማርያም ብብስራት ቅዱስ ገብርኤል ዝነጽሐት ዘይኮነት’ሲ ካብ ማህጸን ኣዲኣ ንጽሕቲ ስለ ዝነበረት ቅዱስ ገብርኤል ጸጋ ዝተመላእኪ ድኣ በላ እምበር ጸጋ ክትምልኢ ኢኺ ኣይበላን። ንሱ ምስ ኣንጽሓ ጸጋ ትምላእ ኔራ እንተ ትኸውን ጸጋ ክትምልኢ ኢኺ ብምባል ምተዛረበ።

እዚ በቲ መሠረታዊ ቋንቋ ናይ ግሪኽ ዝተጻሕፈ ምልእተ ጸጋ ዝብል ቃል እስኪ ካብቲ ናይ ግሪኽ ቃል ተበጊስና ትርጉሙ ንመልከት “kecharitomene” (ኸቻሪቶሜን) ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል መበገሲኡ “charis” (ኸሪስ) ዝብል ቃል ኮይኑ  “ke” (ኸ) ዝብል ቃል ቅዱስ ገብረኤል መልኣክ ናብ ድንግል ማርያም ቅድሚ ምልኣኹ  ኣብኣ “ጸጋ” ብፍጹም ምልኣት ከም ዝነበረ ዘርኢ ክኸውን እንከሎ ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ዘሎ “mene” “ሜኔ” ዝብል ቃል ድማ ቅድስት ድንግል ማርያም ነቲ ጸጋ ተቐቢላቶ ከም ዝነበረትን በዚ ምቕጻላን የመልክት። ስለ’ዚ ድንግል ማርያም ቅዱስ ገብርኤል ምስ ኣበሰራ ዘይኮነስ ካብ ማሕጸን ኣዲኣ ጸጋ ዝተመልአት ምዃና ውን ዘረጋግጽ እዩ። ብቕዱስ ገብርኤል ነጺሓ ንብል እንተኾንና ግና እዞም ዝስዕቡ ብድሆታት ክገጥሙና ምዃኖም ውን ኣይንዘንግዕ

እዚ ኣበሃህላ እዚ፥- 
1. ናይ ክርስቶስ ሞት ከንቱ ዝገብር እዩ
2. ካልኦት ቅዱስ ገብርኤል ዘበሰረን ኣንስቲ ኣይነጽሃን መሳ 13፡1-20 ሉቃ 1፡13-20
3.  እልፊ ኣእላፋት መላእኽቲ መጺኦም ነኹሉ ዓለም መድኀንዎ?
4.  ናይ መልኣክ ብሥራት ምስ ናይ ጐይታ ናይ ድኅነት ስራሕ ሓደ ክኸውን ኣይክአእልን ኢዩ
5. ንሱ “ጸጋ ዝመልኣኪ” ድኣ እምበር “ጸጋ ክትምልኢ ኢኺ ኣይበለን”
6. እዚ ዝስዕብ ናይ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ

ወሶበ ርእየ ንጽሕናኪ ለሊሁ እግዚአብሔር አብ ፈነወ ኀቤኪ መልአኮ ብርሃናዌ ዘስሙ ገብርኤል “እግዚአብሔር አብ ንጽሕናኺ ምስ ረኣየ ገብርኤል ዝበሃል ብርሃናዊ መልኣኽ ናባኺ ለኣኸ” ቅዳሴ ማርያም 285።

 ስለ’ዚ ቅዱስ ገብርኤል’ሲ ንጽሕናኣ ርእዩ ድኣ ተላእከ እምበር ንሱ ኣንፂህዋ ዝብል ትምህርቲ ምስዚ ናይዞም ቅዱሳን ኣቦታት ትምህርቲ ዝሰማማዕ ውን ኣይኮነን። ቅዱስ ያዕቆብ ዘሥሩግ ውን ነቲ ጽቡቕ ካብ ሕማቕ ፈልያ ካብ ዝፈለጠትሉ ጊዜ ጀሚሩ ንሳ ብንጽሕና ልብን ብሓቀኛ ሓሳብን ጸኒዓ ቆይማ ኢያ። ኣብ ውሽጢ ሕጊ ካብ ዘሎ ጽድቂ ውን ገጻ ኣይመለሰትን። ምድራውን ሥጋውን ነገር ብምድላይ (ብምምናይ) ውን ኣይተሰናኸለትን። ካብ ሕጻንነታ ጀሚሮም ናይ ቅድስና ባህርያት ኣብ ውሽጣ ነበሩ። እናዓበየት ኣብ ዝኸደትሉ ውን ነዚኣቶም ብጥንቃቐ ኣጥቢቓ ኣብዝሓቶም። ኣምላኻ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ኣዒንታ ነበረ። ብኡኡ ንኽበርሃላን ብኡኡ ደስ ንኽብላን ኣዒንታ ካብኡ ኣይኣለየትን። ንሱ ውን ንጽሕናኣን ናይ ነፍሳ ንጽሕናን ስለ ዝረኣየ ዋላ ሓንቲ ክፍኣት (ክፉእ ነገር) ስለ ዘይነበራ ኣብኣ ንኽሓድር ፈተወ። ከምኣ ዝኣመሰለት ሓንቲ ሰበይቲ ተራእያ ስለ ዘይትፈልጥ ልዕሊ ኵሉ ስራሕ ዝኾነ ዓብን ኣደናቕን ዝኾነ ስራሕ ኣብኣ ተስርሐ። ካብ ማእከል ኵለን ኣንስቲ ሓንቲ ጐርዞ ተደልየት፡ ካብ ኵለን ንላዕሊ ዝጸበቐት ብምዃና ተመረጸት፡ ቅዱስ ኣብ ንወዱ መሕደሪ እትኸውን ከዳልወሉ ደለየ፡.. ክብል ካብ ሕጻንነታ ዝነጽሐት ከም ዝነበረት ብቅዱስ ገብርኤል ዝነጽሐት ከም ዘይኮነት መስኪሩ ኢዩ። 

 “ወኢረኵሰት በምንትኒ እምዘፈጠራ` ካብ ዚተፈጥረትሉ ጊዜ ጀሚራ ርኹስ ነገር ኣይተረኽባን፤ ብነፍሳን ብሥጋኣን ኵሉ ጊዜ ንጽሕት እያ።” /ሃይማኖተ ኣበው    ዘቴዎዶጦስ ዘዕንቆራ ምዕራፍ 53፡22/

No comments:

Post a Comment