bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday 7 September 2016

መርዓ ብናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወረቅ ኣረኣእያ 3ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

……ነፋሕቲ እምብልታ ኣብ ዘለውዎ ክርስቶስ ፈጺሙ ኣይርከብን እዩ። ንሱ ኣብ’ዚ መርዓ ኪርከብ እንተ ኾይኑ መጀመርታ ነዚ ኣወጊዱ እዩ። ብድሕሪ’ዚ ናቱ ተኣምር ይፍጽም። ካብ’ዚ ናይ ሰይጣን መሣርሒ ዝኾነ እምብልታ ዝጽልእ ነገር እሞ እንታይ ኣሎ? ኵሉ ብዘይ ሥርዓት እንተ ኾይኑ ኵሉ ነገር ጥቕሚ ዘይብሉ እዩ ዚኸውን። ኵሉ ድኻምኩም ብዘይ ፍረ ይኸውን ንዓና ድማ ናብ ውርደት ይድርብየና። ካብ ሰናይ ሥነ ምግባር ዚበለጸ ዘሐጉስ ነገር የለን። ፈታዊ ሥርዓት ካብ ምዃን ዚበለጸ ምቊር ነገር ድማ የለን። ጽድቂ ንምፍጻም ቆራጽ ካብ ምዃን ተፈታዊ ነገር የለን። ኵሎም ሥርዓታትና ኣነ ብዛዕባ መርዓ ብዚመሃርኩኩዎ መልክዕ ይኹኑ። ከምኡ እንተኾይኑ ሕጉሳት ኪንከውን ንኽእል ኢና።

እንተኾነ ግን ኪምርዖ ዝደሊ ሰብ ምስ መን ኪምርዖ ከም ዘለዎ ፈሊጡ ይጠንቀቕ። ጓል ዘላቶ ሰብ ኣቐዲሙ ሓቀኛን ንዓኣ ኪንከባኸባ ዚኽእልን ሰብኣይ ኪደልየላ ይግባእ። ከም’ዚ ዓይነት ወዲ ንኣካል ርእሲ ንኪኸውን ኪምረጽ ኣለዎ። ንዕኡ ኪትከውን ኪትወሃቦ ከላ ድማ ከም ባርያ ጌሩ ኪእዝዛ ዘይኮነስ ከም ሓፍቱ ኪርእያ ኢሉ ኪኸውን ኣለዎ።

ሃብቲ ስለ ዘለዎ ወይስ ካብ ዚኸበረ ቤተ ሰብ ስለ ዝኾነ ወይ ሰፊሕ ግዝኣት ስለ ዘለዎ ንዕኡ ሰብኣይ ጓልኩም ኪኸውን ኣይትምረጽዎ። እንተ ኾነ ግን ብነፍሱ ትሑት መስተውዓሊ ቅንዕና ዘለዎን እግዚአብሔር ዚፈርሕን ወዲ ርኢኹም ንጓልኩም ሰብኣይ ምረጹላ። ከም’ዚ እንተ ጌርኩም እታ ተፍቅርዋ ውላድኩም ብሓጎስ ኪትነብር ትኽእል እያ። በዓል ጸጋ (ሃብታም) ኮይኑ ብምግባሩ ብልሽዉ ዚኾነ ሰብ ንጓልኩም ሰብኣይ ኪኾና ኢልኩም ምስ ተሕጽይዋ ግን፡ ንዓኣ ኣይጠቐምኩማን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሳ ነጻ ሰብ ኮይና ከይትነብር ናቱ ባርያ ብምግባር ኢኹም ትጎድእዋ። ጓልኩም ንዕኡ ብምምርዓዋ ምኽንያት ብትረኽብዎ ሃብቲ ካብ ትረኽብዎ ሓጎስ፡ ንዓኣ ከም ባርያ ቆጺሩ ኣብ ልዕሊኣ ዘውርዶ በደል ኣዝዩ ዚኸፍአ ኪኸውን እዩ። ከም’ዚ ዓይነት ተግባራት ካብ ምፍጻም ኪትቁጠቡ እልምነኩም ኣለኹ። እንተኾነ ግን ምስኣ ተመጣጣኒ ናብራ ዘለዎ ሰብ ንጓልኩም ከተሕጽይዋ እመኽረኩም ኣለኹ። እዚ እንተ ዘይተኻኢሉ ድማ ዋላ ሓንቲ (ሰጋዊ ሃበቲ) ንዘይብሉ እንተ ኾነ ግን ንጹሕ ሕሊና ንዘለዎ ሰብ ንኸተሕጽይዋ የተሓሳስበኩም። ከም’ዚ ብምግባርኩም ካልእ’ሲ ይትረፍ ጓልኩም ንሓደ ጐይታ ከም ባርያ ካብ ምሻጥ ተቖጢብኩም፡ ብትኽክለኛ ትርጉም ሰብኣይ ኪኾና ንዚኽእል ሰብ ኪትህብዋ ኪትክእሉ ኢኹም።

ንጓልካ ሰብኣይ ዚኾና ጥዑይ ሥነ ምግባር ዚለበሰ ሰብ ብጥንቃቐ መርሚርካ ከተመርዕዋ ኪትዳሎ ከለኻ ክርስቶስ ኢየሱስ ኣብ’ቲ ናይ መርዓ ሥነ ሥርዓት ንኽርከብ ዓድሞ። ኣብ’ዚ ናይ ሓጎስካ ዕለት ንሱ ጋሻ ኮይኑ ከም ዚርከብ ስለ ዝዓደምካዮ ቅር ኣይብሎን እዩ። ምኽንያቱ ንሱ ዚርከበሉ ምሥጢር ስለ ዚኾነ። እወ! ካብ’ዚ ንላዕሊ  ግን ኣቐዲምካ ሰብኣይ ጓልካ ንኽኸውን ንዚሓጸኻዮ ሰብ እግዚአብሔር ፍቱው ሰብኣይ ንኽገብሮ ለምን። እቲ ናይ ኣብርሃም ባርያ እኳ ዘይገበሮ ክፉእ ነገር ከይትገብር ግን ተጠንቀቕ። ንሱ ብጐይታኡ ኣብርሃም ምስ ተላእከ፡ እግዚአብሔር መገዱ መታን ከቕንዓሉ ለሚኑ ኔሩ። ከምኡ ብምግባሩ ድማ ኵሉ ነገር ሰመረሉ። ከምኡ ድማ ንስኻ ንጓልካ ሰብኣይ ኣብ ምድላይ ኣእምሮኻ እንተባኸነ፡ ናብ እግዚአብሔር “ኦ ጐይታ ንስኻ ዚፈቓድካዮ ግበር” ኢልካ ጸሊ። ንዕኡ ከም’ዚ ብምባል ነገርካ ኣሕሊፍካ ሃቦ። በዚ መልክዕ ንዕኡ ክብሪ ሃብ። ንሱ ድማ ብመልሱ ፍቓድካ ብምፍጻም ከኽብረካ እዩ። ብርግጽ ንዓኻ ክልተ ሥርሓት እዩ ዚጽበየካ። ንሳቶም ድማ ፍቓድካ ንዕኡ ምሉእ ብምሉእ ምሃብን ንሱ ዚመስከረሉ ብሰናይ ሥነ ምግባር ዚተሃነጸ ሰብ ምምናይን።

ናይ ጓልካ መርዓ ኣብ ትዳለወሉ ጊዜ ድማ ንብረትን ክዳውንትን ንኽትልቃሕ ገዛ ገዛ ኣይትዝር። ምኽንያቱ እቲ መርዓ ምርኢት ከተርእየሉ ወይ ናይ ጓልካ ስነ ጽባቐ ንኸተርእየሉ ኣይኮነን ዚፍጸም። ስለ ዚኾነ ድማ መርዓ ኪትፍጽም ኣብ ትዳለወሉ ጊዜ ብዘለካ ነገር ጥራይ ገዛኻ ከተጸባብቕ ፈትን። ብምቕጻል ጎረባብትኻን ፈተውትኻን ናይ ቀረባ ኣዝማድካን ጸውዕ። ከምኡ ውን ጽቡቕ ባሕርይ ኣለዎም ትብሎም ሰባት ኣብ መርዓኻ ንኽርከቡ ጋብዝ። ሙዚቀኛታት ግን ፈጺምካ ከይትጽውዕ። ንዓኣቶም ኢልካ ተውጽኦ ወጻኢታት ክህሉ ውን ኣይግባእን እዩ።

ቅድሚ ኵላቶም ግን ንክርስቶስ ኣብ መርዓካ ንኽርከብ ዓድሞ። ንዕኡ ከመይ ጌርካ ከም ትዕድሞ ኸ ትፈልጥ ኢኻ? “እቲ ንጉሥ ከኣ እቲ ካብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዚገበርኩምሉ፡ ንዓይ ከም ዚገበርኩምለይ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ በሎም”(ማቴ 25፡40) ከም ዚብል፡ ንድኻታት ኣብ መርዓኻ ብምዕዳም ክርስቶስ ኣብ መርዓኻ ከም ዚውዕል ምግባር ይከኣለካ እዩ። ምእንቲ ክርስቶስ ክትብል ድኻታት ኣብ መርዓኻ ከም ዚውዕሉ ስለ ዚገበርካ መርዓኻ ከም ዚተበላሸወ ጌርካ ኣይትቚጸር። ድኻታት ናብ መርዓኻ ምዕዳምካ ሃብቲ ናብ ገዛኻ ንኽኣቱ ምዕዳም እዩ። ብሃብቲ ዚሓንቀቑ ናብ መርዓኻ ኪመጹ እንተ ዓዲምካ ግን ውርደት ከም ዚጸዋዕካ እዩ።

ነታ መርዓት ብናይ ወርቂ መጋየጺ ኣይትሸልማ። እንተ ኾነ ግን ብጽቡቕ ሥነ ምግባርን ትሕትናን ሸልማ። ነዞም ነገራት እዚኣቶም ግን ፈጺምካ ኣይትድለዮም። ዕግርግር ህውከትን ዳንኬራን ኣብ መርዓኻ ፈጺሙ ኣይሃሉ። ነቲ መርዓዊ ጸውዓዮ’ሞ ሰበይቲ ሒዙ ናብ ገዝኡ ይእቶ። ኣብ ናይ ምሳሕ ይኹን ድራር ግብጃኻ ዘስክር መስተ ኣይረኸብ። እንተ ኾነ ግን መርዓኻ ሓጎስ ዝመልኦ ይኹን።

ከም’ዚ ጌርካ መርዓኻ ብምፍጻምካ ማዕረ ክንደይ ከም ዚተጠቐምካ ንምስትውዓል፡ ኣብ ዘመንካ መርዓ ተባሂሎም ምስ ዚቑጸሩን ናትካ ናይ መርዓ ሥነ ሥርዓትን ኣረኣእዮ። ካልእ ይትረፍ እሞ ናትካ መርዓ ዚረኣየ ኵሉ ሰብ ናይ ሥነ ጽባቐ ውድድር ዘይኮነስ፡ ሓቀኛ ትርጉም ናይ መርዓ ኣብ ናትካ ከም ዚረኣየ ምስክርነት ኪህበካ እዩ። ኣብ`ዚ ዘመን መርዓ ተባሂሎም ካብ ዚጽውዑ ግን ኣዝዮም ብዙሓት ክፍኣታትን ርኽሰታትን መሊኦም ይረኣዩኻ።

ኣብ ኣዳራሽ ዚፍጸም መርዓ ምስ’ቲ ብጥንቃቐን እግዚአብሔር ብምፍራሕን ዚፍጸም መርዓ ኪነጻጸር ከሎ ቀልጢፉ ዚውዳእ መርዓ ኣይኮነን። ካብኡ ሓሊፉ ውን ብለቓሕ ዚመጹ ኣቑሑ ኪጠፍኡ ስለ ዝኽእሉ ፍጻሜኡ ኣብ ክንዲ ሓጎስ ኪጻወርዎ ኣብ ዘይክእሉ ከቢድ ሓዘን ኪሸሞም ይኽእል እዩ። እዚ ከቢድ ሓዘን እዚ ኣብ ሓማት ዝርአ እዩ። እንተ ኾነ ግን መርዓት ውን ካብ’ዚ ሓዘን’ዚ ነጻ ኪትከውን ኣይትኽእልን እያ። ኣብ መወዳእታ መልክዕ መርዓ ናይ’ቲ ገዛ  ጠፊኡ ብሓዘን ተወሪሩ ይርአ።

ኣብ መንጎ እቲ ብጥንቃቐን እግዚአብሔር ብምፍራሕን ዚግበር መርዓን ብልማድ ኣሕዛብ ዝፍጸም መርዓን ሰፊሕ ፍልልይ ኣሎ። ኣብ’ዚ ክርስቶስ ክርአ ከሎ፡ ኣብቲ ግን ሰይጣን ነጊሡ ይረኣየካ። ኣብ’ዚ ፍጹም ዚኾነ ፍስሃ ኪርአ ከሎ፡ ኣብ’ቲ ድማ ቅጥዒ ዚሰኣነ ኣለባብሳ ይስበኸሉ። ኣብ’ዚ ፍጹም ሓጎስ ኪህሉ ከሎ ኣብ’ቲ ድማ ሕማምን ምስቊርቋርን ይተርፎ። ኣብ’ዚ ውሑድ ወጻኢታት ኪወጽእ ከሎ ኣብቲ ግን ሰፍ ዘይብል ወጻኢታት ይፈስስ። ኣብ’ዚ ሃይማኖት ባህሊ ወግዒ ኪንጸባረቕ ከሎ፡ ኣብቲ ግና ህውከትን ዕግርግርን ይርአ። ኣብ’ዚ ጽድቂ ነጊሣ ኪትርአ ከላ፡ ኣብቲ ግና ኃጢአት ሠልጢና ትርአ። ኣብ’ዚ ፈተውቲ ሰላም ኪረኣዩ ከለዉ፡ ኣብቲ ግን ሳኽራማት ይመልኡ። ኣብ’ዚ ጸጥታን ሰላምን ኪሳፍን ከሎ ኣብቲ ግና ባእስን ረበሻን ኣሎ።

ነዞም ኵሎም እዚኣቶም ኣስተውዕልሎም። እግዚአብሔር ብምሕጓስ ንሱ ንዘፍቅርዎ ካብ ዘዳለዎ ካብ መንግሥቱ ተኻፈልቲ ንኽንከውን ካብ ሎሚ ጀሚርና ነዚ ክፉእ ልማድ ካባና ነርሕቆን ነወግዶን። ምስጋና ንኣብ ንወልድን መንፈስ ቅዱሰን ሎሚን ንዘለዓለምን ኣሜን። 

No comments:

Post a Comment