bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday 17 June 2016

ራእይ ዮሓንስ ናይ መወዳእታ ዓለም መበል 17 ክፋል 666 መን እዩ?


  3 ሓደ ካብቶም ኣራእሱ ውን ንሞት ዘብጽሕ ቊስሊ ነበሮ። እቲ ናብ ሞት ዘብጽሕ ቊስሊ ግና ሓወየ። ምድሪ ብምልእታ ድማ ተገሪማ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ሰዓበት

ሓደ ካብቶም 7 ኣርእስተ ኃጣውእ ዝኾነ ኃጢኣተ ኣዳም ብሞት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ተሳዒሩ ወዲቑ ኔሩ። ሕጂ ግን ሓሳዊ መሲሕ ኣነ እግዚአብሔር እየ ኢሉ ንርእሱ ምስ ፍጣሪ ኣምዓራርዩ  ዝመጽእ እቲ ናብ ሞት ዘብጽሕ ቊስሊ ግና ተፈወሰ ዝበሎ( 2ተሰ 2፡1-5)

 ዓለም ሞት ናይ ወልደ እግዚአብሔር እናኣቃለለ ክመጽእ እዩስለ’ዚ ናይቲ ኣራዊት ኃጢኣት እናተቐበለን እናኣድነቐን ክመጽእ እዩ። ኣብ ዓለም ናይ ክርስትና ትምህርቲ ምሽክዕላል መጽሓፍ ቅዱስ ዘቃልሉ መጻሕፍቲ ብዓቢ ቀለጣፈን ብዝሕን ምሻጥ፡ ክርስቶስ ኢና ኢሎም ዝትንሥኡ ሰባት ተቐባልነትን ናይ ሚድያ ሽፋንን ምርካብ፡ ሰባት ባላቶም ፈጠርቲ ምዃኖም ዝገልጹ ኣተሓሳስባታት ዓለም ከም ትስዕቦም ጌሮም ኣለዉ፡ እዚ ድማ ምምጻእ ናይ’ቲ ሓሳዊ መሲሕ ከም ዝትቓረበ  የመልክተና።

4 ንሳቶም ከኣ ነቲ ኣራዊት ሥልጣን ስለ ዚሃቦ ነቲ ገበል ሰገድሉ። ነቲ ኣራዊት ውን፡ “ነዚ ኣራዊት እዝስ መን ይመስሎ? መን’ከ ኪዋግኦ ይኽእል እናበሉ ሰገድሉ
 እቲ ኣራዊት ንሰባት ብክልተ መንገዲ ከም ዝኽተልዎ እዩ ዝገብር።

 ሓደ ሓደ ኣሚኖም ክኽተልዎ እዮም ምድሪ ኵላ ነቲ ኣራዊት እናረኣየት ተደነቐትዝተባህሉ እዚኣቶም እዮም።

 ካልኦት ግና ኣማራጺ ስኢኖም ክኽተልዎ እዮም። ሓቀኛ እምነት ምሓዝ ብክርስትና ሃይማኖት በቕደሰናን ብምግባርን ጸኒዕካ ምንባር ዘሕፍረሉን ከም ነውሪ ዝቚጸረሉን ጊዜ ክኸውን እዩ። ኩሉ ሰብ ሓቢሩ ኃጢአተ እናገበረ፤ ካብኡ ተፈሊኻ ጽድቂ ምስራሕ ከቢደ ኪኸውን እዩ። ናይ ሓሳዊ መሲሕ ተቐባልነትን ሓይሊን እናወሰኸ ናይ ቤተ ክርስቲያን መከራ ድማ እናበዝሐ ስለ ዝኸይድ፡ ንትምህርቲ፡ ንሥራሕ፡ ንሽመት፡ ንንግዲ፡ ክብሪ ንምርካብ ብሓፈሻ ዝተደላለደለ ናብራ ንምንባር ንዕኡ ምስዓብ ግዲ ክኸውን እዩ። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ብዙሓት ነዚስ መን ክዋግኦ ይኽእልብምባል ከይፈተዉ ብሓይሊ ክስዕብዎ እዮም።

 ኣብ መወዳእታ ምእነቲ ደቂ ህዝቢ ንምጥባቕ ዝትንሥእ ቅዱስ ሚካኤል እዩ። ናይ ስሙ ትርጓሜመን ከም ኣምላኽ ማለት እዩ እቲ ኣራዊት ድማ በዚ መልክዕ ክትንሥእ እዩ። ስለ ሰባትመን ከምዚ ኣራዊትእናበሉ ከም ዝኽተልዎ ክገብር እዩ።
 ብኻልእ መንገዲ ድማ በቲ እግዚአብሔር ዝተገልጸሉ መንገዲ ንምምስሳል እዩ። ከማኻ ዝበለ መን እዩ?”(1511) “ካብ ደቂ ኣማልኽቲ ንእግዚአብሔር ዝመስሎ መን እዩ?”(መዝ 897) ከም ዝብል፡ እቲ ኣራዊት ድማ ምምስሳል ሥርሑ ስለ ዝኾነ ነቲ ህዝቢነዚ ኣራዊት እዝስ መን ይመስሎከም ዝብል ክገብሮ እዩ”።

ቅዱስ ዮሕንስ  ናይ ሓሳዊ መሲሕ ነገረ ኣብ ኩሉ መልእኽታቱ ደጋጊሙ ምሂሩ እዩ። ሓሳዊ መሲሕ ብኽልተ መንገዲ እዩ ዝግለጽ ከም ክርስቶስ ቅድሚ ምምጽኡ ነብያት ዝለኣኸ፡ ሓሳዊ መሲሕ ድማ  ንሱ ቅድሚ ምምጽኡ ንዕኡ መንገዲ ዝጸርጉ ሓሳው ነብያት ክመጽኡ እዮም። ኣብ መወዳእታ ንሱ ባዕሉ ብኣካል ግለጽ እዩ ደቀየ፡ እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት እያ። ከምቲ፡ እቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ፡ ዝሰማዕኩምዎ፡ ካብ ሕጂውን ብዙሓት ኣጽራር ክርስቶስ ተንሲኦም አለዉ። እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት ምዃና በዚ ኢና እንፈልጥ (1 ዮሐ 218)

እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኰይኑኸ፡ መን እዩ እቲ ሓሳዊ፧ እቲ ነቦን ወድን ዚኽሕዶም፡ ንሱ እዩ እቲ ጸረ ክርስቶስ (1ይ ዮሐ 2-22)

ኣቱም ደቀየ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዐቢ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎም አሎኹም (44) ቅዱስ ዮሐንስ ንሓሳዊ መሲሕ መንፈስ ኢልዎ፡ ምኽንያቱ ንሓሳዊ መሲሕ ዘተሳስኦ ናይ ሰይጣን መንፈስ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝነበረን ናይ ክሕደት ሥርሑ ክሰርሕ ዝነበረን ምዃኑ ንምግላጽ እዩ። ኣብ መወዳእታ ግን ዘሎን ዘየሎን ሓይሉ ተጠቒሙ ንሓሳዊ መሲሕ ብኣካል ኣተንሢኡ ከመጽኦ እዩ። ቅዱስ ዮሐንስ ንሓሳዊ መሲሕ (Antichrist) ብምባል እዩ ጸዊዕዎ። ምኽያቱ ናይ ምትንሥኡ ምኽንያትን ዕላማን ክርስቶስ ንምቅዋም ስለ ዝኾነ።

5 ትዕቢትን ንእግዚአብሔር ዚጻረፍ ቃላትን ዝዛረብ ኣፍ ተዋህቦ። በርብዓን ክልተን ወርኂ ግብሩ ኪገብር ውን ሥልጣን ተዋህቦ። 6 ሽዑ ንኣምላኽ ኪጻረፍ ንስሙን ንማኅደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩ ውን ኪጸርፎም ኣፉ ከፈተ።

ኣፍ ተዋህቦ ማለቱ ዝኽልክሎ የለን ማለቱ እዩ።
ጸርፊ ዝበሎ ድማ ኑፋቔን ክሕደትን እዩ። ዝጸርፎም ድማ

1. እግዚአብሔር ኪጸርፍ እዩ ማለት “እግዚአብሔር እየ ኢሉ ስለ ዝትንሥእ፡ ሰባት ናቱ ተግባር ተመልኪቶም ኣብ ልዕሊ ፈጣሪ ከም ዝላገጹ ይገብር” ማለት እዩ።
2. ስሙ ኪጸርፍ እዩ ማለት ድማ “ባዕሉ እግዚአብሔር እየ፡ ክርስቶስ እየ፡ መሲሕ እየ ክብል እዩ ማለት እዩ ስመ ሥላሴ ንምጽራፍ ባዕሉ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ክግለጽ እዩ”
3. ደሪኡ ማለት “ንማሕደሪኡ ድንግል ማርያምን፡ ታቦትን ቤተ ክርስቲያንን ይንዕቕን ይጸርፍን ማለት እዩ”
4. ነቶም ኣብ ሰማይ ዝነብሩ ማለት ድማ “ንቅዱሳን መላእኽቲ ይኽሕድ የኽሕድን የቃልልን ማለት እዩ

ኣርዓን ክልተን ወርሒ
ኣብ ትንቢተ ዳንኤል ይኹን ኣብ ራእይ ዮሐንስ ከም ዝተገልጸ፡ ሓሳዊ መሲሕ ዝገዝኣሉ ዘመን 42ን ኣዋርሕ እዩ።

ሄሬኔዎስ “ንሱ ምስ መጸ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ን3 መትን 6 ውርሕን ነግሥ እዩ ይብል ብምቕጻል ድማ እዚ ሓዊ መሲሕ ኣብ’ዚ ለም ዘሎ ንኹሉ ድሕሪ ምጥፍኡ (ምድምሳሱ) ን3 ዓመትን 6 ወርሕን ዝኣክል ነግሥ እዩ። ኣብ ናይ ኢየሩሳሌም መቕደስ ቕመጥ እዩ። ሽዑ ብቕጽበት ጐይታ ብደመና ካብ ሰማይ ክመጽእ እዩ” ይበለና።

ኣብ ዘመነ ብሉይ ኣንጥያኮስ መሥዋእተ ኦሪት ኣትሪፉ ንቤተ መቕደስ ዘርከሰ ን42 ኣዋርሕ እዩ። ሕጂ ድማ ሓሳዊ መሲሕ ን42 ኣዋርሕ ኪሥልጥን (ኪገዝእ) እዩ።

ሓሳዊ መሲሕ

ናይ ቤተ ክርስቲያን መተርጉማን ሓሳዊ መሲሕ ብኣዲኡ ካብ ነገደ ዳን ብኣቡኡ ድማ ካብ ነገደ ኤሳው ምዃኑ ይገልጹ። ብድንግልና እየ ተወሊደ ኢሉ ንነብሱ ምስ ክርስቶስ ከመዓራሪ እዩ። ንሱ ሓይሊ ድኣ እምበር መልክዕ ከም ዘይብሉ ድማ ይነግሩና እዚ “ሓሳዊ መሲሕ  ካብ ነገደ ዳን እዩ” ዝብል ሓሳብ ቅዱስ ኣቡሊድስን ቅዱስ ሄሬኔዎስን ውን የልዕልዎ እዮም።
ሄሬኔዎስ “ኤርምያስ ናይ ሓሳዊ መሲሕ ኣመጻጽእ ጥራይ ዘይኮነ ዝትንሥኣሉ ነገድ ውን ነጊርና እዩ። “ድምጺ ካብ ዳን ተሰምዐ” ክብል ዝገለጾ ነዚ እዩ” ብምባል ዝገለጾ ነዚ እዩ” ይብል።(ኤር 8፡16)

ኣቡሊድስ ዘሮም ድማ “ዳን ካብ ባሳን ዝለዓል ሽደን ኣንበሳ እዩ(ዘዳ 33፤22) ብምባል ሓሳዊ መሲሕ ዝትንሥኣሉ ነገድ ተዛሪቡ” ክርስቶስ ካብ ነገደ ይሁዳ ከም ዝተወለደ ሓሳዊ መሲሕ ድማ ካብ ነገደ ዳን ክውለድ እዩ ይብል።
ኢትዮጵያዊ ኣቦ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ውን “ዳን ካብ ነገደ እስራኤል ከም ሓንቲ ህዝቢ ክገዝእ እዩ ዝበሎ ብመንግሥቲ ናይ ሓሳዊ መሲሕ ይትርጎም” ይብል።
ሄሬኔዎስን  ቅዱስ ባስልዮስ ዓብን “ናይ ክሕደቱ ማእከል ኣብኡ ንምግባር መታን ክሕግዞ፡ ንናይ ኢየሩሳሌም ቤተ መቕደስ ከም ዘሐድሶ ይነግሩና”
ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ኣውጎስጢኖስ ሄሮኒመስን ከኣ “ኣብ ማእከል መሠውኢ መንበሩ ከም ዝዝርግሕ ይነግሩና”

መምህር ስቡሕ ኣድምጤ መጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ብምግባር ናይ ሓሳዊ መሲሕ መግለጺታት ከም’ዚ ዝስዕብ ይነግሩና።

1. ከሓዲ እዩ፡ (2ተሰ 2፡12) ሓሳዊ መሲሕ ይኽሕድን ክሕደት ድማ ይምህርን።
2. ናይ ዓመጽ ሰብ እዩ። ርእኣምላኽ ጌሩ ከም ዲያብሎስ ስለ ዝዕምጽ እዩ።
3. ወዲ ጥፍኣት እዩ፡ መጀመርያ ንህዝቢ ብናይ ክሕደት ትምህርቲ ከጥፍእ እዩ፡ ብካልእ መንገዲ ድማ ንቅዱሳን እናቐተለ ከጥፍእ እዩ።
4. ተቓዋሚ እዩ፡ ንእግዚአብሔርን ንቤተ ክርስቲያንን ስለ ዝቃወም።

7-10 ነቶም ቅዱሳን ኪዋግኦምን ኪስዕሮምን ፍቓድ ረኸበ። ኣብ ልዕሊ ኵላቶም ነገዳትን ህዝብን ቋንቋታትን ኣሕዛብን ድማ ሥልጣን ተዋህቦ። 8 እቶም ካብ ምፍጣር ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብ’ቲ ናይቲ ዚተሓርደ ገንሸል መጽሓፍ ሕይወት ዘይተጻሕፈ፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኵላቶም ኪሰግድሉ እዮም። 9 እቲ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ። 10 እቲ ኪማረኽ ዘለዎ ተማሪኹ ኪኸይድ እዩ። እቲ ብሰይፊ ኪቕተል ዘለዎ ብሰይፊ ኪቕተል እዩ። እቲ ናይቶም ቅዱሳን ትዕግሥትን እምነትን ዚርአ ከኣ ኣብዚ እዩ።

ቅዱሳን ዝበሎም ንምእመናን እዩ፡ ንምእመናን ብኃይሊን ብሥልጣንን ከሳድዶም ክቐትሎም ኣብያተ ክርስቲያናቶም ከቃጽልን ክወርስን እዩ። እዚ ድማ ኣብ ዝተሰወሰነ ህዝብን ሃገርን ዘይኮነ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዘለዉ ሕዝብታት እዩ።

ዝተሓርደ መጽሓፍ “ዝተባህለ ብስሙ ኣሚኖም ሥጋኡን ደሙን ተቐቢሎም ብወንጌል ዝጸንዑ ምእመናን ማለት እዩ” ወይ ውን ኣስማቶም ኣብ መጽሓፍ ሕይወት ዝተጻሕፈ ምእመናን ማለት እዩ። ብዘይካ እዞም ጽኑዓት ምእመናን ኵሎም ክሰግዱሉ እዮም። መከራ እንተዘየለ ኵሉ ክርስቲያን እዩ። ጽኑዓትን ዘይኑዓትን ድማ  ኣይፍለጡን እዮም። ኣብ ጊዜ መከራ ግን ጽኑን ንሰማእትነት ዘይጸንዑ ማ ንክደት ክጎዩ እዮም። ናይ ቅዱሰን እምነትን ትዕግሥትን ኣብ’ዚ እያ ዘላ።


No comments:

Post a Comment