bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Saturday 16 April 2016

ትምህርተ ሃይማኖት 2ይ ክፋል

ምዕራፍ 2 ህልውና እግዚኣብሔር
 
ቅዱስ ዳዊት ኣብ (መዝ 14፡1)ዓሻስ ብልቡ እግዚአብሔር የለን ይብል" ኪብል ከም ዚጸሓፈልና። ብዕሽነት ልቦም ዚተደፍነ ደቂ ሰባት ኣምላኽ የለን ናብ ምባል እዮም ይበጽሑ። እዚ ንምባል ዚድርኾም ምኽንያት ድማ ንእግአብሔር ብግሉጽ ዝኾነ ተኣምራትን ምስልን ክርእይዎ ስለዝፍትኑ እዩ። እወ ንእግዚአብሔር ብዓይንና ከይረኣናዮ ብኢድና ድማ ከይዳህስናዮ ኣይንኣምንን ይብሉ። እንተኾነ ግና መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝምስክሮ ብዛዕባ ህልውና እግዚአብሔር ዕሙቚ ዝበለ ርድኢትን ፍልጠትን ረኺቡ፡ ቁመቱ፡ ስፍሓቱ፡ ክብደቱ፡ ከምዚ እዩ ኢሉ ክዛረብ ዝኽእል ዋላ ሓደ ኣካል የለን።
 
"ዓቐኑ ክንድዚ እዩ፡ መልክዑ ድማ ከምዚ ይመስል" ኢሉ ዓቐንን መልክዕን ክህቦ ዝኽእል ድማ ሓደ እኳ የለን። ኣቦና ኢዮብ ኣብ (11፡7-11) "ንምሥጢራት ኣምላኽዶ ክትምርምሮ፡ ንምልኣት እቲ ዂሉ ዚኽእልሲ ኽትበጽሖዶ ትኽእል ኢኻ፧ ንሱ ካብ ሰማይ ልዕል ይብል፡ ንስኻ ክትበጽሖ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ካብ ሲኦል ይዓሙቚ፡ ንስኻ ግና ኣይትፈልጦን ኢኻ፡ ሰፈሩ ካብ ምድሪ ይገፍሕ። ካብ ባሕሪ’ውን ይሰፍሕ። ኣምላኽ ኂዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተዓጸወካ፡ ኣብ ፍርዲ ኸኣ እንተኣቖመካ፡ መን ክኽልክሎ ይኽእል፧ ንሱ ነቶም ከንቱ ዝኾኑ ሰብ ይፈልጦም፡ ንዓመጻ ኸኣ ሃሰስ ከይበለ ይረኽቦ" ብምባል ኣምላኽ ማንም ሰብ ብሥጋዊ ጥበብ ተመራሚሩ ኪረኽቦን ኪበጽሖን ከም ዘይክእል የረድኣና።

እግዚአብሔር ብባሕሪኡ ማንም ፍጡር ኪርእዮ ኣይክእልን እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባዚ ከምዚ ይብል "ሕጂ ኸኣ ነቲ ናይ ዘልዓለም ንጉሥ፡ ዘይመውት፡ ዘይርአ፡ ሓደ ኣምላኽ፡ ንዘልዓለም ዓለም ክብርን ምስጋናን ይኹኖ" (1ኛ ጢሞ 1፡17) ደጊሙ ውን ኣብ (1 ጢሞ 6፡16) ንሱ በይኑ ዘይመውት ሓደ እኳ ዘየርኣዮ ክርእዮ’ውን ዘይክእል ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዝነብር እዩ" ኪብል ገሊጽዎ ኣሎ።
ቅዱስ ጐርጐርዮስ ገባሬ መንክራት ድማ "እፎ ውእቱ ኣው ንክሃል ናእምር ፍጥረተ ፍጡራን፡ ወልደተ ንባብ እምልሳን፡ ምንተ ይመስል ለእመ ኢይትከሃለነ ናእምር እሎንተ እለ ሃለዉ ውስቴትነ፡ እፎ ነኣምር ምሥጢሮ ለፈጣሪነ ዘኢተፈጥረ ዘይሌዓል ኵሎ ሕሊናተ።"
ትርጉም
"ናይ ፍጡራን ኣፈጣጥራ (ፍጥረት)፡ ወይስ ናይ ቃል ካብ ልሳን ምውጻእ ከመይ ከም ዝመስል፡ ክንፈልጥ ከመይ ኣቢሉ ይከኣለና፡ ነቶም ኣብ ባህሪና ዘለዉ ምፍላጥ ካብ ዘይተኻእለና፡ ነቲ ሕሊና ክምርምሮ ዘይክእል ፍጡር ዘይኮነ ናይ ፈጣሪ ምሥጢር ከመይ ኣቢልና ክንፈልጥ ንኽእል።" ብምባል እግዚአብሔር ብሥጋዊ ምርምር ዘይርከብ ብሥጋዊ ዓይኒ ውን ዘይረኣ ምዃኑ ይምህረና (ጐርጐርዮስ ገባሬ መንክራት፣ ሃይማኖተ አበው 13፡16)
ኣብ ሃይማኖተ ኣበው ዘዕንቆራ ምዕራፍ 53፡2 ድማ "ንብል በእንተ ህላዌ መለኮት፡ እስመ እግዚኣብሔር ዘኢይትረከብ በሕሊና እጓለ እመሕያው፡ እስመ ሕሊና እጓለ እመሕያው ኢይረክብ መለኮተ ወህላዌ መለኮት ርኁቅ እምሕሊና እጓለ እመሕያው ወይትሌዓል ኵሎ ሕሊናት ፈድፋደ"
ትርጉም
"ብዛዕባ ህላዌ መለኮት ከምዚ ንብል፡ እግዚአብሔር ብሕልና ወዲ ሰብ ክምርመር ኣይክእልን እዩ፡ ናይ ወዲ ሰብ ሕልና ባህሪ ናይ መለኮት ክፈልጥ ኣይከኣሎን እዩ፡ እቲ ልዕሊ ኩሉ ሕልና ዝኾነ መለኮት ካብ ሕልና ወዲ ሰብ ወጻኢ ስለዝኾነ" ማለት እዩ።
ዝኾነ ይኹን ፍጡር ብሓሳብ ባህሪ እግዚኣብሔር ክበጽሖ፡ መርሚሩ ድማ ክፈልጦ ኣይክእልን እዚ ማለት ግን እግዚአብሔር የለን ማለት ኣይኮነን። ወይ ድማ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ክግለጽ ዘይፈቱ ኣምላኽ ኮይኑ ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ህላዌኡ ዝሰወሮ ድኣ ስለምንታይ እዩ ምስ እንብል፡ ስለ ብዙሕ ምኽንያት እዩ ገለ ካብኡ ንምጥቃስ ፦
 
1ይ ሰባት ብፍታዎምን ብፍቓዶምን ክደልይዎ ፍቓዱ ስለዝኾነ፡

እግዚኣብሔር ንዕኡ ተመራሚርና ክንረኽበሉ እንኽእል ኣእምሮ ኣብ ልቦናና ኣሕዲሩልና እዩ።ብዛዕባ’ዚ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ (ሮሜ 2፡14-16) "እቶም ሕጊ ዘይብሎም ኣህዛብ፡ ሕሊናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦም ውን ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኻላኸለ፡ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ እሞ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህሪኦም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስ፡ ንሳቶም ሕጊ እንተ ዜብሎም እኳ፡ ንርእሶም ሕጊ እዮም። በታ፡ ከም ወንጌለይ ገይሩ፡ ኣምላኽ ነቲ ምስጢራት ሰብ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዚፈርደላ መዓልቲ ኸምኡ ኪኸውን እዩ።" ብምባል ገሊጽልና ኣሎ።
ናይ ሥነ ፍጥረት ጽባቐን ሥርዓትን ከምኡ’ውን ኣቀማምጥኡ እናተመልከትና ነዚ ኩሉ ዝገበረ መን ከም ዝኾነ ምእንቲ ክንፈልጥን፡ ክንመራመርን ናይ አእምሮ ሕጊ ሃበና።
ንኣብነት፦ ሓደ ሰብ "ኣካላዊ ኣቃውማይ ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ዘምጻእኩዎ ባዕለይ እየ፡ ኣነ ንርእሰይ ፈጢረያ፡ ወይ ልዕሊ ካልእ ቦታ እዚ ዝነብረሉ ዘለኹ ቦታ ባዕለይ መሪጸ" ንምባል ክሳብ ዘይደፈረ ፈጣሪኡ ንምድላይ ግዱድ ይኸውን።
ከምኡ’ውን ብሥጋ "ናይ ጥዕና ጕድለት፣ ጥሜት፡ ጽምኢ፡ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታት (ደርቂ፡ ዛሕሊ፡ ከቢድ ዝናም… ወ.ዘ.ተ)፡ ከምኡ’ውን ኣብ ነፍስና ኀዘን፡ ጭንቀት፡ መከራ፡ ሥቓይ፡ ፍርሓት፡ ሕፍረት፡ ውርደት፡…ወዘተ" ይወርደና እዩ። ካብዚ ኩሉ መን እዩ ዘውጽኣና ምስ እንብል፡ ፈጣሪና ንምድላይ ግዱዳት ንኸውን።
እዞም ምሳሌታት እዚኣቶም ፈጺምና ክንክሕዶም ዘይንኽእል ሓቅታት እዮም፡ ነዚ እዩ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡- "ንሱ ኸኣ ኻብ ነፍስ ወከፍና ዘይረሓቐ ኸሎስ ንኣምላኽ ምእንቲ ክደልይዎን፡ ምናልባት’ውን ሃሰስ ኢሎም ምእንቲ ክረኽብዎን ኢሉ ገበሮ።" ዝበለ (ግ.ሓ.17፡27)
 
2ይ እግዚአብሔር ብባህሪኡ ዘይውሰን፡ ናይ ፍጡራን ዓቕምን ክእለትን ግን ውሱን ስለዝኾነ፡

እቲ ግዙፍን ውሱንን ዝኾነ ናይ ደቂ ሰብ ኣቃውማ፡ ነቲ ዘይውሰንን ዘይጭበጥን ረቂቕ ናይ እግዚኣብሔር መለኮታዊ ባሕሪ ክጭብጥን ክውስንን ኣይክእልን እዩ።
ኣባ ሕርያቆስ ዘብሕንሳ ኣብ ቅደሴ ማርያም ከምዚ ይብል"ከም ብሓድሽ ክሓስብ ከሎኹ ድማ ሕልናይ ተሠዊሩ ላዕሊ ክወጽእ እሞ ናይ ሕያው መሠወሪ መጋረጃ ቀሊዑ ክርኢ ይደሊ ካብቲ ነበልባል ሓዊ ዝተላዕለ ግና ይፈርህ እሞ ንኣየራት ክሳዕ መጠን ርብዒ ርብዖም እኳ ኣይበጽሕን። ነዚ ክሓስብ ከሎኹ ከኣ ሕልናይ ኣብ መንኮብ ንፋሳት ተጻዒኑ ናብ ምብራቕን ምዕራብን ሰሜንን ደቡብን ናብ ኵሉ መኣዝናት ክነፍር ይደሊ ህልውና ፍጡራት ክርእን ዕምቈት ባሕርታት ክልክዕን ልዕና ሰማይ ክፈልጥን ናብ ኵሉን ብዅሉን ይዘውር ግናኸ ዓቕሚ ስኢኑ ናብቲ ናይ ቀደም ህልውናኡ ይምለስ።" (ቅዳሴ ማርያም፡ ቁ.85-88)
ኣብ ቅዳሴ ዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ ድማ "ይጽብት በኅቡእ ወይፃእ በሥዉር ይባእ ወይርአይከ ይፍትን ወይጠይቅ ወያእም ርሕቀ እምአጽናፍ ከመ ዘሐፍ ለእንተ ምዕር ለሰዓት ከመ ቅጽበተ ዓይን ኢእምኔከ ወኢእምነ ወልድከ ማእከለ ወልድ ወአቡሁ።"
ትርጕም
"ብኅቡእ ክሕምብስ ብሥዉር ድማ ክወፅእ አትዩ ክርእየካ፡ ክሓትትን ክምርምርን ካብ ወሰን ከም ሓንቲ ነጥቢ ረሃጽ ንሓንሳእ ወይ ከም ቅጽበት ዓይኒ ክፈልጥ ዝኽእል የልቦን።" (ቅዳሴ ዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ፣ 1፡13)
 
2.1 ህልውና እግዚኣብሔር ብኸመይ ክንርዳእ ንኽእል፧
2.1.1 ብሃይማኖት (ብእምነት)

ሰባት እግዚአብሔር የለን ናብ ዚብል ጥፍኣት ዚተወሰዱ ንእግዚአብሔር ብዓይኖም ኪርእይዎን ብኢዶም ድማ ኪጭብጥዎን ብዘይምኽኣሎም እዩ። ስለ ምንታይ ኣምላኽ የለን ኢልካ ትኣምን ኢልና ምስ እንሓቶም ስለ ዘይረኣናዮስ ከም ዘሎ መረጋገጺ የብልናን እሞ ኣሎ ኢልና ኪንኣምን የብልናን ይብሉ። ከምዚ ኢልና እስከ ንሕተቶም "ኣምላኽ ከም ዘየለ ኸ መረጋገጺ ኣለኩም ዶ?" መረጋገጺ ከም ዘይብሎም ርዱእ እዩ። ስለ’ዚ ተሪር ዚልቡ ዓሻ ሰብ ተመልከቱ ኣምላኽ የለን ኢልካ ንምኽሓድ መረጋገጺ ከይረኸበ ይኽሕድ፡ ኣምላኽ ኣሎ ኢልካ ንምእማን ግና መረጋገጺ ኣምጽኣለይ ይብል።
እስከ እንደገና ከም’ዚ ኢልና ንሕተቶም "ንኹሉ ነገር ከይረኣኻዮን ከይጨበጥካዮን ኣይትኣምኖን ዲኻ ማለት ድዩ? ንበሎም" እወ እንተኾይኑ መልሶም ሓሰውቲ እዮም። ምኽንያቱ ንፋስ ከም ዘሎ ትኣምን ዶ ኢልካ እሞ ሕተቶም እወ ክብሉኻ እዮም። እሞ ንፋስ ዶ ድኣ ይረአ እዩ? ንፋስ ከ ይጭበጥ ድዩ? ከመይ ኢልካ ድማ ከይረኣኻዮን ከይጨበጥካዮን ንፋስ ኣሎ ትብል? ነዚ ከይረኣኻ ከይዳህሰስካ ካብ ኣመንካዮስ ንኣምላኽ ከይረኣኻ ምእማን ዚዕንቅጸካ ድኣ አንታይ እዩ? ምናልባት ኣግራብ ኪንቀሳቐሱ ከለዉ፡ ንፋስ ከም ዘሎ የረጋግጽ ትብል ትኸውን። ሰብ ኪንቀሳቐስ ከሎ ድማ እግዚአብሔር ከም ዘሎ ረጋግጽ። ምኽንያቱ ሕይወት ሂቡ ከንቀሳቕሰና ዚኽእል ንሱ እግዚአብሔር በይኑ ጥራይ እዩ።
ቅዱስ ቴዎዶር ኣብ ዮሐንስ ምዕራፍ 3 ጐይታ ብዛዕባ ንፋስ ዚተዛረቦ ቃል ኪትርጉሞ እንከሎ ከምዚ ይብል "ንፋስ ናብ ዝደልዮ ይነፍስ ድምጹ ትሰምዕ እንተ ኾነ ግን ካበይ ከም ዝመጽአ ናበይ ከም ዝኸይድን ኣይትፈልጥን.8" ኣብ በዓለ 50 ከም ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ምሥጢር ክገልጽ ትንቢት ከዛረብን ከነስተውዕሎ ንኽእል ኢና ከመይ ኢሉ ከም ዝሓድር ክንፈልጥ ግና ኣይከኣልን፡ ብሰብኣዊ ኣረዳድኣ ክንርድኦ ኣይንኽእልን"
ስለ’ዚ ንፋስ ከም ዘሎ ገረብ ኪንቀሳቐስ ርኢና ከም እንኣምን፡ እግዚአብሔር ኣብ ቅዱሳን ሓዲሩ ብዚገብሮ ተኣምር ውን ኪንኣምን ይግበኣና እዩ። ኣብ ሐዋርያት ሓዲሩ ዚነበረ መንፈስ እግዚአብሔር ኪንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና፡ ሐዋርያት ብ 72 ቋንቋታት ኪዛረቡ ምስ ረኣናን ምስ ሰማዕናን ግና ኣብኣቶም መንፈስ ቅዱስ ሓዲሩ ከም ዘሎ ኪንኣምን ይግበኣና።
ካልእ ውን ከምዚ ኢልካ ወሲኽካ ሕተቶም "ልቢ ኣለካ ዶ" ልቢ ማለተይ እታ ደም እትጭንጉዕ ልቢ ድኣ እምበር ኣእምሮ ማለተይ ኣይኮንኩን። እወ ኣለኒ ኪብለካ እዩ። ግን ልቢ ከም ዘላቶ ብምንታይ ኣረጋጊጹ? ዋላ ብሳንቡእ ጥራይ ይሰርሕ ይህሉ ብኸመይ ይፈልጥ? ዋላስ ልቢ ከም ዘላቶ ንምርግጋጽ ድማ ናይ ግድን ቅድም ቀዲዱ ኪርእያ ኣለዎ? ስለ’ዚ ንልብኻ እኳ ቀዲድካ ከይረኣኻ ልቢ ኣለኒ ኢልካ ትምጉት ካብ ኮንካ፡ ከምኡ ጌርካ ንእግዚአብሔር ኣሎ ኢልካ ከይትኣምን ዚኽልክለካ ድኣ እንታይ እዩ።
ሣልሰይቲ ውን ኪደግመካ እየ ኣቦኻን ኣዴኻን ብርግጽ ኣቦኻን ኣዴኻን ምዃኖም ትኣምን ዶ? መልስኻ እወ ምዃኑ ኣይጠራጠርን እየ። እሞ ኸ አቦኻ ኣቦኻ ምዃኑ ኣዴኻ ድማ ኣዴኻ ምዃና ንምፍላጥ ድኣ ናይ ግድን ኪወልዱኻ ከለዉ ምርኣይ ኣይመድለየካን ዶ? ከመይ ኢልካ ድኣ ኣቦኻን ኣዴኻን ኪወልዱኻ እንከለዉ ብዓይንኻ ዘይረኣኻዮም ከለኻ ወለደይ ኢልካ ኣሚንካዮም። በል ሕጂስ ይኣኽለካ እሞ ነቲ ቀንዲ ኣቦኻ ዚኾነ እግዚአብሔር ድማ ህልው ምዃኑ ከይረኣኻ እመኖ።
ዓለም ምርኣይ ምእማን ዚብል ጥቕሲ ኣብ ኵሉ ኪሰርሓላ እያ ትደሊ ዋላ ንእግዚአብሔር ማለተይ እየ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ግን ንእግዚአብሔር ኪኸውን ከሎ ብኣንጻሩ ምእማን እዩ ምርኣይ። ስለ’ዚ ሓደ ሰብ ንእግዚአብሔር ከይረኣየ ይኣምኖ እሞ እምነቱ ብጾምን ብጸሎትን ብስግደትን እናሓየለ ምስ ከደ ድማ ነቶም ዘይረኣዩ መላእኽትን ንእግዚአብሔርን ኣብ ምርኣይ ይበጽሕ።
እምነት ማለት ነቲ ዘይረአ ኣምላኽ ከም ዝረኣኻዮ ጌርካ ምእማን እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ (ዕብ 11፡1-3) "እምነት ነቲ ዘይርኣ ከምዝርአ ጌርካ ምእማን ..ኵሉ ዓለማት ብቓል ኣምላኽ ከም ዝተፈጥረ፡ እቲ ዝርአ ድማ ካብ ዘይርአ ኸምዝተፈጥረ ብእምነት ኢና እነስተውዕሎ።" ኪብል ዚገለጾ ድማ ነዚ እዩ። ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ "ከየርኣኹምዎ ተፍቅርዎ፡ ሕጂ’ውን ከይርኣኹምዎ ብእኡ ትኣምኑ ኣለኹም፡" ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። (1ጴጥ 1፡8-9)
 
2.1.2 ሕልና

ሕልናና ንህልውና እግዚኣብሔር ይምስክረልና እዩ።
ወዲ ሰብ ብፍጥረቱ ጽቡቕን ሕማቕን ናይ ምፍላጥን ምልላይን ባህሪ ኣለዎ። እዚ ድማ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ክፈጥሮ ከሎ ነዚ ዝምርምረሉ ሕሊና ስለዝዓደሎ እዩ። ማለት ጽቡቕ እንተገበረ ዝድግፎ፡ ሕማቕ እንተገበረ ድማ ዝነቕፎ ሕልና ኣለዎ። ስለዚ ኣብ ልዕሊ ጽቡቕን ዝፈርድ ኣምላኽ ከምዘሎ ሕልና ወዲ ሰብ ይምስክር እዩ።
ቅዱስ ጳውሎስ "ከመይሲ እቶም ሕጊ ሙሴ ዘይብሎም ኣሕዛብ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህሪኦም ተደሪኾም ካብ ዝገብርዎስ፡ ንሳቶም ሕጊ ሙሴ እንተዘይብሎም’ኳ፡ ንርእሶም ሕጊ እዮም። በዚ ከኣ ንሳቶም ሕልናኦም እናመስከረሎም፡ ሓሳቦም’ውን ሓንሳእ እናወቐሶም፡ ሓንሳእ’ውን እናደገፎም፡ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ።" ብምባል ዚገለጾ ድማ ነዚ ዓቢ ምስክር እዩ።
 
2.1.3 መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ህልውና እግዚአብሔር ጽቡቕ ጌሩ ይነግረና እዩ፡ መጽሓፍ ቕዱስ ክጅምር ከሎ ዘፍ 1፡1 "በቀዳሚ ገብረ እግዚአብሔር ሰማየ ወምድረ" ብምባል ንኵሉ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን ዚፈጠረ ሓደ እግዚአብሔር ዚበሃል ፈጣሪ ከም ዘሎ ብምሕባር እዩ ዚጅምር።
ኣብ ሃይማኖተ ኣበው ድማ ነዚ ብዝሰማማዕ ቃል ከምዚ ዚብል ቃል ጽሑፍ ኢና ንረክብ "ካብ ኩሎም ፍጡራን ንፈጣሪ ዝመስሎ ሓደ የሎን። እዚ ካብቲ ወዲ ሰብ ክሓስቦ ዝኽእል ንላዕሊ እዩ። ክምርመር ዘይከኣል እዩ፡ እዚ ዓቢ ምሥጢርን ኣደናቒን ዝኾነ ስርሑ ኣብ ላዕሊ (ሰማይ) ኮነ ኣብ ታሕቲ (ምድሪ) ዘለዉ ፍጥረታት ክፈልጡ ኣይከኣሎምን እዩ። ነገር ግን ንዓና ብምሕረቱ ስለዝመሓረና፡ ኣባና ብዘለዎ ርህራሄ ኣብ ልዕሌና ብዘሕደሮ ጸጋ እዚ ነገር’ዚ ክንፈልጦ ከኣልና።
ከምኡ’ውን ንጹሐን ካብ ዝኾኑ አበውን ነቢያትን፡ ክንርዳእ ክኢልና። ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እምነት ብዝመሃሩ ብናይ ሊቃውንቲ መምህራን ትምህርቲ ፈለጥናዮ እምበር፡" (ስኑትዩ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳስ ሃይ. አበ. 110፡13)
ኢሳይያስ ነቢይ ውን "እቲ ንሰማያት ዝፈጠሮን ዝገተሮን፡ ንምድርን ንሳ እተብቊሎን ዝዘርግሐ፡ ነቲ ኣብኣ ዘሎ ሕዝቢ ኸኣ ትንፋስ ዝሃበ፡ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ድማ መንፈስ ዝሃበ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ" ብምባል ንሰማያት ዚፈጠረን ዚገተረን ….ንህዝቢ ትንፋስ ዝሃበን ኣምላኽ ከም ዘሎ ብመጽሓፉ መስከረ።(ኢሳ 42፡5)
ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ነቲ ብስም ክርስቶስ ዚገበሮ ተኣምራት ርእዮም ንጳውሎስ ኣምላኽ መሲልዎም መሥዋዕቲ ከምጽእሉ ዚተበገሱን ናይ ኣምልኾ ስግደት ድማ ዚሰገድሉን ሰባት ከምዚ እናበለ ገሰጾም "ኣቱም ሰባት ስለምንታይ ከምዚ ትገብሩ፧ ንሕና’ውን ከማኻትኩም ዝፍጥረትና ሰብ ኢና፡ ነዚ ከንቱ ነገር ሓዲግኩም፡ ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ኩሉን ዝፈጠረ ሕያው ኣምላክ ክትምለሱ ነበሥረኩም ኣሎና።" ብምባል ንኹሉ ዚፈጠረ ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣግሃደ (ግብ 14፡15) ስለ’ዚ ህልውና እግዚአብሔር ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብሓድነት ዚምስክርዎ ሓቂ እዩ።
2.1.4 እግዚአብሔር ባዕሉ ንሰባት ይግለጸሎም፡

እግዚአብሔር ንዝተፈላለየ ዕላማ ንቅዱሳኑ ብዝተፈላለየ መንገዲ እንተገለጸ ኣዘራሪብዎም እዩ። ንኣብነት ናብ ቤት ኣብርሃም ብመልክዕ ሠለስተ ሰብኣይ ከም ጋሻ ተመሲሉ ኣተወ።(ዘፍ 18፡1-7) ንኣቦና ያዕቆብ ድማ ሰብ ተመሲሉ ብምምጻእ ኪቃለሶ ሓደረ፡ ካብ ዘርእኻ ሥጋ ወሲደ ምስ መጻኹ ከድሕነካ እየ ንምባል ድማ ምሕኹልቱ ተንከዮ እሞ ሓንከሰ። ባሪኽዎ ድማ ከደ።(ዘፍ 35፡) ንኣቦና ሙሴ ኣብ ቆጥቋጥ እሾኽ ተገሊጹ ኣዘራረቦ።(ዘፀ 36) ምስኡ ቃል ብቓል እናተዛረበ ውን ጽላት ሃቦ። ናይ ነቢይ ሳሙኤል ታሪኽ ምስ እነንብብ ድማ ነዚ ዝስዕብ ቃላት ኢና ንረክብ "እግዚኣብሔር መጸ፡ ደዉ ኢሉ ኸኣ ኸምቲ ናይ ካልእ ጊዜያት "ሳሙኤል! ሳሙኤል!" ኢሉ ጸውዖ። ሳሙኤል ከኣ፦ ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ ተዛረብ" በሎ። (1ሳሙ 3፡10)
ንኢሳይያስ ውን ብራእይ ተገልጸሉ እሞ ነዚ ዚረኣየ ኢሳይሳ ድማ "ኣነ ንአግዚአብሔር ረኣኹዎ….." እናበለ ተዛረበ።(ኢሳ.6፡1-6፡) ካልኦት ብዙሓት ነብያትን ሐዋርያት ብኸምዚ መንገዲ ንእግዚአብሔር ረኣይዎ። ስለዚ እግዚአብሔር ርእሱ ንደቂ ሰባት ከምዝገልጸሎም በዚ ክንርዳእ ንኽእል።
2.1.5 ሥነ ፍጥረት፤

ኩሉ ፍጥረት ህልዉና እግዚኣብሔር ይገልጸልና እዩ። አእምሮ ዘለዎም ኮነ አእምሮ ዘይብሎም ፍጥረት ኩሎም ህልዉና እግዚአብሔር ይምስክሩ እዮም።
ክረምትን ሓጋይን ለይትን መዓልትን ብርሃንን ጸልማትን ናይ ሙቐትን (ዋዕን) ቁርን ዝናብ ደበና ልምላሜን ድርቀትን ዘርኢ ተዘሪኡ ስጋብ ዝሕፈስ ኩሎም ጊዝያቶም ሓልዮም ዝጓዓዙ ምዃኖም ዘርአየና ሓደ ላዕለዋይ ሓላውን ተቖጻጸርን ምህላዉ እዩ። ክምኡ'ውን ናይ ወዲ ሰብ ኣፈጣጥራ ኣወላልድኡ ኣተዓባብይኡ ናይ ሰብነቱ ክፍልታት ሥነ ሥርዓት ማለት ብእግሩ ምኻድ ብኢዱ ምድህሳስን ምሓዝን ምስርሑን ብዓይኑ ምርኣዩ ብእዝኑ ምስምዑ: ብልሳኑ ምዝራብን ምጥዓሙ ብኣፉ ምብልዑ ምስታዩ: ብስኑን ኩርምቱን ምሕያኹ: ብኣፍንጭኡ ምሽታቱን : እዞም ኩሎም ምፍጣሩ ናይ እግዚአብሔር ናይ ኣፈጣጥራ ሥነ ሥርዓት የርእየና ።
ቅዱስ ማር ይስሐቅ ውን "ወለእመ ፈቀድከ ሰማዕተ ኣማናዊ ታኣምር እምአፍኣ ብከ መምህር ወመገሥጽ ዘይመርሀከ ኀበ ዝንቱ (ማር ይስሐቅ ምዕ 1 አን 2)
ሥነ ፍጥረት ንህልውና ፈጣሪ መረዲኢ እዩ ማለት እግዚአብሔር (ፈጣሪ) ብስነ ፍጥረት ምንባር (ምህላው) ዝነበረ ማለት ኣይኮነን። ሰራሕ ዕትሮ (ሰራሕ ካይላ) ብምህላዉ ዕትሮ ይህሉ እምበር ብዝተሰርሑ ዕትሮታት ሰራሕ ዕትሮ ይህሉ ከምዘይበሃል፣ ኩሉ ፍጥረት ዝተፈጥረ ብህልውና ፈጣሪ እዩ። ይኹን እምበር ንሱ ባዕሉ ውን ሥነ ፍጥረት ንህልውንኡ ኣረዳኢ ኮይኖም ከም ዝተፈጥሩ ኣብ ቅዱሳት መጻሕሕቲ ከምዚ እናበለ ኣረዲእና እዩ።
"ምስናይ እዚ ከኣ ጽቡቕ እናገበረ ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሃበኩም ንልብኹም ውን ብብልዕን ሓጎስን እናኣጽገበ ርእሱ ብዘይ ምስክር አይሓደገን" (ግ.ሓ14፥17)
ኣቦና ኢዮብ ውን ኣብ (12፡7-9) "ግናኸ ንእንስሳታት ጠይቀን እሞ ክምህረኻ፡ ነዕዋፍ ሰማይ’ውን ክገልጻልካ እየን። ወይስ ንምድሪ ተዛረባ’ሞ ክትምህረካ እያ። ዓሳታት ባሕሪ’ውን ክነግሩኻ እዮም። በዚኣቶም ኩሎምሲ ኢድ እግዚኣብሔር ከምዝገበረቶ ዘይፈልጥ መን እዩ፧ " ብምባል በዞም ሥነ ፍጥረት ህልውና ኣምላኽ ኪንፈልጥ ከም እንኽእል ኣረዲእና እዩ።
ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ኣብ (ሮሜ 1፡19-20) "ወዘሰ ኢያስተርኢ እግዚአብሔር እምፍጥረተ ዓለም፡ ይትዐወቅ በፍጥረቱ ለፍጥረቱ.." ትርጉም "ኣምላኽ ስለዝገለጸሎም እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ክፈልጥዎ ዝግባእ ኣብኣቶም ግሉጽ እዩ። እቲ ዓለም ካብ ዘይፈልጥ ባህርይ እግዚኣብሔር፡ ማለት ዘለዓለማዊ ኃይሉን መለኮቱን፡ ብፍጥረቱ ኣጸቢቑ ተጋህደ" ማለት እዩ። ቅዱስ ዳዊት ከኣ ኣብ (መዝ 19፡1) ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ፡ ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳው ይነግር። ብምባል ሥነ ፍጥረት እግዚአብሔር ኣሎ ኢሎም ዚሰብኩ ወንጌላውያን ምዃኖም የረድኡ።
ኣቦና ኣብርሃምን ቅዱስ ሙሴ ጸሊምን ብሥነ ፍጥረት ተመራሚሮም እዮም ንእግዚአብሔር ረኺቦሞ። ኣቦና ኣብርሃም ናይ ኣቡኡ ታራ ጣኦታት ይሸይጥ ነበረ፡ ካብ ዕንጨይቲ ካብ ሓጺን ካብ ጭቃ ወዘተ ዚተሰርሐ ዓይኒ ከለዎ ዘይርኢ ኣፍ ከለዎ ዘይዛረብ ኣፍንጫ ከለዎ ዘየሻትት ኣምላኽ ግና ንኣብርሃም ዕግበት ስለ ዘይሃቦ፡ እዚ ኣምላኽ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ ኢሉ ደምደመ። ሓደ ካብ መዓልታት ድማ ከምዚ ኢሉ ኪመራመር ጀመረ ሓቀኛ ኣምላኽ መን እዩ? ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ ንሥነ ፍጥረት እናተመልከተ እዚ ሓያል ሓዊ ዶ ኣምላኽ ይኸውን ኢሉ ሓሰበ፡ ሓዊ ብማይ ኪጠፍእ ተዓዚቡ ድማ ነዓቖ፡ ምኽንያቱ ኣምላኽ ብማንም ዘይጠፍእ ሓያል ኪኸውን ኣለዎ ኢሉ ስለ ዚሓሰበ።
እሞ እዚ ወቅያኖስ ዶ ኣምላኽ ይኸውን ኢሉ ውን ሓሰበ ሕጂ ውን ውቅያኖሳት ባሕርታት ብመሬት ተገዲቦም ደው ኪብሉ ረኣየ እሞ ነዓቖም። እሞ ሓያል ንፋስ እዩ ኣምላኽ ኢሉ ውን ሓሰበ፡ ሕጂ ውን ንፋስ ብዓበይቲ ጐቦታት ተኸልኪሉ ከም ዚግደብ ተዓዚቡ ነዓቖም፡ እሞ እዛ ሓያል ፀሓይ ኣምላኽ ኪትከውን ኣለዋ ኢሉ ሓሰበ፡ ሕጂ ውን ፀሓይ ንግሆ በሪቓ ምሸት ኪትጠፍእ ተዓዘበ እሞ ነዓቓ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ዋላ ንካልኢት ካብ ፍጥረቱ ዘይፍለ ኵሉ ጊዜ ህልው ኪኸውን ኣለዎ ኢሉ ስለ ዚሓሰበ እዩ። ኣብ መወዳእታ "አምለከ ፀሓይ ተናበበኒ" ማለት ፀሓይ ዚፈጠርካ ኣምላኽ ባዕልኻ ተዛረበኒ ተገለጸለይ ምስ በለ ድሌት ልቡ ዚተዓዘበ ሓቀኛ ፈጣሪ ተገሊጹ ኣዘራረቦ።
ፈያታዊ ዘየማን ኣብ የማን ጐይታ ተሰቒሉ ዚነበረ ሽፍታ ውን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ምዃኑ ዚመሃሮ ሰብ ኣይነበረን። ኣምላኽነት ናይ ክርስቶስ ኪኣምንን ኪምስክርን ዚገበሮ ሥነ ፍጥረት እዩ ኔሩ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ኵሉ ፍጥረት ንሰብ ንምድሓን ኢሉ ብዚተወሃሃዶ ሥጋ ኣብ ዕጸ መስቀል ዕራቖቱ ኣብ ዚተሰቕለሉ ዕለት፡ ፀሓይ ናይ ፈጣርየይ ዕራቅን ኣየርእን ብምባል ቀትሪ ምድሪ ብርሃና ከልከለት፡ ወርሒ ውን ደም መሰለት ከዋኽብቲ ረገፉ መጋረጃ ቤት መቕደስ ተተርተረ መሬት ኣንቀጥቀጠ መቓብራት ተኸፍተ ምዉታን ድማ ተንሥኡ፡ ነዚ ዚተዓዘበ ሽፍታ እዚ ብሓቂ ኣምላኽ እዩ ብምባል ብክርስቶስ ኣመነ እሞ "ኦ ጐይታ ኣብ ትመጽእ መንግሥትኻ ዘክረኒ" ብምባል ጐይቶትነት ኢየሱስ ክርስቶስ መስከረ።
ጠቢበ ሰለሞን ኣብ ምሳሌ "ጥበብ ቤታ ሃነጸት…. ሾብዓተ ኣዕኑድ ጸረበት ስቡሓታ ሓረደት ወይና ዘለለት መኣዳ ውን ኣሰናደወት ኣግራዳ ለኣኸት ኣብ ኣዝዩ ዚበረኸ ስፍራ ከተማ ኮይና ትጽውዕ ኣላ"(ምሳ 9፡1-4) ዚብል ቃል ኣቐሚጥልና ኣሎ። ኣብ’ዚ ቃል ጥበብ ዚተባህለ ወሃቢ ጥበባት መድኃኔ ዓለም እዩ፡ ቤታ ሃነጸት ማለት ዓለም ፈጠረ ማለት እዩ፡ ሾብዓተ ኣዕኑድ ዚተባህሉ ካብ ሰንበት ኪሳብ ቀዳም ዘለዉ ሾብዓተ ዕለታት እዮም። ስቡሓተ ሓረደት ወይና ዘለለት ዚተባህለ ድማ ምእንታና ዚተሓረደ ንጹህ ገንሸል ኢየሱስ ክርስቶስ ዚዓደለና ንጹህ ሥጋን ብወይኒ ዚተመሰለ ክቡር ደሙን እዩ። እቲ መኣዲ መስቀል እዩ ኣግራዳ ለኣኸት ዚበሎ ድማ ፀሓይ ወርሒ ከዋኽብቲ እዮም እዚኣቶም ኣብ በሪኽ ስፍራ ኮይኖም ህልውና እግዚአብሔር ዚሰብኩ መምሃራን እዮም። ስለ’ዚ ብሓፈሻ ንሥነ ፍጥረት ኣተኵርና እንተተዓዚብናዮም ንሳቶም ናብ እግዚአብሔር ኪመርሑና ይኽእሉ እዮም። ኣብ ሥነ ፍጥረት ተወሲንና ንሥነ ፍጥረት ንባዕሎም ከነምልኾምን ናይ ኵሉ ምንጪ ንሳቶም ምዃኖም ኪንኣምንን ግን ኣይግብኣናን።
 
 

 

No comments:

Post a Comment