ኣብ ላዕሊ ከም ዚገለጽናዮ ኣብ ውሽጢ ጾም ኣርብዓ 8 ሰናብቲ ኣለዋ። ነፍሲ ወከፈን ድማ ንኽብሪ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገልጽን፡ ጐይታና ንድኅነትና ኢሉ ናብዚ ምድሪ ኣብ ዝመጸሉ ዝመሃሮምን ዝሠርሖምን ናይ ድኅነት ሥርሓት ዘዘኻኽር ትረጕም ኣለዎ። ስማት ናይዞም 8 ሰናብቲ፦
1. ዘወርደ
2. ቅድስት
3. ምኵራብ
4. መጻጕዕ
5. ደብረ ዘይት
6. ገብርኄር
7. ኒቀዲሞስ
8. ሆሳዕና ተባሂሎም ይጽውዑ።
2.1 ዘወረደ ዮሓ 3፡13-25
ኣብዚ ዕለት እዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ብዛዕባ ምውራዱን፡ ወዲ ሰብ ብትሕትና ብፍርሃተ እግዚአብሔር ብዛዕባ ምንባሩን ይዝመር። ስያሜኡ ኣብዚ ዕለት ካብ ዝዝመር ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር ዚተወሰደ እዩ። ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ጾመ ሕርቃል ይበሃል። ሰብ ልቡ ንጾም ንኸዳሉ ትምህርቲ ዝወሃበሉ፡ ኣብ ጊዜ ጾም እንታይ ዓይነት ሕይወት ኪህልወና ከም ዝግብኦ እንመሃረሉ ትምህርቲ እዩ።
2.1.1 ናይ ዕለቱ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር ኣርእስቲ
ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት፡ (ንእግዚአብሔር ብፍርሃት ተገዝኡ)
2.1.2 ኣብ ጊዜ ቕዳሴ ዚንበቡ
ዕብ 13፡7-17 ዲያቆን ገባሬ ሠናይ
ያዕ 4፡6-ፍጻሜ ንፍቀ ዲያቆን
ግ.ሓ 25፡13 ክሳዕ ፍጻሜ ተራዳኢ ካህን (ንፍቀ ካህን)
2.1.3 ናይ ዕለቱ ምስባክ
ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት፡ ወተሐሰዩ ሎቱ በረአድ፡ አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዐዕ እግዚአብሔር።
ንእግዚአብሔር ብፍርሃት ተገዝኡ፡ ብራዕዲ ኸኣ ደስ ይበልኩም፡ ጐይታ ንኸይቊጣዕ ተግሣፁ ተቐበሉ /መዝ 2፡11/።
ትጕሙ፦ “ንእግዚአብሔር ብፍርሃት ብምንቅጥቃጥ ተገዝኡ፡ ዋጋ ዘውህብ ስለ ዝኾነ ድማ ብምግዛእኹም ደስ ይበልኩም፡ ካብ ፍቕሪ ብዝመንጨወ ፍርሃት ደስ ይበልኩም። ንእግዚአብሔር ተገዝኡ ነቲ ጥበብ ዝተባህለ ወልድ ኸኣ እመንዎ፡ ወንጌል ንዝሠርዓልኩም ኣይተቐበልኩምዎን ኢሉ ከይፈርደኩም ብወዱ እመኑ” ማለቱ እዩ።
ወንጌል፦ ዮሓ 3፡13-25
ቅዳሴ፦ ናይ ጐይታ (ነአኵተከ)
2.1.4 ስብከት
ብዘይካ እቲ ካብ ሰማይ ዝመጽአ ኣብ ሰማይ ውን ዘሎ ወዲ ስብ ሓደ እኳ ናብ ሰማይ ዝኸደ የልቦን/13
ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ “እዚ ኣዘራርባዚ ምስ ኒቀዲሞስ እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ፧ ዝብል ሰብ ክህሉ ይኽእል ኢዩ፡ እቲ ዘራኽቦ ድማ እዚ ኢዩ፡ ኒቀዲሞስ ጐይታና ካብ እግዚአብሔር ዝተላእከ መምህር ገይሩ እዩ ዝሓስቦ ነይሩ፡ ስለዚ ጐይታ ንኒቀዲሞስ ንስኻ ከም እትፈልጦም ምድራውያን መምህራን ጌርካ ኣይትሕሰበኒ፡ ምኽንያቱ ብዘይካይ ካብ ሰማይ ዝመጸን ናብ ሰማይ ዝወጸን የልቦን። ብኻልእ ኣገላልጻ እዞም ኣብዚ ምድሪ እትርእዮም መምሃራን ኣብዚ ምድሪ ጥራይ ዝረኣዩ እምበር ኣብ ሰማይ የለዉን። ኣነ ግና በዚ ግዙፍ ሥጋ ብሓጺር ቊመት ብጸቢብ ደረት እንተ ርኣኻኒ ምስ ኣቦይ ብህልውና ሓደ ኢየ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ምሉእ ኢየ ሰማያዊ ሃብትን ሰማያዊ ጥበብን ገንዘበይ ገይረ ዝመጻእኩ ኣነ ጥራይ ኢየ” ማለቱ ኢዩ “ሓደ ሓደ ሰባት ንሱ ኣብ ኵሉ ምሉእ ዝኾነ መለኮት ክነሱ ከመይ ጌረካ ወረደ ይበሃል፧ ይብሉና። ንሕና ድማ ከምዚ ኢልና ንምልሰሎም “ከምዚ ዝበሃለሉ ዘሎ ወልድ ብመለኮቱ ዝፋኑ ገዲፉ ከም ዝመጸ ዘይኮነ፡ ብሥጋ ማርያም ገዚፉ ምርኣዩን ናትና ናይ ባሮቱ መልክዕ ኂዙ ምምጽኡን ንምምልካት ኢዩ። ወዲ ሰብ እናበለ ንነብሱ ምግላጹውን ንሱ ምሉእ ሰብነት ማለት ካብ እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ፍጹም ሥጋን ፍጹም ነፍስን ምውሳዱ ንምምልካት ኢዩ” ብምባል ይትንትኖ::
ቅዱስ ኣውጉስጢን፦ ኣካይዳኦም ምስ እግዚአብሔር ዝገበሩ ቅዱሳን ዋላ እኳ ንላዕሊ እንተ ወፁ ዓለም ንምድኃን ግና ኣይወረዱን። ስለዚ ንሕናውን ክንወፅእ እንተ ደሊና ሠረገላ ይኹን ኣውሮፕላን ከየድለየና ንኽንድይብ ነቲ ከደይበና ዝወረደ ጐይታ ንእመን። ክንድይብ ምስ እንደሊ ብዘይ ብኣይ ናብ ኣብ ዝኸይድ የልቦን ከም ዝበለና ንበይንና ኺንድይብ ኣይንኽእልን ኢና። ዳግማይ ተወሊድና ናይቲ መርዓዊ ኣካላት ስለ እንኸውን ግና ምስኡ ሓደ ኣካል ስለ እንኸውን ንኽንድይብ ቀሊል ኢዩ።
“ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ” /ቁ.14-15/።
ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኑሲስ፦ ናይዚ ናይ ዳግማይ ልደትና ምንጪ ወይውን ናይ ምውራዱ ምሥጢር መስቀል እዩ። እዞም ክልተ ምሥጢራት ማለት ናይ ጥምቀቱን ናይ ስቕለቱን ምሥጢር ክርስቶስ ነቶም እንጸልኦ እኳ ድንቂ ዝኾነ ፍቕሩ ዘርኣየሎም ምሥጢራት እዮም። እስራኤል ዘሥጋ ኃጢአት ምስ ገበሩ ብመርዛማት ኣትማን ተደኒፎም በቲ ሙሴ ዝሰቐሎ ናይ ነሓሲ ተመን ከም ዚደኃኑ፡ ሕጂውን በቲ መርዛም ተመን (በቲ ኃጢአትን ፍዳን ዘለዎ ብዲያብሎስ) ዚተነደፉ ዅላቶም በቲ ናይ ነሓሲ ተመን (ብስቕለት ናይቲ ኃጢአትን ፍዳን ዘይብሉ ጽሩየ ባሕርይ ዝኾነ ጐይታ) ከም እንድኅን ዚተነግረ እዩ። ከነስተውዕሎ ዝግብኣና ነገር ግና ብዙኅ ጊዜ ተመን ናይ ክፉእ ነገር ምሳሌ እኳ እንተ ኾነ፡ ጐይታና (ክብሪ ንእኡ ይኹን) ብናይ ነሓሲ ተመን ዚተመሰለሉ ምኽንያት ክፉእ ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ፡ ብፍቓዶ ብምሳሌ ኃጢአተኛ ሥጋ…. ንኃጢአት ብሥጋ ንምኹናን” ስለ ዝመጸ እዩ። /ሮሜ.8፡3/::
ምኽንያቱ፦ ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” /3፡16/ ስለ ዝብል፡ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኪህበና ዝኽእል ንሱ ዘለዓለማዊ ስለ ዝኾነ እዩ። ትንሣኤ ሕይወት ዝህበና ንሱ ትንሣኤ ሕይወት ስለ ዝኾነ እዩ። ንሕና ዋላ እኳ ጭቃን ሓመድን እንተ ኾንና ብኸምኡ (ብዘይ ምኽንያት) ኣፍቀረና። ንኣና ንምልኣኽ ነቲ ሓደ (ናይ ባህርይ) ወዱ ደኣ እምበር፡ ሓደ ካብ ባሮቱ ወይ ካብ መላእኽቲ ኣይለኣኸልናን። ዋላ እኳ ሕያውነቱ ንምቕባል ዘይግብኣና እንተኾንና ብኸምኡ ደሙ ኣፍሰሰልና ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ፡፡
ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን /17/
ብኻልእ ኣገላልጻ ኣብ ሥጋዊ፡ ኢድ ንዘይብሉ ኢድ፡ እግሪ ንዘይብሉ እግሪ፡ ዓይኒ ንዘይብሉ ዓይኒ፡ ኣበ መንፈሳዊ ድማ ተኃድገ ለኪ ኃጢአትኪ፡ ኃጢአትኪ ተኃዲጉልኪ፡ ተኃድገ ለከ ኃጢአትከ፡ ኃጢአትካ ተኃዲጉልካ ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ኣሎኻ እናበለ ኼድኅኖን ካሕሳ ኺኸፍለሉን ደኣ እምበር ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝፈረዶ ፍርዲ ኺፈርዶ ኣይመጸን።
ስለዚ “ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ አሎ /18/።
ዘይኣመነ ዘበለ ኵሉ ዋላ እኳ ትንሣኤ እንተ ሃለዎ ትንሣኤ ለዘሐሳር እዩ። ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ ኽብል ከሎ ድማ ኣቐዲሙ ንኸምኡ ተወሲኑ እዩ ማለት ዘይኮነስ፡ ኣቐዲሙ ብዘይ ምእማኑ ትንሣኤኡ ንፍርዲ እዩ ማለት እዩ።
“እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፥ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ” /19/።
ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ:- “እዚ ማለት” ይብል ክርስቶስ ኣነ ንዓለም ኪፈርድ መጺአ እንተ ዝኸውን፡ ሰባት ንዘይ ምእማኖም ምኽንያት ምረኸቡ ነይሮም። እንተ ኾነ ግና ኣመጻጽኣይ ንወዲ ሰብ ብምሉኡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ንኸውፅእ እየ ዝመጻኹ፡ ናብ ብርሃን ናባይ ንኽመጹ ማለተይ ብኣይ ክኣምኑ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ኸኣ ኺፍረዶም እዩ፡ ስለ ዚተፈረዶም ከኣ ምኽንያት የብሎምን።
ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዪ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ /20-21።
ስለዚ ኣኅዋተይ! ጸልማት ከይጋርደና ናብ ብርሃን ንምምጻእ ንፍጠን፡ ምእንቲ ኺንድኅንሲ ንንቃሕ፡ ጊዜ እንከለና ንተንሥእ፡ መዓልቲ እንከለና ብርሃን እናብርሃልና ንንቃሕ፡ መዓልቲ ዚተባህለ ኸኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ናብኡ እንተመጺና ኃጢአትና ኪኅደገልና እዩ። ዋላ ሓንቲ ጽድቂ ከይሃለወና ኣብ ጥራሕ ኢድና ርእስና ልዕል ልዕል ነብል እንተዄንና ግና፡ ኵሉ ትርፉ ኣብ ጸልማት ምትራፍ ስለ ዝኮነ፡ ናብቲ ብርሃን ክርስቶስ ንውፃእ። ሰብ ናይ ፍቓድ እግዚአብሔር ፍጥረት እዩ። ኃጢአት ድማ ውፅኢት ናይ ፍቓድና እዩ። ስለዚ ንሕና ዝገበርናዮ ኃዲግና ናብቲ እግዚአብሔር ዚገበረልና ናይ ፍቕሪ ሥራሕ ንውፃእ። ናትና ሥራሕ ጐደሎ ከም ዘለዎ ምስ ፈለጥና፡ ናብቲ ጐደሎ ዘይብሉ ናይ እግዚአብሔር ሥራሕ ንቐልጥፍ። ንስሓ ናይ ጽቡቕ ነገር መጀመርታ እያ፡ ሰብ ኣብ ውሽጢ ጸልማት ከም ዘሎ ምስ ዝፈልጥ (ኣብ ኃጢአት ማለት እዩ) ይቕሬታ (ምሕረት) ከም ዘድልዮ ኸኣ ኺፈልጥ እዩ።
ጐይታና ኣቐዲሙ ናይ ኣይሁድ ፋሲካ ምስ ኮነ ናብ ኢሩሳሌም ከደ። ዝኸደሉ ምኽንያት ድማ ነቲ በዓል ዝመጹ ኣይሁድ ተኣምራቱ ርእዮምን ትምህረቱ ሰሚዖምን ንኽኣምኑ ኢሉ እዩ። ሕጂ ድማ ናብቶም ካብ ዮሓንስ ኪጥመቑ ኢሎም ዚተኣከቡ ሰባት ናብ ፈለገ ኦርዳኖስ ይኸይድ። ኣካይዳኡ ድማ ነቶም ኣብኡ ዚነበሩ ሰባት ብዛዕባ ወንጌለ መንግሥት ኺሰብከሎም ይግባእ ስለ ዝነበረ እዩ። ስለዚ ኸኣ ወንጌላዊ ዮሓንስ፦
“ድኅርዚ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኸደ፡ ኣብኡ ኸኣ ምሳታቶም ይመላለስን የጥምቕን ነበረ” /22/ ይብለና።
ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ፦ “የጠምቕ ነበረ” ኺበሃል ከሎ ኣብ ደቀ መዛሙርቱ ኃዲሩ የጠምቕ ነበረ ማለት እዩ እምበር ንሱ ባዕሉስ ኣየጠመቐን /ዮሓ 4፤2/። ስለ ምንታይ ከ ዘየጥመቐ? እንተበልና መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ከም ዚነገረና ጐይታና ብኃውን ብመንፈስ ቅዱስን ስለ ዘጥምቕ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ድማ ጌና ኣይወረደን ነይሩ /ዮሓ 7፡39/። “ደቀ መዛሙርቱ ኸ ንምንታይ ኣጠመቑ፧” እንተበልና ድማ እቲ ሕዝቢ ኣብ ክንዲ ናብ ዮሓንስ ናብ ሓዋርያት ኪመጽእ ስለ ዝግባእ እዩ። “ንምንታይ ከ ዮሓንስ ምጥማቕ ዘየቋረጸ?” እንተ በልና ድማ ናይ ዮሓንስ ደቀ መዛሙርት “መምህርና ዮሓንስ ምጥማቕ ካብ ዘቋረጾ፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስ ደቀ መዛሙርቲ ዘጥምቑ ዘለዉ ንሕና ድማ ኼነጥምቕ ኢና” ኢሎም ሽግር ምፈጠሩ ነይሮም፡፡
ስለዚ ድማ “ወሀሎ ዮሐንስኒ ያጠምቅ በሄኖን በቅሩበ ሳሌም በማዕዶተ ዮርዳኖስ- ዮሓንስ ገና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይኣተወን ነበረ እሞ፡ ኣብ ሄኖን ኣብ ጥቓ ሳሌም ብዙኅ ማይ ስለ ዝነበረ፡ ዮሓንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ፡ ይመጹን ይጥመቑን ከኣ ነበሩ /.23-24/።
ቅዱስ ኣውግስጢን፦ ኣብዚ ጊዜ እዚ አርድእተ ዮሐንስ መምህሮም ዘጠመቖም ሰባት ናብ ጐይታ ኽኸዱ እንከለዉ፡ ናይ ጐይታ ደቀ መዛሙርት ዘጠመቖም ግና ናብ ዮሓንስ ከም ዘይከዱ ኣስተውዓሉ። በዚ ምኽንያት ናይ ዮሓንስ ደቀ መዛሙርት “ናይ መን ጥምቀት ስለ ትበልጽ እያ?” ኢሎም ድንግርግር ክብሎም ጀመረ። ብኢድ ዮሓንስ ተጠሚቖም እንተ ኾነ ግና ከምቲ ዮሓንስ ዚነገሮም ናብ ጐይታ ዝኸዱ ዚነበሩ ኣይሁድ ረኺቦም ከኣ “ናትኩም መምህር እሞ መስኪሩ ኃሊፉ እዩ” ምስ በልዎም ብዛዕባ ምንጻሕ ኣብ ማእከሎም ክርክር ኮነ /25/።
ስብከት ጾም ብድምፂ