ኪዳነ ምሕረት ማለት፡ ናይ ምሕረት ኪዳን ማለት እዩ። ኪዳን ማለት ምምሓል፡ ዉዕል ምእታዉ፡ ምስምማዕ ማለት እዩ። ስለዚ ኪዳነ ምሕረት ክንብል ከለና ድማ ናይ ምሕረት ኪዳን፡ ዉዕል ስምምዕ ማለት እዩ። ልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽና ንብዙኃት ካብ ቅዱሳኑ ቃል ኪዳን ኣትይሎምን ይኣትወሎም አሎን ፡ ንዝመጽእ ውን እንተኾነ ሕጉ ንዝሓለውን ንሱ ዝኣዘዞም ብምፍጻም ንዘሥምርዎን ክሳብ እለተ ምጽኣት ኪዳኑ ኣይቋረጽን እዩ። ካብ ዝኣተዎ ኪዳን ድማ ከይፈጸሞ ዝተረፈን ዝኃለፈን ግዚያት ፈጺመን የለዋን። ስለዚ ድማ እዩ ልቢ ኣምላኽ ቀዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ መዝ 132፡11 ከምዚ እናበለ ዝመስከረ “እግዚአብሔር ከመዚ ክብል መሓለሉ ብዝመሓሎ ድማ ኣይክጠዓስን እዩ” ብምባል ኣምላኽና ኣብ ዝኣተዎ ኪዳን ጽኑዕ ምዃኑ ኣነጸረ።
ነቢይ እግዚአብሔር ቅዱስ ሚልክያስውን ነዚ ኣመልኪቱ “ኣነ እግዚአብሔር ኣይልወጥን እየ” /ሚል 3፡6/ ዝብል ቃል ጽሒፉልና ኣሎ። በዚ ኸኣ እግዚአብሔር ዝኣተዎ ቃል ዘይልወጥ ኣምላኽ ምዃኑ ንርዳእ። ሊቀ ነቢያት ኣቦና ቅዱስ ሙሴ ውን ኣብ ኦሪት ዘኁልቅ 23፡19 “ኣምላኽ ከይሕሱ ሰብ ኣይኮነን፡ ከይጠዓስ ውን ወዲ ሰብ ኣይኮነን” ብምባል ኣምላኽና ብዝኣተዎ ኪዳን ንዘልኣለም ከም ዘይጠዐስ የረድኣና።
እዚ ነቢያት ቃሉ ከም ዘይቅየር ዝመስከሩሉ፡ ኣብ ነቢያቱ ኃዲሩ ትንቢት ዘዛረበ ልዑል ኣምላኽ፡ ፍቕሪ ናይ ሰባት ስሒብዎ፡ ካብ ማእሰርቲ ናይ ሰይጣን ናጻ ኬውፅኣና ናይታ ብንጽሕናኣ መወዳድርቲ ዘይብላ ቅድሰትን ርኅርኅትን ኣዴና ቅድሰት ድናገል ማርያም ማኅፀን መሪጹ ኣብኣ ብምሕዳር ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ፡ እሳታዊ መለኮቱ ንልምላሜ ሥጋኣ ከየቃጸሎ፡ ናታ ልምላሜ ሥጋ ድማ ነቲ እሳታዊ መለኮቱ ከየጥፍኦን ከይለወጦን ብፍጹም ተዋሕዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ኂዙ፡ ፍጹም ሰብ ፍጹም ፍጹም ኣምላኽ ኮይኑ ብምውላድ፡ ኣብዛ ምድሪ ዝተመላለሰለን ሣላሳን ሠለስተን ዓመት ኣብ መዋእለ ስብከቱ፡ ብፍላይ ድማ ኣብታ ብዛዕባ ነዞም ኣብ ኃጢአት ታኼላ ተሸሚምና፡ ካብ ኃጢኣትናን በደልናን ምልቓቕ ዝኣቤና፡ ንጸሎት ንጾምን ኣምልኾ ስግደትን ጊዜ ዘይብልናን፡ ንሽሙ ጥራይ ክርስቲያን ኢልና እንጐዓዝ ደቂ ሰባት፡ ኣዝያ እተፍርህን እተጨንቕን መዓልቲ ፍርዲ፡ ኣብዛ ጐይታና ብዛዕባ ምልክት መወዳእታ ዓለምን ምጽኣቱን ዝመሃረላ ኣንቀጽ አብ ማቴ 24፡35 “ሰማይን ምድርን ክኃልፍ እዩ ቃለይ ግና ንዘለዓለም ይነብር” ብምባል ነቲ ዘይቅየር ኣምላኻዊ ቃሉ ደጊሙ ኣረጋጊጽልና እዩ።
ካልእ ነዚ መረጋገጺ ዝኾነና ንድኅሪት ምልስ ኢልና ንገለ ካብ ቅዱሳን አቦታትናዝኣተወሎምን ዝፈጸመሎም ቃል ኪዳን ንርአ። ብመሠረት ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሾብዓተ ኪዳናት ዝበሃሉ ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፦
1. ኪዳነ ኣዳም
2. ኪዳነ ኖኅ
3. ኪዳነ መልከጼዴቅ
4. ኪዳነ ኣብርሃም
5. ኪዳነ ሙሴ
6. ኪዳነ ዳዊት
7. ኪዳነ ምሕረት እዮም።
ነቲ ናይ መጀመርታ ፍጠረት ዝኾነ ኣቦና ኣዳም፡ ሕጊ ልዑል ኣምላኽ ብምፍራሱ ካብ ገነት ምስ ተባረረ፡ ኣብ ምድሪ ርሂጹ ክበልዕን ብነፍሱ ድማ ኣብ ሲኦል ኣብ እግረ ኣጋንንት እንዳተረግጸ ክነብርን ተፈርደ።ነዚ ፍርዲ ተቐቢሉ ካብ ገነት ምስ ወፀ፡ብጾም ጸሎትን ብኃዘንን ብልቕሶን ናብ እግዚአብሔር ኣምላኹ ምስ ተመልሰ ድማ፡ እቲ ነቶም ኃጢኣቶም አሚኖም ብንስሓ ዝምለሱ ብሓጐስ ዝቕበል ዋግኦም ዝኸፍሎምን ብዓል ብዙኅ ምሕረት ዝኾነ ሰማያዊ ኣምላኽና፡ጸሎቱ ተቐቢሉ ከመዚ ክብል ናይ ተስፋ ቃል ኣተወሉ “ድኅሪ ኃሙሽተ መዓልትን ፈረቓን {5500 ዘመን} ካብ ጓል ጓልካ ተወሊድ ኼድኅነካ እየ”።ብርሃን ኣለም ሓዋርያ ቕዱስ ጳዉሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ኣብ ዝላኣኾ መልእኽቱ ገላ 4፤4 ከም ዝነገረና ድማ ናይ ዘመኑ ፍጻሜ ምስ በጽሐ ማለት 5500 ዘመን ምስ መልአ፡ እቲ ቓሉ ዘይዓጽፍ ቃል ኪዳኑ ንምፍጻም ድማ ዘይድንጒ ጐይታ ካብዛ ናይ ሓድሽ ኪዳን ኪሩቤል ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንጹሕ ሥጋን ነፍስን ብምውሳድ ሰብ ኮይኑ፡ ብዕለተ ዓርቢ ብዘፍሰሶ ክቡር ደሙ ካብ ማእሰርቲ ሰይጣን ናጻ ኣውፅኣና። ሉቃ 23፡35 ቆለ 2፡14 ኤፌ 2፡13-15 ስለዚ ድማ ንኣዳም ዝኣተወሉ ቃል ኪዳን በዚ ዘደንቕ ውዕለት ኣምላኽ ተፈጸመ።
ካብኡ ብምቕጻልውን ዓለም ብምልእታ ካብ እግዚአብሔር ዓልያ ኣብ ዝነበረትሉ በይኑ ናይ ጽድቂ ስብከት ዝሰብኽ ዝነበረ አቦና ኖህ ፤እግዚአብሔር ዓስቢ ዓመጸኛታት ክኸፍል ከሎ ማለት ንዓለም ብሰንኪ ኃጢኣት ብማይ ኣይሂ ከጥፍኣ ከሎ፡ኖህ ምስ ሸሞንተ ነፍሳት ከም ዝዳኃኑ ዝፍለጥ እዩ 1ይ ጴጥ 3፡20። ብድኅርዚ እግዚአብሔር ዳግማይ ንዓለም ብማይ ኣይሂ ከም ዘየጥፍኣ ነቲ ጻድቕ ኣቦና ኖህ ቃል ኪዳን አተወሉ “ኣምላኽ ካኣ በለ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹም ኣብ መንጎ እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ኩሉ ሕያው ነፍስን ዝኣአትዎ ኪዳን ምልክት እዚ እዩ፡ ቀስተይ ኣብ ደመና አንብር ኣለኹ፡ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኪዳን ምልክት እዩ” ብምባል ነዚ ናይ ኣዴና ቅድሰት ድንግል ማርያም ምሳሌ ዝኾነ ቀስተ ደመና ምልክት ጌሩ ሃቦ ክሳዕ ሕጂ ውን ብዓይንና ንርእዮ ምልከት ኮይኑ ኣሎ። ቀጺልናውን ናይቲ ናይ ክርስቶስ ምሳሌ ዝነበረ ናይ እግዚአብሔር ካህን መልከጼዴቅ ክንርኢ ንኽእል። ንሱ ብምናኔ እናነበረ ዓጽሚ ኣዳም ኂዙ ኣብ ቀራንዮ ኾይኑ ሕብሥትን ቊርባንን የቕርብ ነበረ። እግዚአብሔር ንመልከጼዴቅ ነዛ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ትሥራዕ ክህነትን ቊርባንን ምሳሌ ገይሩ ብቓል ኪዳን ኃቲምዎ እዩ። በዚ ድማ መልከ ጼዴቅ ክሳዕ ሕጂ ሞት ከይጠዓመ ተሠዊሩ ይነብር ኣሎ /ዘፍ 14፡18 ዕብ 7፡1../። ነቲ ናይ እምነት ኣቦ ዝኾነ ኣቦና አብርሃም ድማ ኣብ እርግናኡ ክወልድ፡ ከብዝኆን ክባርኾን ሕዝብታት ብእኡ ክባረኹ ምዃኖም ከምዚ ኢሉ ቃል ኣተወሉ “ኣነ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርእኻ ብድሕሬኻን ኣብ ወለዶኦም ኪዳነይ አቕውም / ዘፍ 17.7 ዘፍ 15 1-7/።እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ብድኅሬኻ ድማ ኣብ ዘርእኻ ዘሎ እሞ ንስኻትኩም እትሕልዉዎ ኪዳን እዚ እዩ። “ኣባኻትኩም ተባዕታይ ዘበለ ይገዘር፡ ዘይተገዝረ ተባዕታይ ግና እዛ ነፍሲ እዚኣ ኪዳነይ አፍሪሳ እያ እሞ ትሞንቆስ” ብምባል ዝሃበና ኪዳን ከነጽንዕ ከም ዘለና የጠንቅቐና።
እዚ ኺዳን እዚ ድማ ነቦና ኣብርሃም ይስሐቅ ዝመሰለ ቅዱስ ወሉድ ብምሃብ ቃል ኪዳኑ ፈጺምሉ እዩ። መወዳእትኡውን ብዘርእኻ ኣሕዛብ ክባረኹ እዮም ብዝበሎ መሠረት፡ ዘርኢ ኣብርሃም ብዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ ብምውላድ ዘርኢ ኣብርሃም ዝኾነ ክርስቶስ ንሕዝብን ኣሕዛብን ሓደ ጌሩ ባረኸናን ቀደሰናን /ግ.ሓ 3፡25 እብ 2፡16 ኤፌ 2፡13-15/። ኃምሳይ ኪዳን ኪዳነ ሙሴ እዩ። እዚ ለዋህን ትሑትን ዝኾነ ቅዱስ ኣቦ፡ ንሕዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ኣውፂኡ ን40 ዓመት ዝኣክል ኣብ በረኻ ክመርሖም እንከሎ፡ ጽላተ ኪዳንን ዓሠርተ ትእዛዛትን ተቐበለ /ዘፀ 20፡1 31፡18/።
“እግዚኣብሄር ንዳዊት፣ ካብ ፍረ ኸርስኻ ኣብ ዝፋንካ ከቐምጥ እየ፣ ውሉድካ ኺዳነይን ነቲ ዝምህሮም ምስክረይን እንተ ሓለዉ፣ ውሉዶም ድማ ኣብ ዝፋንካ ንሓዋሩ ኺቕመጡ እዮም፣ ኢሉ ብሓቂ መሐለሉ፣ ካብኡ ኣይኪርሕቕን እዩ” ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ፡ ሳድሳይ ኪዳን ድማ ኪዳነ ዳዊት እዩ /መዝ 132፡11/።
እምባአረከስ ዝኸበርኩምን እግዚአብሔር ኣምላኽ ብበረኸቱ ዝበጽሓኩምን ነዚ ቕዱስን ክቡርን መንፈሳዊ በዓል ንምኽባርን ካብ ደጊኣ ድማ በረኸት ንምሕፋስን ካብ ኵሉ ኩርናዓት ዓለም እግዚአብሔር ብምሕረቱ ዝኣኻኸበኩም ሕዝበ እግዚአብሔር። ልኡል እግዚአብሔር ኣምላኽና፡ ነዚ ዅሉ ክንሰምዖ ዝጸናሕና ጸጋን በረኸትን ነቶም ዜሥመርዎ ቅዱሳኑ ዝፍጽመሎም ካብ ኮነ፡ ነታ ነቲ ዘይውሰን ኣምለኽ ኣብ ማኅፀና ዝወሰነት፡ ብንጽሕናኣ ኣብኣ ከም ዝኃድርን ካብኣ ከም ዝውለድን ዝገበረቶ፡መዝ 45፡11 132፡13 ሉቃ 2፡7 ንትሽዓተ ወርኅን ኃሙሽተ መዓልትን ኣብ ከርሳ ዝፀረቶን፡ብግናዕ ኣእዳዋ ሓቝፋ ጸባ ዘጥበወቶን ፡ካብ እቲ ናይ ዲያብሎስ መኅደሪ ዝኾነ ጨካን ንጉስ ሄሮድስ ንምድሓን ሓዚላቶ ፈቖዶ ሳህራን ቁርን በረኻን ሃሩርን የእጋራ ደም ክሳዕ ዝነዝዕ እሾኽ እናወግኣ፡ሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርኅን ምስኡ ዝተሰደት /ራኢ 12፡6 ማቴ 2፡13/፡ ኣብ ጊዜ ስቕለቱውን ወዳ ካብ ሃና ናብ ቀያፋ ካብ ጲላጦስ ናብ ሄሮድስ ከመላልስዎ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይና ክጸፍዕዎ ክገርፍዎ ከላግጽሉን ጡፍ ክብልሉን፡ ብኹርማጅ ክገርፍዎን ንስለ ኃጢአት ደቂ ሰብ ኣብ መስቀል ዕራቖቱ ክሰቕልዎ ዝራኣየትን፡ ከምቲ ስምኦን ኣረጋዊ ዝተነበየላ ሉቃ 2፡34 መሪር ኃዘን ዘኅለፈት ርኅርኅቲ ወላዲቱ ድንግል ማርያም ዝኣተወላ ቃል ኪዳን ደኣ ማዕረ ኽንደይ ዝኸበረን ዝዓበይን ዘይከውን።
እስኪ ሰሚዕና ምእንቲ ኽንትግብሮን ክንባረኽን፡ ነዛ ቕድሰቲ ኣደ ዝታአተወላ ቃል ኪዳን ንምስማዕ እዝነ ልቦናና ኸፊትና ጽን ንበል። ታሪኹ ከምዚ እዩ ጐይታ ብዕለተ ዓርቢ ኣብ ዕጸ መስቀል ኮይኑ ካብ ዝተዛረበን ሾብዓተ ናይ ርኅራኄ ቓላት እታ ሓንቲ “እነሀት ኣዴኻ” ትብል እያ ኔራ /የሓ 19፡27/። ቅዱስ ዮሓንስ ነዚ ቓል ናይ ጐይታ ብምኽባር ናብ ቤቱ ወሰዳ። እንተ ኾነ ግና ናይ ነገር ወላዲት ናብ መቓብሩ ብምኻድ ንግሆ ንግሆ ኣብኡ እናነብዐት ትጽሊ ነበረት።ሓንቲ ካብ መዓልታት ማለት በዛ ሕጂ ተጋቢእናላ ዘለና ክብረቲ ዕለት የካቲት 16 ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ መቓብሩ ኮይና እናጸለየት ከላ፡ ብሃንደበት እልፊ ኣእላፋት ቅዱሳን መላእኽቲ ኣኸቲሉ ብምምጻእ አዚ ንዅልና ኣመንቲ ክርስቶስን መፍቀርቲ ቅድስት ድንግል ማርያምን ዝኾና ምእመናን ዓቢይ ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን ተዋህበት፡ “ስምኪ ዝጸውዐ፡ ቤተክርስትያን ብስምኪ ዝሓነፀ ኢሰ 54፡6 ማቴ 174፡ብስምኪ ንጥሙያት ዘብለዐ ዝጸምኡውን ዘስተየ ማቴ 10፡40-41፡ዕሩቓት ዘልበሰ ኅዙናት ዘጸናንዐ፡ ውዳሴኺ ዝጸሓፈ ወዱ ወይ ጓሉ ብስምኪ ዝሰየመ ኣነ ክምሕረልኪ ቃል ኪዳን አትየልኪ ኣለኹ” /ዘሰነ ጎልጎታ/።እዚ ኪዳን ዝተቐበለቶ ደኅሪ ዕርገት ጐይታና የካቲት 16 እዩ።
ከምቲ ኣብ 2ይ መጽሓፈ ነገስት 13፡23 ተጻሒፉ ዘሎ “እግዚአብሔር ግና ደንገጸሎም ስለ እቲ ምስ ኣብርሃም ይስሐቅን ያዕቆብን ዝኣተዎ ኪዳኑ ኢሉ ድማ ገጹ መለሰሎም ከጥፍኦም ከኣ ኣይፈተወን፡ ክሳዕ ሕጂውን ኣብ ቅደሚ ገጹ ኣይደርበዮምን” ዝበሎ እንደገናውን ኣብ ዘፀ 32፡13 “ንኣብርሃም ንይስሓቅ ንእስራኤል ንኣኣቶም፡ ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝኆ እየ፡ እታ ዝተዛረብኩላ ምድሪ ድማ ብዘላ ንዘርእኹም ክህቦ እየ፡ንዘለዓለም ካኣ ክርስተይዋ እዮም ኢልካ ብርእስኻ ዝመሓልካሎም ንባሮትካ ዘክር” እግዚአብሔር ድማ ካብቲ ኽገብሮ ኢሉ ዝሓሰበ ክፉእ ሰለቲ ንኣብረሃምን ይስሓን፡ያዕቆብን ዝኣተወሎም ቃል ኪዳን ክብል ተጣዕሰ” ዝበሎ፡ ደጊሙ ኣብ 1ይ መጽሓፈ ነገስት 11፡32 ውን ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ካብ ኵለን ከተማታት ነገዳት እስራኤል ዝኃረኽዋ ኢዮርሳሌምን ግና እቲ ሓደ ነገድ ንኣኡ ይኹን” ዝበሎ ሕጂ ኻኣ ነዞም ብሓሳብ ሥጋ ተዋሒጥና ሕጊ ኣምላኽ ንምፍጻም ዝኣበናን፡ ካብ ብዘኂ ኃጢኣትና ዝተላዕለ ፍቕሪ ኣብ መንጎና ዛሕቲላ ብዓመጽን ጥቕሚ ገንዘብን ንጻደፍ ዘለና፡ ሓደ ልቢ ብምዃን ንኣምላኽና ከይነገልግል፤ ብዓደይ ዓድኻ ብቛንቋ፡ብዓሌት፡ብኣውራጃን ተኸፋፊልና፡ ናይ ምምሳል ጥራይ እምነት ኣለትና እናበልና ዝጠፋእና ደቃ ብቓል ኪዳና ትሓልወና። ልኡል እግዚአብሔር ኣምላኽና ከምቲ ምስ ዝቐደሙ ኣቦታትና ዝነበሮ ፡ሕጂውን ምሳና ስለ ድንግል ኣዲኡ ክብል፡ካብ ኵሉ ዓመጻና ከንጽሓናን ኣብዚ ክፉእን ኣጨናቕን ጊዜ ልብና ናብ እምነት መሊሱ ክቕድሰና፡ ንሃገርናን ንዓለም ምሉእን ሰላሙ ክህበና፡ንቅድስቲ ቤተክርስትያና ፍቕርን ሓድነትን ክዕድለናን ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።
ምሥጋና ንእግዚአብሔር ንወላዲቱ ድንገልን ንመስቀሉ ክቡርን ንዘለዓለም ኣሜን
።

No comments:
Post a Comment