ብ1204 ዓ.ም ዓጽሙ ብመስቀላውያን (ወተሃደራት) ካብ ቁስጥንጥንያ ናብ ሮማ ተወስደ። ኣብ ሮም ቫቲካን ድኅሪ ምጽንሑ ብናይ ሮማ ሊቀ ጳጳስ ብዮሓንስ ጳውሎስ 2ይ ብ27 ኅዳር 2004 ዓ.ም ናብ ቁስጥንጥንያ ተመልሰ።
11. ሓፈሻዊ ሰብእናኡን ጠባዩን
ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዕብየትን ሕያውነትን፡ ፍሉይ ተውህቦን ፍጹም ሃይማኖተኛነትን ብሓደ ኣወሃሂዶም ካብ ዝኃዙ ኃዲግዎም ብዝኸዱ ብድርሳናቶምን (ጽሑፋቶምን) ብኣርኣያነቶምን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቀጻልነት ብዘለዎ ኵነታት ኣብ ኵሉ ዘመናት ደስ ዘብል ምዕባለን ኣወንታዊ ተጽዕኖን ካብ ዘኅደሩን ውሑዳት ቅዱሳን ኣቦታት ሓደ እዩ። ንሱ ንዘመኑ ትኽክለኛ ሰብ ነበረ፡ ንዅሉ ዘመንውን ትኽክለኛ ሰብ እዩ። ጎሊሑ ዝርአ መሪሕ ባህታውነቱን፡ ገዳማዊ ሕይወቱን ነበረ።
እቲ ኣብ ብሕትውና እንከሎ ዚተጐድአ ጥዕናኡ፡ ኣብቲ ዚተረፈ ናይ ሕይወት ዘመኑውን ብቐጻሊ የሸግሮ ነበረ። ብፍላይ ድማ ካብ ብዝኂ ትሕርምቲ ዚተላዕለ ብዝፈጠረሉ ከቢድ ናይ ውሽጢ ሕማምን፡ ብርቱዕ ሕማም ርእስን ይሳቐ ነበረ። በዚ ምኽንያት ድማ ዋላ እኳ ብሓፈሻ ጠባዩ ግብጃታትን ካልኦት ገልጠምጠማትን ዘይፈቱን ዘይካፈልን እንተ ነበረ፡ ክርከበሎም ኣብ ዝግባእ ሓደ ሓደ ማኅበራውን ሥርዓታውን ጉዳያትን ኵነታትን ንምርካብን ንምክፋልን ይሽገር ነበረ። ጸላእቱ ካብኡ ኪረኽቡዎ ዝኸኣሉ ማለት እዚ ጌጋ ነይሩዎ ዝበሉዎ ነገር እንተ ነይሩ ኸኣ እዚ እዩ፡ “ምስ ሰብ ኣይሕወስን እዩ፡ ሰብ ኣይፈቱን እዩ” ይብሉዎ ነበሩ።
ምስ ኵሎም ክፍልታት ናይ ኅብረተ ሰብ፦ ምስ መንእሰያትን ዓበይትን፡ ምስ ኣወዳትን ኣዋልድን፡ ምስ ድኻን ሃብታምን ርእሱ ኣትሕት ኣቢሉ ብናጽነት ይሕወስ ነበረ። ካብ ኵሉ ወገን ድማ ኣዝዮም ዝፈትዉዎ ብዙኃት ፈተውቲ ነበሩዎ። ጸላእቱውን ከምኡ ነበሩዎ። እንተ ኾነ ግና እቶም ዚፈትዉዎ ንእኡ ዚነበሮም ፍቕሪ ካብ ሞት ዝኅይልን ካብ ሲኦል ንላዕሊ ድማ ዘቃጽልን ፍቕሪ ነበረ። ብርግጽ ኣብቶም ዚፈትዉዎ ሰባት ክሳዕ ክንድዚ ዝኣክል ዝፍቶ ካብ ኮነ፡ እቶም ዝፈትዉዎ ማዕረ ኸንድዚ ኣጥቢቖም ከም ዘፍቅሩዎ ዝገበሩዎም ምኽንያታት፡ ነቶም ዝጸልእዎ ድማ ከም ዝጸልእዎ እንተ ገበሩዎም ምኽንያታዊ እዩ። እዚ ኵነታት ናይቶም ዚፈትዉዎ ሰባት ኣብቶም ኣብ ዘመኑ ዚነበሩ ሰባት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኵሉ ዘመናት ንዝተንሥኡን ናቱ መንነትን ሕይወትን ዝፈለጡን ሰባትውን ንቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዝነበሮም ፍቕሪ ኣዝዩ ጽኑዕን ኪግለጽ ዘይክእልን እዩ። ብቕድስና ሕይወት፡ ብሓቅነት፡ ብዘይካ ንእግዚአብሔር ንዋላ ሓደ ዘይምፍራህ ብቕኑዕን ንጹሕን ሕሊና፡ ብርኅራኄን ንኽርስቶስ ብምፍቃርን፡ ንኽብሪ ክርስቶስ ጥራይ ብምንባርን፡..ብዅሉ ነገር ፍጹም ኣርኣያ እዩ። ንእኡ ምዝካር ፍሉይ ስምዒት ይፈጥር። ኣብ ላዕሊ ከም ዚተገለጸ፡ ቀንዲ ኣብነት ገይሩ ዚወስዶ ንቕዱስ ጳውሎስ እዩ ነይሩ። ከምኡውን ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ፍቕርን ተፈታውነትን ነበሮ። ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዕለታዊ መግቡ ነበሩ። ንምእመናን ይኹን ንካህናት ድማ ደጋጊሙ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመሃሩን ከጽንዑን ከም ዘለዎም ብዕቱብ ይመክር ነበረ። ምንጪ ናይ ብዙኃት ጌጋታት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ካብ ዘይምምሃርን ዘይምፍላጥን እዩ ድማ ይብል።
ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ንጹሕ ሰብ፡ ናይ ተግባር ክርስቲያንን ናይ ሰባኽያን ንጉሥን ነበረ። ሓደ ናይ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ፈላጥ ከምዚ በለ፦ “ሓደ ካህን ኪኾኖ ብዛዕባ ዝግባእ ነገር ኣብ ጊዜ ጉብዝናኡ ብውዕዉዕ መንፈስ ኣብ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ዝገለጾ ሥጋ ዚለበሰ ሰብ ኪገብሮ ዝኽእል ዘበለ ክሳዕ እቲ ናይ መወዳእታ ደረጃ ኣብ ሕይወቱ ብተግባር ፈጸሞ።” ናይ ካልእ ኃዉ መንፈሳዊ ሕይወት ክዓብን ክጸንዕን ከም ዘለዎ ምግባር ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ኃላፍነት ከም ዝኾነ የረድእ ነበረ። “ካልኦት ንምድኃን ኢሉ ዋላ ሓንቲ ጻዕሪ ካብ ዘይገብር ክርስቲያን ንላዕሊ ዘኅዝን የልቦን። ኣወዳት ይኹኑ ኣዋልድ ድኽነቶም ወይስ ትሑት መነባብሮኦም ወይስ ካልእ ነገር ካብዚ ዓቢይ ኃላፍነት ናጻ ኺገብሮም ኣይክእልን እዩ” ይብል።
ናይዚ ቅዱስ ኣቦ ዜና ሕይወት ብዝምልከት ኣስፊሖም ካብ ዚጸሓፉ ብዙኃት ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ጸኃፍቲ ሓደ ንሱ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ርኢቶኡ ዝሃበ ካልእ ሰብ፡ ናቱ ጕድለት እዩ ዝበሎ ቃል ክዛረብ ከሎ ከምዚ ከም ዝበሎ ይገልጽ፦ “ዘይውፃእ ነገር ጀመረ፡ ማለት ንካህናት ምስትኽኻልን ናይ ቤተ መንግሥቲ ሹማምንቲ ብሓቅን ብዘይ ኣድልዎን ኪሠርሑ፡ ኵላቶም ብሓቅን ንሓቅን ጥራይ ኪነብሩ ከም ዘለዎም ንምግባር ተላዕለ፡ ካብ ኵሉ ኩርንዓት ጸላእቱ ኣብ ልዕሊኡ ሓደ ኾይኖም ንኽተኣኻኸቡሉን ንኽኃብሩሉን ድማ ዕድል ሃቦም። እዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ድማ ንጸላእቱ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ከም ዝለዓሉ ናይ ምግባርን ናይ ምፍልላይን ናይ ዲፕሎማሲ ሥራሕ ስለ ዘይፈልጥ እዩ።”
እቲ ጸሓፊ ነዚ ርኢቶ እዚ ንዝሃበ ሰብ ክምልሰሉ ኸሎ ድማ ከምዚ በለ፦
“ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ናይ ቢዛንታይን “ዲፕሎማት” እንተ ዝኸውን ነይሩ ሓደ ምስቲ ሓደ እናጋጨኻን ካልእ ሜላታት እናተጠቐምካን ንጸላእትኻ ናይ ምድኻም ሜላ ኪህልዎን ነዚ ሜላ እዚ ድማ ኪጥቀምን ይኽእል ነይሩ ይኸውን፡ ከምዚ ገይሩ ነይሩ እንተ ዝኸውን ግና ንሱ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣይምኾነን ነይሩ። ኣብ ዘመኑ ዚነበረን ብድኅሪኡ ኣብ ኵሉ ዘመን ዚትንሥእ ትውልድን ነቲ ክሳዕ ጥርዚ ዚበጽሐ፡ ካብ ክፍኣትን ተንኮልን ናጻ ዝኾነ እንከን ዘይብሉ ፍጹምነትን ሓቀኛነቱን፡ ኣዝዩ ብዓቢይ ኣኽብሮትን ፍቕርን ክርእዮን ከፍቅሮን ኣይምኸኣለን። ንሱ ከምዚ ካብ ዚነበረሉ ዘመን ጀሚሩ ዓቢይን ፍቱውን ኪኸውን ዝኸኣለ፡ ካብቶም ኣብ ዘመኑ ዚነበሩ ኣድመኛታትን ዲፕሎማትን ዚተፈለየ ስለ ዚነበረ እዩ። እወ ብደገ ክርአ ኸሎ ንጊዜኡ ተሳዒሩ እዩ፡ እንተ ኾነ ግና ብናይ ኵሉ ዓለም ናይ ሕሊና ፍርዲ ዘለዓለማዊ ናይ ሞራል ዕዉት (ሰዓሪ) እዩ።”
ኃጢኣትን ግፍዕን ፈጺሙ እዩ ዝጽየፍ፡ ንኃጥአን ግና ብንስሓ ናብ ኣምላኾም ምእንቲ ኺምለሱ ብምጽንናዕ የበራትዖም። ንሰባት ምምሃርን ምእማንን ደኣ እምበር ምግዳድ ግቡእ ከም ዘይኮነውን የረድእ ነበረ። ብዛዕባዚ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ነይሩ፦ “ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ክርስቲያን ንናይ ኃጢኣተኛታት ጌጋ ብኃይሊ ከነስተኻኽል ኢና ንኸይብሉ ተኸልኪሎም እዮም።... ንሰብ ብኃይሊ ዘይኮነስ ብምእማን (ኣእሚንካ) ዚኃሸ ሰብ ኪትገብሮ ግቡእ እዩ። ኃጢኣተኛታት ካብ ኃጢኣቶም ደው ንምባል ብሕጊ ዚተዋህበ ሥልጣን የብልናን፡ እንተ ዝህልወና እኳ ከመይ ገይርና ኪንጥቀመሉ ከም ዘለና ኣይንፈልጥን ኢና። እግዚአብሔር ነቶም ካብ ክፍኣት ብኃይሊ ዘይኮነስ ብፍቓዶም ዚተሓለዉ እዩ ኣኽሊል ዝህቦም።” ስለዚ ኵሉ ሰብ ብፍቓዱ ካብ ኃጢኣት ኪፍለን ናብ እግዚአብሔር ብሓቀኛ ልቢ ኪቐርብን ሰብ ጸጋን ሰበ ሥልጣናትን ግፍዒ ንኸይፍጽሙን ካብ ጽድቂ ድማ ንኸይርሕቁን ንዋላ ሓደ ከይፈርሀን ገጽ ርእዩውን ከየዳለወን ናይ ወንጌል ሓቂ ብቐጥታ መሃረ። ንድኻታት ኣጸናንዐ። ስለዚ ሓደ ጸሓፊ ብዛዕባዚ ኪጽሕፍ ከሎ፦ “ንዝተደላደሉ የሰንብዶም፡ ንዝተጨነቑ ድማ የጸናንዖም” በለ።
ብዛዕባ ሃብቲ ኣመልኪቱ ብዓል ጸጋ (ሃብታም) ምዃን ዘይኮነስ፡ ገንዘብ ንጽድቂ ዘይምውዓልን ካብኡ ኃሊፍካ ሃብትኻ ንኃጢኣት መሥርሒ ምስ ትገብሮ እዩ ኃጢኣት ዝኸውን ብምባል መሃረ። “ሃብቲ ኣይነወግዝን ኢና፡ ነቲ ንእኡ ተኸቲሉ ዝመጽእ ትዕቢት ግና ነወግዝ” ይብል። ድኻታትውን ድኻታታት ብምዃኖም ጥራይ ኣብ እግዚአብሔር ፍሉይ ኣረኣእያ ከም ዘይግበረሎም ከስተውዕሉ ከም ዘለዎም የረድእ።
ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ትኽ ዝበለ እዩ ነይሩ። ብጽልኢ ናይቶም ሕንቁቓትን ብልሹዋትን ናይ ቤተ መንግሥቲ ካብ ዕላማኡ ሓንቲ ስድሪ እኳ ፈቐቕ ኣይበለን። ካብቲ ናይ መጀመርታ ስደቱ ድኅሪ ምምላሱ፡ ልክዕ ከምቲ ቕድሚኡ ዝምህሮ ዚነበረ ሕጂውን ንኃጢኣትን ንኽፍኣትን ንግፍዕን ካብ ምቅዋም ድኅር ኣይበለን። ቤተ ክርስቲያን ንሹማምንትን ሰበ ሥልጣናትን ከም ትደንን ኣይገበራን፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሉዓላዊነት ንዋላ ሓደ ኣኅሊፉ ኣይሃበን። በዚ ድማ ምእንቲ ሓቂ ናይ መወዳእታ ዋጋ ከፈለ። ተጋድሎኡን ሕይወቱን ካብቲ ኣብ ኣንጾኪያን ኣብ ቁስጥንጥንያን እንከሎ ዚነበሮ ንላዕሊ ኣብ ስደቱ ብዝተቐበሎ መከራ ብሰማዕትነት ተኃትመ። ናይ ሠለስቲኦም ዓመታት ናይ ስደትን መከራ ጊዜያት ናይ ሕይወቱን ተጋድሎኡን ናይ ክብሪ ኣኽሊላት እዮም። ዋላ እኳ ብቐጥታ ክሳዱ ተሰይፉን ደሙ ኣፍሲሱን እንተ ዘይሞተ፡ ንሃይማኖት ክርስትናን ንሓቅን ክብሉ ዝኾነ ዓይነት መከራ ንምቕባል ድሉዋት ምስ ዝኾኑ ምስቶም ሓቀኛታት ሰማዕታት ወገን (ሰማዕታት ዘእንበለ ክዕወተ ደም) ሕያዋይ መስካሪ ሰማዕት እዩ።
ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብሕይወቱን ካብኡ ንላዕሊ ድማ ብዘኅዝን ኣማውታኡ ኣብ መዓሙቕ ልቢ ናይ ምእመናን ተኃቲሙ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ሕይወቱን ዚሠርሖም ሥራሓትን ኃዲጎምዎ ኣብ ዝኸዱ ዓሚቚን ሰፊሕን ዝኾነ ኣሰር ግልጺ ኾይኑ ይርአ ኣሎ። ተፈታውነቱን ዕብየቱን ድማ ብሓፈሻ ኣብቶም ናይ ታሪኽ ሰባትውን ከይተረፈ እዩ። ብዘይካ እቲ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ጸሓፊ ዝኾነ ኣውሳብዮስ ዘቂሣርያ ሳድሳይ መጽሓፉ ዳርጋ ብምሉኡ ኪበሃል ብዝኽእል መልክዑ ብዛዕባኡ ዚጸሓፈሉ ኦሪገን እንተ ዘይኮይኑ፡ ከም ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ገይሩ ብዛዕባ ሕይወቱን ቅድስናኡን ዚተጻሕፈሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦ የልቦን። ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ይኹን ተመሳሳሊ ድርሳናት ብዓይነት ይኹን ከም ናቱ ገይሩ ዚተጻሕፈሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦ የልቦን። ብዛዕባኡ ኣብ ዘዘመኑ ኣዝዮም ብዙኃት ተጻሒፎም እዮም።
ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ገና ካብ መጀመርታኡ ኣትኂዙ ንሃይማኖታዊ ጉዳያት መወከስን ምስክርን ተገይሩ ይውሰድ ነበረ። ብ431 ዓ.ም ኣብ ኤፌሶን ኣብ ዚተኻየደ ሣልሳይ ዓለምለኻዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጉባኤ ቅዱስ ቄርሎስን እቲ ጉባኤ ብሓፈሻን ከም መወከሲ ገይሩ ካብ ዘቕረቦምን ዝሰምዖምን ናይ ኣቦታት ትምህርታት ሓደ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ እዩ። ከምኡውን ኣብ ሳምናይ ክፍለ ዘመን ንቕድሳት ሥዕላት ኪወሃቦም ብዛዕባ ዝግባእ ክብርን፡ ኣብ ክርስትና ሥዕሊ ምጥቃም ይግባእዶ ኣይግባእን ብዘብል ክትዕ ምኽንያት ኣብ ዚተኣከበ ሓደ ጉባኤ፡ ንቕድሳት ሥዕላት ግቡእ ዝኾነ ኣኽብሮት ኪወሃቦም ከም ዝግብኦ ዚገልጽ ካብ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ትምህርቲ ዚተረኽበ ምንባብ ምስ ተነበበ፡ ካብቶም ተኣኪቦም ዚነበሩ ሓደ ጳጳስ ብድድ ብምባል “ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብዛዕባ ቅድሳት ሥዕላት ኣመልኪቱ ከምዚ እንተ ተዛሪቡ፡ ካብ ናቱ ተጻራሪ ኪዛረብ ደኣ መን ይኽእል፧” ብምባል ዓው ኢሉ ተዛረበ። እዚ ዅሉ እዚ ዘርእየና ድማ ተቐባልነቱ ኣብ ከመይ ዝበለ ደረጃ ከም ዝበጽሐ እዩ። ብ407 ዓ.ም ዚተፈጸመ ናይዛ ዓለም ድኻሙን ሥራሑን ካብቲ ጊዜ ጀሚሩ ናይ ክርስቲያን ሕይወት ኪኅግዝን ከብርህን ይነብር። ልዕሊ ዝኾነ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዕለታዊ ምንቅስቓስን ሕይወትን ዚተቐደሰ ተጽዕኖኡን ኣሰሩን ጎሊሑ ይርአ።
ኣብ ሞስኮ (ሩስያ) ዝርከብ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ገዳም (1882)
ሓደ ናቱ ዜና ሕይወት ዝጸሓፈ ኣብ ዘመኑ ዝነበረ ጸሓፊ ከምዚ በለ፦ “ንትምህርትን ንጥቕሚ ናይ ወዲ ሰብን ክኸውን፡ ከምኡውን ነቶም ኣብቲ ዓቢይ ዝኾነ ናይ ኤጲስቆጶስነት ተግባር ዝዋፈሩ ኵላቶም ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣርኣያኦም ንኽገብሩዎ፡ ብዛዕባኡ ዝሰማዕኩዎ ኣብቲ ዝጸበቐ ብራና ብብርዒ እጽሕፍ ኣለኹ።”
ሓደ ካልእ ናቱ ትምህርቲ ጽቡቕ ገይሩ ዘንበበ ሰብ፡ ካብኡ ዝረኸቦ ጥቕምን ዘኅደረሉ ጽቡቕ ተጽዕኖን ክገልጽ ከሎ፦ “ካብ ሓደ ሽሕ ንላዕሊ ዝኾኑ ናቱ ትምህርታት ኣንቢበ ኣለኹ፡ ካብኣቶም ድማ ካብ ውሽጦም ኪግለጽ ዘይክእል ፍሉይ ጣዕሚ እዩ ዝፍልፍል። ካብ ሕፃንነተይ ጀሚረ ንእኡ ብምፍላጠይ ኣዝዩ ደስ ይብለኒ። ንድምፁ ድማ ከም ናይ እግዚአብሔር ድምፂ ገይረ እየ ዝሰምዖ። በዚ ኣነ ፈሊጠዮ ዘለኹን ኮይነዮ ዘለኹን ኵሉ ድማ አመስግኖ” በለ።
ኣብ ናይ ስደት ጊዜኡ ዝተቐበሎ ኣደልፊዮስ ዝተባህለ ጳጳስ “ንቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣርእየኒ” ኢሉ ንአግዚአብሔር ሓተቶ። እግዚአብሔር ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳን ሊቃውንትን ኵሎም ቅዱሳንን ኣርኣዮ፡ ንቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ግና ኣየርኣዮን። ብድኅርዚ እናኀዘነ ክወፅእ እንከሎ ናይ እግዚአብሔር መልኣኽ ረኣየ እሞ “ነዚ ዅሉ ክብሪ እዚ ርኢኻስ ከመይ ኢልካ ትኃዝን” ምስ በሎ “ኣይ ነቦይ ንቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ስለ ዘይረኣኹዎ እየ” በሎ እሞ እቲ መልኣኽ ድማ “ንእኡ ገና ኣብ ምድሪ ዘሎ መዋቲ ሰብ ኣይርእዮን እዩ፡ ካብ ኵሎም ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ንላዕሊ እዩ፡ ‘ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ’ እናበሉ ምስ ዘመስግኑ መላእኽቲ ምስ ሱራፌልን ኪሩቤልን ኣብ ትሕቲ መንበረ እግዚአብሔር እዩ ዘሎ” ከም ዝበሎ ይንገር።
No comments:
Post a Comment