ምጽዋት ብቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ
እዞም ደቀይ! ነታ በዚ ጊዜ እዚ ኪትኃልፍ እያ (ኪትጠፍእ እያ) ተባሂሉ ዘይንገረላ ርስቲ መንግሥተ ሰማያት ንምውራስ ነቒሕናን ተጊህናን ትሩፋት ንኽንሠርሕ እልምነኩም ኣለኹ። ካባና ኣብ ሓንቲ ኪትፈርስን ኪጥጠፍእን ዝተቓረበት ከተማ ኸይዱ ገዛ ዝሠርሕ መን ኣሎ፧ እስከ ንገሩኒ! ሓደ ሰብ መጺኡ “እዛ ኸተማ እዚኣ ድኅሪ ሓደ ዓመት ኪትጠፍእ እያ፡ እከለ ዝተባህለት ከተማ ግና ፈጺማ ዘይትጠፍእ ዘለዓለማዊት እያ” እንተዝብለኩም፡ ኣብታ ድኅሪ ሓደ ዓመት ትጠፍእ ከተማ ኼድኩምዶ ገዛ ትሠርሑ ኢኹም፧ ብፍጹም! በሉ ንሕና ድማ ኣብዛ ኃላፊት ምድሪ ንዘለዓለም ከም ንነብር ጌርና ኣይንሕሰብ። ምኽንያቱ ንሳ ቊሩብ ጸኒሓ ኪትፈርስ እያ፡ ኣብ ውሽጣ ዘሎውን ኵሉ ኪፈርስ እዩ።
እዞም ደቀይ! ንምንታይ ኢና ገዛና ኣብ ልዕሊ ሑጻ ንሠርሕ፧ ገዛናስ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ደኣ ንሥራሕ፡፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ዝተሠርሐ ገዛና፡ ምቅጻል ሓዊ ይኹን ናይ ጸላኢ ምምጻእን ናይ ሸፋቱ ኢድን ኣየጥፍኦን እዩ። ኣብ ከውሒ ዝተሠርሐ ገዛ ካብዞም ኵሎም ሓደጋታት እዚኣቶም ናጻ እዩ።
እዞም ደቀይ! ኣብዚ ዓለም ኣብ ንሠርሖ ገዛ፡ ገንዘብ ምስራቕ ኣሎ፡ ክዳን ምግፋፍ ኣሎ፡ ጽልእን ክርክርን ኣሎ። ኣብዚ ዓለም ኣብ ንሠርሖ ገዛ ብዙኅ ኃዘንን ምስቊርቋርን ኣለዎ።
ኣብቲ ላዕለዋይ ቤትና (ኣብ መንግሥተ ሰማያት) ግና እዚ ዅሉ የልቦን። ማዕጾ ሰቢሩ ገንዘብ ዝሰርቕ ጸላኢ የልቦን። ሞተ ሥጋ ሞተ ነፍስ የልቦን። ገንዘብ ዝዝርፍ ክዳን ዝገፍፍ የልቦን። ኣብኡ ናይ ጻድቃን ሓድነት ጥራይ እዩ ዘሎ። ጻድቃን ኣብ ዘለዎ ድማ ተድላ ደስታን ብፅዕናን ኣሎ። መንግሥተ ሰማያት ንዘለዓለም ጸኒዓ ስለ ትነብር ኅልፈትን ጥፍኣትን የብሎምን። በዓል ቤታ (ዋናኣ) ኣይነዋወጽን ኣይለዋወጥን እዩ። ኣብኣ ዝኃልፍን ዝጠፍእን የልቦን። ኵሉ ካብ ኅልፈት ዝረሓቐ እዩ።
ስለዚ እዞም ደቀይ! ዘለና ገንዘብ (መዋእለ ንዋይና) ኣብዛ ቤት እዚኣ ነፍስሶ። ነዛ ቤት እዚኣ ንምሥራሕ ነዳቖን ካልኦት ሓነፅትን ኣየድልዩናን እዮም። ነዛ ቤት እዚኣ ኪሠርሑ ዝኽእሉ ናይ ነዳያን ኣእዳው እዮም። ነዛ ቤት እዚኣ ኪሠርሑ ዝኽእሉ፡ ሓንካሳትን ሕሙማትን እዮም። ነዛ ቤት እዚኣ (ንመንግሥተ ሰማያት) እዚኣቶም ዝሓንፁልና ምዃኖምን ከምኡውን ኣብ እግዚኣብሔር ዓቢይ ክብርን ተፈታውነትን ዘምጽኡልና ምዃኖምን ኣይትደነቑ። ምኽንያቱ ምጽዋት ከምዚ ዝበለት ፍጽምቲ ሥራሕን ነቲ ዝሠርሓ (ዝምጽውት) ሰብ ድማ ሓላዊቱን እያሞ ኣይትደነቑ። ምጽዋት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣዝያ ዝተፈተወት ስለ ዝኾነት ኣይትደነቑ። ኵሉ ጊዜ ናብ እግዚኣብሔር ቀረባ እያ። ንዝፈትዋ ሰብ ድማ ሥርሑ ምእንቲ ኪሳለጠሉ ኣማላዲት እያ። ብፍላይ ድማ ከይሰረቕናን ከየደናገርናን ምስ ንገብራ ተማልደልና እያ። ስለዚ ዘይተሰረቐት እንተኾይና ነቲ ዝምጽውት ሰብ ተርብሖ ፍጹም ክብሪ ኸም ዝረክብ ድማ ትገብሮ። ብኃጢአት ንዝጭነቑ ኣጋንንቲ ንዘሳቕይዎም ሰባት ተማልደሎም። ናይ ሲኦል ማእሰርቲ ትበጣጥስ፡ ንጸልማት ድማ ተርሕቕ እያ። ነቲ እሳቱ ዘይጠፍእ ዝተባህለ (ገሃንመ እሳት) ተርሕቖ። ካብቲ ሓሰኻኡ ዘይድቅሱ ዝተባህለ (ገሃንመ እሳት) ተትርፎ እያ። ኣስናን ምሕርቃም ተርሕቕ። ናይ መንግሥተ ሰማያት ደገ ትኸፍት።
ንግሥቲ ናብ ሕልፍኝኣ ኪትኣቱ እንከላ፡ ካብቶም ሓለውቲ “ንስኺ መን ኢኺ፧ ካበይከ መጺኺ፧” ኪብልዋ ከም ዘይከኣሎም፡ እኳ ደኣ ደስ ኢልዎም ከም ዝቕበልዋ፡ ምጽዋት ድማ ከምኡ እያ። “ከምቲ ኣቦኹም ርኅሩኅ ዝኾነ፡ ንስኻትኩም ድማ ርኅሩኃት ኩኑ” ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ (ሉቃ 6፡36) ብሓቂ ንልዑል እግዚኣብሔር ንኽንመስል ትገብር፡ ዝኸበረት ንግሥቲ እያ። ምጽዋት “ኣብ ማእከል መጓሰ እንተ ሓደርኩም፣ ከም ኣኽናፍ ርግቢ ብብሩር፣ ክንቲታውን ብዜንጸባርቕ ወርቂ እተለበጠ ትዀኑ” ከም ዚብል፡ ምጽዋት ከም ናይ መልኣኽ ቅልጣፈ ትቕልጥፍ። (መዝ 67፡13) ከምታ ብወርቅን ብሩርን ዘጌጸት ርግቢት ድማ ብዓይኒ ርኅራኄ ትርኢ። ከም ናይ ምጽዋት ዝመስል ኣዝዩ ዝተፈተወን ዝጸበቐን ዓይኒ የልቦን። ጣውስ (peacock) ዝተባህለት ዑፍ ኣዝያ ጽብቕቲ ዝተፈተወት ዑፍ እያ። ምስ ምጽዋት ተናጻጺራ ግና ጣውስ ክፍእቲ እያ። እዛ ዑፍ እዚኣ (ምጽዋት) ግና ኣድናቖት ዝግብኣ ዑፍ እያ። ኵሉ ጊዜ ክሳዳ ኣቕኒዓ ሰማይ ሰማይ እያ ትርኢ። እግዚኣብሔር ብዝፈጠረላ መልክዕን ጽባቐን ኣጊጻ እያ ትነብር። ብናይ ወርቅን ብሩርን ክንፊ ዘጌጸት ድንግል እያ። ንፍርዲ ኣብ ንቖመሉ ጊዜ፡ ኣብቲ ግሩም ዝኾነ ናይ ጐይታ ዝፋን ኣብ ንቖመሉ ጊዜ ብሃንደበት ኪትግለጽ እያ። ናይ ገሃንም ስቓይ ንከይረኽበና ድማ ብኣኽናፋ ጌራ ተውፅኣና። እግዚኣብሔር ካብ መሥዋዕቲ ንላዕሊ ንኣኣ ይፈቱ። ብዛዕባኣ ድማ እዩ ኣብዚኁ ዝመሃረ። ስለዚ ኣብዚኁ ድማ ይፈትዋ። ክቡር ልዑል ከሎ ብስማ ይጽዋዕ። (መዝ 146፡9) ብስማ ርኅሩኅ ዕጉሥ ይበሃል። (መዝ 145፡8) ብስማ ብሓቂ ይቕሬታኡ ዝበዝኀ እዩ ይበሃል /ሮሜ5፡10። ሰማዕትነት ኣየምልጥኩምን ካልኦት ካብ ትብል መጽሓፍ ካብ ገጽ 60 ዚተወስደ/።
No comments:
Post a Comment