1.8 ትምህርተ ጾም ብሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን
ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናንዙ፦ “ኣዝዮም ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ዝኾኑ ኣብነታት ምኽታል እንታይ ይጠቕመኩም፧ ኣብ ምግባር ኪትዋፈሩ እንከለኹም ብመጠን ዓቕምኹም ደኣ እምበር፡ ንርእስኹም ኪትገብርዎም ዘይምከሩን ልዕሊ ዓቕምኹምን ዝኾኑ ነገራት እንተ ዘይገበርኩም ጽቡቕ እዩ። ኣብ ናይ ኣፈጻጽማ ደረጃ ኣብ ወንጌል ዚተፈጸሙ ታሪኻት ሎሚ ካብቲ ናይ ሽዑ ጊዜ ፍልይ ዝበሉ ኣለዉ። ንኣብነት ክርስቶስ ዝጾመ ቅድሚ ምፍታኑ ቊሩብ ኣቐድም ኣቢሉ እዩ ነይሩ፡ ንሕና ድማ ቅድሚ ትንሣኤ ንጸውም። ናይዚ ጾም ናይ ጊዜ ንውኃቱ ብዝምልከት እቶም መዓልታት 40 መዓልታት እዮም፡ ናይቲ ጾም ዘመን ብዝምልከት ግና ፍልልይ ኣሎ። ንኣና እዚ ጾም እዚ ምስ ክርስቶስ ናይ ሙማትና ኣምሳል እዩ። ጾምና ርእስና ንበዓለ ትንሣኤ ንምድላው ነንጽሓሉን ንቕድሰሉን መሣርሒ እዩ። ከምኡውን ጐይታና ንሱ እግዚአብሔር ስለ ዝኾነ ንኣርብዓ መዓልታት ብተኸታተሊ ጾመ። ዋላ እኳ ሓደ ሓደ ሰባት ንጾም ካብ ዘለዎም ፍሉይ ፍቕርን ቅንኣትን ተበጊሶም ጾሞም ንንውኅ ዝበለ ሰዓታትን መዓልታትን እንተነዋውኅዎ፡ ንሕና ግና ኺንጸውም ከለና ብተኸታታሊ ዘይኮነ፡ ክሳዕ ዚተወሰነ ሰዓት እናጾምና ከም ዓቕምና መጠን ንገብር። ብተወሳኺውን ንደቀ መዛሙርቱ ምሥጢረ ቊርባን ዝሃቦም ኣብ ደርብን (ርሻንን) ድኅሪ ድራርን ቅድሚ ስቕለቱ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙን እዩ ነይሩ። ናትና ግና ምሥጢረ ቊርባን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድሚ መግቢ ምብላዕናን ድኅሪ ትንሣኤን እዩ። ንሱ ዝገበሮም ነገራት ካባናን ካብቶም ንሕና ንገብሮምን ዚተፈለየ ኣይኮኑን፡ እንተ ኾነ ግና ኣፈጻጽማኦም ብዝምልከት ምስ ጊዜን ኵነታትን ፍጹም ዝኾነ ተመሳሳልነትን ሓድነትን ዘይብሎም ነገራት ኣለዉ። ኮይኑ ግና ንኣና ዚተመኃላለፉልና ንምግባርን ንምፍጻምን ዝግብኣና ነገራት ኣርኣያን መሠረትን ንኽኾኑና እዩ” /ትምህርት በእንተ ጥምቀት ቊ 30/
ቅዱስ የሓንስ ኣፈወርቅ፦ ጾም መድኃኒት እያ። ኣወሳስዳኣ ብዝግባእ ንዘይፈለጣ ግና ጥቕሚ የብላን። ነዛ መድኃኒት እዚኣ ዝወስድ ሰብ፡ ኣብ ከ ክንደይ ሰዓት ኪትውሰድ ከም ዘለዋ፡ ክንደይ ዝኣክል መጠን ክውሕጥ ከም ዘለዎ፡ ንምንታይ ዓይነት ሕማም ከም እትጠቅም፡ ኣበየናይ ኣዋርኅን ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኣየርን ከም ትውሰድ፡ ምስኣ ዝኸዱን ዘይከዱን ዓይነት መግብታትን ካልኦት ምስኣ ዘይሰማምዑ ነገራትን ፈልዩ ኪፈልጥ ኣለዎ። ነዚኣቶም ኣብ ግምት ከየእተና ንወስዳ እንተኴንና ግና ካብ ጥቕማ ጕደኣታ እዩ ዚዓቢ። ሓደ ብሓኪም ዝተኣዘዘልና ናይ ደዌ ዘሥጋ መድኃኒት ብትኽክል እንተወሲድናዮ፡ ካብ ሕማምና ንፍወስ፡ ናይ ነፍስና ደዌ ንምፍዋስ ኢልና መድኃኒት ኣብ ንወስደሉ ድማ ካብዚ ብዝበለጸ ኺንጥንቀቕ ይግባእ።
ጾም ኵለንተናና ንልውጠላ መሣርሒ እያ። ምኽንያቱ ናይ ጾም መሥዋዕቲ ማለት ካብ መግቢ ጥራይ ምኽልካል ማለት ዘይኮነስ ካብ ኵሉ ኃጢአት ምኽልካል ስለ ዝኾነ። ስለዚ ይጸውም ኣለኹ እናበለ ነብሱ ካብ መግቢ ጥራይ ዝኽልክል ሰብ እንተሎ፡ ንሱ ንጾም የቃልል ከም ዘሎ ይፍለጥ። ትጾሙ ዲኹም ዘለኹም? ከምኡ እንተኴንኩም ጾምኩም ብተግባር ኣርእዩኒ? ከመይ ጌርና ከነርእየካ? ትብሉኒ ትኾኑ። ኣነ ድማ ከምዚ ኢለ ኺምልሰልኩም እየ። እቲ ድኻ ረድኤትኩም ምስ ዝደሊ ርኅራኄ ግበርሉ። ዝጸላእኩሞ ሰብ እንተርኢኹም ጎይኹም (ቀልጢፍኩም) ተዓረቕዎ፡ ዓርክኹም ብዅሉ ነገር ዕዉት ኮይኑ ኵሉ ነገር ተደላዲልሉ እንተርኣኹም ብኡኡ ኣይትቕንኡ። ጽቡቓት ደቂ ኣንስትዩ እንተረኣኹም ንዝሙት ኣይትመነዩ። ከም’ዚ እናገበርኩም ጾምኩም ብትኽክል ኣርእዩኒ።
ብኻልእ ኣገላልጻ ኣፍኩም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣዒንትኹም ኣእጋርኩም ኣእዳውኩምን ኵሉ ናይ ስምዒት ህዋሳትኩምን ይጹም። ኣእዳውኩም ናትኩም ዘይኮነ ነገር ካብ ምውሳድ፡ ካብ ምስራቕ ይጹም። ኣእጋርኩም ሥራሕ ኃጢአት ንምፍጻም ካብ ምጉያይ ይጹሙ። ኣዒንትኹም ብምኽንያት ግዳማዊ መልክዕ ካብ ምቕብዝባዝ ይጹሙ። ጥልላት ኣይትበልዑን ኢኹም ዘለኹም ሓቀይ? በሉ ዝርኣዩ ነገራት ናይ ዓይኒ መግቢ ስለ ዝኾኑ፡ ብዓይንኹም ድማ ክፉእ ነገር ኣይትብልዑ። ኣእዛንኩም ውን ይጹሙ፡ ናይ እዝኒ ጾም፡ ናይ ሓሶት ወረን ሓሜትን ዘይምስማዕ ዝኣመሰሉ እዮም። ልሳንኩምውን ካብ ከንቱ ዘረባ ይጹም። ዓሣን ካልኦት ጥልላትን ካብ ምብላዕ ተኸልኪልና ኸለና፡ ናይ ኣኅዋትና ሥጋ ብሓሜት ኪንምጅርጥ (ኪንበልዕ) ንውዕል እንተዄንና እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ? እቲ ንኃዉ ዝሓምን ዝነቅፍን ሰብ ንሱ ናይ ኃዉ ሥጋ እዩ ዘቑስል፡ ሥጋ ኃዉውን ይበልዕ። ነዚ ኽብል ድማ እዩ እቲ ሓዋርያ ኣዝዩ ብዘፍርህ ነገር ከምዚ እናበለ ዝተዛረበ “ንሕድሕድኩም እናተነኻኸስኩምን እናተበላላዕኩምን፡ ንሕድሕድኩም ከይትጠፋፍኡ ተጠንቀቑ”(ገላ 5፡15)። ኪትሓምዩ ከለኹም ናይ ኃውኹም ሥጋ ብስንኹም ኣይትነኽሱን ኢኹም። ንነፍሱ ግና ተቚስልዋ። ከምዚ ብምግባርኩም ድማ ንነብስኹምን ንኃውኹምን ንካልኦት ብዙኃትን ኢኹም ትጐድኡ።
ልሳንኩም ክፉእ ነገር ካብ ምዝራብ እንተዘይጾመ፡ እቲ ጕደኣት በዚ ጥራይ ኣይኮነን ዝሕጸር። ብሓሜትኩም ንዓኻትኩም ዚሰምዕ ኃውኹምውን ናታትኩም ተሓባባሪ ይኸውን። በዚ ምኽንያት ንእኡውን በደለኛ ትገብርዎ። ናይ ነብሱ ኃጢአት ከም ዘይርኢ ስለ ዝገበርኩሞ፡ ከይፈለጠ ምስ ናይ ጉጅለ ሓመይቲ ይሕወስ። ካብዚ ጀሚሩ ናይ ካልኦት ኣኅዋት ኃጢአት እናጸብጸበ፡ ንሱ ግና ጸዋሚ ብምዃኑ ዓቢይ ናይ ጽድቂ ሥራሕ ከም ዝፈጸመ ኾይኑ ስለ ዝስምዖ ይኾርዕ።
ምስዚ ጎኒ ንጎኒ ክርአ ዝግብኦ ካልእ ዓቢይ ጉዳይውን ኣሎ። ንሱ ድማ ንስኻትኩም ንኃውኹም ኪትሓምዩ ኸለኹም ዝሰምዑኹም ሰባት፡ ነቲ ትሓምይዎ ዘለኹም ኃውኹም ብምንቃፍ ጥራይ ደው ኣይብሉን እዮም። እንታይ ደኣ ብኣጠቓላሊ እንኮላይ ንቤተ ክርስቲያን እዮም ዚነቕፉ። ብፍላይ እቶም ዚሰምዕኹም ዘለዉ ኢኣማንያን (ዘይኣመንቲ) ምስ ዝኾኑ፡ ነቲ ዚሕመ ዘሎ ሰብ ጥራይ “ኣመንዝራ” ብምባል ደው ኣይብሉን እዮም። ካብኡ ኃሊፎም ቤተ ክርስቲያንውን ናይ ኣመንዝራታት ቤት ጌሮም ይሓስብዋ፡ ላቲ ስብሐት! ስለዚ ከምዚ ኺትገብሩ ኸለኹም ስም እግዚአብሔር ኢኹም ተጽርፉ። ንሕና ጽቡቕ ምግባር ኪህልወና እንከሎ ስም እግዚአብሔር ብኣና ምኽንያት ከም ዝምስገን፡ ክፉእ ነገር ክንገብር ከለና ድማ፡ ብኡ መጠን ስሙ ይዋረድን ይጽረፍን።
ብተወሳኺውን እዚ ትሓምይዎ ዘለኹም ኃውኹም፡ ብልቡ ንኣኹም ኪጸልእ ከም ዝጅምርን ዝገደደ ኃጢአት ንኽሠርሕን ኢኹም ትደፋፍእዎ። በዚ ምኽንያት ኣብ ዘይምልከተኩም ነገር ኢድኩም ብምስዳድ ኣብ ገዛእ ርእስኹም ፍርዲ እግዚአብሔር ተምጽኡ። እሞ ኸኣ ኣብ ናይ ጾም ኣዋርኅ!
ካባኻትኩም “ብዛዕባ ኃወይ ሓሶት ዘይኮነ ማለት ንሱ ብሓቂ ዝገበሮ ክፉእ ነገር (ዋላ ዝሠርሖ ኃጢኣት) እንተተዛረብኩኸ እንታይ ነውሪ ኣለዎ?” ዝብል ሰብ ክህሉ ይኽእል እዩ። ግዲ የብልኩምን! እቲ ተውርይዎ ነገር ዋላ እኳ ሓቂ ይኹን፡ ሕጂ ውን ዘረባኹም ካብ ነቐፌታ ኣየምልጥን እዩ። ከመይ ገይሩ? ኢልኩም ኪትሓቱኒ ስለ ትኽእሉ፡ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳሌ ኪህበኩም እሞ ዘረባኹም ከመይ ገይሩ ክፉእ ምዃኑ ኪርደኣኩም እዩ። ኣብ ወንጌል ሉቃስ (ምዕራፍ 18) ንረኽቦ ሓደ ፈሪሳዊ ኣሎ። እዚ ፈሪሳዊ እዚ ብዛዕባ ኃዉ ዝተዛረቦ ነገር ሓቂ እዩ። ሓቂ ስለ ዝተዛረበ ግና ተጠቒሙዶ ወይ ተጐዲኡ? ፍጹም ኣይተጠቐመን! ከምዚ ብምባሉ (ከም ናትኩም ኣዘራርባ ሓቂ ብምዝራቡ) ጥራይ ኢዱዶ ኣይኮነን ዝተመለሰ? ብምጻሙን ብምጽላዩን ከ እንታይ ጥቕሚ ረኺቡ? እስከ ሕጂውን ኪሓተኩም እሞ ንስኻትኩም ድማ መልሱለይ። እቲ ቐራጺ (ተቐባሊ ቐረጽ) ኃጢኣተኛዶ ኣይኮነን ዚነበረ? ካብ ወንጌል ከም ዘንበብናዮ እቲ ቐራጺ ኃጢአተኛ ከም ዚነበረ ብሩህ እዩ። እንተኾነ ግና እቲ ፈሪሳዊ ኣብ ናይ ጾም ጊዜኡ ናይ ርእሱ ኃጢአት ኣብ ክንዲ ዝሓስብ ንኃዉ ይሓሚ ስለ ዝነበረ ናይ ጾሙ ዋጋ ከይተቐበለ ባዶ ኢዱ ንገዝኡ ተመልሰ።
ኣኅዋተይ! “እከለ እኳ ከምዚን ከምቲን ኃጢአት ገይሩ እዩ” ኢልኩም እትሓምይዎ ኃውኹም፡ ካብቲ ኃጢኣቱ ኽወፅእዶ ትደልይዎ ኢኹም? ትደልዩ እንተዄንኩምሲ ስለ ኃጢአቱ ኣልቅስሉ፡ ናብ እግዚአብሔር ጸልይሉ፡ ንበይኑ ወሲድኩም ምኸርዎ እምበር ኣይትሕመይዎ። ሓዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ “ንርእስና ኣባኻትኩም ከም እነመጻርያ ካብ ቀደም ኂዝኩም ትሐስቡ ኔርኩም። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢና እንዛረብ ዘሎና። ግናኸ፡ ኣቱም ፍቑራተይ፡ ኵሉ ንምሕናጽኩም እዩ። ክመጽእ ከሎኹ፡ምናልባሽ ከምቲ ኣነ ዘይደሌኽዎ ዄንኩም፡ ከይረኽበኩም፡ ንኣይውን ከምቲ ዘይትደልይዎ ዀይነ ኸይትረኽቡኒ፡ ምናልባሽ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ኵራ፡ ሻራ፡ ሕሜት፡ ሕሽዅሽዅ፡ ምንፋሕ፡ ህውከት ከይህልወኩም እፈርህ ኣሎኹ። ክምለስ ከሎኹ፡ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሜኹም ከየዋርደኒ፡ ኣነውን በቶም ቀደም ኃጢኣት ዝገበሩ እሞ ካብቲ ዝገበርዎ ርኽሰት ምንዝርን ዕብዳንን ዘይተነስሑ ብዙኃት ከይጕሂ፡ እፈርህ ኣሎኹ” ኢልዎም ነይሩ /2ይ ቆሮ 12፡19-21/። ስለዚ ከም ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ብዓቢኡ ድማ ከም ናይ ጐይታና፡ ኃጢአተኛ እዩ ንትብልዎ ኃውኹም ኅዘኑሉ ኣፍቅርዎ ድማ።
ንበይኑ ጌርኩም ኪትመኽርዎ ኸለኹም ድማ፡ ንእኡ ንምምካርን ንምግሣፅን ካብ ኃጢአቱ ንምምላሰን እምበር፡ ንእኡ ካብ ምጽላእ ዝተላዕለ ከም ዘይኮንኩም ኣረድእዎ። ስለዚ ብትኽክል ንእኡ ካብ ሕማሙ ኪትፍውስዎ ምስ ትደልዩ፡ ናብኡ ንምኻድ ኣይትፍርሁ፡ ጌጋኡ ንምንጋርውን ኣይትፍርሁ፡ ሓካይም ርኢኹም እንተኾንኩም፡ ንሓደ ኣሸጋሪ ሕሙም ንምሕካም፡ መጀመርታ ቀስ ኢሎም ጊዜ ወሲዶም ነቲ ሕሙም የእምንዎ። ብድኅሪኡ ነቲ መሪር መድኃኒት ይህብዎ። እቲ ሕሙም ሕማሙ ዝፍወስ ሕማም እንተኔሩ ይፍወስ። ነቲ ሓኪም ዘመስግኖ ግና ምስ ደኃነ እዩ። ንስኻትኩምውን ከምዚ ሓኪም ኪትኮኑ ኣለኩም። ኣብ ክንዲ ትሓምይዎ ናይ ኃውኹም ቊስሊ ብዝገደደ ከይረክስ ቀልጢፍኩም ናብ ሕክምና (ናብ ቤተ ክርስቲያን) ውሰድዎ። ሓኪም (ካህን) ከም ዝርእዮ ድማ ግበሩ። ከምዚ እንተጌርኩም ንስኻትኩምን ኃውኹምን ኣዚኹም ኪትጥቀሙ ኢኹም። ሓቀኛ ጾም ጸዊምኩም ማለት ድማ እዚን ከምዚ ዚኣመሰለ ሠናይ ምግባርን ምስ ትገብሩ እዩ።
ንሓመይቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክፉእ ዘረባ ንዝሰምዑ ኵላቶም ኣእዛኖም ካብዚ ርስሓት እዚ ንኸርሕቁ እነግር ኣለኹ። ምስ ዘማራይ ዳዊት ብምዃን ከምዚ በሉ “ነቲ ንብጻዩ ብኅቡእ ዚሐሚ ኤጥፍኦ” (መዝ 101፡5) ካባኻትኩም ኃዉ ንምሕማይ ዝመጸ እንተሎ፡ ከምዚ ኢልኩም ንገርዎ “ብዛዕባኡ ጽቡቕ ነገር ትዛረበሉ፡ ወይ ድማ ተመስግኖ ኃው እንተሊካ ዘረባኻ ንምስማዕ ኣእዛነይ ክፉታት እየን። ክፉእ ዘረባ ክትዛረብ እንተኾንካ ግና ነዚ ርሥሓት እዚ ናብ እዝነይ ከእቱ ፍቓደና ኣይኮንኩን። ኃውኻ እከይ ምዃኑ እንተነገርካኒ እንታይ ይጠቕመኒ? እኳ ደኣ ከምዚ ብምግባርካ ነብሰይ ንኽጐድእን ነቲ ዝነበረኒ ንኸጥፍእን ኢኻ ትገብረኒ። ስለዚ ክቡር ኃወይ! ብዛዕባ ክፍኣት ናይ ኃውና ካብ ንዛረብ፡ ብዛዕባ ኃጢኣትና ነዕልል። እቶም ዝሠራሕናዮም ኃጢአታት ከመይ ጌርና ይቕሬታ ከም እንረኽበሎም ንሕሰብ። ብዛዕባ ኃጢአትና ጥራይ እንተ ንዘራረብ ንኣና ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። ኃወየ! ንገረኒ እስኪ? ኣብ ዓይንና ዘሎ ጕንዲ ዘየውፃእና በቲ ኣብ ዓይኒ ኃውና ዘሎ በሰር ምዝራብና ዝግበረልና ምሕረት ይህሉዶ ይኸውን? ንምንታይ ከ ኣብ እዝነ ልቦናና ካልእ ኵኵዕ ንውስኽ?,..”
ስለዚ ነዚ ፈሊጥና ብዅለንትናና ንጹም። ክፉእ ካብ ምዝራብ ንጹም፡ ክፉእ ካብ ምስማዕ ንጹም፡ ክፍእ ካብ ምርኣይ ንጹም፡ ናብ ክፉእ ካብ ምኻድ ንጹም፡ ክፉእ ካብ ምግባር ንጹም።
ናይ ኣዋጅ ጾም ኪኣቱ ከሎ፡ መንፈሳዊ ናይ ሓጋይ ኣዋርኅ ከም ዝኣተወ ነስተውዕል። ናይ ኵናት መሣርሒና ንወልውል። ካብ ሕርሻኦም ምህርቶም ዝእክቡ ሓረስቶት ማዕጺዶም ይስሓሉ። ነጋዶውን ገንዘቦም ብኸንቱ ካብ ምብኻን ይከልከሉ። ናብ መንግሥቲ እግዚአብሔር ንምእታውውን መገዶም የቕንዑ። ናብ መንግሥቲ እግዚአብሔር ትወስድ ጐደና ቀጣንን ጸባብን ስለ ዝኾነት ብጥንቃቐ ኣስተውዒልና ንጓዓዝ።
ኣኅዋተይ! ብሕማም ምኽንያት ካብ መግቢ ብዘይ ምኽልካልና ዝወቕሰና ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ የልቦን። ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ለዋህን ፈታዊ ሰብን ልዕሊ ዓቕምና ዝኾነ ሸኸም ዘይጽዕነና ኣምላኽ እዩ ዘለና። ናቱ ፍቓድ ንሕና ካብ መግቢ ንኽንክልከል፡ ወይ ትም ኢልና ሰብ እንታይ ኪብለኒ ኢልና ጥራይ ንጸውም፡ ወይ ከብድና ባዶ ኾይኑ ናይ ጥሜት ስምዒት ከም ዝስምዓና ምግባር ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ካብ ዝኾነ ዓይነት ክፉእ ተግባር ጸዊምና ንትሩፋተ ሥጋ ወነፍስ ንኽንተግህ እዩ። ነብስና ብዝተስተኻኸለ ሕይወት ንመርሕ፡ ክንበልዖ ዝግብኣና መጠን መጢንና ንበልዕ፡ ኵሉ ድሌትና ናብ ሰማያዊ ምሥጢር ንመልስን፡ መላእ ዘመንና ጽቡቕ ጥራይ ንገብር ኔርና እንተንኸውን፡ ናይ ጾም ዋጋ ንምርካብ ኢልና ምጿም ኣይመድለየናን ነይሩ። ስለዝኾነ ድማ ደቂ ሰባት ኪንበሃል፡ ግዲ ዘይብልናን ምቾት ድማ ንደልን ስለ ዝኾንና፡ እቲ ካብ ምድራዊ ኣቦ ይኹን ካብ ምድራዊት ኣደ ንላዕሊ ብዛዕባና ዝጥንቀቕ ሓኪምና (እግዚአብሔር) እዚ ሸለልትነትናን ዘይድሊ ሕንቃቐን ምቾትን ዝተመልአ ናብራናን ፈዊስና ካብ ዓለማዊ ምግባር፡ ናብ መንፈሳዊ ምግባር ምእንቲ ኺንኣቱ ጾም ዝተባህለ መድኃኒት ኣዳለወልና።
ሰለዚ ብምኽንያት ሕማም ርእሶም ካብ መግቢ ኪኽልክሉ ዘይከኣሉ ሰባት ንኽበልዑ ግና ከኣ ካብ ክፉእ ምግባር ንኽጾሙ ንመኽሮም ኣለና። ብዘይካ ካብ መግቢ ምኽልካል ብኻልእ መንፈሳዊ ነገር ኣብሊጾም ንኽተግሁ ንመኽሮም ኣለና። ሕሙማት ካብ መግቢ ኪኽልከሉ እኳ እንተዘይከኣሉ፡ ብሓቂ ንመንግሥተ ሰማያት ዘኽፍት ካልእ ብዙኃት ናይ ድኅነት መገድታት ኣለውዎም። ስለዚ ብሰንኪ ሕማም ካብ መግቢ ምኽልካል እንተዘይተኻእለኩም (ምስ ኣበ ነፍስኹም ብምምኻር) ኣብዚኅኩም ምጽዋት ሃቡ። ካብ መግቢ ምኽልካል እኳ እንተዘይከኣልኩም ኣብዚኅኩም ጸልዩ። መግቢ ምኽልካል እኳ እንተዘይከኣልኩም ቃል እግዚአብሔር ንምምሃር ትጉሃት ኵኑ። ምኽንያቱ ሕማምኩም ነዚ ንምግባር ኣይክልክለኩምን እዩ። ከምዚ እንተደኣ ትገብሩ ዄንኩም እቲ ሓቀኛ ጾም ጸዊምኩም ኣለኹም። እግዚአብሔርውን ካብዚ ብዝበለጸ ካባኻትኩም ዝደልዮ ነገር የለን። ምኽንያቱ ሓኪምና ካብ ጥልላት ከም እንኽልከል ዝእዝዘና፡ ፍቓደ ሥጋና ደኺሙ ፍቓደ ነፍስና ንኽብርትዕን ትእዛዙ ምእንቲ ክንሕሉን ኢሉ እዩ።
ብኣጠቓላሊ ኣብ ጊዜ ጾምኩም ይኹን ኣብ ካልእ ጊዜ ሠለስተ ነገራት ኪትኅዙ ንመኽረኩም ኣለና። ንሳቶም ድማ ክፉእ ካብ ምዝራብ ምኽልካል፡ ንዝኾነ ሰብ ከም ጸላኢኻ ካብ ምርኣይ ምቑጣብን፡ ካብቲ ከም ልምዲ ኂዝኩሞ ዘለኹም ማሕላ ንኽትርሕቁን እዩ።
ኣብ ዓጺድ ዘሎ ሰብ ነቲ እኽሊ ናብ ቆፎኡ ብሓደ ጊዜ ከም ዘይእክቦ፡ እንታይ ደኣ በብቑሩብ ከም ዝእክቦ፡ ንሕናውን ነዞም ዝተዛረብናሎም ተግባራዊ ብምግባር ኣብዚ ናይ ጾም ጊዜ ኪንለማመዶምን፡ ናትና ጸቡቕ ልምድታት ጌርና ኪንኅዞምን ይግብኣና። ከምዚ ብምግባርና ድማ መንፈሳዊ ጥበብ ብቐሊሉ ገንዘብና ኺንገብር ይከኣለና እዩ። ኣብዚ ዓለም ከለና ጽቡቕ ፍረ ዘለዎ ኣዝመራ ነፍሪ። ኣብቲ ዝመጽእ ዓለም ድማ ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ብዘይፍርሂ ብሓጐስ ተመሊእና ንኽንቀውም ይረድኡና። ንእኡ ዝበቅዕ ጸጋ ረኺብና ናይ ክብሩ ወረስቲ ይግበረና።
No comments:
Post a Comment