bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Thursday, 16 February 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ 6ይ ክፋል

1.7.6.1 ምጅማር ናይ ዓቢ ጾም ምኽንያት ብምግባር ብቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዚተዋህበ ትምህርቲ 


ናይ እግዚአብሔር ቤተ ክርስቲያን ከምዚ ኢላ ብደቃ ኪትደምቕ፡ ንስኻትኩምውን ናብዚ ቕዱስ ጉባኤ ደስ ኢሉኩም ተኣኻኺብኩም ኪትመጹ ርእየ ኣዝዩ ደስ ኢሉኒ ኣሎ። ገጽኩም ከመይ ኢሉ ብሓጐስ መሊኡ ከም ዘሎ ርእየ ጥበበኛ ሰሎሞን “ልቢ ደስ ኪብሎ እንከሎ ገጽ ይበርህ” ከም ዚበለ ልብኹም ማዕረ ኽንደይ ተሓጕሱ ኸም ዘሎ ተገንዘብኩ (ምሳ 15፡13)። ሎሚ ኣንጊሀ ዚተንሣእኹ ካብ ናይ ወትሩ ብዚተፈለየ ትግሃት እየ። እዚ ድማ እዚ መንፈሳዊ ሓጐስ ምሳኻትኩም ንኽካፈልን ዚቕጽል ኣዋርኅ ቊስለ ነፍስኹም ድኅነት ዚረኽበሉ ወርኀ ጾም  ምዃኑ ንኸበሥረኩምን እየ። ናይ ኵላትና ጐይታ ልዑል እግዚአብሔር ልክዕ ከም ሓደ ሕያዋይ ኣቦ፡ ኣብ ዚኃለፉ ኣዋርኅ ንዚሠራሕናዮ ኃጢአት ሥርየት ንኽንረኽበሉ ሽቶ መድኃኒት ዝኾነ ቅዱስ ጾም ኣዳለወልና።

 ስለዚ ናይ ነፍስና ሓላዊ (እግዚአብሔር)  ናይ ሕማምና ፈውሲ እንረኽበሉ መድኃኒት ስለ ዘዳለወልና እናመስገንና ነዚ ወርኀ ጾም ደስ ኢሉና ኺንቅበሎ ይግበኣና። ካባና ጾም ብምእታዉ ሓደ እኳ ዚሓርቕ ወይ ዚበሳጮ ኪህሉ ኣይግበኦን። ነዚ ወርኀ ጾም ከምዚ ደስ ኢሉና ኺንቅበሎ ርእዮም ኣሕዛብ ይኅፈሩ። ኣይሁድውን ይርዓዱ። ኣባናን ኣብኣቶምን ሰፊሕ ፍልልይ ከም ዘሎ ርእዮምውን ይመሃሩ። ናይ እግዚአብሔር ቤተ ክርስቲያን በዓል እትሠርዕ ምእመናን ነብሶም ገቲኦም ምእንቲ ኪኸእሉ፡ ብሠናይ ምግባር ዘጌጹን ዚተሸለሙን ንኺኾኑ ከም ዝኾነት፡ ንሳቶም ግና በዓላት ብደርፍን (ብጓይላን) ብስኽራንን ነዚ ብዚኣመሰለ ካልእ ጽዩፍ ግብሪን ከም ዘብዕልዎ ፈልዮም ይፍለጡ። ብርግጽውን በዓል ተኸቢሩ ዚበሃል ሰባት ነፍሶም እንተድኃንሉ፡ ውሽጣዊ ሰላምን ፍቕሪ ብጻይን ገንዘቦም እንተ ጌሮምሉ፡ ዕለት ዕለት ካብ ዘጋጥሞም ናይ ነፍሲ ሁከት እንተ ዓሪፎምሉ፡ ብዘይ ሆይሆይታን ዕግርግርን ከምኡውን እንስሳታት ብምሕራድ ካብ መጠን ንላዕሊ ብዝኾነ ብልዕን መስተን ርሒቖም እንተኽቢሮምዎ እዩ። ካብዚ ተወሳኺ በዓል ተኸበረ ዚበሃል ኣርምሞን ጸጥታን ፍቕርን ደስታን ሰላምን ነብስኻ ምግዛእን፡ ከምኡውን ካልኦት ኣብዚ ኪንዝርዝሮም ዘይከኣልና ብዙኃት ሠናይ ምግባራት ገንዘብና ምስ እንገብሮም እዩ።

 ኦ! ኣዝየ ዚፈትወኩም ምእመናን፡ ቅድሚ ዅሉ ነዞም ነገራት ብሰፊሑ ምእንቲ ኽንዘራረበሎም፡ ብድጋሜውን ሓደ ዘርብሓና ነገር ኂዝና ንገዛና ምእንቲ ኽንምለስ፡ ንቓላትና ብዓቢይ ትግሃትን ህርፋንን ኴንኩም ኺትቅበልዎ አተሓሳስበኩም ኣለኹ። ኵላትና ናብዚ ጉባኤ ኽንመጽእ ከለና ትም ኢልና ብዘይ ዕላማ ኣይኮንናን ንመጽእ። ወረ ንምስማዕ ኢልና፡ ወይውን እንታይ ከም ዚተባህለ እኳ ኸይሰማዕና ንምንጭብጫብ ሽዑ ሓንቲ ተርብሓና ነገር ከይኃዝና ንገዛና ንምምላስ ኢልና ናብዚ ጉባኤ ኣይመጻናን። ኣነውን ንድኅነት ነፍስኹም እትጠቅም ሓንቲ ነገር ንኽነግረኩም እየ ዚመጻኹ። ንስኻትኩምውን ኪትመጹ ኸለኹም እግዚአብሔር ኣባይ ኣብ ባርያኡ ኃዲሩ ዚነግረኩም ነገር ሰሚዕኩም ንምጥቃምን ሓደ ዚረብሕ ነገር ኂዝኩም ንገዛኹም ንምምላስ እዩ። ተመልከቱ ቤተ ክርስቲያን ማለት ቤተ ድኅነት እያ። ናብኣ ዚመጹ ድማ ንሽግሮም ዚፍውስ ግቡእ መድኀኒት ረኺቦም ኪኸዱ ኣለዎም። ተግባራዊ ዝኾነ ለውጢ ከየምጽኡ ቃለ እግዚአብሔር  ምምሃር ጥራይ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ ከም ዘይብሉ ከረድእ ኢሉ ቅዱስ ጳውሎስ ዚተዛረቦ ቃል ነስተውዕሎ “ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር እቶም ገበርቲ ሕጊ ደኣ እምበር ሰማዕቲ ሕጊ ኣይኮኑን ዚጸድቁ” (ሮሜ 2፡13

 ክብሪ ንእኡ ይኹን እሞ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኪምህር ከሎ “ናይቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ፍቓድ ዚገብር ደኣ እምበር ጐይታይ ጐይታይ ዚብለኒ ኵሉ መንግሥተ ሰማያት ዚኣቱ ኣይኮነን” ኢሉና እዩ። (ማቴ 7፡21) ስለዚ ኦ! ፍቱዋተይ፡ ቃሉ ብምስማዕ ጥራይ ዋላ ሓንቲ እንጥቀሞ ነገር ስለ ዘየልቦ፡ ዚሰማዕናዮ እንገብር እምበር እንሰምዕ ጥራይ ኣይንኹን። ከምዚ እንተኾይኑ እምነትና ሕይወት ዘለዎ እምነት ኪኸውን እዩ። 

 ስለዚ ብዛዕባ ጾም ንዚወሃብ ስብከት ንምስማዕ እዝነ ልቦናኹም ክፈቱ። ምስ ኣዝያ ትሕትን ሓፋርን መርዓት ንምንጽጻር ዚኣክል፡ ንመርዓት ኣብ ናይ መርዓ ኣዳራሽ ዚቕበልዋ ሰባት ኣቐዲሞም ነቲ ገዛ ይጸርግዎ ይሸላልምዎ። ረሳሕ ክዳን ዚተኸደነ ሰብ ናብቲ ኣዳራሽ ከም ዘይኣቱ ይገብርዎ። ናብቲ ኣዳራሽ ኪኣቱ ዝኽእል ሰብ ናይ መርዓ ኽዳን ዚተኸደነ ሰብ ጥራይ እዩ። ንስኻትኩምውን ከምዚ ኺትገብሩ ይግበኣኩም። ልቦናኹም ብምንጻሕ ኣብዚኅካ ካብ ምብላዕን ርእስኻ ካብ ዘይምግዛእን ብምርሓቕ፡ ነታ ናይ ሠናይ ምግባር ኣደን ናይ ምስትውዓልን ናይ ኵሎም ምግባራት ንግሥትን ዝኾነት ጾም ኣፍ ደገ ልብኹም ብምኽፋት ኪትቅበልዋ ይግበኣኩም። ከምዚ እንተደኣ ጌርኩም ዓቢይ ሓሴት ኺትገብሩ ኢኹም። ንሳ ድማ ቊስለ ነፍስኹም ኪትፍውሰልኩም እያ። ካልእ ምሳሌ መሲለ ኺነግረኩም፡ ሓካይም ኣብ ናይ ሕሙማን ሰብነት ዘሎ ረሳሕን መርዛም ፈሳስን ኪኣልዩ ምስ ዚደልዩ፡ መጀመርታ ነቶም ሕሙማት ምግበ ሥጋ ካብ ምውሳድ ከም ዚቑጠቡ ይገብርዎም። እቶም ሕሙማት ንጊዚኡ መግቢ ካብ ምብላዕ እንተዘይ ተኸልኪሎም ግና፡ እቶም ሓካይም ዚህብዎ መድኃኒት ከምቲ ኺርከቦ ዚግባእ ዚነበረ ውፅኢት ኣይርከቦን። ንሕና ነዛ ናይ ነፍስን ናይ ሥጋን ቊስሊ እትፍውስ ጾም ኪንቅበላ ኸለና፡ ካብዚ ንላዕሊ ኪንከውን ይግበኣና ኢለ እነግረኩም ኣለኹ። ድኅነት እንደሊ እንተዄንና ልቦናና ንጹሕን ንቑሕን ብምግባር ኪንጸውም ይግበኣና። ከምዚ እንተዘይኮይኑ ግና ካብ ጥቕማ ንላዕሊ ጕደኣታ ኺበዝኅ እዩ።

 ናይ ሎሚ ዝርርብ ንነፍሲ ወከፍኩም ጋሻን ሓድሽን ከም ዚኸውን እፈልጥ እየ። እንተኾነ ግና ብዕላማ ማለት ድኅነት ኪንረክብ ኢልና ደኣ እምበር ትም ኢልና ብልማድ ኣይንጹም ኢለ እልምነኩም ኣለኹ። መዓልቲ መዓልቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ብምብላዕን ብስስዕን እትረኽብዎ ጥቕሚ እንታይ እዩ? ጥቕሚስ ይትረፍ እሞ ብጭራሽ ዚኸፍአ ጕደኣት እዩ ዘምጽኣልኩም። ተመልከቱ ካብ መጠን ንላዕሊ ብምብላዕን ብምስካርን ናይ ምስትውዓል ልቦና ኪዓውር ከሎ፤ ናይ ጾም ጥቕሚ ድማ ሓንቲ ምልክት ከየትረፈ የጥፍኦ። እስከ ኺሓተኩም ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ብዙኅ ወይኒ ካብ ዚሰትዩ፡ ኣብ ፈቐዶ ለይታዊ ትልሂት ፀሓይ ካብ እትበርቆም፡ ንዅሉ ዚረኸቦም ሰብ ደስ ካብ ዘየብሉ፡ ንቤተ ሰቦም ግዲ ካብ ዘይብሎም፡ ንርእሶም ብዘይ ምግዝኦምን ኣብ ዘይ ጊዜኡ ብዝኾነ ሓጐስ ብምሕጓሶም ምኽንያት ካብ እግዚእብሔር ተፈታውነት ካብ ዚሰኣኑ ካብዞም ሰባት እዚኦም ንላዕሊ ሕሱር (ክብሩ ዚተዋረደ) ሰብ መን ኣሎ? ቅዱስ መጽሓፍ ከምዚዶ ኣይኮነን ዝብል “ሰኽራማት መንግሥቲ እግዚአብሔር ኣይወርሱን እዮም” (1 ቆሮ 6፡10)  ወይልኦም! ከም ናይ ንግሆ ዛዕዛዕታ ንዝጠፍእ ንሱውን ከቢድ ጕድኣት ዘምጽእ ርውየት ንምርካብ ኢሎም ናይ ዘለዓለም መንግሥቲ ንዝስእኑ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ካብ ዚረኽቦም መከራ ንላዕሊ እንታይ መከራ ኣሎ? 

 ካብዞም ኣብዚ ጉባኤ ዚተኣከብኩም ምእመናን ሓደ ሰብ እኳ በዚ ስንፍና እዚ ኽተኃዝ የብሉን። እግዚአብሔር ነዚ ፈጺሙ ኣይፈትዎን እዩ። እንተኾነ ግና ነፍሲ ወከፍ ዕለት ብትዕግሥትን ነብስኻ ብምግታእን፡ ከምኡውን ኣብዚኅካ ካብ ምብላዕ ካብ ዘምጽኦ ናይ መከራ ማዕበል ተሓሊኹም ናብ ወደብ ነፍስኹም ናብቲ ሓቀኛ ጾም ኪትበጽሑ ይግባእ። ነዚ እንተደኣ ጌርኩም ካብኣ ዚርከብ ብዙኅ ጥቕሚ ኪትረኽቡ ኢኹም። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብዚኅካ ምብላዕ ናይ ብዙኅ ውርደታትን ኃጢኣታትን ምንጪ ከም ዝኾነ፡ ጾም ድማ ናይ ብዙኅ በረኸትን ክብርን ምኽንያት እዩ። 

 ከም እትዝክርዎ እግዚአብሔር ደቂ ሰባት ኪፈጥር ከሎ ንድኅነት ነፍሶም ዚኸውን ሓደ መፍትሒ ከም ዘድልዮም ይፈልጥ ነበረ። እዚ ብምዃኑ ድማ ገና ካብ መጀመርታኡ ኣትኂዙ ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ንኣዳም ሓንቲ ትእዛዝ ሃቦ። ከምዚ ብምባል “ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ኵሉ ኦም ብላዕ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ኣይትብላዕ” (ዘፍ 2፡16-17) እዚ ብዛዕባ ምብላዕን ዘይምብላዕን ዚተነግረ ኃይለ ቃል ብምሥስጢር ብዛዕባ ጾም ዚተነግረ እዩ። ምንም እኳ ሰብ ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኺሕልዋ እንተተዋህቦ ንሱ ግና ኣይሓለዋን። ነብሱ ምግታእ ተሳእኖ ናብ ዘይምእዛዝ ኃጢአት ድማ ወደቐ። ኣብ ርእሱ ድማ ናይ ሞት ፍርዲ ኣምጽአ። ከም ትዝክርዎ ዲያብሎስ ክፉእ መንፈስን ናትና ጸላእን ስለ ዝኾነ፡ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣዳም ከመይ ኣብ ገነት ኪነብር ከሎ ከመይ ኢሉ ብናጽነት ከም ዚነብርን፡ ሥጋ ለቢሱ እንከሎ ከመይ ኢሉ ናይ መላእኽቲ ናብራ ኣብ ምድሪ ከም ዚነብር ተመልከተ። ከመይ ኢሉ ኸም ዚድርብዮ ድማ ሓሰበ ዓቢይ ዝኾነ ተስፋ ብምሃብ ድማ ካብ ልዕልናኡ ኣውረዶ። በዚ ምትላል እዚ ድማ ዚነበሮ ሃብቲ ኵሉ ሰረቖ። ብዓቐን ዘይምንባርን ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዚኾነ ነገር ናይ ምምናይ ጕድኣቱ ማዕረ ኽንድዚ እዩ። 

 እቲ ጥበበኛ ሰብውን ከምዚ ብምባል ግልጺ ጌርዎ ኣሎ “ብምኽንያት ቅንኢ ናይ ዲያብሎስ ሞት ናብዚ ዓለም ኣተወ” (ጥበ 2፡24) ኦ! ፍቱዋተይ፡ ገና ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ነብስኻ ዘይምግዛእ ናይ ሞት ኣፍ ደገ ምዃኑዶ ትርእዩ ኣለኹም? ብድኅሪኡ ኣብ ዘሎ ዘመናትውን ኣብዚኅካ ምብላዕ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ደጋጊሙ ከም ዚነቕፎ ኣስተውዕሉ። ኣብ ሓደ ቦታ ከምዚ ብምባል ተጻሒፉ ኣሎ “እቶም ሕዝቢ ኪበልዑን ኪሰትዩን ተቐመጡ ኪደርፉ (ኪስዕስዑ) ውን ተንሥኡ” (ዘፀ 32፡6) ኣብ ካልእ ቦታውን “በልዐ ሃጠረ እሞ ተናድሐ ሰባሕካ ረጎድካ ከረሽካ ሽዑ ነቲ ዚገበሮ ኣምላኽ ኃደጎ ንኸውሒ ምድኃኑ ነዓቖ” (ዘዳ 32፡15) ናይ ሰዶም ነበርቲ እቲ ዘይዝሕል ቊጥዓ ናብኣቶም ዘምጽኡውን ብምኽንያት እዚ ኃጢአት እዚ (ኣብዚኅካ ብምብላዕ) እዮም። ነቲ ኻልእ በደሎም እኳ ኸይገለጽና ነዚ ናይ ነቢይ ቃል ስምዑ “ናይ ኃብትኺ ሰዶም ኃጢኣት ከምዚ ነበረ እንጀራ ምጽጋብ” (ሕዝ 16፡49) ብሓጺር ኣዘራርባ ብልዒ ከም ምንጪ ማይ እዩ፡ ወይ ናይ ኵሉ ክፍኣት ሡር እዩ።

 እሞ ሕጂ ኸ ነብስኻ ዘይምግዛእ ማዕረ ኽንደይ ሓደገኛ ምዃኑዶ ኣስተውዒልኩም? ሕጂ ድማ ጾም ከመይ ዚበለ በረኸት ከም ዘመጽእ ንመልከት። ሊቀ ነቢያት ሙሴ ኣርብዓ መዓልቲ ስለ ዚጾመ ሕጊ እግዚአብሔር ዚተጻሕፈን 2 ጽላት ካብ እግዚአብሔር ከም ዚቕበል ኮነ።(ዘፀ 24፡18) ካብቲ እምባ ምስ ወረደ ግና ኣብዚኁ ዚበልዕን ኃጢአተኛን ሕዝቢ ናይ እግዚአብሔር ሕጊ እንተተቐበለ ውን ዋላ ሓንቲ ትርጕም የብሉን ብምባል ብብዙኅ ልመና ዚተቐበሎ ጽላት ካብ ኢዱ ደርብዩ ኣብ እግሪ እቲ ጐቦ ሰበሮ።(ዘፀ 32፡19) እዚ ስለ ዝኾነ ድማ እዚ ዓቢይ ነቢይ መተካእታ ናይተን ብሰንኪ ናይቲ ሕዝቢ ኃጢአት ዚሰበረን ጽላት ንምቕባል ብድጋሜ 40 ለይትን 40 መዓልትን ኪጸውም ኔርዎ።(ዘፀ 34፡28) 

 ብናይ ሓዊ ሠረገላ ተነጢቑ ናብ ሰማይ ዚዓረገ፡ ክሳዕ ሕጂውን ሞት ዘይጠዓመ እቲ ዓቢይ ነቢይ ኤልያስውን ልክዕ ከም ሙሴ ኣርብዓ ለይትን ኣርብዓ መዓልትን ጾመ።(1ይ ነገ 19፡8) ከምኡ ውን እቲ ብመንፈሱ ብርቱዕ ዝኾነ ዳንኤል ብዙኅ መዓልታት ይጸውም ነበረ። ከም ሽልማት ድማ ኣዝዩ ዘደንቕ ራእይ ተቐቢሉ እዩ። ነቶም ቊጡዓት ኣናብስ ከም ዚለማመዶም ኮነ፡ ናይ ጥንቲ ተፈጥሮኦም ተቐይሩ ዘይኮነስ ምስቲ ቊጡዕ ባህርያቶም ከምተን ለዋሃት ኣባጊዕ ከም ዝኾኑሉ ረኣየ። ከምኡ ውን ሰብአ ነነዌ ብናይ ጾም መድኃኒትነት ካብ እግዚአብሔር ምሕረት ረኸቡ። ኣብ ነነዌ ዚጾሙ ሰባት ጥራይ ኣይነበሩን እንስሳታትውን ጾይሞም እዮም። በዚ ምኽንያት ድማ እግዚአብሔር ኪገብሮ ኢሉ ካብ ዚተዛረቦ ተጣዕሰ ኣይገበሮን ድማ። (ዮና 3፡10) ኣብ ብሉይ ኪዳን ይኹን ካብ ሓድሽ ኪዳን ከምዚ ዚተጠቐሙ ብዙኃት ኪንጠቅስ ንኽእል ኢና። እንተኾነ ግና ናብቲ ናይ ኵላትና ጐይታ ዚገበሮ ኣብ ክንዲ ንመጽእ ነቶም ኣገልገልቱ እንርኢስ ንምንታይ እዩ? ከም እትፈልጥዎ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶ 40 መዓልትን 40 ለይትን ጾይሙ እዩ። (ማቴ 4፡2 ሉቃ 4፡2) ኪጸውም ከሎ ንዲያብሎስ ስዒሩ ኣርእይና እዩ። ነቲ ጠቓሚ ጾም ከም ዕጥቂ ኪንዕጠቖ ከም ዚግብኣናን፡ ካብኡ ብእንረኽቦ ጥቐሚ ነቲ ብርቱዕ ጸላኢና ኪንስዕሮ ከም እንኽእል ኣርኣያ ኮይንና እዩ።

 ኣብዚ ትምህርቲ እዚ ንነገራት ኣዕሙቕ ኣቢሉ ዚምርምርን ሓሳብ ልቡናኡ ንቑሕ ዚገበረን ሰብ “ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ልክዕ ከም ኣገልገልቱ ሓንቲ መዓልቲ እኳ ከይወሰኸ ዚጾመ ስለ ምንታይ እዩ?” ኢሉ ሕቶ ከልዕል ይኽእል እዩ። ጐይታና ነዚ ዚገበሮ ብዘይ ምኽንያት ዘይኮነ ካብ ጥበቡን ሰብ ካብ ምፍቃሩን ዚተላዕለ እዩ። እዚ ማለት ናብዚ ምድሪ ኺመጽእ ከሎ ሥጋ ከይለበሰ እዩ መጺኡ፡ ሰብ ዝኾነ ብምትሐት እዩ” ኢሎም ንዚትንሥኡ ከሓድያን ሓሳባቶም ምእንቲ ኺገትእ ልክዕ ከምቶም ኣገልገልቱ (ነቢያት) ሓንቲ መዓልቲ እኳ ከይወሰኸ ጾመ። ስለዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢሉ ኣብ ምግባረ ጾም እንከሎ እኳ ከምዚ ዚበለ ምኽንያት ዘምጽኡ ካብ ኮኑ፡ ካብ ምሕረቱን ለውሃቱን  ዚተላዕለ ነቲ ከምጽእዎ ዚኽእሉ ሰበብ ኣቐዲሙ እንተዘይድርብዮ’ሞ ከመይ ዚበለ ዚኸፍአ ነቐፌታ መምጽኡ ኔሮም። ብምዃኑ ድማ ናትና ባህሪ ገንዘቡ ኸም ዚገበረን ካባና ከም ዘይረሓቐን ንኺምህረና ካብቶም ቀዳሞት ኣቦታትና ከየትረፈ ኣርብዓ መዓልቲ ጾመ።

 ኦ! ኣዝየ ዚፈትወኩም ምእመናን፡ ናይ ጾም ጥቕሚ ክሳዕ ክንደይ ብዙኅ ከም ዝኾነን፡ ነፍስና ካብዚ ብዙኅ ጥቕሚ ከም እትረክብን ካብ ጐይታናን ካብ ኣገልገልቱ ነቢያትን ተማሂርና ኢና። ስለ ዝኾነ ድማ ናይ ጾም ኣዋርኅ ኺቃረብ ከሎ ሸለልትነትን ሞራል ዘይብሉ ሰብ ምዃንን ካባና ነወግድ። ንዑድ ክቡር ዝኾነ ጳውሎስ “እቲ ናይ ወፃኢ ሰብነትና እኳ እንተበስበሰ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ኣሎ” ኢሉ ከም ዚመሃረና ኣዚና ሕጕሳት ኴንና ኺንቅበሎ ይግበኣና እናበልኩም እልምነኩም ኣለኹ።(2ይ ቆሮ 4፡16)

 ጾም ናይ ነፍሲ መግቢ እዩ። ምግበ ሥጋ ሰብነትና ንኽገዝፍ ከም ዚገብር ከምኡ ድማ ጾም ንነፍሲ የበርትዓ። ፈጣንን መንፈሳውን ክንፊ ይህባ። ናብ ሰማያዊ ምሥጢር ኣትያ ብጽሞና ከም ትትሓዝ ይገብራ። ናይዚ ዓለም ደስታን ተድላን ከም እትንዕቕ ይገብራ። ፈኵስ ጽዕነት ዚተሰከማ መራኽብ ነቲ ባሕሪ ቀልጢፈን ከም ዚሳገርኦ፡ ኣዝዩ ብዙኅ ጽዕነት ዚተሰከማ ግና ነቲ ባሕርን ማዕበልን ቀልጢፈን ምስጋር ከምዘይከኣለን፡ ልክዕ ከምኡ ድማ ጾም ውሽጣዊ ዓይንና ከም ዚበርህ፡ ናይዚ ዓለም ፈተነታት ብቐሊሉ ኪንጻወርን ኪንኃልፎን ከም እንኽእል ናብ ሰማያዊ ምሥጢር ኪንኣቱ ከም እንኽእል ኣብኡ ዘለዉ ኺንገሩ ዘይክእሉ በረኸታት ከም ንሓስብን፡ ኣብዚ ዓለም ዘለዉ ነገራት ድማ ከም ዛዕዛዕታ ንግሆ ቐልጢፎም ዚኃልፉ ከም ዝኾኑ ከም እንግናዘብን ትገብረና።

 ብኣንጻሩ ኣብዚኅካ ምብላዕን ነብስኻ ዘይምግዛእን ድማ ኣእምሮና ዚጠፍአ ሥጋና ዚገዘፈ ውሽጥና ሰላም ዚረሓቖ ..በዚ ዅሉ እዚ ተኸቢብና ኣዝዩ ክፉእ ብዝኾነ ምግባራት ዚተተኃዝና ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወትና ጸላእቲ ዄንና ከም እንጓዓዝ ይገብሩና።

 ስለዚ ኦ! ፍቱዋተይ፡ መብልዕን ርእስኻ ዘይምግዛእን ተኸቲሎም ዚመጹ ኃጣውእ ብምፍላጥ ምስ ድኅነትና ንዚተኃኃዙ ጉዳያት ሸለልተኛታት ኣይንኹን። ርእስኻ ዘይምግዛእ ኣእምሮ ከም ዘጥፍእን ኣዚና ኽንጋደሎ ከም ዚግበኣናን ነዚ እንተጌርና ድማ ኣኽሊልናን ሽልማትናን ብዙኅ ከም ዝኾነን ኣብ ዘመን ሓድሽ ኪዳን ጥራይ ኣይኮንናን ተማሂርና። ኣብ ዘመነ ብሉይ ውን ሰባት ኣብዚኆም ኪበልዑ ኣይፍቀደሎምን ነበረ። ርእስኻ ዘይምግዛእ ክሳዕ ክንድዚ ዚኣክል ሓደገኛ ምዃኑ ዚነግረኩም ዘለኹ ናተይ ሓሳብ ከይመስለኩም ግና ናይ ነቢይ ኣሞጽ ቃል ስምዑ “ኣብ ዓራት ስኒ ሓርማዝ ዚግምሰሱ፡ ኣብ መንጸፎም ድማ ዚጋደሙ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጥቦታውቲ ካብ ደምበ ኣሓ ውን ኣባትይ ዚበልዑ ብደሃይ መሰንቆ ዚደርፉ ከም ዳዊት ድማ መሳርያ ሙዚቃ ዘዳልዉ ብገፊሕ ዋንጫ ወይኒ ዚሰትዩ ብሉጽ መኣዛ ኸኣ ዚልከዩ ብስብራት ዮሴፍ ግና ዘይጉህዩ እዮም” (ኣሞ 6፡3-6)

 ስለዚ ነቢይ ኣሞጽ ኣብ ስንፍና ፍትወትን መባልዕ ኣብ ምብዛኅን ንዚነበሩ ኣይሁዳውያን ከመይ ገይሩ ከም ዚወቐሶምን ከም ዚገሠጾምንዶ ተዓዚብኩም?  ማለተይ ነዚ ኃይለ ቃል ጽቡቕ ጌርኩምዶ ኣስተውዒልኩምዎ? ኣብዚኆም ምብልዖምን ምስታዮምን ድኅሪ ምውቃሱ ከምዚ ብምባል ይውስኽ “እዚውን ዘለዓለም ዚነብር ዘይኃልፍ ዚመስሎም”  እዚ ማለት እቲ ደስታን ፈንጠዝያን ኣብ ከናፍሮም እዩ ዘብቅዕ ካብኡ ንኔው ኪኸይድ ኣይክእልን እዩ። እቲ ሓጐስ ኣብቲ ዚርከበሉ ዚጠፍእ እዩ። እቲ ንእኡ ተኸቲሉ ዚረኽቦም ምረረ ገሃንም ግና ፈጺሙ ኣይጠፍእን እዩ። እወ ናይ ገሃንም መከራ ፍጻሜ የብሉን። ስለዚ ነቲ ዘይኃልፍ ኮይኑ ዚነብር ዚመስሎም ሓጐስ” ገና ካብ መበገሲኡ ዚጠፍእ ምዃኑ ነቲ ሓቀኛ ትርጓሜ እንፈልጦ ሽዑ እዩ።

 ሕጂ ኣብዚ ምድሪ እንምልከቶም ሥጋውያን ነገራት ልክዕ ከምቲ ደስታን ፈንጠዝያን ዚጠፍኡ እዮም። ክብርን ሥልጣንን ሃብትን ንብረትን፡ ኣብዚ ዓለም እንረኽቦም ብልጽግናታት ኵላቶም ጸኒዖም ዚነብሩ ኣይኮኑን። ኵላቶም ካብ ፍጥነት ናይ መንጫዕጫዕታ  ብዚቕልጠፍ ፍጥነት ዚኃልፉ ደኣ እዮም እምበር ካብዚኣቶምሲ ዋላ ሓደ ኳ ዘለዓለማዊ ኾይኑ ዝነብር የልቦን። መንፈሳውያን ነገራት ግና ከምዚ ኣይኮኑን ናይዚ ተቓረንቲ እዮም። ልክዕ ከምቲ ጽኑዕ ከውሒ ዘይንቀሳቐሱ እዮም። ኅልፈትን ምልዋጥን የብሎምን። እሞኸ ደኣ ጸኒዑ ዚነብር ምስቲ ቐልጢፉ ዚጠፍእ፡ እቲ ዘይነቓነቕ በቲ ዚነቓነቕ፡ ዘለዓለማዊ ብጊዝያዊ፡ እቲ ዘይኃልፍ ብኃላፊ፡ ዘለዓለማዊ ሓጐስ ዚህብ በቲ ዘለዓለማዊ ስቓይ ዘምጽእ ምልዋጥናስ ከመይ ዚበለ ዕሽነት እዩ።

 ስለዚ ዚተፈተኹም ምእመናን ድኅነተ ሥጋን ድኅነተ ነፍስን ንኽንረክብ ርእስኻ ዘይምግዛእ ካባና ነርሕቆ። ጾምን ምስኣ ዘለዉ ካልኦት ሠናይ ምግባራትን ድማ ነፍቅሮም። ካብ ሎሚ ጀሚርና ሓድሽ ናብራ ንጀምር። መዓልታዊ ሠናይ ተግባራት ምግባርውን ዘሐጕሰና ይኹን። ከምዚ መንፈሳዊ ምግባራት እንፍጽምን ናይ ሠናይ ምግባራት ሃብቲ ኣኪብና ነዚ ዓቢይ ጾም  እነኅልፍ እንተዄንና ናብ መዓልቲ ጐይታ (ናብ በዓለ ትንሣኤ ናብ ፋሲካ) ንምብጻሕ ዚተገብኣና ንኸውን። ናብቲ ኣደናቒ መኣዲ (ናብ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን) ንምቕራብ ኪንክእል ኢና። ብምሕረት ናይ ጐይታናን ብጸሎትን ኣማላድነትን ናይቶም ንመፍቀሬ ሰብ ክርስቶስ ዘሐጕሱ ቅዱሳንን ርስቲ መንግሥተ ሰማያት ኪንወርስ ኢና። ንእኡን ንናይ ባህርይ ኣቡኡ ንአብን ንናይ ባህርይ ሕይወቱ ንመንፈስ ቅዱስን ክብርን ኃይልን ጐይተትነትን ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለመ ዓለም ይኹን ኣሜን

No comments:

Post a Comment