bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday, 15 March 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ 15 ኽፋል


ስለዚ ንሕናውን ነዞም ነገራት እዚኣቶም ብምስትውዓል ነዚ ኸማና ናይ እግዚአብሔር ኣገልጋሊ ዚኾነ መጻጕዕ ብትዕግሥቱ ኺንመስሎ ይግብኣና። ምኽንያቱ ብመጀመርታ ልሙስ ብምዃኑ ንባዕሉ ነፍስና ንምድጋፍ ብቑዕ እዩ። ካልኣይ ድማ ከምዚ ዚኣመሰለ ከቢድ ሕማም ድኅሪ ምርኣዩ፡ ነቶም ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ እዮም ዚበሃሉ ኣብኡ ዚመጹ ክፉኣት ነገራት ኣብ ክንዲ ዚፃወር ብስንፍና ተታኂዙ ትም ኢሉ ተደርብዩ ዚድቅስ ሰብ የልቦን። ብርትዐኡ ጥራይ ኣይኮነን፡ ረኺብዎ ዚነበረ ሕማም ንባዕሉ ንኣና ዚህቦ ዓቢይ ዝኾነ ጥቕሚ ኣለዎ። ምኽንያቱ ምድኃን ናይቲ መጻጕዕ እግዚአብሔር ንኸነመስግን የነቓቕሓና፡ ሕማሙን ድኻሙን ትዕግሥቲ ንኽንመሃር ከምቲ ናቱ ዓይነት ህርፋን ከም ዚህልወና ይገብረና። ብኻልእ ምድኃን ድማ እግዚአብሔር ፍቕሩ ከመይ ዚበለ ዓሚቚ ከም ዝኾነ የርእየና። መጻጕዕ ካብ ከምዚ ዓይነት ሕማም ምድኃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክንድዚ ዝኣክል ዝምንውኁ ዓመታት ጸኒሑ ኪድኅን ምኽኣሉ ንባዕሉ እግዚአብሔር ማዕረ ኽንደይ ዝኣክል ይሕልዎ ከም ዚነበረ  ዘመልክት እዩ።

 ወርቂ ዘጽሪ ሰብ ሓንቲ ንጣር ናይ ወርቂ ናብ ሓዊ የእትዩ ኣዝያ ጽርይቲ ክሳዕ ትኸውን ይጽበያ። እግዚአብሔርውን ልክዕ ከምኡ ሰባት ክሳዕ ዚጸርዩ፡ ክሳዕ ዚልወጡን በቲ ረኺብዎም ዘሎ ነገር ጥቕሚ ክሳዕ ዚረኽቡ ኣብ ውሽጢ ፈተና ከም ዚጸንሑ ይገብር። እዚ ድማ ካብ ኵሉ ጥቕሚ ዚዓበየ ጥቕሚ እዩ።

(2) ስለዚ ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ ውሽጥና ኪርበሽ ወይ ተስፋ ኺንቆርጽ ኣይግብኣናን። እቲ ወርቂ ዘጽሪ (ወርቂ ዘምክኽ) ሰብ እታ ናብ ሓዊ ዘእተዋ ናይ ወርቂ ቅንጣብ፡ ክሳዕ መኣስ ኣብቲ ውሽጢ ሓዊ ኪትጸንሕ ከም ዘለዋን መኣስ ካብቲ ሓዊ ኬውፅኣ ከም ዝግባእን ይፈልጥ እዩ። ትም ኢላ ክሳዕ መወዳእታ ኣብኡ ኪትጸንሕን ብሓዊ ኪትቃጸልን ኣይፈቅድን እዩ። እግዚአብሔር ድማ ነዚ ካብቲ ወርቂ ዘጽሪ (ወርቂ ዘምክኽ) ሰብ ንላዕሊ ይፈልጦ እዩ። መኣስ ካብ ርኽሰትና ከም ንነጽሕ ይፈልጥ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ነብስና ደርቢና ተስፋ ብምቑራጽ ክፍኣት ኣብ ልዕሊ ኽፍኣት እናወስኽና ምእንቲ ኸይንኸይድ፡ መኣስ ካብቲ ፈተና ከም ዜውፅኣና ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ሃንደበት ዘይሓሰብናዮ ነገር እንተ ገጢሙና ብፍጹም ነማርር ወይ ተስፋ ንቖርጽ ኪንከውን ኣይግብኣናን። እኳ ደኣ ናይዚኣቶም መንነት ንዝፈልጥ እግዚአብሔር ምጽባይ፡ ንሱ ክሳዕ ዚፈቐደ ድማ ንልቦናና ብሓዊ ከም ዚፍተን ኪንገብር ይግብኣና። ምኽንያቱ እዚ ነገር እዚ ኣባና ኽግበር ዚፈቐደ ንጥቕምናን ኣብኡ ዄንና ብእነርእዮ ጻዕሪ ብዝበለጸ ከኽብረናን ስለ ዚፈተወ እዩ።

 ነዚ ብዝምልከት ጥበበኛ ኣቦ ከምዚ እናበለ ይመኽረና፡ “ኣንታ ወደይ ንእግዚአብሔር ከተገልግል እንተ ደኣ ዄንካ ገዛእ ርእስኻ ንፈተና ኣዳሉ፡ ቅኑዕን ዘይነቓነቕን ኩን፡ ብጊዜ ጸገም ከኣ ኣይትተሃወኽ፡ ኣብ እግዚአብሔር ተጸጋዕ ካብኡ ከቶ ኣይትፈለ፡ ኣብ መወዳእታ ዕድሜኻ ድማ ኬኽብረካ እዩ”/ሲራ 2፤1-3/ “ኵሉ ነገር ንእግዚአብሔር ሃቦ።” ምኽንያቱ እግዚአብሔር ካብቲ መከራ ንኣና መኣስ ኬውፅኣና ከም ዘለዎ ስለ ዚፈልጥ። ስለዚ ኵሉ ነገር ንእኡ ኪንህብ፡ ዘወትር ንእኡ ኬነመስግን፡ ኵሉ ነገር ጥቕሚ ይኹን ጕድኣት ብምስጋና ኺንቅበል ይግብኣና፡ እዚውን እንተኾነ ንረብሓና ዚኸውን እዩ። 

 ሓደ ሓኪም ሓኪም ዚበሃል ነቲ ዝሕከም ሰብነቱ ኪሓጽቦን ኪምግቦን ደስ ናብ ዘብል ቦታ ኪወስዶን ከሎ ጥራይ ኣይኮነን፡ ንሰብነቱ (ንሰብነት ናይቲ ሕሙም) ብናይ መጥባሕቲ ካራን ላማን ገይሩ ኪቐዶ እንከሎውን ሓኪም እዩ። ኣቦውን ኣቦ ዚበሃል ንወዱ ኪንከባኸብ ኸሎ ጥራይ ኣይኮነን። ስለዚ ንሕና ድማ እግዚአብሔር ካብ ሰባት ንላዕሊ ፈታው ሰብ ምዃኑ ብምፍላጥ፡ እንታይ ዓይነት ናይ ሕክምና ምድኃን ከም ዝህበና ብዕምቆት ኣይንሕተት። ወይ ድማ ንዝበጽሓና መከራ ንእኡ ተሓታቲ ኣይንግበር። እኳ ደኣ ዝፈተዎ ነገር፡ ቅጽዓት ይኹን ወይስ ቅጽዓት ዘይብሉ ነገር፡ ዝኾነ ይኹን ብምስጋና ኺንቅበሎ ይግብኣና። ብዝኾነ ዓይነት ምድኃን ይግበሮ ናቱ ፍቓድ ንሕና ኺንድኅንን ምስኡ ኺንከውንን ስለ ዝኾነ። ኣየናይ ምድኃን ንኣና ከም ዚጠቅም ድማ ንሱ ይፈልጦ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣየናይ ምድኃን ናብኡ (ናብ እግዚአብሔር) ከም ዝመልሶ ይፈልጥ እዩ። ኵላትና ከመይ ጌርናን ብኸመይ ዓይነት መገድን ኪንድኅን ከም ንኽእል ይፈልጥ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ብኡኡ በቲ ንሕና ንድኅነሉ ምድኃን እዩ ዚመርሓና።

 ስለዚ ብዝኾነ ይኹን ምድኃን ይውሰደና፡ ልክዕ ከም ናይ መጻጕዕ ንእኡ ተኸቲልና ምኻድ እምበር ዓቢይ ጉዳይና ብልስሉስን ቀሊልን ወይ ድማ ብኸቢድን ጥውይዋይን ጐደና ንኽንከይድ ዝእዝዘና ትእዛዝ ኪኸውን የብሉን። ነፍሲ ናይቲ መጻጕዕ ክሳዕ ክንድዚ ዝኣክል ጊዜ ነዚ ዳርጋ ናብ እቶን ሓዊ ከም ምድርባይ ዝቀራረብ  ሥቓይ ኣብ መከራ ምጽንሓ ንጥቕሙ እዩ ነይሩ። ካብዚ ብዋላ ሓንቲ ብዘይንእስ ምድኃን ግና እግዚአብሔር ኣብ ኵሉ መከራኡ ምስኡ ነበረ። ዓቢይ ዝኾነ ምጽንናዕውን ይህቦ ነበረ። ነቲ መጻጕዕ ከምኡ ገይሩ ዜበርትዖን ዚሓለዎን ናይ ምሕረት ኢዱ ዝዘርግሓሉን ብኽፉእ ኣወዳድቓ ንኸይወድቕ ዚገበሮን  ንሱ እግዚአብሔር እዩ። ከምኡ ዚገበሮ እግዚአብሔር እዩ ኪበሃል ከሎ ግና ናይቲ መጻጕዕ ምስጋናኡን ጽንዓቱን ኪትርስዑ የብልኩምን። ንሕና ኣዚና እኳ ጠቢባን እንተ ኾንና፡ ዋላውን ልዕሊ ዅሉ ሰብ ብርቱዓት እንተ ኾንና፡ ናይ እግዚአብሔር ረድኤትን ምሕረትን እንተዘይኃጊዛትና ግና ኣዝያ ንእሽተይ ንዝኾነት ፈተና እኳ ኪንፃወር ኣይንኽእልን። ብዛዕባ እዞም ኣዚና ዚተዋረድና ዋላ ሓንቲ ዘይንጠቅም ብዛዕባና ከምዚ ኢለ ዚዛረብ ዘለኹስ ስለ ምንታይ እየ? ምኽንያቱ ጳውሎስ ይኹን ዋላ ጴጥሮስ  ያዕቆብ ይኹን ዮሓንስ እግዚአብሔር እንተዘይረድኦም ነይሩ ዓቢይ ዚኾነ ውርደት ምረኸቦም ነይሩ፡ ክፉእ ብዝኾነ ኣወዳድቓውን ምወደቑ ነይሮም። እስከ ነዚ ብዝምልከት ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ኬንብበልኩም፡ ንጴጥሮስ ከምዚ በሎ “እነሆ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሓሕየኩም ተመነየ፡ ኣነ ግና እምነትካ ከይጠፍእ ምእንታኻ ለመንኩ“ /ሉቃ 22፡31-32/። “ኪሓሕየኩም” ማለቱኸ እንታይ ማለት እዩ? ኪሓሕየካ ኪጠዋውየካ ኬነዋውጸካ ኬሸብረካ ኬርዕደካ ኬጨንቐካ ብኣጠቓላሊ ልክዕ ከምቲ እኽሊ  ኪትሓሕዮ ኸለኻ ዚኸውን ዓይነት ማለት እዩ። “ኣነ ግና” ይብል ጐይታ “ኣነ ግና ነቲ መከራ ኪትጻወሮ ስለ ዘይትኽእል፡ ከምኡ ገይሩ ከይሓሕየካ ከልከልኩዎ። “እምነትካ ከይደክም” ዝብል ኣገላልጻ እግዚአብሔር ንሰይጣን እንተዘይክልክሎ፡ ናይ ጴጥሮስ እምነት ምደኸመ ወይውን ምወደቐ ዝብል መረዳእታ ይህበና።

 ስለዚ ተመልከቱ! እቲ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዚፈትዎ ዚነበረ፡ ኣዝዩ ብዙኅ ጊዜ ሕይወቱ ዚሃበሉ፡ ናይ ሓዋርያነት ማዕርግ ዘለዎ፡ ብጐይታና ብባዕሉ ብፁዕ ተባሂሉ ዚተጸውዐ፡ ኣብ እምነቱ  ከም ከውሒ ጽኑዕ ብምዃኑ ኰኵሕ ዚተባህለ ጴጥሮስ እኳ ክርስቶስ ጐይታና ዲያብሎስ ከም ደስ ዚበሎ ገይሩ ንኽፍትኖ እንተ ዝፈቕደሉ ነይሩ ብእምነት ደኺሙ ዚወድቕ ካብ ነበረ፡ ካልእ ሰብ ደኣ ካብ ረድኤት እግዚአብሔር ወፃኢ ኾይኑ ከመይ ኢሉ ምቛም ይከኣሎ? ብምዃኑ ድማ ንኡድ ክቡር ዝኾነ ጳውሎስ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ከምዚ በለ “ሰብ ኪፆሮ ዘይክእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ ስለዚ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይኃድገኩምን እዩ። ምፅዋሩ ምእንቲ ኺትክእሉ ግና ምስቲ ፈተናኹም መዋፅኦ ገይሩልኩም ኣሎ” /1ይ ቆሮ 10፡13/። 

 ብፁዕ ጳውሎስ ዚብለና ዘሎ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዚኾነ ፈተና ከም ዘይንፍተን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ንኽእሎ መከራውን እንተኾነ እግዚአብሔር ምሳና ከም ዘሎ እዩ። ኣቐዲምና ንሕና ዓቕምና ንኽእሎ ምስ ንጽዕር፡ ንኣብነት ንእምነትና ምስ ንቐንእ፡ ንእኡ ንእግዚአብሔር ተስፋ ምስ ንገብር፡ ምስ ነመስግን ምስ ንጸናናዕ፡ ምስ ንዕገሥ እግዚአብሔር ንኣና ንምርዳእ ምሳና ኣሎ። ኣብቶም ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዝኾኑ መከራታት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብቶም ንኽእሎም መከራታትውን እንተኾነ ጸኒዕና ኺንቀውም ረድኤተ እግዚአብሔር የድልየና እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኣመልኪቱ ከምዚ ይብለና “ከምቲ ሥቓይ ክርስቶስ ኣባና ዚበዝኅ ዘሎ ከምኡ ድማ ምጽንናዕ ክርስቶስ ኣባና ይበዝኅ ኣሎ” /2ይ ቆሮ 1፤5/

 ስለዚ ንመጻጕዕ ዜጸናንዖን መከራ ኪቕበል ዚፈቐደን ንሱ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ መጻጕዕ ምስ ፈወሶ ከመይ ዚበለ ርኅራኄ ከም ዘርኣዮ ተመልከቱ! ምኽንያቱ ድኅሪ ምፍዋሱውን እንተኾነ ኣይተፈለዮን፡ ኣይገደፎን። ምኽንያቱ ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ረኸቦውን ከምዚ ዝስዕብ ኢልዎ እዩ “እነሆ ድኂንካ ኣለኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካ መሊስካ ኃጢአት ኣይትግበር’ /ዮሐ 5፡14/። ከምቲ ሓሚምዎ ዚነበረ ኾይኑ ንኽለምስ ዚገበሮ ስለ ዝጸልኦ እንተ ዝኸውን ነይሩ፡ ኣይመድኃኖን ነይሩ፡ ንመጻኢ ምእንቲ ኺጥንቀቕ ኢሉውን ኣይምነገሮን።  “ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካ” ዚብል ኣገላልጻ መከራታት ቅድሚ ምምጽኦም ንርእሱ ከም ዚሕሉ ዚገብሮ ስለ ዝኾነ። ንሕማሙ ፈዊሱሉ እዩ፡ ተጋድሎኡ ግና ኣይፈጸመሉን። ንድናሴኡ ኣርሒቑሉ እዩ፡  ንፍርሃቱ ግና ኣየርሓቐሉን። እዚ ድማ ብምፍራህ ዚረኸቦ ጥቕሚ ክሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዑ ምእንቲ ኪኅዝ እዩ። እዚ ኸኣ ናይ ሓደ ሰብ ዝፈቱ ሓኪም ጠባይ እዩ። ንሰብ ዝፈቱ ሓኪም ሕጂ ካብ ዘለዉ ሕማማት ምፍዋስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመጻኢውን እቲ ዝሕከም ዘሎ ሰብ ደጊሙ ንኸይሓምም ኪገብሮም ዘለዎ ጥንቃቐታት ይነግሮ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዚገበሮ ድማ ከምዚ እዩ። ነቲ መጻጕዕ ነቶም ዚቐደሙ ኵነታት ብምዝኽኻር ንመጻኢ ኪጥንቀቕ ከም ዚግብኦ እናነገረ ንነፍሱ ደገፈሉ። ምኽንያቱ ካብ ሓደ ኣሸጋሪ ኵነታት ምስ ወፃና፡  ብድኅሪኡ ግና ነዞም ኵነታት እዚኣቶም ንርስዖም። ጐይታና ግና እቲ መጻጕዕ ከምዚ ምእንቲ ኸይገብር ኢሉ ብምሕሳብ “ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካ መሊስካ ኃጢአት ኣይትግበር” በሎ።

No comments:

Post a Comment