ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ በእንተ መጻጕዕ
....ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ ሳይዳ ኣብ ዓራት ደቂሱ ዚነበረ መጻጕዕ ክንርኢ ኸለና ኣዝዩ ዓቢይን ብዙኅን ጥቕሚ ረኺብና ኢና። ነቲ ሃብቲ ዚረኸብናዮ ግና ናብ ውሻጠ ልቦናኡ ብምእታው እምበር መሬት ብምዅዓት ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ድማ ናብ ውሻጠ ልቦናኡ ምስ ኣተና ዚረኸብናዮ ሃብቲ ናይ ብሩር ወይ ናይ ወርቂ ወይ ናይ ዚኸበረ እምኒ ማዕድን ዘይኮነ፡ ናይ ጽንዓት ናይ ፍልስፍና ናይ ትዕግሥቲ ከምኡውን ካብ ጌጻ ጌጽን ካብ ኵሉ ሃብታትን ዚበለጸ ንእኡ (ንእግዚአብሔር) ተስፋ ናይ ምግባርን ሃብቲ እዩ። ንዋታውያን ሃብታት ንኸተርቲ፣ ብሓሶት ወረ ንዘናፍሱ፣ ገዛ ንዝብርብሩ (ንሰረቕቲ) ከምኡውን ንተንኮል ሠራሕተኛታት ናይ ገዛና ዚተጋለጹ እዮም። ዋላ እኳ ካብዚ ዅሉ እንተ ተረፈ (እንተ ደኃነ)፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ነዚኦም ዚኅዙ ሰባት ናይ መንቀኛታት ዓይኒ ከም ዝቕይሕን ናይ ሽግር ማዕበል ከም ዚስዕብን ብምግባር ዓቢይ ጕድኣት እዮም ዘምጽኡ። መንፈሳዊ ሃብታት ግና እዞም ኵሎም ውዲታት ኣይረኸብዎምን እዮም፡ ካብ ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ኵላቶም ዚረሓቑ እዮም። ይትረፍዶ ኸተርቲን፣ ሰረቕቲን፣ ሓመይትን ናይ ሓሶት መሰኻኽርን ሞትውን እንተ ኾነ ኣይረኽቦምን እዩ። ምኽንያቱ ሞት ካብኣቶም ነቲ መንፈሳዊ ሃብቲ ኪወስዶ ኣይክእልን፡ እኳ ደኣ ፍሉይ ብዝኾነ ኣቀመምጣ ይቕመጠሎም። መሊሱውን ናብቲ ዚመጽእ ዓለም ምሳታቶም ከይዱ፡ ኣብቲ ዚመጽእ ሕይወት ኃቢርዎም ይትከል እምበር ኣይፍለዮምን እዩ። ብምዃኑ ድማ ነዚ ዓለም ተሰናቢቶም ንዝኸዱ ሰባት ኣዝዩ ዝድነቕ ጠበቓ ኾይኑ ካብቲ ዳኛ (ካብ ክርሰቶስ) ምሕረትን ርኅራኄን ይልምነሎም።
ከምዚ ዚኣመሰለ ኣዝዩ ብዙኅ ሃብቲ ኣብ ነፍሲ ናይቲ መጻጕዕ ተኸዚኑ ረኺብና ኢና። ብዓቢይ ህርፋን ናብዚ ዚጽግዑ ሰባት ውን፡ ይውደኣናዶ ይኸውን? ኢሎም ከይሰግኡ ብዙኅ ሃብታት ከም ዚረኽቡ ነዚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም። ናይ መንፈሳዊ ሃብቲ ባህርይኡ ከምዚ ስለ ዚኾነ፡ ንምንጪ ማይ ይመስል። እቶም ካብኡ ቀዲሖም ዚወስዱ ሰባት ኣዝዮም ብዙኃት እኳ እንተ ኾኑ ኣኺሉ ዚተርፍ እዩ። ናብ ልቡና ሰባት ኪኣቱ ኸሎ ብኸፊል (ብመጠኑ) ኣይኮነን ዚኣቱ፡ ግና ከኣ ኣይጐድልን እዩ። ንዅሉ ሰብ ክሳዕ ዚበጽሖ ተዋሂቡ እንከሎስ ኣይጐድልን። ብዛዕባ እቲ መጻጕዕ ኪንመሃሃር ከለና ዚኾነውን እዚ እዩ። ዋላ እኳ ብዙኃት ሰባት ካብዚ ሃብቲ እዚ ኪወስዱ ሓቲቶም ዘድልዮምን ዚኣኽሎምን እንተ ወሰዱ - ምሳኻትኩም ኣናጻጺረ ዚዛረብ ዘለኹኸ ስለምንታይ እየ? እዚ ነገር እዚ ካብ ዚተፈጸመሉ ጊዜ ጀሚሩ ክሳዕ ሎሚ ቊጽሪ ዘይብሎም ሰባት ሰብ ጸጋ ስለ ዚገበረ እየ፡ እንተ ኾነ ግና እቲ ሃብቲ ካብቲ መጀመርታ ዚነበሮ መጠን ዋላ ሓንቲ ኣይጐድልን። ስለዚ ንሕናውን ንእኡ ደሊና ናብዚ መንፈሳዊ ሃብቲ ኺንቀርብ ከለና ዋላ ሓንቲ ኣይንጨነቕ። እኳ ደኣ ዚከኣለና ቀዲሕና ንኽንከይድን ንቕረብ።
ናብቲ ሕያዋይ ጐይታና ኣተኲርና ንጠምት፡ ናብቲ መጻጕዕውን ንርአ። እቲ መጻጕዕ በዚ ሕማም ካብ ዚተኃዝ ሣላሳን ሸሞንተን ዓመት እዩ ገይሩ። ብዘይ ምቊራጽ የቐንዝዎ ነበረ፡ እንተ ኾነ ግና ኣማሪሩ ኣይፈልጥን። ንሕማሙ ብትብዓትን ብዓቢይ ትዕግሥትን ኮይኑ ደኣ ይፃወር ነበረ እምበር ንስም እግዚአብሔር ኣይጸረፈን፡ ኣብ ልዕሊ ፈጣሪ ናይ ወቐሳ ቓል ውን ኣይተዘረበን። “እዚ ኸ ብኸመይ ይፍለጥ? ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ 38 ዓመት ሓሚሙ ከም ዚነበረ ደኣ እምበር ብዛዕባ ናይ ቀደም ሕይወቱ ብግሉጽ ዚነግረና ነገር የብሉን። ካብዚ ኃሊፉ ግና ከም ዘየማረረ፡ ከም ዘይተቖጥዐ፡ ከም ዘይተበሳጨወ ዋላ ሓንቲ ኣይነግረናን እዩ ዝብል ሰብ እንተሎ፡ ኣነ ድማ “ነቲ ኃይለ ቃል ሸለል ከይበለ ብኣንቃዕድዎ ንዘስተውዕል ሰብ ነዚ ግሉጽ ገይሩ ነጊሩና እዩ” ኢለ ይምልሰሉ። ምኽንያቱ ቅድሚ እቲ ኵነታት ብዛዕባ ጐይታና ዋላ ሓንቲ ዘይፈልጥ ዚነበረ መጻጕዕ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብኡ ኺመጽእ ከሎን ከም “ዕሩቅ ብእሲ” ርእዩ ብዓይኒ ቕንዕና ኾይኑ ከዘራርቦ ኸሎን ኪትሰምዑ ኸለኹም ካብ ቀደሙውን ከመይ ዚበለ ጥበበኛ ሰብ ከም ዚነበረ፡ ኪትግንዘቡ ትኽእሉ ኢኹም። ጐይታና “ኪትድኅንዶ ትደሊ ኢኻ?” ክብሎ ኸሎ “ክንድዚ ዝኣክል ዓመታት ኣብ ዓራት ተጣቢቐ እናረኣኻኒ ከመይ ኢልካ ነዚ ሕቶ እዚ ትሓተኒ? ናይ ዘለፋ ቃል ተዛሪብካ ኣብ ልዕሊ ቚስለይ ቃንዛ ንኽትውስኽ፡ ንኸተባጭወለይን ኣብ ሕማመይ ድማ ንኽትላገጽን ዲኻ መጺኻ?” ብምባል ዚተለመደ ዓይነት መልሲ ኣይመለሰሉን።
ከምዚ ኢሉ ኣይተዛረበን። ይትረፍዶ ኽዛረብሲ ኣይሓሰቦንውን። እኳ ደኣ ብቕንዕና ኾይኑ ከምዚ በለ “እወ ጐይታይ” ስለዚ ተመልከቱ! ድኅሪ ናይ 38 ዓመት ሥቓይ እኳ ቅኑዕን ጭዋን እዩ ዚነበረ፡ ውሽጣዊ ብርትዐኡ ድኅሪ ምስባሩ እኳ ከምዚ ካብ ኮነ፡ መጀመርታ ሕማሙ ኺጅምር ከሎ ድማ ማዕረ ኽንደይ ብመንፈስ ዚበርትዐ ከም ዝነበረ ሕሰቡ። ምኽንያቱ ሕማማት መጀመርታ ኪጅምሩ ኸለዉ ክሳዕ ክንድዚ ዝኣክል ኣይከብዱን እዮም። ከይሓወዩ ንነዊኅ ጊዜያት ምስ ዚጸንሑ ግና ኣዝዮም ኣጨነቕትን ዘይከኣሉን ከም ዚኾኑ እሙን እዩ። እዚ መጻጕዕ ግና ዋላ ድኅሪ ነዊኅ ዓመታትውን ይኹን ጥበበኛን ዕጉሥን ነበረ። ስለ ዝኾነ ድማ ቅድሚ እታ መዓልቲ እቲኣውን ይኹን ንሕማሙ ብአኰቴት (ብምስጋና) ተቐቢልዎ ይነብር ከም ዚነበረ ብሩህ እዩ።....
No comments:
Post a Comment