bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday, 1 March 2017

ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን ናይ መወዳእታ ክፋል

 ዝኸበርኩም ተጠቀምቲ ገጽ ቤተ ኤልያስ፡ ብመሠረት ዘቐረብኩምዎ ጠለብ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ቊሩብ ስፍሕ ዝበለ ታሪኽ ሕይወት ናይ ኣቦና ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ከቕርበልኩም ምጽንሐይ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ  ምስ ካልኦት ዚተፋላለዩ ትምህርታት ናይ ኣቦና ዝኃዙ ጽሑፋቱ ብምውሳኽ ብመልክዕ መጽሓፍ ተኃቲሙ እግዚአብሔር ብዝፈቐዶ ኣብ ቀረባ ጊዜ ኪቐርበልና እዩ። ክሳዕ ሕጂ ታሪኽ ሕይወቱ ኢና ኪንርኢ ጸኒሕና ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይዛ መጽሕፍ ድማ እቲ ኣዝዩ ምቊርን ንነፍሲ ዘጥልልን ትምህርቲ ናይ ኣቦና ንኣና ንምፍዋስ ብዝተፈላለዩ መንፈሳውያን ምሥጢራት ተቓሚሙ ተዳልዩልና ኣሎ። እግዚአብሔር ጾምና ናይ በረኸት ጾም ይግበረልና በረኸት ናይ ኣቦና ድማ ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን እናበልኩ ናብ መንፈሳዊ ምሳሕ ኬኅልፈኩም፦

11. ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዝሠርሖም ሥራሓት

 ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዝመሃሮ ትምህርትን ዝጸሃፎን ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ብዘይካ ኦሪገን ከም ናቱ ገይሩ ዝጸሓፈን ናይ ሥራሑ ተጽዕኖ ጎሊሑ ዝወፀን የልቦን። ናይ ጽሑፍ ሥራሑ ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ዝሠርሖም ሥራሓት ከምዚ ዝስዕብ ጌርና ከፋፊልና ክንርእዮም ኢና።

12.1 ካብ መጀመርታኡ ብመልክዕ መጽሓፍ ዝተዳለዉ ሥራሓት

እዞም ሥራሓቱ ብቐጥታ ካብ መጀመርታኡ ብመልክዕ መጽሓፍ ጽሒፉ ዘዳለዎም እዮም። እዚኣቶም ከኣ ከከም ኣርእስቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ክምደቡ ይኽእሉ።

1. ብዛዕባ ገዳማዊ ሕይወት ዝምልከት

እዚኣቶም መብዛኅትኦም ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣብ ጊዜ ንእስነቱ ዝጸሓፎም ክኾኑ እንከለዉ፡ ነዚ ሕይወት ማዕረ ኽንደይ ዝኣክል ምኽንያታዊ ዝኾነ ኣድናቖት ከም ዝነበሮ ዘርእዩ እዮም።

ናይ ቤት ትምህርቲ ዓርኩ ንዝነበረን፡ ድኂሩ ከም ናቱ ገዳማዊ ሕይወት ምስ ጀመረ ብምኽንያት ሓንቲ ጓል ካብ ዕላማኡ ብምውፃእ ናብ ዓለም ተመሊሱ ንዝነበረ ንቴዎድሮስ ዝለኣኸሉ ክልተ መልእኽታት (ኣብ መንጎ 371 - 378 ዓ.ም ዝተጻሕፉ)፦ ኣብ መጀመርታ መልእኽቱ ብመልክዕ ናይታ ሄርሞን ዝተባህለት ጐርዞ ብምምራኹ ብምውቃስ ናብ ዝቐደመ ሕይወቱን ዕላማኡን ንኽምለስ፡ ብናይ ሲኦል መከራን ናይ መንግሥተ ሰማያት ሓጐስን ተድላን ይመኽሮ። ከምኡውን እንተ ተመሊሱ ይቕሬታ ዝረክብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብቲ ረኺብዎን በጺሕዎን ዝነበረ ናይ ቅድስና ክብሪ ንላዕሊ ዝበለጸ ከም ዝረክብ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙኅ መረዳእታታት ብምምጻእ የጸናንዖ። ኣብ ካልኣይቲ መልእኽቲ ድማ ናይ መርዓ ሕጋውነት ምኽንያት ገይሩ ንዝጠቐሰሉ ንቴዎድሮስ ኣብ ናይ ሓዳር ሕይወት ንምርካብ ምስ ዝኸብድ ምስ ክርስቲያናዊ ናጽነት ብምንጽጻር ናይዛ ዓለም ተድላን ደስታን ከመይ ዝበለ ጊዝያውን ዘየተኣማምንን ከም ዝኾነ የረድኦ። እዚ ድኻሙ ሠሚሩ ድማ ቴዎድሮስ ናይ መርዓ ሓሳቡ ገዲፉ ናብ ገዳማዊ ሕይወት ተመልሰ። ድኂሩውን ናይ ሞፕሶስቲያ ጳጳስ ኮይኑ እዩ።

ብዛዕባ ንስሓ - (375-376 ዓ.ም ዚተጻሕፉ) ንኽልተ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተጻሕፉ ክልተ መጻሕፍቲ ክኾኑ ኸለዉ ናይ ንስሓ ኣድላይነትን ጥቕምን ዝገልጹ እዮም። ንስሓ ክንድቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንክርስቶስ ዘፍቀሮ መጠን ፍቕሪ ናብ ናይ ምፍቃር ደረጃ ንኽንበጽሕ ንነፍረሉ ኽንፊ ይህበና ይብል። ዳዊትን ቅዱስ ጳውሎስን ከመይ ገይሮም ብንስሓ ከም ዝኸበሩ ብምርኣይ ናይ ንስሓ ጥቕሚ ብዝግባእ ግልጽ ኣቢሉ የረድእ።

ነቶም ንገዳማዊ ሕይወት ዝቃወሙ ዝተጻሕፉ ሠለስተ መጻሕፍቲ (375-376 ዓ.ም ዝተጻሕፉ)፦  በዞም መጻሕፍቲ እዚኣቶም ነቶም ናይ ገዳማዊ ሕይወት ጸላእቲ (ተቓወምቲ) ዝነበሩ ሰባት፡ ከምቶም ናይ ክርስቶስን ናይ ሓዋርያትን ጸላእቲ ዝነበሩ ኣይሁድ ምዃኖምን ኣይሁዳውያን ዝረኸቦም ቅጽዓት ድማ ከም ዝግብኦምን የርኢ። ኣብ ካልኣይ መጽሓፉ ድማ ብመንፈሳዊ ጥበብ ብምግባርን ብሃይማኖትን ዝኸበረ ክርስቲያናዊ ሕይወት፡ ካብቲ ብምቾትን ብሕንቃቐን ከምኡውን ብልዑል ክብርን ሥልጣንን ዝነበር ሕይወት ኣዝዩ ዝበልጽ ከም ዝኾነ የረድእ። ኣብ ሣልሳይ መጽሓፉ ድማ ንሓደ ክርስቲያን ኣቦ፡ ውላዱ ናብ ገዳም ንምእታው ንምንታይ ክፍቀደሉ ከም ዝግባእ የረድእ።

ናይ መነኰስን ናይ ንጉሥን ንጽጽር (መጠኑ ንእሽ ዝበለ መጽሓፍ)፦ ናይ ንጉሥ ሥልጣን ሃብትን ክብርን፡ ምስ ሕይወት ናይቲ ኣብ ሓቀኛ ፍልስፍና (ኣብ ገዳማዊ ሕይወት) ዝነብር መነኰስ የናጻጽር።


2. ብዛዕባ ክህነት

ናይ ክህነት ኃላፍነትን ዕብየትን ክብደትን ከምኡውን ሓደ ካህን ከመይ ክኸውንን ከመይ ክገብርን ከም ዝግብኦ ዘረድኡ ሽዱሽተ ተኸታተልቲ መጻሕፍቲውን ጽሒፉ እዩ። 
3. ብዛዕባ ድንግልናዊ ሕይወትን ብዛዕባ ንጽሕናን ርእስኻ ምግዛእን ከምኡውን ብዛዕባ ትምህርቲ ዝተጻሕፉ ዝተፈላለዩ ድርሰታት

ብዛዕባ ትዕቢትን ናይ ሕፃናት ትምህርትን ብዝምልከት ዝተጻሕፈ መጽሓፍ
ብዛዕባ ድንግልናዊ ሕይወት ዝተጻሕፈ መጽሓፍ - ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ መርዓን ድንግልናዊ ሕይወት ዝመሃሮ ኣብ (1ይ ቆሮ ምዕ 7) ዘሎ ትምህርቲ ዝትርጉምን ዘብርህን መጽሓፍ እዩ። መርዓ ክቡርን ጽቡቕን እዩ፡ እንተ ኾነ ግና ድንግልና ካብኡ ዝበለጸ ጽቡቕ እዩ።

ንሓንቲ ሰብኣያ ዝሞታ መንእሰይ መጸናንዒ።
ሰብኡተን ዝሞቱወን ኣንስቲ ካልኣይ ጊዜ ካብ ዝምርዓዋ፡ ንብሕተን እንተ ነበራ ዝኃሸ ከም ዝኾነ ዝርዝር ኣቢሉ ዘረደኣሉ መጽሓፍ እዩ።
ክልተ ሕጽር ዝበሉ ጽሑፋት - መጀመርታ ደናግል ካልኣይ ዲያቆናዊታውያን፡ እቲ ፍጻሜ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን ምኽንያት ብምግባር፡ ምስ ካህናት ኣብ ሓደ ገዛ ከይነብራ ይኽልክል።
4. ብዛዕባ ሃይማኖትን ብዛዕባ ናይ እግዚአብሔር መለኮታዊ ሓለዋን ዝተጻሕፉ
እዚኣቶም ኵላቶም ናይ ጥብቅና ሥራሓት እዮም ክበሃል ይከኣል።
ነቲ ከሓዲ ንጉሥ ጁልያንን ንመምለኽቲ ጣዖትን ዝተጻሕፈ ድርሰት - ነቲ ሃይማኖቱ ክሒዱ ንናይ ኣሕዛብ እምነት ጠበቓ ዝነበረን ክርስትና ንምጥቃዕ መጽሓፍ ንዝጸሓፈን ንንጉሥ ጁልያን ዝተጻሕፈ መጽሓፍ።
ክርስቶስ እግዚአብሔር ምዃኑ ዘረድእን ዘረጋግጽን፡ ብመሠረት ትንቢተ ነቢያት ዝመጸን ኢየሱስ እቲ ሓቀኛ ዝጽበይዎ ዝነበሩ መሲሕ (ክርስቶስ) ምዃኑን ንኣይሁድን ንኣሕዛብን ዘረድእ መጽሓፍ እዩ።

ንሓደ ብናይ ሕሊና ስቓይን ጭንቀትን ዝሽገር ዝነበረ መነኵሴ ዝተጻሕፉ ሠለስተ መጻሕፍቲ - ኣብ ውሽጢ መከራ ዘሎ ናይ ኣምላኻዊ መግቦት ሥራሕን ፈተናን ንመለኮታዊ ሓለዋ ዘለዎ ተራ የርኢ። ኣብ መጽሓፉ ውፅኢታዊ ዝኾነ ናይ ኃዘን መድኃኒት ኣቐሚጡ ኣሎ።

5. መልእኽታት

ኵላቶም ኣብ ናይ ስደት ዘመኑ (404-407) ዝተላእኩ ኪኾኑ እንከለዉ ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን (242) ዝኣኽሉ ክሳዕ ሎሚ ተዓቂቦም ይርከቡ። ንሳቶም ከኣ፦
ንጳጳሳትን ንኻልኦት ፈተውቱን ብዛዕባኡን ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያንን ብዝምልከት ዝተላእኹ።
ናይ መጸናንዒ መልእኽታት፦ ዝበዝኁ እዚኣቶም ኮይኖም ብፍላይ እቶም 17 ንኦሎምፒያስ ዝተላእኹ መልእኽታት ኣብ ውሽጦም ብዙኅ ትምህርታት ዝኃዙ እዮም።
ከምኡውን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝተላእኹ ካልኦት መልእኽታት እዮም።
እታ ብመከራኡ ዝያዳ ብርህትን ንጽሕትን ዝኾነት ናይዚ ዓቢይ ኣቦ ንጽሕቲ ነፍሲ፡ ኣብ ኵሉ መልእኽታቱ ብዝያዳ ብዝበለጸ ግልጺ ኾይና ትርአ።

6. ቅዳሴ፦ ሓደ መጽሓፈ ቅዳሴ

12.2 መጀመርታ ብቓል ተሰቢኾም ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ብዝተፈላለየ  ኣርእስቲ ንዝተፈላለዩ ጉዳያት ኣመልኪቱ ዝመሃሮምን፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ትርጓሜ ትምህርታትን እቶም ቀንዲ ካብዚኣቶም እዮም።

1. እቶም ብዝተፈላለየ  ኣርእስቲ ንዝተፈላለዩ ጉዳያት ኣመልኪቱ ዝሰበኾም ስብከታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

ሀ. ኣብ ሓደ ዝተኸሰተ ነገር ዘተኮሩ
ኣብ መንበሩ ክሽየም ከሎ ዝመሃሮ ትምህርቲ
ብምኽንያት ምስብባር ሓወልቲ ናይቲ ንጉሥ ዝሰበኾም ስብከታት (21)
ብምኽንያት ውድቀት ናይ ዩትሮጲየስ ዝስበኾ ስብከት (2)
ቅድሚ ናይ መጀመርታ ስደቱን ብድኅሪኡን ዝሰበኾም ክልተ ስብከታት

ለ. ብዛዕባ ኣጽራረ ቤተ ክርስቲያንን ኣጽራረ ሃይማኖትን ዝመሃሮም ትምህርታት

“መለኮታዊ ባህርይ ዘይምርመር ብዛዕባ ምዃኑ” - ንኣርዮሳውያንን መንፈቀ ኣርዮሳውያንን ዝተዋህቡ 12 ትምህርታት - እዚ ዓቢይ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቅ ‘ነብስና ናብ መለኮታዊ ምሥጢር ክብ ክብ ከነብልን ባህርይኡ ክንርዳእን ንኽእል ኢና’ ዝብል ዕብዳን ዝተመልኡን ኣብ ባዶ ዝሰኽሩ ዝነበሩን ኣርዮሳውያን ከንቱነቶምን ባዶነቶምን ብምርኣይ ንኣኣቶም ዘኅፈረሉን ዝሰዓረሉን ዘደንቕ መጽሓፍ እዩ።
ንኣይሁዳውያንን ናይ ኣይሁድ ክንፊ ንዝኾኑ ክርስቲያንን ዝተዋህበ 8 ስብከታት - ናይ ኣይሁዳውያን በዓል ዘኽብሩን ኣብ በዓላቶም ዝሳተፉን ከምኡውን ንትንሣኤ ምስ ናይ ኣይሁድ ፋሲካ ብሓደ መዓልቲ ንዘኽብሩ ተግባራቶም ጌጋ ከም ዝኾነ ይገልጽ።

ሐ ናይ ሞራል (ናይ ሥነ ምግባር) ስብከታት

ንንዑሰ ክርስቲያን ቅድሚ ምጥማቖም ዝተዋህበ ትምህርቲ
ብዛዕባ እቶም ኣብ ናይ ሓድሽ ዓመት በዓል ዝረኣዩ ዘይ ሥነ ምግባራውያን ተግባራት (ተርእዮታት) ዝመሃሮም ትምህርቲ
ብዛዕባ ምጽዋት
ብዛዕባ ንስሓ
ብዛዕባ ኣብ ናይ ቲያተርን ናይ ምርኢትን ቦታታትን  ዝካየዱ ጸወታታትን ውድድራትን ዝመሃሮ ትምህርቲ
ፈተና ብዝምልከት ዝተሰበኹ ስብከታትን እዮም

መ. ብዛዕባ ምሥጢራት ዝተሰብኩ ስብከታት

እዚኣቶም መብዛኅትኦም ኣብ ናይ ጐይታና ዓበይቲ በዓላት ዝተሰብኩ ስብከታት እዮም። ንሳቶም ከኣ፦
ኣብ ልደት
ኣብ ጥምቀት
ኣብ ጸሎተ ኃሙስ - ብዛዕባ ክሕደት ይሁዳ 3 ስብከታት
ኣብ ስቕለት - 2 (እቲ ሓደ ናቱ ምዃኑ ኣጠራጣሪ እዩ)
ኣብ ዕርገት
ኣብ በዓለ ኃምሳ ዝሰበኾም ስብከታት እዮም።

ሠ. ብዛዕባ ቅዱሳን ሰማዕታት ዝሰበኾም
እዚኣቶም ብዙኃት እዮም። ካብዚኣቶም  ኣዝዮም ዝድነቑ፡ እቶም ኣብ ኣንጾኪያ እንከሎ ብዛዕባ ቅዱስ ጳውሎስ ዝሰበኾም ስብከታት እዮም። ካብቶም ካልኦት ድማ ብዛዕባ እቶም ሠለስተ ናይ ብሉይ ኪዳን ኣርኣያነት ዘለዎም ሰባት - ብዛዕባ እዮብን ኣልኣዛርን መቃቢስን ዝሰበኾም፡ ብዛዕባ ሰማዕት ቅዱስ ባቢላስን ኣግናጥዮስን፡ ብዛዕባ ቅዱስ ኤዎስጣቴዎስ ዘአንጾኪያ፡ ብዛዕባ ቅዱስ መላጥዮስ፡ ብዛዕባ ሮማኖስን ብዛዕባ በረላምን ዝሰበኾም ክጥቀሱ ይኽእሉ።
ረ. ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስን ኣርእስታትን ዝሰበኾም ኣዝዮም ብዙኃት ዝኾኑ ስብከታት
እዚኣቶም ከኣ ብዛዕባ ኣልኣዛርን እቲ በዓል ጸጋን ዝሰበኾም ስብከታት ወሲኽካ ኣዝዮም ብዙኃት እዮም።

12. ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጓሜያት

እዞም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝተርጎመሎም ተኸታተልቲ ጽሑፋት እቶም ቀንዲ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቂ ሥራሓት እዮም።
ሀ. ክሳዕ ሕጂ እኳ ካብ ዘለዉ ናይ ብሉይ ኪዳን መጻሕፍቲ ትርጓሜ እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፦
ብዛዕባ ኦሪት ዘፍጥረት - 67 ሆሚሊ
ብዛዕባ ሐና እመ ሳሙኤል - 5 ሆሚሊ
ብዛዕባ ዳዊትን ሳኦልን - 3 ሆሚሊ
ብዛዕባ አዝያስ 6 ሆሚሊ
ብዛዕባ መዝሙረ ዳዊት - 59 ሆሚሊ
ብዛዕባ ትንቢተ ኢሳይያስ ካብ ምዕራፍ 1-6 6 ሆሚሊ
39
ለ. ካብ ናይ ሓድሽ ኪዳን መጻሕፍቲ ትርጓሜታት ድማ
ናይ ወንጌል ማቴዎስ  ትርጓሜ - 90 ሆሚሊ
ናይ ወንጌል ዮሓንስ ትርጓሜ - 88 ሆሚሊ
ናይ ግብረ ሓዋርያት ትርጓሜ - 55 ሆሚሊ
ናይ ኵሎም ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ትርጓሜ - 250 ሆሚሊ

 ኵሎም ትርጓሜታቱ ኣዝዮም ደስ ዝብሉን ናይቲ መጽሓፍን ናይቲ ኃይለ ቃልን ውሽጣዊ ትኽክለኛ መልእኽቲ ግልጽ ኣቢሎም ዘርእዩ እዮም። ብፍላይ ድማ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽታት ትርጓሜታቱ ነብሱ ኣብ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቦታ ገይሩ ብምሕሳብ፡ እቲ ጸሓፊ ክብሎ ዝደለየ እንታይ ከም ዝነበረ ብትኽክል ተረዲኡ፡ ንናይ ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ውሽጢ ሓሳቡ ተረዲኡ፡ ንናይ ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ውሽጢ ሓሳቡ ኣብሪሁ ዝገለጸሎም ዘደንቑ ትርጓሜታት እዮም። ናይ ፔሉዚየም ቅዱስ ኤስድሮስ ብዛዕባዚ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል፦ “ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብናይ ኣቴናውያን ናይ ኣጸሓሕፋን ናይ ኣገላልጻን ስልቲ ጽሒፉ እንተ ዝኸውን ነይሩ፡ ንመልእኽታቱ ዝጽሕፍን ዝገልጽን ዝነበረ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብዝተጠቕመሎም ቃላትን ዓረፍተ ነገራትን ምጽሓፈ ነይሩ።” ይብል። ናይ ትርጓሜ ስልቱ ከኣ ከም ናይ እስክንድርያ ቤት ትምህርቲ ናይ ትርጓሜ ስልቲ ካብ ገጸ ንባቡ ዝረሓቐን ኣዝዩ ምሳልያዊ ዝኾነን ናይ ትርጓሜ ስልቲ ዘይክተል፡ ከም ናይ ኣንጾኪያ ቤት ትምህርቲ ስልቲ ድማ ክሳዕ ጫፍ ዝበጽሐ ንባብን ናብ ቊጽሪ ዘተኮረን ዘይኮነን እዩ።
 ብርግጽ ኣዝዩ ዝጸቕጠሉ ንናይ ኣንጾኪያ ቤት ትምህርቲ ናይ ትርጓሜ ስልቲ እዩ። ናይ ትርጓሜ ስልቱ ናይ ኣንጾኪያ ቤት ትምህርቲ ናይ ትርጓሜ ስልቲ መሠረት ዝኾነ ናይ ዲያድረስ ናይ ትርጓሜ ስልቲ ጽቡቕ መርኣያ እዩ። ግቡእ ኮይኑ ምስ ዝረኽቦ ምሳሌያውን ዘይቤያውን ናይ ትርጓሜ ስልቲውን ኃኃሊፉ ይኽተል እዩ። ኣተረጓጉማኡ ድማ ኣብቲ ገጸ ንባብ ንዘሎ ናይቲ ሓሳብ መሠረታዊ ጭብጢ ፍሒሩ ብምውፃእ ከም መስትያት ብሩህ (ንጹር) ገይሩ ዘርኢ እዩ። ብሓፈሻ ናይ ትርጓሜ ሥራሓቱን ጽሑፋቱን ተቐዲሖም ዘይነጽፉ፡ ናይ ዶግማ ናይ ሥነ ምግባርን ናይ ዝተፈላለዩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርታትን ምንጪ እዮም። ብርግጽውን ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጓሜን ኣተረጓጉማን ትኽክለኛ ርድኢትን ፍልጠትን ንምርካብ ናቱ ናይ ትርጓሜ ጽሑፋት ምንባብ የገድደካ። ብሓቂውን እግዚአብሔር ንሓዋርያት ወንጌል ከም ዘጽሓፈ ናይ ምትርጓም ሃብቲ ድማ ነዚ ቕዱስ ኣቦ ሂብዎ እዩ።

 ብዘይካ እዚኣቶምውን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዓንቀጻትን ኃይለ ቃላትን፡ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን በዓላት፡ ኣብ ናይ ሓዋርያትን ናይ ሰማዕታትን ዕለተ ዕረፍቶም፡ ንተጋድሎኦምን ንኽብሮምን ዝምልከት ትምህርቲ፡ ብዛዕባ ኣምለኽቲ ጣዖት፡ ኣይሁዳውያንን፡ ብዛዕባ እቶም ኣይሁዳውን ኦሪታውን ልማዶም ናብ ክርስትና ኂዞም ንዝመጹ ክርስቲያን ብዛዕባ ኣርዮሳውያንን ካልኦት ብዙኃት ጽሑፋትን ጽሒፉ እዩ። ትምህርታቱ ተጻሒፎም እዮም ክሳዕ ሕጂውን ኣለዉ።

 ናይ ትርጓሜ ይኹኑ ብዛዕባ ዝተፈላለየ ኣርእስታት ዝተዋህቡ ትምህርታቱ፡ ብናይ ጥንቲ ግሪኽ ዝተጻሕፉ ስለ ዝኾኑ፡ ምስኡ ድማ ካብ ቋንቋ ናብ ቋንቋ ክትርጎሙ እንከለዉ ናይ ቋንቋን ናይ ኣገላልጻን ኃይሎም ከምኡውን ናይ ሓሳብ ፍሰቶም ብዙኅ ከይተጐድአ ኣይተረፈን። እንተ ኾነ ግና ትምህርቱን ስብከታቱን ንዅሉ ትውልዲ ክምህሩን ክመኽሩን ነይሮምሲ ክሳዕ ሕጂውን ሕያዋን እዮም። ኣብ ውሽጦም ብዙኅ ጣዕምን ጥቕምን ዘለዎም፡ ደጋጊምካ ከተንብቦም እናተፈተዉ ዝኸዱ እዮም። ንቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብትኽክል ክትፈልጦ ዝከኣልውን ንሥራሓቱ ብዝግባእ ብምንባብ እዩ።

 ንዝኾነ ሰብ ብዝግባእ ክትፈልጦ ዝከኣል፡ ብዛዕባኡ ዝገልጹ ነገራት ብምንባብን ብምስማዕን ብፍላይ ድማ ትምህርታቱን ኣተሓሳስባኡን ብሓፈሻ መንነቱ ዝገልጹ ናይ ጽሑፍ ሥራሓቱን ትምህርታቱን መልእኽታቱን ብምንባብ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ መንነት ብመጠኑ ንምፍላጥ ምእንቲ ክኅግዘና ካብኡ ኃሊፉውን ትምህርታቱ ብዝኃዝዎ ቁም ነገራት ምእንቲ ክንጥቀም፡ ካብቶም ብዙኃት ትምህርታቱ ነዞም ዝስዕቡ ሠለስተ ትምህርታቱ ከምዚ ዝስዕብ ተርጕምና ነቕርብ።

No comments:

Post a Comment