bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday, 3 March 2017

ትምህረተ ጾም ዘኦርቶዶክስ መበል 11 ኽፋል

ምኵራብ


ስያሜ ናይዚ ዕለት ምኵራብ ይበሃል፡ ጐይታና ኣብ ምኵራብ ናይ ኣይሁድ ተረኺቡ ነቶም ዚተኣስሩ ናጽነት፡ ንዝሞቱ ሕይወት ንድኻታት ወንጌል ንዝተጠቕዑ ናጽነት ኣብ ፍርዲ ንዘለዉ ኵላቶም ከኣ ዓመተ ምሕረት ከም ዝመሃረን ብትምህርቱ ኸኣ ከም ዘድነቑዎን ይንገርን ይዝመርን። ስያሜኡ ናይ ቅዱስ ያሬድ እዩ። መድኃኒና ኣብ ምኵራብ ኣትዩ ዚገበሮም ነገራት እናዘከረ ስለ ዝዘመረ እዚ ዕለት ምኵራብ ተባህለ፡ እዚ ኸኣ ናይ ዓቢይ ጾም ሣልሳይ ሰንበት እዩ።

ናይ ዕለቱ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር ኣርእስቲ

ቦአ ኢየሱስ ምኵራብ ኣይሁድ
ኢየሱስ ናብ ናይ ኣይሁድ ምኵራብ ኣተወ

ኣብ ጊዜ ቕዳሴ ዚንበቡ ክፍልታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ

ቆላ 2፡16-ፍጻሜ  ዲያቆን (ገባሬ ሠናይ)
ያዕ 2፡14- ፍጻሜ ዲያቆን (ንፍቅ)
ግ.ሓ 10፡1-9 ካህን ተራዳኢ

ምስባክ 

እስመ ቅንዓተ ቤተከ በልዓኒ
ትዕይርቶሙ ለእለ ይትኤየሩከ ወድቀ ላዕሌየ
ወቀጻዕኩዋ በጾም ለነፍስየ

ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፡ ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻ ኣባይ ወደቐ፡ ንነፍሰይ ብጾም ቀጻዕኩዋ /መዝ 69፡9/።

 ትርጕም፦ ኣብ ቤተ መቕደስካ ዕዳጋ ዘርጊሖም ምስ ረኣኹ ዚቐናእኩዎ ቕንኣት ከም ሓዊ ኣንዲዱኒ። ከምቲ ንኣኻ ኣብ ቤት መቕደስካ ዕዳጋ ገይሮም ዝጸረፉኻ፡ ኣነ ነቲ ዕዳጋ ምስ ኣፍረስኩሎም ከኣ “መኑ አብሐከ ትግበር ዘንተ” ነዚ ንኽትገብር መን ሥልጣን ሂቡካ? በሉኒ /ዮሓ 2፡8/። ብተወሳኺውን ከምቲ ንስኻ መና ካብ ሰማይ ኣውሪድካ ምስ መገብካዮም “ምንት ጣዕሙ ለዝ መና” ኢሎም ዘጕረምሮምልካ፡ ኣነ ኸኣ “ሥጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩምን ደሙ ኸኣ እንተ ዘይሰቴኹምን ናይ ዘለዓለም ሕይወት የብልኩምን” እንተ በልኩዎም “እዝስ ሥጋኡ ኺንበልዕ ከመይ ኢሉ ኪህበና ይከኣሎ” ኢሎም ተፈታተኑኒ /ዘፀ 16፡15 ዮሓ 6፡52/። ሰብነተይ ብጾም ኣድከምኩዋ፡ ጐይታና ኣርብዓ ለይትን ኣርብዓ መዓልትን ጾመ /ዘፀ 34፡28-ፍጻሜ ማቴ 4፡2-6/።

ወንጌል ዮሓንስ 2፡12-ፍጻሜ ካህን 
ቅዳሴ፦ ናይ ጐይታ (ነአኵተከ)

ስብከት ዘምኵራብ

ድኅርዚ ንሱ ምስ ኣዲኡን ኣኅዋቱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ወረደ። ኣብኡውን ሒደት መዓልቲ ጸንሑ /12/

 ቅዱስ ኣውግስጢን፦ ምኽንያቱ ኣብኡ ዚነበሩ ሰባት ወንጌለ መንግሥት ኪሰምዑ ስለ ዝነበሮም እዩ። እንተ ኾነ ግና ውንጌላዊ ቕዱስ ዮሓንስ ኣኅዋቱ ዝብሎም ዘሎ ንበዓል መን እዩ፧ ከምዚ ተባሂሎም ተገሊጾም ዘለዉ ምስ እምቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝምድና ዘለዎም ደኣ እምበር ደቃ ኣይኮኑን። እዚ ኸኣ ኣብርሃም ንሎጥ /ዘፍ 13፡8/ ላባ ንያዕቆብ /ዘፍ29፡15/ ኃወይ ከም ዚተበሃሃሉ ዓይነት እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱውን ኣኅዋተይ እናበለ ይጽውዖም ከም ዚነበረ ተገሊጹ ኣሎ /ማቴ 14፡46-50/። 

 ብኻልኣይ ትርጕም ድማ “ዮሴፍ ካብ ሰበይቱ ዚወለዶምን ምስ ጐይታ ብሓደ ዝዓበዩን እዮም’ 

 ፋሲካ ኣይሁድ ከኣ ቀሪቡ ነበረ /13/ 

ኦሪገን፦ “እዚ ፈሲካ እዚ ብድኅሪ ጥምቀት ናይ ጐይታና ዚተገብረ ናይ መጀመርታ ፋሲካ እዩ። ካልኣይ ኣብ /ሉቃ 6፡1/ ሣልሳይ ከኣ ኣብ /ዮሓ 6፡4/ ናይ መወዳእታ ኣብ /ዮሓ 11፡55/ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ዘገርም ነገር ቅድሚ ሕጂ እዚ ፋሲካ እዚ ናይ እግዚአብሔር ፋሲካ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ /ዘፀ 12፡11/። ሕጂ ግና ኣይሁዳውያን ናይ ባዕሎም ዝኾነ ሰብ ዚሠርሖ ወግዕን ልማድን ስለ ዝወሰኹሉ፡ እቲ ናይ ቅድም ስሙ ተለዊጡ ከምቲ ብነቢይ “ንበዓላት ሠርቂ ኣዋርኅኩምን ንዓመታዊ በዓልኩምን ብምሉእ ልበይ እየ ዝጸልኦ” ዚተባህለ “ናይ ኣይሁድ ፋሲካ” ተባሂሉ ንርእዮ ኣሎና። 

ኢየሱስውን ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ። ኣብ ቤተ መቕደስ ከኣ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣራግብን ዚሸጡን ሸረፍቲ ተቐሚጦምን ረኸበ /14

 ቅዱስ ኣውግስጢን፦ እዞም ሸያጦ እዚኣቶም ንእግዚአብሔር ኣብ ክንዲ ምግልጋል ንናይ ርእሶም ጥቕሚ ንምዕባይ ክብሉ ንቤተ መቕደስ ናይ ንግዲ ቦታ ዝገብሩ እዮም። ልቢ ናይዞም ሰባት እዚኣቶም ምስ እግዚአብሔር ዘይኮነስ ምስቲ ዚሸጥዎ ንብረትን ምስቲ ዝድልብዎ ገንዘብን እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ንጐይታ ንምግዛእ ዘይኮነስ ንእኡ ንምሻጥ ዝእከቡ እዮም። ንኣኣቶም ግና ነቲ ኣብኡ ዝሥዋዕ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን እንተ ዝገዝኡ ምኃሾም። 

“ካብ ገመድ መግረፊ ገይሩ ኸኣ፡ ምስተን ኣባጊዕን ኣብዑርን ንዅሎም ካብ ቤት መቕደስ ኣውፅኦም፡ ንወርቂ እቶም ሸረፍቲውን ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቓኦም ከኣ ደንከሎ /15/

 ቅዱስ ቴዎዶር፦ “ኣቐዲምና ከም ዝገለጽናዮ ናይዞም ኣይሁዳውያን መሥዋዕት፡ በዓላት ዘይረብሕ ነገር ወሳሲኾም ዘምጽእዎ ቊርባን ደስ ስለ ዘየበሎ ደንከለሎም /ኢሳ 1፡11-15/። ሓደ ነገር ግና ኣስተውዕሉ! ጐይታና እንኮላይ ንመሥዋዕተ ኦሪትውን ደኣ እምበር፡ ናይ ዕዳጋ ቦታ ጥራይ ኣይኮነን ዝደንከሎ።

ነቶም ሸየጥቲ ኣራግብ ድማ፥ እዚ ካብዚ ኣልዕልዎ፡ ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ በሎም /16/

ቅዱስ ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌም፦ “ጐይታና ነዚ ዅሉ ነገር ኺገብር ከሎ፡ “ንቤት ኣቦና” ዘይኮነስ “ንቤት ኣቦይ” ክብል ኢና ንዕዘብ። እዚ ድማ ከምቲ ሓደ ሓደ ዘናፍስዎ ናይ ምንፍቕና ወረ ዘይኮነስ፡ ንሱ ዕሩይ ምስለ አብ በመለኮቱ (ብመለኮቱ ምስ ኣቡኡ ማዕረ ከም ዝኾነ) የርኢ። “ቤት ኣቦይ” ዝበሎም ከኣ ኣይሁድ ኣቐዲሞም ንእግዚአብሔር ብሓድነቱ ጥራይ ስለ ዝፈልጡዎ እዩ። ሕጂ ግና ኣብ ባሕሪ ዮርዳኖስ ግልጺ ኸም ዝኾነ፡ ብሓድነትን ብሠለስትነትን ዝምለኸሉ ቅዱስ ስፍራ እዩ። 

ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፥ ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ፡ ጹሑፍ ከም ዘሎ ዘከሩ /17/

 እዛ ቅንኣት እዚኣ ንጐይታ ክሳዕ መስቀል ዘብጽሓቶ ቅንኣት እያ። እዛ ቕንኣት እዚኣ ንሱ ተዋሪዱ ንሕና ዝኸበርናላ ቅንኣት እያ። እዛ ቕንኣት እዚኣ ንሱ ድኻ ኾይኑ ንሕና ሰብ ጸጋ ዝኾንናላ ቅንኣት እያ። ኣኅዋተይ! ሎሚ እዛ ቕንኣት እዚኣ ንዅላትና ኺትበልዓና ይግባእ! ኣኃተይ! እዛ ቕንኣት እዚኣ ከምታ ናይ ኣይሁድ ክፍእቲ ቕንኣት ኣይኮነትን። እዛ ቕንኣት እዚኣ ኣብ ውሽጣ ተንኮል ዘይተሓወሳ ብንጹሕ ፍቕሪ እትግበር ቅንኣት እያ። እዛ ቕንኣት እዚኣ ብፍላይ ሎሚ ኣዝያ ተድልየና ኣላ። ኣብዚ ፍቕሪ ዚዛኅተለሉ ዘመን እዛ ቕንኣት እዚኣ ኣብ ቤትና ተድልየና ኣላ። ኣብዚ መናፍቓን ዚበዝኁሉ ዘመን እዛ ቕንኣት እዚኣ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ተድልየና ኣላ።

 ጐይታ ሎሚውን እዛ ቕንኣት እዚኣ ትበልዖ ኣላ። እዚ ኣማናዊ ቤተ መቕደስ ዝኾነ ሰብነትና ቤት ሸቐጥን ናይ ክፍኣት ቤትን ኪኸውን ከሎ ንጐይታ እዛ ቕንኣት እዚኣ ትበልዖ። ንጹሓት ኪንከውን ዝግብኣና ብዝተፈላለዩ ኺንረክስ ከለና ሎሚ ዘኅዝን እዩ። ስለዚ ናብ ቤቱ ንመለስ፡ እግዚአብሔር ሎሚ ብኹርማጅ ዘይኮነ ብፍቕሪ ይጽውዓና ኣሎ። ክሳዕ ንኸፍተሉ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ቤትና ደው ኢሉ ኣሎ። ኣኅዋተይ ንእግዚአብሔር “ማራናታ” ንበሎ። ሽዑ ንፍቓድና ተመልኪቱ ከመይ ገይሩ ከም ዘጽርየና ባዕሉ ይፈልጥ እዩ። ነዚ ዅሉ ንኽንገብር እቲ ንኣና ብምፍቃሩ ሰብ ዝኾነ ክርስቶስ ይርደኣና።

“ሽዑ ኣይሁድ፥ እዚ እትገብር ካብ ኮንካስ፡ እንታይ ትእምርቱኸ ኸተርእየና ኢኻ፧ ኢሎም መለስሉ” /ቊ 18/

 ዝገርም እዩ! ኣይሁድ በዚ ኣዘራርባኦም፦ “ንቤቱ ቤት ሸቐጥ ምግባርና ጽቡቕ ኣለና፡ ንስኻ እዚ ቤት ኣቦይ ቤት ጸሎት እዩ ምባልካ ግና (ሎቱ ስብሐት) ሕጊ ስለ ዘይትፈልጥ እዩ። ካብ ምድራውያን ነገሥታት ካብ ሌዋውያን ካህናት ዘይኮንካ ክንስኻ ነዚ ብዛዕባ ምግባርካኸ እንታይ ትእምርቲ ተርእየና፧” ዝብሉ እዮም ዝመስሉ። ኣቤት! ሰብ ብኃጢአት ኪድንዝዝ እንከሎ ንኽፍኣቱውን ትእምርቲ እዩ ዝደሊ። ሎሚውን ሓደ ሓደ ሰነፋት “ሽጋራ ኣይተትክኹ፡ ጫት ኣይትቕሓሙ፡ ኣይትስከሩ፡ ኣብ ጊዜ ጾም ዓሣ ኣይትብልዑ…ዝብል ጥቕሲ ኣበይ ኣሎ፧ እናበሉ ከም ዝሓቱ ማለት እዩ። ጐይታውን  እዝነ ልቦናኦም ስለ ዝዓወረ ንጊዜኡ ደኣ ኣይተረድኦምን እምበር፡ ከምዚ እናበለ ምልክት ይህቦም ነበረ፦

 “ኢየሱስ ድማ፥ ነዚ ቤተ መቕደስ እዚ ኣፍርስዎ፡ ኣነ ኸኣ ብሠለስተ መዓልቲ ኸልዕሎ እየ ኢሉ መለሰሎም” /ቊ19/ 

 ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፦ “ኵላቶም ንዘይርድኦም (ዋላ ደቂ መዛሙርቱ) ከምዚ ምባል ንምንታይ ኣድለዮ፧ ኺትብሉ ትኽእሉ ኢኹም፡፤ ንሕና ኸኣ ከምዚ እናበልና ንምልሰልኩም፦ ጐይታ ከምዚ ዝገበረ ንሱ ኵሉ ዝፈልጥ ከም ዝኾነ ንኽርድኡ ኢሉ እዩ”

 አርጌንስ፦ “ብርግጽውን ዋላ እኳ ንጊዜኡ እንተ ዘይተረድኦም (ደቂ መዛሙርቱ ተጠቒሞም ንሳቶም ኣይተጠቕሙሉን ደኣ እምበር) ምስ ቀተልዎ ግና እንታይ ማለቱ ከም ዝኾነ ተረዲእዎም እዩ” 

ቅዱስ ሂላሪ፦ “ኣብዚ እንርድኦ ኻልእ ቁም ነገር ኣሎ። ንሱ ኸኣ ከምቲ ሓደ ሓደ መናፍቓን ዝሓስብዎ፡ ክርስቶስ ዕሩቅ ብእሲ ከም ዘይኮነ እዩ። ምኽንያቱ ቃሉ ከም ዘረደኣና ነፍሱ ኣኅሊፉ ናይ ምሃብን ናይ ምትንሣእን ሥልጣን ከም ዘለዎ “ኣብ ሠለስተ መዓልቲ ከልዕሎ እየ” እናበለ እዩ ብግልጺ ዚነግረና ዘሎ /ዮሐ.10፡18።

እቶም ኣይሁድ ከኣ፥ እዚ ቤተ መቕደስ እዚ በርብዓን ሽዱሽተን ዓመት እዩ ዝተሓንጸ፡ ንስኻዶ ብሠለስተ መዓልቲ ኸተልዕሎ ኢኻ፧ በልዎ /ቊ 20/።

 እቲ ብሰሎሞን ዚተሓነጸ ቤተ መቕደስ ኣብ ዕሥራ ዓመት እዩ ተወዲኡ። እስራኤላውያን ካብ ምርኮ ባቢሎን ተመሊሶም ኣብ ናይ ዘሩባቤል ዘመነ መንግሥቲ ዚተሠርሐ ግና 46 ዓመት እዩ ወሲድሉ /ዕዝ 6፡15/። ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ዋላ እኳ ንዅላቶም እንተ ዘይተረድኦም፡ ጐይታና ብዛዕባ እቲ ማኅደር ዝበሃል ሰብነቱ እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ሕንጻ ቤተ መቕደስ ኣይኮነን ዝዛረብ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ዋላ እዚ ወንጌላዊውን ነዚ ወንጌሉ ድኅሪ ጐይታ ምትንሥኡ ስለ ዝጸሓፎ ናይ ክርስቶስ ኣዘራርባ እንታይ ማለት ከም ዝኾነ ኼረድእ እንከሎ፦ 

ንሱ ግና ብዛዕባ መቕደስ ሰብነቱ እዩ ዝተዛረበ” /ቊ 21/ ዝበለ። 

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፦ ካባኻትኩም ጐይታና ብዛዕባ ሰብነቱ ከም ዚተዛረበ ስለ ምንታይ ግልጺ ገይሩ ኣይተዛረበን፧ ዝብል ክህሉ ይኽእል እዩ። ንሕና ኸኣ “ንጊዜኡ ንዝነግሮም ብቐሊሉ ዘይክቕበልዎ ስለ ዝኽእሉ እዩ። ደቂ መዛሙርቱ ዚተደናገሩውን በዚ እዩ” ኢልና ንምልሰሉ” 

“ስለዚ ኸኣ ካብ ምውታት ምስ ተንሥአ፡ ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ዝበሎ ዘከሩ፡ በቲ ጽሑፍን በቲ ኢየሱስ ዝበሎ ቓልን ድማ ኣመኑ” /22/

 ቅዱስ ኣምብሮስ፦ እወ! ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ “ነዚ ቤተ መቕደስ ኣፍርስዎ ኣቦይ ከተንሥኦ እዩ” ዘይኮነስ “ኣነ ኸተንሥኦ እየ” ከም ዝበሎም ዘከሩ። ኣቡኡ ኣተንሥኦ እንተ ተባህለውን ዝጻላእ ነገር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንሱን ኣቦን ሓደ ስለ ዝኾኑ። ስለዚ ከምቲ ዚተዛረቦ ተንሥአ ንሳቶም ከኣ ኣመንዎ፡ ሕይወት ከኣ ኮኖም። 

 “ነቲ፡ ኢየሱስ ብበዓል ፋሥጋ ኣብ ኢየሩሳሌም ከሎ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረኣዩ፡ ብዙኃት ሰባት ብስሙ ኣመኑ” /ቊ23/

 ኣርጌንስ፦ “ኣየናይ ምልክት ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም፧ ነቲ ነቶም ኣብ ቤት መቕደስ ዚነበሩ ሸየጥቲ ምውፅኡ ከም ተኣምር ሓሲብዎ ዘይኮነስ፡ ካልኦት ዝገበሮም እንተ ኾነ ግና ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ዘይተጻሕፉ ተኣምራት ከም ዝገበረ የረደኣና”። 

“ኢየሱስ ግና፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ እኳ ብናይ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድለዮን፡ ንዅሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ፡ ኣይኣመኖምን” /24/

 ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፦ ስለ ምንታይ፧ ኢልኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ጐይታና እዞም ሰባት እዚኣቶም ካብ ልቦም ኣሚኖምዎ ዘይኮኑስ፡ በቶም ዘርኣዮም ተኣምራት ንጊዜኡ ብስምዒት ተደፋፊኦም “ኣሚንና” ከም ዝበሉ ስለ ዝፈለጦም ኣይኣመኖምን። ልቦም ብዙኅ ሓመድ ዘይብሉ ዓሚቚ፡ መሬት ዘይብሉ ከውሒ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ እዩ /ማቴ 13፡5/ 

 እወ! ንሱ ክርስቶስ ዕሩቅ ብእሲ ኣይኮነን። “ነቲ ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ሓደ እኳ ብናይ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድልዮን ነበረ” /ቊ 25 መዝ 32፡15/ ጥበበኛ ሰሎሞን ከም ዝበሎ “ንልቢ ዅሎም ደቂ ሰብ ዝፈልጦ ንሱ በይኑ እዩ” /1ይ ነገ 8፡13/። ስለዚ ኣብዞም ሰባት እዚኣቶምን ኣብ ኵሎም ፍጥረታቱ ልብን ዝመላለስን ዝሕሰብን እንታይ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ካልእ ምስክር ኣየድልዮን እዩ፡ ምኽንያቱ ንሱ ባዕሉ ፈጣሪ ስለ ዝኾነ ነዚ ንምፍላጥ ነቡኡ ምልማን ኣየድልዮን እዩ።

 ኣኅዋተይ! ሎሚውን “ክርስቶስ ኣምላኽ ኣይኮነን” ዝብሉ ልበ ስሑታን ስለ ዘለዉ ነዚ ሓቂ እዚ ኽንምስክረሎም ይግብኣና። “እቲ ዝጾመ ንሱ እሴተ ጾም (ዋጋ ናይ ጾም) ዝኸፍል እዩ…እቲ ዝጸለየ ንሱ ጸሎት ዝሰምዕ እዩ… እቲ ዝጠመየ ንሱ ብርኅራኄኡ ነቶም ዚጠመዩ ዜጽግብ እዩ..እቲ ዝጸምአ ንሱ ማይ ሕይወት ዝዕድል እዩ…እቲ ዝደኸመ ንሱ ባዕሉ ሰንበት እዩ….እቲ ዝበኸየ ንሱ ባዕሉ ንብዓት ኅዙናት ዝደርዝ እዩ….። ነዚ ዅሉ እዚ ዝገበረ ግና ንኣናን ንኣኻትኩም ካብ ምፍቃር ዚተላዕለ እዩ። ንሱ ኣትሒትና ኽንርእዮ ዝግብኣና ጐይታ ዘይኮነስ፡ ንኣና ኢሉ ድኻ ዝኾነ ድንቂ መካር ኃያል ኣምላኽ ኣቦ ዘለዓለማዊ መስፍን ሰላም እዩ። ስለዚ ንእኡ ንምእማን ኣይትሸገሩ” ኢልና ንመስክረሎም። ነዚ ዅሉ እዚ ንኽንገብር እቲ ብምሕረቱ መንግሥቱ ምእንቲ ኽንወርስ ኢሉ ሰብ ብምፍቃሩ ሰብ ዝኾነ ክርስቶስ ይርደኣና።

No comments:

Post a Comment