መጻጕዕ
እዚ ጾም እዚ ናይ ዓቢይ ጾም ራብዓይ ሰንበት እዩ። ስሙ ኸኣ ከም ናይ ቅዱስ ያሬድ ናይ ዜማ ስያሜ “መጻጕዕ” ይበሃል። ኣብዚ ዕለት እዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሕሙማት ከም ዘድኃነን ተኣምራት ከም ዝገበረን፡ ጐባጣት ከም ዘቕንዐን ለምጻማት ከም ዘንጽሐን ብዛዕባ መለኮታዊ ሥራሑን ተኣምራቱን ይምለኽ። “መጻጕዕ” ማለት ኣብ ዓራት ዚተደነሰ ምንቅስቓስ ዘይክእል ልሙስ ማለት ኪኸውን ከሎ፡ ቅዱስ ያሬድ ብዛዕባ እቶም ብክርስቶስ ዚተፈወሱ ሰባትን፡ ብዛዕባ ናይ ክርስቶስ ፈዋስነትን ዚዘመሮ መኽፈትን ኣርእስትን ናይቲ መዝሙር ስለ ዝኾነ እዚ ዕለት እዚ “መጻጕዕ” ይበሃል።
ናይ ዕለቱ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር ኣርእስቲ
አምላኩሰ ለአዳም (ናይ ኣዳም ፈጣሪ)
ኣብ ጊዜe ቕዳሴ ዚንበቡ ክፍልታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ
ገላ 5፡1-ፍጻሜ ዲያቆን (ገባሬ ሠናይ)
ያዕ 5፡14- ፍጻሜ ዲያቆን (ንፍቅ)
ግ.ሓ 3፡1-12 ካህን ተራዳኢ
ያዕ 5፡14- ፍጻሜ ዲያቆን (ንፍቅ)
ግ.ሓ 3፡1-12 ካህን ተራዳኢ
ምስባክ
እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዐራተ ሕማሙ
ወይመይጥ ሎቱ ኵሎ ምስካቢሁ እምደዌሁ
አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ
ሓሚሙ ደቀሰ እግዚአብሔር ይድግፎ ካብ ሕማሙ ድማ የሕውዮ። ኣነ ኸኣ ኦ ጐይታ በዲለካ እየ እሞ መሓረኒ /መዝ 41፡3-4/።
ወንጌል ዮሓንስ 5፡1-25 ካህን
ቅዳሴ፦ ናይ ጐይታ (ነአኵተከ)
ስብከት ወንጌል ዮሓንስ 5፡1-25
/1/ ድኅርዚ በዓል ኣይሁድ ኮነ ቀዳም መዓልቲ እዩ፡ ጐይታ ኢሱስ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ
/1/ ኣብ ኢየሩሳሌም መጠመቒ ማይ ጸሎት ነበረ።
ጵሮጳጥቄ ማለት ናይ ፈውሲ ናይ በዓል፡ ናይ መሥዋዕት፡ ናይ ጉባኤ ቦታ ማለት እዩ። ቅልንብትራ እትብሃል ብዕብራይስጢ ከኣ ቤተ ሳይዳ ትበሃል እዚ ድማ ቤት መድኃኒት ማለት እዩ። ኣባጊዕ ዝሕምብሳሉ፡ ኣባጊዕ ዝሕጸባሉ ቀላይ እዩ።
ኣብነት፦ ዓፀደ ኣባግዕ ምሕማስ ኣባግዕ ይብል
ሕሙማት ዝድቅስሉ ኃሙሽተ መደብ ነበሮ።
መግለጺ፦
1. ሰሎሞን ብጥበብ ስሒቡ ዘእተዎ ማይ እዩ።
2. ነቢይ ኢሳይያስ ንጉሥ ሕዝቅያስ “ኀበ አውፅኡ ማየ ማእከለ ክልኤቱ አረፍት” ከም ዝብል ኣብ ሳድሳይ ቆመ ብእሲ (ቁመት ሰብኣይ) ዘውፅእዎ ማይ እዩ ስንክሳር 6 መስከረም ንመልከት። እዚ ማየ ጸሎት እዚ ቀዳም ቀዳም ሓደ ሕሙም ዜሕዊ ዝነበረ እዩ።
/3/ ኣብቲ ኃሙሽተ መደብ ብዙኃት ሕሙማት ይድቅሱ ነበሩ፡ ዕዉራትን ሓንካሳትን ኣአካሎምን ዝነቐጸ
ኣካሎም ዝለመሰ ሕሙማት ይድቅሱ ነበሩ፡ ናይቲ ማይ ምንዋጽ ይጽበዩ ነበሩ።
/4/ ከመይ መልኣኽ እግዚአብሔር ናብቲ ማይ ጸሎት ኪወርድ ከሎ እቲ ማይ ይናወጽ ነበረ፡ እቲ ድኅሪ ምንዋጽ ማይ ኣቐዲሙ ወሪዱ ዝሕጸብ ድማ ካብ ዘለዎ ኵሉ ሕማም ካብ ዘለዎ ኵሉ ሕማም ይሓዊ ነበረ።
መግለጺ፦ መልኣኽ እግዚአብሔር ንምንታይ ይወርድ ነበረ እንተ በልና፡ ማያት ኪቕድስ መሥዋዕቲ ከዕርግ እዩ፡ እዚ ድማ ምሳሌ ዘለዎ እዩ። እቲ ማይ ናይ ጥምቀት እቲ ኃሙሽተ መደብ ናይ ኃሙሽተ ኣዕማደ ምሥጢር፡ ኃሙሽተ ዓይነት ሕማም ዚነበሮም ናይ ኃሙሽተ ጾታ ምእመናን ምሳሌ እዩ። ኃሙሽተ ጾታ ምእመናን ዝተባህለ ኣዕሩግ፡ ወራዙት፡ ኣንስቲ፡ ካህናትን መነኮሳትን እዮም።
ናይ ኃሙሽተ ጾታ ምእመናን ጠባይ ከኣ በዚ ዝስዕብ ይግለጽ።
1. አዕሩግ (ኣረግቶት) ጾር ፍቕሪ ገንዘብ እዩ፡ መን ኪረደኣና፧ መን ኪጥውረና፧ እናበሉ ገንዘብ ምእካብ ይፈትዉ እዮም። ነዚ ኃዲጉ ብናይ ወራዙት ስምዒት እንተ ተቓወሞም ብጸጋ ጥምቀት ይስዕርዎ።
2. ናይ ወራዙት ጾር ዝሙት እዩ። ነዚ ኃዲጉ ብፍቕሪ ገንዘብ እንተ ተቓወሞም፡ ብጥምቀት ብዝረኸብዎ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ይስዕርዎ።
3. ናይ ኣንስቲ ጾር ተርእዮ ምንዝርና እዩ፡ ነዚ ኃዲጉ ብኻልእ ስምዒት እንተ ተቓወመን ብጥምቀት ብዝረኸብኦ ኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ይስዕራኦ።
4. ናይ ካህናት ጾር ትዕቢት እዩ። ኣእምሮና ዓሚቚ ረቂቕ፡ መዓርግና ልዑል ምጡቕ እዩ ብምባል ስለ ዝዕበዩ ጾሮም ትዕቢት እዩ። ነዚ ኃዲጉ ብኻልእ ስምዒት እንተ ተቓወሞም ብኃይሊ ጥምቀት ይስዕርዎ።
5. ናይ መነኮሳት ጾር ስስዐ እዩ፡ ዝደለይዎ ስለ ዘይረኽቡ፡ ጾሮም (ስምዒት) ስስዐ እዩ። ነዚ ኃዲጉ ብአንሳሕስሖ ዘበከንቱ (ብዙረት) እንተ ተቓወምዎ ብኃይሊ ጥምቀት ይስዕርዎ /ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሳብዓይ ክፍሊ ተግሣፅ/።
/5/ ኣብኡውን ካብ ዝሓምም 38 ዓመት ዝኾኖ ሰብኣይ ነበረ። ሠላሳን ሸሞንተን ዓመት ዝሓመመ ሰብኣይ ነበረ።
/6/ ጐይታ ኢየሱስ ንእኡ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ምስ ረኣዮ ብዙኅ ጊዜ ከም ዝሓመመ ፈሊጡ፡ ክትሓዊ ዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሎ።
7 እቲ ሕሙም ከኣ ጐይታይ እወ ኪሓዊ እደሊ በሎ።
መግለጺ፡ እወ ከም ዝብሎ ይፈልጥዶ ኣይኮነን እንተ በልና፦
1. ዝፈልጥ እኳ እንተ ኾነ ሥርሑ ብዘይ ምኽንያት ኣይሠርሕን እዩ።
2 ነቲ ሕሙም ብድሌቱ ከም ዘሕወዮ ንምግላጽ እዩ።
እንተ ኾነ እቲ ማይ ምስ ተናወጸ ናብቲ ቐላይ ዘጥልቐኒ ሰብ የብለይን። ኣነ ክሳዕ ዝመጽእ ድማ ካልእ ቀዲምኒ ይወርድ ኢሉ መለሰሉ።
መግለጺ፦ ሰብ የብለይን ምባሉ ተሰኪሙ ናብቲ ማይ ጸሎት ኬውርዶ ስለ ዝደለየ እዩ።
/8/ ጐይታ ኢየሱስ ከኣ ተንሥአ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ በሎ። /9/ እቲ ሰብኣይ ብኡ ብኡ ሓወየ ዓራቱ ኣልዒሉውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰንበት ነበረት።
ኣይሁድ ንጐይታ ኢየሱስ ከም ዝኸሰስዎ
/10/ ስለዚውን ኣይሁድ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ሎሚ ሰንበት እዩ፡ ዓራትካ ኣልዒልካ ክትፀውር ከኣ ኣይፍቀደልካን እዩ በልዎ።
/11/ ንሱ ግና እቲ ሕወየኒ እዩ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ ዝበለኒ ኢሉ መለሰሎም።
/12/ ንሳቶም ከኣ እቲ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ ዝበለካ ሰብኣይ መን እዩ፧ ኢሎም ሓተትዎ።
/13/ እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ግና ጐይታ ኢየሱስ ኣብ ማእከል እቶም ኣብቲ ዝነበሩ ሰባት ተኸዊሉ ስለ ዝነበረ እቲ ዘሕወዮ መን ከም ዝኾነ ኣይፈለጠን።(ዘሕወዮ ዘይምፍላጡ ኸኣ ስንፍና እዩ።)
/14/ ብድኅርዚ ጐይታ ኢየሱስ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ኣብ ቤት ጸሎት ረኸቦ እሞ፡ እነሆ ሓዊኻ ኣሎኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኸበካ መሊስካ ኃጢአት ከይትገብር ተጠንቀቕ በሎ።
መግለጺ፦ ካብዚ ዝገድድ እንታይ ኣሎ እንተ በልና፡ እቲ ናይ ቅድም ደዌ ሥጋ እዩ። እዚ ናይ ሎሚ ግና ደዌ ነፍሲ እዩ። በደል ምፍጻሙ ከኣ ኣይተረፈን ብዕለተ ስቕለት ንጐይታ ኢየሱስ ገጹ ምስ ጸፍዖ ኢዱ ከም ዝነቐጸ ይንገር። ደዌ ዘንጽሕ፡ ደዌ ዘዕሤት፡ ደዌ ዘመቅዘፍት፡ ደዌ ዘኃጢአት ኣሎ።
1. ደዌ ዘንጽሕ ዚበሃል ከም ናይ ጢሞቴዎስ ብንጽሕና ብትኅርምቲ ዚመጽእ እዩ /1ይ ጢሞ 5፡23/።
2. ደዌ ዘዕሤት ከም ናይ ኢዮብ ዋጋ ዘለዎ ሕማም እዩ /ኢዮ 2፡10/።
3. ደዌ ዘመቅዘፍት ዚበሃል ከም ናይ ሳኦልን ከም ሄሮድስን ዚመስል ሕማም እዩ /1ይ ሳሙ 18፡10 ግ.ሐ 12፡23/።
4. ደዌ ዘኃጢአት ዚበሃል ከኣ ከምዚ ንሠላሳን ሸሞንተን ዓመት ተደኒሱ ዝነበረ ሰብኣይ እዩ።
/15/ እቲ ሰብኣይ ከኣ ከይዱ እቲ ዘሕወዮ ጐይታ ኢየሱስ ከም ዝኾነ ንኣይሁድ ነገሮም።
/16/ ስለዚ ብሰንበት ነዚ ነገራት እዚ ስለ ዝገበረ ማለት ሕሙም ስለ ዘሕወየ ኣይሁድ ንጐይታ ኢየሱስ ኣሳደድዎ፡ ኪቐትልዎውን ይደልዩ ነበሩ።
/17/ ቀዳማይ፡ ጐይታ ኢየሱስ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ፡ ሥነ ፍጥረት ምምልላሱ እዩ። ኣነውን እዓዪ ኣሎኹ፡ ሥነ ፍጥረት አመላልስ ኣሎኹ
ካልኣይ፡ ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ ማለት ብመዓልቲ ሰንበት (ቀዳም) በቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ማይ ጸሎት ምኽንያት፡ ሓደ ሓደ ሕሙም የሕዊ ኣሎ።
ኣነውን ሥርሐይ እሠርሕ ኣሎኹ፡ እዚ ማለት ብመዓልቲ ሰንበት ነታ ንዓሠርተው ሸሞንተ ዓመት ጐቢጣ ዝነበረት ሰበይትን ነዚ 38 ዓመት ተደኒሱ ዝነበረ መጻጕዕ ከም ዘሕወየ ምግላጹ እዩ /ሉቃ 13፡10-11/።
/18/ ስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራይ ዘይኮነስ ንኣምላኽ ድማ ኣቦይ ብምባሉ ንርእሱ ምስ ኣምላኽ ስለ ዘመዓራረየ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ይደልይዎ ነበሩ።
/19/ ድኅርዚ ጐይታ ኢየሱስ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፦ ወልድ ነቲ ኣብ ኪገብሮ ብህልውና ዝረኣዮ እንተ ዘይኮይኑ ካብ ርእሱ ጥራይ ሓንቲ ነገር እኳ ኪገብር ኣይክእልን እዩ።
/20/ ከመይ ነቲ ኣብ ዝገብሮ ዘበለ ኵሉ ወልድውን ይገብሮ እዩ፦ ኣብ ንወልድ የፍቅሮ እዩ እሞ ብህልውና ዝገብሮ ዅሉ የርእዮ። ንስኻትኩም ምእንቲ ክትኣምኑ ክትድነቑ ካብዚ ዝበልጽ ምዉት ምትንሣእ ኬርእዮ እዩ።
/21/ ኣብ ንምዉታት ከም ዘተንሥኦም ሕያዋንውን ከም ዚገብሮም ወልድ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ኣተንሢኡ ሕያዋን ይገብሮም እዩ።
/22/ ኣብ ፍርዲ ዘበለ ኵሉ ንወዱ ደኣ ሃቦ እምበር ንሱስ ንሓደ እኳ ተገሊጹ ኣይፈርድን እዩ።
/23/ ኵሉ ሰብ ንአብ ወላዲ ኢሉ ከም ዘኽብሮ፡ ንወልድ ኸኣ ተወላዲ ኢሉ ምእንቲ ኬኽብሮ እዩ። እቲ ንወልድ ተወላዲ ኢሉ ዘየኽብሮ ግና ነቲ ዝለኣኾ አብ ውን ወላዲ ኢሉ ኣየኽብሮን እዩ።
/24/ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ እቲ ንቓለይ ዚሰምዕ በቲ ዚለኣኸኒ አብውን ዚኣምን ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኪረክብ እዩ። ንሱ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ደኣ ይሳገር እምበር ናብ ፍርዲ ናብ ገሃንም ኣይከይድን እዩ።
/25/ እቶም ምዉታት ድምፂ ወዲ ኣምላኽ (ትምህርቲ ወንጌል) ዝሰምዑሉ ጊዜ ከም ዝመጽእ ጊዜኡ ድማ ሕጂ ከም ዝኾነ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
መግለጺ፦ ምዉታት ተባሂሎም ዘለዉ ምዉታነ ሕሊና እዮም። እቶም ትምህርቱ ሰሚዖም ዚተቐበልዎ ኸኣ ትንሣኤ ልቦና ኪትንሥኡ እዮም።
ቅዱስ ኣውግስጢን፦ እቲ ቐላይ ኣመንቲ ብጥምቀት ዝረኽብዎ ሓድሽ ልደት ካብ ኃጢኣቶም ከም ዝነጽሑ የረድእ። ኃሙሽተ ገበላ ነቶም ኣብ ኃሙሽተ መጻሕፍቲ ሙሴ ዝተመዝገቡ ሕጊ የመልክቱ፡ እቲ ሕሙም በዚኣቶም ኣቢሉ ናብቲ ገበላ መጺኡ፡ ስለዚ እቶም ናብኡ ዝኣትዉ ሰማያዊ ሓኪም ከም ዘድልዮም ተረድኡ። እቲ ካብ ሰማይ ዝመጽአ መልኣኽ ድማ ነቲ ሥግው ቃል ዘመልክት ኢዩ። እቲ ሰማያዊ ሓኪም ድማ ንሱ ኢዩ። እቲ ዝደኃነ ሓደ ሰብ ድማ ነታ ካብ ኃጢኣታ ዝደኃነት ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ዘመልክት ኢዩ። እቲ ዝናወጽ ዝነበረ ማይ ድማ ነቶም ንጐይታ ዘናውጽዎ ዝነበሩ አኩባት ጭፍራ ሕዝቢ ዘመልክት ኢዩ።
ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፦ እቲ ማይ ብባህርይኡ ኣይፍውስን ኢዩ። ምኽንያቱ ኵሉ ጊዜ ኣይፍውስን ነይሩ። እቲ መልኣኽ መጺኡ ክሳዕ ዝባርኾ ኣይፍውስን ነበረ። ድኅነትናውን ከምኡ ብተራ ማይ ዘይኮነ በቲ ካብ ኵሉ ኃጢኣትና ዘንጽሓና ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ።
ቅዱስ ኣውግስጢን፦ ሓደ ሰብ ጥራይ ይድኅን ማለት ናይ ኅብረት ምልክት ኢዩ። ድኅሪኡ ዝመጸ ኣይድኅንን። ምኽንያቱ ካብዛ ሓድነት ናይ ቤተ ክርስቲያን ወፃኢ ዝድኅን የልቦን”
ቅዱስ ኣውግስጢን፦ “ኦ! ወዲ ሰብ እንታይ እሞ ጐዲልካ ስለዚ ዓራትካ ተሰከም፡ ተሰኪምካውን ደው ኣይትበል፡ ተሰኪምካዮ ደኣ ኪድ”
ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፦ እምነት ናይዚ መጻጕዕ ተመልከት ዓራትካ ተሰኪመካ ተንሥእ ዝብል ድምፂ ካብ ጐይታ ምስ ሰምዐ ኣይሰሓቐን፡ ብእምነት ተንሥአ ሓወየ ድማ። ምአዛዝ ውን ኣይኣብየን ዓራቱ ተሰኪሙ ደኣ ተጓዕዘ”
ስብከት መጸጕዕ ብድምፂ
ስብከት መጸጕዕ ብድምፂ
No comments:
Post a Comment