ተንሥአ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ
ኣኅዋተይ እግዚአብሔር ካባና ዝደልዮ እዚ እዩ። ንሱ ካብቲ ዝኸፍአ ሕይወት ኣልዒሉና እዩ፡ ንሱ ካብ ተደርቢናሉ ዚነበርና ናይ ኃጢአት ስፍራ ኣተንሢኡና እዩ፡ ሕጂ ካባና ዝድለያ ሠለስተ ነገራት እየን። ኣብ ዘለናዮ ደው ዘይምባል፡ ንድኅሪት ገጽና ቊሊሕ ዘይምባልን ናብቲ በሪኽ እምባ ኣቢልና ምንቅስቓስን። ኣብ መንፈሳዊ ሕይትና ንኸይንዓቢ ጠንቂ ካብ ዝኾኑና ሓደ “ኣብ መንፈሳውነትካ ዕብየት ከየርኣኻ ደው ምባል እዩ” እዚ ድማ ሓደ ሰብ ብዘለዎ ናይ መንፈሳውነት ደረጃ ክዓግብ ምስ ዝጅምርን ንቕድሚት ምስጓም ምስ ዘቋርጽን ዝፍጠር እዩ። እግዚአብሔር “ፍጹማን” ኵኑ ዝበለና ናይ ክርስትና ፍጽምና ወሰን ዘይብሉ ፍጽምና እዩ። ነዚ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ሕይወት ዓቢይ ትምህርቲ ክኾነና ይኽእል። ንእኡ ዝተገልጸሉ ምሥጢር ተረዳእ ክሳዕ ሣልሳይ ሰማይ ተወስደ እግዚአብሔር ብዙኅ ተኣምራትን ድንቂ ምልክትን ንኽሠርሕ ብዙኅ ጸጋ ሃቦ፡ ንሱ ግና “ብድኅረይ ዘሎ እናረሳዕኩ ኣብ ቅድመይ ዘሎ ንምሓዝ እጎዪ” እዚ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ንምሓዝ ምጽዓሩ ንሙቐት ንመንፈሳዊነቱ ንምሕላው ዝገበሮ እዩ። ስለዚ መጻጕዕ ነፍሰይ ጐይታ ኣተንሢኡኪ እዩ እሞ ሕጂ ኣብ ዘለኽዮ ደው ኣይትበሊ ተንቀሳቐሲ ንበላ።
ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት ኵሉ ጊዜ ካብቲ ዘለኻዮ ደረጃ ንላዕሊ ንምድያብ ክትንቀሳቐስ ደኣ እምበር ኣብ ሓደ ደው ክትብል ከም ዘይብልካ ዘረድኡ ብዙኃት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ታሪኻት ኣለዉና። ብቕዱሳን መላእኽቲ ንሎጥ ዚተዋህባ ትእዛዝ ምስ ንዝክር ከምዚ እዩ ዝብል፦ “ነፍስኻ ኣድኅን፡ ንድኅሪት ገጽካ ግልጽ ኣይትበል፡ ኣብ ብዘሎ እዚ ጐልጐል ድማ ደው ኣይትበል። ምእንቲ ኸይትጠፍእ፡ ናብ ከረን ኣቢልካ ድኃን” /ዘፍ 19፡17/። ነዚ ትእዛዝ እዚ ጥሒሳ ሃብተይ ንብረተይ ዝዓበኹሉ ዓደይ ስድራይ ኢላ ብምሕሳብ ንድኅሪት ግልጽ ዝበለት ሰበይቲ ሎጥ ድማ ዓንዲ ጨው ኮይና ተረፈት ይብለና።ስለዚ መላእኽቲ ካብ ናይ ርኽሰት ዓለም ስሒቦም ምስ ኣውፅኡና ዚተረፈ ጕዕዞ ናባና እዩ። ነዚ ድማ እዩ ጐይታ ነቲ መጻጕዕ ምስ ፈወሶ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ ዝበሎ።
ስለምንታይከ እዩ ዓራቱ ከልዕል ዝኣዘ። እወ እዚ ሕያዋይ ሰማያዊ ሓኪም ነዚ ዝገበረ፡ እቲ መጻጕዕ ዚተገብረሉ ውዕለት ኣምላኽ ንኸይርስዕ እዩ። መብዛኅትና ካብ እግዚአብሔር ብዙኅ ህያባት ምስ ተቐበልና ንኣምላኽ ቀልጢፍና ኢና ንርስዖ። ካብ ከምዚ ዓይነት ድኻም ምእንቲ ኪንላቓቕ ድማ እግዚአብሔር ብዙኃት ኣብ ከምዚ ዝሕግዙና ሥርዓታት ይህበና። ንኣብነት እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ኺወፁ ኸለዉ፡ ነቲ ገንሸል ምስ መሪር ሓምሊ ብልዕዎ ኢልዎም ነይሩ። እዚ ድማ ገንሸል ናይ ናጽነቶም ምልክት ኪኸውን ከሎ፡ መሪር ሓምሊ ድማ ኣብ ግብጺ ዚነበርዎ ናይ ባርነት መሪር ዘመን ዘመልክት እዩ። ነዚ ዚነበርዎ መሪር ባርነትን እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ ከመይ ኣቢሉ ካብዚ ናጻ ከም ዝገበሮምን ምእንቲ ከይርስዑ ድማ እዩ “ምስ መሪር” ሓምሊ ብልዕዎ ዝበሎም /ዘፀ 12/።
ዲያብሎስ ንደቂ እግዚአብሔር ካብ እግዚአብሔር ንምውፃእ ዝጥቀመሎም ሾብዓተ ዓበይቲ ኃጢአታት ኣለዉ። ሓደ ካብኣቶም ድማ “ኃጢአተ እስራኤል” ይበሃል /ራእ 12/። ኃጢአተ እስራኤል ድማ ውዕለት እግዚአብሔር ምርሳዕ እዩ። ነቲ ብኢድ እግዚአብሔር ዚተገብረሎም ተኣምራትን ሓለዋን ረሲዖም ንምራኽ ሰገዱ፡ ባሕሪ ምስ ተሳገሩ ብኸበሮ ጌሮም ከም ዘየመስገንዎ፡ ኣብ ቅድሚ ጦዖት ኪደርፉን ኪስዕስዑን ጀመሩ። ካብ እግዚአብሔር ዚወረደት መቕዘፍቲ ድማ ረኸበቶም /ዘፀ32/።
ንሕናውን ዚተገብረልና ሓለዋን መግቦትን ረሲዕና ካብ መዝሙር ናብ ደርፊ ካብ ምጽዋት ናብ ስርቂ ካብ ጾም ናብ ስኽራን ተመሊስና ብገዛእ ገንዘብና መቕዘፍቲ ንእክብ ዘለናን ከም ሰበይቲ ሎጥ ሕይወትና ዓንዲ ጨው ዝኾነን ክንደይ ኢና፧
እቲ ጥፉእ ወዲ ካብ ቤት ኣቦኡ ብምውፃእ ካብ ጥዕናን ሰላምን ወፀ፡ ካብ ምርግጋእን ካብ ክብሪ ዘለዎ ሕይወትን ወፀ፡ ስኽራንን ጓይላን ናብ ዘለዎ ርሑቕ ሃገር ድማ ከደ። ካብ ሰላም ናብ ዝረሓቐ ሃገር፡ ህውከትን ደም ምፍሳስን ናብ ዘለዎ ሃገር፡ ባእስን ምፍልላይን እሱር ናይ ወልፍታት ምዃንን ናብ ዘለዎ ሃገር፡ ካብ ሃብቲ ወፀ ናብ ድኽነት ዚተባህለ ሃገር ከደ፡ ፈጺሙ ግና ኪጥዕሞ ኣይከኣለን። ጽጋብ ዝረክብ መሲልዎ ካብ ቤት ጽጋብ ወፀ፡ ኣብ ዝኸዶ ርሑቕ ሃገር ግና ተረፍ ሓሰማታት ኪበልዕ እኳ ዕድል ኣይረኸበን። እቲ ቓል ከምዚ እዩ ዝብል “ካብቲ ሓሰማታት ዚቕለባኦ ቛርፍ ከብዱ ኺመልእ ከኣ ሃረር ይብል ነበረ፡ ዚህቦ ግና ሓደ እኳ ኣይረኸበን” /ሉቃ 15፡16/።
እወ ዓለም ብማስኬራ ዚተሸፈነ ሕይወት እያ ትነብር። ንኃጢአት ዘይሕብሩ ቓባቢኣ ከተጽድቖን ከተጸብቖን ትፍትን፡ ስኽራንን ዝሙትን ስርቅን ሓሶትን ባእስን ምፍልላይን ሓጐስ ከም ዘምጽኡ ገይራ ተእምነካ፡ ምስ ኣተኻዮም ግና እዞም ኵሎም እዚኣቶም ደም ምፍሳስን ጥሜትን ጭንቀትን መድኃኒት ዘይብሉ ሕማማትን ገይሮም ዝገርፉ ምሕረት ዘይብሎም ጨካናት ሸፋቱ ምዃኖም ይበርሃልካ። ከምቲ ጥፉእ ወዲ ተረፍ ሓሰማ ኪበልዕ ሃረር ዝበለ እሞ ዘይረኸበ፡ ካብዚኣቶም ድማ ሰላምን ሓጐስን ሃረር ትብል እሞ ወይከ! ገንዘብካን ጥዕናኻን ምስ ተወድአ ነቲ ብኽንደይ ቅብጥሮትን ምትላልን ዘልመደትካ ሽጋርን መስተን ሓሽሽን ሃረር ኢልካውን ዝህበካ የልቦን።
“ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ በለ፥ እንጌራ ዚተርፎም ግዙኣት ኣቦይ ክንደይ እዮም። ኣነ ግና ኣብዚ ብጥሜት እመውት አሎኹ። ተንሢአ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፥ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ኃጢኣት ገበርኩደጊም ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፡ ከም ሓደ ኻብ ግዙኣትካ ግበረኒ፡ ክብሎ” ብምባል ተንሥአ /ሉቃ 15፡17-19/። ብርግጽ ኣብ ቤት ኣቦና ብዙኅ ማኅደር ኣሎ፡በሊዕካ ዘይውዳእ ፍቕርን ሰላምን ሓቀኛ ሓጐስን ኣሎ፡ ኣቦና “ሰላም እሓድገልኩም፡ ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን” ዝበለና ድማ በዚ እዩ /ዮሓ 14፡27። ብሓቂ ኣብቲ ናይ ሰላም ኣምላኽ ምምባር ጥራይ እዩ ሰላም ዝርከብ።
ባሮት እግዚአብሔር በሊዖም ዚተርፎም ብዙኅ ናይ በረኸትን ናይ ምርግጋእን ናይ ለውሃትን ናይ ሓልዮትን መኣዲ ኣሎ። ስለዚ ንተንሠእ ተንሢእናውን ደው ኣይንበል፡ ከም መጻጕዕ ዓራትና ኣልዒልና ንጕየ፡ ከም ጥፉእ ወዲ ድማ ናብ ቤት ኣቦና ንጕየ። ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ኴንና ድማ “ሓደ ነገር ደኣ ኣሎኒ፤ ኣብ ድኅረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢየሱስ እጐዪ ኣሎኹ” ንበል /ፊል 3፡14/።
ደጊሙውን እዚ ሓዋርያ ንመንፈሳዊ ሕይወት ብጕያ መሲሉ ኺምህር እንከሎ ከምዚ ይብል፦ “ኣብቲ ስፍራ ቕድድም ዚቃዳደሙኸ ኵላቶም ከም ዚጐዩ፡ ነታ ዓስቢ ዓወት ግና ሓደ ኸም ዚወስዳዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትረኽብዋ፡ ከምኡ ጒየዩ” /ቀይ ቆሮ 9፡24/። ስለዚ ዓራትና ተሰኪምና ንኺድ፡ ውዕለት ኣምላኽ እናዘከርና ንኺድ፡ ነታ ፆይራትና ዚነበረት ዓራትና ንፁራ፡ ጽቡቕ ንዝገበሩልና ኣብ ድኻምና ንዝደገፉናን ምስ ኃለፈልና ኣይንረስዓዮም ተሸኪምና ሓፍ ነብሎም እሞ ንጕየ። ብዘይ ብኡኡ ዋላ ሓንቲ ስለ ዘይንገብር ድማ ንጐይታና “ደድሕሬኻ ኽንጐይስ፡ ስሐበኒ” ንበሎ /መኃ 1፡4/።
ብዛዕባዚ ሓደ ካብ መንፈሳውያን ጸሓፍቲ “ኣብ መገዲ ጉየ፡ ምጉያይ እንተ ዘይክኢልካ፡ ሰጉም፡ ምስጓም እንተ ዘይክኢልካ ፍሑኽ ፍሑኽ በል ከይተንቀሳቐስካ ትም ካብ ምባል ግና ተጠንቀቕ” ይብለና እዩ እሞ ናብታ መላእኽቲ ንሎጥ ዘርኣዩዎ እምባ ናብ ቤተ ክርስቲያን ንህደም ናብ ቅድስና ንህደም ናብ እግዚአብሔር ንህደም፡ ኣብቲ መወዳእታ ዓለም ካብ ይሁዳ ናብ እምባ ይህደሙ ከም ዝተባህለ፡ ኣብ ይሁዳ ማለት ኣብ ዓለም ኣብ ዝሙትን ሓሶትን ኣብ ስርቅን ስኽራንን ኣብ ጓይላን ደርፍን ደው ኣይንበል። ነዚ ንምግባር መድኃኒ ዓለም ብጸጋኡ ይደግፈና ኣሜን!!!
No comments:
Post a Comment