ንሕና ድማ ነዚ እናዘከርና ብሰንኪ ኃጢአትና ንዝመጽእ መቕጻዕቲ ንኽንሕፈና ንሠለስተ መዓልቲ ንጸውም። ነነዌ ቅድሚ ጾመ ኣርብዓ ቅድሚ ኽልተ ሰሙን ዘላ ሰኑይ ትጽወም። ውሱን ዕለት የብላን ካብ ሰኑይ ግና ኣይትወፅእን እያ። ስለዚ ኵሉ ጊዜ ቅድሚ ጾም ኣርብዓ ኽልተ ሰሙን ዘለዋ ሰኑይ ሠሉስ ሮቡዕ ሠለስተ መዓልቲ ንጸውም።
ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈቀርቅ ንኦሎምፒያስ ኣብ ዚለኣኸላ መልእኽቲ “ሰብ ባዕሉ ነብሱ እንተዘይጐዲኡ ዋላ ሓደ ንእኡ ኺጐድኦ ከም ዘይክእል” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ንኣይሁዳውያን ምስ ሰብአ ነነዌ ብምንጽጻር ካብ ዚመሃሮ ትምህርቲ ብኸፊሉ ምስ ንዕዘብ፡ ነዚ ዝስዕብ ንረክብ፦
ብለይቲውን እንተ ኾነ ንግርማ ጸልማት ዘርሕቕ ፋና ኣየድለዮምን፡ ከምዚ እዩ ነይሩ ተባሂሉ ክንገረሉ ዘይክእልን ክልተ ጥቕሚ ዝህብን - እዚ ማለት እቲ ቐዳማይ ንኸብርሃሎም ብኻልኣይ ደረጃ ድማ መገዲ ንኽመርሖም - ዝተዋህቦም ዓምደ እሳት ነበሮም። እቲ እሳት እቲ ብርሃናዊ ጥራይ ኣይኮነን ዚነበረ፡ ካብቲ መገዲ መሪሑ ዝወስድ ሰብ ንላዕሊ ነዚ ኵሉ ሕዝቢ ኣብቲ ጭው ዝበለ በረኻ ትኽ ኣቢሉ ንኽመርሖምውን ጠቐመ። እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ መሬት ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ደረቕ መሬት ዝኸይድ ሰብ ብማእከል ባሕሪውን ከምኡ ተጓዓዙ። ናብኡ ናብቲ ዜፍርህ ባሕሪ ኣትዮም ክስጉሙ ኸለዉ ድማ ካብ ሕጊ ተፈጥሮ ንላዕሊ ነበሩ። ምኽንያቱ ኣእጋሮም ናብ ባሕሪ ምእታው ክጅምሩ ኸለዉ እቲ መገዶም ዋላ ሓንቲ ማይ ከም ዘይነበሮ ኮይኑ ጭቃ ዘይብሉ ከም ከውሒ ዝምትራሩ ኮይኑ ነበረ። ጸላእቶም ናብኡ ምስ ኣተዉ ግና እቲ ባሕሪ ናብ ናይ ቀደም ተፈጥሮኡ ተመልሰ። እቲ ባሕሪ ንእስራኤላውያን ከም ሠረገላ ኮነሎም፡
ንጸላእቶም ግና መቓብር ኮኖም። እስራኤላውያን ብዘይ ዋላ ሓደ ሽግር ተሳገሩ፡ ጸላእቶም ግና እቲ ማዕበል ኣብ ልዕሊኦም ተነዋወፀ። እቲ ኣቐዲሙ ስርግርግ እናበለ ናብዝን ናብትን ዚነዋወጽ ዚነበረ ባሕሪ - በቲ ሓደ ሸነኽ ንኣኣቶም ንኽሕልዎም፡ ብኻልእ ሸነክ ድማ ንጸላእቶም ምእንቲ ከጥፍኣሎም - ከም ዝሓስብ ሰብ ኮይኑ ሥርዓት ኃዘ። ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ነዞም ተጻረርቲ ዝኾኑ ነገራት ይፍጽሞም ነበረ። ብዛዕባቲ ማይ ዚፈልፈለሎም ከውሒኸ እንታይ ክንብል ንኽእል? ሥጋ ደስ ኢሉና ምስ በሉ ካብ ምብዛኀን ዚተላዕለ ነታ ምድሪ ብዛዕባ ዝኸደናኣ ብርኒጎታትከ እንታይ ክንዛረብ ንኽእል? ብዛዕባ እቶም ኣብ ግብጺ ዚተገብሩ ተኣምራትከ? ብዛዕባ እቶም ኣብ በረኸታት ዚተፈጸሙ ድንቅታትከ? ናይ ዋላ ሓደ ደም ከይፈሰሰ ብዛዕባ ዚተጎናጸፉዎ ዓወትከ? ንጸላእቶም በዓል ከም ዘኽብሩ ደኣ እምበር ኲናት ከም ዘካይዱ ኾይኖም ኣይሰዓሩዎምን። ብዘይ ዋላ ሓንቲ ናይ ውግእ መሣርሒ ንጸላእቶም ሰዓሩዎም። ካብ ግብጺ ድኅሪ ምውፅኦም ብመዝሙርን ብዕልልታን ጥራይ እዮም ስዒሮምዎም። ስለዚ ዝገብሩዎ ዚነበሩ ሃይማኖታዊ በዓል እምበር ኲናት ኣይነበረን።
እዚ ዅሉ ዚተፈጸመሎም ግና ድሌታቶም ንምፍጻም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብኢድ ሙሴ ንዝተቐበሉዎ እግዚአብሔር ስለ ምፍላጥ ከምኡውን ኣምላኾም ምሳታቶም ከም ዘሎ ዘረድኡ ትእዛዛተ እግዚአብሔርውን ንኽሕልዉን እዩ ተፈጺሙሎም። ንኣኣቶም ደረቕ መሬት ብምዃን ብድኅሪኦም ድማ ጥንተ ተፈጥሮኡ ብምኃዝ ባሕሪ ነዚ ዓው ኢሉ መስኪሩ እዩ። ፈለግ ኒል ናብ ደም ኪቕየር ከሎውን ነዚ ዓው ኢሉ መስኪሩ እዩ፡ ዕንቁሮዖብ፡ ዕስለ ኣንበጣ፡ ጽንጽያ ኸልብን ኵሎም እዚኣቶም ዓው ኢሎም ተዛሪቦም እዮም። ኣብ በረኻ ዚተፈጸሙ ድንቅታት፡ መና፡ ዓምደ እሳት፡ ደመና፡ ከምኡውን ካልኦት ፍጻሜታት ብምሉኦም - ከም መጽሓፍ እኳ ደኣ ተፋሒቑ ክጠፍእ ብዘይክእልን መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ርእሶም እናቓጨለ (እናደወለ) ከዘኻኽሮም ብዝኽእልን መልክዑ - እዩ ኣገልጊሉዎም። እንተ ኾነ ግና ድኅርዚ ኵሉ ዓቢይን ኣደናቕን መግቦት ብድኅሪ እዞም ክንገሩ ዘይክእሉ ጥቕምታት፡ ድኅሪ እዞም ዓበይቲ ተኣምራትን ክግለጽ ዘይክእል ናይ እግዚአብሔር ምንክብኻብን ተደጋጋሚ ትምህርትን ብድኅርዚ ኵሉ ብቓልን ብተግባርን ዝቐረበሎም ትምህርትን ተግሣፅን፡ ኣዝዩ ኣደናቒ ዝኾኑ ዓወታት ድኅሪ ምጉንጻፎም፡ ኣዝዩ ብዙኅ መግቢ ድኅሪ ምርካቦም ኣዝዩ ብዙኅ ማይ ምስ ፈልፈለሎም፡ ኣብ ቅድሚ ኵሉ ዘርኢ ወዲ ሰብ ኣዝዩ ዘደንቕ ክብሪ ድኅሪ ምርካቦም ምስጋና ዘይብሎምን ዘይረብሑን ኮይኖም ንምራኽ ኣምለኹ፡ ንርእሲ ብዕራይ ኣመስገኑ። ነዚ ዝገበሩውን እኮ እቲ እግዚአብሔር ኣብ ግብጺ ዚገበረሎም ገና ካብ ርእሶም ከይጠፍአ እዩ፡ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ሽዑ ሽዑ ዝረኽቡዎን ዝርእይዎን ክብሪ እናሃለዎም እዩ።
ሰብአ ነነዌ ግና ዋላ እኳ ኣሕዛብ እንተነበሩ፡ ዋላ እኳ “እስራኤላውያን ዚረኸቡዎ ዓይነት ሓገዝ - ብውሑድ ይኹን ብብዝኂ፡ ብቓል ይኹን ብተኣምራት ወይ ብተግባር - ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ዘይረኸቡ እንተ ኾኑ፡ ሓደ ካብ ሓደጋ መርከብ ዚተረፈ ሰብ ምስ ረኣዩ፡ ቅድሚኡ ዘይፈልጥዎ ሰብ ምስ ተዓዘቡ፡ ንመጀመርታ ጊዜ መጺኡ ናብ ከተማኦም ብምእታው “ነነዌ ኣብ ውሽጢ 40 መዓልቲ ክትግልበጥ እያ” ምስ በሎም፡ በዞም ቃላት እዚኣቶም ጥራይ ነቲ ናይ ቀደም ክፍኣቶም ገዲፎም ብመገዲ ንስሓ ናብ ምግበረ ትሩፋት ተጓየዩ ተለወጡን ተሓደሱን ድማ /ዮና 3፡4/። እግዚአብሔር ካብቲ ከውርደሎም ኢሉ ዚተዛረቦም ክፉእ ነገር ከም ዚጠዓስ ገበሩዎ። ኣብታ ኸተማ ክወርድ ተሓሲቡ ዚነበረ ኃያል መቕዘፍቲ ከም ዚተርፍ ገበሩዎ። ነቲ ተሓሲቡ ዚነበረ ሰማያዊ ቚጥዓ ኣትረፉዎ፡ ካብ ኵሉ ክፉእ ነገር ድማ ደኃኑ። እቲ ቓል ከምዚ ይብል “ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ ግብሮም ማለት ካብ ክፉእ መገዶም ከም ዝተመልሱ ረኣየ፡ ስለዚ ሓሳቡ ለወጠ፡ ከምቲ ተዛሪቡዎም ዚነበረ ኸኣ ኣይቀጽዖምን /ዮና 3፤10/።
ከመይ ኢሉ ተመልሰ? ንገሩኒ! ዋላ እኳ ክፍኣቶምን ዓቢይ በደሎምን ከምዚ እዩ ኢልካ ኺግለጽ ዘይክእል እንተ ኾነ፡ እቲ ነቢይ “እከዮም ኣብ ቅድመይ ደይቡ እዩ እሞ” ኢሉ ከም ዚተዛረበ ሞራላዊ ተግባሮም ኣዝዩ ዝሓመመን ንኽትሕክሞ ዘሸግርን /ዮና1፡2/፡ ክፍኣቶም ክሳዕ ክንድዚ ዝኣክል ዓብዩ ክሳዕ መንበረ ጸባዖት በጺሑ እኳ እንተ ነበረ - ኣብ ውሽጢ ሠለስተ መዓልቲ ኣዝዩ ሓጺር ኣብ ዝኾነ ጊዜ፡ በቲ ካብ ሓደጋ መርከብ ድኂኑ ከይዱ ዚነገሮም ሓደ ሰብ ብኣዝዮም ውሑዳት ቃላት - ካብ ዓቢይ ክሳዕ ንእሽተይ ርእሶም ስለ ዘዋረዱ፡ ማቕ ስለ ዝለበሱ፡ ንናይ እግዚአብሔር ቊጥዓ ኣዝሓሉዎ፡ ““ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ ግብሮም ማለት ካብ ክፉእ መገዶም ከም ዝተመልሱ ረኣየ፡ ስለዚ ሓሳቡ ለወጠ፡ ከምቲ ተዛሪቡዎም ዚነበረ ኸኣ ኣይቀጽዖምን” ዝብል ደስ ዘብል ቃል ድማ ሰምዑ። ስለዚ ርእሱ ዚገዝእን ንቑሕ ዝኾነን ሰብ ብሰባት ጕድኣት ክወርዶስ ይትረፍ፡ ንሰማያዊ ቊጥዓ እኳ ከመይ ገይሩ ከዝኅል ከም ዝኽእልዶ ትርእዩ ኣለኹም? ነዚ ብኣንጻሩ ገዛእ ርእሱ ባዕሉ ዚጐድእ ሰብ ግና፡ ዋላ ብዙኅ ረድኤትን ኃገዝን እንተ ተገብረሉ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ ከም ዘይረክብከ ኣስተውዒልኩምዶ? እወ! ኣይሁዳውያን በዞም ዓበይቲ ተኣምራት ዋላ ሓንቲ ኣይተጠቐሙን። ሰብአ ነነዌ ድማ ነቶም ተኣምራት እቲኣቶም ብዘይ ምርኣዮም ኣይተጐድኡን። እኳ ደኣ ብውሽጦም ስለ ዚተለወጡ፡ በታ ዝረኸቡዋ ንእሽተይ ዕድል ስለ ዚተቐየሩ - ዋላ ደኣ ኣሕዛብን ካብ እስራኤል ወፃእን ዚነበሩ ናይ እግዚአብሔረ ምግላጽ ዘይፈልጡ ካብ ፍልስጤም ኣዝዮም ርሒቖም ዚነብሩ ዚነበሩ ሰባት ይኹኑ እምበር ዋላ ሓንቲ ኣይተጐድኡን። /ናብ ኦሎምፒያስን ካልኦትን ካብ ዝብል መጽሓፍ ካብ ገጽ 68-73 ዘሎ ዚተወስደ/
No comments:
Post a Comment