bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Saturday, 4 February 2017

“ኣንቲ ጓለይ እዚኣስ ዘማሪት ድያ ወይስ ኣዝማሪት?” 7ይ ክፋል



ኣብ ዝኃለፈ ሰሙን ነታ ኣአቦ ይ ቀሺ ዝሃቡኒ መጽሓፍ ኣንቢበ ወዲአያ እየ። ዝገርም ነገር ኣብ ሕይወተይ መጽሓፍ ምልእቲ ኣንቢበ ወዲአ ኣይፈልጥን እየ። እዚ ግና ኼተንብቦ ኸለኻ ዘኅድረልካ ፍሉይ ነገር ኣሎ። ንኣይ ናይ ንባብ ፍቕሪ የኅዲሩለይ ኣሎ፡ ኣቦና ደዊሎም ደሃይ ምስ ገበሩ ከም ዝወዳእኩዋ ነጊረዮም ተሓጒሶም “ግርም እዛ ጓለይ ሃብሮም” ደኃን ሓደ መዓልቲ መጺአ ድማ ካልእ መጻሕፍቲ ኪውስኸኪ እየ። ክሳዕ ሽዑ ግና ኣብ ኢንተርነት ኣቲኺ ዘይጠቅም ነገራት ኣብ ምርኣይ ዓይንኽን ጊዜኽን ካብ ምብኻን፡ ኣብኡውን ብዙኅ ትምህርቲ ኪትረኽቢ ኢኺ እሞ ኣየትሕመቒ” ኢሎም ሓንቲ ነገር ኣዘኻኺሮምኒ፡ ዲያቆን ፊልሞን ብዛዕባ መመላኽዒታት ጥቕሚ ኸም ዘይብሎም ንምርዳእ ኣዴና ቕድስት ድንግል ማርያም ከመይ ኢላ ከም ዝኃለፈት ዚገልጽ ጽሑፋት ኣብ ፌስ ቡክ ሰዲድለይ ነይሩ። ምስ ኣቦና ዘረባይ ምስ ወዳእኹ ኮምፒተረይ ከፊተ ድማ ከንብብ ጀመርኩ። 

 “ሰላመ እግዚአብሔር ምሳኺ ይኹን ሔዋን ኃፍተይ ከመይ ውዒልኪ? እተን ጽሑፋት ኣብዚ ይሰደልኪ ኣለኹ፡ ብመጀመርታ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ነቶም ኣብ ገንዘብ ዝኣምኑን ብኡኡ ዝንየቱን ሰባት ምስተን ዘይመልክዕን ተሰኪመን ዘይንሰን መሲለን ዝኸዳ እሞ ደኃር ፀሓይ እተቃልዐን ደቂ ኣንስትዮ ብምንጽጻር ካብ ዚመሃራ ትምህርቲ ንእሽተይ ከፊለ ብምምጻእ ከም መእተዊ ገይረ ሰዲደያ ኣለኹ። ብድኅሪኡ ድማ ቐዳሞት ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ሕይወት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ካብ ዚጸሓፉዎ ብዙኅ ጽሑፋት ገለ ቚንጥር ኣቢለ ሰዲደልኪ ኣለኹ እሞ ምስ ነብስኺ ብምንጽጻር ከተንብብዮ ፈትኒ። እግዚአብሔር ምስ ኵልና ይኹን ሰላም መዓልቲ።” ብምባል እዩ ዝጅምር።

 ቀጺለ በታ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዚተጻሕፈት ጽሕፍቲ ጀመርኩ፦ “ናይ ኣመንዝራታት መልክዕ ካብ ቅብኣታትን ምኩሕሓላትን ዝመጸ ስለ ዝኾነ ሓቀኛ መልክዕ ኣይኮነን። እንተ ኾነ ግና ከምኡ ጌረን ስለ ዝጸባበቓን ስለ ዝኮሓሓላን እቲ ኽፉእ መልክዐን ተሸፊኑ ንሓደ ሓደ ዓያሱ ሰባት ጽቡቓት መሲለን ይረኣያኦም። ገንዘብውን ከምኡ እዩ። ክብረት ዘጥፍእ ክነሱ ክብሪ ዝህብ ኮይኑ ይሕሰብ።  ስለዚ ገንዘብ ስለ ዝረኸብኩም ብፍርሃትን ብምቅብጣርን ዝቐርቡልኩም ውዳሴያት ሓቀኛታት ከም ዝኾኑ ጌርኩም ኣይትሕሰቡዎም ኢለ እልምነኩም ኣለኹ። እዚኣቶም ከምቶም ኣብታ ዘማዊት ሰበይቲ ዝረኣናዮም ግዳማውያን ቅብኣታት እዮም። እኳ ደኣ ነቶም ከምዚ ኢሎም ዝውድሱኹም ሰባት ቅርብ ኢልኩም ውሽጦም መርምርዎም እሞ ሽዑ ንስኻትኩም ካብ ተቓወምትኹምን ካብ ጸላእትኹምን ንላዕሊ ኣምሪሮም ዝረግሙኹምን ዝጸርፉኹም ብዙኃት ክትረኽቡ ኢኹም።……… ሃንደበት ኵነታት ተቐያይሮም ነቲ ከምዚ ጌርኩም ከም ትፈርሁ ዝገበረኩም ማስኬራ ዝቐልዕ ሓደ ዅነታት ምስ ዝኽሠት - መሪር ናይ ፀሓይ ዋዒ መጺኡ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩወን ኣመንዝራታት ምስ ዝወቕዐን ነቲ ሓቀኛ ክፉእ መልክዐን ከም ዘጋልጾ፡…..” እናበለት እያ ትቕጽል እታ ጽሕፍቲ፡ ሓቁ እዩ ፋየር ጌርካ ደኣ ጽላል ጽላል ምኻድ እዩ እምበር ናብ መፀሓይ መን ኪቐርባ?። 

 ናብ ሕይወተ ማርያም ምስ ሰገርኩ ድማ፡ ናይ ቆጵሮስ ሊቀ ጳጳስ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ናይ ቤተ መቕደስ ቅድስናዊ ኣነባብራኣ ክጽሕፍ ከሎ፡ “She was grave and dignifified in all her action…” ተፎጥሮኣዊ ኅብርታት ዘለዎም (ማለት ኣብ ቤት ማእለማ ዝተሠርሑ) ኽዳውንቲ ትኽደን ነበረት። እዚ ድማ እቲ ኣዝዩ ምስኣ ዝኸይድ ኣከዳድና እዩ...... ንምጥቕላል ዝኣክል  ብዅሉ መገድታታ ብመለኮታዊ ጸጋ ዝተመልአት ነበረት” ብምባል ናይ መልክዓ ዘደንቕ ጽባቐን ናይ መነባብሮኣ ነገር መንፈስ ቅዱስ በዝገለጸሉ መጠን ጥንታውያን ኣቦታት በዓል ያዕቆብ ዝተዛረብዎ መበገሲ ብምግባር ጽሒፉዎ ኣሎ።

 ናይ ኣንጾኪያ ሊቀ ጳጳስ ዲሜጥሮስ  ኣብ ናይ ክርስቶስ ልደት ኣብ ፳፱ (29) ታኅሣሥ  ኣብ ዝንበብ ድርሳኑ ናይ እመቤትና ናይ ቤተ መቕደስ ሕይወታ ክምህር እንከሎ “At the moment when her mother Anna set her upon her feet, inside the door of the temple…” ጋሻ ሰብውን ፈጺማ ኣይረኣየትን፡ ገጽ ናይ መንእሰይ ንምርኣይውን ገጻ ኣየዘረትን። ብቕድስና ንእግዚአብሔር ብምግልጋል ኣብ ቤተ መቕደስ ብምልእኣኽ ደኣ ነበረት። ክዳና ጽቡቕን ክሳዕ ታሕቲ ዝወረደን ኮይኑ፡ ናይ ርእሳ መሸፈኒ ድማ ክሳዕ ኣዒንታ ይበጽሕ፡ ኣብ ኣዒንታ መጸባበቒ ሕብርታት ዝበሃል ፈጺማ ኣይተጠቕመትን። ኣብ ምዕጉርታውን ዋላ ሓደ ዓይነት ናይ መጋየጺ ዕምበባ ኣይገበረትን፡ ኣብ ኣእጋራውን ሰንደል ኣይገበረትን፡ ኣብ ኣእዳዋ ኣምባር ወይ ካልእ መጋየጺ ኣይገበረትን፡ ካብ ልክዕ ዝኃለፈ መግቢ ፈጺማ ብሂጋ ኣይትፈልጥን፡ ኣብ ዕዳጋታት ናይታ ኸተማ ፈጺማ ተዛዊራ ኣይትፈልጥን። ነዚ ናይ ዓለም ሥራሓት ፈጺማ ብሂጋ ኣይትፈልጥን፡ ፈጺማ ነብሳ ዕራቖታ ንምዃን ኣጋሊጻ ኣይትፈልጥን፡ ከምኡወን ንኽፍሊ ኣካላት  ፈጺማ ብጥንቃቐ ኣተኲራ መርሚራ ኣይትፈልጥን) ብምባል ኣብ ቤተ መቕደስ ብፍጹም ትሕትናን ቅድስናን ከም ዝነበረት መስኪሩ እዩ።

 እስክንድርያዊ ቅዱስ ቄርሎስውን ቅዱስ ገብርኤል ንእመቤትና  ቅድሚ ምብሣሩ ዝነበራ ናይ ትሕትና ሕይወት ንዝተኣከባ ደቂ ኣንስትዮ ክምህር ከሎ፡ “Come, O all ye women who desire virginity…” ሰብነታ ፈጺማ ኣብ ናይ ሕዝቢ መሕጸቢ ተሓጺባ ኣይትፈልጥን፡ ንኣካላታ ድማ ብዝኾነ ይኹን መጸባበቒ ሕብርታት፡ ብዅሕልን ቅብኣትን ፈጺማ ኣጸባቢቓ ኣይትፈልጥን። ከምተን ኣዝዩ ዘጌጸ ኽዳን ዝፈትዋ ናይ ዘመና ኣዋልድ ድሙቕ ሕብርታት ዘለዎ ክዳን ተኸዲና ኣይትፈልጥን። ወይኒ ብፍጹም ጥዒማ ኣይትፈልጥን። ኵሉ ጊዜ ነቲ ዓለማት ዝፈጠረ ፈጣሪኣ  ትጽበ ስለ ዝነበረት፡ ገጻ ናብ ምብራቕ ኣቢላ ትቕመጥ ነበረት። ምስ ኣቦኣን ኣዲኣን እንተ ዘይኮይኑ ምስ ዋላ ሓደ ኣዕሊላ ኣይትፈልጥን ነበረት) ብምባል ናይታ ናይ ደናግል መመክሒተን ዝኾነ ናይ እመቤትና ናይ ቤተ መቕደስ ሕይወት ንንጹሓን ደናግል መሃሪ ከም ዝነበረ ብሰፊሑ ገሊጽዎ ኣሎ።

 ናይ ኢየሩሳሌም ጳጳስ ቅዱስ ቄርሎስ ኣብ ድርሳኑ  ናይ እመቤትና ናይ ቤተ መቕደስ ሕይወት ኺገልጽ እንከሎ  “They (i.e Joachim and Anna) were in the habit of visiting their daughter once each month,…’’ ( ንሳቶም (ኢያቄምን ሐናን) ንጓሎም ኣብ ወርኂ ሓደ ጊዜ ናይ ምርኣይ ልማድ ነበሮም፡ ንኣኣ ዘድልዮም ነገራት ኂዞም ይመጹ ነበሩ።ንሳ እታ ንእሽተይ ድንግል ጓሎም ምስተን ካብኣ ብዕድመ ዝዓብያ ደናግል ኣብ ቤተ መቕደስ ተገልግል ነበረት። ንሳተን ድማ ከመይ ገይራ ብኣእዳዋ ኺትሠርሕ ከም ትኽእል ይምህራኣ ነበራ። ንሳ ዓብያ ኵሉ ምስ ፈለጠት ባዕላ ናብቲ ናይ ቤተ መቕደስ ኣደባባይ ኺትከይድ ከላ ብዘይካ ካህናትን ኣቦኣን ዝኾነ ወዲ ርእይዋ ኣይፈልጥን....እታ ንእሽተይ (ብዕድመ) ድንግል ማርያም ኣብ ቤተ መቕደስ ነበረት ናይ መላእኽቲ ሓለቓ ቅዱስ ገብርኤል ብጥዑም መኣዛኡ ናብኣ ቀረባ... ናታ መልክዕ ዋላ ሓንቲ ደረት ኣይነበሮን፡ ካብ ጥዑም መኣዛኣ ዝተላዕለ ቤተ መቕደስ ብመላእኽቲ ይምላእ ነበረ፡ ንዘረባኣ ክብሉ ጥራይ ይበጽሑዋ ነበሩ) ብምባል ናይ ቤተ መቕደስ ሕይወታ ብዕምቆት ይገልጾ። 



No comments:

Post a Comment