bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Sunday, 5 February 2017

ትርጕም ሓንቲ ቓል 11


ነዞም ኣነ ኽነግሶም ዘይደለዩ ጸላእተይ ግና ናብዚ ኣምጺእኩም ኣብ ቅድመይ ሕረድዎም /ሉቃ 19፡27/

 እዚ ቓል እዚ ንብዙኃት መጽሓፍ ቅዱስ ብዝግባእ ዘይተማህሩ ኣኅዋትና ኪዕንቅፎም ይርአ እዩ። ነዚ ቓል እዚ ከም ዘለዎ ብምውሳድ ክርስቶስ “ሰብ ክንሓርድ” ከም ዝኣዘዘና ገይሮም ብምዝራብ ከኣ ንብዙኃት ኣብ ሃይማኖቶም ዕሙቕ ዝበለ ፍልጠት ዘይብሎም ሰባት፡ ኣብ እምነትም ከም ዚጠራጠሩ ገይሮም እዮም። “መናፍቕ እንተዘይእመነ የጠራጥር” ዝብልዎ ኣቦታትና ኸምዚ እዩ።

  ብዝኾነ ግና ሕጂ ናብቲ መንፈሳዊ ትርጕሙ ጥልቕ ኢለና እሞ ንእቶ፡ ንነፍስና ዝኸውን ብዙኅ ሃብቲ ኺንድልብ ኢና። ብሓጺር ኣገላልጻ እዚ ቓል እዚ ነቶም ንክርስቶስ ዘይአመንዎን ንሱ ኺነግሠና ኣይንደልን ኢና ብምባል ዝሰቐሉዎ ኣይሁድን ሕጂውን ንሱ ኺነግሦም ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ኵላቶም ኣብ ዳግማይ ምጽኣቱ ከም ዝዅነኑ ዜረድእ ቃል እዩ። 

ምናልባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ብቐሊሉ ንኽርድኣና ካብ ዝኅግዙና መገድታት ሓደ፡ ነቲ ዝኸበደና ቃል ምልስ ኢልና ካብ መጀመርታኡ ብምብጋስ ክሳዕ ፍጻሜ ምንባብ እዩ። ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ድማ ብፍላይ ካብ ፍቕዲ 11 ጀሚሩ ዘሎ ምስ ነስተውዕለሉ፡ ክርስቶስ ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣቱ ብምስላ ዚመሃረሉ ክፋል ኢና ንረክብ። ነዚ ትምህርቲ እዚ ንኽምህር ጠንቂ ዝኾኖ ድማ እቶም ሕዝቢ ናብ ኢየሩሳሌም ቀሪቡ ምስ ረኣይዎ መንግሥቲ ኣምላኽ ሽዑ ዝፍጸም መሲልዎም ስለ ዚነበረ ነዚ ጌጋ ኣተሓሳስባኦም ንምዕራይ እዩ። ኣብ ቊ 11 ከምዚ ዝብል ቃል ኣሎ፦ “ንሳቶም እዚ ኺስምዑ ኸለዉ ድማ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ቀሪቡ ነበረ እሞ፡ መንግሥቲ ኣምላኽ ከኣ ብኡብኡ ኸም እትገሃድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፡ ወሲኹ ምስላ ተዛረበ” 

 ኣብዚ ብንጹር ከም ዝረኣናዮ እቶም ሕዝቢ ነቲ ቐዳማይ ምጽኣት ክርስቶስ፡ ከምቲ ንፍርዲ ዝመጸሉ ካልኣይ ምጽኣት መሲልዎም ነበረ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ግጉይ ከም ዝኾነን፡ ሕጂ ናይ ድኅነት ሥራሕ ሠሪሑ ኪዓርግ ምዃኑን ኣብ ዳግማይ ምጽኣት ድማ ከከም ግብሮም ኪፈርዶም ምዃኑን ዘረድእ ምስላ ድማ ከምዚ ዝስዕብ እናበለ መሰለሎም፦ “ቊ12 ስለዚ በለ፡ ሓደ ውሉድ ጭዋ፡ መንግሥቲ ተቐቢሉ ኺምለስ፡ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ” እዚ ቓል እዚ ዘረድኣና ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ናብ ርሑቕ ሃገር ማለት ናብቶም ካብ እግዚአብሔር ርሒቖም ዚነበሩ ኣሕዛብ ወንጌል ብምልኣት ክሳዕ ዚበጽሕ ዳግማይ ምጽኣት ከም ዘይከውን ዘረድእ እዩ። 

 ብኻልእ መገዲ ድማ፦ “ርሑቕ ሃገር ብምባል ናይ ድኅነት ሥራሕ ፈጺሙ ናብ ሰማይ ከም ዝዓርግ ኣመልከተ፡ ‘መንግሥቲ ተቐቢሉ ኺምለስ’ ብምባል ድማ ካልኣይ ምጽኣቱ ኣመልከተና። ምኽንያቱ ኣብ ዳግማይ ምጽኣቱ ከምቲ ዓቢይ ንጉሥን ብዓቢይ ኽብርን ኮይኑ ስለ ዝመጽእ። ንግሥነት ድኅሪ ዕርገት እዩ ተቐቢሉ ማለት ግና ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ንሱ ዘለዓለማዊ ንጉሥ እዩ። ነቢይ  ዳንኤል  ኣብ ምዕራፍ 7:27 “እቲ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ዘሎ መንግሥትን ግዝኣትን ዕቤት መንግሥታትን ነቲ ናይ ልዑል ሕዝቢ ቅዱሳን ኪውሀብ እዩ። መንግሥቱ ናይ ዘለዓለም መንግሥቲ እያ፣ ብዘለዉ ግዝኣታት ድማ ኬገልግልዎን ኪእዘዝዎን እዮም” ኢሉ ዚተዛረቦ ቓል ንክርስቶስ እዩ። 

ዮሓንስውን “እዚኣቶም ምስቲ ገንሸል ኪዋግኡ እዮም፡ እቲ ገንሸል ግና፡ ጐይታ ጐይተትን ንጉሥ ነገሥታትን እዩ እሞ ኪስዕሮም እዩ” ብምባል ክርስቶስ ናይ ነገሥታት ንጉሥ ምዃኑ መስከረ /ራእ 17፡14/። ነዚ ኂዞም ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቃውንት ኣብቲ ናይ ዘወትር ጸሎት “ንአኩተከ….ኣንተ ውእቱ አምለከ አማልክት ወእግዚአ አጋእዝት ወንጉሠ ነገሥት፡ ንስኻ ናይ ኣማልኽቲ ኣምላኽ ናይ ጐይቶት ጐይታ ናይ ነገሥታት ንጉሥ ኢኻ” ዝብል ጸሎት ብዝሠርዑልና ከምዚ እናበልና ነመስግኖ።  

 “መንግሥተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን ካብዛ ዓለም እዚእ እንተ ትኸውንሲ፡ ብኣይሁድ ከይተኃዝ፡ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግሥተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንትን፡ ኢሉ መለሰ” /ዮሓ 19፡15/ ከም ዝበለ’ ንግሥነቱ ናይ ምድሪ ዘይኮነት ሰማያዊት ምዃና ንምንጻርን ሰማያዊት መንግሥቲ ክዕድል ዳግማይ ኪመጽእ ምዃኑን ንምንጻር ግና ‘መንግሥቲ ተቐቢሉ ኺምለስ’ ብምባል ተዛረበ።


13 ንዓሠርተ ባሮቱ ጸዊዑ ኸኣ፥ ክሳዕ ዝመጽእ በዚ ንገዱ፡ ኢሉ ዓሠርተ ምና ሃቦም።  14 ደቂ ዓዱ ግና ጸልእዎ እሞ፥ እዚ ኺነግሠና ኣይንደልን ኢና፡ ኢሎም ደድኅሪኡ ለኣኹ። 

ትርጉም ናይዛ ቓል ኣብዚ ዝያዳ ዚነጸረ ይመስል። ምኽንያቱ “ደቂ ዓዱ ግና ጸልእዎ እሞ፥ እዚ ኺነግሠና ኣይንደልን ኢና፡ ኢሎም ደድኅሪኡ ለኣኹ” ትብል ቃል ደቂ ዓዱ ዚተባህሉ ብሥጋ ካብኣቶም ዚተወልደ እስራኤላውያን ምዃኖም ኣነጸረ /ሮሜ 9፡4-5/። ወንጌላዊ ዮሓንስ “ናብቶም ናቱ መጸ ንሳቶም ግና ኣይተቐበሉዎን” ዝበሎምውን ንሳቶም እዮም /ዮሓ 1፡11/።

 ነዞም ኣነ ኽነግሶም ዘይደለዩ ጸላእተይ ግና ናብዚ ኣምጺእኩም ኣብ ቅድመይ ሕረድዎም” እዞም ክርስቶስ ክነግሦም ዘይደልዩ” ዚተባህሉ  እምበኣር ንሳቶም እዮም። ኣብ ዕለተ ዓርቢ ኣብ ኣደባባይ ጲላጦስ ቀሪቦም ጲላጦስ ንንጉሥኩም ዶ ክሰቕሎ? ኢሉ ምስ ሓተቶም ፦ “ሽዑ ንሳቶም፥ ንየው በሎ፡ ንየው በሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ፥ ንንጉሥኩምዶ ኽሰቕሎ፡ በሎም። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ከኣ፥ ብዘይ ቄሳር ንጉሥ የብልናን” ብምባል ኪነግሦም ከም ዘይደሊ መስኪሮም ነበሩ /ዮሓ 19፡14-15/።
 “እዚ ኺነግሠና ኣይንደልን ኢና፡ ኢሎም ደድኅሪኡ ለኣኹ” ንዘብል ቃል ቅዱስ ኣውግስጢን፦ “ምኽንያቱ ዋላ ድኅሪ ዕርገቱ ንደቀ መዛሙርቱ ኣሳዲዶምዎም ንወንጌል ድማ ነጺጎምዋ እዮም” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። 
15 ኰነ ድማ፡ መንግሥቲ ተቐቢሉ ምስ ተመልሰ፡ ነቶም ወርቂ ዝሃቦም ባሮቱ፡ ክንደይ ዚኣክል ከም ዝረብሑ ኸፈልጥ፡ ኪጽውዑሉ ኣዘዘ። 16 እቲ ቐዳማይ፥ ጐይታይ፡ ምናኻ ዓሠርተ ምና ወሊዳ፡ ኢሉ ቐረበ። 17 ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሕያዋይ ባርያ፡ ጽቡቕ ገበርካ። ብሒደት እሙን ኴንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ዓሠርተ ኸተማ ተሸየም፡ በሎ። 18 እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ጐይታይ፡ እታ ምናኻ ኃሙሽተ ምና ወሊዳ፡ እናበለ መጸ። 19 ነዚ ድማ፥ ንስኻውን ኣብ ኃሙሽተ ኸተማ ተሸየም፡ በሎ።  ሓደ ኻልእ ድማ፥ ጐይታይ፡ ዘየንበርካዮ እተልዕል፡ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ ኃያል ሰብ ኢኻ እሞ፡ ፈሪሄካስ፡ እዛ ኣብ ቍራጽ ዓለባ ቛጺረ ዘጽናሕክዋ ምናኻ እንሃልካ፡ እናበለ መጸ። ንሱ ድማ፥ ኣታ እኩይ ባርያ፡ ከምቲ ኣፍካ ዝበሎ እፈርደካ አሎኹ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕል፡ ዘይዘራእክዎ ዝዐጽድ ኃያል ሰብ ምዃነይ ፈሊጥካ ኸሎኻስ፡  ስለምንታይ ደኣ ነቲ ወርቀይ ኣብ ሸረፍቲ ዘየንበርካዮ፧ ኣነ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ፡ በሎ። ነቶም ኣብኡ ደው ዝበሉ ሰባት ከኣ፡ እታ ምና ኣግድፍዎ እሞ ነቲ ዓሠርተ ምና ዘለዎ ሃብዎ፡ በሎም።  

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፦ “ኣግድፍዎ እሞ ነቲ ዓሠርተ ምና ዘለዎ ሃብዎ፡ በሎም ዝብል ቃል ጐይታ እቲ ቕጽዓት ብመላእኽቲ ከም ዝፍጽሞ ባዕሉ ግና ከም ዘይቀጽዕ ኣረድኣና” ይብል።

ጐይታናውን ኣብ /ማቴ 24፡30-31/ ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣሕዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙኅ ኃይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም። ንመላእኽቱ ኸኣ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ኻብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ወሰን ሰማይ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንፋሳት ኪእክብዎም እዮም” ብምባል ቅጽዓት ብመላእኽቲ ገይሩ ከም ዝፍጽሞ ኣብሪህዎ ኣሎ። ስለዚ ሕረድዎም ዝብል ቃል ነቶም ንክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽ ምዃኑ ዘይኣመኑ ኣብ ዳግማይ ምጽኣቱ ብእሳት ገሃንም ኪቕጽዑ ምዃኖም ዜረድእ ደኣ እምበር ንክርስቶስ ዘይኣምን ኣብዚ ምድሪ ብኻራ ይሕረድ ማለት ኣይኮነን።

 ንሕመቕካን ንኽፋእካን ንምሽፋን ኢልካ ነቲ ሕይወት ዝህብ ቃል ጠዋዊኻ ነቲ ጠዋይ ትምህርቲ ግና ካብ ትጣበቐሉ፡ ነቲ ሓቀኛ ቓል ብንጹሕ ልቦና ተቐቢልካ መገዲ ድኅነት ምኃዝ እቲ ዝበለጸ እዩ። ምድሪውን ባዕላ ትፍረድ! እወ እዛ ብደም ንጹሓን ክርስቲያን ዝተርከሰት ጸዋር ምድሪ ባዕላ ትዛረብ! ተርቱልያን “ደም ናይ ሰማዕታት ዘርኢ ናይ ቤተ ክርስቲያን እዩ” ከም ዝበለ ኣብ ልዕሊ ደም ሰማዕታት ኢና ንነብር ዘለና። ንስኹም ኪትሓርዱ ዝያዳ ንበዝኅ! ጐይታ ንዘይኣምኑ ኪሕረዱ ኣዚዙ እንተ ዝኸውን ስለ ምንታይ ሓዋርያት ንሓደ ሰብ ሓሪዶም ተባሂሉ ዘይጸሓፍ? ሕጂኸ እንታይ ኴንና ንዘይኣመነ ዘይንሓርድ? 
 ጐይታና “ኣብ ዝዀነ ኸተማ ወይስ ዓዲ ኣቲኹም፡ ኣብኡ እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ሕተቱ። ክሳዕ እትወጹውን ኣብኡ ተቐመጡ። ናብ ቤት ምስ ኣቶኹም፡ ሰላም በሉ። እታ ቤት ነዚ እትበቅዕ እንተ ዀይና ሰላምኩም ይኅደራ። ዘይትበቅዕ እንተ ዀነት ግና፡ ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ። እንተ ዘይተቐበሉኹም ድማ፡ ወይስ ቃልኩም እንተ ዘይሰምዑ፡ ካብታ ቤት እቲኣ ወይ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወፂእኹም፡ ተጐጓ ኣእጋርኩም ንገፉ። ብመዓልቲ ፍርዲ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንምድሪ ሶዶምን ጎሞራን ከም ዚቐልል፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ብምባል እንተ ዘይተቐቢሎም ነታ ቤት ገዲፎም ኪወፁ እዩ ኣዚዝዎም። ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ግና ማሕረዲ ማለት ፍርዲ ናይ ገሃንመ እሳት ኪረኽቦም እዩ ይብል። ስለዚ ክርስትና ናይ ምርጫ ሃይማኖት ስለ ዝኾነ ምግዳድ ዝበሃል የልቦን።

 ብምቕጻል ከምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ። ደጊም ጠቢባን ከም ተመን፡ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ። ናብ ዋዕላ ኺወስድኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኪገርፍኹም እዮም፡ ንኣታቶምን ነሕዛብን ንምስክር ኪኸውን፡ ምእንታይ ናብ መኳንንትን ናብ ነገሥተታን ክትውሰዱ ኢኹም እሞ፡ ካብ ሰብ ተጠንቐቁ። ኣኅሊፎም ኪህቡኹም ከለዉ፡ እንታይ ከም እትዛረቡ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኺውሀበኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ። መንፈስ ኣቦኹም እዩ ኣባኻትኩም ዚዛረብ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ። ኃው ንኃው፡ ኣቦ ኸኣ ንውሉድ ኣኅሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ፡ ውሉድ ናብ ወለዶም ኪትንሥኡን ኪቐትልዎምን እዮም። ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገሥ፡ ንሱ ኺድኅን እዩ። ካብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ሰጐጉኹም፡ ናብ ሓንቲ ኻልእ ህደሙ። ወዲ ሰብ ክሳዕ ዚመጽእ፡ ከተማታት እስራኤል ከም ዘይትውድኡ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” /ማቴ 10፡11-24/ ብምባል ካብ ዘይኣምኑ ሰባት መከራ ኪቕበሉ ምዃኖም ደኣ ነገሮም እምበር ካልእ ኣይመሃሮምን።

ንሳቶም ከኣ፥ ጐይታይ፡ እትስ ዓሠርተ ምና ኣለዎ፡ በልዎ። ንሱ ድማ፥ ንዘለዎ ዘበለ ኺውሃቦ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ ኼግድፍዎ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ። ነዞም ኣነ ኽነግሦም ዘይደለዩ ጸላእተይ ግና ናብዚ ኣምጺእኩም ኣብ ቅድመይ ሕረድዎም፡ በለ” /ሉቃ 19፡27/።

 ሃመማ ናብ ቊስሊን ናብ ረሳሕ ነገርን ጥራይ ይኸይድ ንህቢ ድማ ናብ ጽቡቕ ዕንበባታት እናኸደ ጥዑም ነገር ይቐስም። እቲ ናይ ብሓቂ ንህቢ ዝኾነ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፦ “እዞም ነገራት እዚኣቶም ኣንጻር ናይ መርቅያናውያን (ናይ መርቅያን ተኸተልቲ) እዮም። ምኽንያቱ ንሳቶም ክርስቶስ ጽቡቕ (ሕያዋይ) ኣምላኽ እዩ፡ ናብ ብሉይ ኪዳን ኣምላኽ ግና ክፉእ (ጨካን) ኣምላኽ እዩ ስለ ዝብሉ። ሕጂ ግና ኣቦን ወድን ክልቲኣቶም ሓደ ሥራሕ ስለ ዚሠርሑ ንጹር ኮነ። ከምቲ ኣቦ ንሠራዊቱ ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝለኣኸ፡ ወዲ ድማ ጸላእቱ ኣብ ቅድሚኡ ኪሕረዱ ኣዘዘ” ብምባል ካብዛ ብዙኃት ሰባት ዚተዓንቀፉላ ቓል፡ ንመናፍቓን (ግኖስቲካውያን) ተኅፍር ቃል ኣውፅአ።

No comments:

Post a Comment